ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስቶስ—ሓይሊ ኣምላኽ

ክርስቶስ—ሓይሊ ኣምላኽ

“ክርስቶስ ሓይሊ ኣምላኽ . . . እዩ።”—1 ቈረ. 1:24

1. ጳውሎስ፡ ‘ክርስቶስ ሓይሊ ኣምላኽ እዩ’ ኺብል ዝኸኣለ ስለምንታይ እዩ፧

የሆዋ ብየሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ንሓይሉ ብኣዝዩ ፍሉይ መገድታት ገሊጽዎ እዩ። እተን ኣርባዕተ ወንጌላት ብዛዕባ እቲ ክርስቶስ ዝፈጸሞ ገሊኡ ተኣምራት ንእምነትና ዜደልድል ዝርዝር ነጥብታት ይገልጻ እየን። የሱስ ሓያሎ ኻልእ ተኣምራት እውን ፈጺሙ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ማቴ. 9:35፣ ሉቃ. 9:11) እወ፡ ሓይሊ ኣምላኽ ኣብ የሱስ ተገሊጹ እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ክርስቶስ ሓይሊ ኣምላኽ . . . እዩ” ኺብል ከኣ ሓቁ እዩ። (1 ቈረ. 1:24) ይኹን እምበር፡ ተኣምራት የሱስ ኣብ ህይወትና እንታይ ጽልዋ እዩ ኺገብረልና ዚኽእል፧

2. ካብ ተኣምራት የሱስ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

2 ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ የሱስ “ተኣምራት” ከም ዝፈጸመ ገሊጹ ኣሎ። (ግብ. 2:22) እቲ የሱስ ኣብ ምድሪ ዝገበሮ ግብርታት ሓይሊ፡ ንጉስ ኰይኑ ኣብ ዚገዝኣሉ እዋን ዝዓበየ በረኸት ከም ዜምጽእ ዚሕብር መርኣያ እዩ ነይሩ። ነቲ የሱስ ኣብ ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም ብደረጃ ዓለምለኸ ዚፍጽሞ ተኣምራት ጽላሎቱ እዩ ነይሩ። ተኣምራቱ ብዛዕባ ባህርያቱን ባህርያት ኣቦኡን ዝያዳ ንኽንርዳእ እውን ይሕግዘና እዩ። እስከ እምበኣር፡ ሒደት ካብ ተኣምራት የሱስ ብምምርማር፡ ሕጅን ንዚመጽእን ብኸመይ ኪጸልወና ኸም ዚኽእል ንርአ።

ለጋሳት ክንከውን ዚምህር ተኣምር

3. (ሀ) የሱስ ነቲ ዝገበሮ ናይ መጀመርታ ተኣምር ዝፈጸሞ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ልግሲ የሱስ፡ ኣብ ቃና ዝጐልሐ ብኸመይ እዩ፧

3 የሱስ ዝፈጸሞ ናይ መጀመርታ ተኣምር፡ ኣብ ቃና ናይ ገሊላ ኣብ እተገብረ መርዓ እዩ። ቍጽሪ እቶም ናብቲ መርዓ ዝመጹ ኣጋይሽ ካብቲ ትጽቢት እተገብረሉ ንላዕሊ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ግናኸ፡ እቲ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ፡ ወይኒ ተወድአ። ሓንቲ ኻብቶም ኣጋይሽ፡ ማርያም ኣደ የሱስ እያ ነይራ። ማርያም ብዛዕባ እቲ ምስ ወዳ እተተሓሓዘ ትንቢታዊ ተስፋታት ንሓያሎ ዓመታት ተስተንትን ነይራ ክትከውን ትኽእል እያ። ከመይሲ፡ ንሱ “ወዲ እቲ ልዑል” ከም ዚብሃል ትፈልጥ ነይራ እያ። (ሉቃ. 1:30-32፣ 2:52) የሱስ ዘይተጋህደ ሓይልታት ከም ዘለዎስ፡ ማርያም ትኣምንዶ ነይራ እያ፧ ማርያምን የሱስን ኣብ ቃና፡ ነቶም ሓደስቲ መርዑ ኸም ዝደንገጹሎምን ካብ ሕፍረት ኬድሕንዎም ከም ዝደለዩን ተራእዩ እዩ። የሱስ ኣአንጋዲ ምዃን፡ ግቡእ ምዃኑ ይፍለጥ ስለ ዝነበረ፡ 380 ሊትሮ ማይ ናብ “ጽቡቕ ወይኒ” ቐየረ። (ዮሃንስ 2:3, 6-11 ኣንብብ።) ነዚ ተኣምር እዚ ኺፍጽም ግዴታ ነይርዎ ድዩ፧ ኣይፋሉን። ነቲ ተኣምር ዝፈጸሞ ንሰባት ይሓልየሎም ስለ ዝነበረን ለጋስ ብምዃን ንሰማያዊ ኣቦኡ ኺመስሎ ስለ ዝደለየን እዩ።

