ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገበር | እትፈትዎ ሰብካ ምስ ዚሞተካ

ንዝሓዘኑ ምጽንናዕ

ንዝሓዘኑ ምጽንናዕ

ሓደ እትቀርቦ ፈታዊኻ፡ ብሰንኪ ሞት ዚፈትዎ ሰብ ኪሓዝን ድሕሪ ምርኣይካ፡ እንታይ ከም እትገብር ጠፊኡካዶ ይፈልጥ፧ ሓድሓደ ግዜ፡ እንታይ ክንብል ወይ እንታይ ክንገብር ከም ዚግብኣና ስለ ዝጠፍኣና፡ ስቕ ንብል፡ ዋላ ሓንቲ እውን ኣይንገብርን ንኸውን። ይኹን እምበር፡ ክንገብሮ እንኽእል ሓጋዝን ግብራውን ነገራት ኣሎ።

መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣብ ጐድኒ እቲ ዝሓዘነ ሰብ ኴንካ ሓዘንካ ምግላጽካ ጥራይ፡ ነቲ ዝሓዘነ የጸናንዖ እዩ። ኣብ መብዛሕትኡ ባህልታት፡ ንዝሓዝነ ሰብ ሓቚፍካ ምጽንናዕ፡ ብዛዕባኡ ኸም እትግደስ እተርእየሉ ሓደ መገዲ እዩ። እቲ ዝሓዘነ ሰብ ኪዛረብ እንተ ደልዩ፡ ጽን ኢልካ ብድንጋጽ ስምዓዮ። ካብ ኵሉ ዝበለጸ ሓገዝ ግና፡ ኣብ ዕዮ ገዛ ምሕጋዙ እዩ፣ ንኣብነት፡ ኣድላዪ ኪኸውን ከሎ፡ ምግቢ ምኽሻን፡ ቈልዑ ምእላይ፡ ወይ ድማ ንቐብሪ ኣብ ዚግበር መሰናድዎ ምሕጋዝ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ከምዚ ዓይነት ግብሪ ኻብ ቃላት ንላዕሊ ይዛረብ እዩ።

ድሕሪ ገለ እዋን፡ ብዛዕባ እቲ ዝሞተ ሰብ ዝነበሮ ጽቡቕ ባህርያት ወይ ብዛዕባ ዘጋጠሞ ባህ ዜብል ኣጋጣሚታት ኣልዒልና ነዕልል ንኸውን። ከምዚ ዓይነት ዕላል ነቲ ሰቡ ዝሞቶ ፍሽኽ የብሎ ይኸውን። ንኣብነት፡ ቅድሚ ሹድሽተ ዓመት ኢያን ዚብሃል ብዓል ቤታ ዝሞታ ፓም እትብሃል ሰበይቲ፡ “ሓድሓደ ግዜ ሰባት፡ ብዛዕባ ኢያን ዝገበሮ፡ ኣነ ግና ዘይፈልጦ ጽቡቕ ነገራት ምስ ዚነግሩኒ፡ ባህ እዩ ዚብለኒ” ኢላ እያ።

ከምቲ ገሊኡ መጽናዕቲ ዚሕብሮ፡ ብዙሓት ሓዘን ዘጋጠሞም ሰባት ኣብ ፈለማ ብዙሕ ደገፍ ይረኽቡ እኳ እንተ ዀኑ፡ እቶም ፈተውቶም ናብ መዓልታዊ ናብራኦም ምስ ተመልሱ ግና፡ ተረሲዖም ይተርፉ እዮም። ስለዚ፡ በብግዜኡ ደሃይ እቲ ዝሓዘነ ሰብ ምግባር ኣይትረስዕ። * በዚ ኸምዚ፡ ብዙሓት ዝሓዘኑ ሰባት ብዛዕባ እቲ ነዊሕ እዋን ዚጸንሕ ሓዘኖም ንምዝራብ ኣጋጣሚ ይረኽቡ እዮም፣ ነዚ ኸኣ ብዙሕ እዮም ዜማስዉሉ።

ንኣብነት፡ ኣብ ውሽጢ ዓመትን ሰለስተ ወርሕን ኣዲኣን ምዕባይ ሓብታን ብዛዕባ ዝሞታኣ ሓንቲ ካኦሪ ዝስማ ጃፓናዊት መንእሰይ ንርአ። ካኦሪ ኻብ እሙናት ፈተውታ ብቐጻሊ ሓገዝ ረኺባ እያ። ሓንቲ ሪትሱኮ እትብሃል ዓባይ ሰበይቲ ኸኣ፡ ንካኦሪ ናይ ቀረባ ፈታዊታ ኽትከውን ከም እትደሊ ነገረታ። ካኦሪ፡ ብዛዕባ እቲ ሽዑ እተሰምዓ ኽትገልጽ ከላ፦ “ሓቂ ይሓይሽ፡ ፈለማ ባህ ኣይበለንን ነይሩ። ከመይሲ፡ ዋላ ሓደ ሰብ መተካእታ ኣደይ ኪኸውን ኣይደልን እየ ነይረ፡ ኪኸውን ዚኽእል እውን ኣይመስለንን ነይሩ። ይኹን እምበር፡ እቲ ማማ ሪትሱኮ ንዓይ ዝሓዘትሉ መገዲ፡ ከም ዝቐርባ ገይሩኒ እዩ። ሰሙን ሰሙን ኣብ ዕዮ ወንጌላውነት ብሓንሳእ ንካፈል፡ ናብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ከኣ ብሓደ ንኸይድ ኔርና። ኣብ ቤታ ሻሂ ተፍልሓለይ፡ ምግቢ ተምጽኣለይ፡ ደብዳበታትን ካርድታትን እውን ትጽሕፈለይ ነይራ። እቲ ማማ ሪትሱኮ ዝነበራ ኣወንታዊ ኣረኣእያ፡ ኣባይ ጽቡቕ ጽልዋ እዩ ኣሕዲሩ።”

