ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ኣብ እምነት ጽንዑ”

“ኣብ እምነት ጽንዑ”

“ኣብ እምነት ጽንዑ፡ . . . በርትዑ።”—1 ቈረ. 16:13

መዝሙር፦ 23, 34

1. (ሀ) ኣብ ባሕሪ ገሊላ ህቦብላ ንፋስ ኣብ እተላዕለሉ እዋን፡ ጴጥሮስ እንታይ ተመክሮ እዩ ዘሕለፈ፧ (ኣብዛ ገጽ እዚኣ ዘላ ስእሊ ርአ።) (ለ) ስለምንታይ እዩ ጴጥሮስ ኪጥሕል ዝጀመረ፧

ሃዋርያ ጴጥሮስን ካልኦት ደቀ መዛሙርትን ኣብ ባሕሪ ገሊላ ህቦብላ ንፋስ ምስ ኣጋጠሞም፡ እናቐዘፉ ነቲ ቐላይ ኪሳገርዎ ይጽዕሩ ነበሩ። ብሃንደበት ግና፡ ንየሱስ ብባሕረ ባሕሪ ኪኸይድ ረኣይዎ። ጴጥሮስ ከኣ ንየሱስ፡ “ብማየ ማይ ክመጸካ ኣዝዘኒ” ኢሉ ተዛረቦ። የሱስ “ንዓ” ምስ በሎ፡ ጴጥሮስ ካብታ ጃልባ ወሪዱ፡ ብተኣምራዊ መገዲ ኣብ ልዕሊ እቲ ማዕበል ኪኸይድ ጀመረ። ድሕሪ እተወሰነ ህሞት ግና ኪጥሕል ጀመረ። ስለምንታይ እዩ ኺጥሕል ዝጀመረ፧ ነቲ ህቦብላ ንፋስ ምስ ረኣየ ስለ ዝፈርሀ እዩ። ጴጥሮስ ከኣ ናብ የሱስ ኣእወየ፣ ንሱ ብኡብኡ ኢዱ ዘርጊሑ ሓዞ እሞ፡ “ኣታ ጐደሎ ዝእምነቱ፡ ስለምንታይ ተጠራጢርካ፧” በሎ።—ማቴ. 14:24-32

2. ሕጂ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

2 እምበኣር፡ ካብዚ ጴጥሮስ ዘሕለፎ ተመክሮ፡ ምስ እምነት እተተሓሓዘ ሰለስተ ነጥብታት እስከ ንርአ፦ (1) ጴጥሮስ ኣብ ፈለማ ኸመይ ገይሩ እዩ ኣብ ደገፍ ኣምላኽ እምነት ዘሕደረ፧ (2) ስለምንታይ እዩ ጴጥሮስ እምነቱ ዘጥፍአ፧ (3) ጴጥሮስ ንእምነቱ ዳግም ንምድልዳል እንታይ ሓጊዝዎ፧ ነዚ ነጥብታት እዚ ምምርማርና፡ ከመይ ጌርና ‘ኣብ እምነት ከም እንጸንዕ’ ንምፍላጥ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።—1 ቈረ. 16:13

ኣብ ደገፍ ኣምላኽ እምነት ምሕዳር

3. ጴጥሮስ ካብታ ጃልባ ዝወረደ ስለምንታይ እዩ፧ ንሕና ተመሳሳሊ ነገር ዝገበርናኸ ብኸመይ ኢና፧

3 ጴጥሮስ ብማየ ማይ ኪኸይድ ኢሉ ኻብታ ጃልባ ኺወርድ ከሎ፡ ብእምነት እዩ ገይርዎ። ከመይሲ፡ የሱስ ጸዊዕዎ እዩ፣ ሓይሊ ኣምላኽ ከምቲ ንየሱስ ዚሕግዞ ዝነበረ፡ ንዕኡ እውን ከም ዚሕግዞ እምንቶ ነይርዎ እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ርእስና ንየሆዋ ኽንውፍን ክንጥመቕን ከለና፡ ብእምነት ኢና ኸምኡ እንገብር። የሱስ ሰዓብቱ ኽንከውን፡ ማለት ኣሰሩ ኽንስዕብ ጸዊዑና እዩ። የሱስን ኣምላኽን ብእተፈላለየ መገድታት ከም ዚድግፉና ርግጸኛታት ስለ እንኸውን፡ ብኣታቶም ንኣምን ኢና።—ዮሃ. 14:1፣ 1 ጴጥሮስ 2:21 ኣንብብ።

