ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

በቲ ‘ኺግለጽ ዘይከኣል ውህበት ኣምላኽ’ ንደረኽ

በቲ ‘ኺግለጽ ዘይከኣል ውህበት ኣምላኽ’ ንደረኽ

“ስለቲ ኺግለጽ ዘይከኣል ውህበቱ፡ ንኣምላኽ ምስጋና ይኹኖ።”—2 ቈረ. 9:15

መዝሙር፦ 53, 18

1, 2. (ሀ) እቲ ‘ኺግለጽ ዘይከኣል ውህበት’ ኣምላኽ እንታይ የጠቓልል፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧

የሆዋ ነቲ ሓደ ወዱ ናብዛ ምድሪ ኺልእኮ ኸሎ፡ ካብ ኵሉ ዝዓበየ ውህበት ፍቕሪ እዩ ሂቡና! (ዮሃ. 3:16፣ 1 ዮሃ. 4:9, 10) ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ተግባር እቲ፡ ‘ኪግለጽ ዘይከኣል ውህበት’ ኣምላኽ ኢሉ ጸዊዕዎ ኣሎ። (2 ቈረ. 9:15) ነዚ መግለጺ እዚ እተጠቕመ ስለምንታይ እዩ፧

2 ምኽንያቱ፡ ጳውሎስ፡ ኵሉ እቲ ኣምላኽ ዘተስፈወና ዓበይቲ ነገራት በቲ ፍጹም መስዋእቲ ክርስቶስ ውሑስ ከም ዚኸውን ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (2 ቈረንቶስ 1:20 ኣንብብ።) በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ እቲ “ኺግለጽ ዘይከኣል ውህበቱ” ንዅሉ እቲ የሆዋ ብየሱስ ኣቢሉ ዚገብረልና ሰናይን ብተኣማንነት ዜርእየና ፍቕርን የጠቓልል። እቲ ውህበት እቲ ኣዝዩ ዜደንቕ ካብ ምዃኑ እተላዕለ፡ ምሉእ ብምሉእ ብሰባት ኪግለጽ ኣይከኣልን እዩ። ከምዚ ዝበለ ዜደንቕ ውህበት ምቕባልና እንታይ ጽልዋ ኼሕድረልና ይግባእ፧ ረቡዕ 23 መጋቢት 2016 ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ንምብዓል ክንዳሎ ኸለና፡ እዚ ውህበት እዚ ኣብ ምንታይ ግብራዊ መገድታት ድራኸ ኺገብረልና ኣለዎ፧

ፍሉይ ውህበት ኣምላኽ

3, 4. (ሀ) ሓደ ሰብ ውህበት ምስ ዚህበካ፡ ከመይ ይስምዓካ፧ (ለ) ፍሉይ ውህበት ንኣነባብራ ህይወትካ ብኸመይ ይጸልዎ፧

3 ውህበት ኪውሃበካ ኸሎ፡ እተፈላለየ ስምዒታት ከም ዚስምዓካ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ገሊኡ ውህበት ግና ኣዝዩ ፍሉይ ወይ ዓብዪ ትርጉም ዘለዎ ኻብ ምዃኑ እተላዕለ፡ ብሓቂ ንህይወትካ ይቕይሮ እዩ። ንኣብነት፡ ብሓደ ገበን ተፈሪድካስ ክትቅተል ትውሰድ ከም ዘለኻ ጌርካ እሞ ሕሰብ። ብሃንደበት ግና፡ ካብ መንጎ እቶም ኣብኡ ዘለዉ ሰባት ሓደ መጺኡ፡ መቕጻዕትኻ ንሱ ኺስከሞ ፍቓደኛ ይኸውን። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ኣብ ክንዳኻ ኺመውት እዩ ፍቓደኛ ዀይኑ! እዚ ዜደንቕ ውህበት እዚ ኣባኻ እንታይ ጽልዋ ኺህልዎ ይኽእል፧

