ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገበር | ንጭንቀትብኸመይ ክትዋጽኣሉ ትኽእል፧

ብዛዕባ ሓደጋ ምጭናቕ

ብዛዕባ ሓደጋ ምጭናቕ

ኣሎና፡ “እቲ ናይ መጠንቀቕታ ድምጺ ዜስምዕ ሲረና ኼእዊ ምስ ሰማዕኩ፡ ልበይ ተረግ ተረግ ክትብል ጀመረት፣ ጐይየ ኸኣ ካብ ቦምባ ኸዕቍበሉ ናብ ዝኽእል ቦታ ኣተኹ” በለት። ቀጺላ ኸኣ፡ “እንተዀነ ግና ኣብኡ እውን ከይተረፈ እጭነቕ ነበርኩ። ኣብ መሕብኢ ዘይብሉ ቓልዕ ዝዀነ ቦታ ኽህሉ ኸለኹ እሞ ኸኣ ዝገደደ እየ ዝጭነቕ ነይረ። ሓደ እዋን መሕብኢ ኣብ ዘይብሉ ቦታ ኸለኹ ድምጺ ሲረና ምስ ሰማዕኩ፡ ክበኪ ጀመርኩ፣ ትንፋስ እውን ሓጸረኒ። ክሃድእ ድማ ሰዓታት እዩ ወሲዱለይ። ብድሕሪኡ ግና እቲ ሲረና እንደገና ኼእዊ ጀመረ” በለት።

ኣሎና

ውግእ፡ ካብቲ ብዙሕ ጠንቅታት ሓደጋ ሓደ ጥራይ እዩ። ንኣብነት፡ ንህይወት ዜስግእ ሕማም ከም ዘለካ ወይ ሓደ እተፍቅሮ ሰብ እዚ ሕማም ከም ዘለዎ ምስ ፈለጥካ፡ ልክዕ ከምዚ ቦምባ እተፈንጀረካ ዀይኑ ይስምዓካ ይኸውን። ንኻልኦት ድማ ብዛዕባ መጻኢ ዘለዎም ፍርሂ፡ ጭንቀት ኬስዕበሎም ይኽእል እዩ። ‘ደቅና ወይ ደቂ ደቅና፡ ኣብዛ ውግእን ዓመጻን ብከላን ለውጢ ኽሊማን ለብዕን መሊእዋ ዘሎ ዓለም ድዮም ኪነብሩ፧’ ብምባል ይጭነቑ። ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ጭንቀታት ብኸመይ ኢና ኽንዋጽኣሉ እንኽእል፧

‘ኣስተውዓሊ ሰብ እከይ [“ሓደጋ፡” NW] ይርኢ እሞ ይሕባእ።” (ምሳሌ 27፡12) ልክዕ ከምቲ ንኣካላዊ ጥዕናና ኽንሕሉ እንጽዕር፡ ንኣእምሮኣውን ንስምዒታውን ጥዕናና ንምሕላው እውን ስጕምቲ ኽንወስድ ንኽእል ኢና። ዓመጽ ዝመልኦ መዘናግዕን ዜፍርህ ስእልታት ዝመልኦ ጸብጻባት ዜናን እውን ንዓናን ንደቅናን ኣብ ርእሲ ጭንቀትና፡ ጭንቀት ዚውስኽ እዩ። ነዚ እተጠቕሰ ሕማቕ ነገራት ካብ ምርኣይ ምርሓቕ፡ ንህሉው ኵነታት ዕሽሽ ምባል ማለት ኣይኰነን። ኣምላኽ፡ ኣእምሮና እከይ ኣብ ዝዀነ ነገራት ኬተኵር ኣይኰነን ነዲፍዎ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ‘ሓቂ ብዘበለ፡ ጽድቂ ብዘበለ፡ ንጹህ ብዘበለ፡ ተፈታዊ ብዘበለ’ ኽንመልኦ ኣሎና። ከምኡ ምስ እንገብር፡ “ኣምላኽ ሰላም” ኣእምሮኣውን ልባውን ሰላም ኪህበና እዩ።—ፊልጲ 4:8, 9

ኣገዳስነት ጸሎት

ናይ ሓቂ እምነት፡ ንጭንቀት ክንዋጽኣሉ ትሕግዘና እያ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንጸሎት እውን ንቕሑ” ብምባል ይምሕጸነና እዩ። (1 ጴጥሮስ 4:7) ኣምላኽ፡ “እንልምኖ ዘበለ ኸም ዚሰምዓና” ብምትእምማን፡ ንዅነታትና ኽንዋጽኣሉ ምእንቲ ኺሕግዘናን ጥበብን ትብዓትን ምእንቲ ኺህበናን ክንልምኖ ንኽእል ኢና።—1 ዮሃንስ 5:15

