ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ብጐይታ ጥራይ” ምምርዓው—ሎሚ እውን ግብራዊ ድዩ፧

“ብጐይታ ጥራይ” ምምርዓው—ሎሚ እውን ግብራዊ ድዩ፧

መጻምድቲ ዚዀነኒ ሰብ ኣብ ጉባኤና ኽረክብ ኣይከኣልኩን፣ ‘ከይተመርዓኹ ኽኣርግ እየ’ ኢለ ድማ እፈርህ እየ።”

“ገሊኦም ዓለማውያን ሰብኡት፡ ለዋሃትን ፈቃራትን ሓለይትን እዮም። ንሃይማኖተይ ድማ ኣይጻረርዎን እዮም፣ አረ ኻብ ገሊኦም ኣሕዋት ንላዕሊ ባህ ይብሉኻ።”

ገሊአን ኣገልገልቲ ኣምላኽ፡ መጻምድቲ ብዛዕባ ምርካብ፡ ከምዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ኢለን እየን። ኰይኑ ግና፡ ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ “ብጐይታ ጥራይ” ክንምርዖ ዝሃቦ ምኽሪ ኣጸቢቐን ይፈልጣኦ እየን፣ ኵሎም ክርስትያናት ድማ በዚ ስርዓት እዮም ኪምርሑ ዚግባእ። (1 ቈረ. 7:39) ስለምንታይ ደኣ እየን እሞ ገሊአን ክርስትያናት ከምቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ዓይነት ርእይቶ ዚህባ፧

ገሊአን ዚጠራጠራሉ ምኽንያት

እተን ከምዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ዓይነት ርእይቶ ዚህባ ኣሓት፡ ቍጽሪ ኣሕዋትን ኣሓትን ዘይመጣጠን ኰይኑ ኺስምዐን ይኽእል እዩ። ኣብ ብዙሓት ሃገራት ድማ ከምኡ እዩ። ክልተ ኣብነት እስከ ንርአ፦ ኣብ ኮርያ ብገምጋም ካብ 100 ንጽል ናይ የሆዋ መሰኻኽር እተን 57 ኣሓት፡ እቶም 43 ከኣ ኣሕዋት እዮም። ካብ ኮሎምብያ እተረኽበ ጸብጻብ ከም ዚሕብሮ ድማ፡ ካብቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር እተን 66 ሚእታዊት ኣሓት፡ እቶም 34 ሚእታዊት ከኣ ኣሕዋት እዮም።

ኣብ ገሊኡ ሃገራት፡ ዘይኣምኑ ወለዲ ኣዝዩ ብዙሕ ገዝሚ ኺሓትቱ ስለ ዚኽእሉ፡ እቶም ትሑት ኣታዊ ዘለዎም ኣሕዋት ንኺምርዓዉ ኼጸግሞምን ብሰንኪ እዚ ነገራት ኪተሓላለኽን ይኽእል እዩ። ሓንቲ ሓብቲ ብሰንኪ እዚ ዕንቅፋት እዚ፡ እቲ “ብጐይታ ጥራይ” ንኽትምርዖ ዘለዋ ኣጋጣሚ ኣዝዩ ጸቢብ ኰይኑ ኺስምዓ ይኽእል እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ “ካብ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾተይ፡ ዚዀነኒ መጻምድቲ ኽረክብ ድየ፧” ኢላ ትሓትት ትኸውን። *

ብየሆዋ ምትእምማን ኣገዳሲ እዩ

ከምዚ ዓይነት ሓሳብ ናብ ኣእምሮኺ እንተ መጺኡ፡ የሆዋ ንዅነታትኪ ኸም ዚርድኦ ርግጸኛ ኽትኰኒ ትኽእሊ ኢኺ። ንሱ፡ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ከመይ ከም ዚስምዓኪ ብርግጽ ይፈልጥ እዩ።—2 ዜና 6:29, 30

