ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣህዛብ “ትምህርቲ የሆዋ” ንኺረኽቡ ምድላዎም

ኣህዛብ “ትምህርቲ የሆዋ” ንኺረኽቡ ምድላዎም

“እቲ ምስለኔ፡ . . . ብትምህርቲ የሆዋ ተገሪሙ ኣመነ።”—ግብ. 13:12

1-3. ደቀ መዛሙርቲ የሱስ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ‘ንዅሎም ኣህዛብ’ ኪሰብኩሎም ከለዉ፡ እንታይ ዕንቅፋታት እዩ ዜጋጥሞም ነይሩ፧

 የሱስ ክርስቶስ ንሰዓብቱ ዓብዪ መዚ ሃቦም። “ኪዱ ኻብ ኵሎም ኣህዛብ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ” ኢሉ ኣዘዞም። ነዚ ትእዛዝ እዚ ምስ ዚፍጽምዎ ኸኣ፡ ‘ብስራት መንግስቲ፡ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ኵላ ዓለም ይስበኽ።’—ማቴ. 24:14፣ 28:19

2 እቶም ደቀ መዛሙርቲ ንየሱስን ንብስራት መንግስቲ ኣምላኽን ፍቕሪ ነይርዎም እዩ። ይኹን እምበር፡ ነቲ እተዋህቦም መዚ ብኸመይ ኪፍጽምዎ ኸም ዚኽእሉ ደንጽይዎም ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ቅድም ቀዳድም ብቝጽሪ ሒደት እዮም ነይሮም። እቲ ወዲ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ዚእውጅዎ ዝነበሩ የሱስ ተቐቲሉ እዩ። ብዘይካዚ፡ ሰባት ንደቀ መዛሙርቲ የሱስ ከም “ዘይተማህሩ ተራ ሰባት” ገይሮም እዮም ዚርእይዎም ነይሮም። (ግብ. 4:13) እቲ ዝሰብክዎ መልእኽቲ ኸኣ ምስ ትምህርትታት እቶም ኣብ ጥንታዊ ልምድታት እተመርኰሰ ትምህርቲ ሃይማኖት እተማህሩ ምርኡያት መራሕቲ ሃይማኖት ዚጻረር እዩ ነይሩ። ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ኣብ ዓዶም ይንዓቑ እዮም ነይሮም። ኣብቶም ብተዛማዲ ሒደት ዝዀኑ ህዝቢ እስራኤል ካብ ተናዕቁ ኸኣ፡ ኣብቲ ሰፊሕ ግዝኣት ሃጸያዊ ሮሜ ብኸመይ ከም ዚርኣዩ ኣጨኒቕዎም ነይሩ ኪኸውን ከም ዚኽእል ፍሉጥ እዩ።

3 ብዘይካዚ፡ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኸም ዚጽልኡን ከም ዚስጐጉን ገሊኣቶም ከኣ ከም ዚቕተሉን ኣጠንቂቕዎም ነይሩ እዩ። (ሉቃ. 21:16, 17) ብፈተውቶም ከም ዚከሓዱ፡ ናይ ሓሶት ነብያት ከም ዜጋጥምዎም፡ ከምኡ እውን ጥሕሰት ሕጊ ኣብ ዚበዝሓሉ ማሕበረሰብ ከም ዚነብሩ ነጊርዎም ነይሩ እዩ። (ማቴ. 24:10-12) መልእኽቶም ኣብ ኵሎም ሰባት ተቐባልነት እንተ ዚረክብ ነይሩ እውን፡ “ክሳዕ ወሰን ምድሪ” ኼብጽሕዎ ዚኽእሉ ዝነበሩ ብኸመይ እዮም፧ (ግብ. 1:8) እዚ ዅሉ ብድሆታት እናሃለወ ነቲ ዕዮ ብኸመይ ኪፍጽምዎ ኸም ዚኽእሉ ኣተሓሳሲብዎም ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

4. ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ፡ ኣብ ዕዮ ስብከቶም ክሳዕ ክንደይ እዮም ዕዉታት ነይሮም፧

