ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንመንግስቲ ኣምላኽ ዘሎካ ተኣማንነት ሓልዎ

ንመንግስቲ ኣምላኽ ዘሎካ ተኣማንነት ሓልዎ

“ካብ ዓለም ኣይኰኑን።”—ዮሃ. 17:16

መዝሙር፦ 18, 54

1, 2. (ሀ) ሓደ ክርስትያን ንኣምላኽ እሙን ምዃን ኣዝዩ ዜገድሶ ስለምንታይ እዩ፧ እዚኸ ምስ ገለልትነት ዚተሓሓዝ ብኸመይ እዩ፧ (ኣብዛ ገጽ እዚኣ ዘላ ስእሊ ርአ።) (ለ) ብዙሓት ሰባት ነየናይ ነገራት እዮም እሙናት ዚዀኑ፧ እዚ ግና እንታይ ሳዕቤን እዩ ዘለዎ፧

ናይ ሓቂ ክርስትያናት ተኣማንነትን ገለልትነትን ዜርእዩ፡ ኵሉ ሳዕ ደኣ እምበር፡ ኣብ ግዜ ውግእ ጥራይ ኣይኰነን። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ርእሶም ንየሆዋ ዝወፈዩ ዅሎም ሰባት፡ ንዕኡ ኼፍቅርዎን እሙናት ኪዀኑን ኪእዘዝዎን ቃል ኣትዮም እዮም። (1 ዮሃ. 5:3) እንነብረሉ ቦታ፡ ኣተዓባብያና፡ ዜግነትና፡ ወይ ባህልና ብዘየገድስ፡ ብስርዓታት ጽድቂ ኣምላኽ ክንምራሕ ኣሎና። ከመይሲ፡ ንየሆዋን ንመንግስቱን እሙን ምዃን፡ ካብ ዝዀነ ይኹን ርክብ ንላዕሊ የገድሰና እዩ። (ማቴ. 6:33) ክርስትያናት ከምዚ ዓይነት ተኣማንነት ኬርእዩ እንተ ዀይኖም፡ ካብ ዝዀነ ይኹን ግጭትን ፖለቲካዊ ጕዳያትን እዛ ዓለም እዚኣ ኺርሕቁ ኣለዎም።—ኢሳ. 2:4፣ ዮሃንስ 17:11, 15, 16 ኣንብብ።

2 ከማና ዓይነት እምነት ዘይብሎም ሰባት፡ ንሃገሮም፡ ንዓሌቶም፡ ንባህሎም፡ ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ንሃገራዊት ጋንታ ስፖርት ኣዝዮም እሙናት ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። እቲ ዜሕዝን ድማ፡ ከምዚ ዓይነት ተኣማንነት፡ ጠንቂ ውድድርን ጽልእን ኪኸውን፡ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ምፍሳስ ደምን ጃምላዊ ቕትለትን ኬስዕብ ይኽእል እዩ። ኣካል እቲ እንነብረሉ ማሕበረ ሰብ ምዃንና ስለ ዘይተርፍ፡ ሰባት ነቲ ጕዳያት ዚፈትሑሉ መገዲ ጽቡቕ ይኹን ሕማቕ፡ ንዓና ዀነ ንስድራ ቤትና ዚትንክፍ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣምላኽ ኣብ ውሽጥና ናይ ፍትሒ ስምዒት ኣንቢሩ ስለ ዝፈጠረና፡ እቲ ሰብኣውያን መንግስትታት ዚገብራኦ ውሳነታት፡ ምስቲ ቕኑዕን ፍትሓውን ኢልና እንሓስቦ ኺጋጨወናን ኬጕህየናን ይኽእል ይኸውን። (ዘፍ. 1:27፣ ዘዳ. 32:4) ኣብ ከምዚ ዝበለ ዅነታት እንታይ ምላሽ ኢና እንህብ፧ ብቐሊሉ ኣብ ጕዳያት ዓለም ክንውግንን ኣብቲ ግጭት ክንኣቱን ንኽእል ኢና።

3, 4. (ሀ) ክርስትያናት ካብ ግጭት እዛ ዓለም እዚኣ ገለልተኛታት ኪዀኑ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ክንምርምር ኢና፧