4, 5. (ሀ) እቲ የሱስ ዝፈጸሞ ናይ መጀመርታ ተኣምር እንታይ ይምህረና፧ (ለ) እቲ ኣብ ቃና እተፈጸመ ተኣምር ብዛዕባ መጻኢ እንታይ ይምህረና፧

4 የሱስ ብተኣምራዊ መገዲ ንሓያሎ ሰባት ዚኣክል ብዙሕ ጽቡቕ ወይኒ ኣዳለወ። እዚ ተኣምር እዚ እንታይ ከም ዚምህረናስ ኣስተብሂልካዶ፧ የሱስ ነዚ ተኣምር እዚ ፈትዩ ምፍጻሙ፡ ንሱን ኣቦኡን ስምዒት ሰባት ከም ዜገድሶም የረጋግጸልና። ኣቦ ዀነ ወዲ፡ በቃቓት ኣይኰኑን። ብዘይካዚ፡ የሆዋ ኣብ ሓዳስ ዓለም “ንዅሎም ህዝብታት” ብደረጃ ዓለምለኸ ስቡሕ ምሳሕ ምእንቲ ኺገብረሎም፡ ሓይሊ ኺጥቀም ምዃኑ እውን ይሕብረና።—ኢሳይያስ 25:6 ኣንብብ።

5 ሕስብ እሞ ኣብሎ! ኵሉ ሰብ ብሓቂ ዜድልዮ ነገራት፡ ማለት መኣዛ ዘለዎ ምግብን ጽቡቕ ቤትን ዝረኽበሉ ግዜ ቐሪቡ እዩ። ብዛዕባ እቲ የሆዋ ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ብልግሲ ዚህበና ዜደንቕ ነገራት ክንሓስብ ከለና ኣዚና ንሕጐስ ኢና።

ግዜና ብምልጋስ ንኻልኦት ምስ እንሕግዝ፡ ነቲ የሱስ ዘርኣዮ ልግሲ ንቐድሖ ኸም ዘሎና ኢና እነርኢ (ሕጡብ ጽሑፍ 6 ርአ)

