ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንመንፈሳዊ ገነት ብዝያዳ ኸተጸብቖ ጽዓር

ንመንፈሳዊ ገነት ብዝያዳ ኸተጸብቖ ጽዓር

“ንስፍራ መርገጽ እግረይ ከኽብሮ እየ።”—ኢሳ. 60:13

መዝሙር፦ 28, 9

1, 2. ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ፡ እታ “መርገጽ እግሪ” ወይ “ድኳ እግሪ” እትብል ስያመ ንምንታይ እያ ኸተመልክት እትኽእል፧

የሆዋ ኣምላኽ፡ “ሰማይ ዝፋነይ እዩ፡ ምድሪ ኸኣ መርገጽ እግረይ እያ” በለ። (ኢሳ. 66:1) ብዛዕባ ‘መርገጽ እግሩ፡’ ኸኣ “ንስፍራ መርገጽ እግረይ ከኽብሮ እየ” በለ። (ኢሳ. 60:13) ነዚ ብኸመይ እዩ ዚገብሮ፧ ኣብ መርገጽ እግሪ ኣምላኽ ንነብር ስለ ዘለና፡ ንዓናኸ፡ እንታይ ትርጉም እዩ ዘለዎ፧

2 እታ “መርገጽ እግሪ፡” ሓድሓደ ግዜ እውን “ድኳ እግሪ” ተባሂላ እትትርጐም ስያመ፡ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ፡ ነቲ እስራኤላውያን ዚጥቀሙሉ ዝነበሩ ጥንታዊ ቤተ መቕደስ ንምግላጽ፡ ብምሳልያዊ መገዲ እውን ትውዕል እያ። (1 ዜና 28:2፣ መዝ. 132:7) እታ ኣብ ምድሪ ዝነበረት ቤተ መቕደስ፡ ከም ማእከል ናይ ሓቂ ኣምልኾ ዀይና ኣገልጊላ እያ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ እታ ቤተ መቕደስ እቲኣ ኣብ ኣዒንቲ የሆዋ ብሓቂ ጽብቕቲ እያ ነይራ፡ ህላወኣ ድማ ንመርገጽ እግሪ የሆዋ ኣኽቢርዎ እዩ።

3. እቲ ዝዓበየ መንፈሳዊ ቤተ መቕደስ ኣምላኽ እንታይ እዩ፧ ኣብ ህላወ ዝመጸኸ መዓስ እዩ፧

3 ሎሚ ዘሎ ማእከል ናይ ሓቂ ኣምልኾ ግና፡ ኣብ ምድሪ ዚርከብ ዚርአ ቤተ መቕደስ ዘይኰነስ፡ ካብ ዝዀነ ይኹን ህንጻ ብዝያዳ ንየሆዋ ዜኽብሮ መንፈሳዊ ቤተ መቕደስ እዩ። እዚ ኸኣ ብኽህነትን መስዋእትን የሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ምስ ኣምላኽ ዕርቂ ኸም ዚርከብ ዝገበረ መሰናድዎ እዩ። ኣብ ህላወ ዝመጸ ኸኣ ብ29 ድ.ክ. ኣብ ግዜ ጥምቀት የሱስ እዩ፣ ሽዑ የሱስ ከም ሊቀ ኻህናት እቲ ዝዓበየ መንፈሳዊ ቤተ መቕደስ የሆዋ ዀይኑ ተቐብአ።—እብ. 9:11, 12

4, 5. (ሀ) እቲ ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ የሆዋ ዘለዎም ልባዊ ባህጊ፡ ኣብ መዝሙር 99 ብኸመይ ተገሊጹ ኣሎ፧ (ለ) ንርእስና እንታይ ኢልና ኽንሓትታ ኣሎና፧