4 እቶም ደቀ መዛሙርቲ፡ ብዙሕ ዜሻቕሎም ነገራት እኳ እንተ ነበሮም፡ ኣብ የሩሳሌምን ሰማርያን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ካልኦት ሃገራት እውን ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ሰቢኾም እዮም። ነቲ ብስራት ኣብ ውሽጢ 30 ዓመት ኣብ ብዙሕ ሃገራት ስለ ዜብጽሕዎ ኸኣ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባኡ፡ “ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ፍጥረት” እናተሰብከ፡ ‘ኣብ ኵላ ዓለም ይፈርን ይዓብን’ ከም ዝነበረ ገሊጹ እዩ። (ቈሎ. 1:6, 23) ንመረዳእታ፡ ብምኽንያት እቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ደሴት ቆጵሮስ እተዛረቦን ዝገበሮን ነገራት፡ ሮማዊ ምስለኔ ዝነበረ ሰርግዮስ ጳውሎስ፡ “ብትምህርቲ የሆዋ ተገሪሙ ኣመነ።”—ግብሪ ሃዋርያት 13:6-12 ኣንብብ።

5. (ሀ) የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ እንታይ መረጋገጺ እዩ ሂብዎም፧ (ለ) ገሊኦም ነቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ዅነታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ እንታይ እዮም ኢሎም፧

5 ደቀ መዛሙርቲ የሱስ፡ ንዕዮ ስብከት ብገዛእ ርእሶም ኪዓምምዎ ኸም ዘይኽእሉ ይፈልጡ ነይሮም እዮም። ከመይሲ፡ የሱስ ኣቐድም ኣቢሉ፡ ምስኦም ከም ዚኸውንን መንፈስ ቅዱስ ከም ዚሕግዞምን ነጊርዎም ነይሩ እዩ። (ማቴ. 28:20) ኣብ ገሊኡ መዳያት ከኣ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ዓለም ዝነበረ ዅነታት፡ ንዕዮ ስብከት ንምስፍሕፋሕ ዚሕግዝ እዩ ነይሩ። ሓንቲ ናይ ታሪኽ መጽሓፍ፡ ክርስትያናት ስብከቶም ኪጅምሩሉ ዚኽእሉ ዝበለጸ እዋን ቀዳማይ ዘመን ነይሩ ኪኸውን ከም ዚኽእል፡ ኣምልኾኦም ንኸካይዱ መገዲ ዘጣጥሓሎም ድማ ኣምላኽ ኪኸውን ከም ዚኽእል ገለ ግዝያት ጸኒሖም ባዕሎም ከም እተኣመኑ ገሊጻ እያ።

6. (ሀ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ (ለ)ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

6 ዕዮ ስብከት ምእንቲ ኼስፋሕፍሕ፡ ኣምላኽ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ንዝነበረ ዅነታት ክሳዕ ክንደይ ከም እተቘጻጸሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይገልጽን እዩ። ርግጸኛታት እንዀነሉ ነገር ግና ኣሎ። እዚ ኸኣ፡ የሆዋ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኪስበኽ ይደሊ እዩ፣ ሰይጣን ግና ኣይደልን እዩ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ዕዮ ስብከት ንኼስፋሕፍሕ፡ ቀዳማይ ዘመን ካብ ካልእ ዘመን ንላዕሊ ኣዝዩ ምሹእ ዝነበረሉ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ዚገልጽ ገለ ረቛሒታት ክንርኢ ኢና። ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ከኣ፡ ኣብ ግዜና ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክሳዕ ወሰን ምድሪ ንኽንሰብኽ እንታይ ነገራት ከም ዝሓገዘና ኽንርኢ ኢና።

