ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንጹሃት ኴንና ኽንነብር ንኽእል ኢና

ንጹሃት ኴንና ኽንነብር ንኽእል ኢና

“ኣእዳውኩም ኣጽርዩ፣ . . . ልብኹም ኣንጽሁ።” —ያእ. 4:8

1. ኣብ ዓለም ንቡር ኰይኑ ዘሎ እንታይ እዩ፧

እዛ እንነብረላ ዘለና ዓለም ኣዝያ ረኺሳ እያ ዘላ። ንኣብነት፡ ኣብ ሓያሎ ሃገራት፡ ግብረ ሰዶምን ካብ መርዓ ወጻኢ ዚግበር ጾታዊ ርክብን ከም ንቡር እዩ ዚርአ። እዚ ኣነባብራ እዚ ኣብ ረክላማትን ኣብ መዘናግዕን እውን ከይተረፈ ይቐርብ እዩ። (መዝ. 12:8) ርኽሰት ኣዝዩ ኣስፋሕፊሑ ብምህላዉ፡ ‘ንጹህ ኴንካ ኽትነብርሲ ብሓቂዶ ይከኣል እዩ፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን። ግናኸ፡ ኣፍና መሊእና፡ ‘እወ፡ ክርስትያናት ብሓገዝ የሆዋ ንጹሃት ኰይኖም ኪነብሩ ይኽእሉ እዮም’ ኢልና ኢና እንምልስ።—1 ተሰሎንቄ 4:3-5 ኣንብብ።

2, 3. (ሀ) ንርኹስ ትምኒት ክንቃለሶ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

2 ንጹሃት ኴንና ምእንቲ ኽንነብር ግና፡ ብቐዳምነት ርኹስ ትምኒት ከነወግድ ከም ዘሎና ክንግንዘብ ኣሎና። ልክዕ ከምቲ መህረሪ ዘለዎ ዓንቃሪቦ ንሓደ ዓሳ ዚስሕቦ፡ ብዕሉግ ሓሳባትን ርኹስ ትምኒትን እውን ብኡብኡ እንተ ዘይነጺግናዮ፡ ኪስሕበናን ኬስድዓናን ናብ ርኹስ ተግባራት ኪመርሓናን ይኽእል እዩ። ሓደ ኣገልጋሊ የሆዋ እውን ከይተረፈ፡ ኣብዚ ደረጃ እዚ እንተ በጺሑ፡ ኣጋጣሚ ኺረክብ ከሎ ትምኒቱ ንኺፍጽም ድሕር ኣይብልን እዩ። እወ፡ “ትምኒት . . . ንሓጢኣት ትወልዶ” እያ።—ያእቆብ 1:14, 15 ኣንብብ።

3 ሕማቕ ትምኒት ኣብ ልብና ኺጥጥዕ ስለ ዚኽእል፡ ብዛዕባ እቲ እንምነዮ ነገራት ኣዚና ኽንጥንቀቕ የድሊ። ርኹስ ትምኒት ሱር ቅድሚ ምስዳዱ እንተ ኣወጊድናዮ፡ ኣብ ርኹስ ተግባራት ካብ ምውዳቕን ነቲ መሪር ሳዕቤኑ ኻብ ምዕጻድን ክንስተር ከም እንኽእል ምፍላጥና ግና ብሓቂ ዜጸናንዕ እዩ። (ገላ. 5:16) ቀጺልና፡ ንርኹስ ትምኒት ክንቃለሶ ዚሕግዘና ሰለስተ ነገር እስከ ንምርምር፦ (1) ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ፡ (2) ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘሎ ምኽሪ፡ (3) ካብ ብሱላት ክርስትያን ብጾትና እንረኽቦ ሓገዝ።

“ንኣምላኽ ቅረብዎ”

