ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ክትነቅሕ’ ዲኻ፧

‘ክትነቅሕ’ ዲኻ፧

“ነታ መዓልቲ እቲኣ ወይስ ነታ ሰዓት እቲኣ ኣይትፈልጥዋን ኢኹም እሞ፡ ንቕሑ።”—ማቴ. 25:13

1, 2. (ሀ) የሱስ ብዛዕባ ዳሕሮት መዓልትታት እንታይ እዩ ገሊጹ፧ (ለ) እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧

የሱስ ኣብ ደብረ ሲና ንሓደ ኻብቲ ኣዝዩ ዜደንቕ ትንቢታቱ ኽንበ ኸሎ፡ ምስኡ ኣብቲ ኸረን ኴንካ ንየሩሳሌም ኣማዕዲኻ ኽትርእያስ ኣዝዩ ፍልይ ስምዒት ዜሕድር ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። የሱስ ኣብ መጻኢ ብዛዕባ ዚፍጸም ነገራት ኪንበ ኸሎ፡ ጴጥሮስን እንድርያስን ያእቆብን ዮሃንስን ሃህ ኢሎም ይሰምዕዎ ነበሩ። እቲ ትንቢት፡ ኣብ ዳሕሮት መዓልትታት እዚ እኩይ ስርዓት ዓለም፡ ማለት ኣብቲ የሱስ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኑ ዚገዝኣሉ እዋን ብዛዕባ ዚፍጸም ሓያሎ ነገራት ዚገልጽ እዩ ነይሩ። የሱስ ኣብቲ ኣገዳሲ እዋን እቲ፡ እቲ ንሱ ዝሸሞ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ኣብ ምድሪ ንዕኡ ወኪሉ፡ ንኣገልገልቱ ዜድልዮም እዋናዊ መንፈሳዊ ምግቢ ኸም ዚህቦም ነገሮም።—ማቴ. 24:45-47

2 ኣብቲ ትንቢት እቲ፡ የሱስ ቀጺሉ ምሳሌ እተን ዓሰርተ ደናግል ኣዘንተወ። (ማቴዎስ 25:1-13 ኣንብብ።) እስከ እምበር ኣብዘን ዚስዕባ ሕቶታት ነተኵር፦ (1) ቀንዲ መልእኽቲ እቲ ምሳሌ እንታይ እዩ፧ (2) እሙናት ቅቡኣት ንምኽሪ እቲ ምሳሌ ብኸመይ እዮም ዚትግብርዎ፧ ውጽኢቱኸ እንታይ እዩ፧ (3) ሎሚ ነፍሲ ወከፍና ኻብቲ የሱስ ዘዘንተዎ ምሳሌ ብኸመይ ኢና ኽንጥቀም እንኽእል፧

መልእኽቲ እቲ ምሳሌ እንታይ እዩ፧

3. ኣብ ዝሓለፈ እዋናት፡ ጽሑፋትና ንምሳሌ እተን ዓሰረተ ደናግል ብኸመይ እዩ ዚገልጾ ነይሩ፧ እንታይ ውጽኢትከ እዩ ነይርዎ ኪኸውን ዚኽእል፧

3 ኣብታ ዝሓለፈት ዓንቀጽ ከም ዝረአናዮ፡ ኣብዚ ቐረባ ዓመታት፡ እቲ እሙን ባርያ ንቕዱሳት ጽሑፋት መብርሂ ኺህበሉ ኸሎ፡ ብዝያዳ ኣብ ምሳልያዊ ትንቢታዊ ትርጕም ዘይኰነስ፡ ኣብ ግብራዊ ትምህርቲ እዩ ዜተኵር። ኣብ ዝሓለፈ እዋን፡ ጽሑፋትና እቲ የሱስ ብዛዕባ እተን ዓሰርተ ደናግል ዝሃቦ ምሳሌ፡ ቀንዴልን ዘይትን ጢናን ሓዊስካ፡ ንኣሽቱ ዝርዝራቱ እውን ከይተረፈ ምሳልያዊ ትርጕም ከም ዘለዎ መብርሂ ይህብ ነይሩ እዩ። እሞኸ፡ ኣብቲ ንኣሽቱ ዝርዝራት ብምትኳርና፡ ነቲ ቕልል ዝበለን ህጹጽን መልእኽቲ ስሒትናዮ ኔርና ኽንከውን ንኽእልዶ፧ ቀጺልና ኸም እንርእዮ፡ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

