ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ነቲ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት እትምስርቶ ዕርክነት ተጠንቀቐሉ

ነቲ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት እትምስርቶ ዕርክነት ተጠንቀቐሉ

“ሕማቕ ዕርክነት ንጽቡቕ ልማድ የበላሽዎ እዩ።”​—1 ቈረ. 15:33

መዝሙር፦ 25, 20

1. ሎሚ ኣብ እንታይ እዋን ኢና እንነብር ዘለና፧

ኣብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዋን ኢና እንነብር ዘለና። መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ብ1914 ዝጀመረ ዘመን፡ “ዳሕሮት መዓልትታት” ኢሉ ይጽውዖ። እዚ “ጽንኩር ግዜ” እዚ፡ በቲ ቕድሚ 1914 ብደቂ ሰብ ተራእዩ ዘይፈልጥ ዝኸፍአ ዅነታት እዩ ዚልለ። (2 ጢሞ. 3:1-5) ኰይኑ ግና፡ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘እኩያትን ኣምሰሉታትን ናብ ዝገደደ ኺበጽሑ እዮም’ ስለ ዚብል፡ ኵነታት ዓለምና ገና እናኸፍአ ኪኸይድ እዩ።—2 ጢሞ. 3:13

2. እዛ ዓለምና ብምንታይ እያ እትዘናጋዕ፧ (ኣብዛ ገጽ እዚኣ ዘላ ስእሊ ርአ።)

2 ብዙሓት ሰባት ንምዝንጋዕ ኢሎም ዚርእይዎ ወይ ዚገብርዎ ነገራት፡ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዓመጻ፡ ርኽሰት፡ መናፍስትነት፡ ወይ እከይ ገይሩ ዚቘጽሮ ተግባራት እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ኢንተርነትን መደባት ተለቪዥንን ፊልምታትን መጻሕፍትን መጽሔታትን፡ ንዓመጻን ንርኽሰትን ዚንእድ ነገራት እዩ ዚቐርብ። ቅድሚ ሕጂ ተቐባልነት ከም ዘይብሉ ጌርካ ዚርአ ዝነበረ ነገራት፡ ሎሚ ኣብ ገሊኡ ቦታታት ሕጋዊ ይኸውን ኣሎ። ኰይኑ ግና፡ እቲ ተግባራት ሕጋዊ ምዃኑ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቐባልነት ኣለዎ ማለት ኣይኰነን።—ሮሜ 1:28-32 ኣንብብ።

3. እቶም ብስርዓታት ቅዱሳት ጽሑፋት ኪመላለሱ ዚጽዕሩ ሰባት፡ መብዛሕትኡ እዋን ብኸመይ እዮም ዚርኣዩ፧

3 ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ሰዓብቲ የሱስ፡ ካብ ርኹስ መዘናግዒ ይርሕቁ ነበሩ። በዚ ምኽንያት እዝን ብምኽንያት እቲ ንኣምላኽ ዜኽብር ጠባዮምን፡ ካልኦት ሰባት የካፍእዎምን መስጐጕቲ የውርዱሎምን ነበሩ። ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ “ናብቲ ዕያግ ዝርጋን ምሳታቶም ስለ ዘይጐየኹም ይግረሙ፡ ንዓኻትኩም [ንክርስትያናት] ከኣ ይጸርፉኹም ኣለዉ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ጴጥ. 4:4) ሎሚ እውን እንተ ዀነ፡ እቶም ብስርዓታት ኣምላኽ ኪመላለሱ ዚጽዕሩ ሰባት፡ ብዓለም ከም ስግንጢር ጌርካ እዮም ዚርኣዩ። “ኵሎም እቶም ምስ ክርስቶስ ብዘለዎም ሕብረት ብኣምላኻዊ ተወፋይነት ኪነብሩ ዚደልዩ እውን፡ ኪስጐጉ እዮም።”—2 ጢሞ. 3:12

“ሕማቕ ዕርክነት ንጽቡቕ ልማድ የበላሽዎ”