ኣብ ሮሜ ዝነበረ እዋን ሰላም ብኸመይ ከም ዝሓገዘ

7. “ሰላም ሮሜ” እንታይ እዩ፧ ካብ ካልእ እዋን ፍሉይ ዚገብሮኸ እንታይ እዩ፧

7 ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ ኣብ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ዝነበረ እዋን ሰላም፡ ንክርስትያናት ብቐሊሉ ንኺሰብኩ ኣኽኢልዎም እዩ። እዚ እዋን እዚ፡ ብላቲን ፓክስ ሮማና፡ ማለት “ሰላም ሮሜ” ብዚብል እዩ ዚፍለጥ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ከምቲ የሱስ እተነበዮ፡ ሓድሓደ ግዜ “ውግእን ወረ ውግእን” ነይሩ እዩ። (ማቴ. 24:6) ሰራዊት ሮሜ ብ70 ድ.ክ. ንየሩሳሌም ኣጥፍእዋ፡ ኣብ ዶባት ግዝኣት ሮሜ ኸኣ ውግእ ነይሩ እዩ። ይኹን እምበር፡ እተን ኣብ መዲተራንያን ዚርከባ ዝነበራ ሃገራት፡ ካብ ግዜ የሱስ ጀሚሩ ን200 ዓመት ዚኣክል ብእተወሰነ ደረጃ ሰላም ነይርወን እዩ። ሓደ መወከሲ መጽሓፍ ከም ዝገለጾ፡ “ኣብ ታሪኽ ወዲ ሰብ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ከምኡ ዝኣመሰለ ሓፈሻዊ ህድኣት ተራእዩ ኣይፈልጥን እዩ፣ እቲ ኣብ ማእከል ታእላው ዘይብሎም ሰባት እተራእየ ሰላም እንደገና ኣይተራእየን” በለ።

8. እቲ ናይ ሰላም ሃዋህው ነቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ዝጠቐሞም ብኸመይ እዩ፧

8 ኦሪገን ዝስሙ ኣብ ሳልሳይ ዘመን ዚነብር ዝነበረ ምሁር ስነ ሃይማኖት፡ “ብዙሓት መንግስትታት እንተ ዚነብራ ነይረን፡ ትምህርትታት የሱስ ኣብ ምሉእ ዓለም ንኸየስፋሕፍሕ ዕንቅፋት ምዀነ ነይሩ፣ . . . ኣብ ኵሉ ሃገራት ዚነብሩ ሰባት ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ንኺፍጽሙን ምእንቲ ሃገሮም ንኺዋግኡን ምተገደዱ ነይሮም። . . . ስለዚ፡ ኣብ ኵለን ሃገራት ዝነበረ ኣህጉራዊ ዅነታት እንተ ዘይቅየር ነይሩ፡ ኣብ ምጽኣት የሱስ ከኣ ልኡም መንፈስ እንተ ዘይርአ ነይሩስ እዚ ብዛዕባ ሰላም ዚሰብኽን ንሰባት ኣንጻር ጸላእቶም ሕነ ኺፈድዩ ዘይፈቅድን ትምህርቲ ብኸመይ ምትዓወተ፧” ኢሉ ጸሓፈ። ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ይስጐጉ እኳ እንተ ነበሩ፡ ገበርቲ ሰላም እዮም ነይሮም፣ ካብቲ ሽዑ ዝነበረ ሰላማዊ ሃዋህው ድማ ዚጥቀሙ ዝነበሩ እዩ ዚመስል። —ሮሜ 12:18-21 ኣንብብ።

ብተዛማዲ ምሹእ ዝነበረ ጕዕዞ ብኸመይ ከም ዝሓገዘ

9, 10. ጕዕዞ ኣብ ግዜ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ንዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ብተዛማዲ ምሹእ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

9 ክርስትያናት ነቲ ሮማውያን ዝሰርሕዎ ዝነበሩ ጽርግያታት ጽቡቕ ገይሮም ይጥቀሙሉ ነይሮም እዮም። ሮሜ ኣብ ልዕሊ ተገዛእታ ዘለዋ ስልጣን ንምዕቃብ፡ ሓያልን ውጽኢታውን ሰራዊት ነበራ። ወተሃደራት ቀልጢፍካ ንምንቅስቓስ ከኣ ጽቡቕ ጽርግያ የድሊ ነበረ፣ ሮማውያን ከኣ ጽርግያታት ኣብ ምስራሕ ክኢላታት እዮም ነይሮም። መሃንድሳት ሮሜ ዳርጋ ምስ ኵለን እተን ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ሮሜ ዝነበራ ሃገራት ዜራኽብ ልዕሊ 80,000 ኪ.ሜ. ዚኸውን ጽርግያታት ሰሪሖም ነበሩ። ብማእከል ጫካታትን በረኻታትን ሰንጢቑ ዚሓልፍ፡ ናብ ኣኽራን እውን ዚድይብ ጽርግያታት ተሰሪሑ ነበረ።

