ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ ምሳሌ እቲ ታለንት ተምሃር

ካብ ምሳሌ እቲ ታለንት ተምሃር

“ንሓደ ሓሙሽተ ታለንት፡ ንሓደ ኽልተ፡ ንሓደ ኸኣ ሓደ ሂብዎም ገሸ።”—ማቴ. 25:15

1, 2. የሱስ ብዛዕባ ምሳሌ እቲ ታለንት እተዛረበ ስለምንታይ እዩ፧

ኣብ ምሳሌ እቲ ታለንት፡ የሱስ ብዛዕባ እቲ ቕቡኣት ኣሕዋቱ ዘለዎም ሓላፍነት ብንጹር ገሊጹ እዩ። እቲ ምሳሌ ንዅሎም እቶም ሰማያዊ ይኹን ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ናይ ሓቂ ክርስትያናት ዚጸሉ ስለ ዝዀነ፡ ንትርጕም እቲ ምሳሌ ኽንርድኦ ኣሎና።

2 ደቀ መዛሙርቲ ንየሱስ ብዛዕባ ‘ምልክት እቲ ንሱ ኣብዚ ዚህልወሉ እዋንን መደምደምታ ስርዓት ዓለምን’ ምስ ሓተትዎ፡ መልሲ ሃቦም፣ ምሳሌ እቲ ታለንት፡ ሓደ ኽፋል እቲ መልሲ እዩ ነይሩ። (ማቴ. 24:3) ስለዚ፡ እቲ ምሳሌ ኣብዚ ግዜና እዩ ዚፍጸም፣ ሓደ ኽፋል እቲ የሱስ ኣብዚ ምህላዉን ንጉስ ኰይኑ ይገዝእ ከም ዘሎን ዜርኢ ምልክት ድማ እዩ።

3. ካብቲ ኣብ ማቴዎስ ምዕራፍ 24ን 25ን ተመዝጊቡ ዚርከብ ምሳሌታት እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

3 ካብ ማቴዎስ 24:45 ክሳዕ 25:46 ኣብ ዘሎ ሓሳብ፡ ኣርባዕተ ምሳሌ ተጠቒሱ ኣሎ፣ ምሳሌ እቲ ታለንት ድማ ሓደ ኻብኡ እዩ። እቲ ኻልእ ሰለስተ ምሳሌ፡ ማለት እቲ ብዛዕባ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያን ብዛዕባ እተን ዓሰርተ ደናግልን ብዛዕባ ኣባጊዕን ኣጣልን ዚገልጽ ምሳሌ እውን እንተ ዀነ፡ ሓደ ኽፋል እቲ የሱስ ከም ምልክት እቲ ኣብዚ ዚህልወሉ እዋን ዝሃቦ መልሲ እዩ ነይሩ። የሱስ ኣብ ኣርባዕቲኡ ምሳሌታት፡ ነቲ ናይ ሓቂ ሰዓብቱ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ዚልለዩሉ ባህርያት ኣጕሊሑ እዩ። ምሳሌ እቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያን እተን ደናግልን እቲ ታለንትን፡ ኣብ ቅቡኣት ሰዓብቲ የሱስ እዩ ዜተኵር። የሱስ ኣብቲ ብዛዕባ እቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያን ዚገልጽ ምሳሌ፡ ኣብ ግዜ ዳሕሮት መዓልትታት ንኣገልገልቲ ቤቱ ናይ ምምጋብ ሓላፍነት እተዋህባ ብቕቡኣት ዝቘመት ንእሽቶ ጕጅለ ኸም እትህሉ ገለጸ፣ ኣባላታ እሙናትን ኣስተውዓልትን ኪዀኑ ኸም ዘለዎም ድማ ኣጕልሐ። ኣብታ ብዛዕባ እተን ደናግል እትገልጽ ምሳሌ ድማ፡ ኵሎም ቅቡኣት ሰዓብቱ፡ ንሱ ኸም ዚመጽእ እኳ እንተ ፈለጡ፡ በየነይቲ መዓልቲ ወይ ሰዓት ከም ዚመጽእ ግና ስለ ዘይፈልጡ፡ ድሉዋትን ንቑሓትን ኪዀኑ ኸም ዘለዎም ገለጸ። ኣብታ ብዛዕባ እቲ ታለንት እትገልጽ ምሳሌ እውን፡ ቅቡኣት ንክርስትያናዊ ሓላፍነቶም ኣብ ምፍጻም ትጉሃት ኪዀኑ ኸም ዘለዎም ኣርኣየ። የሱስ ኣብታ ናይ መወዳእታ ምሳሌኡ፡ ማለት ኣብ ምሳሌ እተን ኣባጊዕን ኣጣልን፡ ኣብቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ክርስትያናት ኣተኰረ። እሙናት ኪዀኑን ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ቕቡኣት ኣሕዋት የሱስ ምሉእ ብምሉእ ኪድግፍዎምን ከም ዘለዎም ከኣ ኣጕልሐ። * ሕጂ እስከ ኣብ ምሳሌ እቲ ታለንት ነተኵር።