4. ቅዱሳት ጽሑፋት፡ ምስዛ ዓለም እዚኣ ብዚተሓሓዝ እንታይ ከይንገብር እዩ ዚመኽረና፧

4 ቅዱሳት ጽሑፋት ነቶም ፍቓድ ኣምላኽ ኪገብሩ ዚደልዩ ሰባት፡ ንዓለምን ንተግባራታን ከይፈትዉ ይመኽሮም እዩ። (1 ዮሃንስ 2:15, 16 ኣንብብ።) እቲ ንመራኸቢ ብዙሓን እውን ዜጠቓልል ሃይማኖታውን ፖለቲካውን ንግዳውን ባእታታት እዛ ዓለም እዚኣ፡ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር እቲ “ኣምላኽ እዚ ስርዓት ዓለም እዚ” ዝዀነ ሰይጣን ድያብሎስ እዩ ዘሎ። (2 ቈረ. 4:4፣ 1 ዮሃ. 5:19) ስለዚ፡ ከም ክርስትያናት መጠን፡ ነቲ እንምስርቶ ዕርክነት ክንጥንቀቐሉ ኣሎና። እቲ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ቓል ኣምላኽ፡ “ኣይትታለሉ። ሕማቕ ዕርክነት ንጽቡቕ ልማድ የበላሽዎ እዩ” ዚብል መሰረታዊ ሓቂ ይገልጽ እዩ።—1 ቈረ. 15:33

5, 6. ምስ መን ኢና ኽንተዓራረኽ ዘይብልና፧ ስለምንታይከ፧

5 ነቲ ጽቡቕ ልማድና ምእንቲ ኸይነበላሽዎ፡ ምስቶም ሕማቕ ነገራት ዚገብሩ ሰባት ክንቀራረብ የብልናን። እዚ ኸኣ ምስቶም ዘይኣመንቲ ዝዀኑ ኣበስቲ ምሕባር ጥራይ ዘይኰነስ፡ ምስቶም ንየሆዋ ኸም ዜምልኽዎ ዚዛረቡ ግናኸ ደይመደይ ኢሎም ሕግታቱ ዚጥሕሱ ሰባት ዘይምቅርራብ እውን ዜጠቓልል እዩ። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ኣምሰሉ ክርስትያናት፡ ከቢድ ኣበሳ ፈጺሞም ክነሶም እንተ ዘይተነሲሖም፡ ነቲ ምሳታቶም ዝነበረና ዕርክነት ከነቋርጾ ኣሎና።—ሮሜ 16:17, 18

6 ምስቶም ንሕጊ ኣምላኽ ዘይእዘዝዎ ንተዓራረኽ እንተ ዄንና፡ ብኣታቶም ተቐባልነት ምእንቲ ኽንረክብ፡ ከምቲ ንሳቶም ዚገብርዎ ኽንገብር ክንፍተን ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ጾታዊ ርኽሰት ምስ ዚፍጽሙ ሰባት እንተ ተዓራሪኽና፡ ንሕና እውን ርኽሰት ክንፍጽም ክንፍተን ንኽእል ኢና። ንገሊኦም ርእሶም ዝወፈዩ ክርስትያናት ከምኡ እዩ ኣጋጢምዎም፣ ገሊኣቶም ድማ ስለ ዘይተነስሑ ተወጊዶም እዮም። (1 ቈረ. 5:11-13) ናብ የሆዋ እንተ ዘይተመሊሶም ከኣ፡ ኵነታቶም ልክዕ ከምቲ ጴጥሮስ ዝገለጾ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—2 ጴጥሮስ 2:20-22 ኣንብብ።