ኣደ ካኦሪ ኻብ ትመውት 12 ዓመት ኰይኑ እዩ፣ ሕጂ ካኦሪን ብዓል ቤታን ናይ ምሉእ ግዜ ወንጌላውያን ኰይኖም ይዓዩ ኣለዉ። ካኦሪ፡ “ማማ ሪትሱኮ ሎሚ እውን ብዛዕባይ ትግደስ እያ። ኣነ ድማ ናብቲ ዝዓበኹሉ ቦታ ክኸይድ ከለኹ፡ ንማማ ሪትሱኮ እበጽሓን ምስኣ ሃናጺ ግዜ አሕልፍን እየ” ትብል።

ካልእ ኣብነት ድማ ንርአ። ፖሊ ኣብ ቆጵሮስ እትነብር ናይ የሆዋ ምስክር እያ፣ ካብቲ እተገብረላ ቐጻሊ ደገፍ ድማ ተጠቒማ እያ። ንፖሊ ብዓል ቤታ ዝነበረ ሶዞስ፡ ንዘኽታማትን ንመበለታትን ኣብ ቤቱ ዜአንግድን ንኻልኦት ኣብነት ዚኸውንን ለዋህ ክርስትያን ጓሳ እዩ ነይሩ። (ያእቆብ 1:27) እቲ ዜሕዝን ግና፡ ኣብ 53 ዓመት ዕድሚኡ ብሰንኪ ኣብ ሓንጎሉ ዝወጸ ጥረ ሞይቱ። ፖሊ ብዛዕባ እዚ ኽትገልጽ ከላ፡ “እቲ ምሳይ 33 ዓመት ኣብ ሓዳር ዝገበረ እሙን ብዓል ቤተይ ሞይቱኒ” ትብል።

ንዝሓዘኑ ኸተጸናንዓሉ እትኽእል ግብራዊ መገድታት ኣናዲ

ድሕሪ ቐብሪ ብዓል ቤታ፡ ፖሊን ወዲ 15 ዓመት ዝዀነ ዳንየል ዝስሙ ዝነኣሰ ወዳን፡ ናብ ካናዳ ገዓዙ። ኣብኡ ድማ ኣብ ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪእከቡ ጀመሩ። ፖሊ ብዛዕባ እቲ ኣብኡ ዘጋጠማ ኸምዚ ትብል፦ “እቶም ኣብታ ሓዳስ ጉባኤና ዝረኸብናዮም ፈተውትና፡ ብዛዕባ ሕሉፍ ታሪኽናን ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመና ኣጸጋሚ ዅነታትን ኣይፈልጡን እዮም ነይሮም። እንተዀነ ግና፡ ቀሪቦምናን ብልኡም ቃላት ኣጽናኒዖምናን ሓጊዞምናን እዮም። እዚ ድማ ወደይ ንኣቦኡ ኣብ ዚደልየሉ እዋን ምዃኑ ኣዝዩ እዩ ጠቒሙና። ኣብታ ጉባኤ መሪሕ ግደ ዝነበሮም ሰባት፡ ንዳንየል ፍሉይ ቈላሕታ ገይሮምሉ እዮም። ሓደ ኻባታቶም፡ ምስ ፈተውቱ ኪትኣኻኸብን ኵዕሶ ኺጻወትን ከሎ ንዳንየል ይዕድሞ ነይሩ እዩ።” ሎሚ፡ ክልቲኦም ኣደን ወድን ኣብ ጽቡቕ ኵነታት ኣለዉ።

ስለዚ እምበኣር፡ ንዝሓዘኑ ኽንሕግዞምን ከነጸናንዖምን እንኽእለሉ ብዙሕ መገድታት ኣሎ። መጽሓፍ ቅዱስ እውን ብዛዕባ መጻኢ ዜጽናንዕ ተስፋ ሒዙ ኣሎ።

^ ሕ.ጽ. 6 ገሊኦም፡ ነቲ ዝሓዘነ ሰብ ዝያዳ መጸናንዒ ኣብ ዜድልዮ እዋን፡ ማለት ኣብ ከባቢ ዕለተ ሞት ቤተ ሰቡ ምእንቲ ኼጸናንዕዎ፡ ነታ ዕለት ኣብ ዓውደ-ኣዋርሕ ይምዝግብዋ እዮም።