ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንኣገልግሎት ዘሎካ ቕንኣት ዓቅብ

ንኣገልግሎት ዘሎካ ቕንኣት ዓቅብ

ስብከት ብስራት መንግስቲ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ሎሚ ኣብ ምድሪ ዚዕየ ዘሎ ዝያዳ ኣገዳሲ ዝዀነ ዕዮ እዩ። ከም ኣገልጋሊ የሆዋ መጠን፡ ኣብዚ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ ኽትሳተፍ ምኽኣልካ፡ ከም ፍሉይ መሰል ጌርካ ኸም እትርእዮ ፍሉጥ እዩ። ይኹን እምበር፡ ፈለምትን ኣስፋሕትን ንኣገልግሎት ዘለዎም ቅንኣት ኣብ ምዕቃብ፡ ሓሓሊፉ ጸገማት ዜጋጥሞም ምዃኑ ትሰማምዓሉ ትኸውን ኢኻ።

ንኣገልግሎት ዘሎካ ቕንኣት ንኽትዕቅብ ኪሕግዘካ ዚኽእል እንታይ እዩ፧

ገሊኦም ኣስፋሕቲ ኻብ ቤት ናብ ቤት ከይዶም ከገልግሉ ኸለዉ፡ ዜዘራርብዎ ሰብ ንኺረኽቡ የጸግሞም እዩ። መብዛሕትኦም ሰባት ከኣ ኣብ ቤቶም ኣይርከቡን ይዀኑ። ኣብ ቤቶም እንተ ተረኺቦም ከኣ፡ ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዘይግደሱሉ ወይ እውን ዚጻረርዎ ኪዀኑ ይኽእል እዮም። ገሊኦም ኣስፋሕቲ ዜገልግልሉ ኽሊ ሰፊሕን ውጽኢታውን ብምዃኑ፡ ነቲ ዕዮ ኺውድእዎ ዘይኽእሉ ዀይኑ ይስምዖም። ገሊኦም ኣባላት ጉባኤ ኸኣ፡ ንዓመታት ዚኣክል—ካብቲ እተጸበይዎ ንላዕሊ ዝነውሐ—ስለ ዝሰበኹ፡ ተሓሊሎም እዮም።

ኵሎም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ነቲ ንዕዮ ስብከት ዘለዎም ቅንኣት ዜዳኽም ብድሆታት ዜጋጥሞም ምዃኑስ ኬገርመና ይግባእዶ፧ ኣይፋሉን። መን ካባና እዩ እሞ፡ ኣብዛ “እቲ እኩይ” ዝዀነ ሰይጣን ድያብሎስ ዚቈጻጸራ ዓለም፡ ነቲ ህይወት ዜድሕን መልእኽቲ ሓቂ ኣምላኽ ምእዋጅ ቀሊል ኪዀነሉ ኺጽበ ዚኽእል፧—1 ዮሃ. 5:19

ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክትሰብኽ ከለኻ ዝዀነ ይኹን ብድሆ የጋጥመካ ብዘየገድስ፡ ንኽትጻወሮ የሆዋ ኺሕግዘካ ኸም ዚኽእል እምንቶ ይሃሉኻ። እሞኸ፡ ነቲ ንክርስትያናዊ ኣገልግሎት ዘሎካ ቕንኣት ንኸተጐሃህሮ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ገለ ርእይቶታት እስከ ንመርምር።

ተመክሮ ንዘይብሎም ሓግዞም

ኣብ ዓዓመት፡ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ሰባት ተጠሚቖም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ይዀኑ እዮም። ኣብዚ ቐረባ ግዜ ርእስኻ ንኣምላኽ ወፊኻ እተጠመቕካ እንተ ዄንካ፡ ካብ ተመክሮ እቶም ቅድሜኻ ንነዊሕ እዋን ኪሰብኩ ዝጸንሑ ኣስፋሕቲ ኽትጥቀም ትኽእል ኢኻ። ንሓያሎ ዓመታት ኣስፋሒ መንግስቲ ኣምላኽ ኴንካ ኸተገልግል እንተ ጸኒሕካ ድማ፡ ንሓደስቲ ሰባት ኣብ ምስልጣን ንኽትሕግዝ ግቡእን ዚኽሕስን ምዃኑስ ኣይትሰማምዓሉንዶ፧

