ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ታሪኽ ህይወት

ዝያዳ ዕግበትን ዓስብን ዘለዎ ሞያ ረኺብና

ዝያዳ ዕግበትን ዓስብን ዘለዎ ሞያ ረኺብና

ኣነን ግወንን ደቂ ሓሙሽተ ዓመት ከለና፡ ሳዕስዒት ክንመሃር ጀመርና። ይኹን እምበር፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ኽልቴና ኣይተራኸብናን ኔርና። ግናኸ፡ ነፍሲ ወከፍና እናዓበና ምስ ከድና ንሳዕስዒት ባለይ ሞያና ኽንገብሮ ወሰንና። ኣብ ሞያና ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ምስ በጽሓና ግና፡ ምሉእ ብምሉእ ራሕራሕናዮ። ኣብዚ ውሳነ እዚ ኸም እንበጽሕ ዝገበረና እንታይ እዩ፧

ዴቪድ፦ ብ1945 ኣብ ሽሮፋየር፡ ዓዲ እንግሊዝ እየ ተወሊደ። ኣቦይ ኣብቲ ሰላም ዝሰፈኖ ገጠር ቦታ ሕርሻ ነበሮ። ካብ ቤት ትምህርቲ ምስ ተመለስኩ፡ ንደርሁ እኽለ ማይ ምሃብን እንቋቝሖአን ምእካብን ንኸብትን ንኣባጊዕን ምክንኻንን ደስ ይብለኒ ነበረ። ትምህርቲ ኺዕጾ ኸሎ፡ ኣብ እዋን ቀውዒ፡ እኽሊ ኣብ ምዕጻድን ኣብ ምእካብን እሕግዝ ነበርኩ፡ ሓድሓደ ግዜ እውን ንትራክተርና እዝውር ነበርኩ።

ይኹን እምበር፡ ካልእ ዜገድሰኒ ነገር ንህይወተይ ኪቈጻጸሮ ጀመረ። ገና ንእሽቶ ኸለኹ፡ ሙዚቃ ኺውላዕ ከሎ ኽስዕስዕ ከም ዝደሊ፡ ኣቦይ ኣስተባህለለይ። ስለዚ፡ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ከለኹ፡ ብፍሉይ ዓይነት ጫማ ዚግበር ሳዕስዒት ጠብጠብታ (ታፕ ዳንሲንግ) ምእንቲ ኽምሃር፡ ኣብ ከባቢና ናብ ዚርከብ ቤት ትምህርቲ ሳዕስዒት ንኽትወስደኒ፡ ንኣደይ ነገራ። መምህረይ ሳዕሳዒ ባለይ ክኸውን ተኽእሎ ኸም ዘሎኒ ስለ ዜስተብሃለ፡ ነዚ ዓይነት ሳዕስዒት እውን ኪምህረኒ ጀመረ። ወዲ 15 ዓመት ምስ ኰንኩ ድማ፡ ኣብ ለንደን ኣብ ዚርከብ ሓደ ውሩይ ቤት ትምህርቲ ሳዕስዒት ባለይ ኣትየ ንኽምሃር ናይ ትምህርቲ ዕድል ረኸብኩ። ኣብኡ ድማ ንግወን ረኸብክዋ፡ መጻምድቲ ዄንና ድማ ንስዕስዕ ነበርና።

