ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምስታ ኣብነት እትዀነና ጸሎት ተሰማሚዕካ ንበር—2ይ ክፋል

ምስታ ኣብነት እትዀነና ጸሎት ተሰማሚዕካ ንበር—2ይ ክፋል

“ኣቦኹም . . . ዜድልየኩም ይፈልጥ እዩ።”—ማቴ. 6:8

1-3. ሓንቲ ሓብቲ፡ የሆዋ ዜድልየና ዘበለ ኸም ዚፈልጥ ርግጸኛ ኽትከውን ዝኸኣለት ብኸመይ እያ፧

ላና ነቲ ብ2012 ሓደ መዓልቲ ኣብ ጀርመን ዘጋጠማ ነገር ፈጺማ ኣይትርስዖን እያ። እቲ ብንጹር ዝጸለየቶ ኽልተ ጸሎት እተመለሰ ዀይኑ እዩ ዚስምዓ። ነቲ ናይ መጀመርታ ጸሎታ፡ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ንምብጻሕ ነዊሕ መገዲ ብባቡር ክትጓዓዝ ከላ እያ ጸልያቶ። ምስክርነት ክትህብ ዜኽእላ መገዲ ምእንቲ ኪኸፍተላ ድማ ንየሆዋ ለመነቶ። ነቲ ኻልኣይ ጸሎታ ድማ ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ምስ በጽሐት እሞ እቲ ጕዕዞኣ ንጽብሒቱ ኸም እተሰጋገረ ምስ ተነግራ እያ ጸልያቶ። መብዛሕትኡ እቲ ዝነበራ ገንዘብ ከም እተወድአን እትሓድረሉ ቦታ ኸም ዘይብላን ብምጥቃስ ድማ እያ ጸልያ።

2 ገና ነቲ ኻልኣይ ጸሎታ ኸይዛዘመት ከላ፡ “ሰላም ላና፣ ኣብዚ ደኣ እንታይ ትገብሪ ኣለኺ፧” ዚብል ደሃይ ሰምዐት። እቲ ኸምኡ ዝበላ መንእሰይ፡ ቀደም መማህርታ ዝነበረ እዩ። ምስተን ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኼፋንዋኦ ዝመጻ ኣዲኡን ዓባዩን ድማ እዩ ነይሩ። እታ ኢልከ ዝስማ ኣደ እቲ መንእሰይ ብዛዕባ ዅነታት ላና ምስ ፈለጠት፡ ምስኣ ኽትሓድር ዓደመታ። ኢልከን ኣዲኣን ንላና ጽቡቕ ገይረን ኣአንገዳኣ፣ ብዛዕባ እምነታን ብዛዕባ እቲ ናይ ምሉእ ግዜ ወንጌላዊት ኰይና እትዓዮ ዕዮን ድማ ብዙሕ ሓተታኣ።

3 ንጽብሒቱ ዅላተን ጽቡቕ ቍርሲ ምስ በልዓ፡ ላና ንኢልከን ንኣዲኣን ተወሳኺ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ መለሰትለን፣ ነቲ ተገዳስነተን ብዝያዳ ምእንቲ ኸተዕብዮ ድማ ኣድራሻአን ተቐበለተን። ብደሓን ናብ ሃገራ ተመሊሳ ድማ፡ ስርዕቲ ፈላሚት ኰይና ተገልግል ኣላ። ‘እቲ ጸሎት ዚሰምዕ’ ኣምላኽ፡ ንዅሉ ነገራት ዘስለጦ ዀይኑ እዩ ዚስምዓ።—መዝ. 65:2

