ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣቐዲሙ ንዚውሃበካ መጠንቀቕታ ምቕላብ ንህይወትካ ኼድሕና ይኽእል እዩ!

ኣቐዲሙ ንዚውሃበካ መጠንቀቕታ ምቕላብ ንህይወትካ ኼድሕና ይኽእል እዩ!

ብ26 ታሕሳስ 2004፡ 9.1 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ነታ ኣብ ገማግም ሰሜናዊ ምዕራብ ሱማትራ፡ ኢንዶነዥያ እትርከብ ደሴት ሲማልወ ኣነቓነቓ። ኣዒንቲ ዅሎም ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝነበሩ ሰባት ድማ ናብ ባሕሪ ኣቋመታ። ጽፍሒ ባሕሪ ኻብ ንቡር ንላዕሊ ጐደለ፣ እቲ ባሕሪ ኸኣ እናረሓቐ ኸደ። ኵሎም ሰባት ድማ ብቕጽበት “ስሞንግ! ስሞንግ!” (“ሱናሚ”) ኢሎም እናጨደሩ ናብ ኵርባታት ሃደሙ። ኣብ ውሽጢ 30 ደቒቕ ከኣ ሓያል ማዕበል ናብቲ ገማግም ባሕሪ ብምምጻእ ንመብዛሕትኡ ኣባይትን ገጠራትን ኣዕነዎ።

ደሴት ሲማልወ እታ መጀመርታ በዚ ኣዕናዊ ሱናሚ እተጠቕዐት ደሴት እያ ነይራ። እንተዀነ ግና፡ ካብቶም 78,000 ዚኣኽሉ ተቐማጦኣ፡ ሸውዓተ ሰባት ጥራይ እዮም ሞይቶም። ብተዛማዲ ኺርአ ኸሎ ኣዝዮም ሒደት ዝሞቱ ስለምንታይ እዮም፧ * ኣብታ ደሴት ከምዚ ዚስዕብ ዚብል ብሂል ኣሎ፦ ‘ሓያል ምንቅጥቃጥ እንተ ኣጋጢሙ እሞ እቲ ባሕሪ ድማ እናረሓቐ ምስ ዚኸይድ፡ ነዊሕ ከይጸንሐ ብናህሪ ናብቲ ገማግም ስለ ዚምለስ ናብ ኵርባታት ህደም።’ ህዝቢ ሲማልወ በቲ ኣብ ባሕሪ ዚርአ ለውጢ፡ ካብ ሕሉፍ ተመክሮኦም ተማሂሮም ሱናሚ ይመጽእ ከም ኼለልዩ ኽኢሎም እዮም። ነቲ ኣቐዲሙ እተዋህቦም መጠንቀቕታ ብምቕላቦም ድማ ህይወቶም ኣድሓኑ።

መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ካብ መጀመርታ ዓለም ክሳዕ ሕጂ ዘይኰነ፡ ከቶ ድማ ዘይከውን ብርቱዕ ጸበባ ኪኸውን እዩ” ብምባል ድሕሪ ቐረባ ግዜ ብዛዕባ ዜጋጥም ጥፍኣት ይዛረብ እዩ። (ማቴዎስ 24:21) እዚ ግና ምድሪ ብዘይ ሓላፍነታዊ ተግባራት ደቂ ሰብ ወይ ድማ ብባህርያዊ ዕንወት ክትጠፍእ እያ ማለት ኣይኰነን፣ ከመይሲ፡ ዕላማ ኣምላኽ ምድሪ ንዘለኣለም ክትቀውም እዩ። (መክብብ 1:4) ኣብ ክንዳኡስ፡ እዚ ድሕሪ ቐረባ ግዜ ዜጋጥም ጸበባ፡ ‘ነቶም መጥፋእቲ ምድሪ ንምጥፋእ’ ኣምላኽ ዚወስዶ ስጕምቲ እዩ። ሽዑ ዅሉ እከይን መከራን ኬብቅዕ እዩ። (ራእይ 11:18፣ ምሳሌ 2:22) እዝስ ኣየ ኸመይ ዝበለ በረኸት ኰን እዩ!