ይኹን እምበር፡ የሆዋ ብቓሉ ኣቢሉ፡ ብጐይታ ጥራይ ክንምርዖ ኸም ዘሎና መምርሒ ሂቡና እዩ። ስለምንታይ፧ ንህዝቡ ዚሕሾም እንታይ ምዃኑ ስለ ዚፈልጥ እዩ። ንኣገልገልቱ ኻብቲ ብሰንኪ ዘይጥበባዊ ኣካይዳ ዚመጽእ ስቓይ ኪሰትሮም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ሕጉሳት እውን ኪዀኑ ይደልዮም እዩ። ብግዜ ነህምያ ዝነበሩ ብዙሓት ኣይሁድ፡ ንየሆዋ ዘየምልኻ ጓኖት ኣንስቲ ምስ ተመርዓዉ፡ ነህምያ ነቲ ንሰሎሞን ዘጋጠሞ መለበሚ ዚኸውን ትምህርቲ ጠቐሰሎም። ሰሎሞን “ኣብ ኣምላኹ . . . ፍትዊ” እኳ እንተ ነበረ፡ “ጓኖት ኣንስቲ ናብ ሓጢኣት ኣስሓታኦ።” (ነህ. 13:23-26) ስለዚ እምበኣር፡ ኣምላኽ፡ ምስ ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ጥራይ ክንምርዖ መምርሒ ዚህበና፡ ንጥቕምና ኢሉ እዩ። (መዝ. 19:7-10፣ ኢሳ. 48:17, 18) ናይ ሓቂ ክርስትያናት ነቲ ኣምላኽ ዚገብረሎም ፍቕራዊ ኽንክን የማስዉሉን ኣብቲ ንሱ ዚህቦም መምርሒ ይምርኰሱን እዮም። ንየሆዋ ኸም ገዛኢኦም መጠን ስለ ዚግዝእዎ፡ እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና ናይ ምንጋር መሰል ከም ዘለዎ ይግንዘቡ እዮም።—ምሳ. 1:5

ንስኺ እውን እንተ ዀንኪ፡ ካብ ኣምላኽ ከም እትርሕቒ ኺገብረኪ ምስ ዚኽእል ሰብ ‘ኣብ ሓደ ኣርዑት ክትጽመዲ’ የብልክን። (2 ቈረ. 6:14) ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ክርስትያት ነቲ ብግዜ እተፈተነን ዜዕቍብን መምርሒ ስለ እተኣዘዝዎ፡ ጥበባዊ መገዲ ኸም ዝሰዓቡ ተገንዚቦም እዮም። ገሊኣቶም ግና ከምኡ ኣይገበሩን።

ሎሚ እውን ግብራዊ እዩ

ኣብ ኣውስትራልያ እትነብር ማጊ፡ * ምስ ሓደ ዘይኣማኒ ምስ ተዓራረኸት ብዛዕባ ዘጋጠማ ነገራት ክትገልጽ ከላ፡ “ምስኡ ግዜ ምእንቲ ኸሕልፍ ኢለ፡ ካብ ብዙሕ ኣኼባታት እተርፍ ነበርኩ። ብሰንኪ እዚ መንፈሳውነተይ ኣዝዩ ወረደ” በለት። ኣብ ህንዲ እትነብር ረታና እውን፡ ምስ ሓደ መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዕ ዝጀመረ መማህርታ ፍቕራዊ ርክብ ጀመረት። ይኹን እምበር፡ ድሕሪ ግዜ፡ እቲ መማህርታ መጽናዕቲ ዝጀመረሉ ቐንዲ ምኽንያት፡ ምስኣ ፍቕራዊ ርክብ ንኺጅምር ኢሉ ምዃኑ ተፈልጠ። ረታና ድማ ንዕኡ ምእንቲ ኽትምርዖ ኢላ፡ ንሓቂ ሓዲጋ ኣብ ካልእ ሃይማኖት ኣተወት።

ካልእ ኣብነት እትዀነና ኸኣ፡ ኣብ ካመሩን እትነብር ንደንኬ እያ። ጓል 19 ዓመት ከላ እያ ተመርዕያ። ሕጹያ ድማ፡ ሃይማኖታ ብናጽነት ክትስዕብ ከም እትኽእል ነገራ። ኰይኑ ግና፡ ካብ ዚምርዓዉ ድሕሪ ኽልተ ሰሙን፡ ሰብኣያ ናብ ክርስትያናዊ ኣኼባ ኸይትኸይድ ከልከላ። ንደንኬ ብዛዕባ እዚ ኽትገልጽ ከላ፡ “ጽምዋ ተሰምዓኒ፡ እበኪ ድማ ነበርኩ። ንህይወተይ ባዕለይ ክቈጻጸራ ኸም ዘይክእል ተረድኣኒ። ብሰንኩ ድማ ብጣዕሳ ተወሓጥኩ” በለት።