10 ሮማውያን፡ ጽርግያ ኣብ ርእሲ ምስራሖም፡ ብጃላቡን ብመራኽብን ገይሮም ብወሓይዛትን ብመትረባትን ኣስታት 27,000 ኪ.ሜ. ርሕቐት ናብ ዘለዎ ቦታ ይጐዓዙ ነይሮም እዮም። መራኽብ ሮሜ ብኣስታት 900 መገዲ ባሕሪ ተጓዒዘን፡ ብኣማእታት ናብ ዚቝጸር ወደባት ይጐዓዛ ነይረን እየን። ስለዚ፡ ክርስትያናት እውን ብመገዲ ባሕሪ ናብ ብዙሕ ቦታታት ኪጐዓዙ ይኽእሉ ነይሮም እዮም። ጸገማት እኳ እንተ ነበረ፡ ሃዋርያ ጳውሎስን ካልኦትን ብዘይ ፓስፖርትን ቪዛን ናብ ሓያሎ ቦታታት ኪጐዓዙ ይኽእሉ ነይሮም እዮም። ቤት ጽሕፈት ስደተኛታት ኰነ ጉምሩክ ኣይነበረን። ሸፋቱ መቕጻዕቲ ሮማውያን የፍርሆም ስለ ዝነበረ፡ መገዲ ኽሳዕ ክንድቲ ኣየስግእን እዩ ነይሩ። ሓይሊ ባሕሪ ሮሜ ንመገዲ ባሕሪ ኻብ ሸፋቱ ኣጽርይዎ ስለ ዝነበረ፡ ብጃልባ ወይ ብመርከብ ዚግበር ጉዕዞ እውን ዜስግእ ኣይነበረን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ጳውሎስ ዝነበራ መርከብ ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት ከም እተሰብረት፡ ኣብ ባሕሪ እውን ሓደጋታት ከም ዘጋጠሞ ዚገልጽ እኳ እንተ ዀነ፡ ኣብ ጕዕዞኡ ሸፋቱ የሸግርዎ ኸም ዝነበሩ ግና ኣይገልጽን እዩ።—2 ቈረ. 11:25, 26

ቋንቋ ብኸመይ ከም ዝሓገዘ

ብኮዴክስ ተጠቒምካ ጥቕሲ ኽትረክብ ቀሊል ነበረ (ሕጡብ ጽሑፍ 12 ርአ)

11. ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ንቛንቋ ግሪኽ እተጠቕሙሉ ስለምንታይ እዮም፧

11 እቲ ኮይን ዚብሃል ቋንቋ ግሪኽ እውን ኣብ ማእከል ክርስትያናት ጽቡቕ ጌርካ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥን ሓድነትን ንኺህሉ ሓጊዙ እዩ። መብዛሕትኡ ኻብቲ ሮሜ እትቈጻጸሮ ዝነበረት ሃገራት፡ ኣቐድም ኣቢሉ እስክንድር ዓብዪ ዝወረሮ ቦታታት ስለ ዝነበረ፡ ኣብቲ ኸባቢ ዝነበሩ ሰባት ግሪኽኛ ይዛረቡ ነይሮም እዮም። በዚ ኸምዚ፡ ህዝቢ ኣምላኽ ምስ ኵሎም ዓይነት ሰባት ኪዛረቡ ይኽእሉ ነበሩ፣ እዚ ኸኣ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንኼስፋሕፍሕ ሓጊዙ እዩ። ብዘይካዚ፡ ኣብ ግብጺ ዝነበሩ ኣይሁድ ንቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ናብ ግሪኽኛ ተርጒሞምዎ ነይሮም እዮም። እዚ ትርጕም እዚ፡ ትርጕም ሰብዓ ሊቃናት እዩ። መብዛሕትኦም ሰባት እዚ ትርጕም እዚ ስለ ዝነበሮም፡ ቀዳሞት ሰዓብቲ ክርስቶስ፡ ካብኡ ብዙሕ ሳዕ ይጠቕሱ ነይሮም እዮም። ብዘይካዚ፡ ክርስትያናት ንገሊኡ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ ብግሪኽኛ እዮም ጽሒፎምዎ። እዚ ቛንቋ እዚ ብዙሕ ቃላት ስለ ዝነበሮ፡ መንፈሳዊ ጕዳያት ንኸተብርህ ዚሕግዝ ቋንቋ እዩ ነይሩ።