የሱስ፡ ደቀ መዛሙርቱ ውጽኢታውያን ወንጌላውያን ንኪዀኑ መምርሒ ኸም ዜድልዮም ይፈልጥ ነይሩ እዩ፣ እቲ ዕዮ ብኸመይ ኪዕየ ኸም ዘለዎ ኸኣ ኣርእይዎም እዩ። (ሉቃ. 8:1) ኣብዚ ግዜና እውን ውጽኢታውያን ኣገልገልቲ ንኪዀኑ ምስልጣን ዜድልዮም ኣስፋሕቲ ኣለዉ።

ሓደ ሓድሽ ኣስፋሒ፡ ኣብ ኣገልግሎት ብምስታፍ ጥራይ ናይ ምምሃር ክእለት ከም ዜጥሪ ጌርና ኽንሓስብ የብልናን። ነፍሲ ወከፍ ሓድሽ ኣስፋሒ ኻብ ሓደ ለዋህን ፈቃርን ኣሰልጣኒ መምርሒ ኺረክብ የድልዮ። እቲ ተመክሮ ዘይብሉ ኣስፋሒ፡ (1) ኣቀራርባ ብኸመይ ከም ዚዳሎን ከም ዚለማመድን፡ (2) ንሓደ ብዓል ቤት ወይ ሓላፍ መገዲ ብኸመይ ከም ዜዘራርቦ፡ (3) ጽሑፋት ብኸመይ ከም ዚዕድል፡ (4) ተገዳስነት ንዘርኣየ ሰብ ብኸመይ ከም ዚከታተሎ፡ ከምኡ እውን (5) መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዜጀምር ስልጠና ኺውሃቦ ይኽእል እዩ። ነቲ ኣሰልጣኒኡ ኣብ ኣገልግሎት ዚጥቀመሉ ሜላታት ምስ ዚዕዘቦን ምስ ዚቐድሖን ከኣ ጽቡቕ ውጽኢት ከም ዚርከብ ፍሉጥ እዩ። (ሉቃ. 6:40) እቲ ሓድሽ ኣስፋሒ፡ ጽን ኢሉ ዚሰምዖ፡ ኼድሊ ኸሎ ኸኣ ዚሕግዞ ኣስፋሒ ኣብ ጐድኑ ምህላዉ ኸየማሰወሉ ኣይተርፍን እዩ። ናእዳን ጠቓሚ ርእይቶን ምስ ዚውሃቦ ኸኣ ኪጥቀም ይኽእል እዩ።—መክ. 4:9, 10

ምስ መገላግልትኻ ተዘራረብ

ኣብ ወፍሪ ኣገልግሎት፡ ምስ ሰብ ቤት ንምምይያጥ ብዙሕ ጻዕርታት እኳ እንተ ገበርካ፡ ሓድሓደ ግዜ እቲ ብዝያዳ ዜሐጕስ ዝርርብ ኰይኑ ዝረኸብካዮ ምስ መገላግልትኻ ዝገበርካዮ ዝርርብ ኪኸውን ይኽእል እዩ። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “በብኽልተ ገይሩ” ንኺሰብኩ ኸም ዝለኣኾም ኣይትረስዕ። (ሉቃ. 10:1) እቶም ደቀ መዛሙርቲ፡ በብኽልተ ዀይኖም ሓቢሮም ኪዓይዩ ኸለዉ፡ ንሓድሕዶም ኪተባብዑን ኪነቓቕሑን ይኽእሉ ነበሩ። ስለዚ፡ ምስ ሓደ ክርስትያን ብጻይካ ኣብ ኣገልግሎት እተሕልፎ ግዜ፡ ‘ንሓድሕድካ ንኽትተባባዕ’ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኪኸፍተልካ ይኽእል እዩ።—ሮሜ 1:12