3 እተን ንሰብኣዊ ሕብረተ ሰብ ዜመሓድራ መንግስትታት፡ ኣብቲ ዚልዓል ግጭት ክንውግን ጸቕጢ ይገብራልና ይዀና። ናይ ሓቂ ክርስትያናት ግና ፈጺሞም ኣይውግኑን እዮም። ኣብ ፖለቲካዊ ግጭት እዛ ዓለም እዚኣ ኢድና ኣይነእቱን ኢና፣ ኣጽዋር እውን ኣይንዕጠቕን ኢና። (ማቴ. 26:52) ንሓደ ሸነኽ እዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ብምቅዋም፡ ንኻልእ ሸነኽ ክንድግፍ ብዚግበረልና ጸቕጢ ኣይንጽሎን ኢና። (2 ቈረ. 2:11) ካብዛ ዓለም ስለ ዘይኰንና፡ ኣብ ዝዀነ ይኹን ዓለማዊ ግጭት ኣይንኣቱን ኢና።—ዮሃንስ 15:18, 19 ኣንብብ።

4 ይኹን እምበር፡ ዘይፍጹማት ስለ ዝዀንና፡ ገሌና ብዛዕባ እቶም ካባና ብገለ መገዲ እተፈልዩ ሰባት ገና ኣሉታዊ ኣረኣእያ ይህልወና ይኸውን። (ኤር. 17:9፣ ኤፌ. 4:22-24) ስለዚ፡ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ንኸምኡ ዓይነት ኣረኣእያ ኽንዋጽኣሉ ኺሕግዘና ዚኽእል ገለ ስርዓታት ክንርኢ ኢና። ብዘይካዚ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ እሙናት ምእንቲ ኽንከውን፡ ብኸመይ ኣእምሮናን ሕልናናን ከነሰልጥን ከም እንኽእል ክንምርምር ኢና።

ኣብ ጕዳያት ዓለም ዘይንውግን ስለምንታይ ኢና፧

5, 6. የሱስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ከባቢኡ ዝነበረ ፍልልይ እንታይ ኣረኣእያ ነበሮ፧ ስለምንታይከ፧

5 ኣብ ሓደ ዅነታት እንታይ ክትገብር ከም ዘሎካ እንተ ተጠራጢርካ፡ ‘የሱስ እንተ ዚኸውን እንታይ ምገበረ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተታ። እቲ የሱስ ዚነብረሉ ዝነበረ ማሕበረ ሰብ፡ ካብ ይሁዳን ካብ ገሊላን ካብ ሰማርያን ካብ ካልእ ቦታታትን ብዝመጹ ሰባት ዝቘመ እዩ ነይሩ። ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚገልጾ ድማ፡ ኣብ መንጎ እቶም ሰባት እቲኦም ምስሕሓብ ነይሩ እዩ። (ዮሃ. 4:9) ብዘይካዚ፡ ኣብ መንጎ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን (ግብ. 23:6-9)፡ ኣብ መንጎ እቶም ህዝብን ኣከብቲ ቐረጽን (ማቴ. 9:11)፡ ከምኡ እውን ኣብ መንጎ እቶም ብረቢታት እተማህሩን ዘይተማህሩን ሰባት ምስሕሓብ ነይሩ እዩ። (ዮሃ. 7:49) ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ እስራኤል ብሮማውያን እያ እትግዛእ ነይራ፣ እቶም ህዝቢ ድማ ንሮማውያን ኣዝዮም እዮም ዚጸልእዎም ነይሮም። የሱስ ሃይማኖታዊ ሓቂ ይምህርን ድሕነት ካብ ኣይሁድ ከም ዚመጽእ ይገልጽን እኳ እንተ ነበረ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ግና ካብ ካልኦት ከም ዚበልጹ ገይሩ ኣይመሃሮምን። (ዮሃ. 4:22) ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ንዅሉ ሰብ ከም ብጻዮም ገይሮም ኬፍቅሩ እዩ ተላብይዎም።—ሉቃ. 10:27

