ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ውገዳ ፍቕራዊ መሰናድዎ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ውገዳ ፍቕራዊ መሰናድዎ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ጁልያን ተዘክሮኡ ኺገልጽ ከሎ ኸምዚ በለ፦ “ወደይ ከም እተወገደ ዚገልጽ ምልክታ ኺንገር ከሎ፡ ምድረ ሰማይ ጸልመተኒ። በዅሪ ወደይ እዩ ነይሩ፣ ኣዚና ድማ ኢና እንቀራረብ ኔርና፣ ብሓባር ኴንና ብዙሕ ነገራት ንገብር ኔርና። ኵሉ ሳዕ ኣብነት ዚኸውን ውሉድ እዩ ነይሩ፣ ብሃንደበት ግና፡ ሕማቕ ባህርይ ኬርኢ ጀመረ። ሰበይተይ ብተደጋጋሚ እያ እትበኪ ነይራ፣ ኣነ ድማ ብኸመይ ከም ዘጸናንዓ ኣይፈልጥን እየ ነይረ። ከም ወለዲ መጠን ሓላፍነትና ብግቡእ ፈጺምና እንተ ዄንና የተሓሳስበና ነበረ።”

ንሓደ ክርስትያን ምውጋድ ክንድዚ ስቓይ ዜስዕብ እንተ ዀይኑ፡ ፍቕራዊ መሰናድዎ እዩ ኺብሃል ዚክኣል ብኸመይ እዩ፧ ቅዱሳት ጽሑፋት ከምዚ ዓይነት ሓያል ስጕምቲ ብዛዕባ ምውሳድ እንታይ ምኽንያት እዩ ዚህብ፧ ሓደ ሰብከ ስለምንታይ እዩ ዚውገድ፧

ናብ ውገዳ ዚመርሕ ክልተ ምኽንያት

ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ብሰንኪ ኽልተ ብተኸታታሊ ዜጋጥም ምኽንያት እዩ ዚውገድ። ቀዳማይ፡ እተጠምቀ ናይ የሆዋ ምስክር፡ ከቢድ ሓጢኣት ምስ ዚፍጽም። ካልኣይ፡ በቲ ዝፈጸሞ ሓጢኣት ምስ ዘይንሳሕ።

የሆዋ ኻባና ፍጽምና ዘይጽበ እኳ እንተ ዀነ፡ ኣገልገልቱ ኺስዕብዎ ዚደልዮም ስርዓት ቅድስና ኣለዎ። ንኣብነት፡ የሆዋ ኻብ ከም ጾታዊ ርኽሰትን ኣምልኾ ጣኦትን ስርቅን ዘረፋን ቅትለትን ጥንቈላን ዝኣመሰለ ኸቢድ ሓጢኣት ክንርሕቕ ይደልየና እዩ።—1 ቈረ. 6:9, 10፣ ራእ. 21:8

እቲ ንጹህ ስርዓታት የሆዋ ሚዛናውን ዜዕቍበናን ምዃኑስ ኣይትሰማምዓሉንዶ፧ ምስ ሰላማውያንን እሩም ጠባይ ዘለዎምን ትውክልቲ ዚግበሮምን ሰባት ኪነብር ዘይደሊ እሞ መን ኣሎ! ኣብ መንጎ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ከምኡ ዓይነት ሃዋህው እዩ ዘሎ፣ እዚ ኸኣ፡ ሳላ እቲ ርእስና ንኣምላኽ ክንውፊ ኸለና ዝኣተናዮ ቓል እዩ ኺርከብ ተኻኢሉ፣ እወ፡ ምስቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መምርሒታት ተሰማሚዕና ኽንመላለስ ቃል ኣቲና ኢና።

ይኹን እምበር፡ ሓደ እተጠምቀ ክርስትያን ብምኽንያት ሰብኣዊ ድኽመት ከቢድ ሓጢኣት እንተ ፈጺሙኸ፧ ጥንቲ ዝነበሩ እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ፡ ከቢድ ሓጢኣት ፈጺሞም እዮም፣ ኣምላኽ ግና ምሉእ ብምሉእ ኣይነጸጎምን። ንጉስ ዳዊት ኣብዚ መዳይ እዚ ኣብነት ኪዀነና ይኽእል እዩ። ዳዊት ዝሙትን ቅትለትን ፈጸመ፣ ኰይኑ ግና፡ ነብዪ ናታን፡ “እግዚኣብሄር . . . በደልካ ኣርሒቑልካ እዩ” በሎ።—2 ሳሙ. 12:13