4 እቲ ሰብ እቲ ጥቕሚ ርእሱ ሰዊኡ ኸምዚ ዝበለ ዜደንቕ ፍቕሪ ስለ ዘርኣየካ፡ ንተግባራትካ ዳግም ክትሓስበሉ፡ ንኣነባብራ ህይወትካ እውን ክትቅይር ከም እትድረኽ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ንኻልኦት ሰባት ብዝያዳ ለጋስን ፈቃርን ክትከውን፡ አረ ንዝበደለካ እውን ይቕረ ኽትብል ትድረኽ ኢኻ። ኣብ ዝተረፈ ህይወትካ፡ ነቲ ኣብ ክንዳኻ ህይወቱ ዝሃበ ሰብ ብዓል ዕዳኡ ኸም ዝዀንካ እዩ ዚስምዓካ።

5. እቲ ኣምላኽ በጃ ብምስንዳው ዝሃበና ውህበት፡ ካብ ዝዀነ ኻልእ ውህበት ኣጸቢቑ ዚዓቢ ብኸመይ እዩ፧

5 ኰይኑ ግና፡ እቲ የሆዋ ብክርስቶስ ኣቢሉ ዝሃበና ውህበት፡ ካብቲ ኣብዚ ኣብነት እዚ እተገልጸ ውህበት ኣጸቢቑ ይዓቢ እዩ። (1 ጴጥ. 3:18) ስለምንታይ ከምኡ ኸም እንብል እስከ ንርአ። ንሕና ብሰንኪ እቲ ዝወረስናዮ ሓጢኣት፡ ኵላትና መቕጻዕቲ ሞት እዩ ዚጽበየና ዘሎ። (ሮሜ 5:12) የሆዋ ግና ብፍቕሩ ተደሪኹ፡ የሱስ ናብ ምድሪ መጺኡ “ኣብ ክንዲ ዅሉ ሞት ኪጥዕም” መሰናድዎ ገይሩ። (እብ. 2:9) የሆዋ ንህሉው ህይወትና ጥራይ ኣይኰነን ኣድሒኑ፣ የግዳስ፡ ንጠንቂ ሞት ንዘለኣለም ንምድምሳስ እዩ መሰረት ኣንጺፉ። (ኢሳ. 25:7, 8፣ 1 ቈረ. 15:22, 26) ኵሎም እቶም ብየሱስ ዚኣምኑ ኸኣ ምድራውያን ተገዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብምዃን፡ ወይ ቅቡኣት እንተ ዀይኖም ድማ ኣብታ መንግስቲ መጋዝእቲ ክርስቶስ ብምዃን ናይ ዘለኣለም ህይወት ምስ ሰላምን ሓጐስን ኪረኽቡ እዮም። (ሮሜ 6:23፣ ራእ. 5:9, 10) እዚ የሆዋ ዝሃበና ውህበት እዚ፡ እንታይ ካልእ በረኸት እዩ ዜጠቓልል፧

6. (ሀ) በቲ የሆዋ ዚህበና ውህበት ንዚርከብ ነየናይ እተፈላለየ በረኸት ኢኻ ተሃንጢኻ እትጽበዮ፧ (ለ) ፍቕሪ ኣምላኽ ነየናይ ሰለስተ ነገራት ክንገብር ከም ዚድርኸና ጥቐስ።

6 የሆዋ ዝሃበና ውህበት ካብ ኵሉ ሕማማትና ምሕዋይን ንምድሪ ናብ ገነት ምቕያርን ንምዉታት ምትንሳእን እውን የጠቓልል እዩ። (ኢሳ. 33:24፣ 35:5, 6፣ ዮሃ. 5:28, 29) የሆዋን እቲ ፍቑር ወዱን ነዚ ‘ኺግለጽ ዘይከኣል ውህበት’ ስለ ዝሃቡና፡ ነፍቅሮም ኢና። ኰይኑ ግና፡ ‘ፍቕሪ ኣምላኽ እንታይ ክንገብር እያ እትድርኸና፧’ እትብል ሕቶ ምላሽ የድልያ እዩ። እምበኣር፡ ፍቕሪ ኣምላኽ፡ (1) ኣስኣሰር ክርስቶስ የሱስ ንምስዓብ፡ (2) ንኣሕዋትና ፍቕርና ንምግላጽ፡ (3) ንኻልኦት ካብ ልብና ይቕረ ንምባል ከመይ ገይራ ኸም እትድርኸና ንርአ።

“እታ ክርስቶስ ዘላቶ ፍቕሪ ደሪኻትና እያ”