4, 5. እምነት ክብርቲ ጥሪት ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧

4 እምነት ብሓቂ ኽብርቲ ጥሪት እያ። ከምቲ እምነት ንጴጥሮስ ብማየ ማይ ኪኸይድ ዘኽኣለቶ፡ ንዓና እውን እምነትና ብሰብኣዊ ዓይኒ ኺርአ ኸሎ ዘይከኣል ዚመስል ነገር ክንገብር ተኽእለና እያ። (ማቴ. 21:21, 22) ንኣብነት፡ መብዛሕትና ኣረኣእያናን ተግባራትናን ኣመና ስለ ዝቐየርና፡ እቶም ኣቐዲሞም ዚፈልጡና ዳርጋ ኼለልዩና ዘይክእሉ ዄንና ኢና። ነዚ ስጕምቲ እዚ ብመሰረት እታ ብየሆዋ ዘላትና እምነት ስለ ዝገበርናዮ፡ የሆዋ ንጻዕርታትና ደጊፍዎ እዩ። (ቈሎሴ 3:5-10 ኣንብብ።) ብእምነትና ተደሪኽና ርእስና ንየሆዋ ምስ ወፈና፡ ፈተውቱ ኢና እንኸውን፣ እዚ ድማ ባዕልና ኽንገብሮ እንኽእል ኣይኰነን።—ኤፌ. 2:8

5 ድሕሪኡ እውን እምነትና ጕልበት ትዀነና እያ። ነቲ ኻብ ሰብ ዝሓየለ መጻርርትና ድያብሎስ ዚፍንዎ መጥቃዕትታት፡ ብእምነት ኢና እንጻረሮ። (ኤፌ. 6:16) ብዘይካዚ እውን፡ ብየሆዋ እንእመን ስለ ዝዀንና፡ ኣብ ኣጸጋሚ ግዜያት ንዚፍጠር ጭንቀትና ይንክዮ እዩ። ብእምነትና ተደሪኽና ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ምስ እነቐድም፡ የሆዋ ዜድልየና ስጋዊ ነገራት ከም ዜማልኣልና ቓል ኣትዩልና ኣሎ። (ማቴ. 6:30-34) ኣብ ርእሲ እዚ ድማ፡ ሳላ እምነትና፡ ሰብ ብጻዕሩ ዘይረኽቦ ውህበት፡ ማለት ናይ ዘለኣለም ህይወት ክንረክብ ንኽእል ኢና።—ዮሃ. 3:16

ኣትኵሮና ምስ እነጥፍእ፡ እምነትና ነጥፍእ

6, 7. (ሀ) ነቲ ንጴጥሮስ ከቢብዎ ዝነበረ ህቦብላን ማዕበልን ምስ ምንታይ ከነመሳስሎ ንኽእል፧ (ለ) እምነትና ኸይትጐድል ኬተሓሳስበና ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

6 እቲ ጴጥሮስ ብማየ ማይ ኪኸይድ ከሎ ኸቢብዎ ዝነበረ ንፋስን ማዕበልን፡ ህይወትና ንኣምላኽ ወፊና ኣብ እንነብሮ ናብራ ምስ ዜጋጥመና ጸገማትን ፈተናታትን ኪመሳሰል ይኽእል እዩ። እዚ ኸቢድ ኣብ ዚዀነሉ መዳይ እኳ፡ ብደገፍ የሆዋ ኽንጸንዕ ንኽእል ኢና። ጴጥሮስ ብሰንኪ ሓያል ንፋስ ወይ ብሰንኪ ብርቱዕ ማዕበል ከም ዘይጠሓለ ኣይንረስዕ። ነቲ ዘጋጠመ ነገር ምልስ ኢልና ምስ እንርእዮ፡ “ህቦብላ ንፋስ ምስ ረኣየ ግና፡ ፈርሀ” ዚብል ኢና እንረክብ። (ማቴ. 14:30) ጴጥሮስ ነቲ ኣብ የሱስ ዝነበሮ ኣትኵሮ ስለ ዘጥፍአ እዩ እምነቱ ተነቓኒቓ። ንሕና እውን ብምሳልያዊ መገዲ ‘ህቦብላ ንፋስ እንተ ርኢና፡’ ማለት ኣብ ብርታዐኡ እንተ ኣተኲርናን የሆዋ ኸም ዚድግፈና እንተ ተጠራጢርናን፡ ክንጥሕል ንጅምር ኢና።