4. ኣብቲ ምሳሌ፡ (ሀ) እቲ መርዓዊ መን ምዃኑ ብኸመይ ንፈልጥ፧ (ለ) እተን ደናግል መን ምዃነን ብኸመይ ንፈልጥ፧

4 እቲ የሱስ ኣብዚ ምሳሌ እዚ ኼመሓላልፎ ዝደለየ ቐንዲ መልእኽቲ እንታይ ምዃኑ እስከ ንመርምር። መጀመርታ፡ ነቲ ቐንዲ ገጸ ባህርያት ንርአ። ኣብቲ ምሳሌ ተጠቒሱ ዘሎ መርዓዊ መን እዩ፧ የሱስ ብዛዕባ ርእሱ ይዛረብ ከም ዝነበረ ንጹር እዩ። ከመይሲ፡ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ንርእሱ ኸም መርዓዊ ገይሩ ጠቒስዋ ኣሎ። (ሉቃ. 5:34, 35) እተን ደናግል መን እየን፧ የሱስ ኣብቲ ምሳሌ፡ እተን ደናግል፡ መርዓዊ ኺመጽእ ከሎ ቐንዴለን ኣብሪሀን ተዳልየን ኪጸንሓ ሓላፍነት ከም ዘለወን ጠቒሱ ኣሎ። የሱስ ነቶም “ሒደት መጓሰ” ዝዀኑ ቕቡኣት ሰዓብቱ፡ “ሓቛቝኹም ዕጡቕ፡ መብራህትታትኩም ድማ ውሉዕ ይኹን፣ ንስኻትኩም እውን፡ ጐይታኦም ካብ መርዓ ኺምለስ ከም ዚጽበዩ . . . ሰባት ኩኑ” ዚብል ተመሳሳሊ መምርሒ ኸም ዝሃቦም ንዘክር። (ሉቃ. 12:32, 35, 36) ብዘይካዚ፡ ሃዋርያ ጳውሎስን ሃዋርያ ዮሃንስን ንቕቡኣት ሰዓብቲ ክርስቶስ ምስ ንጽህቲ ድንግል ኣመሳሲሎምዎም ኣለዉ። (2 ቈረ. 11:2፣ ራእ. 14:4) ስለዚ እምበኣር፡ የሱስ ነቲ ኣብ ማቴዎስ 25:1-13 ተመዝጊቡ ዘሎ ምሳሌ፡ ንቕቡኣት ሰዓብቱ ምኽርን መጠንቀቕታን ንምሃብ ከም እተጠቕመሉ ንጹር እዩ።

5. የሱስ እቲ እተጠቕመሉ ምሳሌ መዓስ ከም ዚፍጸም ብኸመይ እዩ ሓቢሩ፧

5 ቀጺልና፡ ብዛዕባ እቲ ምሳሌ ዚፍጸመሉ እዋን ንመርምር። እቲ የሱስ ዝሃቦ ምኽሪ ነየናይ እዋን እዩ ዜመልክት ነይሩ፧ የሱስ ኣብ መወዳእታ እቲ ምሳሌ፡ “እቲ መርዓዊ መጸ” ብምባል ንግዜ ብዚምልከት ንጹር ሓበሬታ ሂቡና ኣሎ። (ማቴ. 25:10) ከምቲ ኣብ ናይ 15 ሓምለ 2013 ሕታም እዛ መጽሔት እዚኣ እተገልጸ፡ ኣብ ማቴዎስ ምዕራፍ 24ን ምዕራፍ 25ን፡ ብዛዕባ “ምምጻእ” የሱስ ሸሞንተ ሳዕ ተጠቒሱ ኣሎ። የሱስ ብዛዕባ “ምምጻኡ” ኺዛረብ ከሎ፡ ነቲ ንኺፈረድን ነዚ እኩይ ስርዓት ዓለም ንኼጥፍእን ዚመጻሉ እዋን እቲ ብርቱዕ ጸበባ እዩ ዜመልክት ነይሩ። ስለዚ፡ እዚ ምሳሌ እዚ፡ ኣብቲ ኣብ እዋን እቲ ብብርቱዕ ጸበባ ዚዛዘም ዳሕሮት መዓልትታት ከም ዚፍጸም ክንድምድም ንኽእል ኢና።