7, 8. ብዛዕባ ፍቕሪ ክርስቶስ ከመይ ኪስምዓና ይግባእ፧ እዚኸ እንታይ ክንገብር ኪድርኸና ይግባእ፧

7 ቀዳማይ፡ ንክርስቶስ የሱስ ክንነብር ክንድረኽ ይግባእ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “እታ ክርስቶስ ዘላቶ ፍቕሪ ደሪኻትና እያ” ኢሉ እዩ። (2 ቈረንቶስ 5:14, 15 ኣንብብ።) ንክርስቶስ ክንነብር ዘይንድረኽ እንተ ዄንና፡ እታ ሓለፍ ዝበለት ፍቕሩ ኽንረክብ ኸም ዘይንኽእል ጳውሎስ ኣስተውዒሉ እዩ። ኣእምሮና ነቲ የሆዋ ዝገበረልና ነገር ምሉእ ብምሉእ ምስ ዚርድኦ እሞ ልብና ብፍቕሩ ምስ ዚድረኽ፡ ብምሉእ ነፍስና ንክርስቶስ የሱስ ንምንባር ባህጊ ይሓድረና እዩ። ነቲ ባህጊ እቲኸ ኸመይ ጌርና ኢና እነርእዮ፧

8 እቶም ንየሆዋ ዜፍቅርዎ፡ ኣብነት ክርስቶስ ኪስዕቡ፡ ማለት ከምቲ ንሱ እተመላለሶ ኺመላለሱን ኣስኣሰሩ ኺስዕቡን ይድረኹ እዮም። (1 ጴጥ. 2:21፣ 1 ዮሃ. 2:6) ብተኣዛዝነትና ድማ፡ ንኣምላኽን ንክርስቶስን ፍቕሪ ኸም ዘሎና ነርኢ ኢና። ምስዚ ብዚተሓሓዝ፡ የሱስ፡ “እቲ ትእዛዛተይ ዘለዎ እሞ ዚሕልዎ፡ ንሱ እዩ ዜፍቅረኒ። እቲ ዜፍቅረኒ ድማ፡ ኣቦይ የፍቅሮ እዩ፣ ኣነ ኸኣ አፍቅሮ፡ ርእሰይ እውን እገልጸሉ እየ” ኢሉ እዩ።—ዮሃ. 14:21፣ 1 ዮሃ. 5:3

9. እንታይ ጸቕጥታት እዩ ዘሎና፧

9 ኣብ ወቕቲ በዓል ዝኽሪ፡ ብዛዕባ ኣነባብራና ኸነስተንትን ኣሎና። ንርእስና ኸኣ፡ ‘ኣስኣሰር ክርስቶስ የሱስ ንምስዓብ ኣብ ምንታይ መዳያት እየ ጽቡቕ ዘለኹ፧ ኣብ ምንታይ መዳያትከ እየ ኸመሓይሽ ዘሎኒ፧’ ኢልና ንሕተት። መገድታት እዛ ዓለም ክንስዕብ ቀጻሊ ጸቕጢ ስለ ዘሎና፡ ንርእስና ኸምዚ ኢልና ምምርማርና ኣገዳሲ እዩ። (ሮሜ 12:2) እንተ ዘይተጠንቂቕና፡ ደቀ መዛሙርቲ ፈላስፋታት ዓለም ወይ ደቀ መዛሙርቲ ውሩያት ሰባት ወይ ደቀ መዛሙርቲ ፍሉጣት ስፖርተኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። (ቈሎ. 2:8፣ 1 ዮሃ. 2:15-17) ነዚ ጸቕጥታት እዚ ብኸመይ ክንጻረሮ ንኽእል፧

10. ኣብዚ ወቕቲ በዓል ዝኽሪ እዚ እንታይ ሕቶታት ኢና ንርእስና ኽንሓትት ዘሎና፧ መልስታቱኸ እንታይ ክንገብር እዩ ኺድርኸና ዚኽእል፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)

