ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንኣሕዋት ክርስቶስ ብተኣማንነት ደግፎም

ንኣሕዋት ክርስቶስ ብተኣማንነት ደግፎም

“ብመጠን እቲ ንሓደ ኻብዞም ንኣሽቱ ኣሕዋተይ ዝገበርኩምሉ፡ ንዓይ ከም ዝገበርኩምለይ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።”—ማቴ. 25:40

1, 2. (ሀ) የሱስ ነቶም ናይ ቀረባ ፈተውቱ እንታይ ምሳሌ እዩ ነጊርዎም፧ (ኣብዛ ገጽ እዚኣ ዘላ ስእሊ ርአ።) (ለ) ምስ ምሳሌ እተን ኣባጊዕን ኣጣልን ብዚተሓሓዝ እንታይ ኢና ኽንፈልጥ ዘሎና፧

የሱስ ነቶም ናይ ቀረባ ፈተውቱ ዝዀኑ ጴጥሮስን እንድርያስን ያእቆብን ዮሃንስን ይዛረቦም ነበረ። ብዛዕባ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያን ብዛዕባ ዓሰርተ ደናግልን ብዛዕባ ታለንትን ዚገልጽ ምሳሌታት ኪዛረብ ከሎ ሰሚዖምዎ እዮም። ኣብ መወዳእታ፡ የሱስ ሓንቲ ምሳሌ ብምውሳኽ ዘረባኡ ዛዘመ። ብዛዕባ እቲ “ወዲ ሰብ” ‘ንዅሎም ኣህዛብ’ ዚፈርደሉ እዋን ድማ ገለጸ። እዚ ምሳሌ እዚ፡ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ኣዝዩ ኣደኒቕዎም ኪኸውን ኣለዎ። የሱስ ኣብቲ ምሳሌ፡ ኣብቶም ከም ኣባጊዕን ከም ኣጣልን ጌርካ ዚርኣዩ ኽልተ ጕጅለ ኣተኰረ። ብዘይካዚ፡ ብዛዕባ ሓደ ኣዝዩ ኣገዳሲ ሳልሳይ ጕጅለ ኣጕልሐ፣ ንኣባላት እቲ ጕጅለ ኸኣ፡ ‘ኣሕዋት ንጉስ’ ኢሉ ጸውዖም።—ማቴዎስ 25:31-46 ኣንብብ።

2 ህዝቢ የሆዋ ንነዊሕ እዋን፡ ብዛዕባ እዛ ምሳሌ እዚኣ ብዝያዳ ኺፈልጡ ጽዒሮም እዮም፣ ከምኡ ኺገብሩ ኸኣ ሓቆም እዮም፣ ከመይሲ፡ የሱስ ኣብታ ምሳሌ እቲኣ፡ ንሰባት ኣብ መወዳእታ ብዛዕባ ዜጋጥሞም ነገራት እዩ ገሊጹ። ገሊኦም ሰባት ናይ ዘለኣለም ህይወት ዚረኽቡ፡ ገሊኣቶም ግና ንዘለኣለም ዚጠፍኡ ስለምንታይ ምዃኖም ሓቢሩ ነይሩ እዩ። ንሕና እውን፡ ህይወትና ኣብቲ ነቲ የሱስ ዝገለጾ ሓቅታት ዘሎና ምርዳእን ኣብቲ ብእኡ ተደሪኽና እንወስዶ ስጕምትን እተመርኰሰት እያ። ስለዚ እምበኣር፡ ከምዚ ዚስዕብ ኢልና ኽንሓትት ኣሎና፦ የሆዋ ብዛዕባ እታ ምሳሌ ንዘሎና ምርዳእ በብቝሩብ ዘነጸሮ ብኸመይ እዩ፧ እታ ምሳሌ ንኣገዳስነት ዕዮ ስብከት እያ እተጕልሕ ክንብል እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧ ንኺሰብኩ እተመዘዙ መን እዮም፧ ሕጂ ነቲ ‘ንጉስን’ ነቶም “ኣሕዋተይ” ኢሉ ዚጽውዖም ሰባትን እሙናት ክንከውን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