ልዕሊ ኹሉ ድማ እዚ ድሕሪ ቐረባ ግዜ ዜጋጥም ጥፍኣት፡ ዘይከም ሱናሚን ምንቅጥቃጥ ምድርን ምንታጕ እሳተ ጐመራን፡ ንንጹሃት ሰባት ኣየጥፍእን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ” ይብለና፣ እቲ የሆዋ ዝስሙ ኣምላኽ ድማ፡ “ጻድቃን ንሃገር ኪወርስዋ፡ ኣብኣውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም” ብምባል ኣተስፍዩ ኣሎ። (1 ዮሃንስ 4:8፣ መዝሙር 37:29) እሞ ደኣ ንብርቱዕ ጸበባ ሰጊርካ ነቲ ኣምላኽ ዘተስፈዎ በረኸት ክትረኽቦ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ እቲ መፍትሕ፡ ኣቐዲሙ ንዚውሃበካ መጠንቀቕታ ምቕላብ እዩ!

ነቲ ኣብ ዓለምና ዜጋጥም ለውጢ ነቒሕካ ተኸታተሎ

ኵሉ እከይን መከራን ዜብቅዓሉ ውሱን ዕለት መዓስ ምዃኑ ኽንፈልጥ ኣይንኽእልን ኢና፣ ከመይሲ፡ የሱስ “ብዛዕባ እታ መዓልቲ እቲኣን እታ ሰዓት እቲኣን፡ ኣቦ ጥራይ እምበር፡ መላእኽቲ ሰማያት ኰኑ ወይስ ወዲ ዀነ፡ ሓደ እኳ ዚፈልጥ የልቦን” ኢሉ ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግና፡ “ንቕሑ” ብምባል ኣተባቢዑና ኣሎ። (ማቴዎስ 24:36፣ 25:13) ነየናይ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ መወዳእታ ቕድሚ ምምጻኡ ዅነታት ዓለም ከመይ ከም ዚመስል ይገልጸልና እዩ። ልክዕ ከምቲ ሃንደበታዊ ምልውዋጥ ማዕበል፡ ሱናሚ ይመጽእ ከም ዘሎ ንተቐማጦ ሲማልወ መጠንቀቕታ ዝዀኖም፡ እቲ ኣብ ኵነታት ዓለምና ዜጋጥም ዓብዪ ለውጢ እውን መወዳእታ ኸም ዝቐረበ ዚሕብረና እዩ። እዛ ኣብዚ ዓንቀጽ እዚ ዘላ ሳጹን ንገለ ኻብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚገልጾ ዓበይቲ ለውጥታት ተጕልሕ እያ።

ርግጽ እዩ፡ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ገለ ኻብቲ ኣብዛ ሳጹን እተጠቕሰ ፍጻመታትን ኵነታትን ብእተወሰነ ደረጃ ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት ተራእዩ እዩ። የሱስ ግና “እዚ ዅሉ” ኼጋጥም ምስ እንርኢ፡ መወዳእታ ምቕራቡ ኸም እንፈልጥ እዩ ገሊጹ። (ማቴዎስ 24:33) ስለዚ፡ ንገዛእ ርእስኻ፡ ‘ኣብ ታሪኽ፡ እዚ ኹሉ እተጠቕሰ ፍጻመታት (1) ኣብ መላእ ዓለም እተራእየ፡ (2) ኣብ ሓደ እዋን ዘጋጠመ፡ ከምኡ እውን (3) ናብ ዝገደደ ዝበጽሐ ኣበየናይ እዋን እዩ፧’ ኢልካ ሕተታ። ብንጹር እምበኣር፡ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ እዋን ኢና እንነብር ዘሎና።

መግለጺ ፍቕሪ ኣምላኽ

ሓደ ፕረዚደንት ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ነበር፡ “ኣቐዲሙ መጠንቀቕታ ዚህብ መሳርሒታት . . . ህይወት ዜድሕን እዩ” በለ። ድሕሪ እቲ ብ2004 ዘጋጠመ ሱናሚ፡ ኣብ መጻኢ ህይወት ሰባት ብኸምዚ ዝኣመሰለ ሓደጋ ምእንቲ ኸይጠፍእ፡ ኣብቲ እተጠቕዐ ዞባ ኣቐዲሙ መጠንቀቕታ ዚህብ መሳርሒታት ተተኽለ። ኣምላኽ እውን መወዳእታ ቕድሚ ምምጻኡ ኣቐዲሙ መጠንቀቕታ ኺውሃብ መሰናድዎ ገይሩ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እዚ ብስራት መንግስቲ ኸኣ፡ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ኵላ ዓለም ኪስበኽ እዩ፣ ሽዑ፡ መወዳእታ ኺመጽእ እዩ” ብምባል ተነብዩ ነይሩ እዩ።—ማቴዎስ 24:14