6. የሱስ ነቲ ተኣምር ንኺፍጽም እተዋህቦ ሓይሊ ንመን እዩ ተጠቒሙሉ፧ ንሕናኸ በዚ መዳይ እዚ ብኸመይ ክንመስሎ ንኽእል፧

6 የሱስ፡ እምኒ ናብ እንጌራ ኪቕይር ድያብሎስ ምስ ፈተኖ፡ ነቲ ተኣምር ንኺፍጽም እተዋህቦ ሓይሊ፡ ንብሕታዊ ረብሓኡ ኼውዕሎ ዘይምድላዩ ኣቓልቦ ዚስሕብ እዩ። (ማቴ. 4:2-4) ኣብ ክንዳኡስ፡ ንሰባት ዜድልዮም ነገራት ንኼማልኣሎም እዩ ዚጥቀመሉ ነይሩ። ነቲ የሱስ ኣብ ጥቕሚ ርእሱ ብዘይምትኳር ንኻልኦት ዜርእዮ ዝነበረ ሓልዮት ብኸመይ ክንቀድሖ ንኽእል፧ የሱስ ንኣገልገልቲ ኣምላኽ፡ “ሃቡ” ብምባል ኣተባቢዕዎም ኣሎ። (ሉቃ. 6:38) ንሰባት፡ ምሳና ምእንቲ ኺምገቡ ናብ ቤትና ኽንዕድሞም ንኽእል ኢና። ወይ ከኣ ድሕሪ ኣኼባ፡ ሓገዝ ንዜድልዮ ሰብ ክንሕግዝ ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ንሓደ ሓው መደረኡ ኺለማመድ ከሎ ኾፍ ኢልና ብምስማዕ ግዜና ኽንልግሰሉ ንኽእል ኢና። ነቶም ኣብ ኣገልግሎት ሓገዝ ዜድልዮም ሰባት እንታይ ሓገዝ ክንውፍየሎም ምኸኣልና፧ ዓቕምና ብዝፈቐዶ መጠን ንሰባት ብስጋውን ብመንፈሳውን መዳይ ክንሕግዞም ከለና ነቲ የሱስ ዘርኣዮ ልግሲ ንቐድሖ ኣሎና ማለት እዩ።

‘ኵላቶም በሊዖም ጸገቡ’

7. እዚ ስርዓት ዓለም እዚ ኽሳዕ ዘሎ እንታይ ኵነታት እዩ ዚቕጽል፧

7 ድኽነት፡ ኣብዚ ግዜ እዚ ዝጀመረ ኣይኰነን። የሆዋ ነቶም ጥንቲ ዝነበሩ እስራኤላውያን፡ ኣብታ ዚነብሩላ ሃገር ድኻ ኸም ዘይስኣን ነጊርዎም ነይሩ እዩ። (ዘዳ. 15:11) ድሕርዚ ዘመናት ጸኒሑ ኸኣ፡ የሱስ፡ “ድኻታትሲ ዅሉ ሳዕ ምሳኻትኩም እዮም” በለ። (ማቴ. 26:11) ከምኡ ኺብል ከሎ፡ ኣብ ምድሪ ወትሩ ድኻታት ከም ዚህልዉ ድዩ ዚገልጽ ነይሩ፧ ኣይፋሉን። ኣብ ክንዳኡስ፡ እዚ ብልሽው ስርዓት ዓለም ክሳዕ ዘሎ፡ ድኻታት ከም ዚህልዉ እዩ ዚገልጽ ነይሩ። ስለዚ፡ እቲ የሱስ ዝፈጸሞ ተኣምራት ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ፡ ድኽነት ዚጠፍኣሉን ኵሉ ሰብ ከኣ በሊዑ ዚጸግበሉን ግዜ ኸም ዚመጽእ ዜርኢ ምዃኑ ምፍላጥና ብሓቂ ዜጸናንዕ እዩ።

8, 9. (ሀ) የሱስ ንኣሽሓት ሰባት ብተኣምር ዝመገቦም ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ብዛዕባ እቲ ንኣሽሓት ሰባት ንምምጋብ እተገብረ ተኣምር እንታይ ይስምዓካ፧

8 ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ መዝሙር ብዛዕባ የሆዋ፡ “ኢድካ ትኸፍት እሞ፡ ንህያው ዘበለ ዅሉ ብበረኸት ተጽግቦ” በለ። (መዝ. 145:16) ‘ክርስቶስ እቲ ሓይሊ ኣምላኽ’ ንኣቦኡ ብምምሳል ብዙሕ ሳዕ ኢዱ እናኸፈተ ንሰዓብቱ የጽግቦም ነይሩ እዩ። እዚ ኸኣ መግለጺ ሓይሊ ጥራይ ኣይኰነን ነይሩ። የሱስ በቲ ንኻልኦት ዘለዎ ልባዊ ሓልዮት እዩ ዚምራሕ ነይሩ። ማቴዎስ 14:14-21 እስከ ንመርምራ። (ኣንብብ።) ደቂ መዛሙርቲ የሱስ፡ ብዛዕባ ምግቢ ኺመያየጡ ናብኡ ቐረቡ። ንሳቶም ንባዕላቶም ጠምዮም ነይሮም ኪዀኑ ዚኽእሉ እኳ እንተ ዀኑ፡ ብዛዕባ እቶም ካብ ከተማታት እናመጹ ንየሱስ ብእግሪ ዝሰዓብዎ ደኺሞምን ጠምዮምን ዝነበሩ ህዝቢ እውን ተሻቒሎም ነበሩ። (ማቴ. 14:13) እሞኸ፡ የሱስ እንታይ እዩ ገይሩ፧