4. ንየሆዋ ኽንቀርቦ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

4 መጽሓፍ ቅዱስ ነቶም ‘ንኣምላኽ ኪቐርብዎ’ ዚደልዩ ሰባት፡ “ኣእዳውኩም ኣጽርዩ፣ . . . ልብኹም ኣንጽሁ” ዚብል ንጹር መምርሒ እዩ ዚህቦም። (ያእ. 4:8) ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ኣኽቢርና ንርእዮ እንተ ዄንና፡ ብዅሉ መዳያት ህይወትና፡ እንተላይ ብሓሳባትና ኸነሐጕሶ ኽንጽዕር ኢና። ንጹህ ዘበለን ሕያውነት ዘበለን ዚንኣድ ዘበለን ንሓስብ እንተ ዄንና፡ ‘ንጹህ ልቢ’ ኺህልወና ኢና እንምነ። (መዝ. 24:3, 4፣ 51:6፣ ፊል. 4:8) የሆዋ፡ ዘይፍጹማት ምዃንና ኣብ ግምት የእቱ እዩ። ሕማቕ ትምኒት ክንምነ ኸም እንኽእል እውን ይፈልጥ እዩ። ይኹን እምበር፡ ሕማቕ ሓሳባት ምስ መጽኣና ኣብ ክንዲ እንነጽጎ፡ ሱር ኪሰድድ ንሓድጎ እንተ ዄንና፡ የሆዋ ኸም ዚጕሂ ንፈልጥ ኢና። (ዘፍ. 6:5, 6) ነዚ ኣርዚንና ምስ እንሓስበሉ፡ ንሓሳባትና ወትሩ ንጹህ ክንገብሮ ኽንቈርጽ ኢና።

5, 6. ርኹስ ትምኒት ንምውጋድ ኣብ እንገብሮ ቓልሲ፡ ጸሎት ብኸመይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

5 ኣብ የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ከም እንውከል እነረእየሉ ኣገዳሲ መገዲ፡ ብዛዕባ ርኹስ ነገራት ንኸይንሓስብ ኣብ እንገብሮ ቓልሲ ምእንቲ ኽንዕወት ናብኡ ብጸሎት ምቕራብ እዩ። ንየሆዋ ብጸሎት ምስ እንቐርቦ፡ ንሱ እውን ይቐርበና እዩ። መንፈስ ቅዱሱ ብልግሲ ይህበና፡ ብዛዕባ ርኹስ ነገራት ንኸይንሓስብን ንጹሃት ኴንና ንኽንነብርን ንዝገበርናዮ ቘራጽነት ከኣ የደልድለልና እዩ። ስለዚ፡ ብሓሳባት ልብና ኸነሐጕሶ ልባዊ ድሌት ከም ዘሎና ንኣምላኽ ነፍልጦ። (መዝ. 19:14) ናብ ሓጢኣት ኪመርሓና ዚኽእል “መገዲ ዓመጻ”—ዝዀነ ይኹን ሓማቕ ሓሳባት ወይ ዝንባለ—እንተ ኣልዩና ኺምርምረና ብትሕትና ንሓትቶ ዲና፧ (መዝ. 139:23, 24) ፈተና ኼጋጥመና ኸሎ ንጽህናና ንኽንሕሉ ምእንቲ ኺሕግዘና፡ ኣዘውቲርና ንልምኖ ዲና፧—ማቴ. 6:13

6 ኣተዓባብያና ወይ ቀደም ዝነበረና ጠባይ፡ የሆዋ ንዚዅንኖ ልምድታት ከም እንፈቱ ገይሩና ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብዚ ዅነታት እዚ እውን እንተ ዀነ፡ ወትሩ ብቕቡል መገዲ ምእንቲ ኸነገልግሎ፡ ኣድላዪ ለውጢ ኽንገብር ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ንጉስ ዳዊት ብዛዕባ እዚ ተገንዚቡ ነይሩ እዩ። ከመይሲ፡ ምስ ባትሴባ ዝሙት ድሕሪ ምፍጻሙ፡ ንየሆዋ፡ “ጽሩይ ልቢ ፍጠረለይ፡ ጽኑዕ መንፈስ ከኣ ኣብ ውሽጠይ ሐድስ” ብምባል ለመኖ። (መዝ. 51:10, 12) ብዛዕባ ርኹስ ነገራት ንኽንሓስብ ብርቱዕ ውሽጣዊ ድፍኢት እንተ ኣሎና እውን ከይተረፈ፡ የሆዋ ፍቓደኛ መንፈስ ኪህበና፡ ማለት ንኽንእዘዝ ድሌት ኬሕድረልና ይኽእል እዩ። ሕማቕ ትምኒት ሱር እኳ እንተ ሰደደ፡ ነቲ ንጹህ ሓሳባትና እውን እንተ ዓብለሎ፡ የሆዋ ግና ትእዛዛቱ ኽንሕሉን ኣብ ህይወትና ብእኡ ኽንመላለስን ምእንቲ ኽንክእል፡ ንስጕምትታትና ኼጽንዐን ወይ ኪመርሐን ይኽእል እዩ። እወ፡ ንሓሳባትና ኽንቈጻጸር ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።—መዝ. 119:133