7 ምድካም እምነት ወይ ምጥፋእ እምነት፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ “ብቐሊሉ ዚሓላልኸና ሓጢኣት” ተባሂሉ ተገሊጹ ስለ ዘሎ፡ እምነትና ኸይትጐድል ኬተሓሳስበና ኣለዎ። (እብ. 12:1) ንጴጥሮስ ዘጋጠሞ ተመክሮ ኸም ዚሕብሮ፡ ኣብ ግጉይ ነገራት እንተ ኣተኲርና እምነትና ቐልጢፋ ኽትደክም ትኽእል እያ። ኣብ ከምኡ ዝበለ ሓደጋ ኸም ዘለና ኸመይ ጌርና ኽንፈልጥ ንኽእል፧ ንርእስና ኽንምርምር ዜኽእለና ገለ ሕቶታት እስከ ንርአ።

8. ኣምላኽ ዘተስፈወና ተስፋታት ከም ዚፍጸም ዝነበረና ምትእምማን ኪንኪ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

8 ኣምላኽ ዘተስፈወና ተስፋታት ከም ዚፍጸም ዝነበረኒ ምትእምማን ይንኪዶ ኣሎ፧ ንኣብነት፡ ኣምላኽ ነዚ ሕጂ ዘሎ ስርዓት ከም ዜጥፍኦ ቓል ኣትዩ እዩ። ግናኸ፡ በቲ ኣብ ዓለም ዘሎ በብዓይነቱ መዘናግዒ ኣትኵሮና ስለ እተሰርቀ፡ ኣብቲ ኣምላኽ ዘተስፈዎ ተስፋ ዘላትና እምነት ተዳኺማ ድያ፧ ምናልባት መወዳእታ ብሓቂ ኸም ዝቐረበ ኽንጠራጠር ጀሚርና ንኸውን። (ኣን. 2:3) ካልእ ኣብነት እስከ ንርአ። ኣምላኽ ብመሰረት በጃ ክርስቶስ ይቕረ ኸም ዚብለልና ቓል ኣትዩልና እዩ። ወትሩ ብዛዕባ ሕሉፍ ጌጋታትና ጥራይ እንሓስብ እንተ ዄንና፡ የሆዋ ብሓቂ ንዅሉ ሓጢኣትና እንተ ‘ደምሲስዎ’ ኽንጠራጠር ክንጅምር ንኽእል ኢና። (ግብ. 3:19) በዚ ኸምዚ፡ ካብ ኣገልግሎት ኣምላኽ እንረኽቦ ሓጐስ ከነጥፍእን ዘይንጡፋት ክንከውንን ንኽእል ኢና።

9. ኣብ ብሕታዊ ዋኒንና እንተ ኣተኲርና እንታይ እዩ ዜጋጥመና፧

9 ከም ቀደመይ ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ትጉህ ድየ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ ንየሆዋ ብትግሃት ምስ እነገልግል፡ ‘ክሳዕ መወዳእታ ርግጽ ተስፋ ኸም እትህልወና’ ገሊጹ እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ብሕታዊ ዋኒንና እንተ ኣተኲርና፡ ንኣብነት ንኣምልኾና ኣብ ዚዓናቕፍ ጽቡቕ ደሞዝ ዚኽፈሎ ስራሕ እንተ ኣተኲርና፡ እንታይ ኢና እንኸውን፧ እምነትና ኽትደክም ትኽእል እያ፣ ካብቲ ዅነታትና ዚፈቕዶ ንታሕቲ ስለ እንገብር እውን፡ ‘ፈዛዛት ክንከውን’ ንኽእል ኢና።—እብ. 6:10-12