4 ንመንፈሳዊ ቤተ መቕደስ ስለ እነማስወሉ፡ ስም የሆዋ ንሰባት ብምንጋር ንየሆዋ ንውድሶ፡ ስለ እቲ ብምሕረቱ ዘዳለወልና በጃ ኸኣ ልዕል ነብሎ ኢና። ሎሚ ልዕሊ ሸሞንተ ሚልዮን ዝዀኑ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ብንጥፈት ንየሆዋ ይውድስዎ ኸም ዘለዉ ምፍላጥና ኣዝዩ የሐጕሰና እዩ። ገሊኦም ሃይማኖታውያን ሰባት ካብ ምድሪ ንሰማይ ምስ ከዱ ንኣምላኽ ከም ዚውድስዎ እዮም ዚሓስቡ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግና ከምዚ ዝኣመሰለ ግጉይ ኣተሓሳስባ ስለ ዘይብልና፡ ሎሚ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ንየሆዋ ኽንውድሶ ኸም ዜድሊ ንግንዘብ ኢና።

5 በዚ ኸምዚ ኸኣ ኣብነት እቶም ኣብ መዝሙር 99:1-3, 5 ተገሊጾም ዘለዉ እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ንስዕብ። (ኣንብብ።) እዛ መዝሙር እዚኣ ኸም እትሕብሮ፡ ሙሴን ኣሮንን ሳሙኤልን ነቲ ኣብ ግዜኦም ዝነበረ መሰናድዎ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ምሉእ ብምሉእ ደጊፎምዎ እዮም። (መዝ. 99:6, 7) ሎሚ፡ ተረፍ ቅቡኣት ኣሕዋት የሱስ፡ ምስኡ ኻህናት ኰይኖም ንኼገልግሉ ናብ ሰማይ ቅድሚ ምኻዶም፡ ኣብ ምድራዊ ኣጸድ መንፈሳዊ ቤተ መቕደስ ኰይኖም ብተኣማንነት የገልግልዎ ኣለዉ። ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ኣባላት እተን “ካልኦት ኣባጊዕ” እውን ብተኣማንነት ይድግፍዎም ኣለዉ። (ዮሃ. 10:16) እዞም ክልተ ጕጅለ እዚኦም፡ እተፈላለየ ተስፋ እኳ እንተ ኣለዎም ኣብ ድኳ እግሪ ኣምላኽ ኰይኖም ብሓድነት ንየሆዋ የምልኽዎ ኣለዉ። ይኹን እምበር፡ ብደረጃ ውልቀ ሰብ፡ ነፍሲ ወከፍና፡ ‘ነቲ የሆዋ ዝገበሮ መሰናድዎ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ምሉእ ብምሉእ እድግፎዶ ኣለኹ’ ኢልና ንርእስና ኽንሓትታ ኣሎና።

እቶም ኣብ መንፈሳዊ ገነት ዜገልግሉ መን እዮም፧

6, 7. ኣብ መንጎ ክርስትያናት እንታይ ሽግር እዩ ተላዒሉ ነይሩ፧ ድሕሪ ዘመናትከ እንታይ ኪንጽር እዩ እተደልየ፧

6 ክርስትያናዊት ጉባኤ ድሕሪ ምምስራታ ሚእቲ ዓመት ኣብ ዘይመልእ ግዜ፡ እቲ ኣቐዲሙ ብትንቢት እተነግረ ኽሕደት ጀመረ። (ግብ. 20:28-30፣ 2 ተሰ. 2:3, 4) ድሕሪኡ፡ እቶም ንኣምላኽ ኣብ መንፈሳዊ ቤተ መቕደሱ ብሓቂ ዜገልግልዎ መን ምዃኖም ኪልለዩ ኣጸጋሚ እናዀነ ኸደ። ዘመናት ምስ ሓለፈ ግና፡ የሆዋ በቲ ዝነገሰ ወዱ የሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ብዛዕባ እዚ ዜነጽረሉ ግዜ ኣኸለ።

7 ብ1919 እቶም ስምረት የሆዋ ዘለዎምን ኣብ መንፈሳዊ ቤተ መቕደሱ ዜገልግልዎን መን ምዃኖም ብንጹር ተፈልጠ። እዚኣቶም፡ እቲ ንኣምላኽ ዜቕርብዎ ኣገልግሎት ኣብ ቅድሚኡ ብዝያዳ ተቐባልነት ምእንቲ ኺህልዎ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ተዀልዑ። (ኢሳ. 4:2, 3፣ ሚል. 3:1-4) እቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዘመናት ኣቐዲሙ ብራእይ ዝረኣዮ ነገር፡ ብእተወሰነ ደረጃ ኺፍጸም ጀመረ።