ሕማቕ ትምኒት ኣብ ልብና ኺበቍልን ሱር ኪሰድድን እንተ ጀሚሩ፡ ክንምሕዎ ኣሎና (ሕጡብ ጽሑፍ 6 ርአ)

“ገበርቲ ቓል ኩኑ”

7. ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ ርኹስ ነገራት ከይንሓስብ ኬዕቝበና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

7 የሆዋ በቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ ነቲ ሓገዙ ንምርካብ እነቕርቦ ጸሎት ኪምልሰልና ይኽእል እዩ። እታ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘላ ጥበብ፡ “ቅድሚ ዅሉ ንጽህቲ እያ።” (ያእ. 3:17) መጽሓፍ ቅዱስ መዓልቲ መዓልቲ ነንብብን ብዛዕባ እቲ ዘንበብናዮ ነስተንትንን እንተ ዄንና፡ ብዛዕባ ርኹስ ነገራት ንኸይንሓስብ ንሓሳባትና ኺሕልዎ ይኽእል እዩ። (መዝ. 19:7, 11፣ 119:9, 11) ብተወሳኺ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ርኹስ ነገራት ከይንምነ ኺሕግዘና ዚኽእል ኣብነታትን ንጹር ምኽርን ሒዙልና ኣሎ።

8, 9. (ሀ) ንሓደ ጐበዝ ናብ ምንዝር ዝመርሖ እንታይ እዩ ኪኸውን ዚኽእል፧ (ለ) ነቲ ኣብ ምሳሌ ምዕራፍ 7 ዘሎ መጠንቀቕታ፡ ኣብዚ ግዜና ምስ ምንታይ ከነመሳስሎ ንኽእል፧

8 ኣብ ምሳሌ 5:8፡ “መገድኻ ኻብኣ [ካብ ኣመንዝራ ሰበይቲ] ኣርሕቕ፡ ናብ ደገ ቤታ ኣይትቕረብ” ዚብል ምኽሪ ተዋሂቡና ኣሎ። ነዚ ምኽሪ እዚ ዕሽሽ ምባል ብዛዕባ ዜስዕቦ ሓደጋ ኣብ ምሳሌ ምዕራፍ 7 ተገሊጹ ኣሎ። እታ ምዕራፍ እቲኣ፡ ብዛዕባ ሓደ ኣብ ጥቓ ቤት ኣመንዝራ ሰበይቲ ኺዛወር ዝወጸ ጐበዝ ትገልጽ። ለይቲ ኪኸውን ቀሪቡ ነበረ። ኣብ ኵርናዕ ጐደና፡ ሓንቲ ሰበይቲ ናብኡ ቐረበት፣ ኣከዳድናኣ ኸኣ ሰብነታ ዜርኢ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እታ ሰበይቲ ነቲ ጐበዝ ሓቘፈቶን ሰዓመቶን። እቲ ዜስድዕ ዘረባኣ ድማ ሓያል ትምኒት ኣለዓዓለሉ። ነቲ ትምኒት ኣየወገዶን፣ ሽዑ ምስኣ ጾታዊ ርክብ ፈጸመ። እቲ ጐበዝ ኣብ መጀመርታ ምንዝር ኪፍጽም ኢሉ ዝሃቀነ ኣይመስልን እዩ። ተመክሮ ዘይብሉን ዘየመዛዝንን እዩ ነይሩ። ጐዳኢ ሳዕቤን ከኣ ዓጸደ። ነቲ ሕማቕ ሳዕቤን ኣቐዲሙ ተረዲእዎ ነይሩ እንተ ዚኸውን፡ ካብታ ኣመንዝራ ምረሓቐ ነይሩ።—ምሳ. 7:6-27

9 ንሕናኸ ሓድሓደ ግዜ ኸምቲ ጐበዝ፡ ሰኣን ምምዝዛን፡ ሕማቕ ትምኒት ኬለዓዕለልና ኣብ ዚኽእል ሓደገኛ ዅነታት ንወድቕ ዲና፧ ንኣብነት፡ ለይቲ ብገሊኡ መስመር ተለቪዥን ዚመሓላለፍ መደባት፡ ርኹስ ነገራት ዜርኢ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ እንታይ ከም ዘሎ ንምርኣይ ኢልካ መስመራት ተለቪዥን ምቅይያር ሓደገኛ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ወይ ከኣ ኣብ ኢንተርነት ብዘይ ዕላማ ንዝመጸ ሊንክ ምጥዋቕ፡ ወይ ስእለ ጽዩፍ ክንርኢ ናብ ዚዕድም ወይ ካልእ ርኹስ ዕድመታት ናብ ዜቕርብ ቻት ሩም ወይ ወብ ሳይታት ምእታው ሓደገኛ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት፡ ሕማቕ ትምኒት ኬለዓዕለልናን ነቲ ንጹሃት ኴንና ንኽንነብር ዝገበርናዮ ቘራጽነት ኬዳኽሞን ይኽእል እዩ።