10. ንኻልኦት ይቕረ ኽንብል ከለና፡ ብየሆዋ ኸም እንኣምን ከመይ ጌርና ነርኢ፧

10 ምስ ዝብደል፡ ይቕረ ኽብል እሽገር ድየ፧ ካልኦት ኪብድሉና ወይ ኪጐድኡና ኸለዉ፡ ኣብ ስምዒትና ኸነተኵር እሞ ሕርሕራይ ጌርና ኽንነግሮም ወይ ክንስጕደም ንፍተን ንኸውን። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግና፡ ይቕረ እንተ ኢልናሎም፡ ብየሆዋ ኸም እንኣምን ኢና እነርኢ። ከመይ ጌርና ኢና ኸምኡ እንብል፧ ከምቲ ንሕና ኽንብድል ከለና ንኣምላኽ ሰብ ዕዳኡ እንኸውን፡ እቶም ዚብድሉና እውን ሰብ ዕዳና እዮም ዚዀኑ። (ሉቃ. 11:4) ንኻልኦት ይቕረ ኽንብለሎም ከለና፡ በደል ብምሕዳግ ሞገስ ኣምላኽ ምርካብ፡ ዕዳኦም ከም ዚኸፍሉ ኻብ ምግባር ንላዕሊ ዋጋ ኸም እንህቦ ኢና እነርኢ። ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ንኻልኦት ይቕረ ምባል እምነት ከም ዚሓትት ይፈልጡ ነይሮም እዮም። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ንዝበደልዎም ኪሓድጉሎም ምስ ነገሮም፡ “እምነት ወስኸና” ኢሎም እዮም ለሚኖምዎ።—ሉቃ. 17:1-5

11. ካብ ዚውሃበና ቕዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ኸይተጠቐምና ኽንተርፍ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

11 ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ኺውሃበኒ ኸሎ፡ ቆጭቆጭ እብል ድየ፧ ካብቲ ምኽሪ ኽንጥቀም ኣብ ክንዲ እንጽዕር፡ ኣብ ገሊኡ ጕድለት እቲ ምኽሪ ወይ ጕድለት እቲ መኻሪ ነተኵር ንኸውን። (ምሳ. 19:20) በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ንኣተሓሳስባና ምስ ኣተሓሳስባ ኣምላኽ ንምዕራይ ዝነበረና ኣጋጣሚ የምልጠና ይኸውን።

12. ብዛዕባ እቶም ኣምላኽ ንህዝቡ ኺመርሑ ዚጥቀመሎም ሰባት ኣዘውቲሩ ዜዕዘምዝም ሰብ፡ እንታይ ከም ዝዀነ እዩ ዜርኢ፧

12 ኣብ ጉባኤ ብዛዕባ ዘለዉ እተሸሙ ኣሕዋት አጕረምርም ድየ፧ እስራኤላውያን ኣብቲ እቶም እምነት ዘይነበሮም ዓሰርተ ሰለይቲ ዘምጽእዎ ሕማቕ ወረ ምስ ኣተኰሩ፡ ኣብ ልዕሊ ሙሴን ኣሮንን ኣጕረምሪሞም እዮም። ሽዑ፡ የሆዋ ንሙሴ፡ “ክሳዕ መኣዝከ እዮም . . . ዘይአምኑኒ፧” እዩ ኢልዎ። (ዘሁ. 14:2-4, 11) እወ፡ እስራኤላውያን ምጕርምራሞም፡ ነቲ ንሙሴን ንኣሮንን ዝሸሞም ኣምላኽ ከም ዘይኣምንዎ እዩ ኣርእዩ። ንሕና እውን ብዛዕባ እቶም ኣምላኽ ንህዝቡ ኺመርሑ ዚጥቀመሎም ሰባት እንተ ኣዕዘምዚምና፡ ንኣምላኽ ከም ዘይኣመንናዮ ደይኰነን ዜርኢ፧

13. ኣብ እምነትና ድኽመት እንተ ረኺብና፡ ክንድሃል ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