4. ብዛዕባ እንታይ ዜድልየና ነገራት ኢና ኽንምርምር፧

4 ብሃንደበት ጸገም ኬጋጥመና ኸሎ፡ ናብ የሆዋ ምጽላይ ኣይከብደናን እዩ፣ የሆዋ እውን ንልመና እሙናቱ ምስማዕ ባህ የብሎ እዩ። (መዝ. 34:15፣ ምሳ. 15:8) ይኹን እምበር፡ ብዛዕባ እታ ኣብነት እትዀነና ጸሎት እንተ ኣስተንቲንና፡ ቅድሚኡ ዘይነስተውዕለሉ ዝነበርና ብዝያዳ ዜድልየና ኻልእ ነገራት ነስተብህል ንኸውን። ንኣብነት፡ ኣብተን ሰለስተ ልመና እታ ኣብነት እትዀነና ጸሎት፡ ብመንፈስ ዜድልየና ነገራት ብኸመይ ከም እተገልጸ ኽንርኢ ኢና። ምስታ ንናይ ዕለት እንጌራና እትምልከት ራብዐይቲ ልመና ተሰማሚዕና ምእንቲ ኽንነብር፡ እንታይ ተወሳኺ ነገራት ክንገብር ንኽእል፧—ማቴዎስ 6:11-13 ኣንብብ።

“ናይ ዕለት እንጌራና ሎሚ ሃበና”

5, 6. ዚኣኽለና ስጋዊ ነገራት እናሃለወና ኽነሱ፡ ንየሆዋ ናይ ዕለት እንጌራና ኺህበና ምልማንና ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

5 እዚ ልመና እዚ፡ “ናይ ዕለት እንጌራይ” ኢልካ ዘይኰነስ፡ “ናይ ዕለት እንጌራና” ኢልካ ዚቐርብ ልመና ምዃኑ ኣስተብህል። ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዚነብር ቪክቶር ዝስሙ ሓላው ወረዳ፡ “ኣነን ሰበይተይን ብዛዕባ ዕለታዊ ምግብና ወይ ክራይ ገዛና ኣዚና ዘይጭነቕ ብምዃንና፡ ንየሆዋ ብተደጋጋሚ ኻብ ልበይ አመስግኖ እየ። ኣሕዋትና ብለውሃት ተደሪኾም በብመዓልቱ ይከናኸኑና እዮም። ኰይኑ ግና፡ እቶም ዚሕግዙና ኣሕዋት ነቲ ዜጋጥሞም ቍጠባዊ ጸቕጢ ምእንቲ ኪኽእልዎ እውን እጽሊ እየ” በለ።

6 ንብዙሕ መዓልትታት ዚኸውን እኹል ምግቢ እንተ ኣልዩና፡ ብዛዕባ እቶም ኣብ ድኽነት ዚነብሩ ወይ ከኣ ብባህርያዊ ሓደጋ እተጐድኡ ኣሕዋትና ኽንሓስብ ንኽእል ኢና። ነቶም ኣሕዋትና ኽንጽልየሎም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ምስ ጸሎትና ብዚሰማማዕ መገዲ እውን ስጕምቲ ኽንወስድ ኣሎና። ንኣብነት፡ ነቶም እተሸገሩ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ኻብቲ ዘሎና ኽንመቕሎም ንኽእል ኢና። ነቲ ዓለምለኻዊ ዕዮ እንገብሮ ውጽኢት ኣብ ጽቡቕ መዓላ ኸም ዚውዕል ስለ እንፈልጥ እውን፡ ኣዘውቲርና ውጽኢት ንገብር ኢና።—1 ዮሃ. 3:17

