ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገበር | ኣምላኽ ንውግእ ብኸመይ ይርእዮ፧

ጥንቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ውግእ ዝነበሮ ኣረኣእያ

ጥንቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ውግእ ዝነበሮ ኣረኣእያ

እቶም ህዝቢ ይጭቈኑ ነበሩ። ሓገዝ ደልዮም ናብ ኣምላኽ እኳ እንተ ጸለዩ፡ ቅልጡፍ ሓገዝ ግና ኣይረኸቡን። እዞም ህዝቢ እዚኦም፡ እቶም ጥንቲ ህዝቢ ኣምላኽ ዝነበሩ እስራኤላውያን እዮም። እታ ብጭከና ትገዝኦም ዝነበረት ሓያል ሃገር ድማ ግብጺ እያ ነይራ። (ዘጸኣት 1:13, 14) እስራኤላውያን፡ ኣምላኽ ካብ ጭቈና ግብጺ ንኼድሕኖም ንዓመታት ዚኣክል ተጸብዮም እዮም። ኣብ መወዳእታኡ፡ ኣምላኽ ስጕምቲ ዚወስደሉ ግዜ ኣኸለ። (ዘጸኣት 3:7-10) መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ባዕሉ ንግብጻውያን ከም እተዋግኦም እዩ ዚገልጸልና። ተኸታታሊ ዝዀነ ኣዕናዊ መዓት ብምምጻእ ንግብጺ ወቕዓ፣ ንንጉስ ግብጽን ሰራዊቱን ድማ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብምጥሓል ኣጥፍኦም። (መዝሙር 136:15) በዚ ኸምዚ፡ የሆዋ ኣምላኽ ኣብ ክንዲ ህዝቡ ዚዋጋእ ሓያል “ተዋጋኢ” ምዃኑ ኣርኣየ።—ዘጸኣት 15:3, 4

ኣምላኽ ባዕሉ ንግብጻውያን ምውጋኡ፡ ንዅሉ ዚግበር ውግእ ይዅንኖ ማለት ከም ዘይኰነ ዜርኢ እዩ። ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታት እውን ንእስራኤላውያን ኪዋግኡ መምርሒ ሂብዎም ነይሩ እዩ። ንኣብነት፡ ኣንጻር እቶም ኣዝዮም እኩያት ዝነበሩ ከነኣናውያን ኪዋግኡ ኣዚዝዎም ነይሩ እዩ። (ዘዳግም 9:5፣ 20:17, 18) ንዳዊት ንጉስ እስራኤል ድማ ኣንጻር እቶም ዚጭቍንዎም ዝነበሩ ፍልስጥኤማውያን ኪዋጋእ መምርሒ ሂብዎ ነይሩ እዩ። ኬዐውቶ ዚኽእል ስልቲ ውግእ እውን ከይተረፈ ነጊርዎ ነይሩ እዩ።—2 ሳሙኤል 5:17-25

እዚ ጸብጻባት መጽሓፍ ቅዱስ እዚ፡ እከይን ጭቈናን ንህይወት እስራኤላውያን ዜስግእ ኣብ ዚዀነሉ ግዜ፡ ኣምላኽ ንህዝቡ ንምዕቋብን ነቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ንምዕቃብን ኢሉ ውግእ ኪግበር ይእዝዝ ከም ዝነበረ እዩ ዜርእየና። እስከ ነዚ ብዛዕባ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኣምላኽ ዝወደቦ ውግእ ዚገልጽ ሰለስተ ቐንዲ ነጥብታት ንርአ።

  1. ኣምላኽ ጥራይ እዩ መን ከም ዚዋጋእ ዚውስን ነይሩ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን፡ “ኣይክትዋግኡን ኢኹም” በሎም። ስለምንታይ፧ ኣምላኽ ባዕሉ ኣብ ክንዳኦም ኪዋጋእ ስለ ዝነበሮ እዩ። (2 ዜና መዋእል 20:17፣ 32:7, 8) ከምቲ ኣብ መእተዊ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ እተጠቕሰ፡ ኣብ ክንዳኦም እተዋግኣሉ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ነይሩ እዩ። ኣብ ካልእ እዋናት፡ ንእስራኤላውያን ንሱ ኣብ ዘፍቀዶ ውግእ ኪዋግኡ ይእዝዞም ነበረ፣ ገለ ኻብዚ፡ ነታ ኺወርስዋ ዝነበሮም ምድሪ ተስፋ ንምሓዝን ንምክልኻልን እተገብረ ውግኣት የጠቓልል።—ዘዳግም 7:1, 2፣ እያሱ 10:40

  2. ኣምላኽ ጥራይ እዩ መዓስ ከም ዚዋግኡ ዚውስን ነይሩ። ኣገልገልቲ ኣምላኽ፡ ኣንጻር እቶም ከቢቦምዎም ዝነበሩ ጨቈንትን እኩያትን ህዝብታት መዓስ ከም ዚዋግኡ ኣምላኽ ክሳዕ ዚውስነሎም ብትዕግስቲ ኺጽበዩ ነበሮም። ኣምላኽ ከይወሰነሎም ባዕሎም ምስ ዚዋግኡ ግና ስምረት ኣምላኽ ይስእኑ ነበሩ። አረ ኸምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚሕብሮስ፡ እስራኤላውያን ኣምላኽ ከይኣዘዞም ምስ ዚዋግኡ ኸቢድ ጕድኣት እዩ ዜስዕበሎም ነይሩ። *