ግወን፦ ብ1944 ኣብታ ብዙሕ ንጥፈታት ዚካየደላ ኸተማ ለንደን እየ ተወሊደ። ቈልዓ ኸለኹ፡ ኣብ ኣምላኽ ድልድልቲ እምነት ኔራትኒ እያ። ንመጽሓፍ ቅዱሰይ ከነብቦ እጽዕር እኳ እንተ ነበርኩ፡ ንኽርድኦ ግና የጸግመኒ ነበረ። ቅድሚ እዚ ግና፡ ጓል ሓሙሽተ ዓመት ከለኹ፡ ሳዕስዒት እመሃር ነበርኩ። ድሕሪ ሽዱሽተ ዓመት ከኣ፡ ናይ ምሉእ ብሪጣንያ ውድድር ምስ ተገብረ ተወዳዲረ ተዓወትኩ እሞ፡ ናብ ቤት ትምህርቲ ሳዕስዒት ባለይ ተላእኽኩ። እዚ ቤት ትምህርቲ እዚ፡ ኣብቲ ዋይቲ ሎጅ ዚብሃል ኣብ ሪችሞንድ ባርክ፡ ወሰናስን ለንደን፡ ዘሎ ጽቡቕ ኣዳራሽ ጆርጅያውያን እዩ ዚርከብ። ኣብኡ ኸኣ ብብሉጻት መምህራን፡ ትምህርትን ስልጠና ሳዕስዒት ባለይን ረኸብኩ። ጓል 16 ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ኣብቲ ኣብ ማእከላይ ለንደን ዚርከብ ቤት ትምህርቲ ሳዕስዒት ባለይ ተምሃሪት ኰንኩ፡ ኣብኡ ድማ ምስ ዴቪድ ተራኸብኩ። ኣብ ውሽጢ ሒደት ኣዋርሕ፡ ኣነን ዴቪድን ኣብ ለንደን ኣብ ዚርከብ ከቨት ጋርደን፡ ኣብ ሮያል ኦፐራ ሃውስ፡ ሓቢርና ሳዕስዒት ባለይ ንስዕስዕ ነበርና።

በቲ ዝነበረና ሞያ ሳዕስዒት ባለይ ኣብ እተፈላለየ ሃገራት እናኸድና ንስዕስዕ ነበርና

ዴቪድ፦ እወ፡ ከምቲ ግወን ዝበለቶ፡ ብምኽንያት ሞያና ኣብቲ ውሩይ ዝዀነ ኣዳራሽ ሮያል ኦፐራ ሃውስን ኣብ ኣዳራሽ ለንደን ፈስቲቫል ባለይን (ሎሚ ኢንግሊሽ ናሽናል ባለይ ዚብሃል ዘሎ) እናኸድና ንስዕስዕ ነበርና። ሓደ ኻብቶም ኣብ ሮያል ባለይ ጥበብ ሳዕስዒት ባለይ ዝነበሮ ሰብኣይ፡ ኣብ ዉፔርታል፡ ጀርመን ኣህጉራዊ ኩባንያ መሰረተ እሞ፡ ንኽልቴና ጥራይ መሪጹ ወሰደና። ኣብ እተፈላለየ ሃገራት ዓለም እናኸድና ኸኣ፡ ምስቶም ውሩያት ዝነበሩ ማርጎ ፎንተይን ሩዶልፍ ንዩረዬቨልን ኴንና ኣብ ኣዳራሽ ምርኢት ንስዕስዕ ነበርና። ናይ ውድድር ናብራ ንሓደ ሰብ ብዛዕባ ርእሱ ጥራይ ከም ዚሓስብ እዩ ዚገብሮ። ንሞያና ድማ ርእስና ወፈና።

ግወን፦ ብምሉእ ኣእምሮይን ብምሉእ ኣካላተይን ንሳዕስዒት እተወፈኹ እየ ነይረ። ኣነን ዴቪድን ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ኽንበጽሕ ንህንጠ ነበርና። ክታመይ ምንባርን ዕምባባታት ምቕባልን ጣቕዒት ተዓዘብቲ ምስማዕን የሐጕሰኒ ነበረ። ኣብቲ ትያትር ዚግበረሉ ቦታ፡ ዘይስነ ምግባራዊ ተግባራት ምስ ዚፍጽሙን ሽጋራ ምስ ዜትክኹን መስተ ምስ ዚሰትዩን ሰባት እየ ዝውዕል ነይረ። ልክዕ ከምቲ እቲ ሞያ እቲ ዘለዎም ሰባት ዚገብርዎ፡ ኣነ እውን ጽቡቕ ዕድል ከም ዜምጽእ ጌርካ ኣብ ዚሕሰብ ነገራት እውከል ነበርኩ።

ናብራና ምሉእ ብምሉእ ተቐየረ

ኣብ መዓልቲ መርዓና

ዴቪድ፦ ኣብ ሞያ ሳዕስዒት ንነዊሕ ዓመታት ምስ ዓየኹ፡ መገሻ ኣሰልከየኒ። ኣብ ቦታ ሕርሻ ስለ ዝዓበኹ፡ ነቲ ቕልል ዝበለ ናብራ ገጠር ናፈቕክዎ። ስለዚ፡ ብ1967፡ ሞያይ ገዲፈ ኣብ ጥቓ ቤት ወለደይ ኣብ ዚርከብ ዓብዪ ቦታ ሕርሻ፡ ክሰርሕ ጀመርኩ። እቲ ሓረስታይ ንእሽቶ ጎጆ ኣካረየኒ። ሽዑ፡ ነታ ኣብ ትያትር ዝነበረት ግወን ደወልኩላ እሞ ኽትምርዓወኒ ሓተትክዋ። ዕቤት ገይራ ንበይንኻ ዚግበር ዓይነት ሳዕስዒት ክትስዕስዕ ጀሚራ ስለ ዝነበረት፡ ሞያኣ እውን እናደንፍዐ ይኸይድ ስለ ዝነበረ፡ ምውሳን ኣጸገማ። ይኹን እምበር፡ ንዘቕረብኩላ ሕቶ ተቐቢላ፡ ምሳይ ኰይና ዘይትፈልጦ ናብራ ገጠር ክትነብር ጀመረት።

ግወን፦ እወ፡ ናብራ ሕርሻ ኽትለምዶ ኣሸጋሪ እዩ። ኣብ እተፈላለየ ዅነታት ኣየር ንላማት ምሕላብ ኰነ ንሓሰማታትን ንደርሁን ምምጋብ ካብቲ ኣነ ዝፈልጦ ናብራ ኣዝዩ እተፈልየ እዩ። ዴቪድ ማዕረ ዘመናዊ ሜላታት ሕርሻ ምእንቲ ኺስጕም፡ ኣብ ኮለጅ ሕርሻ ትሽዓተ ወርሒ ዚወስድ ትምህርቲ ኺከታተል ጀመረ፣ ምሸት ገዛ ኽሳዕ ዚኣቱ ድማ ይጽምወኒ ነበረ። ኣብቲ ግዜ እቲ ጊሌ ጓልና ተወሊዳ ነበረት። ዳቪድ ብዘቕረቦ ሓሳብ፡ ምዝዋር ማኪና ተመሃርኩ፣ ሓደ መዓልቲ ኣብ ጥቓና ኣብ እትርከብ ከተማ ኺበጽሕ ምስ ከድኩ፡ ንሓንቲ ኣብ ከባቢና ኣብ ዚርከብ ድኳናት ክትሰርሕ ከላ እተፋለጥክዋ፡ ገይል ዝስማ ሰበይቲ ረኣኽዋ።

ድሕሪኡ፡ ሓደስቲ ሰብ ሓዳር ኴንና ኣብ ቦታ ሕርሻ ኽንዓዪ ኸለና

ገይል ሻሂ ንኽሰቲ ብለውሃት ናብ ቤታ ዓደመትኒ። ስእልታት መርዓ ተርእየኒ ነበረት፡ ኣብ ደገ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚብሃል ቦታ እተሳእሉ ጕጅለ ሰባት እውን ርአኹ። እንታይ ዓይነት ቤተ ክርስትያን ምዃኑ ድማ ሓተትክዋ። ንሳን ሰብኣያን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምዃኖም ምስ ነገረትኒ ተሓጐስኩ። ኣሞይ ናይ የሆዋ ምስክር ከም ዝነበረት ዘከርኩ። ብዘይካዚ፡ ኣቦይ ንዓኣ ይቝጣዓን ይጽየፋን ከም ዝነበረ፡ ንጽሑፋታ እውን ኣብ እንዳ ጐሓፍ ይድርብዮ ኸም ዝነበረ ትዝ በለኒ። እቲ ኣዝዩ ተቐራቢ ዝነበረ ኣቦይ፡ ነዛ ለዋህ ሰበይቲ ስለምንታይ ይቝጣዓ ኸም ዝነበረ የተሓሳስበኒ ነበረ።

ኣብ መወዳእታ፡ እምነት ኣሞይ ካብ ትምህርትታት ቤተ ክርስትያን ብኸመይ ከም ዚፍለ ንኽፈልጥ ኣጋጣሚ ረኸብኩ። ገይል፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ ከም ዚምህር ኣርኣየትኒ። ከም ስላሴን ነፍሲ ኸም ዘይትመወት ዚገልጽ ትምህርትን ዚርከቦ መብዛሕትኡ ሰረተ እምነት ምስ ቅዱሳት ጽሑፋት ከም ዚጋጮ ምስ ፈለጥኩ ደንጸወኒ። (መክ. 9:5, 10፣ ዮሃ. 14:28፣ 17:3) ብዘይካዚ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ የሆዋ ዚብል ስም፡ ንመጀመርታ ግዜይ ርአኹ።—ዘጸ. 6:3 NW።

ዴቪድ፦ ግወን ብዛዕባ እቲ እትመሃሮ ዝነበረት ትምህርቲ ነገረትኒ። ቆልዓ ኸለኹ፡ ኣቦይ ነቲ ጽቡቕ መጽሓፍ እቲ ኸንብቦ ኸም ዘሎኒ ኽነግረኒ ትዝ ይብለኒ። ስለዚ፡ ኣነን ግወንን ምስ ገይልን ምስ ሰብኣያ ደሪክን ኴንና መጽሓፍ ቅዱስ ከነጽንዕ ተሰማማዕና። ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ፡ ናይ ገዛእ ርእስና ንእሽቶ ቦታ ሕርሻ ኽንካረ ኣጋጣሚ ስለ እተኸፍተልና፡ ኣብታ ዝነበርናያ ሃገር ሽሮሺር ናብ እትርከብ ኦስዌስትሪ ገዓዝና። ኣብኡ ኸኣ ዲርድሪ ዚብሃል ናይ የሆዋ ምስክር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብትዕግስቲ ቐጸለልና። ኣብ ፈለማ ቕልጡፍ ዕቤት ኣይገበርናን። ነተን ማል ኣብ ምእላይ ኣዚና ትሑዛት ነበርና። ምስናይዚ ግና፡ ሓቂ በብቝሩብ ኣብ ልብና ሱር ሰዲዱ እዩ።

ግወን፦ ክሰግሮ ዝነበረኒ ዓብዪ ዕንቅፋት፡ ማሪት እዩ ነይሩ። ኢሳይያስ 65:11፡ (NW) የሆዋ ነቶም “ንኣምላኽ ጽቡቕ ዕድል መኣዲ ዝሰርዑ” ብኸመይ ከም ዚርእዮም ክርዳእ ሓጊዛትኒ እያ። ንዅሉ እቲ ጽቡቕ ዕድል ኬጋጥመኒ ኢለ ዝገብሮን ዝኣስሮን ዝነበርኩ ነገራት ንኽጕሕፎ ግዜን ጸሎትን ኣድልዩኒ እዩ። “ርእሱ ዜልዕል ዘበለ ኺትሕት፡ ርእሱ ዜትሕት ዘበለ ኸኣ ኪልዕል እዩ” ዚብል ትምህርቲ ምቕሳመይ፡ የሆዋ እንታይ ዓይነት ሰብ ከም ዚፈቱ ንኺፈልጥ ሓጊዙኒ እዩ። (ማቴ. 23:12) ነቲ ኽቡር ወዱ በጃ ኽሳዕ ምሃብ ዝሓለየልና ኣምላኽ ከገልግል ደለኹ። ኣብዚ ግዜ እዚ፡ ካልአይቲ ጓል እውን ወሊድና ነበርና፣ ስድራ ቤትና ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ንዘለኣለም ክትነብር ከም እትኽእል ምፍላጥና ኸኣ ዜሐጕስ እዩ ነይሩ።

ዴቪድ፦ ኣብ ማቴዎስ ምዕራፍ 24፣ ኣብ መጽሓፍ ዳንኤልን ኣብ ካልእን ዚርከብ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ብዜገርም መገዲ ይፍጸም ከም ዘሎ ምስ ተረዳእኩ፡ እዚ ሓቂ ምዃኑ ኣመንኩ። ኣብዚ ስርዓት ዓለም እዚ፡ ምስ የሆዋ ጽቡቕ ርክብ ኪህልወካ መወዳድርቲ ኸም ዘይብሉ ተገንዘብኩ። ስለዚ፡ ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ፡ ተፈላጥነት ንኽረክብ ዝነበረኒ ህንጡይነት እናነከየ ኸደ። ሰበይተይን ደቀይን ከማይ ኣገደስቲ ምዃነን ተረድኣኒ። ፊልጲ 2:4፡ ኣብ ርእሰይ ጥራይን ዝዓበየ ሕርሻ ንኺህልወኒ ኣብ ዝነበረኒ ትምኒትን እምብዛ ኸተኵር ከም ዘይብለይ ኣእሚናትኒ እያ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣብ ህይወተይ ቀዳምነት ክህቦ ዘሎኒ ንየሆዋ ምግልጋል እዩ። ሽጋራ ምትካኽ ኣቋረጽኩ። ይኹን እምበር፡ ኣብቲ 10 ኪ.ሜ. ተጓዒዝና ቐዳም ምሸት ኣብ ዚግበር ኣኼባታት ክንካፈል ቀሊል ኣይነበረን፣ ከመይሲ፡ እተን ላማት ኣብቲ እዋን እቲ ኣቢለን እየን ዚሕለባ ነይረን። እንተዀነ ግና፡ ግወን ትሕግዘኒ ስለ ዝነበረት ኣኼባ ኣብኲርና ኣይንፈልጥን ኢና። ብዘይካዚ፡ ሰንበት ንግሆ፡ ንላማትና ድሕሪ ምሕላብና ንደቅና ሒዝና ኣገልግሎት ካብ ምኻድ ኣቋሪጽና ኣይንፈልጥን ኢና።