7. የሱስ ነታ “ብዛዕባ ጽባሕ ኣይትጨነቑ” እትብል ምኽሪ ንምግላጽ እንታይ ምሳሌ እዩ ተጠቒሙ፧

7 የሱስ ብዛዕባ ናይ ዕለት እንጌራና ኺዛረብ ከሎ፡ ነቲ ሽዑ ሽዑ ዜድልየና ነገራት እዩ ዜመልክት ነይሩ ዚኸውን። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ኣምላኽ ንዕምባባ መሮር ብኸመይ ከም ዚኸድኖ ኣስዕብ ኣቢሉ ገለጸ፣ “ኣቱም ጐደሎ ዝእምነቶም፡ ንዓኻትኩምዶ ግዳ ኣብሊጹ ኣይከድነኩምን፧ እምበኣር፡ . . . ‘እንታይ ንኽደን፧’ ኢልኩም ኣይትጨነቑ” በለ። ነታ፡ “ብዛዕባ ጽባሕ ኣይትጨነቑ” እትብል ኣገዳሲት ምኽሪ ብምድጋም ድማ ዘረባኡ ዛዘመ። (ማቴ. 6:30-34) እዚ ኸኣ፡ ደድሕሪ ፍቕረ ንዋይ ክንስዕብ ከም ዘይብልና፡ የግዳስ በቲ በብመዓልቱ ዜድልየና መሰረታዊ ነገራት ክንዓግብ ከም ዘሎና ዜርኢ እዩ። እንነብረሉ ቤት ኪህልወናን ስድራ ቤትና ንምእላይ ዜድልየና ስራሕ ክንረክብን ምስ ጉዳይ ጥዕና ዚተሓሓዝ ጥበባዊ ውሳነ ኽንገብርን ክንጽሊ ንኽእል ኢና። ኰይኑ ግና፡ ብዛዕባ እዚ እተጠቕሰ ብስጋ ዜድልየና ነገራት ጥራይ ንጽሊ እንተ ዄንና፡ ሚዛንና ስሒትና ኣለና ማለት እዩ። ከመይሲ፡ ካብኡ ንላዕሊ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ብመንፈስ ዜድልየና ነገራት ኣሎ።

8. የሱስ ብዛዕባ ናይ ዕለት እንጌራና ምጥቃሱ፡ ብዛዕባ ኣየናይ ብዝያዳ ዜድልየና ነገር እዩ ኼዘኻኽረና ዘለዎ፧ (ኣብ ገጽ 25 ዘላ ስእሊ ርአ።)

8 የሱስ ብዛዕባ ናይ ዕለት እንጌራና ምጥቃሱ፡ መንፈሳዊ ምግቢ እውን ከም ዜድልየና ኼዘኻኽረና ኣለዎ። ከመይሲ፡ ጐይታና የሱስ፡ “ሰብ ካብ ኣፍ የሆዋ ብዚወጽእ ኵሉ ቓል እምበር፡ ብእንጌራ ጥራይ ኣይነብርን” ኢሉ እዩ። (ማቴ. 4:4) ስለዚ፡ የሆዋ ብቐጻሊ እዋናዊ መንፈሳዊ ምግቢ ምእንቲ ኺምግበና፡ ኣዘውቲርና ኽንጽሊ ኣሎና።

“በደልና ሕደገልና”

9. በደልና ልክዕ ከም ‘ዕዳ’ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

9 የሱስ፡ “በደልና [“ዕዳና፡” እግረ ጽሑፍ] ሕደገልና” በለ። (ማቴ. 6:12፣ ሉቃ. 11:4) በደልና ልክዕ ከም ዕዳ እዩ። ልዕሊ 60 ዓመት ይገብር፡ እዛ መጽሔት እዚኣ ኸምዚ ዚስዕብ ዚብል ጽቡቕ ሓሳብ ሂባ ነይራ፦ “ሕጊ ኣምላኽ ክንጥሕስ ከለና እንፍጽሞ በደል፡ ንየሆዋ ሰብ ዕዳኡ እዩ ዚገብረና። . . . ኣምላኽ ብምኽንያት በደልና፡ ህይወትና ኬኽፍለና ይኽእል እዩ። . . . ሰላሙ ኻባና ኺወስድ፡ ማለት ነቲ ምስኡ ዘሎና ሰላማዊ ርክብ ኪበትኮ ይኽእል እዩ። . . . እዙዛት ብምዃን ክንከፍሎ ዚግብኣና ናይ ፍቕሪ ዕዳ ኣሎና፣ ክንብድል ከለና ድማ፡ ነቲ ናይ ፍቕሪ ዕዳ ኻብ ምኽፋል ኢና እነቋርጽ፣ ከመይሲ፡ ሓጢኣት፡ እታ ንኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ ኸም ዝነከየት ዜርኢ እዩ።”—1 ዮሃ. 5:3

