ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ብጽሕና ክርስቶስ ትበጽሕዶ ኣለኻ፧

ናብ ብጽሕና ክርስቶስ ትበጽሕዶ ኣለኻ፧

“እዚ እውን . . . ናብ ልክዕ ምልኣት ብጽሕና ክርስቶስ ክሳዕ እንበጽሕ እዩ።”—ኤፌ. 4:13

መዝሙር፦ 11, 42

1, 2. ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን እንታይ ዓይነት ዕቤት ንምግባር እዩ ኺጽዕር ዘለዎ፧ ብምሳሌ ኣረድእ።

ሓንቲ ንፍዕቲ ሰበይቲ ኣብ ዕዳጋ ፍረታት ክትሓሪ ኸላ፡ ነቲ ዘዝዓበየ ወይ ነቲ ዘዝሓሰረ ጥራይ ኣይኰነትን እትሓሪ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ዘዝበሰለ እያ እትሓሪ። ንምብላዑ ጥዑም፡ ንምሽታቱ ባህ ዜብል፡ ንጥዕና እውን ጠቓሚ ፍረታት እያ እትደሊ። እወ፡ ብሱል ፍረታት እያ እትሓሪ።

2 ሓደ ሰብ ናብ ወፈያን ጥምቀትን ምስ በጽሐ፡ ዕቤቱ ይቕጽል እዩ። ሸቶኡ ኸኣ ብሱል ኣገልጋሊ ኣምላኽ ምዃን እዩ። እቲ ኣብዚ እንዛረበሉ ዘሎና ብስለት ግና፡ ኣካላዊ ዘይኰነስ፡ መንፈሳዊ ብስለት እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ኤፌሶን ዝነበሩ ክርስትያናት ብመንፈሳዊ መዳይ ኪዓብዩ ኸም ዜድልዮም ጽሒፉሎም እዩ። “ናብ ሓድነት እምነትን ናብ ልክዕ ፍልጠት ወዲ ኣምላኽን፡ ናብ እኹል ሰብኣይ፡ ናብ ልክዕ ምልኣት ብጽሕና ክርስቶስ” ኪበጽሑ ድማ ኣተባቢዕዎም እዩ።—ኤፌ. 4:13

3. ኣብ ጉባኤ ኤፌሶን ዝነበረ እንታይ ኵነታት እዩ ሎሚ ኣብ ህዝቢ የሆዋ ዘሎ፧

3 ጳውሎስ ነታ መልእኽቱ ኺጽሕፋ ኸሎ፡ እታ ኣብ ኤፌሶን ዝነበረት ጉባኤ ኻብ እትምስረት እተወሰነ ዓመታት ገይራ ነይራ እያ። ኣብኣ ዝነበሩ ብዙሓት ደቀ መዛሙርቲ ድማ፡ ኣብ ልዑል ደረጃ መንፈሳዊ ዕቤት በጺሖም ነይሮም እዮም። ገሊኣቶም ግና ናብ ብስለት ንምብጻሕ ጻዕሪ ኺገብሩ የድልዮም ነይሩ እዩ። ሎሚ ኣብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘሎ ዅነታት እውን ተመሳሳሊ እዩ። ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ንኣምላኽ ንነዊሕ ግዜ ኣገልጊሎምዎን ናብ መንፈሳዊ ብስለት ገስጊሶምን ኣለዉ። ኵላቶም ግና ኣብቲ ደረጃ እቲ ኣይበጽሑን። ንኣብነት፡ ዓመት ዓመት ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ሓደስቲ ይጥመቑ እዮም፣ ስለዚ፡ ገሊኦም ናብ ብስለት ኪበጽሑ ጻዕሪ ኺገብሩ የድልዮም እዩ። ንስኻኸ ኸመይ ኢኻ፧—ቈሎ. 2:6, 7

ክርስትያናዊ ዕቤት

4, 5. ብሱላት ክርስትያናት እንታይ ፍልልያት ኪህልዎም ይኽእል፧ ኵላቶም ግና እንታይ ሓባራዊ ነገር ኣለዎም፧ (ኣብ ገጽ 3 ዘላ ስእሊ ርአ።)