8, 9. ነቲ ጳውሎስ ኣብ ራእይ ዝረኣዮ ሰለስተ መዳያት “ገነት” ግለጾ።

8 እቲ ጳውሎስ ዝረኣዮ ራእይ ኣብ 2 ቈረንቶስ 12:1-4 ተመዝጊቡ ኣሎ። (ኣንብብ።) እቲ ሰማያዊ ራእይ እቲ፡ ኣብ ግዜ ጳውሎስ ንዝነበረ ነገር ዘይኰነስ፡ ኣብ መጻኢ ንዚፍጸም ነገር እዩ ዜመልክት። ጳውሎስ፡ “ናብ ሳልሳይ ሰማይ” ምስ ተወስደ፡ እንታይ “ገነት” እዩ ርእዩ፧ ቀዳማይ፡ ነቲ ብሕጂ ዚመጽእ ምድራዊ ገነት ኬመልክት ይኽእል እዩ። (ሉቃ. 23:43) ካልኣይ፡ ነቲ ኣብ ሓዳስ ዓለም ዚህሉ ፍጹም መንፈሳዊ ገነት ኬመልክት ይኽእል እዩ። ሳልሳይ፡ ነቲ ኣብ ሰማይ፡ “ኣብ ገነት ኣምላኽ” ዘሎ እተባረኸ ዅነታት ኬመልክት ይኽእል እዩ።—ራእ. 2:7

9 ጳውሎስ፡ “ሰብ ኪዛረቦ ዘይተፈቕደሉ ዘይንገር ቃላት” ከም ዝሰምዐ እተዛረበ ደኣ ስለምንታይ እዩ፧ ነቲ ብራእይ ዝረኣዮ ዜደንቕ ነገራት ብዝርዝር ኪገልጽ ግዜኡ ኣይነበረን። ሎሚ ግና ብዛዕባ እቲ ኣብ ማእከል ህዝቢ ኣምላኽ ዚርአ ዘሎ በረኸት ክንዛረብ ተፈቒዱ እዩ።

10. እተን “መንፈሳዊ ገነት”ን “መንፈሳዊ ቤተ መቕደስ”ን ዚብላ ስያመታት ሓደ ዓይነት ትርጉም ዘይብለን ስለምንታይ እዩ፧

10 እቲ “መንፈሳዊ ገነት” ዚብል ቃላት፡ ክፋል ቲኦክራስያዊ ቓላትና ዀይኑ እዩ። ነቲ ምስ ኣምላኽን ምስ ኣሕዋትናን ብሰላም ንኽንነብር ዜኽእለና ፍሉይ ዝዀነ ብልጹግ መንፈሳዊ ሃዋህው ወይ ኵነታት ዚገልጽ ከኣ እዩ። ኰይኑ ግና፡ እተን “መንፈሳዊ ገነት”ን “መንፈሳዊ ቤተ መቕደስ”ን ዚብላ ስያመታት፡ ሓደ ዓይነት ትርጉም ከም ዘለወን ጌርና ኽንሓስብ የብልናን። መንፈሳዊ ቤተ መቕደስ፡ ነቲ ኣምላኽ ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ዝገበሮ መሰናድዎ እዩ ዜመልክት። መንፈሳዊ ገነት ግና ስምረት ኣምላኽ ዘለዎምን ሎሚ ኣብ መንፈሳዊ ቤተ መቕደሱ ዜገልግልዎ ዘለዉን መን ምዃኖም ንምልላይ የገልግል።—ሚል. 3:18