እቲ ጐይታ ንባሮቱ ገንዘብ ሃቦም

4, 5. እቲ ሰብኣይ ወይ እቲ ጐይታ ንመን እዩ ዜመልክት፧ እቲ ታለንትኸ እንታይ እዩ፧

4 ማቴዎስ 25:14-30 ኣንብብ። ሕታማትና ንነዊሕ እዋን፡ እቲ ሰብኣይ ወይ እቲ ጐይታ ንየሱስ ከም ዜመልክት ገሊጹ እዩ፣ እቲ ኸም ዝገሸ ዚገልጽ ሓሳብ ድማ፡ ነቲ ብ33 ድ.ክ. ናብ ሰማይ ዝዓረገሉ እዋን ከም ዜመልክት ተገሊጹ ነይሩ እዩ። ኣቐዲማ ኣብ ዝነበረት ምሳሌ፡ የሱስ ብዛዕባ ዕላማ መገሻኡ ኺገልጽ ከሎ፡ “ንግስና ተቐቢሉ ኺምለስ” ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ እዩ። (ሉቃ. 19:12) የሱስ ናብ ሰማይ ምስ ተመልሰ፡ ብኡብኡ ምሉእ ንግስና ኣይተቐበለን። * ኣብ ክንዳኡስ፡ “ኣብ የማን ኣምላኽ ድማ ተቐመጠ፣ ካብኡ ኣትሒዙ ጸላእቱ መርገጽ እግሩ ኽሳዕ ዚዀኑ ይጽበ ኣሎ።”—እብ. 10:12, 13

5 እቲ ኣብታ ምሳሌ ተጠቒሱ ዘሎ ሰብኣይ፡ ሸሞንተ ታለንት ኣለዎ፣ እዚ ኸኣ ኣብቲ እዋን እቲ ኣዝዩ ብዙሕ ገንዘብ እዩ ነይሩ። * ቅድሚ ምጋሹ ግና፡ ነቲ ታለንት ንባሮቱ ሃቦም፣ ንሱ ኣብ ዚኸደሉ እዋን ብእኡ ገይሮም ኪነግዱ ድማ እዩ ዚጽበዮም ነይሩ። የሱስ እውን እንተ ዀነ ልክዕ ከምቲ ሰብኣይ፡ ናብ ሰማይ ቅድሚ ምዕራጉ፡ ኣዝዩ ኽቡር ነገር ነበሮ። እቲ ኽቡር ነገር እቲ እንታይ እዩ ነይሩ፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ፡ ምስቲ የሱስ ኣብ ህይወቱ ቐዳማይ ቦታ ዚህቦ ዝነበረ ዕዮ እተተሓሓዘት እያ።