6. ቀንዲ መልእኽቲ እቲ ምሳሌ እንታይ እዩ፧

6 ቀንዲ መልእኽቲ እቲ ምሳሌ እንታይ እዩ፧ ኣብ ከባቢ እቲ ጸብጻብ ንዘሎ ሓሳባት ንዘክሮ። የሱስ ኣቐድም ኣቢሉ ብዛዕባ እቲ ንሱ ዝሸሞ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ገሊጹ ነይሩ እዩ። እቲ ባርያ እቲ፡ ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ኣብ መንጎ ሰዓብቲ ክርስቶስ መሪሕ ግደ ንዘለዎም ሒደት ጕጅለ ቕቡኣት ሰብኡት እዩ ዜመልክት። የሱስ ነዞም ሰብኡት እዚኦም ወትሩ እሙናት ኪዀኑ ኸም ዘለዎም ኣጠንቂቕዎም ነይሩ እዩ። ቀጺሉ ኸኣ፡ ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ንዘለዉ ዅሎም ቅቡኣት ሰዓብቱ ንምሳሌ እተን ዓሰርተ ደናግል ተጠቒሙ መኸሮም። መልእኽቲ እቲ ምሳሌ ድማ፡ እቶም ቅቡኣት ሰማያዊ ዓስቦም ምእንቲ ኸይስእኑ ወትሩ ‘ንቑሓት’ ኪዀኑ ኸም ዘለዎም ዜዘኻኽር እዩ። (ማቴ. 25:13) ሕጂ ኸኣ ነቲ ምሳሌ እንደገና ንመርምሮ እሞ፡ እቶም ቅቡኣት ነቲ ምኽሪ ብኸመይ ይትግብርዎ ኸም ዘለዉ ንርአ።

ቅቡኣት በቲ ምሳሌ ንእተዋህቦም ምኽሪ ብኸመይ ተግቢሮምዎ፧

7, 8. (ሀ) እተን ለባማት ደናግል፡ መርዓዊ ንኪቕበላ ተቐሪበን ዝነበራ ስለምንታይ እየን፧ (ለ) ቅቡኣት ድሉዋት ዝዀኑ ብኸመይ እዮም፧

7 የሱስ ኣብቲ እተጠቐመሉ ምሳሌ፡ መርዓዊ ኺመጽእ ከሎ፡ እተን ዓያሱ ደናግል እኳ እንተ ዘይተቐረባ፡ እተን ለባማት ደናግል ግና ተቐሪበን ከም ዝነበራ ኣጕሊሑ ኣሎ። እተን ለባማት ንመርዓዊ ኪቕበላ ተቐሪበን ዝነበራ ስለምንታይ እየን፧ ኣቐዲመን ተዳልየን ስለ ዝጸንሓን ንቑሓት ስለ ዝነበራን እየን። ኵለን እተን ዓሰርተ ደናግል፡ ኣብቲ እዋን ለይቲ መርዓዊ ኽሳዕ ዚመጽእ ነቒሐንን ቀናዲለን ኣብሪሀንን ኪጸንሓ የድልየን ነይሩ እዩ። እተን ዓያሱ ደናግል ኣቐዲመን ኣይተዳለዋን፣ እተን ሓሙሽተ ደናግል ግና ኣብ ጢናአን ተወሳኺ ዘይቲ ብምሓዝ ምስ ቀናዲለን ተዳልየን ነበራ። እሙናት ቅቡኣት ክርስትያናትከ የሱስ ኪመጽእ ከሎ ተዳልዮም ነይሮም ድዮም፧