13 ይኹን እምበር፡ ርእስኻ ድሕሪ ምምርማርካ እምነትካ ኸም ዝደኸመት እንተ ፈሊጥካ፡ ኣይትደሃል። ሃዋርያ ጴጥሮስ እውን እንተ ዀነ፡ ብፍርህን ብጥርጣረን እተሰነፈሉ ግዜ ነይሩ እዩ። አረ ሓደ ግዜስ የሱስ ንዅሎም ሃዋርያቱ “ጐደሎ ዝእምነቶም” ኢሉ ገኒሕዎም እዩ። (ማቴ. 16:8) ካብቲ ጴጥሮስ ዘሕለፎ ተመክሮ እንምሃሮ ኣገዳሲ ትምህርቲ፡ ኣብቲ እምነቱ ድሕሪ ምድካማን ኣብቲ ኣብ ባሕሪ ኺጥሕል ድሕሪ ምጅማሩን ዝገበሮ ነገር እዩ ዚርከብ።

እምነትካ ንምድልዳል፡ ኣብ የሱስ ኣተኵር

14, 15. (ሀ) ጴጥሮስ ኪጥሕል ምስ ጀመረ እንታይ እዩ ዝገበረ፧ (ለ) ንየሱስ ቃል ብቓሉ ኽንርእዮ ኻብ ዘይንኽእል፡ ከመይ ጌርና ኢና ‘ኽንጥምቶ’ እንኽእል፧

14 ጴጥሮስ ኣብቲ ህቦብላ ምስ ኣተኰረ እሞ ኺጥሕል ምስ ጀመረ፡ ባዕሉ ናብታ ጃልባ ንምምላስ ኪፍትን ይኽእል ነይሩ እዩ። ክኢላ ሓምባሲ ብምንባሩ፡ መጀመርታ ናብ ኣእምሮኡ ዚመጽእ ነገር ከምኡ ምግባር ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ዮሃ. 21:7) ግናኸ፡ ኣብ ርእሱ ኣብ ክንዲ ዚውከል፡ መሊሱ ኣብ የሱስ እዩ ኣተኲሩ፡ ካብ የሱስ እውን ሓገዝ ተቐቢሉ። እምነትና ኸም ዝደኸመት እንተ ተፈሊጡና፡ ኣብነት ጴጥሮስ ክንቀድሕ ኣሎና። ግናኸ፡ ከመይ ጌርና ኢና ኸምኡ እንገብር፧

15 ከምቲ ጴጥሮስ መሊሱ ኣብ የሱስ ዘተኰረ፡ ንሕና እውን “ናብቲ ናይ እምነትና ቐንዲ መራሕን ፍጹም ገባርን ዝዀነ የሱስ . . . ንጠምት።” (እብራውያን 12:2, 3 ኣንብብ።) ልክዕ እዩ፡ ንየሱስ ከምቲ ጴጥሮስ ኪርእዮ ዚኽእል ዝነበረ ጌርና ቓል ብቓሉ ኽንርእዮ ኣይንኽእልን ኢና። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣብ ትምህርትታትን ተግባራትን የሱስ ብምትኳር ኢና ‘ኽንጥምቶ’ እንኽእል፣ ድሕሪኡ ኸኣ ኣስኣሰሩ ኽንስዕብ ንኽእል። ኣብቲ የሱስ ዝሓደገልና ኣርኣያ ተመርኲስና እንታይ ስጕምትታት ክንወስድ ከም እንኽእል እስከ ንርአ። ነዚ ኣብ ግብሪ እንተ ኣውዒልናዮ፡ ንእምነትና ጽንዕቲ ንምግባር ዜድልየና ሓገዝ ክንረክብ ኢና።

ኣብቲ የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት ብምትኳርን ኣስኣሰሩ ብምስዓብን፡ ኣብ እምነት ክንጸንዕ ንኽእል ኢና (ሕጡብ ጽሑፍ 15 ርአ)