10. የሆዋ ኣብ ምንታይ ተመስሪቱ እዩ በደልና ዚሓድገልና፧ ብዛዕባ እዚኸ እንታይ ኪስምዓና ኣለዎ፧

10 በብመዓልቱ ይቕረታ ዜድልየና ምዃኑ፡ ኣምላኽ ንበደልና ኺስርዞ ዚኽእል በቲ እንኮ ሕጋዊ መሰረት ዘለዎ መስዋእታዊ በጃ የሱስ ምዃኑ ዜጕልሕ እዩ። እዚ በጃ እዚ ኣስታት 2,000 ዓመት ይገብር እተኸፍለ እኳ እንተ ዀነ፡ ሎሚ መዓልቲ ኸም እተዋህበና ህያብ ጌርና ኣኽቢርና ኽንርእዮ ኣሎና። እቲ እተኸፍለልና “ጋር ነፍሲ” ወይ ዋጋ በጃ ህይወትና ‘ኣዝዩ ኽቡር’ ስለ ዝዀነ፡ ዝዀነ ይኹን ዘይፍጹም ሰብ ዚገብረልና ነገራት ኣይመዓራረዮን እዩ። (መዝሙር 49:7-9፣ 1 ጴጥሮስ 1:18, 19 ኣንብብ።) ስለዚ፡ ንየሆዋ ስለቲ ዓብዪ ህያቡ ወትሩ ኸነመስግኖ ኣሎና። ብዘይካዚ፡ እቲ “በደለይ” ዘይኰነስ፡ “በደልና” ዚብል ቃል፡ ንሕና ዀንና ኣሕዋትናን ኣሓትናን ምሕረት ከም ዜድልየና ኼዘኻኽረና ኣለዎ። ብንጹር እምበኣር፡ የሆዋ ብዛዕባ ናይ ገዛእ ርእስና መንፈሳዊ ድሕንነት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ ኻልኦት፡ እንተላይ ብዛዕባ እቶም ዝበደሉና እውን ክንግደስ ይደልየና እዩ። መብዛሕትኡ እዋን፡ እቲ ኻልኦት ዚብድሉና በደል ኣብ ግምት ዚኣቱ ስለ ዘይኰነ፡ በደሎም ክንሓድገሎም ከለና፡ ልክዕ ከምቲ ኣምላኽ ብምሕረት ተደሪኹ በደልና ዚሓድገልና፡ ንሕና እውን ንኣሕዋትና ኻብ ልቢ ኸነፍቅሮምን በደሎም ክንሓድገሎምን ዜኽእለና ኣጋጣሚ እዩ ዚኸፍተልና።—ቈሎ. 3:13

ኣምላኽ ንበደልካ ኺሓድገልካ እንተ ደሊኻ፡ ንስኻ እውን ንኻልኦት በደሎም ሕደገሎም (ሕጡብ ጽሑፍ 11 ርአ)

11. ንኻልኦት በደሎም ክንሓድገሎም ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

11 እቲ ዜሕዝን ግና፡ ዘይፍጹማት ስለ ዝዀንና፡ ሓድሓደ ሳዕ ንቕየም ኢና። (ዘሌ. 19:18) ነቲ ጕዳይ ኣብ ኵሉ ንነዝሖ እንተ ዄንና፡ ካልኦት ምሳና ኺውግኑ ይኽእሉ እዮም፣ ብሰንኩ ኸኣ ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ምጕጅጃል ኬጋጥም ይኽእል እዩ። ነቲ ጕዳይ ስቕ ኢልና እንተ ርኢናዮ ድማ፡ ንምሕረት ኣምላኽን ነቲ በጃን ሞሳ ኸም ዘይብልና ዜርኢ እዩ። ንኻልኦት በደሎም ዘይንሓድገሎም እንተ ዄንና፡ የሆዋ ኣቦና ብመሰረት መስዋእታዊ በጃ ወዱ ይቕረ ኣይብለልናን እዩ። (ማቴ. 18:35) የሱስ፡ እታ ኣብነት እትዀነና ጸሎት ደድሕሪ ምሃቡ፡ ነዚ ጕዳይ እዚ ኣጕሊሕዎ እዩ። (ማቴዎስ 6:14, 15 ኣንብብ።) ኣምላኽ ንበደልና ኺሓድገልና እንተ ደሊና፡ ብሓጢኣት ከይንመላለስ ክንጥንቀቕ ኣሎና። ከምኡ ኻብ ምግባር ክንርሕቕ ዘሎና ድሌት ድማ፡ ነቲ ቐጺሉ እተጠቕሰ ልመና ኸነቕርብ እዩ ዚድርኸና።—1 ዮሃ. 3:4, 6

“ኣብ ፈተና ኣይተእትወና”

12, 13. (ሀ) የሱስ ደድሕሪ ጥምቀቱ እንታይ ኣጋጠሞ፧ (ለ) ኣብ ፈተና እንተ ወዲቕና፡ ሓላፍነት ክንወስድ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ (ሐ) የሱስ ክሳዕ ሞት እሙን ብምዃን እንታይ እዩ ኣረጋጊጹ፧

12 የሱስ ደድሕሪ ጥምቀቱ ዘጋጠሞ ነገራት ምምርማርና፡ “ኣብ ፈተና ኣይተእትወና” ዚብል ልመና ኽሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ እዩ ዚሕብረና። የሱስ ብመንፈስ ኣምላኽ ተመሪሑ ናብ በረኻ ኸደ። ስለምንታይ፧ “ብድያብሎስ ምእንቲ ኺፍተን።” (ማቴ. 4:1፣ 6:13) እዚ ኼገርመና ይግባእዶ፧ ኣምላኽ ንወዱ ናብ ምድሪ ዝለኣኸሉ ቐንዲ ምኽንያት እንተ ተረዲኡና፡ ኣየገርመናን እዩ። እቲ ምኽንያት ድማ፡ ኣዳምን ሄዋንን ንልዑላውነት ኣምላኽ ምስ ነጸግዎ ንእተላዕለ ጕዳይ ንምድቃስ እዩ። ግዜ ዚምልሶ ሕቶታት ተላዒሉ ነይሩ እዩ። ንኣብነት፡ እቲ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ዝፈጠረሉ መገዲ ገለ ጕድለት ነይርዎዶ፧ ፍጹማት ደቂ ሰብ ካብቲ “እኩይ” ጸቕጢ እናኣጋጠሞም ክነሱ፡ ንልዑላውነት ኣምላኽ ኪድግፉ ይኽእሉ ድዮም፧ ከምቲ ሰይጣን ዝበሎ ድማ፡ ደቂ ሰብ ብዘይ ግዝኣት ኣምላኽ ንገዛእ ርእሶም ባዕሎም ኬመሓድሩዋ ይኽእሉ ድዮም፧ (ዘፍ. 3:4, 5) ነዚ ሕቶታት እዚ ንምምላስ፡ ግዜ የድሊ እዩ፣ ኰይኑ ግና፡ እቲ ሕቶታት ምሉእ ብምሉእ ምስ ተመለሰ፡ ኵሎም ኣስተውዓልቲ ፍጡራት፡ ኣገዛዝኣ የሆዋ ዝበለጸ ምዃኑ ኺርእዩ እዮም።