6 መብዛሕትኦም ኣይሁድ ንኻልኦት ብዘይ ዝዀነ ይኹን ምኽንያት ይጸልእዎም እኳ እንተ ነበሩ፡ የሱስ ግና ከምኡ ዘይገበረ ስለምንታይ እዩ፧ ምኽንያቱ፡ ንሱ ዀነ ኣቦኡ ኣብ ጕዳያት እዛ ዓለም እዚኣ ኣይውግኑን እዮም። የሆዋ ብወዱ ኣቢሉ ሰብኣይን ሰበይትን ኪፈጥር ከሎ፡ ዕላማኡ ንምልእቲ ምድሪ ኺመልእዋ እዩ ነይሩ። (ዘፍ. 1:27, 28) ኣምላኽ ንደቂ ሰብ፡ እተፈላለዩ ዓሌት ኪወልዱ ኸም ዚኽእሉ ገይሩ እዩ ፈጢርዎም። የሆዋ ዀነ የሱስ፡ ንሓደ ዓሌት፡ ዜግነት፡ ወይ ቋንቋ፡ ካብ ካልእ ኣብሊጾም ኣይርእዩን እዮም። (ግብ. 10:34, 35፣ ራእ. 7:9, 13, 14) ንሕና እውን ነቲ ፍጹም ኣብነቶም ክንስዕቦ ኣሎና።—ማቴ. 5:43-48

7, 8. (ሀ) ክርስትያናት ኣብ ኣየናይ ጕዳይ እዮም ኪውግኑ ዘለዎም፧ (ለ) ክርስትያናት ምስቲ ንማሕበራውን ንፖለቲካውን ጸገማት ዚኸውን መፍትሒ ብዚተሓሓዝ እንታይ እዮም ኪግንዘቡ ዘለዎም፧

7 ይኹን እምበር፡ ኣብ ሓደ ጕዳይ፡ ማለት ኣብቲ ንልዑላውነት የሆዋ ምስ ምድጋፍ ዚተሓሓዝ ጕዳይ፡ ክንውግን ኣሎና። እዚ ጕዳይ እዚ፡ ሰይጣን ኣብ ኤድን ንኣገዛዝኣ የሆዋ ኣብ ሕቶ ምስ ኣእተዎ እዩ ጀሚሩ። ካብቲ እዋን እቲ ኣትሒዙ ኽሳዕ ሎሚ ድማ ኵሉ ሰብ፡ ‘ኣገዛዝኣ የሆዋዶ ይበልጽ ወይስ ኣገዛዝኣ ሰይጣን፧’ ኣብ ዚብል ጕዳይ ኪውስን ኣለዎ። ንስኻኸ ብርእስኻ ኽትምራሕ ዘይኰነስ፡ ንሕግታትን ንስርዓታትን የሆዋ ኽትእዘዝ ብምምራጽ፡ ብምሉእ ልብኻ ኣብ ጐድኒ የሆዋ ደው ትብል ዲኻ፧ ንጸገማት ደቂ ሰብ ክትፈትሖ እትኽእል እታ ናቱ መንግስቲ ጥራይ ምዃና ዲኻ እትኣምን፡ ወይስ ደቂ ሰብ ንገዛእ ርእሶም ኬመሓድሩ ኸም ዚኽእሉ ዀይኑ እዩ ዚስምዓካ፧—ዘፍ. 3:4, 5

8 ነተን ሕቶታት እትህቦ መልሲ፡ ምስቲ ሰባት ብዛዕባ ዜከራኽር ጕዳያት ኪሓትቱኻ ኸለዉ እትህቦ ምላሽ እተተሓሓዘ እዩ። ፖለቲከኛታትን ደለይቲ ለውጥን ነቲ ንደቂ ሰብ ዚመቓቕሎም ዘሎ ጕዳያት ኪፈትሕዎ ተቓሊሶም እዮም። እቲ ዚገብርዎ ጻዕርታት፡ ካብ ቅኑዕ ድራኸ እተበገሰ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ ክርስትያናት፡ ንጸገማት ደቂ ሰብ ክትፈትሖን ናይ ሓቂ ፍትሒ ኸተስፍንን እትኽእል፡ መንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ ምዃና ይግንዘቡ እዮም። ስለዚ፡ ነቲ ጕዳይ ኣብ ኢድ የሆዋ ኽንገድፎ ኣሎና። ከመይሲ፡ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ንዕኡ ዝበለጸ ዝመሰሎ መፍትሒ ኺድግፍ እንተ ጀሚሩ፡ ጉባኤታትና ነዊሕ ከይጸንሓ ሕንፍሽፍሽ ደይኰነን ዚኣትወን፧

9. ኣብታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ጉባኤ ቈረንቶስ እንታይ ጸገም እዩ ኣጋጢሙ፧ ሃዋርያ ጳውሎስከ እንታይ መፍትሒ እዩ ሂቡ፧

9 ገሊኦም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት፡ ንሓደ ኣብ ጉባኤኦም ተላዒሉ ዝነበረ ዚፈላሊ ጕዳይ እንታይ ምላሽ ከም ዝሃቡሉ እስከ ንርአ። ገሊኦም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ውልቀ ሰባት፡ “‘ኣነ ናይ ጳውሎስ እየ፡’ ‘ኣነስ እባ ናይ ኣጵሎስ፡’ ‘ኣነስ እባ ናይ ኬፋ፡’ ‘ኣነስ እባ ናይ ክርስቶስ’” ይብሉ ነበሩ። እቲ ጕዳይ ዝዀነ ይኹን ብዘየገድስ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ብሳዕቤን እቲ ፍልልይ ተቘጥዐ። “ክርስቶስ ተመቓቒሉ ኣሎ” ድማ በሎም። እሞኸ ንኸምዚ ዓይነት ዚዘርግ ኣተሓሳስባ እንታይ እዩ መፍትሒኡ፧ ጳውሎስ ነቶም ክርስትያናት፡ “ኣሕዋተየ፡ ኵላትኩም ሓደ ዘረባ ኽትዛረቡ፡ ብሓደ ኣእምሮን ብሓደ ሓሳብን ክትሰምሩ እምበር፡ ኣብ መንጎኹም ፍልልይ ከይህሉ፡ ብስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስ እምዕደኩም ኣለኹ” በሎም። ሎሚ እውን እንተ ዀነ፡ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ፍልልይ ዜስዕብ ዝዀነ ይኹን ነገር ኪህሉ የብሉን።—1 ቈረ. 1:10-13፣ ሮሜ 16:17, 18 ኣንብብ።

10. ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ክርስትያናት ኣብ ግጭት እዛ ዓለም እዚኣ ገለልተኛታት ኪዀኑ ኸም ዘለዎም ዝገለጸ ብኸመይ እዩ፧

10 ጳውሎስ ንቕቡኣት ክርስትያናት፡ ኣብ ምድራዊ ነገራት ከየተኵሩ፡ የግዳስ ዜጋታት ሰማይ ምዃኖም ኪዝክሩ ተላበዎም። (ፊል. 3:17-20) * ቅቡኣት ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ኣምባሳደራት ኰይኖም እዮም ኪነብሩ ነይርዎም። ኣምባሳደራት ከኣ ኣብ ፖለቲካዊ ጕዳያት እታ እተመደቡላ ሃገር ኢዶም ኣየእትዉን እዮም። ከመይሲ፡ ንኻልእ መንግስቲ እዮም እሙናት ኪዀኑ ዘለዎም። (2 ቈረ. 5:20) ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ክርስትያናት እውን ተገዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽ ስለ ዝዀኑ፡ ኣብ ግጭታት እዛ ዓለም እዚኣ ኺውግኑ ግቡእ ኣይኰነን።

ንየሆዋ እሙን ምእንቲ ኽትከውን፡ ርእስኻ ኣሰልጥን

11, 12. (ሀ) ሓደ ክርስትያን ኣብ ከመይ ዝበለ ዅነታት እዩ ንመንግስቲ ኣምላኽ ዘለዎ ተኣማንነት ኪፍተን ዚኽእል፧ (ለ) ንሓንቲ ክርስትያን እንታይ እዩ ኣጋጢምዋ፧ ብኸመይከ ፈቲሓቶ፧

11 ኣብ መብዛሕትኡ ኽፋል ዓለም፡ ማሕበረ ሰባት ኣዝዮም ይቀራረቡ እዮም። ሓባራዊ ታሪኽን ባህልን ቋንቋን ድማ ኣለዎም፣ እቶም ተቐማጦ ኸኣ በዚ ኣመና ይዀርዑ እዮም። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኸባቢ፡ ክርስትያናት ምስ ገለልትነት ዚተሓሓዝ ጕዳያት ኪልዓል ከሎ ግቡእ መልሲ ምእንቲ ኺህቡ፡ ኣእምሮኦምን ሕልናኦምን ኬሰልጥኑ ኣለዎም። ብኸመይ እዮም ከምኡ ኺገብሩ ዚኽእሉ፧