10 ኣብዚ ወቕቲ በዓል ዝኽሪ እዚ፡ ንኽዳውንትናን ንፊልምታትናን ንሙዚቃታትናን ኽንምርምር፡ ከምኡ ድማ ነቲ ኣብ ኮምፕዩተራትናን ተሌፎናትናን ታብለታትናን ዚርከብ ክንምርምር ንኽእል ኢና። ነቲ ኸብሕና ኽንምርምሮ ኸለና፡ ከምዚ ኢልና ንርእስና ንሕተት፦ ‘የሱስ ናብ ዚርከበሉ ቦታ እንተ ዝኸይድ፡ ከይተሰከፍኩ ነዚ ኽዳን እዚ ምተኸደንክዎዶ፧’ (1 ጢሞቴዎስ 2:9, 10 ኣንብብ።) ‘ነዚ እንተ ዝኽደንሲ፡ ሰዓቢ ክርስቶስ የሱስ ምዃነይ ኵሉዶ ምፈለጠ፧’ ብዛዕባ እንመርጾ ፊልምታትን ሙዚቃታትን እውን ከምዚ ኢልና ተመሳሳሊ ሕቶታት ክንሓትት ንኽእል ኢና፦ ‘የሱስ ነዚ ፊልም እዚ እናረኣየ ወይ ነዚ ሙዚቃ እዚ እናሰምዐ ምተዘናግዐዶ፧ ተሌፎነይ ወይ ታብለተይ እንተ ዚልቃሕ ነይሩ፡ በቲ ንሱ ኣብኡ ዚርእዮ ነገር ምሓፈርኩዶ፧’ ብዛዕባ ጸወታ ቪድዮ ድማ፡ ‘ነዚ ጸወታ ቪድዮ እዚ ምጽዋት ስለምንታይ ከም ዘሐጕሰኒ ንየሱስ ምግላጽ ምኸበደኒዶ፧’ ኢልና ንርእስና ኽንሓትት ንኽእል ኢና። እታ ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ ነቲ ንወደ መዝሙር ክርስቶስ ዘይበቅዕ ዝዀነ ይኹን ነገር፡ ዋጋኡ ብዘየገድስ ከነወግዶ ትድርኸና እያ። (ግብ. 19:19, 20) ርእስና ኽንውፊ ኸለና፡ ንክርስቶስ ደኣ እምበር፡ ደጊም ንርእስና ኸም ዘይንነብር ቃል ኣቲና ኢና። ስለዚ፡ ኣስኣሰር ክርስቶስ ንምስዓብ ዕንቅፋት ኪዀነና ዚኽእል ምሳና ኣይንሓዝ።—ማቴ. 5:29, 30፣ ፊል. 4:8

11. (ሀ) ንየሆዋን ንየሱስን ዘላትና ፍቕሪ ኣብ ዕዮ ስብከት ብኸመይ ትድርኸና፧ (ለ) ፍቕርና ነቶም ኣብ ጉባኤና ዘለዉ ክርስትያናት ንምሕጋዝ ብኸመይ ትድርኸና፧

11 ንየሱስ ዘላትና ፍቕሪ ኣብቲ ናይ ምስባኽን ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባርን ዕዮ ብምሉእ ነፍስና ኽንዓዪ ትድርኸና እያ። (ማቴ. 28:19, 20፣ ሉቃ. 4:43) ኣብ ወቕቲ በዓል ዝኽሪ፡ ሓገዝቲ ፈለምቲ ዄንና ብምግልጋል፡ ኣብ ዕዮ ስብከት 30 ወይ 50 ሰዓት ናይ ምውፋይ ኣጋጣሚ ኣሎና። እሞኸ ኣብዚ ንምስታፍ ኵነታትካ ኸተተዓራሪ ትኽእልዶ፧ ሓደ ሰበይቱ ዝሞተቶ ወዲ 84 ዓመት ሓው፡ ብሰንኪ ዕድሚኡን ኵነታት ጥዕናኡን ሓጋዚ ፈላሚ ኪኸውን ዘይክእል መሲልዎ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ከባቢኡ ዝነበሩ ፈለምቲ ሓጊዞምዎ እዮም። ነቲ 30 ሰዓት ንምግልጋል ዝገበሮ ሸቶ ምእንቲ ኺወቕዖ፡ መጓዓዝያ ኣዳልዮምሉን ኪዓይዮ ዚኽእል ክሊ ተጠንቂቖም ሓርዮምሉን እዮም። ንስኻኸ ኣብ ጉባኤኻ ንዚርከብ ሓው ወይ ሓብቲ፡ ኣብ ወቕቲ በዓል ዝኽሪ ሓጋዚ ፈላሚ ብምዃን ምእንቲ ኺሕጐስ ክትሕግዞዶ ትኽእል፧ ልክዕ እዩ፡ ኵላትና ኣይኰንናን ሓገዝቲ ፈለምቲ ኽንከውን እንኽእል። ይኹን እምበር፡ ነቲ ንየሆዋ እነቕርቦ መስዋእቲ ውዳሰ ንምውሳኽ፡ ዘሎና ዘበለ ግዜን ጕልበትን ክንጥቀም ንኽእል ኢና። ከምኡ ምስ እንገብር፡ ከምቲ ጳውሎስ እተደረኸ፡ ንሕና እውን በታ ክርስቶስ ዘላቶ ፍቕሪ ኸም እንድረኽ ከነርኢ ኢና። ፍቕሪ ኣምላኽ እንታይ ካልእ ነገር ክንገብር እያ እትድርኸና፧