10. ምኵሻም ሓደገኛ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ኣብ ገጽ 13 ዘላ ስእሊ ርአ።)

10 መጽሓፍ ቅዱስ ንዓና ዚሕግዘሉ ኻልእ መገዲ ኸኣ፡ ምስ ኣንጻር ጾታ ኣብ ዘሎና ርክብ ብኸመይ ክንመላለስ ከም ዘሎና ምኽሪ ብምሃብ እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 5:2 ኣንብብ።) እዚ ምኽሪ እዚ፡ ምኵሻም ከነወግድ ከም ዘሎና ዚሕብር ምዃኑ ንጹር እዩ። ገሊኣቶም ከም ኣካላዊ ምልክታትን ኣጠማምታን ዝኣመሰለ ንኣንጻር ጾታ ፍቕርኻ እትገልጸሉ መገድታት ብኣካል ስለ ዘየተናኽፈካ፡ ጕድኣት ዘይብሉ ዀይኑ ይስምዖም። ግናኸ፡ ምኵሻም ርኹስ ሓሳባት ኬለዓዕልን ከቢድ ጾታዊ ርኽሰት ናብ ምፍጻም ኪመርሕን ይኽእል እዩ። ቅድሚ ሕጂ ተፈጺሙ እዩ፣ ብሕጂ እውን ኪፍጸም ይኽእል እዩ።

11. ዮሴፍ እንታይ ሰናይ ኣብነት እዩ ገዲፉልና፧

11 ዮሴፍ በዚ መዳይ እዚ ብጥበብ እዩ ተመላሊሱ። ሰበይቲ ጶጢፋር፡ ከተስድዖ ምስ ፈተነት፡ ዮሴፍ ንዅሉ ጻዕርታታ ነጸጎ። ንሳ ግና ኣይተሓለለትን። በብመዓልቱ ምስኣ ኺድቅስ ትዕድሞ ነበረት። (ዘፍ. 39:7, 8, 10) ብመሰረት ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር፡ ሰበይቲ ጶጢፋር ንዮሴፍ፡ ብኻልእ ኣዘራርባ፡ “ቀዳማይ ስጕምቲ ኺወስድ ምእንቲ ኽትደፋፍኦ፡ ‘ንቝሩብ እዋን ንበይንና ንኹን’” እያ እትብሎ ነይራ። ዮሴፍ ግና፡ ነቲ ዜስድዕ እማመታታ ኼተባብዕ ወይ ኪጻወር ኣይደለየን። ምስኣ ኺኳሸም ብዘይምድላዩ ድማ፡ ኣብ ልቡ ዝዀነ ይኹን ሕማቕ ትምኒት፡ ሱር ከም ዘይሰድድ ገበረ። ምስኣ ጾታዊ ርክብ ንኺገብር ከተገድዶ ምስ ፈተነት ከኣ፡ ዮሴፍ ቈራጽ ስጕምቲ ወሰደ። “ክዳኑ ኣብ ኢዳ ሐደገላ፡ ሀዲሙ ኸኣ ንግዳም ወጸ።”—ዘፍ. 39:12

12. ብዓይንና እንርእዮ ነገራት ንልብና ኺጸልዎ ኸም ዚኽእል ብኸመይ ንፈልጥ፧

12 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንልብና ናብ ሕማቕ ነገራት ምእንቲ ኸይመርሖ ንዓይንና ኽንሕልዎ ኸም ዘሎና እውን የጠንቅቐና እዩ። ዘዋሪት ዓይኒ፡ ሕማቕ ጾታዊ ትምኒት ከተለዓዕል ወይ ከተጐሃህር ትኽእል እያ። የሱስ፡ “ንሰበይቲ ብፍትወት ዚጥምታ ዅሉ፡ ብልቡ ድሮ ምስኣ ዘመወ” በለ። (ማቴ. 5:28) ንንጉስ ዳዊት እንታይ ከም ዘጋጠሞ ንዘክር። “ሓንቲ ሰበይቲ ማይ ክትሕጸብ ከላ፡ [ዳዊት] ኣብቲ ናሕሲ ዀይኑ ረአያ።” (2 ሳሙ. 11:2) ናብ ካልእ ግልጽ ኣይበለን፡ ንሓሳባቱ ኸኣ ኣይተቘጻጸሮን። ከምኡ ብዘይምግባሩ ድማ፡ ሰበይቲ ኻልእ ክነሳ፡ ተመነያ፡ ምስኣ ኸኣ ዝሙት ፈጸመ።