ምስ መገላግልትኻ ብዛዕባ እንታይ ኢኻ ኽትዘራረብ እትኽእል፧ ሓዴኹም ኣብ ቀረባ እውን ዜተባብዕ ተመክሮ ኣጋጢሙኩምዶ፧ ናይ ብሕቲ ወይ ናይ ስድራ ቤት መጽናዕቲ ኽትገብሩ ኸለኹም ዝረኸብኩምዎ ኣገዳሲ ነጥቢ ኣሎዶ፧ ኣብ ኣኼባ እተዋህበ ዝሃነጸኩም ሓሳባት ኣሎዶ፧ ሓድሓደ ግዜ፡ እቲ ምሳኻ እተመደበ ኣስፋሒ፡ ብስሩዕ ምሳኻ ዜገልግል ከይኸውን ይኽእል እዩ። እሞኸ፡ ብኸመይ ናብ ሓቂ ኸም ዝመጸ ትፈልጥ ዲኻ፧ ውድብና ውድብ የሆዋ ኸም ዝዀነት ዘእመኖ እንታይ እዩ፧ እንታይ ፍሉይ መሰላት ወይ ተመክሮታት ኣለዎ፧ ምናልባት ገለ ኻብቲ ናይ ብሕትኻ ተመክሮታት እውን ከተካፍሎ ትኽእል ትኸውን። እወ፡ ኣብ ኣገልግሎት ዝዀነ ይኹን ምላሽ የጋጥመካ ብዘየገድስ፡ ምስ ሓደ ኣስፋሒ ዄንካ ምግልጋል ‘ንሓድሕድኩም ንኽትተባብዑ’ ጽቡቕ ኣጋጣሚ እዩ ዚኸፍት።—1 ተሰ. 5:11

ጽቡቕ ልማድ መጽናዕቲ ይሃሉኻ

ንኣገልግሎት ዘሎካ ቕንኣት ንኽትዕቅብ ዚሕግዘካ ኻልእ ኣገዳሲ ነጥቢ ኸኣ፡ ጽቡቕ ልማድ መጽናዕቲ ምሓዝ እዩ። እቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ማእለያ ኣብ ዘይብሉ ኣዝዩ እተፈላለየ ኣርእስትታት ዘተኰረ ሓበሬታ ይሓትም እዩ። (ማቴ. 24:45) ስለዚ፡ መንፈሳዊ ምግቢ ንኽትረክብ ኢልካ ኸተጽንዖ እትኽእል እተፈላለየ ርእሰ ነገራት ኣሎካ። ንኣብነት፡ ‘ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧’ ንዚብል ርእሰ ነገር ከም ኣብነት ንውሰድ። እታ ኣብ ገጽ 16 ዘላ ሳጹን ገለ ኻብቲ ረቛሒታት ትገልጽ።

ኣብታ ሳጹን ንዘሎ ነጥብታት ምምርማርካ፡ ወትሩ ብቕንኣት ንኽትሰብኽ ኪድርኸካ ይኽእል እዩ። ነዚ ከም ናይ መጽናዕቲ ፕሮጀክት ጌርካ ብምርኣይ፡ ብቕንኣት ንኽትሰብኽ ኪድርኽ ዚኽእል ክንደይ ዚኣክል ተወሳኺ ረቛሒታት ክትዝርዝር ከም እትኽእል ዘይትሓስበሉ፧ ቀጺልካ ነቲ ዘቕረብካዮ ረቛሒታት ኪድግፍ ዚኽእል ነጥብታትን ጥቕስታትን ሕሰብ። ከምዚ ምግባርካ ንዘሎካ ቕንኣት ከም ዜደልድለልካ ፍሉጥ እዩ።

