ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገበር | ንጭንቀትብኸመይ ክትዋጽኣሉ ትኽእል፧

ብዛዕባ ስድራ ቤት ምጭናቕ

ብዛዕባ ስድራ ቤት ምጭናቕ

ጃኔት፡ “ኣቦይ ካብ ዚመውት ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ብዓል ቤተይ ካልእ ሰበይቲ ኸም ዝሓዘ ነገረኒ” በለት። ቀጺላ ኸኣ፡ “ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ ብዘይ ገለ ስንብታ፡ ክዳውንቱ ጠርኒፉ ንዓይን ነቶም ክልተ ደቀይን ራሕሪሑና ኸደ” በለት። ሽሕ እኳ ስራሕ እንተ ረኸበት፡ ደሞዛ ግና ስድራ ቤታ ንኽትናቢ ዜኽእላ ኣይነበረን። ቍጠባዊ ሻቕሎት ጥራይ እውን ኣይኰነን ነይርዋ። “እቲ በይነይ ክስከሞ ዝነበረኒ ተወሳኺ ሓላፍነታት ስድራ ቤት እውን ከይተረፈ ኣዝዩ የጨንቐኒ ነበረ” ኸኣ በለት። ወሲኻ ድማ፡ “ከምቶም ካልኦት ወለዲ ንደቀይ ዜድልዮም ዘበለ ኸማልኣሎም ብዘይ ምኽኣለይ፡ ናይ ገበን ስምዒት ይስምዓኒ ነበረ። ሎሚ እውን ከይተረፈ፡ ሰባት ንዓይን ንደቀይን ብኸመይ ከም ዚርእዩና ኽሓስብ ከለኹ እጭነቕ እየ። ‘ሓዳረይ ንምዕቃብ ዝከኣለኒ ኸም ዘይገበርኩ ገይሮም ይሓስቡ ደዀን ይዀኑ፧’ እናበልኩ እጭነቕ እየ” በለት።

ጃኔት

ጸሎት ንጃኔት ስምዒታ ኽትቈጻጸርን ምስ ኣምላኽ ዘለዋ ርክብ ከተደልድልን ሓጊዝዋ እዩ። “ለይቲ ዅሉ ነገር ጸጥ ስለ ዚብል፡ ብዛዕባ እቲ ዜጨንቐኒ ነገራት ምሕሳብ ከቋርጽ ኣይክእልን እየ። ጸሎትን ንባብ መጽሓፍ ቅዱስን ግና ንኽድቅስ ሓጊዙኒ እዩ። ፊልጲ 4:6, 7 ዝፈትዋ ጥቕሲ እያ፦ ‘ብዛዕባ ዅሉ ነገር ደኣ ልማኖኹም ብጸሎትን ብምህለላን ምስ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ እምበር፡ ብዛዕባ ገለ እኳ ኣይትጨነቑ፣ እቲ ኻብ ኵሉ ሓሳብ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ንኣእምሮኹምን ኪሕልዎ እዩ።’ ብዙሕ ግዜ ብለይቲ ጸልየ እየ፣ ሰላም የሆዋ ድማ ኣጸናኒዑኒ እዩ።”

የሱስ ኣብቲ ናይ ከረን ስብከቱ ንጸሎት ብዚምልከት፡ “ኣቦኹም ገና ኸይለመንኩምዎ ዜድልየኩም ይፈልጥ እዩ” ብምባል ኣብ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ጭንቀት ዚውዕል ዜጸናንዕ ቃላት ተጠቒሙ እዩ። (ማቴዎስ 6:8) ግናኸ፡ ንኣምላኽ ክንሓትቶ የድልየና እዩ። ጸሎት፡ ‘ንኣምላኽ ክንቀርበሉ’ እንኽእል ቀዳማይ መገዲ እዩ። ከምኡ ብምግባርና እንታይ ውጽኢት ኢና እንረክብ፧ ‘ንሱ እውን ኪቐርበና እዩ’።—ያእቆብ 4:8

ጸሎት፡ ጭንቀትና ስለ ዘፍሰስና፡ ጽቡቕ ከም ዚስምዓና ይገብር ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካብኡ ንላዕሊ እዩ ዚዓዪ። እቲ ‘ጸሎት ዚሰምዕ’ የሆዋ ኣምላኽ፡ ኣብ ክንዲ እቶም ብእምነት ዚልምንዎ ስጕምቲ ይወስድ እዩ። (መዝሙር 65:2) ስለዚ ኸኣ እዩ የሱስ ንሰዓብቱ “ኸይተሓለሉ ዅሉ ሳዕ ኪጽልዩ” ዝመሃሮም። (ሉቃስ 18:1) ኣምላኽ ስለቲ እምነትና ዓስቢ ኸም ዚህበና ብምእማን፡ ብቐጻሊ መምርሕን ሓገዝን ንምርካብ ክንልምኖ ኣሎና። ስጕምቲ ንምውሳድ ድሌት ወይ ክእለትን እንተ ኣልይዎ፡ ክንጠራጠር የብልናን። በዚ መገዲ እዚ ‘ኸየቋረጽና ምጽላይና፡’ ናይ ሓቂ እምነት ከም ዘሎና ዜርኢ እዩ።—1 ተሰሎንቄ 5:17