12. (ሀ) ኮዴክስ እንታይ እዩ፧ ካብ ብራና ሓለፋ ዘለዎኸ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) መብዛሕትኦም ክርስትያናት ንኮዴክስ ኪጥቀሙሉ ዝጀመሩ መዓስ እዮም፧

12 ክርስትያናት ንቕዱሳት ጽሑፋት ኣብ ኣገልግሎቶም ብኸመይ እዮም ኪጥቀሙሉ ዚኽእሉ ነይሮም፧ ብራናታት፡ ኣብ ሓደ ወገኑ ጥራይ ስለ እተጻሕፎ፡ ምጥቕላልን ምዝርጋሕን ከኣ የድልዮ ስለ ዝነበረ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ዘይምሹእ እዩ ነይሩ። ወንጌል ማቴዎስ ንበይና ሓንቲ ጥቕላል እያ ነይራ። ጸኒሑ ግና፡ ኮዴክስ (ዓይነት ጥንታዊ መጽሓፍ) ተጀመረ። እዚ መጽሓፍ እዚ፡ ብሓደ እተጠርነፈ ገጻት ዝሓቘፈ ጥራዝ እዩ ነይሩ። ሓደ ኣንባቢ፡ ኮዴክስ ብምግንጻል ብቐሊሉ ጥቕሲ ኺረክብ ይኽእል ነይሩ እዩ። ክርስትያናት፡ ኮዴክስ ኪጥቀሙ ዝጀመሩ መዓስ ምዃኑ ብልክዕ ዘይፍለጥ እኳ እንተ ዀነ፡ ሓደ መወከሲ ግና፡ “ኣብ ካልኣይ ዘመን ዝነበሩ መብዛሕትኦም ክርስትያናት ንኮዴክስ ይጥቀሙሉ ስለ ዝነበሩ፡ ኮዴክስ ኪተኣታቶ ዝጀመረሉ እዋን ቅድሚ 100 ቅ.ክ. ኣቢሉ ኪኸውን ኣለዎ” በለ።

ሕጊ ሮሜ ብኸመይ ከም ዝሓገዘ

13, 14. (ሀ) ጳውሎስ ነቲ ዝነበሮ ሮማዊ ዜግነት ብኸመይ ተጠቕመሉ፧ (ለ) ሕጊ ሮሜ ንክርስትያናት ዝጠቐሞም ብኸመይ እዩ፧

13 ሕጊ ሮሜ ኣብ ኵሉ እቲ ሃጸያዊ ግዝኣት እዩ ዚዕየየሉ ነይሩ፣ ሮማዊ ዜግነት ምርካብ ከኣ ጠቓሚ መሰላትን ውሕስነትን ዚህብ እዩ ነይሩ። ጳውሎስ ነቲ ዝነበሮ ሮማዊ ዜግነት ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት ተጠቒሙሉ እዩ። ኣብ የሩሳሌም ተጻረርቲ ኺገርፍዎ ምስ ደለዩ እኳ፡ ንሓደ ሮማዊ ብዓል ስልጣን፡ “ንዘይተፈርዶ ሮማዊ ሰብ ክትገርፉዶ ተፈቒዱልኩም እዩ፧” በሎ። ኣይፍቀድን ድማ እዩ ነይሩ። ጳውሎስ፡ ሮማዊ ዜግነት ዝነበሮ ብትውልዲ ምዃኑ ምስ ሓበረ፡ “እቶም እናኣሳቐዩ ኺምርምርዎ ኢሎም ዝነበሩ ኸኣ ብኡብኡ ኻብኡ ኣልገሱ፣ እቲ ሓለቓ ሽሕ ድማ [ጳውሎስ] ሮማዊ ምዃኑ ምስ ፈለጠ፡ ስለ ዝኣሰሮ ፈርሀ።”—ግብ. 22:25-29

14 ጳውሎስ ሮማዊ ዜግነት ስለ ዝነበሮ፡ ኣብ ፊልጲ ብጽቡቕ ንኽትሓዝ ጽልዋ ገይሩ እዩ። (ግብ. 16:35-40) ኣብ ኤፌሶን፡ ዋና ጸሓፊ እታ ኸተማ፡ ነቲ እተቘጥዐ ጭፍራ ምስ ኣህደኦ፡ ሕጊ ሮሜ ጠቒሱ እዩ። (ግብ. 19:35-41) ጳውሎስ ኣብ ቂሳርያ ኸሎ ይግባይ ምባሉ፡ ኣብ ቅድሚ ቄሳር ቀሪቡ ብዛዕባ እምነቱ ንኺማጐት መገዲ ኸፈተሉ። (ግብ. 25:8-12) ሕጊ ሮሜ ንጳውሎስ፡ ‘ነቲ ብስራት ብሕጊ ኺስርቶን ኪማጐተሉን’ ኣኽኢልዎ እዩ።—ፊል. 1:7

ውጽኢት ምብታን ኣይሁድ

15. ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ማሕበረሰብ ኣይሁድ ክሳዕ ኣበይ እዮም ተበቲኖም ነይሮም፧

15 ማሕበረ ሰብ ኣይሁድ ኣብ ኵሉ ግዝኣት ሮሜ ተበቲኖም ስለ ዝነበሩ፡ ንክርስትያናት ዕዮ ወንጌላውነት ቀሊል ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ዘመናት ኣቐዲሙ፡ መጀመርታ ኣሶራውያን ጸኒሖም ከኣ ባቢሎናውያን፡ ንኣይሁድ ካብ ሃገሮም ማሪኾም ወሲዶምዎም ነይሮም እዮም። ማሕበረ ሰብ ኣይሁድ ካብ ሓምሻይ ዘመን ቅ.ክ. ኣትሒዞም፡ ኣብ 127 ሃገራት ሃጸያዊ ግዝኣት ፋርስ ይነብሩ ነይሮም እዮም። (ኣስ. 9:30) የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኣብ ግብጽን ኣብ ካልእ ክፋል ሰሜን ኣፍሪቃን ኣብ ግሪኽን ኣብ ንእሽቶ እስያን ኣብ መሰጶታምያን ማሕበረ ሰብ ኣይሁድ ነይሮም እዮም። ካብቶም ኣብ ግዝኣት ሮሜ ዝነበሩ 60,000,000 ዝዀኑ ሰባት፡ 1 ካብ 14 ኣይሁዳዊ ኸም ዝነበረ እዩ ዚግመት። ኣይሁድ ኣብ ዝኸድዎ ዘበለ ቦታ ብሃይማኖቶም እዮም ዚመላለሱ ነይሮም።—ማቴ. 23:15

16, 17. (ሀ) ምብታን ኣይሁድ፡ ኣይሁድ ንዘይኰኑ ሓያሎ ሰባት ዝጠቐሞም ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ክርስትያናት እንታይ ልምድታት ኣይሁድ እዮም ስዒቦም፧