8 እወ፡ ብሓቂ ተዳልዮም ነይሮም እዮም። እቶም ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ዚነብሩ ቕቡኣት ክርስትያናት፡ ከምተን ለባማት ደናግል ብምዃን ነቲ እተዋህቦም ዕዮ ኽሳዕ መወዳእታ ብተኣማንነት ንኺፍጽምዎ ድሉዋት እዮም። ነዚ ዕዮ እዚ ምፍጻም፡ ነቲ ኣብዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ዚርከብ ስጋዊ ረብሓታት ምርሕራሕ ከም ዚሓትት ይግንዘቡ እዮም፣ ነዚ ንምግባር ከኣ ፍቓደኛታት እዮም። ንየሆዋ ምሉእ ብምሉእ ንኼገልግልዎ ርእሶም ዝወፈዩ ኸኣ ንዕኡን ንወዱን ስለ ዜፍቅርዎም ደኣ እምበር፡ መወዳእታ ስለ ዝቐረበ ኣይኰነን። በቲ ኣብዛ እክይቲ ዓለም ዘሎ ፍቕረ ንዋይን ርኽሰትን ስስዐን ከይተጸልዉ፡ ንጽህናኦም ሓልዮም እዮም ዚነብሩ። በዚ ኸምዚ፡ መርዓዊ ዚድንጒ እውን እንተ መሰለ፡ ከም ብርሃናት እናበርሁ ንኪቕበልዎ ወትሩ ድሉዋት እዮም።—ፊል. 2:15

9. (ሀ) የሱስ ብዛዕባ ምትኻስ እንታይ መጠንቀቕታ እዩ ሂቡ፧ (ለ) “እንሆ መርዓዊ!” ዚብል ድምጺ ምስ ተሰምዐ፡ ቅቡኣት እንታይ ገይሮም፧ (እግረ ጽሑፍ እውን ርአ።)

9 ነተን ደናግል ንቑሓት ምዃነን እውን መርዓዊ ኺመጽእ ከሎ ተቐሪበን ንኺጸንሓ ሓጊዝወን እዩ። ቅቡኣት ክርስትያናት ንመርዓዊ ኺጽበዩ ኸለዉ ኣብቲ ምሳልያዊ ለይቲ ብደረጃ ውልቀ ሰብ ኪታኸሱ ይኽእሉ ድዮም፧ እወ፡ ይኽእሉ እዮም። ኣብቲ የሱስ ዝሃቦ ምሳሌ፡ እተን ዓሰርተ ደናግል፡ መርዓዊ ኸም ዝደንጐየ ዀይኑ ምስ ተሰምዐን፡ “ኵላተን ትኽስ በላ፡ ደቀሳ ኸኣ።” የሱስ፡ ፍቓደኛን ህንጡይን መንፈስ እዋን ከይተረፈ፡ በቲ ድኹም ስጋ ምኽንያት ኪፈዝዝ ከም ዚኽእል ኣጸቢቑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። እሙናት ቅቡኣት፡ ነቲ መጠንቀቕታ ስለ ዘቕለቡሉ፡ ወትሩ ንቑሓት ኰይኖም ንኺጸንሑ ተቓሊሶም እዮም። ኣብቲ ምሳሌ፡ ኵለን እተን ደናግል፡ ለይቲ፡ “እንሆ መርዓዊ!” ዚብል ዓው ዝበለ ድምጺ ምስ ተሰምዐ፡ ተበራቢረን እየን። ክሳዕ መወዳእታ ዝጸንዓ ግና እተን ንቑሓት ጥራይ እየን። (ማቴ. 25:5, 6፣ 26:41) ብተመሳሳሊ፡ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ዘለዉ እሙናት ቅቡኣት፡ “እንሆ መርዓዊ!” ዚብል ድምጺ ምስ ሰምዑ፡ ተበራቢሮም እዮም። ብዘይካዚ፡ መርዓዊ ኽሳዕ ዚመጽእ ወትሩ ተቐሪቦም ብምጽናሕ ተጻዊሮም እዮም። * ይኹን እምበር፡ እቲ ኣብ መደምደምታ እቲ ምሳሌ ዘሎ ጸብጻብ ንሓደ ውሱን እዋን እዩ ዜመልክት። ብኸመይ፧