16. ከመይ ጌርና ኢና ንመጽሓፍ ቅዱስ እምነትና ብዚሃንጽ መገዲ ኸነጽንዖ እንኽእል፧

16 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎካ እምንቶ ኣደልድል። የሱስ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ኣምላኽ ምዃኑ ይኣምን ነይሩ እዩ፣ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ንህይወትና ብሉጽ መምርሒ ይህብ እዩ። (ዮሃ. 17:17) ንሕና እውን ኣብነት የሱስ ብምስዓብ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ መዓልቲ መዓልቲ ኸነንብቦን ከነጽንዖን ብዛዕባ እቲ እተመሃርናዮ ኸነስተንትንን ኣሎና። ኣብ ርእሲ እቲ ሓፈሻዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሕቶታት ኪህልወካ ኣብ ዚኽእል ጕዳያት እውን ኣዕሚቝካ ዅዓት። ንኣብነት፡ ኣብ መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ ንነብር ከም ዘለና ብዝያዳ ምእንቲ ኽትተኣማመን፡ ኣብ ዳሕሮት መዓልትታት ንነብር ከም ዘለና ዚሕብር ቅዱስ ጽሑፋዊ መርትዖ ብዝርዝር ከተጽንዕ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ናይ መጻኢ ተስፋታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎካ እምንቶ ምእንቲ ኺድልድል፡ ነቲ ድሮ እተፈጸመ ሓያሎ ትንቢታት ክትምርምሮ ትኽእል ኢኻ። መጽሓፍ ቅዱስ ከመይ ገይሩ ህይወት ሰባት ከም ዜመሓይሽ ዜርኢ ኣብነታት ብምንባብ ከኣ፡ ግብራዊ ጥቕሚ ኸም ዘለዎ እምንቶ ኸተሕድር ትኽእል ኢኻ። *1 ተሰ. 2:13

17. የሱስ ከቢድ ፈተናታት እኳ እናኣጋጠሞ ኸመይ ኢሉ እዩ እሙን ኪኸውን ዝኸኣለ፧ ንስኻኸ ኸመይ ጌርካ ኽትመስሎ ትኽእል፧

17 ኣብቲ የሆዋ ዘተስፈዎ በረኸት ኣተኵር። የሱስ ኣብቲ “ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ” ብምትኳር፡ ከቢድ ፈተና እኳ እናኣጋጠሞ እሙን ኪኸውን ክኢሉ እዩ። (እብ. 12:2) በቲ ዓለም ከተቕርበሉ እትኽእል ነገራት ኣትኵሮኡ ኣይተሰርቀን። (ማቴ. 4:8-10) ንስኻ እውን ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዘተስፈወና ዜደንቕ ተስፋታት ብምስትንታን፡ ንየሱስ ክትመስሎ ትኽእል ኢኻ። ኣምላኽ ነዚ እኩይ ስርዓት እዚ ምስ ኣወገዶ እንታይ ክትገብር ከም እትደሊ ዚገልጽ ጽሑፍ ብምጽሓፍ ወይ ስእሊ ብምስኣል፡ ንርእስኻ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣእቲኻ ሕሰብ። ምስ ተንስኡ ኽትረኽቦም እትደሊ ሰባትን ምሳታቶም ብዛዕባ እንታይ ክትመያየጥ ከም እትደልን ብዝርዝር ጽሓፍ። እቲ ኣምላኽ ዘተስፈዎ ተስፋታት ንደቂ ሰብ ብሓፈሻ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንዓኻ ብውልቂ እውን ከም ዚምልከተካ ጌርካ ርኣዮ።

18. ጸሎት ንእምነትካ ኼደልድላ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

18 እምነት ኪውሰኸልካ ጸሊ። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ካብ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ ኪልምኑ ምሂርዎም እዩ። (ሉቃ. 11:9, 13) ከምኡ ኽትገብር ከለኻ፡ እምነት ኪውሰኸልካ ጸሊ፣ ከመይሲ፡ እምነት ሓደ ኻብ መዳያት ፍረ መንፈስ እያ። እምነትካ ትደክም ከም ዘላ ዜርኢ ንጹር መለለዪ ፈሊኻ ብምጥቃስ፡ ንኣብነት ይቕረ ኽትብል ከም ዘይከኣልካ ብምጥቃስ፡ ነቲ ሽግርካ ምእንቲ ኸተሰንፎ፡ ንኣምላኽ ለምኖ።

