ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገበር | ንጭንቀትብኸመይ ክትዋጽኣሉ ትኽእል፧

ጭንቀት—ኣብ ኵሉ ቦታ

ጭንቀት—ኣብ ኵሉ ቦታ

“ምግቢ ኽዕድግ ከድኩ፡ ግናኸ ብሽኮቲ ጥራይ እየ ረኺበ፣ ንሱ እውን ካብቲ ናይ ሓቂ ዋጋኡ ብ10,000 ዕጽፊ ኸቢሩ ጸንሓኒ። ንጽብሒቱ እሞ ኸኣ ኣብ ኩለን ድኳናት ጥር እትብል ምግቢ እኳ ኣይነበረትን።”—ፖል፡ ዚምባብወ።

“ብዓል ቤተይ ኮፍ ኣቢሉ፡ ገዲፉና ይኸይድ ከም ዘሎ ነገረኒ። ነዚ ጥልመት እዚ ኸመይ ኢለ እየ ኽጾሮ ዝኽእል! ደቀይከ እንታይ እዮም ኪዀኑ፧”—ጃኔት፡ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ።

“እቲ ናይ መጠንቀቕታ ድምጺ ዜስምዕ ሲረና ምስ ኣእወየ፡ ንገዛእ ርእሰይ ከውሊ ንምርካብ ጐይየ፡ እቲ ተወንጫፊ ኺፍንጀር ከሎ ኣብ ባይታ በጥ በልኩ። ሰዓታት ጸኒሑ እውን ኣእዳወይ ገና የንቀጥቅጥ ነበረ።”—ኣሎና፡ እስራኤል።

ጭንቀት ኣብ ዝመልኦ “ጽንኩር ግዜ” ኢና እንነብር ዘለና። (2 ጢሞቴዎስ 3:1) ብዙሓት ሰባት ብሰንኪ ቝጠባዊ ቕልውላው፡ ምብትታን ስድራ ቤት፡ ውግእ፡ ቀታሊ ዝዀነ ተላባዒ ሕማማት ከምኡ እውን ብባህርያዊ ዀነ ሰብ ብዜምጽኦ ሓደጋታት ይናወጹ እዮም ዘለዉ። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ‘እዚ ኣብ ሰብነተይ ዚርአ ዘሎ ሕበጥ፡ ሕማም መንሽሮ ደዀን ይኸውን፧’ ‘ደቂ ደቀይ፡ ኣብ ከመይ ዝኣመሰለት ዓለም እዮም ኪዓብዩ፧’ ዚብልን ካልእ እተፈላለየ ብሕታዊ ጭንቀታትን ኣለዎም።

ኵሉ ዓይነት ጭንቀት ሕማቕ እዩ ማለት ኣይኰነን። ፈተና ቕድሚ ምፍታንና፡ ኣብ ቅድሚ ሰባት ወጺእና ምርኢት ቅድሚ ምቕራብና፡ ወይ ናይ ስራሕ ቃለ መጠይቕ ክንገብር ከሎና እተወሰነ ጭንቀት ይስምዓና እዩ። ንሓደጋ ዘሎና ግቡእ ፍርሂ እውን ካብ ዚጐድኣና ነገራት ንኽንርሕቕ ይሕግዘና እዩ። ይኹን እምበር፡ ካብ መጠን ንላዕሊ ወይ ብቐጻሊ ምጭናቕ ጐዳኢ እዩ። ኣብ ቀረባ ግዜ ንልዕሊ 68,000 ዚኣኽሉ ሰባት መጽናዕቲ ተገይሩሎም ነይሩ። እቲ መጽናዕቲ ኸም ዝገለጾ፡ ፈኲስ ጭንቀት እውን እንተ ዀነ ነቲ ቕድሚ ግዜኻ ናይ ሙማት ተኽእሎ የዛይዶ እዩ። የሱስ፡ “ካባኻትኩምከ ተጨኒቑ ኣብ ዕምሩ ሓንቲ እመት ኪውስኽ ዚኽእል መን ኣሎ፧” ብምባል ምኽንያታዊ ሕቶ ሓተተ። ብርግጽ እምበኣር፡ ምጭናቕ ንዕምሪ ዝዀነ ይኹን ሰብ ኣየናውሕን እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ እዩ የሱስ፡ “ኣይትጨነቑ” ዚብል ምኽሪ ዝሃበ። (ማቴዎስ 6:25, 27) እዚ ግና ብኸመይ እዩ ዚከኣል፧

እቲ መልሲ፡ ንግብራዊ ዝዀነ ጥበብ ምትግባር፡ ኣብ ኣምላኽ ናይ ሓቂ እምነት ምዅስኳስ፡ ከምኡ እውን ንመጻኢ ዜተኣማምን ተስፋ ምህናጽ ዜጠቓልል እዩ። ኣብዚ እዋን እዚ፡ ጽንኩር ዝዀነ ግዜ ኣይነሕልፍን ንህሉ ንኸውን፡ ኣብ መጻኢ ግና ምናልባት ከምዚ ኼጋጥመና ይኽእል እዩ። ስለዚ እምበኣር፡ ፖልን ጃኔትን ኣሎናን ነዚ ስጕምትታት እዚ ምውሳዶም ንጭንቀት ንኺዋጽእሉ ብኸመይ ከም ዝሓገዞም ንርአ።