ለባማት ተባረኻ፡ ዓያሱ ተቐጽዓ

10. እቲ ኣብ መንጎ እተን ለባማት ደናግልን እተን ዓያሱ ደናግልን እተገብረ ዝርርብ እንታይ ሕቶ እዩ ዜበግስ፧

10 ኣብ ኣጋ መወዳእታ ጸብጻብ እቲ ምሳሌ፡ እተን ዓያሱ ደናግል ነተን ለባማት ደናግል ንቐንዴለን ዚኸውን ዘይቲ ኺህባአን ለመናአን። እተን ለባማት ደናግል ግና ነተን ዓያሱ ንኺሕግዛአን ፍቓደኛታት ኣይኰናን። (ማቴዎስ 25:8, 9 ኣንብብ።) እዚ ግና፡ “እሙናት ቅቡኣት ክርስትያናት ሓገዝ ንዜድልዮ ሰብ ኪሕግዙ ዘይደለዩሉ እዋንዶ ኣሎ እዩ፧” ዚብል ሕቶ ኼበግስ ይኽእል እዩ። ነዛ ሕቶ እዚኣ ንምምላስ እቲ ምሳሌ ዚፍጸመሉ ግዜ መዓስ ምዃኑ ኽንምርምር ኣሎና። እቲ ኣብ ግንዛበና እተገብረ ምትዕርራይ ከም ዚሕብሮ፡ የሱስ እቲ መርዓዊ፡ ኣብ ኣጋ መወዳእታ እቲ ብርቱዕ ጸበባ እዩ ንኺፈርድ ዚመጽእ። ስለዚ እምበኣር፡ እዚ ኽፋል እቲ ምሳሌ፡ ቀቅድሚ መወዳእታ እቲ ብርቱዕ ጸባባ ኣብ ዘሎ እዋን ንዚፍጸም ኵነታት ዜመልክት ኪኸውን ኣለዎ። ከምኡ እንብለሉ ምኽንያት እንታይ እዩ፧ ምኽንያቱ ኣብቲ እዋን እቲ፡ ቅቡኣት ናይ መወዳእታ ማሕተም ኪቕበሉ እዮም።

11. (ሀ) ቀቅድሚ እቲ ብርቱዕ ጸበባ እንታይ እዩ ኼጋጥም፧ (ለ) እተን ለባማት ደናግል ነተን ዓያሱ ‘ናብቶም ዘይቲ ዚሸጡ ኼድክን ዓድጋ’ ኺብላአን ከለዋ፡ እንታይ ማለተን እዩ ነይሩ፧

11 ስለዚ እምበኣር፡ እቲ ብርቱዕ ጸበባ ቕድሚ ምጅማሩ፡ ኣብ ምድሪ ዘለዉ ዅሎም ቅቡኣት ናይ መወዳእታ ማሕተም ኪቕበሉ እዮም። (ራእ. 7:1-4) ካብኡ ንደሓር ጻውዒቶም እተረጋገጸ ኪኸውን እዩ። ግናኸ፡ ብዛዕባ እቲ፡ እቲ ብርቱዕ ጸበባ ቐቅድሚ ምጅማሩ ዘሎ ዓመታት እሞ ንሕሰብ። እቶም ንጽህናኦም ብምብልሻው ንቑሓት ኰይኖም ዘይጸንሑ ቕቡኣት እንታይ እዩ ኼጋጥሞም፧ ሰማያዊ ዓስቦም ኪስእኑ እዮም። ቀቅድሚ እቲ ጸበባ ዚውሃብ ናይ መወዳእታ ማሕተም ከም ዘይቅበሉ ኸኣ ፍሉጥ እዩ። ካልኦት እሙናት ክርስትያናት ከኣ ኪቕብኡ እዮም። እቲ ጸበባ ምስ ጀመረ፡ እዞም ዓያሱ እዚኦም ውድቀት ዓባይ ባቢሎን ኪርእዩ ኸለዉ ይስምብዱ ይዀኑ። መርዓዊ ኺመጽእ ከሎ ተቐሪቦም ከም ዘይጸንሑ ዚግንዘቡ ኸኣ ሽዑ እዩ ኪኸውን ዚኽእል። ኣብቲ ናይ መወዳእታ ሰዓት፡ ብዓቕሊ ጽበት ሓገዝ እንተ ሓቲቶም እንታይ እዩ ኼጋጥሞም ዚኽእል፧ እቲ የሱስ እተጠቕመሉ ምሳሌ፡ ንጹር መልሲ እዩ ዚህበና። እተን ለባማት ደናግል ምእንቲ እተን ዓያሱ ኢለን ዘይተን ኬቃብጻ ፍቓደኛታት ኣይኰናን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ናብቶም ዘይቲ ዚሸጡ ኸይደን ኪዕድጋ እየን ነጊረናአን። እዋኑ “ፍርቂ ለይቲ” ኸም ዝነበረ ኣይንረስዕ። እሞኸ፡ ኣብቲ ሰዓት እቲ ዘይቲ ዚሸጡ ኺረኽባ ይኽእላ ድየን፧ ኪረኽባ ኸም ዘይክእላ ፍሉጥ እዩ። ዚዕድጋሉ እዋን ሓሊፉ እዩ።

