ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዚግበር ዝርርብ

ዝኽሪ ሞት የሱስ ከነብዕል ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

ዝኽሪ ሞት የሱስ ከነብዕል ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ምስ ካልእ ሰብ ዚገብሮ ዝርርብ፡ ከምዚ ዚስዕብ ኪመስል ይኽእል እዩ። ሜሮን እትብሃል ናይ የሆዋ ምስክር፡ ናብ እንዳ ሓንቲ ሱዛን እትብሃል ሰበይቲ ኸም ዝኸደት ጌርና እስከ ንሕሰብ።

“እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ”

ሜሮን፦ ሱዛን፡ ከመይ ቀኒኺ፧ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝኽሪ ሞት የሱስ ክርስቶስ ስለ ዝመጻእኪ ተሓጒሰ እየ። * እቲ ኣኼባ ኸመይ ረኺብክዮ፧

ሱዛን፦ ነቲ ኣኼባ ፈትየዮ እየ፣ ሓቂ ንምዝራብ ግና ኵሉ እቲ ዚብሃል ዝነበረ ምሉእ ብምሉእ ኣይተረድኣንን። ብዙሓት ሰባት ኣብ በዓል ልደት ንውልደት የሱስ፡ ኣብ በዓል ትንሳኤ ድማ ንትንሳኤኡ ኸም ዜብዕሉ እፈልጥ እየ፣ ንሞት የሱስ ዜብዕል ሰብ ግና ኣጋጢሙኒ ኣይፈልጥን እዩ።

ሜሮን፦ ሓቅኺ ኢኺ፡ ኣብ መላእ ዓለም ጽንብላት በዓል ልደትን በዓል ትንሳኤን ህቡብ እዩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግና ዝኽሪ ሞት የሱስ ምብዓል፡ ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ እዮም ዚኣምኑ። ሒደት ደቓይቕ እንተ ኣልዩኪ፡ እዚ ኣገዳሲ ዝዀነሉ ምኽንያት ከርእየኪ ባህ ይብለኒ።

ሱዛን፦ እወ፡ እተወሰነ ግዜ ኣሎኒ።

ሜሮን፦ ብመሰረቱ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝኽሪ ሞት የሱስ ዜብዕሉሉ ምኽንያት፡ የሱስ ንሰዓብቱ ኸምኡ ኺገብሩ ስለ ዝኣዘዞም እዩ። ቅድሚ እታ የሱስ ዝሞተላ መዓልቲ ኣብ ዝነበረት ምሸት እንታይ ከም ዘጋጠመ እሞ ንርአ። ብዛዕባ እቲ የሱስ ምስቶም እሙናት ሰዓብቱ ዀይኑ እተኻፈሎ ፍሉይ መኣዲ ሰሚዕኺዶ ትፈልጢ፧

ሱዛን፦ እታ ናይ መወዳእታ ድራር ማለትኪ ድዩ፧

ሜሮን፦ እወ! ጽቡቕ ኣለኺ። ድራር ጐይታ ተባሂሉ እውን ይፍለጥ እዩ። የሱስ እናተደርሩ ኸለዉ ሓደ ንጹር ትእዛዝ ሂብዎም እዩ። በጃኺ ነዚ ኣብ ሉቃስ 22:19 ተመዝጊቡ ዚርከብ ቃላቱ እሞ ኣንብብዮ።

ሱዛን፦ ሕራይ። “እንጌራ ኣልዒሉ ድማ ኣመስጊኑ፡ ቈሪሱ፡ ‘እዚ ምእንታኹም ዚውሃብ ስጋይ ማለት እዩ። እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ’ በሎም።”