ሓቂ እዩ፡ ኵሎም ዘይኣመንቲ መጻምድቲ ጨካናትን ዘይሰምዑን እዮም ማለት ኣይኰነን። ኰይኑ ግና፡ ዘይኣማኒ ብምምርዓውኪ ዋላ ሓንቲ ጸገም እኳ እንተ ዘየጋጠመኪ፡ ምስቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦኺ ዘሎኪ ርክብ ብኸመይ እዩ ዚጽሎ፧ ነቲ ንጥቕምኺ ኢሉ ዝሃበኪ ምኽሪ ብዘይምስማዕኪ እንታይ እዩ ኺስምዓኪ፧ ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ንሱ ብዛዕባ ውሳነኺ ኸመይ እዩ ኺስምዖ፧—ምሳ. 1:33

ኣብ መላእ ዓለም ዚነብሩ ኣሕዋትን ኣሓትን፡ “ብጐይታ ጥራይ” ምምርዓው ረብሓ ኸም ዘለዎ ይምስክሩ እዮም። እቶም ገና ዘይተመርዓዉ ክርስትያናት፡ ካብ ኣምለኽቲ የሆዋ ጥራይ ንዓታቶም ዚዀኖም መጻምድቲ መሪጾም ንኺምርዓዉ ፍቓደኛታት ብምዃን፡ ንልቢ ኣምላኽ ኬሐጕስዎ ቘሪጾም እዮም። ሚቺኮ ኣብ ጃፓን እትነብር ንጽል ሓብቲ እያ ነይራ፣ ኣዝማዳ ድማ ንሓደ ዘይኣማኒ ሰብኣይ ንኽትምርዖ ኼእምንዋ ፈተኑ። ሚቺኮ ኣብ ርእሲ እቲ ንጸቕጢ ኣዝማዳ ንኽትቃወሞ እትገብሮ ዝነበረት ጻዕሪ፡ ገሊአን መሓዙታን ፈተውታን ካብ ጉባኤኣ መጻምድቲ ኺረኽባ ኸለዋ ትርኢ ነበረት። ከምዚ በለት፦ “ንገዛእ ርእሰይ፡ ‘የሆዋ “ሕጉስ ኣምላኽ” ስለ ዝዀነ፡ ሓጐስና ኣብ ምምርዓው ወይ ኣብ ዘይምምርዓው እተመርኰሰ ኣይኰነን’ እብላ ነይረ። ብዘይካዚ፡ የሆዋ ባህጊ ልብና ኸም ዚህበና እኣምን ነይረ። ስለዚ፡ ክንምርዖ ንደሊ እኳ እንተ ዀንና፡ መጻምድቲ ኽንረክብ እንተ ዘይክኢልና፡ ንግዜኡ ንጽል ኴንና እንተ ጸናሕና ይሓይሽ።” (1 ጢሞ. 1:11) ኣብ መወዳእታኡ፡ ሚቺኮ ንሓደ ንፉዕ ሓው ተመርዓወት፣ ብዓቕሊ ብምጽባያ ድማ ሕጕስቲ እያ።

