ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትዝክሮዶ፧

ትዝክሮዶ፧

ነቲ ኣብዚ ቐረባ እዋን ዝወጸ ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛ ብጥንቃቐ ኣንቢብካዮዶ፧ እስከ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ክትምልሶ ትኽእል እንተ ዄንካ ርአ፦

ክርስትያናት ናብ የሱስ ክርስቶስ ኪጽልዩ ይግብኦም ድዩ፧

ኣይፋሎምን። ከመይሲ፡ የሱስ ናብ የሆዋ ኽንጽሊ እዩ ምሂሩና፡ ናብ ኣቦኡ ብምጽላይ ድማ ኣብነት ሓዲጉልና እዩ። (ማቴ. 6:6-9፣ ዮሃ. 11:41፣ 16:23) በዚ ምኽንያት እዚ፡ እቶም ቀዳሞት ሰዓብቱ ናብ የሱስ ዘይኰነስ ናብ ኣምላኽ እዮም ጸልዮም። (ግብ. 4:24, 30፣ ቈሎ. 1:3)—1/1፡ ገጽ 14

በዓል ዝኽሪ ሞት የሱስ ንኸነኽብር ብብዓመቱ እንታይ ምድላው ክንገብር ንኽእል፧

ሓደ ኽንገብሮ እንኽእል ነገር፡ ምስቲ በዓል እተተሓሓዘ መደብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ምግባር እዩ። ኣብቲ እዋን እቲ ኣገልግሎትና ንኸነዛይድ እውን ጻዕሪ ኽንገብር ንኽእል ኢና። ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ዝሃበና ተስፋ ድማ ብጸሎት ኣቢልና ኽንሓስበሉ ንኽእል ኢና።—15/1፡ ገጽ 14-16

ክልተ ግብጻውያን እሱራት ንዮሴፍ፡ ንምርዳኡ ዜጸግም ሕልሚ ምስ ነገርዎ፡ መወዳእታኦም እንታይ ኰነ፧

ዮሴፍ ንኣሰላፍ ሜስ ፈርኦን ናብቲ ናይ ቀደም ስልጣኑ ኸም ዚምለስ ነገሮ። ነቲ ሰንካት እንጌራ ግና ትርጉም ሕልሙ፡ ፈርኦን ኣብ ዕንጨይቲ ሰቒሉ ኪቐትሎ ምዃኑ ነገሮ። ክልቲኡ ትርጉም እቲ ሕልሚ ኸኣ ተፈጺሙ እዩ። (ዘፍ 40:1-22)—1/2፡ ገጽ 12-14

ኣብ ጃፓን ዘለዉ ኣሕዋት እንታይ እተስደምም ውህበት እዮም ረኺቦም፧

ወንጌል ማቴዎስ ዝሓዘት ካብ ትርጉም ሓዳስ ዓለም እተወስደት ፍልይቲ ሕታም እዮም ረኺቦም። ኣብ ኣገልግሎት ትብርከት ኣላ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ርእዮም ብዘይፈልጡ ሓያሎ ሰባት ድማ ተቐባልነት ረኺባ እያ።—15/2፡ ገጽ 3

ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንኼስፋሕፍሕ ዝሓገዘ እንታይ ኵነታት እዩ ነይሩ፧

ኣብ ሮሜ ሰላም ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብዙሕ ግጭት ኣይነበረን። ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ ብጥጡሕ መገድታት ኪጕዓዙ ይኽእሉ ነይሮም እዮም። ቋንቋ ግሪኽ ብሰፊሑ እዩ ኣብ ጥቕሚ ዚውዕል ነይሩ፣ እዚ ኸኣ ነቶም ኣብቲ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ተበታቲኖም ዝነበረ ኣይሁድ እውን ከይተረፈ ንኺስበኸሎም ኣበርክቶ ገይሩ እዩ። ደቀ መዛሙርቲ ብዛዕባ እቲ ብስራት ንኺማጐቱ፡ ሕጊ ሮሜ ተጠቒሞም እዮም።—15/2፡ ገጽ 20-23

ናይ ሓቂ ክርስትያናት በዓል ትንሳኤ ዘየብዕሉ ስለምንታይ እዮም፧

የሱስ ክርስቶስ ንሰዓብቱ፡ ትንሳኤኡ ዘይኰነስ ሞቱ ኼብዕሉ እዩ ኣዚዝዎም። (ሉቃ. 22:19, 20)—1/3፡ ገጽ 8

ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ኣብ ጽሑፋትና፡ ሓደ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ጽላሎት ናይ ዚመጽእ ዝዓበየ ነገር ከም ዝዀነ ብዙሕ ዘይግለጽ ስለምንታይ እዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ገሊኦም ሰባት ጽላሎት ናይ ዝዓበየ ነገር ከም ዝዀኑ ይሕብር እዩ። ካብዚ ሓደ ኣብነት ኣብ ገላትያ 4:21-31 ተመዝጊቡ ይርከብ። ንጹር ዝዀነ ቕዱስ ጽሑፋዊ መሰረት እንተ ዘየልዩ ግና፡ ንሓደ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ምሳልያዊ ትርጉም ከም ዘለዎ ጌርና ኽንገልጾ የብልናን። ይኹን እምበር፡ ካብቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሱ ውልቀ ሰባትን ፍጻመታትን እንታይ ከም እንምሃር ክንርኢ እንኽእል ኢና። (ሮሜ 15:4)—15/3፡ ገጽ 17-18

ኣብ ግብጺ ኣብ ኵምራ ጐሓፍ እተረኽበ ጥንታዊ ቝራጽ ጳጲሮስ፡ ኣቃልቦ ዚስሕብ ስለምንታይ እዩ፧

ኣብ ዝሓለፈ ዘመን እተረኽበ ሓደ ቝራጽ፡ ክፋል ወንጌል ዮሃንስ ሒዙ ተረኺቡ እዩ። ካብቲ ዮሃንስ ነቲ መጽሓፉ ዝጸሓፈሉ እዋን ድሕሪ እተወሰነ ዓመታት ተጻሒፉ ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ ትሕዝቶ እቲ ቝራጽ ከኣ ንሓቅነት እቲ ኣብዚ ግዜና ዘሎ መጽሓፍ ቅዱስ ዜረጋግጽ እዩ።—1/4፡ ገጽ 10-11

ንሓደ ዘይተነስሐ ኣባሲ ምውጋድ፡ ፍቕራዊ መሰናድዎ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ረዚን ስጕምቲ ውገዳ ዜምጽኦ ጥቕሚ ይገልጽ። (1 ቈረ 5:11-13) ንስም የሆዋ የኽብሮ፡ ነታ ንጽህቲ ክርስትያናዊት ጉባኤ የዕቍባ፡ ነቲ ኣባሲ ኸኣ ናብ ልቡ ኸም ዚምለስ ኪገብሮ ይኽእል እዩ። —15/4፡ ገጽ 29-30