ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

እከይ ካበይ እዩ መጺኡ፧

ንየሱስ ዝፈተኖ መን እዩ፧ —ማቴዎስ 4:8-10

ሰባት ብባህርዮም ሰላማውያን፡ ሓቀኛታት፡ ከምኡ እውን ሕያዎት ኪዀኑ እዮም ዚደልዩ። ስለምንታይ ደኣ ኢና እሞ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ዓመጽን ዘይፍትሓውነትን ጭከናን እንርኢ፧ ዜሰንብድ ጸብጻባት ዜና ኸኣ ልሙድ እዩ። ሰባት ሕማቕ ነገራት ኪገብሩ ዚደፋፍእ ኣካል ኣሎዶ፧1 ዮሃንስ 5:19 ኣንብብ።

ኣምላኽ ንሰባት እኩይ ነገራት ናይ ምግባር ዝንባለ ዘለዎም ገይሩ ድዩ ፈጢርዎም፧ ኣይፋሉን። የሆዋ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ብመልክዑ፡ ማለት ንፍቕሪ ኣምላኽ ናይ ምቕዳሕ ዝንባለ ዘለዎም ገይሩ እዩ ፈጢርዎም። (ዘፍጥረት 1:27፣ እዮብ 34:10) ይኹን እምበር፡ ናይ ምምራጽ ናጽነት ዘለዎም ገይሩ ብምፍጣር እውን ኣኽቢርዎም እዩ። እቶም ቀዳሞት ወለድና ኽፉእ ነገር ኪገብሩ ብምምራጾም፡ ንኣምላኽ ኪመስልዎ ኣይደለዩን፣ ዘይፍጹማት ድማ ኰኑ። ሓጢኣት ንምግባር ዘሎና ዝንባለ እምበኣር ካብኦም ኢና ወሪስናዮ።ዘዳግም 32:4, 5 ኣንብብ።

እከይ ንሓዋሩ ኪቕጽል ድዩ፧

ኣምላኽ ነቲ ሕማቕ ናይ ምግባር ዝንባለታትና ኽንቃለሶ እዩ ዚደልየና። (ምሳሌ 27:11) ስለዚ ኸኣ፡ ሕማቕ ነገር ካብ ምግባር ብኸመይ ከም እንርሕቕን ናይ ሓቂ ሓጐስ ብኸመይ ከም እንረክብን ይምህረና እዩ። ኣብዚ ግዜ እዚ ግና ንፍቕሪ ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ከነንጸባርቓ ኣይንኽእልን ኢና።መዝሙር 32:8 ኣንብብ።

ሎሚ፡ እከይ ኣስፋሕፊሑ እኳ እንተሎ፡ ኣምላኽ ንግዜኡ ጥራይ እዩ ኪቕጽል ፈቒዱ፣ እዚ ኸኣ ኵሎም ሰባት ነቲ ዜሕዝን ሳዕቤናት እከይ ምእንቲ ኺርእይዎ እዩ። (2 ጴጥሮስ 3:7-9) ይኹን እምበር፡ ድሕሪ ሓጺር ግዜ፡ ምድሪ በቶም ንኣምላኽ ዚእዘዝዎ ሕጉሳት ሰባት ክትመልእ እያ።መዝሙር 37:9-11 ኣንብብ።