ምርዳእና ብኸመይ ከም ዝነጸረ

3, 4. (ሀ) ነቲ ብዛዕባ እተን ኣባጊዕን ኣጣልን ዚገልጽ ምሳሌ ምእንቲ ኽንርድኦ፡ እንታይ ቀንዲ ረቛሒታት ኢና ኽንግንዘብ ዘሎና፧ (ለ) ብ1881 ዛዮንስ ዎች ታወር ነታ ምሳሌ ብኸመይ እያ ገሊጻታ ነይራ፧

3 ነቲ ብዛዕባ እተን ኣባጊዕን ኣጣልን ዚገልጽ ምሳሌ ብልክዕ ምእንቲ ኽንርድኦ፡ ሰለስተ ቐንዲ ረቛሒታት ክንግንዘብ ኣሎና፦ መንነት እቶም ኣብታ ምሳሌ እተጠቕሱ፡ ግዜ እቲ ፍርዲ፡ ከምኡ እውን ከም በጊዕ ወይ ከም ጤል ዜፍርድ ምኽንያት።

4 ብ1881 ዛዮንስ ዎች ታወር (ግምቢ ዘብዐኛ ጽዮን)፡ እቲ “ንጉስ” እውን ተባሂሉ ዘሎ “ወዲ ሰብ፡” ንየሱስ ከም ዜመልክት ገሊጻ ነበረት። ቀዳሞት ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እታ “ኣሕዋተይ” እትብል ቃል፡ ነቶም ምስ ክርስቶስ ዚገዝኡ ኸምኡ እውን ነቶም ኣብ ምድሪ ናብ ፍጽምና ዚበጽሑ ዅሎም ደቂ ሰብ ከም እተመልክት ገይሮም ይሓስቡ ነበሩ። ብዘይካዚ፡ ምፍላይ እተን ኣባጊዕን ኣጣልን፡ ኣብቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ክርስቶስ ዚፍጸም ይመስሎም ነበረ። እቶም በቲ ፍቕሪ ዝመልኦ ሕጊ ኣምላኽ ዚመላለሱ ሰባት፡ ከም ኣባጊዕ ኪፍረዱ ምዃኖም ድማ ይኣምኑ ነበሩ።

5. ብ1920ታት፡ እቲ ዝነበረና ምርዳእ ዝነጸረ ብኸመይ እዩ፧

5 ኣብ መጀመርታ 1920ታት፡ የሆዋ ንህዝቡ፡ ብዛዕባ እቲ ምሳሌ ዘለዎም ምርዳእ ምእንቲ ኺንጽር ሓጊዝዎም እዩ። ናይ 15 ጥቅምቲ 1923 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ እቲ “ወዲ ሰብ፡” የሱስ ምዃኑ ኣረጋገጸት። ይኹን እምበር፡ እቶም ኣሕዋት ክርስቶስ ነቶም ምስኡ ኣብ ሰማይ ዚገዝኡ ኸም ዜመልክቱ፡ እቶም ከም ኣባጊዕ ጌርካ ተገሊጾም ዘለዉ ኸኣ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት እታ ክርስቶስ ዝንጉሳ መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኖም ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ንኺነብሩ ተስፋ ዚገብሩ ሰባት ምዃኖም ዚገልጽ ዜተኣማምን ቅዱስ ጽሑፋዊ መርትዖ ብምቕራብ፡ ብዛዕባ መንነቶም ሓበረት። እተን ኣባጊዕን ኣጣልን ብዛዕባ ዚፈላለያሉ ግዜኸ እንታይ ኪብሃል ይክኣል፧ እታ ዓንቀጽ ከም ዝገለጸቶ፡ ኣብቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት የሱስ፡ ኣሕዋት ክርስቶስ ምስኡ ዀይኖም ካብ ሰማይ ስለ ዚገዝኡ፡ እቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ሰባት ነቶም ቅቡኣት ኪሕግዝዎም ወይ ዕሽሽ ኪብልዎም ኣይክእሉን እዮም። ስለዚ፡ ምፍልላይ እተን ኣባጊዕን ኣጣልን፡ እቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ክርስቶስ ቅድሚ ምጅማሩ ኺግበር ኣለዎ። እታ ዓንቀጽ ብዛዕባ እቲ ሓደ ሰብ ከም በጊዕ ዚፍረደሉ ምኽንያት ክትሕብር ከላ፡ ሰባት ንየሱስ ከም ጐይታኦም ገይሮም ዚርእይዎ እንተ ዀይኖምን መንግስቲ ኣምላኽ ዝሓሸ ዅነታት ከም እተምጽእ ዚኣምኑ እንተ ዀይኖምን፡ ከም ኣባጊዕ ኪፍረዱ ምዃኖም ገለጸት።