13 የሆዋ ቕዱስ ስለ ዝዀነ፡ ንዝዀነ ይኹን ሰብ እከይ ኪገብር ኣይፍትኖን እዩ። “እቲ ፈታኒ፡” ድያብሎስ እዩ። (ማቴ. 4:3) ድያብሎስ ፈታኒ ዅነታት ኪፈጥር ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ፡ ወይ በቲ ፈተና ናይ ምውዳቕ ወይ ከኣ ካብቲ ፈተና ናይ ምርሓቕ ምርጫ ኣለዎ። (ያእቆብ 1:13-15 ኣንብብ።) የሱስ ካብ ቃል ኣምላኽ ብምጥቃስ ንነፍሲ ወከፍ ፈተና ብኡብኡ ነጸጎ። በዚ ኸምዚ ድማ ንልዑላውነት ኣምላኽ ደገፈ። ሰይጣን ግና ተስፋ ኣይቈረጸን። “ምሹእ ግዜ ኽሳዕ ዚረክብ” ተጸበየ። (ሉቃ. 4:13) የሱስ ከኣ ነቲ ሰይጣን ንንጽህናኡ ንምብልሻው ዚገብሮ ዝነበረ ጻዕሪ ይነጽጎ ነበረ። ልዑላውነት የሆዋ ኣብ ጽድቂ እተመስረተ ምዃኑ ኣርኣየ፣ ፍጹማት ደቂ ሰብ፡ ከቢድ ፈተና ምስ ዜጋጥሞም እውን እንተ ዀነ እሙናት ከም ዚዀኑ ድማ ኣረጋገጸ። ይኹን እምበር፡ ሰይጣን ንዓኻ እውን ሓዊሱ፡ ንዅሎም ሰዓብቲ የሱስ ኣብ መጻወድያ ኼእትዎም ይፍትን እዩ።

14. ኣብ ፈተና ምእንቲ ኸይንኣቱ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

14 እቲ ንልዑላውነት ኣምላኽ ዚምልከት ጕዳይ ሕጂ እውን ይቕጽል ስለ ዘሎ፡ የሆዋ ነቲ ፈታኒ፡ በዛ ዓለም ተጠቒሙ ኺፍትነና ፈቒዱሉ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ኣምላኽ ኣብ ፈተና ኣየእትወናን እዩ። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ብኣና ይተኣማመንን ኪሕግዘና ይደልን እዩ። ይኹን እምበር፡ ነቲ ናይ ምምራጽ ናጽነትና ስለ ዜኽብሮ፡ ኣብ ፈተና ኸይንወድቕ ኣይዓግተናን እዩ፣ ኣብ ክንዳኡስ፡ ብምርጫና ንዕኡ እሙናት ክንከውን እዩ ዚደልየና። ንሕና ድማ ክልተ ነገር ክንገብር፡ ማለት ብመንፈስ ንቑሓት ክንከውንን ኣዘውቲርና ኽንጽልን ኣሎና። የሆዋ ንጸሎትና ዚምልሶ ግና ብኸመይ እዩ፧

መንፈሳውነትካን ንኣገልግሎት ዘሎካ ቕንኣትን ዓቅብ (ሕጡብ ጽሑፍ 15 ርአ)

15, 16. (ሀ) ገለ ኻብቲ ኽንቃወሞ ዘሎና ፈተናታት እንታይ እዩ፧ (ለ) ሓደ ሰብ ኣብ ፈተና እንተ ወዲቑ፡ ተሓታቲ መን እዩ፧

15 የሆዋ፡ ነቲ ዜጋጥመና ፈተና ንኽንቃወሞ ኼበራትዓናን ኪሕግዘናን ዚኽእል ሓያል መንፈስ ቅዱሱ ይህበና እዩ። ብቓሉን ብክርስትያናዊት ጉባኤን ኣቢሉ እውን፡ ብዛዕባ እቲ ኽንርሕቖ ዚግባእ ኵነታት የጠንቅቐና እዩ፣ እዚ ኸኣ ኣገዳሲ ኣብ ዘይኰነ ስጋዊ ነገራት ግዜኻን ገንዘብካን ጕልበትካን ምጥፋእ የጠቓልል። ኤስፐንን ያናን ኣብ ሓንቲ ብልጽግቲ ዝዀነት ሃገር ኤውሮጳ እዮም ዚነብሩ። ንብዙሕ ዓመታት ኣብቲ ዝያዳ ዓየይቲ ዜድልዩሉ ኽፋል ሃገሮም፡ ስሩዓት ፈለምቲ ዀይኖም ኣገልጊሎም እዮም። በዅሪ ወዶም ምስ ተወልደ ግና፡ ዕዮ ፈላምነት ኣቋረጹ፣ ሕጂ ኸኣ ጓል ወሊዶም እዮም። ኤስፐን፡ “ሕጂ ኸምቲ ቐደም እንገብሮ ዝነበርና ኣብ ቲኦክራስያዊ ንጥፈታት ብዝያዳ ኽንካፈል ስለ ዘይንኽእል፡ ኣብ ፈተና ኸይንወድቕ ናብ የሆዋ ኣዘውቲርና ንጽሊ ኢና። መንፈሳውነትና ኽንሕሉን ንኣገልግሎት ዘሎና ቕንኣት ክንዕቅብን ምእንቲ ኺሕግዘና ንየሆዋ ንልምኖ ኢና” በለ።