ንሓድሕድና ኽንፋቐር ግዴታ ኣሎና

12. ፍቕሪ ኣምላኽ እንታይ ክንገብር እያ እትድርኸና፧

12 ካልኣይ፡ ፍቕሪ ኣምላኽ ንኣሕዋትና ፍቕርና ኽንገልጸሎም ትድርኸና እያ። ሃዋርያ ዮሃንስ ነዚ ተገንዚብዎ እዩ። ብዛዕባ እዚ ኸኣ፡ “ፍቑራተየ፡ ኣምላኽ ከምዚ ገይሩ ኻብ ኣፍቀረናስ፡ ንሕና እውን ንሓድሕድና ኽንፋቐር ግዴታ ኣሎና” ኢሉ ጽሒፉ እዩ። (1 ዮሃ. 4:7-11) እወ፡ ንኣሕዋትና ኸነፍቅር ግዴታ ኸም ዘሎና ኸይተገንዘብና፡ ፍቕሪ ኣምላኽ ብግቡእ ክንቅበል ኣይንኽእልን ኢና። (1 ዮሃ. 3:16) እሞ ደኣ ንፍቕርና ኸመይ ጌርና ኢና ብግብራዊ መገድታት ክንገልጽ እንኽእል፧

13. የሱስ ንኻልኦት ብምፍቃር ዝመጸ፡ እንታይ ኣብነት እዩ ሓዲጉ፧

13 የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት እስከ ንርአ። ኣብ ምድራዊ ኣገልግሎቱ፡ ትሑት ደረጃ ንዝነበሮም ፍሉይ ቈላሕታ ይገብረሎም ነይሩ እዩ። ነቶም ኣካላዊ ስንክልና ዘለዎም፡ ማለት ንሓንካሳትን ንዕዉራትን ንጸማማትን ንዓባሳትን ይሓልየሎም ነይሩ እዩ። (ማቴ. 11:4, 5) ነቶም ብመንፈሳዊ መዳይ ዝጠመዩ እሞ ብመራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ “ርጉም” ዚብሃሉ ዝነበሩ ህዝቢ ምምሃር ባህ የብሎ ነይሩ እዩ። (ዮሃ. 7:49) ነዞም ትሑታት የፍቅሮም፡ ንምግልጋሎም ድማ ኣበርቲዑ ይዓዪ ነይሩ እዩ።—ማቴ. 20:28

ብዕድመ ንዝደፍአ ሓው ወይ ሓብቲ ኣብ ኣገልግሎት ክትሕግዝ ትኽእልዶ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 14 ርአ)