6. ብ1990ታት ኣረኣእያና ብዝያዳ ዝነጸረ ብኸመይ እዩ፧

6 ብምኽንያት እዚ እተዓራረየ ምርዳእ፡ ህዝቢ የሆዋ፡ ሰባት ብመሰረት እቲ ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዚህብዎ ምላሽ፡ ኣብ መደምደምታ እዚ ስርዓት ዓለም እዚ ኸም ኣባጊዕ ወይ ከም ኣጣል ይፍረዱ ኸም ዘለዉ ገይሮም ይሓስቡ ነበሩ። ይኹን እምበር፡ ኣብ መፋርቕ 1990ታት፡ እቲ ዝነበረና ኣረኣእያ ነጸረ። ኣብ ናይ 15 ጥቅምቲ 1995 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጻ ኽልተ ዓንቀጻት፡ ኣብ ማቴዎስ 24:29-31 ዚርከባ ቓላት የሱስ ምስተን ኣብ ማቴዎስ 25:31, 32 ዚርከባ ተመሳሰልቲ ምዃነን ሓበራ። (ኣንብብ።) * እዚኸ ኣብ ምንታይ መደምደምታ ኸም እንበጽሕ እዩ ገይሩና፧ እታ ቐዳመይቲ ዓንቀጽ፡ ‘ነተን ኣባጊዕን ኣጣልን ፍርዲ ምሃብ፡ ኣብ መጻኢ ግዜ እዩ ዚፍጸም’ በለት። ግናኸ መዓስ፧ እታ ዓንቀጽ ኣስዕብ ኣቢላ፡ “እዚ፡ ድሕሪ ምብራዕ ናይቲ ኣብ ማቴዎስ 24:29, 30 ተጠቒሱ ዘሎ ‘ዓቢ ጸበባ’ ኸምኡውን ወዲ ሰብ ‘ብኽብሩ ምስ መጸ’ ክፍጸም ኢዩ። . . . ድሕርዚ፡ እዚ እኩይ ኣገባብ ብምሉኡ ኣብ መወዳእታኡ ምስ በጽሐ፡ የሱስ ፍርዲ ክህብን ክፍጽምን ክጋባእ ኢዩ” በለት።