12 ካብ ዩጎዝላቭያ ነበር ዝመጸት ሚርየታ * ዝስማ ሓብቲ እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ። ኣብቲ ዝዓበየትሉ ኸባቢ፡ ተቐማጦ ሰርብያ ኣዝዮም እዮም ዚጽልኡ። ኰይኑ ግና፡ የሆዋ ኸም ዘየዳሉን ዓሌታዊ ጸገማት ከም ዚልዓዓል ዚገብር ሰይጣን ምዃኑን ምስ ፈለጠት፡ ነቲ ዝነበራ ሃገራዊ ስምዒት ከተወግዶ ጸዓረት። ይኹን እምበር፡ ኣብቲ እትነብረሉ ኸባቢ ዓሌታዊ ዓመጻ ምስ ተላዕለ፡ እቲ ቐደም ዝነበራ ጽልኢ ኪቕልቀል ጀመረ፣ ንተቐማጦ ሰርብያ ምስባኽ ድማ ኣዝዩ ኸበዳ። እቲ ኣሉታዊ ስምዒታ ባዕሉ ኽሳዕ ዚጠፍእ ኢዳን እግራን ኣጣሚራ ኽትጽበ ኸም ዘይብላ ግና ተገንዘበት። ነዚ ጸገም እዚ ምእንቲ ኽትዋጽኣሉ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣገልግሎታ ኸተስፍሕን ፈላሚት ክትከውንን ምእንቲ ኺሕግዛ፡ ንየሆዋ ለመነቶ። ሚርየታ ኸምዚ በለት፦ “ኣቓልቦይ ኣብ ኣገልግሎት ምግባረይ ኣዝዩ ሓጊዙኒ እዩ። ምኽንያቱ፡ ኣብ ኣገልግሎት ነቲ ፈቃር ባህርያት የሆዋ ክቐድሖ ስለ ዝጽዕር፡ እቲ ዝነበረኒ ኣሉታዊ ስምዒት ቀስ ብቐስ ጠፊኡ እዩ።”

13. (ሀ) ንሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር ከም እትጕሂ ዝገበራ እንታይ እዩ፧ ንሳ ግና እንታይ ምላሽ ሃበት፧ (ለ) ካብ ተመክሮ ቶይላ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

13 ካልእ ኣብነት እስከ ንርአ፣ እዚ ኸኣ ንቶይላ ዚምልከት እዩ። ቶይላ ኻብ መክሲኮ ዝመጸት ኰይና፡ ኣብ ኤውሮጳ ኣብ እትርከብ ጉባኤ እያ እትካፈል። ኣብቲ ጉባኤ ዘለዉ ኻብ ማእከላይ ኣመሪካ ዝመጹ ገሊኦም ኣሕዋት፡ ብዛዕባ ባህልን ሙዚቃን እቲ ዝመጸትሉ ሃገር፡ ሜላ ዝጐደሎን ዜቈናጽብን ዘረባ ኺዛረቡ ኸለዉ ሰምዐት። እሞኸ እንታይ ምላሽ ሃበት፧ ዘረባ እቶም ኣሕዋት ከም ዘጕሃያ ዚከሓድ ኣይኰነን። እቲ ዜሐጕስ ግና፡ ነቲ ዝነበራ ኣሉታዊ ስምዒት ከተጥፍኦ ምእንቲ ኺሕግዛ፡ ንየሆዋ ለመነቶ። ምናልባት ኣብ መንጎና ዘለዉ ገሊኦም ኣሕዋት፡ ምስ ተመሳሳሊ ጕዳያት ይቃለሱ ይህልዉ ይዀኑ። ንሕና ድማ ብወገንና፡ ምጕጅጃል ኬስዕብ ዚኽእል ወይ ከኣ ኣሕዋትና ዘይግቡእ ተኣማንነት ከም ዜርእዩ ኺገብሮም ዚኽእል ነገራት ክንዛረብ ወይ ክንገብር ኣይግብኣናን እዩ።—ሮሜ 14:19፣ 2 ቈረ. 6:3