7. ምስ መን ኢና ኽንተዓራረኽ ዚግብኣና፧

7 ሓቂ እዩ፡ ነቶም ሕጊ ኣምላኽ ዘይስዕቡ ሰባት ለውሃት ከነርእዮም ኣሎና፣ ኰይኑ ግና፡ ናይ ቀረባ ኣዕሩኾም ክንከውን የብልናን። ስለዚ፡ ሓደ ዘይተመርዓወ ናይ የሆዋ ምስክር፡ ርእሱ ንየሆዋ ምስ ዘይወፈየን ንኣምላኽ እሙን ምስ ዘይኰነን ነቲ ልዑል ስርዓታት ኣምላኽ ኣኽብሮት ምስ ዘይብሉን ውልቀ ሰብ ፍቕራዊ ርክብ ኪምስርት ጌጋ እዩ። በቶም ብስርዓታት ኣምላኽ ዘይመላለሱ ሰባት ክትፍቶ ኻብ ምጽዓር ንላዕሊ፡ ክርስትያናዊ ንጽህናኻ ምሕላው ብዝያዳ የገድስ። ስለዚ፡ ምስቶም ፍቓድ ኣምላኽ ዚፍጽሙ ሰባት ኢና ኽንተዓራረኽ ዚግብኣና። የሱስ፡ “ፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ዘበለ፡ ንሱ ሓወይን ሓብተይን ኣደይን እዩ” በለ።—ማር. 3:35

8. ሕማቕ ዕርክነት ንጥንታውያን እስራኤላውያን ዝጸለዎም ብኸመይ እዩ፧

8 እስራኤላውያን ነቲ ሕማቕ ዕርክነት ዜምጽኦ ሳዕቤን ርእዮምዎ እዮም። የሆዋ ኻብ ባርነት ግብጺ ሓራ ኣውጺኡ ናብ ምድሪ ተስፋ ኺመርሖም ከሎ፡ ብዛዕባ ተቐማጦ እታ ምድሪ ተስፋ ኸምዚ በሎም፦ “ንኣማልኽቶም ኣይትስገድ፡ ኣይተገልግሎም ድማ፡ ከም ግብሮም ከኣ ኣይትግበር። ብጥራስ ደኣ ኣፍርሶም፡ ኣዕኑዶም ከኣ ሓሸምሸም ኣብል። ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣገልግሉ።” (ዘጸ. 23:24, 25) ኰይኑ ግና፡ መብዛሕትኦም እስራኤላውያን ንመምርሒ ኣምላኽ ኣይተኣዘዝዎን። (መዝ. 106:35-39) ንኣምላኽ እሙናት ስለ ዘይኰኑ ድማ፡ የሱስ ጸኒሑ፡ “እንሆ፡ ቤትኩም ክትጥንጠነልኩም እያ” በሎም። (ማቴ. 23:38) በዚ ኸምዚ፡ የሆዋ ንእስራኤል ሓዲጉ፡ ነታ ሓዳስ እተመስረተት ክርስትያናዊት ጉባኤ ኺባርኻ ጀመረ።—ግብ. 2:1-4

ነቲ እተንብቦን እትርእዮን ተጠንቀቐሉ

9. መራኸቢ ብዙሓን እዛ ዓለም እዚኣ ሓደገኛ ኪኸውን ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧

9 መራኸቢ ብዙሓን እዛ ዓለም እዚኣ ዜዳልዎ ነገራት፡ ንክርስትያናት ብመንፈሳዊ መዳይ ሓደገኛ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ከመይሲ፡ እቲ ዚዳሎ ነገራት ነታ ኣብ የሆዋን ኣብ ተስፋታቱን ዘላትና እምነት ዚሃንጽ ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣብዛ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ሰይጣን ዘላ እክይቲ ዓለም ክንውከል ዜተባብዕ እዩ። ስለዚ፡ “ዓለማዊ ትምኒት” ዜለዓዕል ነገራት ከይንርእን ከይነንብብን ከይንሰምዕን ኣዚና ኽንጥንቀቕ ኣሎና።—ቲቶ. 2:12