9 የሱስ ብሓሙሽተ እንጌራን ብኽልተ ዓሳን፡ ኣንስትን ቈልዑን ከይደመርካ፡ ን5,000 ሰብኡት መጊቡ እዩ። ነቲ ተኣምራት ናይ ምፍጻም ሓይሉ ተጠቒሙ ንስድራ ቤታት፡ እንተላይ ንቘልዑ ይርሕርሓሎም ከም ዝነበረ ኽንሓስብ ከለናስ ልብና ኣይትንከፍንዶ፧ ብዛዕባ እቶም ህዝቢ፡ “በሊዖም ጸገቡ” ኸም እተባህለ ነስተብህል። እዚ ኸኣ ኣኺሉ ዝተረፍ ምግቢ ኸም ዝነበረ እዩ ዚሕብር። የሱስ ነቶም ህዝቢ ዚጥዕምዎ እንጌራ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነዊሕ ጕዕዞ ተጓዒዞም ናብ ቤቶም ንምምላስ ዜኽእሎም ምግቢ እዩ ቐሪቡሎም። (ሉቃ. 9:10-17) እቲ ምግቢ ተሪፉስ፡ 12 መሶብ ምሉእ እውን ተላዒሉ እዩ።

10. ኣብዚ ቐረባ ግዜ ድኽነት እንታይ እዩ ኪኸውን፧

10 ሎሚ ብሰንኪ ዘይፍትሓዊ ኣገዛዝኣ፡ ብኣማእታት ሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት፡ ዜድልዮም መሰረታዊ ነገራት ኣይረኽቡን እዮም ዘለዉ። ገለ ኻብ ኣሕዋትና እውን ከይተረፈ፡ ድራር ዕለቶም እኳ እንተ ዘይሰኣኑ፡ ምሉእ ብምሉእ ግና ‘ኣይጸግቡን’ እዮም። ይኹን እምበር፡ እዙዛት ደቂ ሰብ ካብ ብልሽውናን ድኽነትን ናጻ ኣብ ዝዀነት ዓለም ተሓጒሶም ዚነብሩሉ እዋን ኪመጽእ ቀሪቡ እዩ። ዓቕሚ እንተ ዚህልወካ ነይሩ፡ ንደቂ ሰብ ዜድልዮም ነገራት ብምሃብ ኣይመዕገብካዮምንዶ፧ እቲ ዅሉ ዚኽእል የሆዋ ኸምዚ ንምግባር ዜኽእል ዓቕሚ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ድሌት እውን ኣለዎ። ነዚ ኸኣ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኺፍጽሞ እዩ።—መዝሙር 72:16 ኣንብብ።