19. እንታይ ዓይነት ዓርኪ ኢና ኽንሓሪ ዘሎና፧

19 እምነት ምስ ዘላቶም ሰባት ተዓራረኽ። የሱስ ንኣዕሩኹ፡ ምናዳ ድማ ነቶም ናይ ቀረባ ኣዕሩኹ፡ ተጠንቂቑ እዩ ሓርይዎም። እቶም ናይ ቀረባ ብጾቱ ዝነበሩ ሃዋርያት፡ ንትእዛዛቱ ብምሕላው እምነቶምን ተኣማንነቶምን ኣርእዮም እዮም። (ዮሃንስ 15:14, 15 ኣንብብ።) ስለዚ፡ ኣዕሩኽ ክትሓሪ ኸለኻ፡ ነቶም ንየሱስ እዙዛት ብምዃን እምነቶም ዜርእዩ ሰባት ሕረ። ሓደ ኻብ መለለይታት ጽቡቕ ዕርክነት ድማ፡ ምኽሪ ምሃብ ወይ ምቕባል ኣብ ዜድልየሉ እዋን እኳ ኸይተረፈ፡ ክፉት ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ መትረብ ምህላው ምዃኑ ኣይትረስዕ።—ምሳ. 27:9

20. ንኻልኦት፡ እምነቶም ኪሃንጹ ምስ እንሕግዞም፡ እንታይ ጥቕሚ ኢና እንረክብ፧

20 ንኻልኦት፡ እምነቶም ኬደልድሉ ሓግዞም። የሱስ ብቓልን ብግብርን፡ እምነት ደቀ መዛሙርቱ ሃኒጹ እዩ። (ማር. 11:20-24) ንኻልኦት፡ እምነቶም ኪሃንጹ ምሕጋዝና ንእምነትና እውን ስለ ዜደልድላ፡ ኣብነቱ ኽንስዕብ ኣሎና። (ምሳ. 11:25) ኣብ ናይ ምስባኽን ምምሃርን ዕዮኻ፡ ኣምላኽ ከም ዘሎ፡ ከም ዚሓልየልና፡ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ብድራኸ መንፈሱ እተጻሕፈ ቓሉ ምዃኑ ዚሕብር መርትዖ ኣጕልሕ። ንኣሕዋትካን ንኣሓትካን፡ እምነቶም ኬሐይሉ ሓግዞም። ገሊኦም ምልክት ጥርጣረ እንተ ኣርእዮም፡ ንኣብነት ብዛዕባ እተሸሙ ኣሕዋት ኬዕዘምዝሙ እንተ ጀሚሮም፡ ቀልጢፍካ ኣይትርሓቆም። ኣብ ክንዳኡስ፡ እምነቶም ኬደልድሉሉ ዚኽእሉ ስጕምቲ ኺወስዱ ብምሕጋዝ፡ ብሜላ ርድኣዮም። (ይሁ. 22, 23) ገና ተምሃራይ እንተ ዄንካ እሞ ኽልሰ ሓሳብ ፍልቀት ንምይይጥ እንተ ተላዒሉ፡ ብትብዓት ብዛዕባ እቲ ኣብ ፍጥረት ዘሎካ እምነት ተጣበቕ፣ ቃላትካ ኣብ ካልኦት ዘይተጸበኻዮ ጽልዋ ኺህልዎ ይኽእል እዩ።

21. የሆዋ ብዛዕባ እምነትና ንነፍሲ ወከፍና እንታይ ተስፋ እዩ ኣተስፍዩና፧

21 ጴጥሮስ በቲ ኣምላኽ ብየሱስ ኣቢሉ ዝሃቦ ሓገዝ፡ ንፍርሁን ንጥርጣረኡን ኣሰኒፉ ኣብ መንጎ እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ዓንዲ እምነት ኰይኑ እዩ። ብተመሳሳሊ፡ የሆዋ ንዅላትና ኣብ እምነት ክንጸንዕ ይሕግዘና እዩ። (1 ጴጥሮስ 5:9, 10 ኣንብብ።) እምነት እተምጽኦ ዓስቢ መወዳድርቲ ዘይብሉ ብምዃኑ፡ እቲ እምነትና ንምህናጽ እንገብሮ ጻዕሪ ይኽሕሰና እዩ።

^ ሕ.ጽ. 16 ንኣብነት፡ ነቲ ኣብ ሕታም ህዝቢ ግምቢ ዘብዐኛ ዚወጽእ “መጽሓፍ ቅዱስ ህይወት ሰባት ይቕይር” ዘርእስቱ ዓምዲ ርአ።