16 ሎሚ ኣዝዩ ዜስፋሕፍሕ ዘሎ ኻልእ ፈተና ድማ፡ ስእለ ጽዩፍ ምርኣይ እዩ። ኣብዚ ፈተና እዚ እንተ ወዲቕና፡ ንሰይጣን ተሓታቲ ኽንገብሮ ኣይንኽእልን ኢና። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ሰይጣን ኰነ እዛ ዓለም እዚኣ፡ ኣገዲዶም ገለ ነገር ከም እንፍጽም ኪገብሩና ኣይክእሉን እዮም። ገሊኦም ሰባት ኣእምሮኦም ብዛዕባ ሕማቕ ነገራት ኪሓስብ ብምፍቃድ፡ ኣብቲ ምስ ስእለ ጽዩፍ ዚተሓሓዝ ፈተና ወዲቖም እዮም። ንሕና ግና ልክዕ ከምቶም ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ኣሕዋትና፡ ነቲ ፈተና ኽንቃወሞ ንኽእል ኢና።—1 ቈረ. 10:12, 13

“ካብቲ እኩይ ኣድሕነና”

17. (ሀ) “ካብቲ እኩይ ኣድሕነና” ምስ ዚብል ልመና ተሰማሚዕና ኽንነብር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ለ) ድሕሪ ቐረባ እዋን እንታይ ዕረፍቲ ኢና ኽንረክብ፧

17 “ካብቲ እኩይ ኣድሕነና” ምስ ዚብል ልመና ተሰማሚዕና ኽንነብር እንተ ደሊና፡ ‘ካብዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ክንከውን’ የብልናን። ብዘይካዚ፡ ‘ንዓለም ወይስ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኽንፈቱ ኣይግብኣናን እዩ።’ (ዮሃ. 15:19፣ 1 ዮሃ. 2:15-17) ሓቂ እዩ፡ ከምኡ ምግባር ቀጻሊ ቓልሲ ዚሓትት እዩ። የሆዋ ንሰይጣንን ነዛ እክይቲ ዓለምን ብምጥፋእ ነቲ ልመናና ምስ መለሶ፡ ዕረፍቲ ኽንረክብ ኢና። ኰይኑ ግና፡ ሰይጣን ካብ ሰማይ ምስ ተደርበየ፡ ሓጺር እዋን ከም ዘለዎ ዚፈልጥ ምዃኑ ኣይንረስዕ። ኣዝዩ ስለ እተቘጥዐ፡ ንጽህናና ንምብልሻው ዘይገብሮ ነገር የልቦን። ስለዚ፡ ካብኡ ምእንቲ ኼድሕነና፡ ወትሩ ናብ የሆዋ ኽንጽሊ ኣሎና።—ራእ. 12:12, 17

18. ካብ ጥፍኣት እዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ምእንቲ ኽንድሕን፡ እንታይ ኢና ኣዘውቲርና ኽንገብር ዘሎና፧

18 እሞኸ ኣብታ ሰይጣን ዘይብላ ዓለም ክትነብር ትደሊዶ፧ ትደሊ እንተ ዄንካ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ንስም የሆዋ ኽትቅድሶን ፍቓዱ ኣብ ምድሪ ኸም ዚኸውን ክትገብርን ኣዘውቲርካ ጸሊ። ብመንፈስን ብስጋን ዜድልየካ ነገራት ምእንቲ ኼማልኣልካ፡ ንየሆዋ ለምኖ። እወ፡ ምስታ ኣብነት እትዀነና ጸሎት ተሰማሚዕካ ኽትነብር ወስን።