11. ክርስቶስ ንሓይሉን ክእለቱን ኣብ መላእ ምድሪ ኺጥቀመሉ ምዃኑ ዜእምነካ እንታይ እዩ፧ እንታይ ክትገብርከ ኢኻ እትድረኽ፧

11 የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ብተዛማዲ ንእሽቶ ኣብ ዝዀነ ኽሊ እሞ ኸኣ ንእተወሰነ እዋን፡ ማለት ንሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ጥራይ እዩ ዓይዩ። (ማቴ. 15:24) ሕጂ ግና ንጉስ ኰይኑ ይገዝእ ስለ ዘሎ፡ ድሕሪ ቐረባ ግዜ ኽሊ ግዝኣቱ ኽሳብ ኣርባዕተ ዅርናዓት ምድሪ ኺዝርጋሕ እዩ። (መዝ. 72:8) የሱስ በቲ ዝፈጸሞ ተኣምራት፡ ክእለት ከም ዘለዎን ንኽእለቱ ድማ ንጥቕምና ኼውዕሎ ኸም ዚደልን እምንቶ የሕድረልና። ንሕና ተኣምራት ክንፍጽም ዘይንኽእል እኳ እንተ ዀንና፡ ኣቓልቦ ሰባት ናብቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቓል ኣምላኽ ከም ዚስሓብ ክንገብር ግና ንኽእል ኢና። ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዜሕጕስ ግዜ ኸም ዚመጽእ የረጋግጸልና እዩ። ርእስና ዝወፈና ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ምዃንና መጠን፡ ነዚ ንመጻኢ ዚምልከት ቀሲምናዮ ዘሎና ኽቡር ፍልጠት ንሰባት ክንነግሮም ዕዳ ኸም ዘሎና ዀይኑ ኣይስምዓናንዶ፧ (ሮሜ 1:14, 15) ብዛዕባ እዚ ነስተንትን እንተ ዄንና፡ ንሰባት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክንነግሮም ክንድረኽ ኢና።—መዝ. 45:1፣ 49:3

ንባህርያዊ ሓይልታት ምድሪ ምቍጽጻር

12. የሱስ ብዛዕባ ኢኮሎጂ ምድሪ ኣጸቢቑ ኸም ዚፈልጥ ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

12 ኣምላኽ ምስቲ ኽኢላ “ሰራሕተኛ” ዝነበረ ሓደ ወዱ ዀይኑ፡ ምድርን ኣብኣ ዘሎ ነገራትን ፈጢሩ እዩ። (ምሳ. 8:22, 30, 31፣ ቈሎ. 1:15-17) የሱስ ብዛዕባ ኢኮሎጂ ምድሪ ኣጸቢቑ ይፈልጥ እዩ። ንሃብቲ ምድሪ ብኸመይ ከም ዚጥቀመሉን ብኸመይ ከም ዜመሓድሮን ብምዕሩይን ብግቡእን ብኸመይ ከም ዚዝርግሖን ይፈልጥ እዩ።

እቲ የሱስ ተኣምራት ኪፍጽም ከሎ ንሓይሉ እተጠቕመሉ መገዲ እንታይ ጦብላሕታ ኣሕዲሩልካ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 13, 14 ርአ)

13, 14. ክርስቶስ ንባህርያዊ ሓይልታት ብኸመይ ኪቈጻጸሮ ኸም ዚኽእል ዜርኢ ኣብነት ሃብ።

13 የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፡ ንባህርያዊ ሓይልታት ብምቍጽጻር፡ ንሱ ባዕሉ “ሓይሊ ኣምላኽ” ምዃኑ ኣርእዩ እዩ። ንህይወት ደቀ መዛሙርቱ ዜስግእ ህቦብላ ንፋስ ምስ ኣጋጠመ፡ የሱስ ብኸመይ ከም እተቘጻጸሮ እሞ ንመርምር። (ማርቆስ 4:37-39 ኣንብብ።) ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር ከም ዝገለጾ፡ “እታ [ኣብ ማርቆስ 4:37 “ህቦብላ ንፋስ” እተተርጐመት] ናይ ግሪኽኛ ቓል ንሓደ ብርቱዕ ህቦብላ እያ እተመልክት። ንቕልል ዝበለ ጸፍዒ እተመልክት ኣይኰነትን . . . ግናኸ፡ ካብቲ ብርቱዕ ጸፍዕታት ዚርኣየሉ ነጐዳን በርቅን ዘለዎ ጸልማት ደመና ሰንጢቑ ዝመጸ፡ ዜዕለቕልቕ ዝናም እተሓወሶ፡ ንዅሉ ነገራት ከኣ ዚገላብጥ ህቦብላ እያ እተመልክት።” ማቴዎስ ነዚ ህቦብላ ንፋስ እዚ፡ ‘ኣመና ዜናውጽ’ ከም ዝዀነ ገይሩ ገሊጽዎ ኣሎ።—ማቴ. 8:24