12. (ሀ) ኣብ እዋን እቲ ብርቱዕ ጸበባ፡ ቅቡኣት ዝነበሩ፡ ግናኸ ቀቅድሚ እቲ ናይ መወዳእታ ማሕተም ንጽህናኦም ዘይሓለዉ ሰባት እንታይ ዜሕዝን ተመክሮ እዩ ኼጋጥሞም፧ (ለ) ነቶም ከምተን ዓያሱ ደናግል ዝዀኑ ሰባት እንታይ እዩ ኼጋጥሞም፧

12 ብተመሳሳሊ፡ ኣብ እዋን እቲ ብርቱዕ ጸበባ፡ እቶም እሙናት ቅቡኣት ንዝዀነ ይኹን ዘይእሙን ኰይኑ እተረኽበ ኺሕግዝዎ ኣይክእሉን እዮም። ሽዑ፡ ሓገዝ ዚውሃበሉ እዋን ኣይኰነን። ስለዚ፡ እቶም ዘይእሙናት እንታይ እዩ ዜጋጥሞም፧ የሱስ፡ እተን ዓያሱ ደናግል ዘይቲ ኺዕድጋ ምስ ከዳ እንታይ ከም ዘጋጠመ ኸምዚ ብምባል ገሊጹ ኣሎ፦ “እቲ መርዓዊ መጸ፣ እተን ድሉዋት ዝነበራ ኸኣ ምስኡ ናብቲ መርዓ ኣተዋ፣ ማዕጾ ድማ ተዓጽወ።” ክርስቶስ ኣብ መወዳእታ እቲ ጸበባ ብኽብሩ ምስ መጸ፡ ነቶም እሙናት ቅቡኣት ናብ ሰማይ ኪእክቦም እዩ። (ማቴ. 24:31፣ 25:10፣ ዮሃ. 14:1-3፣ 1 ተሰ. 4:17) ነቶም ከምተን ዓያሱ ደናግል ዝዀኑ ዘይእሙናት ግና ማዕጾ ኺዕጸዎም እዩ። ሽዑ፡ “ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ ኣርሕወልና!” ይብሉ ይዀኑ። የሱስከ እንታይ ኢሉ ኺምልሰሎም፧ ከምቲ ንሓያሎ ኣጣል መሰል ሰባት ዚብሎም፡ ንዓታቶም እውን ‘ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፦ ኣይፈልጠኩምን እየ’ ኺብሎም እዩ።—ማቴ. 7:21-23፣ 25:11, 12

13. (ሀ) ሓያሎ ኻብ ቅቡኣት ሰዓብቲ ክርስቶስ፡ ዘይእሙናት ከም ዚዀኑ ጌርና ኽንድምድም ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) እቲ የሱስ ዝሃቦ መጠንቀቕታ፡ ንቕቡኣት ሰዓብቱ ኸም ዚተኣማመነሎም ዚገልጽ እዩ ኺብሃል ዚከኣል ስለምንታይ እዩ፧ (ኣብ ገጽ 13 ዘላ ስእሊ ርአ።)