6, 7. እቲ ታለንት ንምንታይ እዩ ዜመልክት፧

6 የሱስ ነቲ ናይ ምስባኽን ናይ ምምሃርን ዕዮኡ ዓብዪ ግምት እዩ ዚህቦ ነይሩ። (ሉቃስ 4:43 ኣንብብ።) በቲ ዕዮ እቲ ኣቢሉ ድማ፡ ነቲ ብዙሕ ውጽኢት ኪርከቦ ዚኽእል ዝነበረ ግራት ኣዳለዎ። ኣቐድም ኣቢሉ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ኣዒንትኹም ቋሕ ኣቢልኩም፡ ግራውቲ ንዓጺድ ከም ዝጻዕደወ ርኣዩ” ኢልዎም ነይሩ እዩ። (ዮሃ. 4:35-38) የሱስ ከምኡ ኺብል ከሎ፡ ብዛዕባ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ንምዃን ዚእከቡ ቕኑዕ ዝልቦም ብዙሓት ሰባት እዩ ዚሓስብ ነይሩ። ልክዕ ከም ሓደ ንፉዕ ሓረስታይ ስለ ዝዀነ፡ ነቲ ንዓጺድ ዝጻዕደወ ግራት ጠንጢንዎ ኣይከደን። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ደድሕሪ ትንሳኤኡን ናብ ሰማይ ቀቅድሚ ምዕራጉን ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ኪዱ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ” ዚብል ረዚን መዝነት ሃቦም። (ማቴ. 28:18-20) በዚ ኸምዚ፡ ነቲ ኣዝዩ ኽቡር መዝገብ ዝዀነ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ብሕድሪ ሃቦም።—2 ቈረ. 4:7

7 እሞኸ ኣብ ምንታይ መደምደምታ ኢና ኽንበጽሕ እንኽእል፧ የሱስ ንሰዓብቱ፡ ደቀ መዛሙርቲ ንኺገብሩ ኺምዝዞም ከሎ፡ “ገንዘቡ” ወይ ታለንቱ እዩ ዚህቦም ነይሩ። (ማቴ. 25:14) ብንጹር እምበኣር፡ እቲ ታለንት ነቲ ናይ ምስባኽን ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባርን ሓላፍነት እዩ ዜመልክት።

8. ዋላ እኳ ነፍሲ ወከፍ ባርያ እተፈላለየ ብዝሒ ዘለዎ ታለንት እንተ ተቐበለ፡ እቲ ጐይታኦም ካባታቶም እንታይ እዩ ዚጽበ፧

8 ኣብ ምሳሌ እቲ ታለንት ከም እተገልጸ፡ እቲ ጐይታ ንባሮቱ፡ ነቲ ቐዳማይ ባርያ ሓሙሽተ ታለንት፡ ነቲ ኻልኣይ ክልተ ታለንት፡ ነቲ ሳልሳይ ከኣ ሓንቲ ታለንት ሃቦም። (ማቴ. 25:15) ነፍሲ ወከፍ ባርያ እተፈላለየ ብዝሒ ዘለዎ ታለንት እኳ እንተ ተዋህቦ፡ እቲ ጐይታ ነቶም ባሮት፡ ነቲ ታለንት ብትግሃት ኪጥቀሙሉ እዩ ዚጽበዮም፣ እወ፡ ኣብ ኣገልግሎት ብእተኻእሎም ዓቕሚ ኺካፈሉ ኣለዎም። (ማቴ. 22:37፣ ቈሎ. 3:23) ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ ካብ ጰንጠቈስጠ 33 ድ.ክ. ኣትሒዙ፡ ሰዓብቲ ክርስቶስ በቲ ታለንት ተጠቒሞም ኪነግዱ ጀመሩ። ኣብ ዕዮ ስብከትን ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ምግባርን ብትግሃት ከም ዝዓየዩ ድማ፡ ኣብታ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነት መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት ተመዝጊቡ ኣሎ። *ግብ. 6:7፣ 12:24፣ 19:20

ኣብ እዋን መወዳእታ፡ በቲ ታለንት ምንጋድ

9. (ሀ) እቶም ክልተ እሙናት ባሮት በቲ ታለንት ተጠቒሞም እንታይ እዮም ገይሮም፧ እዚኸ እንታይ እዩ ዜመልክት፧ (ለ) እቶም “ካልኦት ኣባጊዕ” እንታይ ግደ እዩ ዘለዎም፧

