ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንጃፓን እተዳለወት እተስደምም ውህበት

ንጃፓን እተዳለወት እተስደምም ውህበት

ብ28 ሚያዝያ 2013 ኣብ ናጎያ፡ ጃፓን ኣብ እተገብረ ፍሉይ ኣኼባ፡ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ዝዀነ ኣንቶኒ ሞሪስ፡ መጽሓፍ ቅዱስ—ማቴዎስ ዝጸሓፎ ወንጌል ዘርእስታ ሓዳስ ሕታም ብጃፓንኛ ኸም ዝወጸት ዚሕብር ባህ ዜብል ምልክታ ምስ ነገረ፡ ተኣከብቲ ተደሚሞም እዮም። እቶም ኣብቲ ኣኼባ እተረኽቡን ብኢንተርነት እተኸታተልዎን ልዕሊ 210,000 ዝዀኑ ሰባት ብንውሕ ዝበለ ጣቕዒት ሓጐሶም ገሊጾም እዮም።

እዛ 128 ገጽ ዘለዋ ወንጌል ማቴዎስ፡ ካብቲ ብጃፓንኛ እተዳለወ ትርጕም ሓዳስ ዓለም እንደገና እተሓትመት ፍልይቲ ሕታም እያ። ሓውና ሞሪስ፡ እታ መጽሓፍ ንጃፓናውያን ተባሂላ ኸም እተዳለወት ገለጸ። እዛ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ እዚኣ፡ እንታይ ነገራት ሒዛ ኣላ፧ ስለምንታይ እያ ተዳልያ፧ ሰባትከ ብኸመይ ተቐቢሎምዋ፧

እንታይ ነገራት ሒዛ ኣላ፧

ቅርጺ ኣጸሓሕፋ መጽሓፍ ማቴዎስ ንሰማዕቲ ኣስደሚምዎም እዩ። ፊደላት ጃፓንኛ ንትኽሎ ወይ ንጋድም ኪጸሓፍ ይከኣል እዩ፣ ሒደት ሕታማት—እንተላይ እቲ ናይ ቀረባ እዋን ሕታማትና—ድማ ንጋድም እዩ ተጻሒፉ። ኣብዛ ሓዳስ ሕታም እዚኣ ዘሎ ጽሑፍ ግና ነቲ ኣብ ጋዜጣታትን ስነ ጽሑፋትን ጃፓን ልሙድ ዝዀነ ኣገባብ ብምስዓብ ንትኽሎ እዩ ተጻሒፉ። መብዛሕትኦም ጃፓናውያን እዚ ኣገባብ ኣጸሓሕፋ እዚ፡ ንኸተንብቦ ቐሊል ከም ዝዀነ እዮም ዚኣምኑ። ብዘይካዚ፡ ኣንባቢ ነቲ ቐንዲ ነጥብታት ብቐሊሉ ምእንቲ ኼስተብህለሉ፡ እቲ ኣብ ላዕላዋይ ሸነኽ ነፍሲ ወከፍ ገጽ ዚጸሓፍ ዝነበረ ኣርእስትታት፡ ከም ንኡስ ኣርእስትታት ኰይኑ ተጻሒፉ ኣሎ።

ኣብ ጃፓን ዘለዉ ኣሕዋትን ኣሓትን ነዛ ሓዳስ ሕታም መጽሓፍ ማቴዎስ ብኡብኡ ተጠቒሞምላ እዮም። ኣብ 80ታት ዓመት ዕድሜኣ እትርከብ ሓብቲ፡ “ቅድሚ ሕጂ ንመጽሓፍ ማቴዎስ ደጋጊመ ኣንቢበያ እየ፣ ሕጂ ግና ንትኽሎ እተጻሕፈት ምዃናን እቲ ንኡስ ኣርእስትታትን ነቲ ኣብ ከረን እተዋህበ ስብከት ምሉእ ብምሉእ ንኽርድኦ ሓጊዙኒ እዩ” በለት። ሓንቲ መንእሰይ ሓብቲ ኸኣ፡ “ንማቴዎስ ከየቋረጽኩ እየ ኣንቢበያ። ንጋድም ዚጸሓፍ ጽሑፍ ለሚደዮ እኳ እንተ ዀንኩ፡ መብዛሕትኦም ጃፓናውያን ግና ንትኽሎ ዝጸሓፍ ጽሑፍ እዮም ዚመርጹ” በለት።

ንጃፓናውያን ተባሂላ እተዳለወት

እዛ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነት ሓንቲ መጽሓፍ፡ ብፍላይ ንጃፓናውያን እትሕግዝ ብኸመይ እያ፧ መብዛሕትኦም ጃፓናውያን ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ሌላ እኳ እንተ ዘይብሎም፡ ንኼንብብዎ ግና ፍቓደኛታት እዮም። እዚ ሓድሽ ሕታም ወንጌል ማቴዎስ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ርእዮም ንዘይፈልጡ ጃፓናውያን፡ ክፋል እቲ ቕዱስ መጽሓፍ ኣብ ኢዶም ንኺረኽቡን ንኼንብብዎን ኣጋጣሚ ይኸፍተሎም እዩ።

