ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገበር | እትፈትዎ ሰብካ ምስ ዚሞተካ

ምዉታት ኪትንስኡ እዮም!

ምዉታት ኪትንስኡ እዮም!

እታ ኣብዛ ኣቐዲማ ዝነበረት ዓንቀጽ እተጠቕሰት ገይል፡ ካብ ሞት ብዓል ቤታ ሮብ፡ ፈጺማ እትጸናናዕ ከም ዘይመሰላ ትዝክር ትኸውን። ይኹን እምበር፡ ገይል ንብዓል ቤታ፡ ኣብታ ኣምላኽ ዘተስፈዋ ሓዳስ ዓለም ክትረኽቦ ሃንቀው ኢላ እያ እትጽበ። ንሳ፡ “ራእይ 21:3, 4 ኣዝየ ዝፈትዋ ጥቕሲ እያ” ትብል። እታ ጥቕሲ ኸምዚ ዝስዕብ እያ እትብል፦ “ኣምላኽ ባዕሉ እውን ምሳታቶም ኪኸውን እዩ። ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ፣ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ደጊም እውን ሓዘን ወይ ኣውያት ወይ ስቓይ ኣይኪኸውንን እዩ። እቲ ቐዳማይ ሓሊፉ እዩ።”

ገይል፡ “እዚ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ዜጸናንዕ ተስፋ እዩ። እቶም ብዛዕባ እቲ ሞይቶም ዘለዉ ሰቦም ከም ዚትንስኡ ዚገልጽ ተስፋ ዘይፈልጡ ሓዘን ዘጋጠሞም ሰባት፡ ከብደይ እዮም ዚበልዑኒ” ትብል። ገይል፡ ናይ ምሉእ ግዜ ወንጌላዊት ኰይና ብወለንታ ብምዕያይ፡ ነዚ ተስፋ ኸም እትኣምነሉ ተርኢ እያ፣ ብዛዕባ እቲ “ሞት ኣይኪኸውንን” እተባህለሉ ኣምላኽ ዘተስፈዎ መጻኢ ድማ ንሰባት ትነግሮም እያ።

እዮብ፡ ትንሳኤ ከም ዚረክብ እምንቶ ነይርዎ

ምናልባት፡ ‘እዚ ፈጺምካ ዘይመስል እዩ!’ ትብል ትኸውን። እንተዀነ ግና፡ ንእዮብ እሞ ኸም ኣብነት ንውሰድ። እዮብ ከቢድ ሕማም እዩ ሓሚሙ ነይሩ። (እዮብ 2:7) ዋላ እኳ ኺመውት ተመንዩ እንተ ነበረ፡ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ኻብ ሞት ኬተንስኦ ሓይሊ ኸም ዘለዎ እምነት ነይርዎ እዩ። ብምትእምማን ድማ፡ “ኣየ፡ ኣብ መቓብር እንተ ትሓብኣኒ፡ . . . ክትጽውዕ፡ ኣነ እውን ክምልሰልካ እየ። ንተግባር ኣእዳውካ ኽትናፍቕ ኢኻ” ኢሉ እዩ። (እዮብ 14:13, 15) እዮብ፡ ኣምላኽ ከም ዚናፍቖን ኬተንስኦ ሃረር ከም ዚብልን እምንቶ ነይርዎ እዩ።

ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ ምድሪ ገነት ምስ ኰነት፡ ኣምላኽ ንእዮብን ማእለያ ንዘይብሎም ሰባትን ኬተንስኦም እዩ። (ሉቃስ 23:42, 43) ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 24:15 መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ትንሳኤ ኪኸውን” ምዃኑ የረጋግጽ እዩ። የሱስ እውን፡ “ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም ድምጹ ዚሰምዑላ ሰዓት ትመጽእ ኣላ እሞ፡ በዚ ኣይትገረሙ። ሽዑ፡ . . . ኺወጹ እዮም” ኢሉ ኣረጋጊጹልና እዩ። (ዮሃንስ 5:28, 29) እዮብ እዚ ተስፋ እዚ ኺፍጸም ከሎ ኺርኢ እዩ። ናብ “መዓልትታት ንእስነቱ” ኺምለስን ስጋኡ ‘ኻብ ናይ መንእሰይ ዚልምልም’ ኪኸውንን እዩ። (እዮብ 33:24, 25) ኵሎም እቶም ኣብቲ ኣምላኽ ብምሕረቱ ዘዳለዎ ምድራዊ ተስፋ ትንሳኤ ዚኣምኑ እውን ናብ ንእስነቶም ኪምለሱ እዮም።

እትፈትዎ ሰብካ ዝሞተካ እንተ ዄንካ፡ እዚ ኣብዚ ዓንቀጻት እተጠቕሰ ሓበሬታ፡ ንሓዘንካ ምሉእ ብምሉእ ኣየጥፍኦን ይኸውን። ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ኣምላኽ ዘተስፈዎ ተስፋታት ምስ እተስተንትን ግና፡ ናይ ሓቂ ተስፋን ብርታዐን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።—1 ተሰሎንቄ 4:13

ንሓዘንካ ኽትክእሎ ብዛዕባ ዚሕግዛካ ነገራት ዝያዳ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧ “ኣምላኽ፡ እከይን መከራን ኪህሉ ዝፈቐደ ስለምንታይ እዩ፧” ዚብል ወይ ድማ ካልእ ተመሳሳሊ ሕቶታት ኣሎካዶ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ሕቶታታ እንታይ መልሲ ኸም ዚህብ ንምፍላጥ፡ ኣብቲ jw.org ዚብሃል ወብ ሳይትና ክትርኢ ነተባብዓካ።