ሜሮን፦ አመስግነኪ። ኣብ መወዳእታ እዛ ትእዛዝ እትርከብ ምሉእ ሓሳብ እሞ ኣስተብህልላ፣ “እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ” እያ እትብል። ቀቅድሚ እቲ ንሰዓብቱ ንኺዝክርዎ ምእዛዙ፡ የሱስ ብዛዕባኡ እንታይ ኪዝክሩ ኸም ዘለዎም ንጹር ገይርዎ እዩ። ህይወቱ ምእንቲ ሰዓብቱ ኽትውሃብ ምዃና እዩ ተዛሪቡ። ኣብቲ ኣብ ማቴዎስ 20:28 ተመዝጊቡ ዚርከብ ጸብጻብ፡ የሱስ ነዚ ሓሳባት እዚ ብተመሳሳሊ ቓላት ገይሩ ገሊጽዎ ኣሎ። እታ ጥቕሲ ኸምዚ ትብል፦ “ወዲ ሰብ ኬገልግልን ነፍሱ ምእንቲ ብዙሓት በጃ ኼሕልፍን እምበር፡ ኪግልገል ኢሉ ኣይመጸን።” ብሓጺሩ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር በዚ ምኽንያት እዚ እዮም፡ ነቲ የሱስ ዝኸፈሎ መስዋእታዊ በጃ ንምዝካር፡ ዓመት ዓመት ኣብታ ዝኽሪ ሞት የሱስ እትኽበረላ ዕለት ዚእከቡ። ሞቱ ንዅሎም እዙዛት ደቂ ሰብ ህይወት እዩ ዜምጽኣሎም።

በጃ ዜድለየ ስለምንታይ እዩ፧

ሱዛን፦ ብዙሓት ሰባት፡ የሱስ ንሕና ብህይወት ንኽንነብር ኢሉ ኸም ዝሞተ ኽዛረቡ ሰሚዐ ኣለኹ። ሓቂ ይሓይሽ፡ እዚ ኸመይ ኢሉ ኸምኡ ኸም ዚኸውን ኣይርድኣንን እዩ።

ሜሮን፦ ሱዛን፡ ንስኺ ጥራይ ኣይኰንክን ከምዚ ዚስምዓኪ። ንመስዋእታዊ በጃ የሱስ ዚምልከት ርእሰ ነገር ዓሚቝ እዩ። ይኹን እምበር፡ ሓደ ኻብቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ዜደንቕ ሓቅታት እዩ። ቍሩብ ግዜ ኣሎኪዶ፧

ሱዛን፦ እወ፡ ሒደት ደቓይቕ ኣሎኒ።

ሜሮን፦ ጽቡቕ። ብዛዕባ በጃ ገለ ሓሳባት ከንብብ እየ ጸኒሐ፣ ብቕልል ዝበለ መገዲ ገይረ ኽገልጸልኪ ኽፍትን።

ሱዛን፦ ሕራይ።

ሜሮን፦ ንበጃ ኽንርድኦ እንተ ዄንና፡ ፈለማ እቲ ኣዳምን ሄዋንን ኣብ ገነት ኤድን ብምሕጣኦም ዘስዓብዎ ነገር ምሉእ ብምሉእ ክንርድኦ ኣሎና። ነዚ ጕዳይ ክንርድኦ ምእንቲ ኽትሕግዘና ንሮሜ 6:23 እስከ ሓቢርና ነንብባ። ከተንብብያዶ፧

ሱዛን፦ እሺ። ከምዚ ትብል፡ “ዓስቢ ሓጢኣት፡ ሞት እዩ፣ ኣምላኽ ብክርስቶስ የሱስ ጐይታና ኣቢሉ ዚህበና ውህበት ግና፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ።”

ሜሮን፦ አመስግነኪ። ነዘን ቃላት እስከ ንመርምረን። ፈለማ፡ እታ ጥቕሲ እንታይ ኢላ ኸም እትጅምር እሞ ኣስተብህሊ፡ “ዓስቢ ሓጢኣት፡ ሞት እዩ” እያ እትብል። እዚ፡ እቲ ኣምላኽ ኣብ መጀመርታ ታሪኽ ደቂ ሰብ ዘውጽኦ ሕጊ እዩ፣ ዓስቢ ወይ መቕጻዕቲ ሓጢኣት ሞት እዩ። ርግጽ እዩ፡ ኣብ ፈለማ፡ ሓጥእ ሰብ ኣይነበረን። ኣዳምን ሄዋንን ፍጹማት ኰይኖም እዮም ተፈጢሮም፣ ኵሎም ደቆም እውን ፍጹማት ኰይኖም ምተወልዱ ነይሮም። ስለዚ፡ ዝዀነ ይኹን ሰብ ዝሞተሉ ምኽንያት ኣይምሃለወን። ኣዳምን ሄዋንን ኵሎም ዘርኦምን ተሓጒሶም ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ እዩ ነይርዎም። ከም እንፈልጦ ግና፡ ከምዚ ድዩ ዜጋጥም ዘሎ፧