4 ኣብ ዕዳጋ ብሱል ፍረታት ክትሓሪ ኸለኻ፡ ኵሉ እቲ ፍረታት ሕደ ዘይምዃኑ ኽትርኢ ትኽእል ኢኻ። ግናኸ፡ ብሱል ዜብሎ እተወሰነ መለለይታት ኣለዎ። ብተመሳሳሊ ኸኣ፡ ብሱላት ክርስትያናት እተፈላለየ ዜግነትን ኣተዓባብያን ጥዕናን ዕድመን ተመክሮን ዘለዎም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ባህርያቶም ወይ ባህሎም እውን ፍልልይ ኪህልዎም ይኽእል እዩ። ግናኸ፡ ኵሎም እቶም ብመንፈሳዊ መዳይ ዝዓበዩ፡ ብሱላት ምዃኖም ዚልለይሉ ባህርያት የማዕብሉ እዮም። እዚ እንታይ እዩ፧

5 ሓደ ብሱል ኣገልጋሊ የሆዋ፡ ንህይወቱ ኣብቲ እቲ ‘ኣስኣሰሩ ኽንስዕብ’ ኣርኣያ ዝሓደገልና የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት ከም እተተኵር እዩ ዚገብር። (1 ጴጥ. 2:21) እሞኸ የሱስ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ ዘጕልሖ ነገር እንታይ እዩ፧ ብምሉእ ልብናን ነፍስናን ኣእምሮናን ንየሆዋ ምፍቃርን ንብጻይና ኸም ነፍስና ምፍቃርን እዩ። (ማቴ. 22:37-39) ሓደ ብሱል ክርስትያን ምስዚ ምኽሪ እዚ ተሰማሚዑ ኺነብር እዩ ዚጽዕር። ነቲ ምስ የሆዋ ዘለዎ ርክብን ነቲ ንሰባት ዜርእዮም ጥቕሚ ርእሳ እትስውእ ፍቕርን ኣብ ቀዳማይ ቦታ ዚሰርዕ ዓይነት ናብራ ህይወት እዩ ዚህልዎ።

ብዕድመ ዝደፍኡ ክርስትያናት ነቶም ሕጂ መሪሕ ግደ ዘለዎም ብዕድመ ዝነኣሱ ክርስትያናት ብምድጋፍ፡ ከም ናይ ክርስቶስ ዝበለት ትሕትና የርእዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 6 ርአ)

6, 7. (ሀ) ሓደ ክርስትያን ብሱል ምዃኑ ዚልለየሉ ገለ ባህርያት እንታይ እዩ፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንርኢ፧

6 ግናኸ፡ ፍቕሪ ሓደ መዳይ እቲ ብሱል ክርስትያን ዜርእዮ ፍረ መንፈስ ጥራይ ምዃና ንፈልጥ ኢና። (ገላ. 5:22, 23) ከም እኒ ልእመትን ርእሰ ግትኣትን ዓቕልን ዝኣመሰለ ኻልእ መዳያት እውን ኣገዳሲ እዩ። እዚ ባህርያት እዚ፡ ኣብ ኣጸጋሚ ዅነታት ከይነንጸርጽር፡ ልቢ ኣብ ዚሰብር ዜጕሂ ዅነታት ከኣ ተስፋ ኸይንቘርጽ ይሕግዘና እዩ። ሓደ ብሱል ክርስትያን ኣብ ብሕታዊ መጽናዕቱ፡ ቅኑዕን ጌጋን ኪፈሊ ዜኽእሎ ቕዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ወትሩ የናዲ እዩ። ድሕሪኡ፡ ውሳነ ኺገብር ከሎ፡ መንፈሳዊ ብስለቱ ይርአ እዩ። ንኣብነት፡ ነቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ ዝሰልጠነ ሕልናኡ ይሰምዖ እዩ። መገድታትን መለክዒታትን የሆዋ ኻብ ናቱ ኸም ዚበልጽ ስለ ዚፈልጥ እውን፡ ትሕትና የርኢ እዩ። * ብቕንኣት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ይሰብኽ፡ ንሓድነት ጉባኤ እውን ኣበርክቶ ይገብር እዩ።