10. ነቲ በዛ ዓለም እዚኣ ዚቐርብ ጐዳኢ ዝዀነ ጽሑፋትን ዚርአ ነገራትን እንታይ ኬጋጥሞ እዩ፧

10 ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ እቲ በዛ ዓለም እዚኣ ዚቐርብ ጐዳኢ ዝዀነ ጽሑፋትን ዚርአ ነገራትን ኪውገድ እዩ። እታ ምንጪ እዚ ነገራት እዚ ዝዀነት ሰይጣን ዚቈጻጸራ ዓለም ምስ ጠፍአት፡ እቲ ጐዳኢ ነገራት እውን ምስኣ ኺጠፍእ እዩ። ቃል ኣምላኽ፡ “ዓለም ከኣ ትሓልፍ እያ ዘላ፡ ትምኒታ እውን ከምኡ፣ እቲ ፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር” ይብል። (1 ዮሃ. 2:17) ብተመሳሳሊ፡ ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ መዝሙር፡ “እኩያት ኪጸንቱ እዮም፡ ንእግዚኣብሄር ዚጽበይዎ ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም፡ . . . ትሑታት ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም፡ ብብዝሒ ሰላም ከኣ ደስ ኪብሎም እዩ” ኢሉ ዘመረ። ንኽንደይ ዚኸውን ግዜ፧ “ጻድቃን ንሃገር ኪወርስዋ፡ ኣብኣውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም።”—መዝ. 37:9, 11, 29

11. ኣምላኽ ንህዝቡ ጽቡቕ መንፈሳዊ ምግቢ ዚህቦም ብኸመይ እዩ፧

11 ውድብ የሆዋ ኻብዛ ዓለም እዚኣ ብእተፈልየ መገዲ፡ ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪመርሓና ዚኽእል ኣካይዳ ኽንስዕብ ዜተባብዕ ሕታማት፡ ኣብዚ ዳሕሮት መዓልትታት ተዳሉ ኣላ። የሱስ ናብ የሆዋ ኺጽሊ ኸሎ፡ “በይንኻ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንዝዀንካ ንዓኻን ነቲ ዝለኣኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ” በለ። (ዮሃ. 17:3) እቲ ሰማያዊ ኣቦና ብውድቡ ኣቢሉ፡ ማእለያ ዘይብሉ ዚሃንጽ መንፈሳዊ ምግቢ ይህበና ኣሎ። ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ኽብ ዜብል መጽሔታትን ብሮሹራትን መጻሕፍትን ቪድዮታትን ወብ ሳይትን ብምርካብና ተባሪኽና ኢና። ብዘይካዚ፡ ውድብ ኣምላኽ በተን ኣብ መላእ ዓለም ዚርከባ ልዕሊ 110,000 ጉባኤታት ኣቢላ ስሩዕ ኣኼባታት ተካይድ እያ። ኣብቲ ሰሙናዊ ዀነ ዓበይቲ ኣኼባታት ድማ፡ ኣብ ኣምላኽን ኣብ ተስፋታቱን ንዘላትና እምነት ዜደልድል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ትምህርቲ ይቐርብ እዩ።—እብ. 10:24, 25