9 ኣብ ግዜ መወዳእታ፡ ብፍላይ ከኣ ካብ 1919 ንነጀው፡ ኣብ ምድሪ ዝነበሩ እሙናት ዝዀኑ ቕቡኣት ባሮት ክርስቶስ፡ ብታለንት ጐይታ ይነግዱ ነይሮም እዮም። ልክዕ ከምቶም ኣብቲ ምሳሌ እተጠቕሱ ኽልተ ቐዳሞት ባሮት፡ ቅቡኣት ዝዀኑ ኣሕዋትን ኣሓትን ብዚከኣሎም ዓቕሚ ጽዒሮም እዮም። ሓሙሽተ ታለንት ወይ ከኣ ክልተ ታለንት እተቐበለ መን ምዃኑ ኽንግምት ኣየድልየናን እዩ። ኣብቲ ምሳሌ ኸም እተጠቕሰ፡ ክልቲኦም ባሮት ነቲ ጐይታኦም ዝሃቦም ብዕጽፊ ስለ ዝወሰኹሉ፡ ክልቲኦም ዘርኣይዎ ትግሃት ማዕረ እዩ ነይሩ። እቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ኣብዚ እንታይ ግደ እዩ ዘለዎም፧ ኣዝዩ ኣገዳሲ ግደ እዩ ዘለዎም። እቲ የሱስ እተዛረቦ ምሳሌ እተን ኣባጊዕን ኣጣልን፡ እቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ክርስትያናት፡ ንቕቡኣት ኣሕዋት የሱስ ኣብ ዕዮ ስብከትን ኣብ ዕዮ ትምህርትን ብተኣማንነት ናይ ምድጋፍ ፍሉይ መሰል ከም ዘለዎም ይምህረና እዩ። ኣብዘን ጽንኩራት ዳሕሮት መዓልትታት፡ እቶም ክልተ ጕጅለ ኸም “ሓደ መጓሰ” ዀይኖም ኣብቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ ብቕንኣት ይካፈሉ ኣለዉ።—ዮሃ. 10:16

10. ኣገዳሲ ኽፋል እቲ የሱስ ኣብ ሓይሊ ስልጣኑ ኸም ዘሎ ዚሕብር ምልክት እንታይ እዩ፧

10 የሱስ ካብቶም ባሮቱ ገለ ውጽኢት ኪጽበ ግቡእ እዩ። ከምቲ ኣቐዲሙ እተገልጸ፡ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ እሙናት ደቀ መዛሙርቲ፡ ንገንዘብ እቲ ጐይታ ኣዝዮም ኣብዚሖምዎ እዮም። ኣብዚ ምሳሌ እቲ ታለንት ዚፍጸመሉ ዘሎ ግዜ መወዳእታኸ ሰዓብቲ የሱስ እንታይ እዮም ዚገብሩ ዘለዉ፧ እቶም እሙናትን ጻዕራማትን ባሮት የሱስ፡ ኣብቲ ኣብ ታሪኽ ዝዓበየ ዝዀነ ዕዮ ስብከትን ደቀ መዛሙርቲ ምግባርን ተኻፊሎም እዮም። ሳላ እቲ ሓባራዊ ጻዕሮም ድማ፡ ብኣማእታት ኣሽሓት ዚቝጸሩ ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ፡ በብዓመቱ ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ይዀኑ ኣለዉ፣ እዚ ዅሉ ንጥፈታትን ጽቡቕ ውጽኢትን፡ እቲ ናይ ምስባኽን ናይ ምምሃርን ዕዮ፡ ኣገዳሲ ኽፋል እቲ የሱስ ኣብ ሓይሊ ስልጣኑ ኸም ዘሎ ዚሕብር ምልክት እዩ። የሱስ በዚ ኣዝዩ ኸም ዚሕጐስ ኣየጠራጥርን እዩ።