11. ምስ መንፈሳዊ ገነት ብዚተሓሓዝ፡ ሎሚ እንታይ ፍሉይ መሰል እዩ ዘሎና፧

11 ካብ 1919 ኣትሒዙ፡ የሆዋ ንዘይፍጹማት ሰባት ምስኡ ሓቢሮም ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ መንፈሳዊ ገነት ኪዅስኵሱን ኬደልድሉን ኬስፍሑን ከም ዝፈቐደሎም ምፍላጥናስ ኣየ ኽንደይ ዜሐጕስ ኰን እዩ! ንስኻኸ፡ ኣብዚ ዜደንቕ ዕዮ እዚ እጃምካ ተበርክትዶ ኣለኻ፧ ኣብቲ የሆዋ ‘ንስፍራ መርገጽ እግሩ’ ኬኽብሮ ዚዓይዮ ዘሎ ዕዮ፡ ምስኡ ዄንካ ኽትዓዪ መሰል ምርካብካስ ኣይተማስወሉንዶ፧

የሆዋ ንውድቡ ብዝያዳ የጸብቖ ኣሎ

12. ብዛዕባ ፍጻመ ኢሳይያስ 60:17፡ ኵላትና እንታይ እምንቶ እዩ ዘሎና፧ (ኣብ ገጽ 7 ዘላ ስእሊ ርአ።)

12 ኣብ ኢሳይያስ 60:17 ኣብ ምድራዊ ኽፋል ውድብ የሆዋ ዜደንቕ ለውጥታት ከም ዚህሉ ብትንቢት ተነጊሩ እዩ። (ኣንብብ።) መንእሰያትን ኣብ ሓቂ ሓደስቲ ዝዀኑ ኣስፋሕትን፡ ብዛዕባ እዚ ለውጥታት እዚ ኣንቢቦም ወይ ካብ ካልኦት ሰሚዖም እዮም። ይኹን እምበር፡ ነዚ ዜደንቕ ለውጥታት ኪፍጸም ከሎ ዝረኣዩ ወይ እተመከርዎ ኣሕዋትን ኣሓትን እውን ኣለዉ። እዞም እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ እዚኦም፡ የሆዋ በቲ ዝነገሰ ወዱ ኣቢሉ ንውድቡ ይመርሓ ኸም ዘሎ ይኣምኑ እዮም። እምንቶኦም መሰረት ዘለዎ ብምዃኑ፡ ንሕና እውን ተመክሮኦም ክንሰምዕ ከለና እምነትናን ኣብ የሆዋ ዘሎና ትውክልትን ይድልድል እዩ።

13. ብመሰረት መዝሙር 48:12-14 እንታይ ግዴታ እዩ ዘሎና፧

13 ኣብ ሓቂ ኽንደይ ከም ዝገበርና ብዘየገድስ፡ ንሰባት ብዛዕባ ውድብ የሆዋ ኽንነግሮም ኣሎና። ኣብዛ እከይን ብልሽውናን ጭካነን ኣስፋሕፊሑላ ዘሎ ዓለም፡ መንፈሳዊ ገነት ኪህሉ ተኣምር እዩ። ብዛዕባ እታ እተደንቕ ውድብ የሆዋ፡ ወይ “ጽዮን” ኰነ ብዛዕባ መንፈሳዊ ገነት ንዝቐሰምናዮ ፍልጠት “ንዚመጽእ ወለዶ” ብሓጐስ ክንነግር ኣሎና።—መዝሙር 48:12-14 ኣንብብ።