13 ብመሰረት እቲ ኽሳዕ ሕጂ ዝረአናዮ እንታይ ኢልና ኢና ኽንድምድም እንኽእል፧ የሱስ፡ መብዛሕትኦም ቅቡኣት ኣገልገልቱ ዘይእሙናት ከም ዚዀኑን ኪትክኡ ኸም ዜድልዮምን ድዩ ዚዛረብ ነይሩ፧ ኣይፋሉን። ነቲ ንሱ ዝሸሞ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ፡” እኩይ ባርያ ንኸይከውን ከም ዘጠንቀቖ ንዘክር። ነቲ ባርያ ኸምኡ ኺብሎ ኸሎ፡ እኩይ ኪኸውን ስለ እተጸበዮ ኣይኰነን። ብተመሳሳሊ፡ ምሳሌ እተን ዓሰርተ ደናግል እውን ሓያል መጠንቀቕታ ዜመሓላልፍ እዩ። ልክዕ ከምቲ ሓሙሽተ ደናግል ዓያሱ፡ ሓሙሽተ ኸኣ ለባማት ዝነበራ፡ ነፍሲ ወከፍ ቅቡእ እንተስ ድሉውን ንቑሕን ኪኸውን ወይ ከኣ ዓሻን ዘይእሙንን ኪኸውን ምሉእ ኣኽእሎ ኣለዎ። ሃዋርያ ጳውሎስ ንቕቡኣት ክርስትያን ብጾቱ ምስዚ ዚመሳሳል ሓሳባት ጽሒፉሎም ነይሩ እዩ። (እብራውያን 6:4-9 ኣንብብ፣ ምስ ዘዳግም 30:19 ኣረኣኢ።) እቲ ጳውሎስ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ተሪር እኳ እንተ ነበረ፡ ኣስዒቡ ግና ንክርስትያን ኣሕዋቱን ኣሓቱን “ዚሓይሽ” ከም ዚጽበዮም ብምትእምማን ገሊጹሎም እዩ። ብተመሳሳሊ፡ እቲ የሱስ ኣብቲ ምሳሌ እተን ዓሰርተ ደናግል ዝሃቦ መጠንቀቕታ እውን ንቕቡኣት ክርስትያናት ከም ዚተኣማመነሎም ዚሕብር እዩ። ክርስቶስ፡ ነፍሲ ወከፍ ቅቡእ ኣገልጋሊኡ ኽሳዕ መወዳእታ እሙን ከም ዚኸውንን ነቲ ዜደንቕ ዓስቢ ኸም ዚቕበልን ይፈልጥ እዩ።

“ካልኦት ኣባጊዕ” ክርስቶስ ብኸመይ ይጥቀማ፧

14. ኣባላት እተን “ካልኦት ኣባጊዕ” ካብ ምሳሌ እተን ዓሰርተ ደናግል ኪጥቀሙ ዚኽእሉ ስለምንታይ እዮም፧

14 እቲ የሱስ ብዛዕባ እተን ዓሰርተ ደናግል ዝሃቦ ምሳሌ ንቕቡኣት ሰዓብቱ ዜመልክት ካብ ኰነ፡ እዚ ነቶም “ካልኦት ኣባጊዕ” ምንም ኣይጠቕሞምን እዩ ማለት ድዩ፧ (ዮሃ. 10:16) ኣይፋሉን። እቲ ምሳሌ፡ “ንቕሑ” ዚብል ንጹር መልእኽቲ ኸም ዜመሓላልፍ ኣይትረስዕ። እሞኸ፡ እዚ ንቕቡኣት ጥራይ ድዩ ዜመልክት፧ የሱስ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ “እዚ ንዓኻትኩም ዝብለኩም ዘለኹ፡ ንዅሉ እብሎ ኣለኹ፦ ንቕሑ” ኢሉ ነይሩ እዩ። (ማር. 13:37) የሱስ ኵሎም ሰዓብቱ ንኣገልግሎቱ ብተኣማንነት ምእንቲ ኺፍጽምዎ ልቦም ኬዳልዉን ንቑሓት ኪዀኑን እዩ ዚደሊ። ስለዚ፡ ኵሎም ክርስትያናት ኣብነት እቶም ንኣገልግሎት ኣብ ህይወቶም ቀዳምነት ዚህቡ ቕቡኣት ክርስትያናት ኪስዕቡ ይኽእሉ እዮም። እተን ዓያሱ ደናግል ነተን ለባማት ደናግል ካብ ዘይተን ኪመቕላአን ከም ዝሓተታ ነፍሲ ወከፍና ኽንዝክር ኣሎና። እቲ ዘቕረባኦ ልመና፡ ዋላ ሓደ ሰብ ምእንታና እሙን ኪኸውን ከም ዘይክእል፡ ዋላ ሓደ ምእንታና ኣብ ሓቂ ኺጸንዕ ከም ዘይክእል፡ ወይ ከኣ ዋላ ሓደ ምእንታና ኽነቅሕ ከም ዘይክእል የዘኻኽረና። ነፍሲ ወከፍና፡ ነቲ የሆዋ ዝሸሞ ጻድቕ ፈራዲ ባዕልና ኢና እንምልሰሉ። ስለዚ፡ ድሉዋት ኴንና ኽንጸንሕ ኣሎና። ንሱ ኸኣ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኺመጽእ እዩ።