ገሊኦም ኣሕዋት እውን፡ እትዀኖም መጻምድቲ ኽሳዕ ዚረኽቡ ተጸብዮም እዮም። ነቲ ኣብ ኣውስትራልያ ዚነብር ቢል እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ። ሓድሓደ ሳዕ ካብ ጉባኤ ወጻኢ ብዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ይስሓብ ከም ዝነበረ ገለጸ። ይኹን እምበር፡ ምሳታተን ኣዝዩ ኸይቀራረብ ይጥንቀቕ ነበረ። ስለምንታይ፧ ነቲ ምስ ዘይኣማኒ ‘ኣብ ሓደ ኣርዑት ከም እትጽመድ’ ዚገብር ናይ መጀመርታ ስጕምቲ ኺወስድ ስለ ዘይደለየ እዩ። ዓመታት ይገብር፡ ምስ ሒደት ኣሓት ፍቕራዊ ርክብ ኪምስርት እኳ እንተ ፈተነ፡ ኣይኰነሉን። ቢል ን30 ዓመት ምስ ተጸበየ፡ ንዕኡ እትዀኖ ሓብቲ ረኸበ። ከምዚ ድማ በለ፦ “ዋላ ሓንቲ ዜጣዕስ የብለይን። ናብ ኣገልግሎት ብሓባር ስለ እንኸይድ፡ ብሓባር ስለ እነጽንዕ፡ ብሓባር ድማ ኣምልኾና ስለ እነካይድ፡ እተባረኽኩ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ። ኵሎም ፈተውቲ ሰበይተይ ኣምለኽቲ የሆዋ ስለ ዝዀኑ፡ ምሳታቶም ምልላይን ግዜ ምሕላፍን ባህ እዩ ዜብለኒ። ንሓዳርና ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ክንመርሖ ኢና እንጽዕር።”

ንየሆዋ ኽትጽበዪ ኸለኺ

ንጕዳያትኪ ኣብ ኢድ እቲ ሓላዪ ዝዀነ ኣምላኽ ሓዲግኪ ብትዕግስቲ ኣብ እትጽበይሉ እዋን፡ እንታይ ክትገብሪ ትኽእሊ፧ ስለምንታይ ከም ዘይተመርዓኺ ሕሰቢ። ዘይተመርዓኽሉ ምኽንያት ብቐንዱ ነቲ “ብጐይታ ጥራይ” ክንምርዖ እተዋህበና መምርሒ ንኽትስዕቢ እንተ ዀይኑ፡ ክትንኣዲ ይግብኣኪ እዩ። የሆዋ በቲ ንቓሉ ንኽትእዘዚ ዝገበርክዮ ጽኑዕ ቈራጽነት ከም ዚሕጐስ ርግጸኛ ኽትኰኒ ትኽእሊ ኢኺ። (1 ሳሙ. 15:22፣ ምሳ. 27:11) ብጸሎት ኣቢልኪ፡ ኣዘውቲርኪ ‘ልብኺ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከተፍስሲ’ ትኽእሊ ኢኺ። (መዝ. 62:8) ንዕኡ ኻብ ልብኽን ብዘይምቍራጽን ክትልምንዮ ኸለኺ፡ ጸሎትኪ ብዝያዳ ትርጕም ዘለዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ውሽጣዊ ዀነ ደጋዊ ጸቕጢ እናኣጋጠመኪ ኽነሱ እንተ ጸኒዕኪ፡ በብመዓልቱ ምስ ኣምላኽ ዘሎኪ ርክብ ኪድልድል እዩ። እቲ ልዑል ኣምላኽ ብዛዕባ ዅሎም እሙናት ኣገልገልቱ ኸም ዚግደስን ንስኺ ኣብ ቅድሚኡ ኽብርቲ ምዃንክን ርግጸኛ ኽትኰኒ ትኽእሊ ኢኺ። ብዛዕባ እቲ ዜድልየኪ ነገራትን ብዛዕባ ባህግኽን ይግደስ እዩ። ሓቂ እዩ፡ ኣምላኽ፡ መጻምድቲ ኸም ዚህበና ኣይተመባጽዓልናን። ኰይኑ ግና፡ ብሓቂ መጻምድቲ ዜድልየኪ እንተ ዀይኑ፡ ኣምላኽ ነቲ ግቡእ ባህግኺ ብኸመይ ብዝበለጸ መገዲ ኸም ዚፍጽሞ ይፈልጥ እዩ።—መዝ. 145:16፣ ማቴ. 6:32