ክርስቶስ ንባሮቱ፡ ነቲ ኽቡር ዝዀነ ዕዮ ስብከት ብሕድሪ ሂብዎም እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 10 ርአ)

እቲ ጐይታ ኺጸባጸብ ዚመጽእ መዓስ እዩ፧

11. የሱስ ኣብ እዋን ብርቱዕ ጸበባ ምስ ባሮቱ ኸም ዚጸባጸብ ክንድምድም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

11 የሱስ ኣብ ከባቢ መወዳእታ እቲ ዚቐርብ ዘሎ ብርቱዕ ጸበባ፡ ምስ ባሮቱ ምእንቲ ኺጸባጸብ ኪመጽእ እዩ። ኣብዚ መደምደምታ እዚ ኽንበጽሕ ዝኸኣልና ብኸመይ ኢና፧ የሱስ ኣብቲ ኣብ ማቴዎስ ምዕራፍ 24ን 25ን ተመዝጊቡ ዚርከብ ትንቢት፡ ብተደጋጋሚ ብዛዕባ ምምጽኡ ተዛሪቡ እዩ። ብዛዕባ እቲ ኣብ እዋን ብርቱዕ ጸበባ ዚህሉ ፍርዲ ኺገልጽ ከሎ፡ ሰባት፡ “ወዲ ሰብ . . . ብደበና ሰማይ ኪመጽእ ከሎ፡ ኪርእይዎ እዮም” በለ። ነቶም ኣብ ዳሕሮት መዓልትታት ዚነብሩ ሰዓብቱ ድማ፡ ንቑሓት ኪዀኑ ኸም ዘለዎም ኪምዕዶም ከሎ፡ “ጐይታኹም በየነይቲ መዓልቲ ኸም ዚመጽእ ኣይትፈልጡን ኢኹም፡” ከምኡ እውን “ወዲ ሰብ ብዘይሓሰብኩምዋ ሰዓት ኪመጽእ እዩ” በሎም። (ማቴ. 24:30, 42, 44) ስለዚ፡ የሱስ፡ “ጐይታ እቶም ባሮት መጸ፡ ምሳታቶም ድማ ተጸባጸበ” ኺብል ከሎ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ግዜ መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ ፍርዲ ንኺፍጽም ዚመጽኣሉ እዋን እዩ ዚዛረብ ነይሩ ኪኸውን ዘለዎ። *ማቴ. 25:19

12, 13. (ሀ) እቲ ጐይታ ነቶም ክልተ ባሮት እንታይ እዩ ኢልዎም፧ ስለምንታይከ፧ (ለ) ቅቡኣት ንመወዳእታ እዋን ዚሕተሙ መዓስ እዮም፧ (“ ኣብ ግዜ ሞት ዚግበር ምጽብጻብ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።) (ሐ) እቶም ከም ኣባጊዕ ዚፍረዱ እንታይ ዓስቢ እዮም ዚቕበሉ፧

12 ኣብቲ ምሳሌ ኸም እተገልጸ፡ እቲ ጐይታ ምስ መጸ፡ እቶም ክልተ ባሮት፡ ማለት እቶም ሓሙሽተ ታለንትን ክልተ ታለንትን እተዋህቦም ባሮት፡ ነቲ እተዋህቦም ታለንት ብዕጽፊ ብምውሳኽ እሙናት ምዃኖም ኣርእዮም እዮም። እቲ ጐይታኦም ድማ ንኽልቲኦም፡ “ንፉዕ፡ ኣታ ሕያዋይን እሙንን ባርያ! ብሒደት እሙን ኴንካ ኢኻ። ኣብ ብዙሕ ክሸመካ እየ” በሎም። (ማቴ. 25:21, 23) እቲ ግርማ ዝለበሰ ጐይታና የሱስከ ኣብ መጻኢ ንፍርዲ ምስ መጸ፡ እንታይ ኪገብር ኢና ኽንጽበ እንኽእል፧