ንዚውሃበካ ርእይቶ ተቐበሎ

ውድብ የሆዋ ንኣገልግሎትና ኺሕግዘና ዚኽእል ርእይቶታት በብግዜኡ ብስሩዕ ተቕርበልና እያ። ንኣብነት፡ ኣብ ርእሲ እቲ ኻብ ቤት ናብ ቤት እናኸድና እንገብሮ ኣገልግሎት፡ ብደብዳበ ወይ ብተሌፎን ኣብ ዚግበር ምስክርነት ንካፈል፡ ኣብ ጐደናታት ወይ ኣብ ካልእ ግሁድ ቦታታት ንሰብኽ፡ ከምኡ እውን ብዘይወግዓዊ መገድን ኣብ ቦታታት ንግድን ንሰባት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንነገሮም ኢና። ብዘይካዚ፡ ኣብቲ ብዙሕ ዘይተዓይየ ኽሊ ንኽንምስክር ኵነታትና ኣተዓራሪና ኽንከውን ንኽእል ኢና።

እሞኸ ነዚ ርእይቶታት ትቕበሎ ዲኻ፧ ንገሊኡ ንኽትትግብሮኸ ፈቲንካዶ ትፈልጥ፧ ነዚ ዝፈተንዎ ኣስፋሕቲ፡ በቲ ዝረኸብዎ ውጽኢት ተሓጒሶም እዮም። ሰለስተ ኣብነት ንርአ።

እቲ ቐዳማይ ኣብነት፡ ሓደ ኻብቲ ኣብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ዚወጽእ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም እተጀምር ዚሕብር ዓንቀጻት ብምትግባር እተረኽበ እዩ። ኤፕሪል ዝስማ ሓብቲ በቲ ኣብኡ ዚወጽእ ርእይቶ ተደሪኻ ንሰለስተ መሳርሕታ መጽናዕቲ ኽትጅምረለን ሓተተተን። ሰለስቲአን ንሕቶኣ ተቐቢለን ኣብ ኣኼባታት ኪካፈላ ምስ ጀመራ፡ ብሓጐስ ተፈንጭሐት።

እቲ ኻልኣይ ኣብነት፡ መጽሔታት ምስ ምብርካት እተተሓሓዘ እዩ። ነቲ ኣብ መጽሔታትና ዚወጽእ ፍሉይ ዓንቀጽ ምላሽ ዚህብሉ ሰባት ከነናዲ ምትብባዕ ተዋሂቡና ነይሩ እዩ። ሓደ ሓላው ወረዳ፡ ንኣካየድቲ ስራሕ መኽዘናት ጎማ፡ ብዛዕባ ጎማ ዚገልጽ ዓንቀጽ ዝሓዘት መጽሔት ንቕሑ! ኸም ዘበርከተሎም ጸብጻብ ሂቡ እዩ። ብዘይካዚ፡ ንሱን ብዓልቲ ቤቱን፡ ኣብቲ ወረዳ እቲ ናብ ዚርከብ ልዕሊ 100 ዚኸውን ኣብያተ ጽሕፈት ሓካይም ብምኻድ፡ “ንሓኪምካ ተረድኣሉ” ዚብል ዓምዲ ዘለዋ መጽሔት ንቕሑ ዓዲሎም እዮም። እቲ ሓው፡ “እቲ በዚ ኸምዚ ዝገበርናዮ ምብጻሓት፡ ንርእስናን ንጽሑፋትናን ንኸነላሊ ኣዝዩ ጠቓሚ ዀይኑ ረኺብናዮ ኢና። ምስቶም ኣብዚ ቦታታት እዚ ዘለዉ ውልቀ ሰባት ምሕዝነታዊ ምቅርራብ ምስ ፈጠርና፡ ነቲ ምሳታቶም ዘሎና ርክብና ኸነደልድሎ ኽኢልና ኢና” በለ።