7. ሕጂ እንታይ ንጹር ምርዳእ እዩ ዘሎና፧

7 ሎሚ ብዛዕባ ምሳሌ እተን ኣባጊዕን ኣጣልን ንጹር ምርዳእ እዩ ዘሎና። ብዛዕባ መንነት እቶም ኣብታ ምሳሌ እተጠቕሱ ንምግላጽ፦ እቲ “ወዲ ሰብ” ተባሂሉ ዘሎ፡ እቲ ንጉስ ዝዀነ የሱስ እዩ። እቶም “ኣሕዋተይ” ተባሂሎም ዘለዉ ኸኣ፡ ነቶም ምስ ክርስቶስ ኣብ ሰማይ ዚገዝኡ ብመንፈስ እተቐብኡ ሰብኡትን ኣንስትን እዮም ዜመልክቱ። (ሮሜ 8:16, 17) እተን ‘ኣባጊዕን ኣጣልን፡’ ካብ ኵሎም ኣህዛብ ንእተዋጽኡ ውልቀ ሰባት እየን ዜመልክታ። እዚኣቶም ብመንፈስ ቅዱስ እተቐብኡ ኣይኰኑን። ብዛዕባ ግዜ እቲ ፍርዲኸ እንታይ ኪብሃል ይክኣል፧ እዚ ፍርዲ እዚ፡ ኣብ ከባቢ መወዳእታ እቲ ዚቐርብ ዘሎ ብርቱዕ ጸበባ ኺፍጸም እዩ። ሰባት በየናይ ምኽንያት እዮም ከም በጊዕ ወይ ከም ጤል ዚፍረዱ፧ እዚ ፍርዲ እዚ፡ ኣብቲ ነቶም ኣብ ምድሪ ዝተረፉ ብመንፈስ እተቐብኡ ኣሕዋት ክርስቶስ ዚሕዙሉ መገዲ እተመርኰሰ እዩ። መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ ኣዝዩ ይቐርብ ስለ ዘሎ፡ የሆዋ ነዚ ምሳሌ እዝን ነቲ ምስኡ ዚተሓሓዝ ኣብ ማቴዎስ ምዕራፍ 24ን 25ን ዘሎ ኻልእ ምሳሌታትን ምእንቲ ኽንርድኦ፡ በብቝሩብ ብርሃን ስለ ዜብርሃልና ኸነመስግኖ ይግባእ።

እቲ ምሳሌ ንዕዮ ስብከት ዜጕልሕ ብኸመይ እዩ፧

8, 9. እቶም በተን ኣባጊዕ እተመሰሉ ሰባት፡ “ጻድቃን” ተባሂሎም እተጸውዑ ስለምንታይ እዮም፧

8 ኣብ ምሳሌ እተን ኣባጊዕን ኣጣልን፡ የሱስ ብቐጥታ ብዛዕባ ዕዮ ስብከት ኣይጠቐሰን። እቲ ምሳሌ ንኣገዳስነት ዕዮ ስብከት እዩ ዜጕልሕ ኪብሃል ዚክኣል ደኣ እሞ ስለምንታይ እዩ፧

9 ቀዳማይ፡ የሱስ ብምሳሌ ይምህር ከም ዘሎ ኣስተብህል። ብንጹር እምበኣር፡ ቃል ብቓሉ ንኣባጊዕ ካብ ኣጣል ብዛዕባ ምፍላይ ኣይኰነን ዚዛረብ ነይሩ። ብዘይካዚ፡ ሓደ ሰብ ከም በጊዕ ኪፍረድ እንተ ዀይኑ፡ ነቶም እተኣስሩ ኣሕዋት የሱስ ቃል ብቓሉ ኼብልዖም፡ ኪኸድኖም፡ ኪከናኸኖም፡ ወይ ኪበጽሖም ኣለዎ ማለቱ ኣይኰነን ነይሩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ እቶም በተን ምሳልያውያን ኣባጊዕ እተመሰሉ ሰባት፡ ንኣሕዋት ክርስቶስ ብዛዕባ ዚህልዎም ኣረኣእያ እዩ ብምሳሌ ዚገልጾ ነይሩ። የሱስ ነቶም ሰባት፡ “ጻድቃን” ኢሉ ዝጸውዖም፡ ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ቕቡኣት ኣሕዋት ከም ዘለዎ ስለ ዚኣምኑን ኣብዘን ጽንኩራት ዳሕሮት መዓልትታት ንዓታቶም ብተኣማንነት ስለ ዚድግፍዎምን እዩ።—ማቴ. 10:40-42፣ 25:40, 46፣ 2 ጢሞ. 3:1-5