ሱዛን፦ ኣይፋልን፡ ኣዳምን ሄዋንን ካብታ እተኸልከለት ኦም በሊዖም እዮም።

ሜሮን፦ ጽቡቕ ኣለኺ። ኣዳምን ሄዋንን ከምኡ ምስ ገበሩ ማለት ንኣምላኽ ንኸይእዘዝዎ ብምምራጾም፡ ሓጥኡ። ከም ውጽኢቱ፡ ዘይፍጹማትን ሓጥኣንን ኪዀኑ እዮም መሪጾም። እዚ ምርጫ እዚ፡ ንኣዳምን ንሄዋንን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንዅሎም ዘርኦም እውን ኣዕናዊ ሳዕቤን እዩ ነይርዎ።

ሱዛን፦ እንታይ ማለትኪ ኢኺ፧

ሜሮን፦ ነዚ ዜብርህ ሓደ ኣብነት ክህበኪ። ክሓትተኪ እንዶ፡ ምስንካት ትፈትዊዶ፧

ሱዛን፦ እወ! እፈቱ እየ።

ሜሮን፦ ሓንቲ ሓዳስ ንመሰንከቲ ቕጫ እትኸውን ጽብቕቲ መቝሎ ኣላትኪ እሞ ንበል። ኰይኑ ግና፡ ሓንሳእ እውን ይኹን ክትጥቀምላ ዕድል ከይረኸብኪ፡ ኣብ ምድሪ ትወድቕ እሞ ዓብዪ ጠምባቝ ትገድፍ። ሕጂ፡ እቲ ኣብዚ መቝሎ እዚ እትስንክትዮ ቕጫታት እንታይ እዩ ዚኸውን፧ ኵሉ ጠምባቝዶ ኣይኰነን ዚኸውን፧

ሱዛን፦ ናይ ግድን እምበር።

ሜሮን፦ ብተመሳሳሊ መገዲ፡ ኣዳምን ሄዋንን ንኣምላኽ ንኸይእዘዝዎ ምስ መረጹ፡ ብሰንኪ ሓጢኣትን ዘይፍጽምናን “ጠምባቝ” ወይ ኣበር ዘለዎም ኰኑ። ሓጥኣን ዝዀኑ ድማ ቅድሚ ውሉዳት ምውላዶም ብምንባሩ ኸኣ ኵሎም እቶም ዝወለድዎም ውሉዳት፡ ነቲ “ጠምባቝ” እቲ ሒዞም ተወልዱ። በዚ ድማ ኵሎም ዘርኦም ኣብ ትሕቲ ሓጥእ ኵነታት እዮም ተወሊዶም። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እታ “ሓጢኣት” እትብል ቃል ንተግባር ጥራይ ዘይኰነትስ፡ ነቲ ዝወረስናዮ ዅነታት እውን ተመልክት እያ። ኣብቲ ኣዳምን ሄዋንን ዝሓጥኡሉ ግዜ ስለ ዘይተወለድና፡ ኣነ ይኹን ንስኺ ዝበደልናዮ የብልናን፣ ይኹን እምበር፡ ኣዳምን ሄዋንን ብምሕጣኦም ንዅሎም ዘርኦም፡ ሞት ዜስዕብ ሓጢኣትን ዘይፍጽምናን ኣውረሱና። ከምቲ ኣብ ሮሜ 6:23 ዘንበብናዮ፡ ዓስቢ ሓጢኣት ሞት እዩ።

ሱዛን፦ እዚ ግና ፍትሓዊ ዀይኑ ኣይስምዓንን። ብሰንኪ ሓጢኣት ኣዳምን ሄዋንን ስለምንታይ እዮም ኵሎም ደቂ ሰባት ንዘለኣለም ዚሳቐዩ፧

