ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገበር | መጽሓፍ ቅዱስ ብስነ ፍልጠት ተተኪኡ ድዩ፧

ስነ ፍልጠት ናይ ገዛእ ርእሱ ድሩትነት ኣለዎ

ስነ ፍልጠት ናይ ገዛእ ርእሱ ድሩትነት ኣለዎ

ኣብ ቀረባ እዋናት፡ ብዛዕባ ኣረኣእያ እቶም “ሓደስቲ ኢዘሀራውያን” ዚብሃሉ ጕጅለ ዚገልጽ ብርክት ዝበለ ጽሑፋት ተዘርጊሑ እዩ። እዚ ጽሑፋት እዚ፡ ኣቓልቦ ሓያሎ ሰባት ዝሰሓበን ብዙሕ ዘተን ክትዕን ዘልዓለን እዩ ነይሩ። ዴቪድ ኢግልማን ዚብሃል ኒውሮሳይንቲስት ነዚ ኣመልኪቱ፡ “ገሊኦም ኣንበብቲ . . . ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ብዛዕባ ዅሉ ነገር ዚፈልጡ ዀይኑ እዩ ዚስምዖም” ብምባል ጸሓፈ። ቀጺሉ ኸኣ፡ “ይኹን እምበር፡ ብሉጻት ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ኵሉ ግዜ ሰፊሕ ኣተሓሳስባ እዩ ዘለዎም፣ ዕዮኦም ከኣ ሓድሽን ትጽቢት ዘይተገብረሉን ርኽበታት ዜጠቓልል እዩ” በለ።

ርግጽ እዩ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት፡ ክኢላታት ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት መልሲ እቲ ንተፈጥሮ ዚምልከት ዜደንጹ ሕቶታት ንምርካብ ኣብ ዝገበርዎ ምርምር፡ ዜደንቕ ዓወታት ረኺቦም እዮም። እንተዀነ ግና፡ ኣብዚ መስርሕ እዚ ኸቢድ ጌጋታት ዝፈጸሙ እውን ነይሮም እዮም። ኣይዛክ ኒውተን ሓደ ኻብቶም ኣብ ዓለም ፍሉጣት ዝዀኑ ብሉጻት ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት እዩ ነይሩ። ኒውተን፡ ሓይሊ ስሕበት ንፕላነታትን ከዋኽብትን ጋላክስታትን ኣብ ሓደ ዩኒቨርስ ብኸመይ ከም ዚጠምሮም ገሊጹ እዩ። ብተወሳኺ፡ ኮምፕዩተራት ኣብ ምንዳፍን ኣብ ጕዕዞ ጠፈርን ኣብ ምርምር ኑክልየስን ዚጠቅም፡ ሓደ ኻብ ጨንፈር ሕሳብ ዝዀነ ካልኩለስ ምሂዙ እዩ። ይኹን እምበር፡ ኒውተን፡ ዓረርን ካልእ ብረታትን ናብ ወርቂ ንምቕያር ኣብ ዚገብሮ ዝነበረ ጻዕሪ፡ ቈጸራ ኸዋኽብትን ጥንቈላን ዚጥቀም ምርምር ስነ ቐመም የካይድ ነበረ።

ቅድሚ ኒውተን ልዕሊ 1,500 ዓመት ይገብር ዚነብር ዝነበረ ቶለሚ ዝስሙ ግሪኻዊ ተመራማሪ ስነ ኰዀብ፡ ብኣዒንቱ ጥራይ ብምርኣይ ንሰማይ ዳህሳስ ገበረ። ብግዜ ለይቲ ንፕላነታት ዚከታተልን ክኢላ ኣዳላዊ ካርታን ከኣ ነበረ። ይኹን እምበር፡ ምድሪ ማእከል ኵሉ ነገራት ከም ዝዀነት እዩ ዚኣምን ነይሩ። ተመራማሪ ስነ ኰዀብ ዝዀነ ካርል ሳጋን ብዛዕባ ቶለሚ ኸምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “እቲ ምድሪ ማእከል ዩኒቨርስ ከም ዝዀነት ዝነበሮ እምነት ን1,500 ዓመት ዚኣክል ተቐባልነት ረኸበ፣ እዚ ኸኣ ሓደ ኣእምሮኣዊ ብልሒ ዘለዎ ሰብ እውን እንተ ዀነ፡ ዓብዪ ጌጋ ኺገብር ከም ዚኽእል ዜርኢ እዩ።”

ሎሚ ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ኣብ ዕዮኦም ተመሳሳሊ ብድሆታት የጋጥሞም እዩ። ንምዃኑኸ ኣብ መጻኢ ብዛዕባ ዩኒቨርስ ምሉእ ምርዳእ ኪህልዎም ድዩ፧ ነቲ ኣብ ስነ ፍልጠት እተራእየ ዕቤትን ንዓና ዜምጽኣልና ጥቕምታትን ኣፍልጦ ኽንህበሉ ግቡእ እኳ እንተ ዀነ፡ ስነ ፍልጠት ዘለዎ ድሩትነት ክንዝክር ግና ኣገዳሲ እዩ። ናይ ፊዚክስ ሊቕ ዝዀነ ዴቪስ፡ “ንዩኒቨርስ ዚምልከት ዚወሓጠልካን ንሓድሕዱ ዚሰማማዕን መግለጺ ኽትረክብ ኣይከኣልን እዩ” ብምባል ትዕዝብቱ ገለጸ። እዘን ቃላት እዚአን፡ ነቲ ‘ደቂ ሰብ ንተፈጥሮ ምሉእ ብምሉእ ኪርድእዎ ኣይክእሉን እዮም’ ዚብል ዘይክሓድ ሓቂ እየን ዚገልጻ። ስለዚ እምበኣር፡ ስነ ፍልጠት ብዛዕባ ዅሉ ነገራት ምሉእ ምርዳእ ኪህበና ኸም ዚኽእል ዚሕብር መግለጺ ኽትሰምዕ ከለኻ፡ ነዚ መግለጺታት እዚ ኻብ ምቕባሉ ኽትቍጠብ ምስትውዓል እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ስነ ፍልጠት ኪገብሮ ብዘይክእል መገዲ ንዜድልየና ነገራት የማልኣልና

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዜደንቕ ፍጥረታት፡ “ካብቲ መገዱስ [መገዲ ኣምላኽ] እንሆ፡ እዚ ሓደ ጫፍ ጥራይ እዩ፡ እቲ ብዛዕባኡ እንሰምዖ ሕሽዅሽዅስ ክንደይ ቅሩብ እዩ፡” ብምባል ይዛረብ። (እዮብ 26:14) ደቂ ሰብ በቲ ዘለዎም ግንዛበን ምርዳእን ኪበጽሕዎ ዘይክእሉ ኣዝዩ ብዙሕ ፍልጠት ተሪፍዎም ኣሎ። እተን “ወዳጀ፡ መዓሙቝ ሃብትን ጥበብን ፍልጠትን ኣምላኽ! ፍርዱ ኽንደይ ዘይምርመር ኰታ እዩ፡ መገዱ እውን ክንደይ ብኣሰረ ኣሰር ዘይርከብ ኰን እዩ” ዚብላ ኣስታት 2,000 ዓመት ይገብር እተጻሕፋ ቓላት ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ሕጂ እውን እንተ ዀነ ሓቂ እየን።—ሮሜ 11:33

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ስነ ፍልጠት ኪገብሮ ብዘይክእል መገዲ ንዜድልየና ነገራት የማልኣልና