10. እቶም ብኣባጊዕ ተመሲሎም ዘለዉ ሰባት ንኣሕዋት ክርስቶስ ለውሃት ዜርእይዎም ብኸመይ እዮም፧

10 ካልኣይ፡ ኣብ ዙርያ እቲ የሱስ እተዛረቦ ቓላት ንዘሎ ሓሳብ እስከ ንመርምሮ። የሱስ ብዛዕባ ምልክት እቲ ንሱ ኣብዚ ዚህልወሉ እዋንን ብዛዕባ መደምደምታ ስርዓት ዓለምን እዩ ዚገልጽ ነይሩ። (ማቴ. 24:3) ኣቐድም ኣቢሉ፡ ሓደ ዜደንቕ መዳይ እቲ ምልክት ጠቐሰ፣ “እዚ ብስራት መንግስቲ ኸኣ፡ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ኵላ ዓለም ኪስበኽ እዩ” ኸኣ በለ። (ማቴ. 24:14) ብዘይካዚ፡ ብዛዕባ ምሳሌ እተን ኣባጊዕን ኣጣልን ቀቅድሚ ምጥቃሱ፡ ብዛዕባ ምሳሌ እቲ ታለንት ገሊጹ ነበረ። ኣብታ ኣቐዲማ ዘላ ዓንቀጽ ተሓቢሩ ኸም ዘሎ ድማ፡ የሱስ ነቲ ምሳሌ ዝጠቐሶ፡ ነቶም ‘ኣሕዋቱ’ ዝዀኑ ብመንፈስ እተቐብኡ ደቀ መዛሙርቲ፡ ኣብ ዕዮ ስብከት ብቕንኣት ኪካፈሉ ኸም ዘለዎም ንምጕላሕ እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ እቶም የሱስ ኣብዚ ኣብ ዚህልወሉ እዋን ኣብ ምድሪ ዝነበሩ ቕቡኣት፡ ሓደ ኸቢድ ብድሆ ኣጋጠሞም፣ መወዳእታ ቕድሚ ምምጽኡ፡ ን“ዅሎም ኣህዛብ” ኪሰብኩሎም ነበሮም። ኣብ ምሳሌ እተን ኣባጊዕን ኣጣልን ተገሊጹ ኸም ዘሎ ድማ፡ እቶም ብኣባጊዕ እተመሰሉ ሰባት ንቕቡኣት ይድግፍዎም እዮም። ስለዚ፡ እቶም ከም ኣባጊዕ ዚፍረዱ ሰባት ንኣሕዋት ክርስቶስ ለውሃት ካብ ዜርእዩሉ መገድታት እቲ ቐንዲ፡ ንዓታቶም ኣብ ዕዮ ስብከት ብምድጋፍ እዩ። እዚ ደገፍ እዚ ግና እንታይ እዩ ዜጠቓልል፧ ስጋዊ ሓገዝን ስምዒታዊ ምጽንናዕን ጥራይ ድዩ ዜጠቓልል፡ ወይስ ካልእ እውን ኣለዎ እዩ፧

ኪሰብኩ ዘለዎም መን እዮም፧

11. እንታይ ኢልና ኢና ኽንሓትት እንኽእል፧ ስለምንታይከ፧

11 እቶም ሎሚ ዘለዉ ሸሞንተ ሚልዮን ዚዀኑ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ፡ መብዛሕትኦም ቅቡኣት ኣይኰኑን። ነቲ የሱስ ንቕቡኣት ባሮቱ ዝሃቦም ታለንት ከኣ ኣይተቐበሉን። (ማቴ. 25:14-18) ስለዚ፡ ‘እቲ ንዕዮ ስብከት ዚምልከት መዝነት ነቶም ብመንፈስ ቅዱስ ዘይተቐብኡ ሰባት ይምልከቶም ድዩ፧’ ዚብል ሕቶ ኽንሓትት ንኽእል ኢና። መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ‘እወ’ ምዃኑ ዜርኢ እተወሰነ ምኽንያት እስከ ንርአ።