ሜሮን፦ ጽቡቕ ኣለኺ። ዘይፍትሓዊ እዩ ዚመስል። እንተዀነ ግና ሓደ ኽንፈልጦ ዘሎና ነገር ኣሎ። ኣምላኽ በቲ ፍጹም ፍትሑ ተደሪኹ፡ ኣዳምን ሄዋንን ብምኽንያት ሓጢኣቶም ኪሞቱ ወሰነ፣ ንዓና ነቶም ዘርኦም ግና ብዘይ ተስፋ ኣይሓደገናን። ኣምላኽ ካብዚ ሕማቕ ኵነታት እዚ ንኼውጽኣና፡ ሓደ መገዲ ኣዳለወ። እዚ ኸኣ እቲ መስዋእታዊ በጃ የሱስ ክርስቶስ እዩ። ንሮሜ 6:23 እሞ ደጊምኪ ርኣይያ። እታ ጥቕሲ፡ “ዓስቢ ሓጢኣት፡ ሞት እዩ” ድሕሪ ምባላ፡ “ኣምላኽ ብክርስቶስ የሱስ ጐይታና ኣቢሉ ዚህበና ውህበት ግና፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ” ትብል። ስለዚ እምበኣር፡ እቲ ኻብ ሞትን ሓጢኣትን ንኸነምልጥ መገዲ ዚኸፍተልና፡ ሞት የሱስ እዩ። *

እቲ ኻብ ኵሉ ዝበለጸ ውህበት ኣምላኽ ዝዀነ በጃ

ሜሮን፦ ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ ከተስተብህልሉ ዝደለኹ ኻልእ ሓሳባት ኣሎ።

ሱዛን፦ እንታይ እዩ፧

ሜሮን፦ እታ ጥቕሲ እንታይ ከም እትብል እሞ ኣስተብህልላ፣ “ኣምላኽ ብክርስቶስ የሱስ ጐይታና ኣቢሉ ዚህበና ውህበት ግና፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ” እያ እትብል። ሕጂ፡ እቲ ምእንታና እተሳቐየን ዝሞተን ህይወቱ ዝሃበን የሱስ እንተ ዀይኑ፡ እዛ ጥቕሲ እዚኣ ደኣ እሞ ንምንታይ እያ ነቲ በጃ፡ ‘ኣምላኽ ዚህበና ውህበት’ ኢላ እትገልጾ፧ ስለምንታይ፡ ‘የሱስ ዚህበና ውህበት’ ዘይትብል፧ *

ሱዛን፦ እንድዒ፡ ኣይተረድኣንን።

ሜሮን፦ ንኣዳምን ሄዋንን ዝፈጠሮም ኣምላኽ እዩ፣ ኣብ ገነት ኤድን ብዘይምእዛዞም ድማ ንኣምላኽ እዮም በዲሎም። እቶም ቀዳሞት ክልተ ሰብኣውያን ደቁ ኣንጻሩ ምስ ዓለዉ፡ የሆዋ ኣዝዩ ጕህዩ ኪኸውን ኣለዎ። እንተዀነ ግና፡ ብኡብኡ ሓደ ፍታሕ ሃበ። * ሓደ ኻብቶም መንፈሳውያን ፍጡራቱ ናብ ምድሪ ንኺመጽእን ፍጹም ሰብ ኰይኑ ንኺነብርን ኣብ መወዳእታኡ ድማ ህይወቱ መስዋእታዊ በጃ ገይሩ ንኬቕርባን ዕላማ ገበረ። ስለዚ እምበኣር፡ እቲ ናይ በጃ መሰናድዎ፡ ብሓቂ ኣምላኽ ዝሃበና ውህበት እዩ። እቲ በጃ ናይ ኣምላኽ ውህበት ዝዀነሉ ኻልእ መገዲ እውን ኣሎ። የሱስ ኪመውት ከሎ፡ ኣምላኽ ከመይ ይስምዖ ኸም ዝነበረስ ሓሲብክሉዶ ትፈልጢ፧

ሱዛን፦ ኣይፋልን፡ ሓሲበሉ ኣይፈልጥን እየ።

ሜሮን፦ ኣብዚ ኣፍ ደገ ቤትኪ መጻወቲ ቘልዑ ኣሎ። ውሉዳት ኣለዉኺ ማለት እዩ።

ሱዛን፦ እወ፡ ሓደ ወድን ሓንቲ ጓልን ኣለዉኒ።

ሜሮን፦ ከም ወላዲት መጠን፡ ሓንሳእ ደው ኢልኪ እሞ ሕሰቢ፣ ኣብታ የሱስ ዝሞተላ መዓልቲ፡ እቲ ሰማያዊ ኣቦኡ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ከመይ ይስምዖ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ፧ ኣብ ሰማይ ኰይኑ፡ እቲ ዜፍቅሮ ወዱ ኺእሰርን ኣደዳ ባጫ ኪኸውንን ኪጽፋዕን ኪርኢ ኸሎስ፡ ከመይ ተሰሚዕዎ ይኸውን፧ ወዱ ኣብ ዕንጨይቲ ተሸንኪሩ እናተቐንዘወ ንኺመውት ምስ ተሓድገኸ ኣቦኡ ኸመይ ኰን ተሰሚዕዎ ይኸውን፧