14. ንኣሕዋትካ ፍቕርኻ ንምግላጽ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

14 ወቕቲ በዓል ዝኽሪ ነቶም ኣብ ጉባኤኻ ዘለዉ ኣሕዋትን ኣሓትን እንታይ ክትገብረሎም ከም እትኽእል ብምሕሳብ፡ ንየሱስ ክትመስሎ ኣጋጣሚ ኪኸፍተልካ እዩ። ከምኡ ኽትገብር ከለኻ፡ ካብ ፍቕርኻ ኪጥቀሙ ዚኽእሉ ኸም እትረክብ ኣየጠራጥርን እዩ። ምናልባት ሓገዝ ዜድልዮም ኣረጋውያን ኣሕዋትን ኣሓትን ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ንኸምዚኣቶም ዝበሉ ኽትበጽሖም ትኽእልዶ፧ ምግቢ ሒዝካሎም ክትከይድ፡ ኣብ ቤት ዚዕየ ዕዮ ኽትሕግዞም፡ ናብ ኣኼባታት ብማኪናኻ ኽትወስዶም፡ ወይ ኣብ ኣገልግሎት ምሳኻ ኺሳተፉ ኽትዕድሞም ትኽእልዶ፧ (ሉቃስ 14:12-14 ኣንብብ።) ፍቕሪ ኣምላኽ ንኣሕዋትና ፍቕርና ኽንገልጸሎም ክትድርኸና ይግባእ።

ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ንምሓሮም

15. እንታይ ኢና ኽንግንዘብ ዘሎና፧

15 ሳልሳይ፡ ፍቕሪ የሆዋ ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ይቕረ ኽንብለሎም ክትድርኸና ኣለዋ። ደቂ እቲ ቐዳማይ ሰብኣይ ኣዳም ብምዃንና፡ ኵላትና ሓጢኣትን ሞትን ወሪስና ኢና። “በጃ ኪኽፈለለይ ኣየድለየንን እዩ” ኺብል ዚኽእል ሓደ እኳ የልቦን። ልዕሊ ዅሉ እሙን ዝዀነ ኣገልጋሊ ኣምላኽ እኳ እንተ ዀነ፡ ብክርስቶስ ኣቢሉ ዚግለጽ ጸጋ የሆዋ የድልዮ እዩ። ንነፍሲ ወከፍና ኣዝዩ ዓብዪ ዕዳ ኸም እተሓድገልና ኽንግንዘብ ኣሎና። እዚ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ፡ ኣብ ሓደ ኻብቲ የሱስ ዝመሰሎ ምሳሌታት ይርከብ እዩ።

16, 17. (ሀ) ካብቲ የሱስ ብዛዕባ እቲ ንጉስን እቲ ባርያን ዝመሰሎ ምሳሌ እንታይ ክንምሃር ኣሎና፧ (ለ) ነቲ የሱስ ዝመሰሎ ምሳሌ ምስ እነስተንትነሉ፡ እንታይ ክንገብር ኢና እንድረኽ፧

16 የሱስ ኣብ ዘዘንተዎ ምሳሌ፡ ሓደ ንጉስ ንባርያኡ 10,000 ታለንት ወይ 60,000,000 ዲናር ዚኣክል ብዙሕ ዕዳ ሓደገሉ። ይኹን እምበር፡ እቲ ብዙሕ እተሓድገሉ ባርያ ንሓደ 100 ዲናር ዚእውዶ ብጻዩ ባርያ ኺሓድገሉ ፍቓደኛ ኣይኰነን። እቲ ንጉስ ድማ ንጭካነ እቲ ምሒርዎ ዝነበረ ባርያ ምስ ሰምዐ፡ ኣዝዩ ተቘጥዐ እሞ፡ “ኣታ እኩይ ባርያ፡ ምስ ለመንካኒ፡ ኵሉ ዕዳኻ ሰሪዘልካ። ንስኻኸ ኸምቲ ዝመሓርኩኻ ንብጻይካ ኽትምሕሮዶ ኣይምተገብኣካን፧” በሎ። (ማቴ. 18:23-35) እወ፡ እቲ ባርያ በቲ እቲ ንጉስ ዝገበረሉ ፍሉይ ምሕረት ተደሪኹ ነቲ ብጻዩ ባርያ ኺሓድገሉ ነይርዎ። ንዓናኸ ፍቕርን ምሕረትን የሆዋ እንታይ ክንገብር እዩ ኺድርኸና ዘለዎ፧