ኣዝማድና በቲ ዝገበርናዮ ለውጢ ኣይተሓጐሱን። ኣቦ ግወን፡ ንሽዱሽተ ዓመት ዚኣክል ኣየዛረባን። ወለደይ እውን እንተ ዀኑ፡ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪፈላልዩና ብዙሕ ጽዒሮም እዮም።

ግወን፦ የሆዋ ነዚ ብድሆታት እዚ ንኽንጻወሮ ሓጊዙና እዩ። ግዜ እናሐለፈ ምስ ከደ ኸኣ፡ እቶም ኣብ ጉባኤ ኦስዌስትሪ ዚርከቡ ኣሕዋትን ኣሓትን ልክዕ ከም ሓንቲ ሓዳስ ስድራ ቤት ኰኑና። ኣብ ፈተናታትና ኸኣ ብፍቕሪ ይድግፉና ነበሩ። (ሉቃ. 18:29, 30) ርእስና ንየሆዋ ወፊና ብ1972 ተጠመቕና። ብእተኻእለኒ መጠን ንብዙሓት ሰባት ሓቂ ንኺፈልጡ ምእንቲ ኽሕግዞም ክጽዕር ስለ ዝደለኹ፡ ፈላሚት ኰይነ ኸገልግል ጀመርኩ።

ዓስቢ ዘለዎ ሓድሽ ሞያ

ዴቪድ፦ ኣብ ሕርሻና ዝዓየናሉ ዓመታት ብኣካላዊ መዳይ ኣድካሚ እኳ እንተ ነበረ፡ ንደቅና ብመንፈሳዊ መዳይ ጽቡቕ ኣብነት ክንኰነን ጽዒርና ኢና። ድሕሪ ግዜ ግና፡ መንግስቲ ዚገብረልና ዝነበረ ገንዘባዊ ደገፍ ስለ ዝነከየ፡ ነቲ ዕዮ ሕርሻ ገደፍናዮ። ገዛ ይኹን ስራሕ ኣይነበረናን፡ እታ ሳልሰይቲ ጓልና ኸኣ ዕድሚኣ ሓደ ዓመት ጥራይ እዩ ነይሩ፣ ስለዚ፡ ሓገዝን መምርሕን ክንረክብ ናብ የሆዋ ጸለና። ንስድራ ቤትና ምእንቲ ኽንድግፍ ነቲ ዝነበረና ኽእለት ክንጥቀመሉን ስቱድዮ ሳዕስዒት ክንከፍትን ወሰንና። ንመንፈሳዊ ነገራት ቀዳምነት ክንህብ ዝገበርናዮ ቘራጽነት፡ ጽቡቕ ፍረ እዩ ነይርዎ። ሰለስቲአን ደቅና ትምህርቲ ምስ ወድኣ፡ ፈለምቲ ዀይነን ኬገልግላ ምጅማረን ኣዝዩ ኣሐጒሱና እዩ። ግወን እውን ፈላሚት እያ ነይራ፡ ስለዚ ንደቅና መዓልታዊ ደገፍ ትገብረለን ነበረት።