13 እቶም በቶም ክልተ ባሮት እተመሰሉ ጻዕራማት ዝዀኑ ቕቡኣት ደቀ መዛሙርቲ፡ እቲ ብርቱዕ ጸበባ ቕድሚ ምጅማሩ ንመወዳእታ እዋን ኪሕተሙ እዮም። (ራእ. 7:1-3) የሱስ ቅድሚ ኣርማጌዶን፡ ነቲ ብተስፋ ዚጽበይዎ ሰማያዊ ዓስቢ ኺህቦም እዩ። እቶም ንኣሕዋት ክርስቶስ ኣብ ዕዮ ስብከት ዚድግፍዎም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ክርስትያናት ድማ፡ ከም ኣባጊዕ ኪፍረዱን ኣብ ምድራዊ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ምንባር ፍሉይ መሰል ኪቕበሉን እዮም።—ማቴ. 25:34

እኩይን ሃካይን ባርያ

14, 15. የሱስ፡ ብዙሓት ቅቡኣት ኣሕዋቱ እኩያትን ሃካያትን ከም ዚዀኑ ድዩ ዚሕብር ነይሩ፧ ግለጽ።

14 ኣብ ምሳሌ እቲ ታለንት፡ እቲ ናይ መወዳእታ ባርያ፡ በቲ እተዋህቦ ታለንት ኣብ ክንዲ ዚነግድ ወይ ንባንከኛታት ኣብ ክንዲ ዚህቦም፡ ከይዱ ሓብኦ። እዚ ባርያ እዚ፡ ደይመደይ ኢሉ ኣንጻር እቲ ጐይታኡ ስለ ዝዓየየ፡ ሕማቕ መንፈስ እዩ ኣርእዩ። እቲ ጐይታኡ፡ “ኣታ እኩይን ሃካይን ባርያ” ኺብሎ እምበኣር ሓቁ እዩ። ነቲ ታለንት ካብኡ ወሲዱ ድማ፡ ነቲ ዓሰርተ ታለንት ዝነበሮ ሃቦ። ድሕሪኡ፡ እቲ እኩይ ባርያ “ናብቲ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ጸልማት” ተደርበየ። “ኣብኡ ድማ፡ ኪበክን ኣስናኑ ኺሕርቅምን እዩ።”—ማቴ. 25:24-30፣ ሉቃ. 19:22, 23

15 ሓደ ኻብቶም ሰለስተ ባሮት ነቲ እተዋህቦ ታለንት ስለ ዝሓብኦ፡ የሱስ ካብቶም ቅቡኣት ሰዓብቱ ሓደ ሲሶ ዚዀኑ፡ እኩያትን ሃካያትን ኪዀኑ እዮም ማለቱ ድዩ ነይሩ፧ ኣይፋሉን። ኣብ ከባቢ እታ ጥቕሲ ንዘሎ ሓሳብ እስከ ንመርምሮ። ኣብቲ ብዛዕባ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ዚገልጽ ምሳሌ፡ የሱስ ብዛዕባ እቲ ንብጾቱ ባሮት ዚወቕዖም እኩይ ባርያ ተዛሪቡ ነይሩ እዩ። ከምኡ ኺብል ከሎ ግና፡ እኩይ ባርያ ኸም ዚመጽእ ኣይኰነን ዚንበ ነይሩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ የሱስ ነቲ እሙን ባርያ፡ ከምቲ ናይቲ እኩይ ባርያ ዓይነት ባህርይ ንኸየርኢ እዩ ዜጠንቅቖ ነይሩ። ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ምሳሌ እተን ዓሰርተ ደናግል፡ የሱስ፡ ካብ ቅቡኣት ሰዓብቱ እቶም ፍርቂ፡ ከምተን ሓሙሽተ ዓያሹ ደናግል ከም ዚዀኑ ኣይኰነን ዚሕብር ነይሩ። የግዳስ፡ የሱስ ንመንፈሳውያን ኣሕዋቱ፡ ንቑሓትን ድሉዋትን እንተ ዘይኰይኖም እንታይ ኬጋጥሞም ከም ዚኽእል እዩ ዜጠንቅቖም ነይሩ። * ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ ምሳሌ እቲ ታለንት እውን እንተ ዀነ፡ የሱስ፡ ሓያሎ ኻብቶም ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ዚህልዉ ቕቡኣት ኣሕዋቱ፡ እኩያትን ሃካያትን ከም ዚዀኑ ኣይኰነን ዚዛረብ ነይሩ። የግዳስ፡ የሱስ፡ ቅቡኣት ሰዓብቱ በቲ እተዋህቦም ታለንት ‘ብምንጋድ’ ትጉሃት ንኪዀኑን ካብ ኣረኣእያን ተግባራትን እቲ እኩይ ባርያ ንኺርሕቁን እዩ ዜጠንቅቖም ነይሩ።—ማቴ. 25:16