12. ካብቲ ኣብ ማቴዎስ 28:19, 20 ዚርከብ ቃላት የሱስ እንታይ ኢና እንመሃር፧

12 የሱስ ንዅሎም ደቀ መዛሙርቱ፡ ንኺሰብኩ ኣዚዝዎም እዩ። የሱስ ካብ ሞት ምስ ተንስአ ንሰዓብቱ፡ ደቀ መዛሙርቲ ኺገብሩን “ኵሉ” እቲ ንሱ ዝኣዘዞም ኪምህርዎምን ነገሮም። ሓደ ኻብቲ ንሱ ዝኣዘዞ ነገራት ከኣ፡ ዕዮ ስብከት እዩ ነይሩ። (ማቴዎስ 28:19, 20 ኣንብብ።) ስለዚ፡ ኵሎም ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ፡ ተስፋኦም ኣብ ሰማይ ምግዛእ ይኹን ኣብ ምድሪ ምንባር ብዘየገድስ፡ ኪሰብኩ ኣለዎም።—ግብ. 10:42

13. እቲ ዮሃንስ ዝረኣዮ ራእይ እንታይ እዩ ዚሕብረና፧ ስለምንታይከ፧

13 መጽሓፍ ራእይ ዮሃንስ፡ ዕዮ ስብከት ብቕቡኣትን ብኻልኦትን ከም ዚፍጸም ትሕብር እያ። የሱስ ንሃዋርያ ዮሃንስ፡ እቶም ‘ብመርዓት’ እተመሰሉ ምስ ክርስቶስ ኣብ ሰማይ ዚገዝኡ 144,000 ቅቡኣት፡ ንኻልኦት ሰባት ‘ብናጻ ማይ ህይወት’ ንኺወስዱ ኺዕድምዎም ከለዉ ዜርኢ ራእይ ኣርኣዮ። (ራእ. 14:1, 3፣ 22:17) እቲ ምሳልያዊ ማይ፡ ነቲ የሆዋ ብመሰረት መስዋእታዊ በጃ ክርስቶስ ንደቂ ሰብ ካብ ሓጢኣትን ሞትን ናጻ ንኼውጽኦም ዝገበሮ መሰናድዎ እዩ ዜመልክት። (ማቴ. 20:28፣ ዮሃ. 3:16፣ 1 ዮሃ. 4:9, 10) እቲ እንሰብኮ መልእኽቲ ንበጃ ዘማእከለ እዩ፣ ቅቡኣት ድማ፡ ካልኦት ሰባት ብዛዕባ እቲ በጃ ንኺፈልጡን ካብኡ ጥቕሚ ንኺረኽቡን ብምሕጋዝ ዝመጸ መሪሕ ግደ ኣለዎም። (1 ቈረ. 1:23) ኰይኑ ግና፡ ዮሃንስ ኣብቲ ራእይ፡ ካብቶም ብመርዓት እተመሰሉ ጕጅለ ዘይኰኑ ኻልኦት ሰባት ርእዩ እዩ። ንዓታቶም እውን እንተ ዀነ፡ “ንዓ” ኺብሉ ተነጊርዎም እዩ። ንሳቶም ከኣ ብተኣዛዝነት ንኻልኦት ሰባት፡ ማይ ህይወት ንኺወስዱ ይዕድምዎም ኣለዉ። እዞም ካልኣይ ጕጅለ፡ ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ዘለዎም እዮም። ስለዚ፡ እቲ ዮሃንስ ዝረኣዮ ራእይ፡ ነቲ “ንዓ” ዚብል ዕድመ እተቐበሉ ዅሎም፡ ናይ ምስባኽ ሓላፍነት ከም ዘለዎም ብንጹር ይሕብረና እዩ።