ኣምላኽ ንዳዊት ይቕረ ኺብለሉ ዝኸኣለ፡ ዳዊት ካብ ልቡ ስለ እተነስሐ እዩ። (መዝ. 32:1-5) ሎሚ እውን ሓደ ኣገልጋሊ የሆዋ፡ እንተ ተነሲሑ ወይ ከኣ ነቲ ሕማቕ ተግባሩ እንተ ኣቋሪጽዎ፡ ኣይውገድን እዩ። (ግብ. 3:19፣ 26:20) ይኹን እምበር፡ እቶም ኣብ ኮሚተ ፍርዲ ዜገልግሉ ሽማግለታት፡ ኣብቲ ኣባሲ ናይ ሓቂ ንስሓ እንተ ዘይርእዮም፡ ኪውግድዎ ኣለዎም።

ኣብ ፈለማ፡ ብፍላይ ምስቲ እተወገደ ሰብ ጥብቂ ርክብ እንተ ነይሩና፡ ውገዳ እቲ ኣባሲ፡ ጭካነ ዝመልኦ ዀይኑ ኺስምዓና ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ ከምዚ ዓይነት ውሳነ ፍቕራዊ ምዃኑ፡ ቃል የሆዋ ዜእምን ምኽንያት ይህብ እዩ።

ውገዳ እንታይ ጥቕሚ ኣለዎ፧

የሱስ፡ “ጥበብ ብግብራ ጸደቐት” በለ። (ማቴ. 11:19) ንሓደ ዘይንሳሕ ኣባሲ ንምውጋድ ዚግበር ጥበባዊ ውሳነ፡ ጽድቂ ዝመልኦ ውጽኢት ኪህልዎ ይኽእል እዩ። ነዚ ዚስዕብ ሰለስተ ነጥቢ እስከ ንርአ፦

ንኣበስቲ ምውጋድ፡ ንስም የሆዋ የኽብሮ። ስም የሆዋ ስለ እንጸውር፡ ጠባይና ንስሙ ይጸልዎ እዩ። (ኢሳ. 43:10) ልክዕ ከምቲ ጠባይ ሓደ ውሉድ ንወለዱ ኬኽብሮም ወይ ኬሕስሮም ዚኽእል፡ ሰባት ብዛዕባ የሆዋ ዘለዎም ስምዒት እውን ብእተወሰነ መዳይ ኣብቲ ኣብ መንጎ ህዝቡ ዚርእይዎ ጽቡቕ ወይ ሕማቕ ኣብነት ይምርኰስ እዩ። እቶም ንስም የሆዋ ዚጾሩ ሰባት ብስነ ምግባራዊ ስርዓታቱ ዚመላለሱ እንተ ዀይኖም፡ ስም ኣምላኽ ይኸብር እዩ። እዚ ምስቲ ኣብ ግዜ ህዝቅኤል ዝነበረ ዅነታት ዚመሳሰል እዩ፣ ከመይሲ፡ ሽዑ ዝነበሩ ኣህዛብ ንስም የሆዋ ብቐጥታ ምስ ኣይሁድ እዮም ዜተሓሕዝዎ ነይሮም።—ህዝ. 36:19-23

ርኽሰት ንፍጽም እንተ ዄንና፡ ነቲ ቕዱስ ስም ኣምላኽ ኢና እነጽርፎ። ሃዋርያ ጴጥሮስ ንክርስትያናት ኪመኽሮም ከሎ፡ “ከም እዙዛት ውሉዳት፡ በቲ ኣቐዲምኩም ብድንቍርናኹም ዝነበረኩም ትምኒት ኣይትቀረጹ፣ የግዳስ፡ ከምቲ እቲ ዝጸውዓኩም ቅዱስ ዝዀነ፡ ንስኻትኩም እውን ብዅሉ ኣካይዳኹም ቅዱሳት ኩኑ፣ ከመይሲ፡ ‘ኣነ ቕዱስ እየ እሞ፡ ቅዱሳት ኩኑ’ ተባሂሉ ተጻሒፉ ኣሎ” በለ። (1 ጴጥ. 1:14-16) ንጹህን ቅዱስን ኣካይዳ፡ ንስም ኣምላኽ የኽብሮ እዩ።