13. ‘ምስ ኣዒንትና ኺዳን ክንተኣታቶ’ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ እዚኸ እንታይ የጠቓልል፧

13 ንርኹስ ሓሳባት ምእንቲ ኽንቃለሶ፡ ከምቲ እቲ እሙን ዝነበረ እዮብ ዝገበሮ፡ ‘ምስ ኣዒንትና ኺዳን ክንተኣታቶ’ ኣሎና። (እዮ. 31:1, 7, 9) ኣዒንትና ንኽንቈጻጸርን ንኻልእ ሰብ ብርኹስ ህርፋን ንኸይንጥምትን ቈራጽ ውሳነ ኽንገብር ኣሎና። ከምዚ ዓይነት ውሳነ እንተ ጌርና፡ ጾታዊ ስምዒት ዜለዓዕል ምስሊ ኣብ ኮምፕዩተር፡ ኣብ ረክላም፡ ኣብ መጽሔት፡ ወይ ኣብ ካልእ ነገራት እንተ ርኢና፡ ብኡብኡ ናብ ካልእ ክንጥምት ኢና።

14. ካብቲ ንጹሃት ኴንና ንኽንነብር እተዋህበና ምኽሪ ብኸመይ ኢና ኽንጥቀም እንኽእል፧

14 ካብቲ ኽሳዕ ሕጂ እተመያየጥናሉ ነጥብታት፡ ሕማቕ ትምኒት ንምውጋድ ኣብ እትገብሮ ቓልሲ ብዝያዳ ኽትዓይየሉ ዜድልየካ መዳያት ከም ዘሎ እንተ ኣስተብሂልካ፡ ቈራጽ ስጕምቲ ውሰድ። ነቲ ካብ ግጉይ ተግባራት ክትርሕቕን ንጹህ ኴንካ ኽትነብርን ኪሕግዘካ ዚኽእል ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ምኽሪ ብፍታው ዕየየሉ።—ያእቆብ 1:21-25 ኣንብብ።

‘ንሽማግለታት ይጸውዕ’

15. ርኹስ ትምኒት ከነወግድ እንተ ኣሸጊሩና፡ ሓገዝ ክንሓትት ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

15 ርኹስ ጾታዊ ትምኒት ከነውግድ እንተ ኣሸጊሩና፡ ንክርስትያን ብጾትና ቐሪብና ምስ እነዘራርቦም ኪሕግዙና ይኽእሉ እዮም። ከምዚ ዝኣመሰለ ብሕታዊ ጕዳያት ምስ ካልእ ሰብ ምምይያጥ ቀሊል ከይከውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ሓደ ብሱል ክርስትያን ብለውሃት ንኺከታተለና ርእስና ምስ እነቕርብ፡ ንሕማቕ ትምኒት ንኸይነመሳምሰሉ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ። (ምሳ. 18:1፣ እብ. 3:12, 13) ንሓደ ብሱልን መንፈሳዊ ብቕዓት ዘለዎን ክርስትያን ብዛዕባ ድኻማትና ምስ እነዛርቦ፡ ዘየስተብሃልናሉ ኣገዳሲ መዳያት ንኸነቕልብ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። እዚ ኸኣ ኣብ ፍቕሪ የሆዋ ንኽንጸንዕ ኪሕግዘና ዚኽእል ኣድላዪ ለውጥታት ክንገብር ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።

16, 17. (ሀ) ሽማግለታት ነቶም ርኹስ ትምኒት ኬወግዱ ዚቃለሱ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብኸመይ እዮም ኪሕግዝዎም ዚኽእሉ፧ ምሳሌ ሃብ። (ለ) እቶም ስእለ ጽዩፍ ዚርእዩ ዘበሉ፡ ቀልጢፎም ሓገዝ ኪደልዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምታይ እዩ፧