14 ነዚ ዚስዕብ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ፦ ክርስቶስ ኣብ ኣገልግሎት ብዙሕ ድሕሪ ምዕያዩ ደኺሙ ነበረ። ማዕበል ነታ ጃልባ ብማይ ይግጭባን የላኽዓን ነበረ። የሱስ ግና ብድምጺ እቲ ህቦብላን ብምንዋጽ እታ ጃልባን ከይተረበሸ ደቂሱ ነበረ። ሰብነቱ ዕረፍቲ የድልዮ ነበረ። እቶም ፈሪሆም ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቱ፡ ካብ ድቃሱ ኣበራቢሮም፡ “ጠፋእና” በልዎ። (ማቴ. 8:25) የሱስ ተንሲኡ ንንፋስን ንባሕርን “ዝግ በል! ህዳእ!” ብምባል ኣዘዞ። ሽዑ እቲ ብርቱዕ ንፋስ ኣቋረጸ። (ማር. 4:39) ስለዚ፡ የሱስ ንንፋስን ንባሕርን ኪሃድእን ዝግ ኢሉ ኺጸንሕን እዩ ዚእዝዞ ነይሩ። ውጽኢቱኸ እንታይ ኰነ፧ “ዓብዪ ህድኣት እውን ኰነ።” እዝስ የሱስ ዘርኣዮ ኸመይ ዝበለ ሓይሊ ዀን እዩ!

15. እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ንባህርያዊ ሓይልታት ኪቈጻጸሮ ኸም ዚኽእል ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

15 ምንጪ ሓይሊ ክርስቶስ፡ የሆዋ ስለ ዝዀነ፡ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ንባህርያዊ ሓይልታት ምሉእ ብምሉእ ኪቈጻጸሮ ኸም ዚኽእል ክንተኣማመን ንኽእል ኢና። ሒደት ኣብነታት እስከ ንርአ። የሆዋ ቕድሚ ማይ ኣይሂ፡ “ድሕሪ ሾብዓተ መዓልቲ ኣነ ኣብ ምድሪ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ከዝንም እየ” በለ። (ዘፍ. 7:4) ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ዘጸኣት 14:21፡ ‘የሆዋ ነቲ ባሕሪ ለይቲ ብምልእታ ብብርቱዕ ንፋስ ምብራቕ ከም ዘልገሶ’ ተገሊጹ ኣሎ። ኣብ ዮናስ 1:4 እውን፡ “እግዚኣብሄር ድማ ናብቲ ባሕሪ ህቦብላ ንፋስ ሰደደ፡ እታ መርከብ ክትስበር ክሳዕ እትቐርብ፡ ኣብቲ ባሕሪ ብርቱዕ ማዕበል ኰነ” ዚብል ነንብብ ኢና። የሆዋ ኣብ ሓዳስ ዓለም ንባእታታት ወትሩ ኺቈጻጸሮ ምዃኑ ምፍላጥና ብሓቂ ዜጸናንዕ እዩ።

16. ፈጣሪናን እቲ በዅሪ ወዱን ንባህርያዊ ሓይልታት ኪቈጻጸርዎ ኸም ዚኽእሉ ምፍላጥና ዜጸናንዓና ስለምንታይ እዩ፧

16 ብዛዕባ እቲ ፈጣሪናን እቲ ኽኢላ ሰራሕተኛኡን ዘለዎም ዜደንቕ ሓይሊ ኽንሓስብ ከለና ንጸናናዕ ኢና። ኣብተን ናይ 1,000 ዓመት ግዝኣት ክርስቶስ፡ የሆዋን የሱስን ምሉእ ኣቓልቦኦም ናብ ምድሪ ምስ ገበሩ፡ ኵሉ ሰብ ብደሓን ኪነብር እዩ። ዜሰቅቕ ባህርያዊ ሓደጋታት፡ ነበረያ ነበረ ዀይኑ ኺተርፍ እዩ። ኣብ ሓዳስ ዓለም ብኸም ታይፉን፡ ሱናሚ፡ እሳተ ጎመራ፡ ወይ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝኣመሰለ ባህርያዊ ሓደጋታት እንፈርሃሉ ምኽንያት ኣይኪህሉን እዩ። ሽዑ “ድንኳን ኣምላኽ ምስ ሰብ” ስለ ዚኸውን ብባህርያዊ ሓይልታት ዚመውት ወይ ዚስንክል ኣይኪህሉን እዩ። (ራእ. 21:3, 4) እቲ ብክርስቶስ ኣቢሉ ዚዓዪ ሓይሊ ኣምላኽ፡ ኣብቲ ሽሓዊ ግዝኣት ንባህርያዊ ሓይልታት ከም ዚቈጻጸሮ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።