14, 15. ብ1970ታት እንታይ ውድባዊ ምትዕርራይ እዩ ተገይሩ፧ ጠቓሚ ዀይኑ እተረኽበኸ ብኸመይ እዩ፧

14 ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ኣብ ማእከልና ዘለዉ ዓበይቲ ኣሕዋትን ኣሓትን ንምድራዊ ኽፋል ውድብ የሆዋ ዜጸብቕ ምትዕርራያት ኪካየድ ከሎ ብብሕቲ ተመኪሮምዎ እዮም። ኣብ ጉባኤታት ኣብ ክንዲ ኣካል ሽማግለታት ሓደ ሽማግለ ጉባኤ ጥራይ እዩ ነይሩ፣ ሃገራት ኣብ ክንዲ ብኮሚተ ጨንፈር ብሓደ ሽማግለ ጨንፈር ጥራይ እየን ዚመርሓ ነይረን፣ ብዘይካዚ፡ ብንጹር ብእተመስረተ ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰነስ፡ ብፕረዚደንት ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ እዩ መምርሒ ዚውሃብ ነይሩ። ኵሎም እዞም ውፉያት ኣሕዋት እዚኦም፡ እሙናት ደገፍቲ እኳ እንተ ነበርዎም፡ ኣብ ጉባኤታትን ኣብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈርን ኣብቲ ቐንዲ ቤት ጽሕፈትን ንዚግበር ውሳነታት ሓላፍነት ዚወስድ ዝነበረ ሓደ ሰብ ጥራይ እዩ ነይሩ። ብ1970ታት ግና፡ እቲ ዚግበር ውሳነታት ኣብ ክንዲ ብሓደ ሰብ፡ ሓላፍነት ብእተዋህቦም ጕጅለ ሽማግለታት ኪኸውን ምትዕርራይ ተገብረ።

15 እሞኸ እዚ ምትዕርራያት እዚ ጠቓሚ ዀይኑ ተረኺቡዶ፧ እወ፡ ብርግጽ። ስለምንታይ፧ እዚ ምትዕርራያት እዚ እተገብረ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘሎ ስርዓት ዘሎና ተወሳኺ ፍልጠት ብምርካብና እዩ። ውድብ የሆዋ ኣብ ክንዲ ብጽልዋ ሓደ ሰብ፡ በቶም የሆዋ ዝሃበና “ውህበት ሰብ” ዝዀኑ ሽማግለታት ብሓባር ብዚገብርዎ ውሳነታት እያ እትምራሕ። ናይ ኵላቶም ጽቡቕ ባህርያት ከኣ ንውድብ የሆዋ ዚጠቅም እዩ።—ኤፌ. 4:8፣ ምሳ. 24:6

የሆዋ ኣብ ኵሉ ቦታ ንዘለዉ ሰባት ብዝያዳ ዜድልዮም መምርሒ ይህቦም ኣሎ (ሕጡብ ጽሑፍ 16, 17 ርአ)

16, 17. እንታይ ኣብ ቀረባ ግዜ እተገብረ ምትዕርራያት እዩ ብፍላይ ዝመሰጠካ፧ ስለምንታይከ፧

16 ብዛዕባ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን እተገብረ ተወሳኺ ምትዕርራያት እውን ሕስብ እሞ ኣብሎ። ንኣብነት፡ ኣብ መልክዕን ትሕዝቶን ሕታማትና ዀነ ንዕኡ ኣብ እንዕድለሉ መገድታት እተገብረ ለውጢ ኺጥቀስ ይክኣል እዩ። ግብራውን ማራኽን ሰሓብን ዝዀነ ጽሑፋት ኣብ ኣገልግሎት ክትዕድል ምኽኣልሲ ኣየ ኽንደይ ዜሐጕስ ኰን እዩ! ብተወሳኺ፡ ንዘመናዊ ተክኖሎጂ፡ ሓቂ ንምዝርጋሕ ብኸመይ ከም እንጥቀመሉ እውን ሕሰብ። ንኣብነት፡ በቲ jw.org ዚብሃል ወብ ሳይትና፡ ሓያሎ ሰባት ኪብጽሑን ዜድልዮም ሓገዝ ኪረኽቡን ይኽእሉ እዮም። ኵሉ እዚ ምትዕርራያት እዚ፡ የሆዋ ንሰባት ብሓቂ ኸም ዚግደሰሎምን ከም ዜፍቅሮምን ዚሕብር እዩ።