እምነት ብሓቂ እንታይ ማለት እያ፧

እምነት ግና ብሓቂ እንታይ ማለት እያ፧ እዛ ባህርይ እዚኣ፡ ንኣምላኽ ከም ኣካል ጌርካ ‘ምፍላጥ’ ተጠቓልል። (ዮሃንስ 17:3) ከምኡ ኽንገብር እንኽእል፡ ፈለማ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒምና ንኣተሓሳስባ ኣምላኽ ብምፍላጥ እዩ። በዚ ኸኣ፡ ንሱ ንነፍሲ ወከፍና ኸም ዚዕዘበናን ኪሕግዘና ኸም ዚደልን ንፈልጥ። ኰይኑ ግና፡ ናይ ሓቂ እምነት ብዛዕባ ኣምላኽ ገለ ነገራት ምፍላጥ ጥራይ ዘይኰነትስ፡ ምስኡ ኣኽብሮት ዝመልኦ ዕርክነት ምምስራት ማለት እውን እያ። ልክዕ ከምቲ ምስ ሰባት ብሓንሳእ ዕርክነት ክንምስርት ዘይንኽእል፡ ምስ ኣምላኽ እውን ብሓንሳእ ከምዚ ዝኣመሰለ ዕርክነት ክንምስርት ኣይንኽእልን ኢና። ብዛዕባ ኣምላኽ ዝያዳ ምስ እንፈልጥን ንዕኡ “ባህ ዜብሎ” ምስ እንገብርን ዚገብረልና ሓገዝ ኣብ ህይወትና ምስ እንርእን እምነትና “እናዓበየት” ክትከይድ ትኽእል እያ። (2 ቈረንቶስ 10:15፣ ዮሃንስ 8:29) ጃኔት ንጭንቀታ ኽትዋጽኣሉ ዝኸኣለት፡ ከምዚኣ ዝኣመሰለት እምነት ስለ ዝነበረታ እያ።

ጃኔት፡ “እምነተይ ንኽሃንጽ ዝሓገዘኒ፡ ኣብ ኵሉ መገደይ ኢድ የሆዋ ብምርኣየይ እዩ” በለት። ቀጺላ ኸኣ “ብዙሕ ግዜ ፈጺምካ ዘይከኣል ዚመስል ዘይፍትሓዊ ነገራት ኣጋጢሙና እዩ። ድሕሪ ብዙሕ ጸሎት ግና፡ ነቲ ባዕለይ ክፈትሖ ዘይክእል ዝነበርኩ ነገራት፡ የሆዋ ዅሉ ግዜ መውጽኢ ይገብረልና ነበረ። ከመስግኖ ኸለኹ፡ ብዙሕ ነገራት ከም ዝገበረለይ እዩ ዜዘኻኽረኒ። ኵሉ ግዜ ድማ ኣብቲ ዜድልየና እዋን ወይ ኣብ ግዜኡ እዩ ሓጊዙና። ብተወሳኺ፡ ካብቶም ናይ ሓቂ ክርስትያናት ዝዀኑ ሰብኡትን ኣንስትን፡ ናይ ሓቂ ፈተውቲ ሂቡኒ እዩ። ንሳቶም ኵሉ ግዜ ኣብ ጐድነይ እዮም፣ ንደቀይ ድማ ሰናይ ኣብነት እዮም ዚዀንዎም።” *

“ኣብ ሚልክያስ 2:16፡ የሆዋ ስለምንታይ ‘ምፍታሕ እጸልእ ኣሎኹ’ ኸም ዝበለ እፈልጥ እየ። ንሓደ ንጹህ መጻምድቲ፡ እዚ እቲ ዝኸፍአ ጥልመት እዩ። ብዓል ቤተይ ራሕሪሑና ኻብ ዝኸይድ ዓመታት እኳ እንተ ሓለፈ፡ ሓድሓደ ግዜ ግና ናይ ባዶነት ስምዒት ይስምዓኒ እዩ። ከምዚ ኺስምዓኒ ኸሎ ንሰባት ክሕግዝ እየ ዝጽዕር፣ መብዛሕትኡ ግዜ ኸኣ እዚ ንዓይ እውን ይሕግዘኒ እዩ።” ጃኔት ነቲ ርእስኻ ኸይትፈሊ ዜተባብዕ ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ ብምትግባራ፡ ጭንቀታ ኸተፋዅስ ክኢላ እያ። *ምሳሌ 18:1

ኣምላኽ፡ “ኣቦ ዘኽታማትን ጠበቓ መበለታትን እዩ።”—መዝሙር 68:5

ጃኔት፡ “እቲ ልዕሊ ዅሉ ዜጸናንዓኒ፡ ኣምላኽ ‘ኣቦ ዘኽታማትን ጠበቓ መበለታትን’ ከም ዝዀነ ምፍላጠይ እዩ። ዋላ እኳ ሰብኣየይ ራሕሪሑኒ እንተ ኸደ፡ የሆዋ ፈጺሙ ኣይሓድገንን እዩ” ትብል። (መዝሙር 68:5) ጃኔት፡ ኣምላኽ “ብእከይ” ከም ዘይፍትነና ትፈልጥ እያ። ብኣንጻሩ ግና፡ ንጭንቀትና ምእንቲ ኽንዋጽኣሉ፡ “ንዅሉ ብልግሲ” ጥበብ፡ ከምኡ እውን “ካብ ንቡር ዝሓለፈ ሓይሊ” ይህብ እዩ።—ያእቆብ 1:5, 13፣ 2 ቈረንቶስ 4:7

ህይወትና ኣብ ሓደጋ ብምህላዋ ንጭነቕ እንተ ኣሊናኸ፧

^ ሕ.ጽ. 10 ንጭንቀት ንኽትዋጽኣሉ ዚሕግዝ ተወሳኺ ግብራዊ መገድታት ክትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ናይ ሓምለ 2015 ሕታም ንቕሑ!፡ ዝወጸ፡ “ንህይወትካ ኽትቈጻጸራ ትኽእል ዲኻ፧” ዘርእስቱ ገበር ርአ። ነዚ ኣብ ኢንተርነት ኣብ www.pr418.com/ti ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ።