ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዚወጽእ ዝነበረ ጽሑፋትና፡ ሓደ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ጽላሎት ናይ ዚመጽእ ዝዓበየ ነገር ከም ዝዀነ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ይገልጽ ነይሩ እዩ፣ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ግና ብዙሕ ኣይገልጽን እዩ። ስለምንታይ፧

ናይ 15 መስከረም 1950 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ)፡ ሓድሓደ ግዜ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሰ ሰብ ኰነ፡ ነገር ኰነ፡ ወይ ፍጻመ ጽላሎት ናይ ዚመጽእ ዝዓበየ ነገር ከም ዝዀነ ገሊጻ ነይራ።

ኣብ ዝሓለፈ እዋን፡ ሕታማትና ኸም ዲቦራን ኤሊሁን ይፍታሕን እዮብን ረሃብን ርብቃን ዝኣመሰሉ ሓያሎ እሙናት ሰብኡትን ኣንስትን ንቕቡኣት ወይ ነቶም “ብዙሓት ህዝቢ” ዜመልክቱ ጽላሎት ከም ዝነበሩ ይገልጽ ነይሩ እዩ። (ራእ. 7:9) ንኣብነት፡ ይፍታሕን እዮብን ርብቃን ነቶም ቅቡኣት ከም ዜመልክቱ፡ ዲቦራን ረሃብን ከኣ ጽላሎት እቶም ብዙሓት ህዝቢ ኸም ዝነበራ ጌርካ ይሕሰብ ነይሩ እዩ። ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ግና ከምዚ ዝኣመሰለ ምንጽጻር ኣይገበርናን። ስለምንታይ፧

ጽላሎት

ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዚቐርብ ዝነበረ ገንሸል ፋስጋ ጽላሎት እዩ ነይሩ።—ዘሁ. 9:2

ቀንዲ ፍጻመ

ጳውሎስ ንክርስቶስ “ገንሸል ፋስጋና” ኢልዎ ኣሎ።—1 ቈረ. 5:7

ቅዱሳት ጽሑፋት፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዘለዉ ገሊኦም ሰባት ጽላሎት ናይ ዝዓበየ ነገር ከም ዝዀኑ ይሕብር እዩ። ከምቲ ኣብ ገላትያ 4:21-31 ተመዝጊቡ ዘሎ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ንኽልተ ኣንስቲ ዚምልከት “ምሳልያዊ ዛንታ” ጠቒሱ ኣሎ። እታ ባርያ ኣብርሃም ዝነበረት ኣጋር፡ ነቶም ብሕጊ ሙሴ ኣቢሎም ምስ የሆዋ ኺዳን ኣትዮም ዝነበሩ ብስጋ እስራኤላውያን ተመልክት። እታ “ጭዋ” ዝነበረት ሳራ ግና፡ ነታ ንሰማያዊ ኽፋል ውድብ የሆዋ ዝሓቘፈት ሰበይቲ ኣምላኽ ተመልክት። ጳውሎስ፡ ኣብታ ንእብራውያን ዝጸሓፋ መልእኽቲ፡ ነቲ ንጉስን ካህንን ዝነበረ መልከጼዴቅ ምስ የሱስ ኣመሳሲልዎ ኣሎ፣ ክልቲኦም ብፍሉይ ነገራት ከም ዚመሳሰሉ ኸኣ ኣጕሊሑ ኣሎ። (እብ. 6:20፣ 7:1-3) ብዘይካዚ፡ ጳውሎስ ንኢሳይያስን ንደቁን ምስ የሱስን ምስቶም ቅቡኣት ሰዓብቲ የሱስን ኣመሳሲልዎም ኣሎ። (እብ. 2:13, 14) ጳውሎስ ነዚ ሓሳባት እዚ ብመንፈስ ተመሪሑ እዩ ጽሒፍዎ፣ ስለዚ፡ ነዚ ኸኣ ተሓጒስና ንቕበሎ ኢና።

ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ሓደ ሰብ ጽላሎት ናይ ካልእ ሰብ ወይ ሕያው ኣካል ከም ዝዀነ ኺሕብር ከሎ፡ ኣብ ህይወት እቲ ጽላሎት ዝዀነ ሰብ ንዘጋጠመ ነፍሲ ወከፍ ዝርዝር ወይ ፍጻመ ጽላሎት ናይ ዝዓበየ ነገር ከም ዝዀነ ጌርና ኽንድምድም የብልናን። ንኣብነት፡ ሽሕ እኳ ጳውሎስ፡ መልከጼዴቅ ጽላሎት የሱስ ከም ዝዀነ እንተ ነገረና፡ ኣብርሃም ነቶም ኣርባዕተ ነገስታት ምስ ሰዓሮም፡ መልከጼዴቅ ንኣብርሃም እንጌራን ወይንን ከም ዘምጽኣሉ ግና ኣይጠቐሰን። ስለዚ፡ ነዚ ፍጻመ እዚ ሕቡእ ትርጕም ከም ዘለዎ ዚሕብር ቅዱስ ጽሑፋዊ መርትዖ የለን።—ዘፍ. 14:1, 18

ድሕሪ ሞት ክርስቶስ ዘመናት ጸኒሖም ዝመጹ ገሊኦም ጸሓፍቲ ዓብዪ ጌጋ ፈጸሙ። ዳርጋ ንዅሉ ጸብጻባት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ጽላሎት ገይሮም ቈጸርዎ። ዘ ኢንተርናሽናል ስታንዳርድ ባይብል ኢንሳይክሎፔድያ ብዛዕባ ትምህርቲ ኦሪጀንን ኣምብሮዝን ጀሮምን፡ “ንዅሉ እቲ ኣብ ቅዱስ ጽሑፍ ዘሎ ዅነትን ፍጻመን፡ ብዙሕ ኣገዳስነት ዘይብሉ እውን ይኹን ብዘየገድስ፡ ጽላሎት የውጽኡሉ፡ ይረኽቡሉ ድማ ነበሩ። ኣብ ውሽጢ እቲ ኣዝዩ ቐሊልን ተራን ኵነታት እውን ከይተረፈ እተሰወረ ኣዝዩ ዕምቈት ዘለዎ ሓቂ ኸም ዘለዎ ጌርካ ይሕሰብ ነበረ። . . . ሕሉፍ ሓሊፎም እኳ ንቝጽሪ እቲ እቶም ደቀ መዛሙርቲ እቲ ዝተስአ መድሓኒ ብለይቲ ምስ ተራእዮም ዝገፈፍዎ ዓሳ፡ ማለት 153 ከይተረፈ ጽላሎት ኬውጽኡሉ ምፍታኖም ዜገርም እዩ” ይብል።

ኦገስቲን ብዓል ሂፖ ነቲ የሱስ ብሓሙሽተ ጎጎ ስገምን ብኽልተ ዓሳን ን5,000 ሰባት ከም ዝመገበ ዚገልጽ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሰፊሕ ሓሳብ ሂቡሉ ኣሎ። ስገም ካብ ስርናይ ኣትሕት ኣቢልካ ይርአ ስለ ዝነበረ፡ ኦገስቲን እተን ሓሙሽተ ጎጎ ነተን ሓሙሽተ መጻሕፍቲ ሙሴ (እቲ ትሑት “ስገም” ነቲ ኸም ትሑት ዝሓሰቦ “ብሉይ ኪዳን” ከም ዜመልክት ብምሕባር) ከም ዜመልክታ ገይሩ ደምደመ። እተን ክልተ ዓሳኸ ንምንታይ ከም ዜመልክታ እዩ ገሊጹ፧ ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ምስ ንጉስን ምስ ካህንን ኣመሳሰለን። ካልእ ምሁር እውን እቲ ያእቆብ ንብዅርና ኤሳው ብጸብሒ ብርስን ምዕዳጉ ነቲ የሱስ በቲ ቐይሕ ደሙ ገይሩ ንደቂ ሰብ ንሰማያዊ ውርሻ ምዕዳጉ ኸም ዜመልክት ገለጸ።

ነዚ መግለጺታት እዚ ንኽትኣምኖ ዜሸግር ኰይኑ እንተ ተሰሚዑካ፡ እቲ ጸገም ኪርድኣካ ይኽእል እዩ። ሰባት፡ ኣየናይ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ትንቢታዊ ጽላሎት ከም ዘለዎ፡ ኣየናይ ከኣ ከም ዘይብሉ ኺፈልጡ ኣይክእሉን እዮም። እቲ ጥበባዊ ስጕምቲ እንታይ እዩ፧ ቅዱሳት ጽሑፋት፡ ሓደ ሰብ፡ ሓደ ፍጻመ፡ ወይ ሓደ ነገር ትንቢታዊ ጽላሎት ናይ ዝዓበየ ነገር ከም ዝዀነ ምስ ዚነግረና፡ ንቕበሎ ኢና። ንጹር ዝዀነ ቕዱስ ጽሑፋዊ መሰረት እንተ ዘየልዩ ግና፡ ንሓደ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ምሳልያዊ ትርጕም ከም ዘለዎ ጌርና ኽንገልጾ የብልናን።

ካብቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘሎ ፍጻመታትን ኣብነታትን ብኸመይ ኢና ኽንጥቀም እንኽእል፧ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ሮሜ 15:4“ብተጻዋርነትናን ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብዚርከብ መጸናንዕን ተስፋ ምእንቲ ኺህልወናስ፡ እቲ ኣቐዲሙ እተጻሕፈ ዘበለ ዅሉ፡ ንትምህርትና እዩ እተጻሕፈ” በለ። ጳውሎስ ከምኡ ኺብል ከሎ፡ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ቕቡኣት ኣሕዋቱ ኻብቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘሎ ጸብጻብ ኪጥቀሙ ኸም ዚኽእሉ እዩ ዚገልጸሎም ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዞም፡ ኵሎም ክርስትያናት፡ ካብቶም ቅቡኣት ይኹኑ ወይ ካብተን “ካልኦት ኣባጊዕ” ብዘየገድስ፡ ካብቲ “ኣቐዲሙ እተጻሕፈ ዘበለ ዅሉ” ይጥቀሙ ኣለዉ።—ዮሃ. 10:16፣ 2 ጢሞ. 3:1

ስለዚ፡ መብዛሕትኡ ጸብጻባት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንቕቡኣት፡ ወይ ነቶም “ካልኦት ኣባጊዕ፡” ወይ ከኣ ኣብ ታሪኽ ኣብ ሓደ ውሱን እዋን ንዝነበሩ ክርስትያናት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንዅሎም እቶም ቀደም ዝነበሩን ሕጂ ዘለዉን ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዚጠቅም እዩ። ንኣብነት፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ እዮብ ዘሎ ጸብጻብ፡ ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ዝነበሩ ቕቡኣት ንዘሕለፍዎ ተመክሮ ኸም ዜመልክት ጌርና ጥራይ ክንሓጽሮ የብልናን። መብዛሕትኦም ኣገልገልቲ ኣምላኽ፡ ሰብኡትን ኣንስትን፡ ካብቶም ቅቡኣትን ካብቶም ብዙሓት ህዝብን ከምቲ እዮብ ዘሕለፎ ስቓይ ኣሕሊፎም እዮም፣ ‘የሆዋ ኣዝዩ ፈቃርን ርሕሩሕን ብምዃኑ ኣብ መወዳእታ ንዝገበረሎም እውን ርእዮም እዮም።’—ያእ. 5:11

ነዚ ዚስዕብ እሞ ሕሰበሉ፦ ሎሚ ኣብ ጉባኤታትና፡ ከምታ እምንቲ ዝነበረት ዲቦራ ዝኣመሰለ እሙናት ኣንስቲ፡ ከምቲ ጥበበኛ ዝነበረ ኤሊሁ ዝኣመሰሉ ለባማት ዝዀኑ ንኣሽቱ ሽማግለታት፡ ከምቲ ቕንኣት ዝነበሮ ይፍታሕ ዝኣመሰሉ ተባዓት ፈለምቲ፡ ከምኡ እውን ከም እዮብ ዕጉሳት ዝዀኑ እሙናት ሰብኡትን ኣንስትን የለዉን ድዮም፧ የሆዋ ነዚ ጸብጻባት እዚ፡ “ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብዚርከብ መጸናንዕን ተስፋ ምእንቲ ኺህልወናስ፡ እቲ ኣቐዲሙ እተጻሕፈ ዘበለ ዅሉ” ኸም ዚዕቀብ ስለ ዝገበረልና ኸነማሱ ኣይግብኣናንዶ፧

ስለዚ፡ ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ዝወጸ ሕታማትና፡ ሓደ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ትንቢታዊ ጽላሎትን ፍጻመን ከም ዘለዎ ዘይኰነስ፡ ብዝያዳ ኻብኡ እንታይ ክንመሃር ከም እንኽእል እዩ ዜጕልሕ።