  3. ኣምላኽ ኣንጻር ከነኣናውያን ኪዋጋእ ከሎ፡ ንኸም ረሃብን ስድራ ቤታን ዝኣመሰሉ ሰባት ነሓፎም

    ኣምላኽ ብሞት ደቂ ሰብ፡ እንተላይ ብሞት እኩያት ባህ ኣይብሎን እዩ። የሆዋ ኣምላኽ ምንጪ ህይወትን ፈጣሪ ደቂ ሰብን እዩ። (መዝሙር 36:9) ስለዚ ድማ ሰባት ኪሞቱ ኣይደልን እዩ። እቲ ዜሕዝን ግና ንኻልኦት ንምግፋዕ፡ ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ንምቕታል ውዲት ዚኣልሙ እኩያት ሰባት ኣለዉ። (መዝሙር 37:12, 14) ኣምላኽ ንኸምዚ ዝኣመሰለ እከይ መወዳእታ ኺገብረሉ ኢሉ ኣንጻር እኩያት ሰባት ውግእ ዝኣወጀሉ እዋናት ነይሩ እዩ። እንተዀነ ግና፡ ኣብ ኵሉ እቲ እስራኤላውያን ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ውግእ ኪዋግኡ ዝኣዘዘሉ ዓመታት፡ ነቶም ዚገፍዕዎም ዝነበሩ ህዝብታት ‘ምሕረትን ዓቕልን’ እውን የርእዮም ነበረ። (መዝሙር 86:15) ንኣብነት፡ እስራኤላውያን ንሓንቲ ኸተማ ቕድሚ ምውራሮም፡ ነቶም ተቐማጦ ኣካይዳኦም ኪቕይሩ ዕድል ንምሃብን ውግእ ከም ዚተርፍ ንምግባርን ነታ ኸተማ ‘ንዕርቂ ይጽውዕዋ’ ነበሩ። (ዘዳግም 20:10-13) ኣምላኽ በዚ መገዲ እዚ ኣቢሉ፡ ‘ረሲእ ካብ መገዱ ኺምለስ እሞ ብህይወት ኪነብር እምበር፡ ብሞት ረሲእ ባህ ከም ዘይብሎ’ ኣርኣየ።—ህዝቅኤል 33:11, 14-16 *

ካብዚ ኣብ ላዕሊ እተገልጸ ሓሳባት ከም ዝረአናዮ፡ ጥንቲ፡ ኣምላኽ ንውግእ፡ ጭቈናን እከይን ዘጥፍኣሉ ሕጋዊ መገዲ ኸም ዝዀነ ገይሩ እዩ ዚርእዮ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ሰባት ዘይኰኑስ፡ ኣምላኽ እዩ ውግእ መዓስ ከም ዚግበርን መን ከም ዚዋጋእን ዚውስን ነይሩ። ኣምላኽ ናይ ምውጋእ ድሌት ስለ ዘለዎ ወይ ምፍሳስ ደም ባህ ስለ ዚብሎ ድዩ ዚዋጋእ፧ ኣይፋሉን፣ ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ኣምላኽ ግፍዒ ይጸልእ እዩ። (መዝሙር 11:5) እቲ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ፡ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣገልግሎቱ ምስ ጀመረ፡ ኣምላኽ ብዛዕባ ውግእ ዝነበሮ ኣረኣእያ ተቐይሩ ድዩ፧

^ ሕ.ጽ. 7 ንኣብነት፡ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ከይዋግኡ ኣዚዝዎም ክነሱ፡ ኣንጻር ኣማሌቃውያንን ከነኣናውያንን ስለ እተዋግኡ ተሳዕሩ። (ዘሁልቍ 14:41-45) ዓመታት ጸኒሑ፡ እቲ እሙን ዝነበረ ንጉስ ዮስያስ ኣምላኽ ከይኣዘዞ ተዋግአ፣ እቲ ብሃወኽ ዝወሰዶ ስጕምቲ ድማ ህይወቱ ኸም ዚስእን ገበሮ።—2 ዜና መዋእል 35:20-24

^ ሕ.ጽ. 8 እስራኤላውያን ንከነኣናውያን ቅድሚ ምውጋኦም ‘ንዕርቂ ኣይጸውዕዎምን።’ ስለምንታይ፧ እቲ ምኽንያት፡ ከነኣናውያን ን400 ዓመት ዚኣክል ነቲ እኩይ መገዶም ኬዐርዩ ኣጋጣሚ ተዋሂብዎም ስለ ዝነበረ እዩ። ኣብቲ እስራኤላውያን ንከነኣናውያን ኪዋግእዎም ዚመጹሉ ግዜ፡ ከነኣናውያን ብሓፈሻ መገዶም ዘይቅይሩ እኩያት እዮም ነይሮም። (ዘፍጥረት 15:13-16) ስለዚ ኸኣ ምሉእ ብምሉእ ኪጠፍኡ ነበሮም። እቶም መገዶም ዝቐየሩ ከነኣናውያን ዝዀኑ ውልቀ ሰባት ግና ተናሒፎም እዮም።—እያሱ 6:25፣ 9:3-27