ንኣምላኽን ንክርስቶስን ምሰሎም

17. ሓደ ኻብቲ ሎሚ ንኣምላኽን ንክርስቶስን ክንመስለሉ እንኽእል መገዲ እንታይ እዩ፧

17 ንባህርያዊ ሓደጋታት ኪቈጻጸርዎ ዚኽእሉ የሆዋን የሱስን ጥራይ ምዃኖም ፍሉጥ እዩ። ንሕና ግና ኸምኡ ኽንገብር ኣይንኽእልን ኢና። ይኹን እምበር፡ ብእተወሰነ ደረጃ ሓይሊ ኣሎና። እሞኸ ብኸመይ ኢና እንጥቀመሉ፧ ነቲ ኣብ ምሳሌ 3:27 ዘሎ ቓላት ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ ንኽእል ኢና። (ኣንብብ።) ኣሕዋትና ጸገማት ኬሕልፉ ኸለዉ፡ ብኣካላውን ብስምዒታውን ብመንፈሳውን መዳያት ክንሕግዞምን ከነጸናንዖምን ንኽእል ኢና። (ምሳ. 17:17) ንኣብነት፡ ብባህርያዊ ሓደጋታት ጸገማት እንተ ኣጋጢምዎም፡ ናብ ንቡር ንኺምለሱ ኽንሕግዞም ንኽእል ኢና። ሓንቲ መበለት፡ ቤታ ማይ ብእተሓወሶ ህቦብላ ምስ ዓነወ፡ ብዛዕባ እተገብረላ ነገራት ከምዚ ብምባል ልባዊ ሞሳኣ ገለጸት፦ “ኣብ ውድብ የሆዋ ብምህላወይ ኣዝየ እየ ዘመስግን፣ ከመይሲ፡ ስጋዊ ሓገዝ ጥራይ ዘይኰነስ፡ መንፈሳዊ ሓገዝ እውን ተገይሩለይ እዩ።” ሓንቲ ንጽል ሓብቲ፡ ቤታ ብህቦብላ ምስ ዓነወ፡ ጽልምት ኢልዋን እትገብሮ ሓርቢትዋን ነበረ። ሓገዝ ምስ ተገብረላ ድማ፡ “ብቓላት ዚግለጽ ኣይኰነን! ስምዒተይ ምሉእ ብምሉእ ኪገልጾ ኣይክእልን እየ። . . . የሆዋ፡ አመስግነካ” በለት። ኣብ መንጎ እቶም ንኻልኦት ዜድልዮም ነገራት ካብ ልቢ ዚሓልዩ ኣሕዋት ምህላውና የሐጕሰና እዩ። የሆዋን የሱስ ክርስቶስን ንህዝቢ ኣምላኽ ብሓቂ ዚሓልዩሎም ምዃኖም ምፍላጥና ኸኣ ብዝያዳ የሐጕሰና እዩ።

18. ብዛዕባ እቲ የሱስ ተኣምራት ንኺፍጽም ዚድርኾ ዝነበረ ምኽንያት ምፍላጥካ እንታይ ጦብላሕታ ኣሕዲሩልካ፧

18 የሱስ ኣብ ግዜ ኣገልግሎቱ፡ ንሱ ባዕሉ “ሓይሊ ኣምላኽ” ምዃኑ ኣረጋጊጹ እዩ። ስለምንታይ እዩ ተኣምራት ዚገብር ነይሩ፧ ነዚ ኽእለት እዚ፡ ንኻልኦት ንምምሳጥ ወይ ንጥቕሚ ርእሱ ኣይተጠቕመሉን። እኳ ደኣስ፡ በቲ ዝገበሮ ተኣምራት ንደቂ ሰብ ፍቕሪ ኸም ዘለዎ እዩ ኣርእዩ። ነዚ ኸኣ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ክንርእዮ ኢና።