ሓድሓደ ሳዕ ከምቲ ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ መዝሙር እተሰምዖ ኺስምዓኪ ይኽእል እዩ፣ ንሱ፡ “ዎ እግዚኣብሄር፡ መንፈሰይ ደኺሙ እዩ እሞ፡ ቀልጢፍካ ምለሰለይ፡ . . . ገጽካ ኣይትኸውለለይ” በለ። (መዝ. 143:5-7, 10) ንስኺ እውን ከምኡ ኺስምዓኪ ኸሎ፡ እቲ ሰማያዊ ኣቦኺ ንዓኺ ብዚምልከት ፍቓዱ እንታይ ከም ዝዀነ ምእንቲ ኼርእየኪ፡ ግዜ ሃብዮ። ግዜ ወሲድኪ ንቓሉ ብምንባብን ብዛዕባ እቲ ዘንበብክዮ ብምስትንታንን ከምኡ ኽትገብሪ ትኽእሊ ኢኺ። ትእዛዛቱ እንታይ ምዃኑን ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ንህዝቡ ብዛዕባ ዝገበረሎም ነገራትን ክትፈልጢ ኢኺ። ንኣምላኽ ብምስማዕ ድማ፡ ንዕኡ እዙዝ ምዃን ጥበብ ምዃኑ ብዝያዳ ኽትተኣማመኒ ኢኺ።

ንጽል ክርስትያናት፡ መብዛሕትኡ እዋን ንስድራ ቤታትን ንቘልዑን ስለ ዚሕግዙ፡ ክቡራት ኣባላት ክርስትያናዊት ጉባኤ እዮም

ነቲ ንጽል ኴንኪ እተሕልፍዮ ግዜ ብዝያዳ ባህ ዜብልን ውጽኢታውን ኪገብሮ ዚኽእል ካልእ እንታይ ኣሎ፧ ነቲ ግዜ እቲ፡ መንፈሳዊ ምስትውዓልን ልግስን ትግሃትን ሓጐስን ኣምላኻዊ ተወፋይነትን ጽቡቕ ስምን ንምምዕባል ተጠቐምሉ፣ እዚ ጸኒሑ፡ ዜሐጕስ ናብራ ስድራ ቤት ንኺህልወኪ ኺሕግዘኪ እዩ። (ዘፍ. 24:16-21፣ ሩት 1:16, 17፣ 2:6, 7, 11፣ ምሳ. 31:10-27) ኣብ ዕዮ ስብከትን ኣብ ካልእ ክርስትያናዊ ንጥፈታትን ምሉእ ብምሉእ ብምክፋል፡ ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ድለዪ፣ ከምኡ ምግባርኪ፡ ዕቝባ ኪዀነልኪ እዩ። እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ቢል፡ ብዛዕባ እቲ ኺምርዖ ዚደልየሉ ዝነበረ ዓመታት ኪገልጽ ከሎ፡ “ቀልጢፉ እዩ ሓሊፉ። ነቲ ዝነበረኒ ግዜ ድማ፡ ፈላሚ ዀይነ ንየሆዋ ኣብ ምግልጋል እየ ኣሕሊፈዮ” በለ።

እወ፡ “ብጐይታ ጥራይ” ምምርዓው፡ ሎሚ እውን እንተ ዀነ ግብራዊ እዩ። ነቲ መምርሒ እቲ እዝዝቲ ምዃንኪ፡ ንየሆዋ ንኸተኽብርዮን ነባሪ ዕግበት ንኽትረኽብን ኪሕግዘኪ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እቲ ንእግዚኣብሄር ዚፈርሆ፡ ብትእዛዛቱ ኣዝዩ ባህ ዚብሎ ሰብ ብጹእ እዩ። ሃብትን ጽጋብን ኣብ ቤቱ እዩ፡ ጽድቁውን ንዘለኣለም ይነብር” ይብል። (መዝ. 112:1, 3) ስለዚ እምበኣር፡ ነቲ “ብጐይታ ጥራይ” ንኽንምርዖ እተዋህበና ኣምላኻዊ ትእዛዝ ንምሕላው ቈራጽነት ግበሪ።

^ ሕ.ጽ. 7 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነቲ ጕዳይ ብኣረኣእያ ሓንቲ ሓብቲ እኳ እንተ ገለጽናዮ፡ እቲ ስርዓታት ግና ንሓደ ሓው እውን ዚምልከት እዩ።

^ ሕ.ጽ. 13 ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።