እቲ ሳልሳይ ኣብነት ከኣ፡ ብተሌፎን ምምስካር እዩ። ጁዲ ዝስማ ሓብቲ፡ ብተሌፎን ምስክርነት ንኽንህብ እተዋህበና መተባብዒ ኣመልኪታ ናብቲ ቐንዲ ቤት ጽሕፈትና ብጽሑፍ ሞሳኣ ገለጸት። ኣብኡ ኸኣ፡ እታ 86 ዓመት ዝዕድሚኣ ኣዲኣ፡ ብዙሕ ናይ ጥዕና ጸገማት ከም ዘለዋ እሞ፡ ኣብዚ ቕዱስ ዓይነት ምስክርነት ብስሩዕ ከም እትካፈልን ብተሌፎን ንሓንቲ 92 ዓመት ዝዕድሚኣ ኣረጋዊት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብምምራሕ ትሕጐስ ከም ዘላን ሓበረት።

እቲ ንምስክርነት ዚምልከት ኣብ ሕታማትና ዚወጽእ ርእይቶታት ብሓቂ ይዓዪ እዩ። ነዚ ርእይቶታት እዚ ተጠቐመሉ። ንኣገልግሎት ዘሎካ ሓጐስን ቅንኣትን ንኽትዕቅብ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።

ግብራዊ ሸቶታት ኣውጽእ

ኣብ ዕዮ ስብከት እንረኽቦ ዓወት ብቐዳምነት ዚልካዕ፡ ብብዝሒ እቲ እነበርክቶ ሕታማት፡ ብብዝሒ እቲ እንመርሖ መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ወይ ብብዝሒ እቶም ኣገልገልቲ የሆዋ ኪዀኑ እንሕግዞም ሰባት ኣይኰነን። ንኣብነት፡ ኖህ ካብ ስድራ ቤቱ ወጻኢ ንኽንደይ ሰባት እዩ ኣምለኽቲ የሆዋ ንኪዀኑ ዝሓገዞም፧ ይኹን እምበር፡ ዕዉት ሰባኺ እዩ ነይሩ። እቲ ብዝያዳ ዜገድስ ንየሆዋ እሙናት ኴንና ምግልጋልና እዩ።—1 ቈረ. 4:2

ሓያሎ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ንኣገልግሎት ዘለዎም ቅንኣት ንምጕህሃር፡ ግብራዊ ሸቶታት ኬውጽኡ ኸም ዜድሊ ተገንዚቦም እዮም። ገለ ኻብቲ ሸቶታት እንታይ ኪኸውን ይኽእል፧ ሒደት ርእይቶታት ኣብዛ ኣብ ጐድኒ ዘላ ሳጹን ቀሪቡ ኣሎ።

ብሓገዝ የሆዋ፡ ንኣገልግሎትካ ዚኽሕስን ውጽኢታውን ክትገብሮ ጽዓር። ሸቶታትካ ምስ ወቓዕካ ድማ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምስባኽ ዚከኣለካ ዅሉ ትገብር ከም ዘለኻ ምፍላጥካ፡ ዕግበትን ሓጐስን ኬምጽኣልካ እዩ።

ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ በዳሂ ኪኸውን ከም ዚኽእል ፍሉጥ እኳ እንተ ዀነ፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ብቕንኣት ንኽትእውጅ ክትገብሮ ዘሎካ ነገራት ግና ኣሎ። ምስ መገላግልትኻ ተተባባዕ፡ ጽቡቕ ልማድ መጽናዕቲ ይሃሉኻ፡ በቲ እሙን ባርያ ንዚውሃብ ርእይቶታት ኣብ ግብሪ ኣውዕሎ፡ ግብራዊ ሸቶታት ከኣ ኣውጽእ። ኣብ ርእሲ እዚ እውን፡ ኣምላኽ ሓደ ኻብ መሰኻኽሩ ዄንካ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክትእውጅ ክቡር መሰል ከም ዝሃበካ ኣይትረስዕ። (ኢሳ. 43:10) ንኣገልግሎት ዘሎካ ቕንኣት ወትሩ ምስ እትዕቅብ፡ ሕጉስ ክትከውን ኢኻ።