16. (ሀ) ካብ ምሳሌ እቲ ታለንት እንታይ ንምሃር፧ (ለ) እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነቲ ብዛዕባ ምሳሌ እቲ ታለንት ዝነበረና ምርዳእ ዘነጸረቶ ብኸመይ እያ፧ ( “ንምሳሌ እቲ ታለንት ምርዳኡ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።)

16 ካብ ምሳሌ እቲ ታለንት እንታይ ክልተ ትምህርቲ ኢና እንመሃር፧ ቀዳማይ፡ እቲ ጐይታ ዝዀነ ክርስቶስ ንቕቡኣት ባሮቱ፡ ነቲ ኸም ክቡር ገይሩ ዚርእዮ ናይ ምስባኽን ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባርን መዝነት ሂብዎም እዩ። ካልኣይ፡ ክርስቶስ ንዅላትና፡ ኣብ ዕዮ ስብከት ብትግሃት ንኽንካፈል ይጽበየና እዩ። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ስለቲ እምነትናን ትግሃትናን ተኣማንነትናን ኪባርኸና እዩ።—ማቴ. 25:21, 23, 34

^ ሕ.ጽ. 3 መንነት እቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ኣብ ናይ 15 ሓምለ 2013 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 21-22፡ ሕጡብ ጽሑፍ 8-10 ተገሊጹ ኣሎ። መንነት እተን ደናግል፡ ኣብዛ መጽሔት እዚኣ ኣቐዲማ ኣብ ዘላ ዓንቀጽ በሪሁ ኣሎ። ምሳሌ እተን ኣባጊዕን ኣጣልን ድማ፡ ኣብ ናይ 15 ጥቅምቲ 1995 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 23-28 ከምኡ እውን ኣብዛ መጽሔት እዚኣ፡ ኣብታ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ ተገሊጹ ኣሎ።

^ ሕ.ጽ. 5 ብግዜ የሱስ፡ ሓደ ታለንት ኣስታት 6,000 ዲናር እዩ ነይሩ። ሓደ ዓያዪ ሓደ ታለንት ንምርካብ፡ በብመዓልቱ ሓንቲ ዲናር እናተኸፍሎ ንኣስታት 20 ዓመት ኪሰርሕ ነበሮ።

^ ሕ.ጽ. 8 ሃዋርያት ምስ ሞቱ፡ ሰይጣን ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ኽሕደት ከም ዚልዓል ገበረ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ንሰባት ናይ ሓቂ ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ንምግባር ዚግበር ዝነበረ ጻዕሪ፡ ዜዕግብ ኣይኰነን ነይሩ። እዚ ግና “ብግዜ ቐውዒ፡” ማለት ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ተቐየረ። (ማቴ. 13:24-30, 36-43) ናይ 15 ሓምለ 2013 ግምቢ ዘብዐኛ፡ ገጽ 9-12 ርአ።

^ ሕ.ጽ. 15 ኣብታ ኣብዛ ሕታም እዚኣ ዘላ፡ “‘ክትነቅሕ’ ዲኻ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ፡ ኣብ ሕጡብ ጽሑፍ 13 ርአ።