መጽሓፍ ማቴዎስ እተመርጸት ስለምንታይ እያ፧ እታ “መጽሓፍ ቅዱስ” እትብል ቃል፡ ንመብዛሕትኦም ጃፓናውያን ብዛዕባ የሱስ ክርስቶስ እያ እተዘኻኽሮም። ስለዚ፡ ወንጌል ማቴዎስ ብዛዕባ እቲ ንብዙሓት ጃፓናውያን ዜገድሶም ርእሰ ነገራት፡ ማለት ብዛዕባ ወለዶን ውልደትን የሱስ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከቱ፡ ከምኡ እውን ብዛዕባ ዳሕሮት መዓልትታት እተዛረቦ ዜደንቕ ትንቢት ስለ እትገልጽ እያ ተመሪጻ።

ኣብ ጃፓን ዚነብሩ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ነዛ ሓዳስ ሕታም እዚኣ፡ ኣብ በቤትን ኣብ ተመላሊስካ ምብጻሕን ኬበርክትዋ ጀሚሮም እዮም። ሓንቲ ሓብቲ፡ “ሕጂ ኣብ ክልና ንዘለዉ ሰባት ቃል ኣምላኽ ከብጽሓሎም ዝያዳ ኣጋጣሚታት ኣሎኒ” ኢላ ጸሓፈት። ኣስዒባ እውን፡ “ኣብታ ፍሉይ ኣኼባ እተገብረላ መዓልቲ፡ ድሕሪ ቐትሪ ሓንቲ ቕዳሕ ማቴዎስ ከበርክት ክኢለ እየ” በለት።

ሰባት ብኸመይ ተቐቢሎምዋ፧

ኣስፋሕቲ ኺሰብኩ ኸለዉ ንሰባት ምስ መጽሓፍ ማቴዎስ ብኸመይ እዮም ዜላልይዎም፧ ሓያሎ ጃፓናውያን፡ ከም፡ “ጸባብ ኣፍ ደገ፡” “ሉልኩም ኣብ ቅድሚ ሓሰማታት ኣይትደርብዩ፡” “ብዛዕባ ጽባሕ ኣይትጨነቑ፡” ዝኣመሰለ መግለጺታት ይፈልጥዎ እዮም። (ማቴ. 6:34፣ 7:6, 13) ነዘን ቃላት እዚአን እተዛረበን የሱስ ክርስቶስ ምዃኑ ምስ ዚፈልጡ ድማ ይግረሙ እዮም። ሓያሎ ሰባት ነተን ቃላት ኣብ ወንጌል ማቴዎስ ምስ ረኣይወን፡ “ንመጽሓፍ ቅዱስ እንተ ወሓደ ሓንሳእ ከንብቦ ዅሉ ሳዕ እየ ዝምነ ነይረ” ዚብል ምላሽ እዮም ዚህቡ።

ኣስፋሕቲ ነቶም ንመጽሓፍ ማቴዎስ እተቐበሉ ሰብ ቤት ተመሊሶም ኪበጽሕዎም ከለዉ፡ እቶም ሰብ ቤት መብዛሕትኡ ግዜ፡ እንተ ወሓደ ንገለ ኽፋላ ኸም ዘንበብዎ እዮም ዝነግርዎም። ኣብ 60ታት ዓመት ዕድሚኡ ዚርከብ ሓደ ሰብኣይ ንሓደ ኣስፋሒ፡ “ደጋጊመ ብዙሕ ሳዕ ኣንቢበያን ተጸናኒዐን እየ። በጃኹም ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዝያዳ ምሃሩኒ” በሎ።

ኣስፋሕቲ ንመጽሓፍ ማቴዎስ ብጋህዲ ኣብ ዚግበር ምስክርነት እውን ይዕድልዋ ኣለዉ። ሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር ኣብዚ መዳይ ምስክርነት እዚ ኸተገልግል ከላ፡ መጽሓፍ ማቴዎስ ንእተቐበለት ጐርዞ፡ ናይ ኢ-መይል ኣድራሻኣ ሃበታ። ድሕሪ ሓደ ሰዓት ከኣ፡ እታ ጐርዞ ነታ መጽሓፍ ንእተወሰነ ኽፋላ ኸም ዘንበበታ እሞ፡ ዝያዳ ኽትፈልጥ ከም እትደሊ ዚሕብር መልእኽቲ ብኢ-መይል ጽሒፋ ነታ ሓብቲ ሰደደትላ። ድሕሪ ሓደ ሰሙን ድማ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ትመርሓላ፡ ነዊሕ ከይጸንሐት ከኣ ኣኼባታት ክትመጽእ ጀመረት።

ልዕሊ 1,600,000 ቅዳሓት መጽሓፍ ቅዱስ—ማቴዎስ ዝጸሓፎ ወንጌል ኣብ ጃፓን ናብ ዘለዋ ጉባኤታት ተላኢኹለን እዩ፣ እቶም ኣስፋሕቲ ኸኣ ኣብ ወወርሒ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዚቝጸር ቅዳሓት የበርክቱ ኣለዉ። ኣሕተምቲ እዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ ኣብ መቕድማ፡ “ነዛ ሕታም እዚኣ ምንባብኩም ንመጽሓፍ ቅዱስ ዘሎኩም ተገዳስነት ከም ዜደልድለልኩም፡ ልባዊ ተስፋና እዩ” ብምባል ትምኒቶም ገሊጾም እዮም።