እተን ክልተ ደቅና፡ ጊሊን ዳኒዝን ምስ ተመርዓዋ፡ ነቲ ናይ ሳዕስዒት ስቱድዮ ዓጸናዮ። ናብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ጽሒፍና ኸኣ ኣበይ ክንሕግዝ ከም እንኽእል ሓተትናዮም። ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዚርከባ ኸተማታት ኬድና ኸነገልግል ከኣ ሓበሩና። ኣብ ቤት፡ ደቢ ጓልና ጥራይ ስለ ዝተረፈት፡ ኣነ እውን ፈላሚ ዀይነ ኸገልግል ጀመርኩ። ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት፡ ኣብ ሰሜናዊ ሸነኽ ንዚርከባ ጉባኤታት ክንሕግዝ ሕቶ ቐረበልና። ደቢ ምስ ተመርዓወት፡ ኣብ ዚምባብወን ሞልዶቫን ሃንጋሪን ኮት ዲቭዋርን ኣብ እተገብረ ኣህጉራዊ መደብ ህንጸት ንዓሰርተ ዓመት ዚኣክል ናይ ምግልጋል ፍሉይ መሰል ረኺብና ኢና። ድሕሪኡ፡ ኣብ ቤት-ኤል ለንደን ኣብ ዚግበር ህንጸት ንኽንሕግዝ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ተመለስና። ኣብ ዕዮ ሕርሻ ተመክሮ ስለ ዝነበረኒ፡ ኣብቲ ሽዑ ዝነበረ ሕርሻ ቤት-ኤል ክሕግዝ ሕቶ ቐረበለይ። ኣብዚ እዋን እዚ፡ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ዓዲ እንግሊዝ ፈለምቲ ዄንና ነገልግል ኣሎና።

ኣብ ኣህጉራዊ ፕሮጀክትታት ህንጸት ምግልጋልና ብዙሕ ሓጐስ ኣምጺኡልና

ግወን፦ ንሳዕስዒት ባለይ ርእስና ምውፋይና የሐጕሰና እኳ እንተ ነበረ፡ ግዝያዊ እዩ ነይሩ። እቲ ቐጺልና ዝገበርናዮ ዝያዳ ኣገዳሲ ዝዀነ ወፈያ፡ ንየሆዋ ርእስና ምውፋይና እዩ፣ እዚ ኸኣ ብዙሕ ሓጐስ ኣምጺኡልና እዩ፣ ዘለኣለማዊ ድማ እዩ። ኣነን ዴቪድን ሕጂ እውን መጻምድቲ ኢና፣ ሕጂ ግና ንኣእጋርና ሓቢርና ፈለምቲ ዄንና ብምግልጋል ኢና እንጥቀመሉ ዘለና። ንሓያሎ ሰባት ነቲ ኽቡርን ህይወት ዜድሕንን ሓቂ ንኺፈልጡ ምሕጋዝና፡ እዚ ዘይብሃል ሓጐስ እዩ ኣምጺኡልና። እዞም ሓቂ ንኺፈልጡ ዝሓገዝናዮም ሰባት፡ ከም ሓንቲ “እትንእደና ደብዳበ” እዮም፣ ካብ ዝዀነ ይኹን ዓለማዊ ዝና ኸኣ ዝበለጹ እዮም። (2 ቈረ. 3:1, 2) ንሓቂ እንተ ዘይንረኽባ ኔርና፡ ኣብዚ እዋን እዚ ተዘክሮታትን ናይ ቀደም ስእልታትን ናይ ትያትር መደባትን ጥራይ ምሃለወና ነይሩ።

ዴቪድ፦ ኣገልገልቲ የሆዋ ብምዃን እንዓይዮ ዘሎና ዕዮ፡ ኣብ ህይወትና ዓብዪ ለውጢ እዩ ኣምጺኡልና። እዚ ዕዮ እዚ፡ ከም ብዓል ቤትን ኣቦን መጠን ኣብ ዘሎኒ ግደ ንኸመሓይሽ ከም ዝሓገዘኒ እፈልጥ እየ። መጽሓፍ ቅዱስ ከም ሚርያምን ንጉስ ዳዊትን ካልኦትን ሓጐሶም ብሳዕስዒት ከም ዝገለጹ ይነግረና እዩ። ንሕና እውን ምስ ብዙሓት ካልኦት ሰባት ኴንና ኣብታ የሆዋ ዜምጽኣ ሓዳስ ዓለም ሓጐስና ብሳዕስዒት ክንገልጽ ብሃረርታ ንጽበ ኢና።—ዘጸ. 15:20፣ 2 ሳሙ. 6:14