ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገበር | መጽሓፍ ቅዱስ ክትመሃር ትደሊዶ፧

ንዅሉ ዚኸውን ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ

ንዅሉ ዚኸውን ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር በቲ ዚገብርዎ ህዝባዊ ዕዮ ስብከት እዮም ዚፍለጡ። እንተዀነ ግና፡ ብደረጃ ዓለምለኸ መጽሓፍ ቅዱስ ከም እንምህርከ ትፈልጥዶ

ብ2014 ኣብ 240 ሃገራት ዚርከቡ ልዕሊ 8,000,000 ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ንኣስታት 9,500,000 ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ምሂሮም እዮም። * ብርግጽ፡ ቍጽሪ እቶም ምሳና ዀይኖም መጽሓፍ ቅዱስ ዚምሃሩ ሰባት፡ ካብቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ 140 ዝዀና ሃገራት ዘሎ ብዝሒ ህዝቢ ዚበልጽ እዩ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዚ ትምህርታዊ ዕዮ ንምድጋፍ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ዳርጋ ሓደ ቢልዮንን ፈረቓን ቅዳሓት መጽሓፍ ቅዱስን መጻሕፍትን መጽሔታትን ካልእ ንትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚሕግዝ ጽሑፋትን ብኣስታት 700 ቛንቋ ይሓትሙ እዮም። እዚ መዳርግቲ ዘይብሉ ብዝሒ ሕትመት፡ ሰባት ንመጽሓፍ ቅዱስ ብዝመረጽዎ ቛንቋ ንኺምሃሩ ኣጋጣሚ ኸፊቱሎም ኣሎ።

ብዛዕባ እቲ እንህቦ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብተደጋጋሚ ንዚሕተት ሕቶታት ዚኸውን መልስታት

እቲ ዚውሃብ ትምህርቲ እንታይ እዩ፧

እተፈላለየ ኣርእስትታት መጽሓፍ ቅዱስ ንወስድ፡ ምስቲ ርእሰ ነገር ዚሰማማዕ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ንምርምር። ንኣብነት፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘ኣምላኽ መን እዩ፧ እንታይ እዩ ዚመስል፧ ስም ኣለዎዶ፧ ኣበይ እዩ ዚነብር፧ ክንቀርቦኸ ንኽእል ዲና፧’ ንዚብል ሕቶታት መልሲ ይህበሉ እዩ። እቲ በዳሂ ዚገብሮ ግና ነዚ መልስታት እዚ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣበይ ክትረኽቦ ኸም እትኽእል እዩ።

ንሰባት መልሲ ሕቶታቶም ኪረኽቡ ንምሕጋዝ፡ ነታ 224 ገጽ ዘለዋ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ * ዘርእስታ መጽሓፍ ኢና እንጥቀም። እዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ ሰባት ነቲ መሰረታዊ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪርድኦም ንምሕጋዝ እያ ተዳልያ። ብዛዕባ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን ስቓይ ደቂ ሰብን ትንሳኤን ጸሎትን ዚገልጽ ትምህርትን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ርእሰ ነገራትን ዝሓቘፈት እያ።

እቲ ትምህርቲ ኣበይን መዓስን እዩ ኺውሃብ ዚከኣል፧

እቲ ትምህርቲ ኣብቲ ንዓኻ ዚጥዕመካ ግዜን ቦታን ኪውሃብ ይከኣል እዩ።

እቲ ትምህርቲ ኽንደይ እዩ ዚጸንሕ፧

ብዙሓት ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ንኺምሃሩ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ሓደ ሰዓት ዚኸውን ግዜ ይምድቡ እዮም። እቲ ትምህርቲ ዚጸንሓሉ ሰዓታት ግና ኪቕየር ይከኣል እዩ። ምስ መደብካ ንምስምማዕ ምትዕርራያት ክንገብር ንኽእል ኢና። ገሊኦም ኣብ ሰሙን ን10 ወይ 15 ደቒቕ ጥራይ እዮም ዚምሃሩ።

እቲ ትምህርቲ ኽንደይ እዩ ዚኽፈሎ፧

እቲ ትምህርትን እቲ ጽሑፋትን ብናጻ እዩ። እዚ ድማ ምስቲ፡ “ብናጻ ተቐቢልኩም ኢኹም እሞ፡ ብናጻ ሃቡ” ዚብል የሱስ ዝሃቦ መምርሒ ዚሰማማዕ እዩ።—ማቴዎስ 10:8

እቲ ትምህርቲ ንኽንደይ ዚኣክል ግዜ እዩ ዚቕጽል፧

ክሳዕ ዝደለኻዮ እዋን ክትምሃር ትኽእል ኢኻ። እታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ 19 ትምህርቲ ዝሓዘት እያ። ካብቲ ኣብኡ ዚርከብ ትምህርትታት ንዝመረጽካዮ ኽፋል ወይ ንዅሉ ትምህርትታት፡ ኣብ ዝደለኻዮ ግዜ ኽትወስዶ ትኽእል ኢኻ።

ሓደ ኻብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክኸውን የድልየኒ ድዩ፧

ኣይፋልን። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንእምነቱ ኺመርጽ መሰል ስለ ዘለዎ፣ ነዚ ኸነኽብረሉ ኸም ዘሎና ንፈልጥ ኢና። ይኹን እምበር፡ እቶም ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ መሰረታዊ ፍልጠት ዘጥረዩ ሰባት፡ ቅኑዕ ምርጫ ኺገብሩ ይኽእሉ እዮም።

ዝያዳ ሓበሬታ ኣበይ ክረክብ እኽእል፧

ኣብቲ jw.org ዚብሃል ወብ ሳይት፡ ብዛዕባ እምነትን ንጥፈታትን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ቅኑዕ ሓበሬታ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ

መጽሓፍ ቅዱስ ንኽምሃር ብኸመይ ክሓትት እኽእል፧

^ ሕ.ጽ. 4 ብሓፈሻ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንውልቀ ሰባት ወይ ንሒደት ጉጅለ እዩ ዚውሃብ።

^ ሕ.ጽ. 9 ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት። ልዕሊ 230 ሚልዮን ቅዳሕ እዛ መጽሓፍ እዚኣ ብልዕሊ 260 ቋንቋ ተሓቲሙ ኣሎ።