16 ብፍላይ ክርስትያን ሽማግለታት ኪሕግዙና ብቕዓት ኣለዎም። (ያእቆብ 5:13-15 ኣንብብ።) ኣብ ብራዚል ዚነብር ሓደ መንእሰይ፡ ሕማቕ ትምኒት ኬወግድ ንዓመታት ዚኣክል ይቃለስ ነበረ። “ሓሳባተይ ንየሆዋ የጕህዮ ኸም ዝነበረ እፈልጥ ነይረ እየ፣ ግናኸ ብዛዕባ ስምዒተይ ንኻልኦት ኬካፍሎም ኣዝዩ የሕፍረኒ ነበረ” ኸኣ በለ። እቲ ዜሐጕስ ግና፡ ኣብ ጉባኤኡ ዘሎ ሓደ ሽማግለ ተበግሶ ወሲዱ ቐረቦ እሞ፡ ሓገዝ ኪረክብ ኣተባብዖ። እቲ መንእሰይ፡ “እቲ ሽማግለታት ዘርኣዩኒ ለውሃት ደንጽዩኒ እዩ፣ ካብቲ ዚግብኣኒ ንላዕሊ ዝያዳ ለውሃትን ምስትውዓልን ዘርኣዩኒ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ። ንጸገማተይ ጽን ኢሎም ሰምዑኒ። መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሞም ከኣ የሆዋ ኸም ዜፍቅረኒ ኣረጋገጹለይ፣ ምሳይ ድማ ጸለዩ። እዚ ኸኣ ነቲ ዝሃቡኒ ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ብቐሊሉ ክቕበሎ ሓጊዙኒ እዩ” በለ። ድሕሪ ገለ ዓመታት፡ ጽቡቕ መንፈሳዊ ዕቤት ምስ ገበረ ድማ፡ “ጾርና በይንና ኽንስከሞ ኣብ ክንዲ እንፍትን፡ ሓገዝ ክንደሊ ኽሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ተገንዚበ እየ” በለ።

17 ርኹስ ትምኒት ንኸነሕድር ምኽንያት ዝዀነ፡ ስእለ ጽዩፍ ናይ ምርኣይ ርኹስ ልማድ እንተ ዀይኑ፡ ሓገዝ ኪውሃበና ኽንሓትት ኣገዳሲ እዩ። ሓገዝ ንምሕታት ብዝደንጐና መጠን፡ ‘ትምኒት ምስ ጠነሰት ንሓጢኣት ስለ እትወልዶ’ ብቐሊሉ ጾታዊ ርኽሰት ክንፍጽም ንኽእል ኢና። በዚ ኸምዚ ንኻልኦት ንጐድእ፡ ንስም የሆዋ ድማ ነጽርፍ። ሓያሎ ኣገልገልቲ ኣምላኽ፡ ንየሆዋ ኼሐጕስዎን ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኺነብሩን ስለ ዚደልዩ፡ ፍቕራዊ ሓገዝ ኪቕበሉ ተደሪኾም እዮም።—ያእ. 1:15፣ መዝ. 141:5፣ እብ. 12:5, 6

ንጹህ ኴንካ ንኽትነብር ቍረጽ

18. እንታይ ክትገብር ኢኻ ቘሪጽካ ዘለኻ፧

18 እዛ እንነብረላ ዘሎና ዓለም ብስነ ምግባር እናተበላሸወት ክትከይድ ከላ፡ የሆዋ፡ እቶም ውፉያት ኣገልገልቱ ሓሳባቶም ንጹህ ንምግባርን ነቲ ልዑል ስርዓታቱ ንምሕላውን ልባዊ ጻዕሪ ኺገብሩ ኺርኢ ከሎስ ኣየ ኽንደይ ኰን እዩ ዚሕበን! ሃየ እምበኣር፡ ነፍሲ ወከፍና ወትሩ ንየሆዋ ኽንቀርቦን ነቲ ብቓሉን ብክርስትያናዊት ጉባኤን ኣቢሉ ዚህበና መምርሒ ኽንቅበሎን ቈራጽነት ንግበር። ንጹሃት ኴንና ምንባርና፡ ሕጂ ዕግበትን ናይ ኣእምሮ ሰላምን ኬምጽኣልና እዩ። (መዝ. 119:5, 6) ኣብ መጻኢ ኸኣ፡ ሰይጣን ምስ ኣልገሰ፡ ካብቲ ርኹስ ጽላዋታቱ ናጻ ኣብ ዝዀነት ዓለም ንዘለኣለም ናይ ምንባር ፍሉይ መሰል ክንረክብ ኢና።