17 ዕሽሽ ኢልና ኽንሓልፎ ዘይንደሊ ኻልእ ጥበብ ዜንጸባርቕ ምትዕርራይ እውን ኣሎ። እዚ ኸኣ ኣምልኾ ስድራ ቤት እንገብረላ ምሸት ወይ ከኣ ንብሕታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚኸውን ዝያዳ ግዜ ምእንቲ ኽንረክብ እተገብረ ምትዕርራይ እዩ። ኣብ መደባት ኣኼባታት ወረዳን ዞባን እተገብረ ምምሕያሽ እውን ነማስወሉ ኢና። መብዛሕትኡ ግዜ፡ እዚ ኣብ ዓዓመት እናተመሓየሸ ይኸይድ ከም ዘሎ ንጠቅስ ኢና። እቲ ኣብ ሓያሎ ቲኦክራስያዊ ኣብያተ ትምህርቲ በብግዜኡ ዚውሃብ ስልጠና እውን የሐጕሰና እዩ። ኣብ ኵሉ እዚ ምትዕርራያት እዚ፡ ኢድ የሆዋ ብንጹር ተራእያ እያ። የሆዋ ንውድቡን ነቲ እንሕጐሰሉ ዘሎና መንፈሳዊ ገነትን በብግዜኡ ኼጸብቖ ጸኒሑ እዩ።

ንመንፈሳዊ ገነት ብዝያዳ ኸነጸብቖ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

18, 19. ንመንፈሳዊ ገነት ከነጸብቖ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

18 የሆዋ ንመንፈሳዊ ገነትና ብዝያዳ ንኸነጸብቖ ፍሉይ መሰል ሂቡና ኣሎ። ነዚ ኸኣ፡ ብዛዕባ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብቕንኣት ብምእዋጅን ዝያዳ ደቀ መዛሙርቲ ብምግባርን ኢና እንፍጽሞ። ሓደ ሰብ ርእሱ ወፍዩ ክርስትያን ኪኸውን ክንሕግዝ ከለና፡ ንዶባት መንፈሳዊ ገነት ነስፍሖ ኣሎና ማለት እዩ።—ኢሳ. 26:15፣ 54:2

19 ንመንፈሳዊ ገነትና ኸነጸብቐሉ እንኽእል ካልእ መገዲ ኸኣ፡ ንክርስትያናዊ ባህርያትና በብግዜኡ ብምምሕያሽ እዩ። በዚ ኸምዚ፡ ነዚ ገነት እዚ ንሰባት ብዝያዳ ኸም ዚማርኽ ክንገብሮ ንኽእል ኢና። ንሰባት ናብ ውድብ የሆዋ፡ ብእኡ ኣቢሉ ኸኣ ናብ ኣምላኽን ናብ ክርስቶስን ብዝያዳ ኺስሕቦም ዚኽእል፡ እቲ ንጹህን ሰላማውን ኣካይዳና ደኣ እምበር፡ እቲ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎና ፍልጠት ኣይኰነን።

ንዶባት መንፈሳዊ ገነት ኣብ ምስፋሕ እጃምካ ኸተበርክት ትኽእል ኢኻ (ሕጡብ ጽሑፍ 18, 19 ርአ)

20. ብመሰረት ምሳሌ 14:35፡ እንታይ ባህጊ ኺህልወና ኣለዎ፧

20 የሆዋን የሱስን ነቲ ሕጂ ዘሎ ውቁብ መንፈሳዊ ገነትና ኺርእዩ ኸለዉስ ኣየ ኽንደይ ኰን እዮም ዚሕጐሱ! እቲ ሎሚ ንመንፈሳዊ ገነት ብዝያዳ ኸም ዚጽብቕ ብምግባር እንረኽቦ ዘለና ሓጐስ፡ መርኣያ ናይቲ ንምልእቲ ምድሪ ናብ ገነት ክንቅይራ ኸለና እንረኽቦ ሓጐስ እዩ። ነታ “ንጉስ ልቦና ብዘለዎ ጊልያ ባህ ይብሎ” እትብል ኣብ ምሳሌ 14:35 (NW) እትርከብ ጥቕሲ ወትሩ ንዘክራ። ሃየ እምበኣር፡ ንመንፈሳዊ ገነት ብዝያዳ ኸም ዚጽብቕ ንምግባር ኣብ እነበርክቶ እጃም ወትሩ ልቦና ነርኢ።