16 ኣይሁድ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ተበቲኖም ስለ ዝነበሩ፡ ኣይሁዳውያን ዘይኰኑ ሓያሎ ሰባት፡ ምስ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ኺላለዩ ኽኢሎም እዮም። ሓደ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ጥራይ ከም ዘሎን እቶም ዜገልግልዎ ኸኣ ንሕግታቱ ኺሕልውዎ ኸም ዜድልዮምን ፈሊጦም እዮም። ብዘይካዚ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ብዛዕባ መሲሕ ዚገልጽ ሓያሎ ትንቢታት ዝሓዘ እዩ። (ሉቃ. 24:44) ኣይሁድን ክርስትያናትን ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ጽሑፍ ከም ዝዀነ ይርድኦም ነይሩ እዩ። እዚ ኸኣ ንጳውሎስ ካብ ልቦም ጽድቂ ንዚደልዩ ሰባት ኪሰብከሎም ከሎ፡ ዜረዳድኦም ሓባራዊ ባይታ ኼንጽፍ ኣኽኢልዎ እዩ። ስለዚ ድማ፡ ኣብ ምኵራብ ኣይሁድ ከም ልማዱ እናኣተወ ብቕዱሳት ጽሑፋት የዘራርቦም ነይሩ እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 17:1, 2 ኣንብብ።

17 ኣይሁድ ስርዓት ኣምልኾ ነይርዎም እዩ። ኣብ ምኵራባት ወይ ኣብ ደገ ኣዘውቲሮም ይእከቡ ነይሮም እዮም። ይዝምሩን ይጽልዩን ብቕዱሳት ጽሑፋት ይመያየጡን ነይሮም እዮም። ሎሚ እውን ኣብ ክርስትያን ጉባኤታት ከምኡ ኢና እንገብር።

ብሓገዝ የሆዋ ተኻእለ

18, 19. (ሀ) እቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ዅነታት እንታይ ከም ዚከኣል እዩ ገይሩ፧ (ለ) እቲ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እተዋህበ ሓበሬታ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ስምዒት እዩ ዜሕድረልካ፧

18 ስለዚ እምበኣር፡ ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ዕዉት ንኪኸውን ዝሓገዘ ሓያሎ ፍሉይ ኵነታት ነይሩ እዩ። ኣብ ሮሜ ዝነበረ እዋን ሰላምን እቲ ብተዛማዲ ምሹእ ዝነበረ ጕዕዞን ሰባት ሓደ ቛንቋ ኺዛረቡ ምኽኣሎምን ሕጊ ሮሜን ምብታን ኣይሁድን ንደቀ መዛሙርቲ የሱስ ነቲ ብኣምላኽ እተዋህቦም ዕዮ ስብከት ንኺፍጽምዎ ኣኽኢልዎም እዩ።

19 የሱስ ናብ ምድሪ ቕድሚ ምምጻኡ ኣርባዕተ ዘመናት ኣቐዲሙ፡ እቲ ግሪኻዊ ፈላስፋ ዝነበረ ፕላቶ፡ ሓደ ኻብቶም ኣብ ስነ ጽሑፉ ዘቕረቦም ገጸ ባህርያት፡ “ነቲ ንዩኒቨርስ ዝገበሮ ፈጣርን ኣቦን ክትፈልጦ ኣዝዩ ኣሸጋሪ እዩ፣ እንተ ንፈልጦ ኔርና እውን ንዅሉ ሰብ ብዛዕባኡ ኽትዛረብ ኣይምተኻእለን ነይሩ” ከም ዝበለ ገይሩ ኣቕረቦ። የሱስ ግና፡ “እቲ ብሰባት ዘይከኣል፡ ብኣምላኽ ይከኣል እዩ” በለ። (ሉቃ. 18:27) ፈጣሪ ዩኒቨርስ፡ ሰባት ኪረኽብዎን ኪፈልጥዎን ይደሊ እዩ። ብዘይካዚ፡ የሱስ ንሰዓብቱ፡ “ካብ ኵሎም ኣህዛብ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ” ኢልዎም ነይሩ እዩ። (ማቴ. 28:19) እዚ ዕዮ እዚ፡ ብሓገዝ የሆዋ ኣምላኽ ኪፍጸም ይከኣል እዩ። እዛ እትስዕብ ዓንቀጽ፡ እዚ ኣብ ግዜና ብኸመይ ይፍጸም ከም ዘሎ ኽትገልጸልና እያ።