እቲ ዘይቲ ንምርካብ እተገብረ ልመና፡ ዋላ ሓደ ምእንታና እሙን ኪኸውን ወይ ምእንታና ኺነቅሕ ከም ዘይክእል የዘኻኽረና

15. እቲ ኣብ መጻኢ ዚፍጸም መርዓ ክርስቶስን መርዓቱን ንዅሎም ናይ ሓቂ ክርስትያናት ዜሐጕሶም ስለምንታይ እዩ፧

15 ኣብቲ የሱስ እተጠቕመሉ ምሳሌ እተጠቕሰ ቐንዲ ፍጻመ፡ መርዓ እዩ፣ በዚ ኸኣ ኵሎም ክርስትያናት ኪሕጐሱ ይኽእሉ እዮም። እቶም ቅቡኣት ኣብ ሰማይ ኪህልዉ እዮም፣ ድሕሪ ውግእ ኣርማጌዶን ድማ መርዓት ክርስቶስ ኪዀኑ እዮም። (ራእ. 19:7-9) ሽዑ፡ ኵሎም እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ሰባት ካብቲ ሰማያዊ መርዓ ኺጥቀሙ እዮም። ስለምንታይሲ፡ እቲ መርዓ ንዅሎም ሰባት ዚኸውን ፍጹም ምምሕዳር ዜምጽእ እዩ። ተስፋና ሰማያዊ ይኹን ምድራዊ ብዘየገድስ፡ ነቲ ኻብ ምሳሌ እተን ዓሰርተ ደናግል ዝረኸብናዮ ኣገዳሲ ትምህርቲ ኣብ ልብና ኸነሕድሮ ንቝረጽ። ነቲ የሆዋ ዘዳለወልና ዜደንቕ መጻኢ ምእንቲ ኽንረኽቦ ድማ ንልብና ነዳልዎ፡ ወትሩ ጽኑዓትን ንቑሓትን ብምዃን ከኣ ድሉዋት ንኹን!

^ ሕ.ጽ. 9 ኣብቲ ምሳሌ፡ ኣብ መንጎ እቲ “እንሆ መርዓዊ!” (ፍቕዲ 6) ዚብል ዓው ዝበለ ድምጽን ኣብ መንጎ እቲ ምምጻእ እቲ መርዓውን (ፍቕዲ 10) እተወሰነ እዋን ኣሎ። ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት፡ እቶም ንቑሓት ቅቡኣት ምልክት እቲ የሱስ ኣብዚ ዚህልወሉ እዋን ኣስተውዒሎም እዮም። ስለዚ ድማ፡ የሱስ “እንሆ” ተባሂሉ ኸም ዘሎ፡ ማለት ንጉስ ኰይኑ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ይገዝእ ከም ዘሎ ይፈልጡ እዮም። ክሳዕ ዚመጽእ ከኣ ወትሩ ንቑሓት ብምዃን ኪጻወሩ ኣለዎም።