14. ‘ንሕጊ ክርስቶስ’ እዙዝ ምዃን እንታይ የጠቓልል፧

14 ኵሎም እቶም ‘ብሕጊ ክርስቶስ’ ዚምርሑ ዘበሉ፡ ኪሰብኩ ኣለዎም። (ገላ. 6:2) የሆዋ ሓደ ዓይነት ስርዓት እዩ ዘለዎ። ንኣብነት፡ ንእስራኤላውያን፡ “ንወዲ ዓድን ኣብ መንጎኹም ንዚነብር ጓናን ሓደ ሕጊ ይኹን” በሎም። (ዘጸ. 12:49፣ ዘሌ. 24:22) ክርስትያናት ብሕጊ ሙሴ ዘይንምራሕ እኳ እንተ ዀንና፡ ቅቡኣት ንኹን ኣይንኹን ብዘየገድስ፡ ኵላትና ‘ንሕጊ ክርስቶስ’ ንእዘዞ ኢና። እዚ ሕጊ እዚ፡ ንዅሉ እቲ የሱስ ዝመሃሮ ትምህርቲ እዩ ዜጠቓልል። ሓደ ኻብቲ የሱስ ዝመሃሮ ቐንዲ ትምህርትታት ድማ፡ ሰዓብቱ ፍቕሪ ኼርእዩ ኸም ዘለዎም ዚገልጽ እዩ። (ዮሃ. 13:35፣ ያእ. 2:8) ሓደ ኻብቲ ንኣምላኽን ንክርስቶስን ንብጻይናን ፍቕሪ እነርእየሉ ቐንዲ መገድታት ከኣ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብምስባኽ እዩ።—ዮሃ. 15:10፣ ግብ. 1:8

15. ትእዛዝ የሱስ ንዅሎም ሰዓብቱ እዩ ዚምልከቶም ክንብል እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

15 እቲ የሱስ ንሒደት ጕጅለ እተዛረቦ ቓላት፡ ኣብ ዓብዪ ጕጅለ እውን ኪውዕል ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ የሱስ ኪዳን መንግስቲ ዝገበረ ምስ 11 ደቀ መዛሙርቱ እኳ እንተ ዀነ፡ እቲ ኺዳን ግና ንዅሎም 144,000 ዚምልከት እዩ። (ሉቃ. 22:29, 30፣ ራእ. 5:10፣ 7:4-8) ብተመሳሳሊ፡ የሱስ ንዕዮ ስብከት ብዚምልከት መዝነት ዝሃቦም፡ ነቶም ድሕሪ ትንሳኤኡ ዝረኣይዎ ሒደት ሰዓብቱ ጥራይ እዩ ነይሩ። (ግብ. 10:40-42፣ 1 ቈረ. 15:6) ይኹን እምበር፡ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ዅሎም እሙናት ደቀ መዛሙርቲ የሱስ፡ ንሱ ኺዛረብ ከሎ እኳ እንተ ዘይሰምዕዎ፡ እቲ ትእዛዝ ንዓታቶም እውን ከም ዚምልከት ተገንዚቦም ነይሮም እዮም። (ግብ. 8:4፣ 1 ጴጥ. 1:8) ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ፡ የሱስ ነቶም ኣስታት ሸሞንተ ሚልዮን ዚዀኑ ንጡፋት ሰበኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ብዛዕባ ዕዮ ስብከት ብውልቆም ኣይተዛረቦምን። ኰይኑ ግና፡ ኵላቶም፡ ኣብ ክርስቶስ ኪኣምኑን ነታ እምነቶም ኣብ ዕዮ ምስክርነት ብምክፋል ኬርእይዋን ከም ዘለዎም ይፈልጡ እዮም።—ያእ. 2:18