“ብጐይታ ጥራይ” ተመርዖ

12. መጽሓፍ ቅዱስ “ብጐይታ ጥራይ” ክንምርዖ ዚመኽረና ስለምንታይ ምዃኑ ግለጽ።

12 ብፍላይ እቶም ኪምርዓዉ ዚደልዩ ንጽል ክርስትያናት፡ ብዛዕባ እቲ ዚምስርትዎ ዕርክነት ኪጥንቀቑ ኣገዳሲ እዩ። ቃል ኣምላኽ ብንጹር፡ “ምስቶም ዘይኣመንቲ ኣብ ሓደ ኣርዑት ኣይትጸመዱ። ማለት፡ ጽድቅን ሓጢኣትን እንታይ ርክብ ኣለዎ፧ ወይስ ብርሃን ምስ ጸልማት እንታይ ሕብረት ኣለዎ፧” ኢሉ ይመክር። (2 ቈረ. 6:14) መጽሓፍ ቅዱስ ነቶም መጻምድቲ ዚደልዩ ዘለዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ፡ “ብጐይታ ጥራይ” ኪምርዓዉ፡ ማለት ርእሱ ወፍዩ እተጠምቀን ምስ ቅዱስ ጽሑፋዊ ትምህርትታት ተሰማሚዑ ዚነብርን ኣገልጋሊ የሆዋ ኺምርዓዉ እዩ ዚመኽሮም። (1 ቈረ. 7:39) ክርስትያናት ምስ ኣማኒ ዝዀነ ብጻይ እንተ ተመርዕዮም፡ ርእሱ ንየሆዋ ዝወፈየን ንጽህናኦም ምእንቲ ኺሕልዉ ኺሕግዞም ዚኽእልን መጻምድቲ እዮም ዚረኽቡ።

13. ኣምላኽ ንእስራኤላውያን እንታይ ንመውስቦ ዚምልከት ትእዛዝ እዩ ሂብዎም ነይሩ፧

13 የሆዋ፡ ንኣገልገልቱ ዚጠቕሞም እንታይ ምዃኑ ይፈልጥ እዩ፣ እቲ ንሓዳር ብዚምልከት ዘለዎ ኣረኣእያ ድማ ሓድሽ ኣይኰነን። ነቲ ብሙሴ ኣቢሉ ንእስራኤላውያን ሂብዎም ዝነበረ ንጹር ትእዛዝ እስከ ንርአ። እስራኤላውያን ምስቶም ኣብ ዙርያኦም ዝነበሩ ንየሆዋ ዘየገልግሉ ሰባት ብዚተሓሓዝ፡ “ኣይትዋሰቦም፤ ጓልካ ንወዱ ኣይትሀቦ፡ ጓሉ ኸኣ ንወድኻ ኣይትውሰድ። ንደቅኻ፡ ካልኦት ኣማልኽቲ ምእንቲ ኼምልኹ ካብ ምስዓበይ ይመልሶም እሞ፡ ኵራ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌኹም ይነድድ፡ ቀልጢፉ ኸኣ የጥፍኣካ” ዚብል መምርሒ ተዋሂብዎም ነበረ።—ዘዳ. 7:3, 4

14, 15. ሰሎሞን ንመምርሒ ኣምላኽ ዕሽሽ ብምባሉ እንታይ እዩ ኣጋጢምዎ፧

14 እቲ ወዲ ዳዊት ዝነበረ ንጉስ ሰሎሞን ኣብ ፈለማ ንግስናኡ፡ ጥበብ ምእንቲ ኺህቦ ንኣምላኽ ለመኖ፣ የሆዋ ድማ ብዙሕ ጥበብ ሃቦ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ንጉስ ሰሎሞን ጥበበኛ መራሒ ሓንቲ ብልጽግቲ ሃገር ስለ ዝዀነ፡ ህቡብ ኰነ። ንግስቲ ሳባ ንሰሎሞን ምስ በጽሓቶ፡ “መጺኤ ብዓይነይ ክሳዕ ዝርኢ ድማ ነቲ ዘረባ ኣይአመንክዎን፡ እንሆ ኸኣ፡ ፈረቓ እኳ ኣይነገሩንን። ካብቲ ዝሰማዕክዎ ወረ ዚበዝሕ ጥበብን ጽቡቕ ነገርን አሎካ” በለቶ። (1 ነገ. 10:7) ኰይኑ ግና፡ ሰሎሞን፡ ምስ ዘይኣማኒ ብምምርዓው ንትእዛዝ ኣምላኽ ምጥሓስ ብዛዕባ ዘለዎ ዜሕዝን ሳዕቤን ዚሕብር መለበሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—መክ. 4:13