ምስ ኤቪ ሰብኣያ

መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ” ኣምላኽ ዘይኰነስ፡ ሰይጣን ከም ዝዀነ፡ “ብዘላ ዓለም እውን ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር እቲ እኩይ” ከም ዘላ እዩ ዚገልጽ። (ዮሃንስ 12:31፣ 1 ዮሃንስ 5:19) የሱስ፡ “ካብቲ እኩይ ኣድሕነና” ኢልና ኽንጽሊ ኺምህረና ኸሎ እምበኣር፡ ምሳልያዊ ኣዘራርባ ኣይኰነን ዚጥቀም ነይሩ። (ማቴዎስ 6:13) ኣሎና፡ “እቲ ሲረና ኣብ ዜእውየሉ ግዜ፡ የሆዋ ንስምዒተይ ንኽቈጻጸር ኪሕግዘኒ እልምኖ እየ” በለት። ቀጺላ ኸኣ፡ “ኣብ ርእሲ እዚ፡ እቲ ፍቑር ብዓል ቤተይ ተሌፎን ይድውለለይን ምሳይ ኰይኑ ይጽልን እዩ። ጸሎት ብሓቂ ሓጋዚ እዩ” ትብል። ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ፡ የሆዋ “ንዚጽውዕዎ ዅሎም፡ ብሓቂ ንዚጽውዕዎ ዅሎም ቀረባኦም እዩ።”—መዝሙር 145:18

ናይ መጻኢ ተስፋና

የሱስ ንሰዓብቱ፡ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከት “መንግስትኻ ትምጻእ” ኢሎም ኪጽልዩ መሃሮም። (ማቴዎስ 6:10) መንግስቲ ኣምላኽ፡ ንዝዀነ ይኹን ጐዳኢ ጭንቀት ምሉእ ብምሉእን ንሓዋሩን ከተጥፍኦ እያ። ኣምላኽ፡ በቲ “መስፍን ሰላም” ዝዀነ የሱስ ኣቢሉ፡ “ንውግእ ክሳዕ ወሰን ምድሪ መወዳእታ” ኺገብረሉ እዩ። (ኢሳይያስ 9:6፣ መዝሙር 46:9) “[ኣምላኽ] ኣብ መንጎ ብዙሓት ህዝብታት ኪፈርድ [እዩ።] . . . ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሰይፊ ኣይኬልዕልን እዩ፡ ደጊምሲ ውግእ ኣይኪምሀሩን እዮም።  . . ዜፍርሆም ከኣ የልቦን።” (ሚክያስ 4:3, 4) ሕጉሳት ሰባት፡ “ኣባይቲ ኺሰርሑን ኪነብሩለንን እዮም፡ ኣታኽልቲ ወይኒ ኺተኽሉ፡ ፍሬኡውን ኪበልዑ እዮም።” (ኢሳይያስ 65:21) ካብቶም ነበርቲ ድማ “‘ሓደ እኳ ሕሙም እየ’ ኣይኪብልን እዩ።”—ኢሳይያስ 33:24ትርጉም 1990።

ሎሚ፡ እተጠንቀቕካ እኳ እንተ ተጠንቀቕካ፡ ንዘይተሓስበ ‘ኣጋጣሚ’ ምሉእ ብምሉእ ክትዓግቶ ወይ ሕማቕ ነገር ኣብ ዜጋጥመሉ እዋን ኣብቲ ቦታ ኻብ ምጽናሕ ወትሩ ኽትርሕቕ ኣይትኽእልን ኢኻ። (መክብብ 9:11) ንዘመናት ዚኣክል፡ ውግእን ዓመጽን ሕማምን፡ ንቕኑዓት ሰባት ይቐትል ኣሎ። እዞም ንጹሃት ዝዀኑ ግዳያት እዚኦም፡ እንታይ ተስፋ እዩ ዘለዎም፧

ቍጽሮም ኣምላኽ ጥራይ ዚፈልጦ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት፡ እንደገና ብህይወት ኪነብሩ እዮም። ‘ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም ዚወጹላ’ መዓልቲ ኽሳዕ እትመጽእ፡ ኣብቲ ፍጹም ዝኽሪ ኣምላኽ ተዓቚቦምን ንግዜኡ ደቂሶምን እዮም ዘለዉ። (ዮሃንስ 5:28, 29) መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ ተስፋ ትንሳኤ፡ “እዛ ዘላትና ተስፋ እዚኣ ኸም መልህቕ ነፍሲ፡ ርግጽን ጽንዕትን እያ” ብምባል የረጋግጸልና እዩ። (እብራውያን 6:19) ኣምላኽ፡ “ንዕኡ [ንየሱስ] ካብ ምዉታት ብምትንሳእ ከኣ፡ ንዅሎም ሰባት መተኣማመኒ ሂብዎም ኣሎ።”—ግብሪ ሃዋርያት 17:31

ንግዜኡ ግና፡ እቶም ንኣምላኽ ኬሐጕሱ ዚደልዩ ሰባት እውን ከይተረፉ እተፈላለየ ጭንቀት የጋጥሞም እዩ። ፖልን ጃኔትን ኣሎናን፡ ግብራዊ ዝዀነ ስጕምትታት ብምውሳድን ብጸሎት ኣቢሎም ናብ ኣምላኽ ብምቕራብን ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መጻኢ ዚህቦ ተስፋ ብምእማንን፡ ንጭንቀት ብዓወት ይዋጽእሉ ኣለዉ። ንዓኻ እውን ከምኡ፡ ‘እቲ ተስፋ ዚህብ ኣምላኽ በቲ ኣብኡ ዘሎካ እምነት ኣቢሉ ብዅሉ ሓጐስን ሰላምን ይምላእካ።’—ሮሜ 15፡13