ይኹን እምበር፡ ሓደ ኻብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሕማቕ ነገር እንተ ገይሩ፡ ፈተውቱን ዚፈልጥዎ ሰባትን ብዛዕባ እቲ ተግባሩ ይፈልጡ ይዀኑ። ስለዚ፡ እቲ ውገዳ፡ ህዝቢ የሆዋ ንቕድስናኡ ምእንቲ ኺሕልዉ ኢሎም ንቕዱስ ጽሑፋዊ መምርሒታት ዚስዕቡ ንጹሃት ሰባት ምዃኖም ዚሕብር እዩ። ኣብ ስዊዘርላንድ ዚነብር ሓደ ሰብ፡ ናብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ብምምጻእ፡ ኣባል እታ ጉባኤ ኪኸውን ከም ዚደሊ ተዛረበ። ሓብቱ ርኽሰት ስለ ዝፈጸመት ተወጊዳ ነበረት። ንሱ ድማ፡ ኣባል ሓደ “ንሕማቕ ጠባይ ሸለል ኢሉ ዘይርኢ” ውድብ ኪኸውን ከም ዚደሊ ገለጸ።

ውገዳ ነታ ንጽህቲ ክርስትያናዊት ጉባኤ የዕቍባ። ሃዋርያ ጳውሎስ ንሰብ ቈረንቶስ፡ ነቶም ደይመደይ ኢሎም ሓጢኣት ዚፍጽሙ ሰባት ሸለል ምባሎም ሓደገኛ ኸም ዝዀነ ኣጠንቂቕዎም ነይሩ እዩ። ነቲ እቶም ሓጢኣተኛታት ዜሕድርዎ ሕማቕ ጽልዋ፡ ምስቲ ንብዘሎ ብሑቝ ዜብኵዖ ማይ ብሑቝ ኣመሳሰሎ። “ሒደት ማይ ብሑቝ ንብዘሎ ብሑቝ ኸም ዜብኵዖዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ “ነቲ እኩይ ካባኻትኩም ኣውጽእዎ” ኢሉ መኸሮም።—1 ቈረ. 5:6, 11-13

እቲ ጳውሎስ “እኩይ” ኢሉ ጠቒስዎ ዘሎ ሰብ፡ ብዘይ ሕንከት ርኽሰት ይፍጽም ነበረ። ካልኦት ኣባላት እታ ጉባኤ እውን እንተ ዀኑ፡ እቲ ተግባሩ ቕቡል ከም ዝዀነ ገይሮም ኪርእይዎ ጀሚሮም ነበሩ። (1 ቈረ. 5:1, 2) ከምዚ ዓይነት ከቢድ ሓጢኣት ዕሽሽ እንተ ዚብሃል ነይሩ፡ ካልኦት ክርስትያናት እውን ነቲ ኣብታ ብዕልግና ዚበዝሓ ኸተማ ቈረንቶስ ልሙድ ዝነበረ ርኹስ ተግባራት ካብ ምፍጻም ድሕር ኣይምበሉን ነይሮም። ነቲ ደይመደይ ኢልካ ዚግበር ሓጢኣት ሸለል ምባል፡ መለኮታዊ ስርዓታት ብጥብቂ ኸም ዘይሰዓብ እዩ ዚገብር። (መክ. 8:11) ብዘይካዚ፡ ዘይንስሑ ሓጥኣን፡ ከም “ኣብ ትሕቲ ማይ እተሓብኡ ኣኻውሕ” ስለ ዝዀኑ፡ ካልኦት ኣባላት ጉባኤ ንዘላቶም ናይ እምነት መርከብ ከም እትስበር ኪገብርዋ ይኽእሉ እዮም።—ይሁ. 4, 12

ውገዳ ነቲ ኣባሲ ናብ ልቡ ኸም ዚምለስ ኪገብሮ ይኽእል እዩ። የሱስ ሓደ እዋን፡ ብዛዕባ ሓደ ንቤት ኣቦኡ ሓዲጉ ብምኻድ ንጥሪቱ ብዝርጋን ዝዘረዎ መንእሰይ ገሊጹ ነበረ። እቲ ዘራዊ፡ ካብ ቤት ኣቦኡ ወጻኢ ዘሎ ህይወት ባዶን ከርፍሕን ምዃኑ፡ በቲ መከራ ምስ ሓለፈ እዩ ተረዲእዎ። ኣብ መወዳእታኡ ግና፡ ናብ ልቡ ተመልሰ፣ ተንሲሑ ድማ ምስ ስድራ ቤቱ ተጸምበረ። (ሉቃ. 15:11-24) የሱስ ከም ዝገለጾ፡ ኣቦ እቲ ዘራዊ ፈቃር ስለ ዝነበረ፡ ወዱ ኻብ ልቡ ኣረኣእያኡ ኸም ዝቐየረ ምስ ፈለጠ ተሓጒሱ እዩ፣ እዚ ኸኣ ንስምዒት የሆዋ እውን ንኽንርድኦ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ። ንሱ፡ “ረሲእ ካብ መገዱ ኺምለስ እሞ ብህይወት ኪነብር እምበር፡ ብሞት ረሲእ ባህ ኣይብለንን እዩ” ኢሉ ኣረጋጊጹልና ኣሎ።—ህዝ. 33:11

ብተመሳሳሊ፡ ኣባላት ክርስትያናዊት ጉባኤ ኻብ ምዃን ዘቋረጹ እተወገዱ ሰባት፡ ካብ መንፈሳዊ ስድራ ቤቶም ምስ ተፈልዩ፡ ብዛዕባ እቲ ዝሰኣንዎ ነገራት ኪግንዘቡ ይኽእሉ እዮም። ሓጢኣቶም ዜምጽኦ መሪር ሳዕቤን ኪዓጽዱ ኸለዉ፡ ከምኡ እውን ነቲ ቐደም ምስ የሆዋን ምስ ህዝቡን ዝነበሮም ዜሐጕስ እዋናት ኪዝክሩ ኸለዉ፡ ናብ ልቦም ኪምለሱ ይኽእሉ እዮም።

ከምዚ እተገልጸ ዓይነት ውጽኢት ኪርከብ እንተ ዀይኑ ግና፡ ፍቕርን ጽንዓትን ኣገዳሲ እዩ። ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ መዝሙር ዝነበረ ዳዊት፡ “ጻድቕ ይውቅዓኒ፡ ለውሃት እዩ፡ ይዝለፈኒ፡ ዘይቲ ርእሲ እዩ” በለ። (መዝ. 141:5) ንመረዳእታ፦ ሓደ ብእግሩ ናብ ከረን ዚድይብ ሰብ፡ ብሰንኪ ሓያል ቍሪ ኣዝዩ ደኺሙ ኣሎ ንበል። ብምኽንያት እቲ ዛሕሊ ኣካላቱ ኺድንዝዝን ኪፈዝዝን ይጅምር። ኣብቲ በረድ እንተ ደቂሱ ኸኣ፡ ኪመውት ይኽእል እዩ። ሓገዝ ክሳዕ ዚመጽእ ምእንቲ ኺነቅሕ፡ ብጻዩ ሓሓሊፉ ይጸፍዖ። እቲ ጽፍዒት ኬሕምሞ ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ንህይወቱ ግና ኬድሕና ይኽእል እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ዳዊት፡ ሓደ ጻድቕ ሰብ ንጥቕሙ ኢሉ፡ ኬሕምሞ ዚኽእል መአረምታ ኺህቦ ኸም ዚኽእል ተገንዚቡ ነይሩ እዩ።

ኣብ ብዙሕ ኵነታት ከም እተራእየ፡ ውገዳ ነቲ ኣባሲ ኻብ ሓጢኣቱ ኸም ዚእረም ኪገብሮ ይኽእል እዩ። እቲ ኣብ መእተዊ እተጠቕሰ ወዲ ጁልያን፡ ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ናብራኡ ኣተዓራርዩ ናብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ተመልሰ፣ ሕጂ ድማ ሽማግለ ዀይኑ የገልግል ኣሎ። “ውገዳ፡ ሳዕቤን እቲ ዝስዕቦ ዝነበርኩ ህይወት ከም ዝዓጽድ ገይሩኒ እዩ። ከምኡ ዓይነት ተግሳጽ ድማ እዩ ዜድልየኒ ነይሩ” ድማ በለ።—እብ. 12:7-11

ንእተወገዱ ሰባት እንሕዘሉ ፍቕራዊ መገዲ

ውገዳ ኣዝዩ ዜሕዝን መንፈሳዊ ፍጻመ ምዃኑ ዚከሓድ ኣይኰነን፣ ከምኡ ኺብሃል ከሎ ግና፡ እተወገደ ሰብ ኪምለስ ኣይክእልን እዩ ማለት ኣይኰነን። ውገዳ ነቲ እተደልየሉ ሸቶ ምእንቲ ኺወቅዕ፡ ኵላትና እጃምና ኸነበርክት ንኽእል ኢና።

እተነስሑ ሰባት ናብ የሆዋ ኺምለሱ ንምሕጋዝ፡ ጻዕሪ ይግበር እዩ

ሽማግለታት ንሓደ ክርስትያን ኪውግድዎ ኣገዳሲ ምስ ዚኸውን፡ ብዛዕባ ውሳነኦም ኪነግርዎ ኸለዉ፡ ነታ ናይ የሆዋ ፍቕሪ ኼንጸባርቑ ኣለዎም። ነቲ ክርስትያን ከም እተወገደ ኺነግርዎ ኸለዉ፡ ናብታ ጉባኤ ንኺምለስ ኪወስዶ ብዛዕባ ዚግባእ ስጕምትታት ብለውሃትን ብንጹርን ኪሕብርዎ ኣለዎም። ብኸመይ ናብ የሆዋ ኺምለሱ ኸም ዚኽእሉ ምእንቲ ኼዘኻኽርዎም እውን፡ ነቶም መገዶም ከም ዝለወጡ ዜርእዩ እተወገዱ ሰባት በብእዋኑ ይበጽሕዎም እዮም። *

ኣባላት ስድራ ቤት ነቲ ናይ ውገዳ ውሳነ ብምኽባር፡ ነታ ክርስትያናዊት ጉባኤን ነቲ እተጋገየ ክርስትያንን ዘላቶም ፍቕሪ ኼርእዩ ይኽእሉ እዮም። ጁልያን ብዛዕባ እቲ ተወጊዱ ዝነበረ ወዱ ኺገልጽ ከሎ፡ “ወደይ ምዃኑ ኣይተርፎን እዩ፣ ኰይኑ ግና፡ ናብራኡ ኣብ መንጎና ጋግ ከም ዚህሉ ገይሩ እዩ” በለ።

ኵሎም ኣባላት ጉባኤ፡ ምስቲ እተወገደ ሰብ ብዘይምርኻብን ብዘይምዝራብን፡ ኣብ ስርዓት እተመርኰሰት ፍቕሪ ኼርእዩ ይኽእሉ እዮም። (1 ቈረ. 5:11፣ 2 ዮሃ. 10, 11) በዚ ኸምዚ፡ ነቲ የሆዋ ብሽማግለታት ኣቢሉ ነቲ ውጉድ ዝሃቦ ተግሳጽ ይድግፍዎ። ብዘይካዚ፡ ኣባላት ስድራ ቤት እቲ ውጉድ፡ ብዙሕ ስቓይ ኬሕልፉን እተገለሉ ዀይኑ ኺስምዖምን ይኽእል እዩ፣ ስለዚ፡ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቶም፡ ፍቕሮም ኬርእይዎምን ኪድግፍዎምን ይኽእሉ እዮም።—ሮሜ 12:13, 15

ኣብ መወዳእታ፡ ጁልያን ከምዚ በለ፦ “ውገዳ፡ ብስርዓታት የሆዋ ንኽንመላለስ ዚሕግዘና ኣገዳሲ መሰናድዎ እዩ። ዜሳቒ እኳ እንተ ዀነ፡ ውዒሉ ሓዲሩ ግና ጽቡቕ ውጽኢት እዩ ዜምጽእ። ነቲ ሕማቕ ጠባይ ወደይ ሸለል እንተ ዝብሎ ነይረ፡ ኣይምተመልሰን ነይሩ።”

^ ሕ.ጽ. 24 ነዚ ዚስዕብ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ርአ፦ 8/112፡ ገጽ 10-16 ወይ ከኣ 15 ሚያዝያ 1991 (እንግሊዝኛ)፡ ገጽ 21-23 ርአ።