15 ኣምላኽ ንሰሎሞን ብዙሕ ነገራት እኳ እንተ ገበረሉ፡ ንሱ ግና ኣብቲ ኸባቢ ኻብ ዝነበራ ሃገራት ዝመጻ ንየሆዋ ዘየምልኻ ኣንስቲ ብምምርዓው ንትእዛዝ ኣምላኽ ዕሽሽ በሎ። ‘ብዙሓት ጓኖት ኣንስቲ ስለ ዝፈተወ፡’ ኣብ መወዳእታኡ 700 ኣንስትን 300 ኣንስቲ ወሰንን ነበራኦ። እሞኸ ውጽኢቱ እንታይ ኰነ፧ ሰሎሞን ኣብ ግዜ እርግናኡ፡ እተን ጓኖት ኣንስቱ “ልቡ ኣዘንበላኦ፡ . . . ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ።” (1 ነገ. 11:1-6) እወ፡ ሰሎሞን ብሰንኪ እቲ ዝመስረቶ ሕማቕ ዕርክነት፡ እቲ ዝነበሮ ጥበብ ጠፍአ፣ ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ድማ ሓደጎ። እዝስ ነቶም ንየሆዋ ዘየፍቅር ሰብ ኪምርዓዉ ዚሓስቡ ዘለዉ ክርስትያናት፡ ከመይ ዝኣመሰለ መለበሚ ዀን እዩ!

16. ቅዱሳት ጽሑፋት ንሓደ ዘይኣማኒ መጻምድቲ ዘለዎ ሰብ እንታይ ምኽሪ እዩ ዚህቦ፧

16 ሓደ ሰብ ንየሆዋ ኼምልኾ ኺጅምር ከሎ፡ መጻምድቱ ዘይኣማኒ እንተ ዀነኸ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣትን ኣንስቲ፡ ገለ ነቲ ቓል ዘይእዘዙ እንተ ኣለዉ፡ ብዘይ ቃል ብኣካይዳ ኣንስቶም ምእንቲ ኺማረኹ ንሰብኡትክን ተገዝኣኦም” ይብል እዩ። (1 ጴጥ. 3:1) እዘን ቃላት እዚአን፡ ኣብ ክርስትያን ኣንስቲ ዘተኰራ እኳ እንተ ዀና፡ እቲ መሰረታዊ ስርዓት ግና፡ ዘይኣማኒት ተመርዕዩ ኸሎ ንየሆዋ ኼምልኾ ንዝጀመረ ሰብኣይ እውን ዚምልከት እዩ። ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ንጹር እዩ፣ ንፉዕ መጻምድቲ ኽትከውንን ምስቲ ንሓዳር ዚምልከት ልዑል ስርዓታት ኣምላኽ ተሰማሚዕካ ኽትመላለስን ከም ዘሎካ እዩ ዚመክር። ብዙሓት ዘይኣመንቲ ዝነበሩ መጻምድቲ፡ እቲ መጻምድቶም ምስቲ ኣምላኽ ካባና ዚደልዮ ብቕዓታት ተሰማሚዑ ኺነብር ከሎ ዝገበሮ ለውጢ ምስ ረኣዩ፡ ሓቂ ተቐቢሎም እዮም።

ምስቶም ንየሆዋ ዜፍቅርዎ ተዓራረኽ

17, 18. ኖህን ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናትን ካብ ጥፍኣት እቲ ዚነብሩሉ ዝነበሩ ስርዓት ዝደሓኑ ስለምንታይ እዮም፧

17 ልክዕ ከምቲ ሕማቕ ዕርክነት ንጽቡቕ ልማድ ዜበላሽዎ፡ ጽቡቕ ዕርክነት ድማ ሰናይ ውጽኢት ኪህልዎ ይኽእል እዩ። ንኖህ እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ፣ ኖህ ኣብ እክይቲ ዓለም እዩ ዚነብር ነይሩ፣ ኰይኑ ግና፡ ካብቶም ኣብ ከባቢኡ ዝነበሩ ተቐማጦ ናይ ቀረባ ኣዕሩኽ ኣይነበርዎን። ኣብቲ እዋን እቲ፡ የሆዋ፡ “ክፍኣት ሰብ ኣብ ምድሪ ኸም ዝበዝሔን ብሓሳባት ልቡ ዚሕልኖ ድማ ወርትግ ክፉእ ጥራይ ከም ዝዀነን” ርእዩ ነይሩ እዩ። (ዘፍ. 6:5) ስለዚ፡ ነቲ እኩይ ስርዓት ዓለምን ንደገፍቱን ብማይ ኣይሂ ኼጥፍኦም ወሰነ። ይኹን እምበር፡ “ኖህ ኣብቶም ወለዶታቱ ጻድቕን እንታ ዜብሉን ሰብኣይ ነበረ። ኖህ ምስ ኣምላኽ ተማላለሰ።”—ዘፍ. 6:7-9