14. ክርስትያናት ኣብቲ ምስ ተኣማንነት ዚተሓሓዝ ጕዳይ፡ ኣእምሮኦምን ሕልናኦምን ኬሰልጥኑ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

14 ዝዓበኻሉ መገዲ ወይ ከባቢ፡ ሃገራዊ ወይ ኣውራጃዊ ተኣማንነት ከም እተሕድር ይገብረካ ድዩ፧ እዚ ስምዒት እዚ ገና ኣብ ልብኻ ኣሎ ድዩ፧ ክርስትያናት ንኻልኦት ሰባት ዘለዎም ኣረኣእያ ብሰንኪ ሃገራዊ ስምዒት ኪበላሾ የብሉን። ኰይኑ ግና፡ ብዛዕባ ኻልእ ሃገር፡ ባህሊ፡ ቋንቋ፡ ወይ ዓሌት ኣሉታዊ ኣረኣእያ እንተ ኣልዩካኸ፧ ከምኡ ዚስምዓካ እንተ ዀይኑ፡ የሆዋ ንሃገራውነትን ንጽልእን ብኸመይ ከም ዚርእዮ ኸተስተንትን ኣሎካ። ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዝን ምስኡ ዚዛመድ ካልእ ርእሰ ነገራትን፡ ኣብ ብሕታዊ መጽናዕትኻ ወይ ኣብ ኣምልኾ ስድራ ቤትካ ምርምር ክትገብረሉ ጽቡቕ እዩ። ድሕሪኡ፡ ኣብቲ ጕዳይ ከም ናቱ ዓይነት ኣረኣእያ ኺህልወካ ምእንቲ ኺሕግዘካ፡ ንኣምላኽ ለምኖ።—ሮሜ 12:2 ኣንብብ።

ንየሆዋ እሙናት ክንከውን እንተ ዄንና፡ ምጕብዕባዕ እናኣጋጠመና ኽነሱ እውን እንተ ዀነ ኽንጸንዕ ኣሎና (ሕጡብ ጽሑፍ 15, 16 ርአ)

15, 16. (ሀ) ንኣምላኽ እሙናት ክንከውን ክንጽዕር ከለና፡ ካልኦት እንታይ ምላሽ ኪህቡ ኢና ኽንጽበ እንኽእል፧ (ለ) ወለዲ ንደቆም፡ ነቲ ምስ ክርስትያናዊ ገለልትነት ተተሓሒዙ ዚመጽእ ጸገማት ምእንቲ ኺዋጽኡሉ ብኸመይ ኪሕግዝዎም ይኽእሉ፧

15 ውዒሉ ሓዲሩ፡ ኵሎም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብቶም ኣብ ከባቢኦም ዘለዉ ፍሉያት ንኪዀኑ ሕልናኦም ዜገድዶም ኵነታት የጋጥሞም እዩ፣ እዚ ኸኣ ምስ መሳርሕቲ፡ መማህርቲ፡ ጐረባብቲ፡ ኣዝማድ፡ ወይ ከኣ ምስ ካልኦት ሰባት እተተሓሓዘ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (1 ጴጥ. 2:19) እወ፡ ካብ ካልኦት እተፈለና ኽንከውን ኣሎና። ዓለም በቲ መትከልና እንተ ጸልኣትና ኽንግረም የብልናን፣ ከመይሲ፡ የሱስ ኣጠንቂቑና ነይሩ እዩ። ብዙሓት ተጻረርቲ፡ ክርስትያናዊ ገለልትነት ንዘለዎ ኣገዳስነት ኣይርድእዎን እዮም። ንዓና ግና፡ እቲ ጕዳይ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