17 ወቕቲ በዓል ዝኽሪ፡ ኣብ ኣሕዋትና ወይ ኣብ ኣሓትና ቕር ዘበለና ነገር እንተ ኣልዩ ኽንምርምር ኣጋጣሚ ይኸፍተልና እዩ። ቅር ዘበለና ነገር እንተ ኣልዩ፡ እዚ ወቕቲ እዚ ነቲ “ንይቕረታ ድልዊ” ዝዀነ የሆዋ ኽንመስለሉ እንኽእል ጽቡቕ ግዜ እዩ። (ነህ. 9:17፣ መዝ. 86:5) የሆዋ ነቲ ዓብዪ ዕዳና ብምስራዝ ዝገበረልና ነገር ነመስግነሉ እንተ ዄንና፡ ንኻልኦት ካብ ልብና ይቕረ ኽንብለሎም ንደሊ ኢና። ንኻልኦት ዘይነፍቅርን ይቕረ ዘይንብልን እንተ ዄንና፡ ካብ ኣምላኽ ፍቕርን ይቕረታን ክንረክብ ኣይንኽእልን ኢና። (ማቴ. 6:14, 15) ይቕረ ምባል ንሕሉፍ ከም ዘይቅይሮ ዘይከሓድ እኳ እንተ ዀነ፡ ንመጻኢ ግና ብርግጽ ናብ ጽቡቕ ይቕይሮ እዩ።

18. ሓንቲ ሓብቲ ንዘይፍጽምና ኻልእ ሓብቲ ምእንቲ ኽትዕገስ፡ ፍቕሪ ኣምላኽ ዝደረኸታ ብኸመይ እያ፧

18 መብዛሕትና፡ መዓልቲ መዓልቲ ንኣሕዋትና ንኣሓትናን ‘ክንዕገሶም’ የጸግመና እዩ። (ቈሎሴ 3:13, 14፣ ኤፌሶን 4:32 ኣንብብ።) ንኣብነት፡ ሊሊ እትብሃል ዘይተመርዓወት ሓብቲ ኣብ ጉባኤኣ ንእትርከብ ካሮል ዝስማ መበለት ክትሕግዛ ትጽዕር ነይራ። [1] ክትከዶ ናብ እትደሊ ብማኪና ትወስዳ፡ ዜድልያ ዘበለ ትለኣኣኻ፡ ብእተፈላለየ ኻልእ ግብራዊ መገድታት እውን ትልውሃላ ነይራ። ሊሊ እዚ ዅሉ እናገበረት ክነሳ ግና፡ ካሮል ብቐጻሊ ትነቕፋን ተሸግራን ነይራ። ይኹን እምበር፡ ሊሊ ኣብ ጽቡቕ ባህርያት ካሮል እያ ኣተኲራ። ካሮል ከቢድ ሕማም ሓሚማ ክሳዕ እትመውት እውን ንዓመታት ካብ ምሕጋዛ ኣየቋረጸትን። ካሮል ንሊሊ እኳ እንተ ኣሸገረታ፡ ሊሊ ግና፡ “ንካሮል ብትንሳኤ ኽረኽባ እህንጠ እየ። ፍጽምቲ ምስ ኰነት ክፈልጣ እደሊ እየ” ብምባል ሓሳባ ትገልጽ። እወ፡ ፍቕሪ ኣምላኽ ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ክንዕገሶም፡ ነቲ ሰብኣዊ ዘይፍጽምና ንሓዋሩ ዚጠፍኣሉ ግዜ ድማ ብህንጥዮት ክንጽበ ትድርኸና እያ።

19. እቲ ‘ኺግለጽ ዘይከኣል ውህበት’ ኣምላኽ ብኸመይ ኪድርኸካ እዩ፧

19 ብሓቂ እምበኣር ካብ የሆዋ ‘ኺግለጽ ዘይከኣል ውህበት’ ተዋሂቡና ኣሎ። ነዚ ኽቡር ውህበት እዚ ኣቕሊልና ኣይንርኣዮ። ምናዳ ኣብ ወቕቲ በዓል ዝኽሪ፡ ብዛዕባ ዅሉ እቲ የሆዋን የሱስን ዝገበሩልና ነገር ብምስጋና ነስተንትን። እወ፡ እታ ንሳቶም ዘርኣዩና ፍቕሪ፡ ኣስኣሰር የሱስ ንምስዓብን ንኣሕዋትና ፍቕርና ንምግላጽን ንክርስትያናት ብጾትና ኻብ ልቢ ይቕረ ንምባልን ትደርኸና።

^ [1] (ሕጡብ ጽሑፍ 18) ኣብዛ ዓንቀጽ ዚርከብ ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።