18 ኖህ ምስቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሎም ሰባት ፈጺሙ ኣይተዓራረኸን። ንሱን ሸውዓተ ኣባላት ስድራ ቤቱን፡ ኣብቲ ኣምላኽ ዝሃቦም ዕዮ፡ እንተላይ ኣብ ህንጸት መርከብ እዮም ተጸሚዶም ነይሮም። ኣብ ርእሲ እዚ ኖህ፡ “ሰባኽ ጽድቂ” እዩ ነይሩ። (2 ጴጥ. 2:5) ኣብ ዕዮ ስብከት ይካፈልን መርከብ ይሃንጽን ምስ ስድራ ቤቱ ግዜ የሕልፍን ስለ ዝነበረ፡ በቲ ንኣምላኽ ዜሐጕሶ ሰናይ ነገራት ትሑዝ እዩ ነይሩ። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ንሱን ስድራ ቤቱን ካብቲ ማይ ኣይሂ ደሓኑ። ሎሚ ዘለና ዅላትና ዘርኢ እቶም ንየሆዋ ብተኣማንነት ዘገልገልዎ ኖህን ሰበይቱን ደቁን ኣንስቲ ደቁን ስለ ዝዀንና፡ ነቲ ዝገበርዎ ኸነማስወሉ ኣሎና። ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ እሙናትን እዙዛትን ክርስትያናት እውን፡ ካብቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘይነበሮም ሰባት እተፈልዩ ስለ ዝነበሩ፡ ካብቲ ብ70 ድ.ክ. ዘጋጠመ ጥፍኣት የሩሳሌምን ስርዓት ኣይሁድን ደሓኑ።—ሉቃ. 21:20-22

ምስ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ዘሎና ጥዑይ ምሕዝነት፡ መርኣያ እቲ ኣብ ሓዳስ ዓለም ዚህሉ ህይወት እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 19 ርአ)

19. ሞገስ ኣምላኽ ምእንቲ ኽንረክብ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

19 ከም ኣምለኽቲ የሆዋ መጠን፡ ንኖህን ንስድራ ቤቱን ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ እዙዛት ክርስትያናትን ክንመስሎም ኣሎና። ካብቲ ኣብ ዙርያና ዚርከብ እኩይ ስርዓት ዓለም ክንርሕቕን ምስቶም ብሚልዮናት ዚቝጸሩ እሙናት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዚሃንጽ ዕርክነት ክንምስርትን ኣሎና። ምስቶም ብጥበብ ኣምላኽ ዚምርሑ ሰባት እንተ ጠቢቕና፡ ኣብዚ ኣዝዩ ጽንኩር እዋን ‘ኣብ እምነት ክንጸንዕ’ ኢና። (1 ቈረ. 16:13፣ ምሳ. 13:20) ብዛዕባ እቲ ዜደንቕ መጻኢና እሞ ሕሰብ። ነቲ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት እንምስርቶ ዕርክነት እንተ ተጠንቂቕናሉ፡ ነዚ ሕጂ ዘሎ እኩይ ስርዓት ዓለም ብህይወት ሰጊርና፡ ናብታ ኣዝያ እትቐርብ ዘላ ጽድቂ የሆዋ ዝሰፈና ሓዳስ ዓለም ክንኣቱ ኢና።