16 ንየሆዋ እሙናት ክንከውን እንተ ዄንና፡ ምጕብዕባዕ እናኣጋጠመና ኽነሱ እውን እንተ ዀነ ኽንጸንዕ ኣሎና። (ዳን. 3:16-18) ንሰብ ምፍራህ ኣብ ኵሉ ዕድመ ንዚርከቡ ሰባት ዚጸሉ እኳ እንተ ዀነ፡ ብፍላይ ግና መንእሰያት ካብ ካልኦት እተፈልዩ ምዃን ኪኸብዶም ይኽእል እዩ። ደቅኻ ኸም ንባንዴራ ሰላምታ ምሃብ ወይ ሃገራዊ በዓላት ምብዓል ዝኣመሰለ ጕዳያት የጋጥሞም እንተ ኣልዩ፡ ሓግዞም። ኣብቲ ኣምልኾ ስድራ ቤት እትገብሩሉ እዋን፡ ደቅኻ ነቲ ጸገማት ብዓወት ምእንቲ ኺዋጽኡሉ፡ ነቲ ጕዳያት ኪርድእዎ ሓግዞም። ብዛዕባ እቲ ዚኣምኑሉ ነገራት ብንጹርን ብኣኽብሮትን ኪዛረቡ እውን ሓግዞም። (ሮሜ 1:16) ንደቅኻ ብተወሳኺ ንምሕጋዝ፡ ኣድላዪ እንተ ዀይኑ ተበግሶ ወሲድካ ንመምህራኖም ብዛዕባ እቲ ጕዳያት ኣዘራርቦም።

ንዅሉ ፍጥረት የሆዋ ኣማስወሉ

17. ካብ ከመይ ዝበለ ኣረኣእያ ኢና ኽንርሕቕ ዘሎና፧ ስለምንታይከ፧

17 ነቲ ዝዓበናሉ ዓድን ባህልን ቋንቋን ምግብን ብእተወሰነ ደረጃ እንተ ፈተናዮ ጌጋ ኣይኰነን። ይኹን እምበር፡ “ናተይ ይበልጽ” ዚብል ኣረኣእያ ኺህልወና የብሉን። የሆዋ፡ ባህ ምእንቲ ኺብለና ኢሉ እተፈላለየ ነገራት እዩ ፈጢሩ። (መዝ. 104:24፣ ራእ. 4:11) ከምኡ እንተ ዀይኑ ደኣ እሞ ስለምንታይ ኢና እቲ ሓደ ኻብቲ ኻልእ ከም ዚበልጽ ጌርና እንርእዮ፧

18. ከም ናይ የሆዋ ዓይነት ኣረኣእያ ምሓዝ በረኸት ዜምጽእ ብኸመይ እዩ፧

18 ኣምላኽ፡ ኵሉ ዓይነት ሰብ ናብ ልክዕ ፍልጠት ሓቂ ኺመጽእን ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረክብን እዩ ዚደሊ። (ዮሃ. 3:16፣ 1 ጢሞ. 2:3, 4) ተቐባልነት ዘለዎ እተፈላለየ ዓይነት ሓሳባት ብኽፉት ኣእምሮ ምርኣይ፡ ንኣተሓሳስባና የስፍሖን ንክርስትያናዊ ሓድነትና ይሕልዎን እዩ። ንየሆዋ ዘሎና ተኣማንነት ክንሕሉ እንተ ዄንና፡ ኣብ ግጭት እዛ ዓለም እዚኣ ኽንኣቱ የብልናን። ኣብ ወገንነት እተመስረተ ተኣማንነት፡ ኣብ መንጎና ኺህሉ የብሉን። የሆዋ ኻብቲ ነዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ዓብሊልዋ ዘሎ ዚኸፋፍልን ብትዕቢት እተነፍሐን ንሕንሕ ዚበዝሖን ተግባራት ናጻ ስለ ዘውጸኣና ኸነመስግኖ ኣሎና። ልክዕ ከምቲ ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ መዝሙር ዝገለጾ ዓይነት ሰላማዊ ኣረኣእያ ኸነጥሪ ኽንጽዕር ኣሎና፣ ንሱ፡ “እንሆ፡ ኣሕዋት ብሓደ ሐቢሮም ኪነብሩስ፡ ክንደይ ሰናይን ክንደይ ጥዑምን እዩ” በለ።—መዝ. 133:1

^ ሕ.ጽ. 10 ፊልጲ፡ ግዝኣት ሮሜ እያ ነይራ። ገሊኦም ኣባላት እታ ኣብኡ ዝነበረት ጉባኤ፡ ዜግነት ሮሜ ስለ ዝነበሮም፡ ካብ ካልኦት ኣሕዋቶም ንላዕሊ ሓለፋ ኺረኽቡ ይኽእሉ ነበሩ።

^ ሕ.ጽ. 12 ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።