ሱዛን፦ ኣዝዩ ሕማቕ ተሰሚዕዎ ኪኸውን ኣለዎ። ብዛዕባ እዚ ፈጺመ ሓሲበ ኣይፈልጥን እየ!

ሜሮን፦ ሓቂ እዩ፡ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ኣምላኽ እንታይ ከም እተሰምዖ ብልክዕ ክንፈልጥ ኣይንኽእልን ኢና። ኣምላኽ ስምዒት ከም ዘለዎ ግና ንፈልጥ ኢና፣ ኣብ ርእሲ እዚ፡ ስለምንታይ እዚ ዅሉ ኼጋጥም ከም ዘፍቀደ ንፈልጥ ኢና። እዚ ኣብ ዮሃንስ 3:16 ጽቡቕ ገይሩ ተገሊጹልና ኣሎ። ከተንብብያዶ፧

ሱዛን፦ ሕራይ፣ ከምዚ ትብል፦ “ከመይሲ፡ ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዚኣምን ኵሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።”

መስዋእታዊ በጃ ኻብ ኵሉ ዝዓበየ መግለጺ ፍቕሪ እዩ

ሜሮን፦ አመስግነኪ። ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ ዘሎ ሓሳባት እሞ እንደገና ርኣይዮ፣ ‘ኣምላኽ ንዓለም ኣፍቀራ’ እዩ ዚብል። እቲ ምስጢር እምበኣር፡ ፍቕሪ እዩ። ኣምላኽ፡ ኣብ ክንዳና ንኺመውት ኢሉ ወዱ ንኺሰድድ ዝደረኸቶ፡ ፍቕሪ እያ። ብሓቂ፡ መስዋእታዊ በጃ ኻብ ኵሉ ዝዓበየ መግለጺ ፍቕሪ እዩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ድማ ነዚ ንምዝካር እዮም ዓመት ዓመት ኣብታ ዝኽሪ ሞት የሱስ እትኽበረላ ዕለት ዚእከቡ። እዚ ምይይጥና ጠቓሚ ዀይኑዶ ረኺብክዮ፧

ሱዛን፦ እወ፡ ብሓቂ ጠቓሚ እዩ። ብዛዕባዚ ምሳይ ንኽትመያየጢ ኢልኪ ግዜ ስለ ዝመደብኪ አመስግነኪ።

ክትዘራረበሉ እትደሊ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ርእሰ ነገር ኣሎካዶ፧ ብዛዕባ እምነትን ሃይማኖታዊ ልምድታትን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዝያዳ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧ ትደሊ እንተ ዄንካ፡ ከይተሰከፍካ ንሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ሕተቶ። ንሱ እውን ተሓጒሱ ኺምልሰልካ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 5 ኣብ ዓመት ሓንሳብ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ የሱስ ክርስቶስ ዝኸፈሎ መስዋእቲ ንምብዓል ኣብታ ዝኽሪ ሞት የሱስ እትኽበረላ ዕለት ይእከቡ እዮም። ኣብዛ ዓመት እዚኣ ሞት የሱስ እትኽበረላ ዕለት፡ ዓርቢ 3 ሚያዝያ እያ።

^ ሕ.ጽ. 32 ኣብ ዚመጽእ፡ በዚ ኣርእስቲ እዚ ኣብ እትወጽእ ዓንቀጽ፡ መስዋእታዊ በጃ የሱስ ብኸመይ ካብ ሓጢኣት ንኸነምልጥ ከም ዚሕግዘና ኸምኡ እውን ካብዚ በጃ እዚ ምእንቲ ኽንጥቀም እንታይ ክንገብር ከም ዚግብኣና ኽንምርምር ኢና።

^ ሕ.ጽ. 36 ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽን የሱስን ክልተ እተፈላለዩ ኣካላት እዮም። ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ምዕራፍ 4 እታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ርአ።