7 ንየሆዋ ዘገልገልናሉ ንውሓት ግዜ ብዘየገድስ፡ ነፍሲ ወከፍና ንገዛእ ርእስና፡ ‘ብመንፈሳዊ ቐጻሊ ዕቤት ምእንቲ ኽገብር፡ ኣርኣያ የሱስ ብዝያዳ ብምስዓብ ንርእሰይ ክቐርጸሉ ዝኽእል መዳያት ኣሎዶ፧’ ኢልና ኽንሓትት ንኽእል ኢና።

‘ዕጹም ብልዒ ንብሱላት እዩ’

8. የሱስ ብዛዕባ ቕዱሳት ጽሑፋት እንታይ ዓይነት ፍልጠትን ምስትውዓልን እዩ ነይርዎ፧

8 የሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ ቓል ኣምላኽ ዓሚቝ ግንዛበ እዩ ነይርዎ። ወዲ 12 ዓመት ኣብ ዝነበረሉ እዋን እኳ ኸይተረፈ፡ ምስቶም ኣብ ቤተ መቕደስ ዝነበሩ መምህራን ብዛዕባ ቕዱስ ጽሑፋዊ ጕዳያት ኪመያየጥ ይኽእል ነይሩ እዩ። “ዝሰምዕዎ ዘበሉ ኸኣ፡ ብምስትውዓሉን ብምላሹን የስተንክሩ ነበሩ።” (ሉቃ. 2:46, 47) ደሓር ኣብ ምድራዊ ኣገልግሎቱ እውን፡ ንተጻረርቱ ኻብ ቃል ኣምላኽ ጠቒሱ ኣፎም ኣትሒዝዎም እዩ።—ማቴ. 22:41-46

9. (ሀ) ብመንፈሳዊ መዳይ ኪዓቢ ንዚደሊ ሰብ፡ እንታይ ልማድ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ዜድልዮ፧ (ለ) ዕላማ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ እዩ፧

9 ሓደ ብመንፈሳዊ መዳይ ኪዓቢ ዚደሊ ክርስትያን ነቲ የሱስ ዝሓደጎ ኣርኣያ ስለ ዚስዕብ፡ ዕምቈት ብዘይብሉ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ኣይዓግብን እዩ። የግዳስ፡ ‘ዕጹም ብልዒ ንብሱላት’ ምዃኑ ስለ ዚፈልጥ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣዕሚቑ እዩ ዚዅዕት። (እብ. 5:14) እምበኣር፡ ብሱል ክርስትያን “ልክዕ ፍልጠት ወዲ ኣምላኽ” ኪህልዎ እዩ ዚደሊ። (ኤፌ. 4:13) እሞኸ ንስኻ መዓልቲ መዓልቲ መጽሓፍ ቅዱስ ተንብብ ዲኻ፧ ስሩዕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስዶ ኣሎካ፡ ወይ ኣብ ሰሰሙን ኣምልኾ ስድራ ቤት ንምግባር ጻዕሪ ትገብር ዲኻ፧ ቃል ኣምላኽ ከተንብብ ከለኻ፡ የሆዋ ኸመይ ከም ዚሓስብን ከም ዚስምዖን ናብ ዚሕብር ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ኣተኵር። ድሕሪኡ፡ ኣብቲ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ተመርኲስካ ውሳነታት ብምግባር፡ ኣብ ግብሪ ኸተውዕሎ ጽዓር፣ በዚ ኸምዚ ድማ፡ ንየሆዋ ብዝያዳ ኽትቀርቦ ኢኻ።

10. ሓደ ብሱል ክርስትያን ዘለዎ ፍልጠት፡ ኣብ መዓልታዊ ህይወቱ እንታይ ጽልዋ የሕድረሉ፧

10 ሓደ ብሱል ክርስትያን፡ ፍልጠት ጥራይ እኹል ዘይምዃኑ ይርዳእ እዩ። የግዳስ፡ ነቲ ብዛዕባ መገድታትን ስርዓታትን ኣምላኽ ዚፈልጦ ነገራት ኪፈትዎ ኣለዎ። ሓደ ኻብቲ ነዚ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዚፈትዎ ዜርእየሉ መዳያት፡ በቲ ኣብ ህይወቱ ዚሰርዖ ቀዳምነታት እዩ፣ ነዚ ድማ ምስ ሰብኣዊ ዝንባለታት ዘይኰነስ፡ ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ብምስምማዕ እዩ ዚገብሮ። ብዘይካዚ፡ እቲ ክርስትያን ነቲ ናይ ቀደም ኣረኣእያኡን ኣካይዳኡን ‘ንምቕንጣጥ’ ከም ዝጸዓረ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ሓደ ክርስትያን ከምዚ ዝበለ ለውጢ ኺገብር ከሎ፡ “ብናይ ሓቂ ጽድቅን ተኣማንነትን ከም ፍቓድ ኣምላኽ እተፈጥረ” ኸም ናይ ክርስቶስ ዝበለ ሓድሽ ስብእና እዩ ዚለብስ። (ኤፌሶን 4:22-24 ኣንብብ።) መጽሓፍ ቅዱስ ብመሪሕነት ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ እዩ ተጻሒፉ። ሓደ ክርስትያን ነቲ ብዛዕባ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎ ፍልጠትን ንዕኡ ዘለዎ ፍቕርን ምስ ዜዕምቖ፡ ልቡን ኣእምሮኡን ብመንፈስ ቅዱስ ኪጽሎ እዩ ኣጋጣሚ ዚኸፍት። እዚ ኸኣ ንመንፈሳዊ ዕቤት ኣበርክቶ ይገብር እዩ።

ብሓድነት ምሕባር

11. የሱስ ኣብቲ ምስ ስድራ ቤቱን ደቀ መዛሙርቱን ዝነበሮ ርክብ እንታይ እዩ ዜሕልፍ ነይሩ፧

11 የሱስ ኣብ ምድሪ ፍጹም ሰብ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ብዘይፍጹማት ሰባት እዩ ተኸቢቡ ነይሩ። ዘይፍጹማት ወለዲ እዮም ኣዕብዮምዎ፣ ምስ ዘይፍጹማት ኣባላት ቤተ ሰቡ ኸኣ ኣብ ሓደ ቤት ይነብር ነይሩ እዩ። እቶም ካብ ካልኦት ብዝያዳ ዝቐረብዎ ሰዓብቱ እኳ በቲ ኣብ ከባቢኦም ዝነበረ ናይ ኵርዓትን ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምድላይን መንፈስ ተጸልዮም ነይሮም እዮም። ንኣብነት፡ ቅድሚ እታ የሱስ እተቐትለላ መዓልቲ ኣብ ዝነበረት ምሸት፡ “መኖም ዝዓበየ ኸም ዝዀነ . . . ኣብ መንጎኦም ብርቱዕ ክርክር” ኰይኑ እዩ። (ሉቃ. 22:24) የሱስ ግና እቶም ዘይፍጹማት ሰዓብቱ ብመንፈሳዊ መዳይ ኪዓብዩን ሓድነት ዘለዋ ጉባኤ ኬቝሙን ከም ዚኽእሉ እምንቶ ነይርዎ እዩ። በታ ምሸት እቲኣ፡ እቶም ሃዋርያቱ ብፍቕሪ ሓድነት ምእንቲ ኺህልዎም፡ ንሰማያዊ ኣቦኡ፡ “ከምቲ ንስኻ፡ ኦ ኣቦ፡ ምሳይ ሓድነት ዘሎካ፡ ኣነ እውን ምሳኻ ሓድነት ዘሎኒ፡ ንሳቶም እውን ምሳና ሓድነት ኪህልዎም እሞ፡ . . . ከምቲ ንሕና ሓደ ዝዀንና ኸኣ፡ ንሳቶም እውን ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ” ኢሉ ለሚኑሎም እዩ።—ዮሃ. 17:21, 22

12, 13. (ሀ) ኣብ ጉባኤ ሓድነት ኪህሉ ኣበርክቶ ኽንገብር ከም ዚግባእ፡ ኣብ ኤፌሶን 4:15, 16 ከመይ ኢሉ ጐሊሑ ኣሎ፧ (ለ) ሓደ ሓው ከመይ ገይሩ እዩ ንድኽመቱ ሰጊሩ ብሓድነት ምዕያይ እተማህረ፧

12 ሓደ ብሱል ኣገልጋሊ የሆዋ ኣብ ውሽጢ ጉባኤ ሓድነት ኪህሉ እጃሙ የበርክት እዩ። (ኤፌሶን 4:1-6, 15, 16 ኣንብብ።) ህዝቢ ኣምላኽ ዘበልና ኸም ኣካላት ሰብነት ‘እተገጣጠምናን እተዋደድናን’ ክንከውን፡ ማለት ብሓድነት ሓቢርና ኽንዋደድ እዩ ሸቶና። ብመሰረት ቃል የሆዋ፡ ናብዚ ሓድነት እዚ ንምብጻሕ፡ ትሕትና ተድልየና እያ። ሓደ ብሱል ክርስትያን፡ ዋላ እውን ናይ ካልኦት ዘይፍጽምና እናረኣየ፡ ብትሕትና ምእንቲ ሓድነት እዩ ዚዓዪ። ኣብ ጉባኤኻ ናይ ዚርከቡ ኣሕዋት ወይ ኣሓት ዘይፍጽምና ኽትርኢ ኸለኻ፡ እንታይ ኢኻ እትገብር፧ ወይ እውን ሓደ ኣብ ጉባኤ ዘሎ ሰብ እንተ በዲሉካ፡ እንታይ ኢኻ እትገብር፧ ካብቲ ዝበደለካ ምእንቲ ኽትፍለ፡ ብምሳልያዊ ኣዘራረባ ኣብ ዙርያኻ መካበብያ ዲኻ እትሃንጽ፡ ወይስ ነቲ ኣብ መንጎኹም ዘሎ ጋግ ንምስጋር ዜኽእል ድልድል፧ ሓደ ብሱል ክርስትያን ድልድል እምበር፡ መካበብያ ኣይኰነን ኪሃንጽ ዚደልን ዚጽዕርን።

13 ንዩቨ እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ። ኣብ ዝሓለፈ ግዜያት፡ ብናይ ካልኦት ዘይፍጽምና ይበሳጮ ነይሩ እዩ። ጸኒሑ ግና፡ ብመጽሓፍ ቅዱስን በቲ ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ ዘርእስቱ መጽሓፍን ገይሩ ብዛዕባ ህይወት ዳዊት ኬጽንዕ ወሲኑ እዩ። ስለምንታይ እዩ ብዛዕባ ዳዊት ኬጽንዕ ዝመረጸ፧ ዩቨ ኸምዚ ኢሉ ይገልጽ፦ “ዳዊት ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ባህርያት ገሊኦም ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቱ ይርኢ ነይሩ እዩ። ንኣብነት፡ ንጉስ ሳኦል ኪቐትሎ ጽዒሩ እዩ፡ ገለ ኻብቶም ሰቡ ኸኣ ብዳርባ እምኒ ኪቐትልዎ ደልዮም እዮም፡ ሰበይቱ እኳ ኸይተረፈት ኣላጊጻትሉ እያ። (1 ሳሙ. 19:9-11፣ 30:1-6፣ 2 ሳሙ. 6:14-22) ዳዊት ግና፡ ኣካይዳ ኻልኦት ነቲ ንየሆዋ ዘለዎ ፍቕሪ ኼዳኽሞ ኸቶ ኣይፈቐደን። ብዘይካዚ፡ ዳዊት መሓሪ ልቢ እዩ ነይርዎ፣ ኣነ እውን ከም ናቱ ዓይነት ልቢ ኼማዕብል የድልየኒ ነይሩ እዩ። እቲ ብመጽናዕተይ እተመሃርክዎ ነገር፡ ነቲ ብዛዕባ ዘይፍጽምና ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾተይ ዘሎኒ ኣረኣእያ ኽልውጦ ሓጊዙኒ እዩ። ጌጋታት ምጽብጻብ ሓዲገዮ እየ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ንሓድነት ጉባኤና ኣበርክቶ ኽገብር እየ ዝጽዕር።” ንስኻኸ ኸምኡ ንሓድነት ጉባኤኻ ኣበርክቶ ኽትገብር ሸቶዶ ኣሎካ፧

ኣብ መንጎ እቶም ፍቓድ ኣምላኽ ዚገብሩ ዘሎ ዕርክነት

14. የሱስ ከመይ ዝበሉ ሰባት እዩ ኣዕሩኹ ኪዀኑ ዝሓረየ፧

14 የሱስ ክርስቶስ ንሰባት ብሓፈሻ ምቕሉል እዩ ነይሩ። ሰብኡት ኰኑ፡ ኣንስቲ ዀና፡ ንኣሽቱ ዀኑ፡ ዓበይቲ ዀኑ፡ ኰታስ ኵሎም ዓይነት ሰባት ናብኡ ምቕራብ ኣይከብዶምን እዩ ነይሩ። ናይ ቀረባ ኣዕሩኹ ግና፡ ተጠንቂቑ እዩ ሓርዩ። ንእሙናት ሃዋርያቱ፡ “ንስኻትኩም፡ እዚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ እንተ ጌርኩም፡ ኣዕሩኸይ ኢኹም” ኢልዎም እዩ። (ዮሃ. 15:14) የሱስ ንኣዕሩኹ፡ ካብቶም ብተኣማንነት ዝሰዓብዎን ንየሆዋ ብምሉእ ልቦም ዘገልገልዎን ሰባት እዩ ሓርይዎም። ንስኻኸ ንናይ ቀረባ ኣዕሩኽካ ኻብቶም ንየሆዋ ብምሉእ ልቦም ዜገልግልዎ ዲኻ እትሓሪ፧ እዚ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

15. መንእሰያት ካብቲ ምስ ብሱላት ክርስትያናት ዚምስርትዎ ዕርክነት ከመይ ገይሮም ኪጥቀሙ ይኽእሉ፧

15 ሓያሎ ዓይነት ፍረታት፡ ምዉቕ ብርሃን ጸሓይ ኪረክብ ከሎ እዩ ዚበስል። ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ሕውነትና ዘሎ ሙቐት፡ ናብ ብስለት ንምብጻሕ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ምናልባት እንታይ ዓይነት ህይወት ከም ዚህልወካ እትውስን ዘለኻ መንእሰይ ትኸውን። ምስቶም ንየሆዋ ኣብ ምግልጋልን ንሓድነት ጉባኤ ኣበርክቶ ኣብ ምግባርን ነዊሕ ተመክሮ ዘለዎም ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾት እንተ ተቐራሪብካ፡ ክትጥቀም ኢኻ። ኣብቲ ዘሕለፍዎ ዓመታት፡ ብዙሕ ዓቐበትን ቍልቍለትን ሰጊሮም፡ ንኣምላኽ ኣብ ዜቕርብዎ ኣገልግሎት እውን ጸገማት ኣሕሊፎም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ስለዚ፡ ዝበለጸ መገዲ ህይወት ንምሕራይ ኪሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም። ምስ ከምዚኣቶም ዝበሉ ኣሕዋትን ኣሓትን ዚህልወካ ምዉቕን ሃናጽን ዕርክነት፡ ናይ ብሕትኻ ጥበባዊ ውሳነታት ክትገብርን ናብ ብስለት ክትግስግስን ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።—እብራውያን 5:14 ኣንብብ።

16. ኣብ ሓንቲ ጉባኤ ዚርከቡ ዓበይቲ ክርስትያናት ንሓንቲ መንእሰይ ሓብቲ ዝሓገዝዋ ብኸመይ እዮም፧

16 ንኣብነት፡ ሀልጋ ኣብቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝነበረትሉ ናይ መወዳእታ ዓመት፡ እቶም ኣብ ክፍላ ዝነበሩ ተምሃሮ ብዛዕባ ብሕታዊ ሸቶታቶም ኪመያየጡ ትዝ ይብላ። መብዛሕትኦም፡ ጽቡቕ ስራሕ ምእንቲ ኺረኽቡ፡ ናብ ዩኒቨርሲቲ ኺኣትዉ ኸም ዘለዎም ሸቶ ገይሮም ነይሮም። ሀልጋ ግና ብዛዕባ ሸቶኣ ኣብ ጉባኤኣ ምስ ዚርከቡ መሓዙታ እያ ተመያይጣ። ከመይ ገይሮም ከም ዝሓገዝዋ ድማ ከምዚ ዚስዕብ ኢላ ትገልጽ፦ “መብዛሕትኦም ብዕድመ ኻባይ ዚዓብዩ እዮም ነይሮም፡ ብዙሕ ድማ ሓጊዞምኒ እዮም። ናብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ክኣቱ ኣተባቢዖምኒ እዮም። ድሕሪኡ፡ ኣብ ኣገልግሎት ፈላምነት ሓሙሽተ ዓመት ከሕልፍ ክኢለ እየ። ሕጂ ድሕሪ ሓያሎ ዓመታት፡ መብዛሕትኡ ንእስነተይ ንየሆዋ ኣብ ምግልጋል ከም ዜተኵር ምግባረይ የሐጕሰኒ እዩ። ከምኡ ምግባረይ ከኣ ኣየጣዕሰንን እዩ።”

17, 18. መንፈሳዊ ብስለት ነቲ ኣብ ህይወት ዘሎና ዕላማ ንምውቃዕ ብኸመይ ይሕግዘና፧

17 ህይወትና ኣብቲ የሱስ ዝሓደገልና ኣብነት ከም እተተኵር ምስ እንገብር፡ ኣብ ክርስትያናዊ ዕቤትና ይሕግዘና እዩ። ንየሆዋ ብዝያዳ ንቐርቦ፡ ብዘሎና ዅሉ ኸነገልግሎ ዘሎና ባህጊ እውን ይዓቢ። ሓደ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ብመንፈሳዊ ምሉእ ብምሉእ ምስ ዓበየ፡ ማለት ብሱል ክርስትያን ምስ ኰነ፡ ንየሆዋ ዝበለጸ እዩ ዚህቦ። የሱስ ንሰዓብቱ፡ “ነቲ ሰናይ ግብርኹም ርእዮም፡ ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኼሞግስዎ፡ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ” ኢሉ ኣተባቢዕዎም እዩ።—ማቴ. 5:16

18 ኣቐዲምካ ኸም እተገልጸ፡ ሓደ ብሱል ክርስትያን ኣብ ጉባኤ ጽቡቕ ጽልዋ ኼሕድር ይኽእል እዩ። ከምዚ ዝበለ መንፈሳዊ ብስለት ከኣ ኣብቲ እቲ ክርስትያን ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ሕልና ዚጥቀመሉ መገዲ ይንጸባረቕ እዩ። ከመይ ገይሩ እዩ ሕልናና ጥበባዊ ውሳነታት ክንገብር ዚሕግዘና፧ ካልኦት ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ብሕልናኦም ተደሪኾም ንዝገበርዎ ውሳነታትከ ኸመይ ጌርና ኸነኽብረሎም ንኽእል፧ ኣብ እትስዕብ ዓንቀጽ ነዚ ኽንርእዮ ኢና።

^ ሕ.ጽ. 6 ንኣብነት፡ ብዕድመ ዝደፍኡ ምኩራት ኣሕዋት ካብ ገሊኡ ሓላፍነታት ተኣልዮም ነቲ ሓላፍነታት እቲ ንእተሰከሙ ብዕድመ ዝነኣሱ ኣሕዋት ኪድግፍዎም ይሕተቱ ይዀኑ።