እሙናት እንዀነሉ እዋን ሕጂ እዩ

16-18. እቶም ከም ኣባጊዕ ኪፍረዱ ተስፋ ዚገብሩ ሰባት፡ ንኣሕዋት ክርስቶስ ኪድግፍዎም ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ ሕጂ ኸምኡ ኺገብሩ ዘለዎምከ ስለምንታይ እዮም፧

16 ሰይጣን ምስቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ቕቡኣት ኣሕዋት ክርስቶስ ይዋጋእ እዩ ዘሎ፣ እቲ ተሪፍዎ ዘሎ “ሓጺር ዘመን” እናተጸንቀቐ ኪኸይድ ከሎ ድማ፡ መጥቃዕቱ ኼዛይድ እዩ። (ራእ. 12:9, 12, 17) እቶም ቅቡኣት ምስ ከቢድ ፈተና ኺጋጠሙ እኳ እንተ ኣለዎም፡ ነቲ ኣብ ታሪኽ ተራእዩ ዘይፈልጥ ዝዓበየ ዕዮ ስብከት ይመርሕዎ ኣለዉ። የሱስ ምሳታቶም ኰይኑ ንጻዕሮም ይመርሖ ኸም ዘሎ ድማ ኣየጠራጥርን እዩ።—ማቴ. 28:20

17 እቶም ቍጽሮም እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ብኣባጊዕ እተመሰሉ ሰባት፡ ንኣሕዋት ክርስቶስ ኣብ ዕዮ ስብከትን ብኻልእ ግብራዊ መገድታትን ይድግፍዎም እዮም፣ ነዚ ድማ ከም ፍሉይ መሰል ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። ንኣብነት፡ ገንዘባዊ ውጽኢት ይገብሩ ኸምኡ እውን ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽን ዓበይቲ ኣዳራሻትን ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈርን ኣብ ምህናጽ ይሕግዙ እዮም፣ ብዘይካዚ፡ ነቶም ብ“እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” እተሸሙ ሽማግለታትን ካልኦት ኣሕዋትን ብተኣማንነት ይእዘዝዎም እዮም።—ማቴ. 24:45-47፣ እብ. 13:17

እቶም ከም ኣባጊዕ ዝዀኑ ውልቀ ሰባት፡ ንኣሕዋት ክርስቶስ ብእተፈላለየ መገዲ ይድግፍዎም (ሕጡብ ጽሑፍ 17 ርአ)

18 ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ መላእኽቲ ነቲ ዜጥፍእ ንፋሳት ብርቱዕ ጸበባ ኺፍንውዎ እዮም። እዚ ዚፍጸም፡ ኵሎም እቶም ኣብ ምድሪ ዝተረፉ ኣሕዋት ክርስቶስ፡ ንመወዳእታ እዋን ምስ ተሓትሙ እዩ። (ራእ. 7:1-3) ኣርማጌዶን ቅድሚ ምጅማሩ፡ ቅቡኣት ናብ ሰማይ ኪኸዱ እዮም። (ማቴ. 13:41-43) ስለዚ፡ እቶም ከም ኣባጊዕ ኪፍረዱ ተስፋ ዚገብሩ ሰባት፡ ንኣሕዋት ክርስቶስ ብተኣማንነት ዚድግፉሉ እዋን ሕጂ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 6 ብዛዕባ እዚ ምሳሌ እዚ ብዝያዳ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ነተን ኣብ ናይ 15 ጥቅምቲ 1995 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጻ፡ “ኣብ ቅድሚ እቲ መንበር ፍርዲ ብኸመይ ክትቀውም ኢኻ፧” ከምኡ እውን “እተን ኣባጊዕን ኣጣልን እንታይ መጻኢ ኢዩ ዘለወን፧” ዚብላ ዓንቀጻት ርአ።