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኣብዛ ዝሓለፈት ዓመት ጥራይ ኣብ 240 ሃገራት ብልዕሊ 700 ቋንቋ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምስባኽ ልዕሊ 1.9 ቢልዮን ሰዓት ኣሕሊፎም እዮም። እዚ ዘመናዊ ምዕባለታት እዚ፡ መወዳእታ ኸም ዝቐረበ ዜርኢ ሓያል መርትዖ እዩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንብጻዮም ካብ ዘለዎም ፍቕሪ ተላዒሎም፡ ንሰባት ብዛዕባ እታ ኣዝያ እናቐረበት እትመጽእ ዘላ መዓልቲ ፍርዲ ኣምላኽ ንምጥንቃቕ ዚከኣሎም ይገብሩ ኣለዉ። (ማቴዎስ 22:39) ካብዚ ሓበሬታ እዚ ኽትጥቀም ምኽኣልካ እውን የሆዋ ኸም ዜፍቅረካ ዜረጋግጽ እዩ። ‘ኣምላኽ ኵሎም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ እምበር፡ ሓደ እኳ ኺጠፍእ ከም ዘይደሊ’ ኣይትረስዕ። (2 ጴጥሮስ 3:9) ንፍቕሪ ኣምላኽ ምላሽ ክትህበሉን ኣቐዲሙ ንዚውሃበካ መጠንቀቕታ ኸተቕልበሉን ዲኻ፧

ናብ ውሑስ ቦታ ህደም!

ተቐማጦ እተን ኣብ ሲማልወ ዚርከባ ገጠራት፡ ባሕሪ እናረሓቐ ኪኸይድ ምስ ረኣዩ፡ ህይወቶም ንምድሓን ናብ በሪኽ ቦታታት ከም ዝሃደሙ ዘክር፣ እቲ ባሕሪ ኽሳዕ ዚምለስ ኣይተጸበዩን። ቅልጡፍ ስጕምቲ ብምውሳዶም ከኣ ደሓኑ። ንስኻ እውን ድሕሪ ማይ ኣብ በዓቲ ኸይኰነ ኸሎ፡ ካብዚ ዚመጽእ ዘሎ ብርቱዕ ጸበባ ንምድሓን ቅልጡፍ ስጕምቲ ኽትወስድ ኣሎካ። ብኸመይ፧ ነብዪ ኢሳይያስ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ፡ ብዛዕባ “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት፡” ማለት ኣብዚ እንነብረሉ ዘሎና ግዜ ቐሪቡልና ዘሎ ምዉቕ ዕድመ ጽሒፉ እዩ። እቲ ዕድመ ኸኣ “ንዑናይ ናብ ከረን እግዚኣብሄር . . . ንሱ ጐደናታቱ ኺምህረና፡ ብመገድታቱውን ክንመላለስ ኢና” ይብል።—ኢሳይያስ 2:2, 3

በሪኽ ከረን፡ ዕቝባ ኽትረኽበሉን ብዙሕ ነገራት ክትርእየሉን እትኽእል ቦታ እዩ። ብተመሳሳሊ መገዲ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ብመጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሎም መገድታት ኣምላኽ ምፍላጦም፡ ኣብ ህይወቶም ኣድላዪ ለውጥታት ኪገብሩ ይሕግዞም ኣሎ። (2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17) ከምዚ ብምግባር፡ ‘ብመገድታት ኣምላኽ ኪመላለሱ፡’ ሞጎሱን ዕቝባኡን ድማ ኬስተማቕሩ ኽኢሎም እዮም።

ነዚ ዕድመ እዚ ምላሽ ብምሃብ፡ ካብቲ ኣምላኽ ኣብዘን ጽንኵራት መዓልታት ዘዳለዎ ፍቕራዊ ዕቝባ ኽትጥቀም ዲኻ፧ ነቲ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኣብ እትርከብ ሳጹን ቀሪቡ ዘሎ፡ “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት” ንነብር ከም ዘሎና ዜርኢ ቕዱስ ጽሑፋዊ መርትዖ ተጠንቂቕካ ኽትምርምሮ ነተባብዓካ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1) ኣብ ከባቢኻ ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ነቲ ኣብኡ ቐሪቡ ዘሎ ጥቕስታት ብንጹር ክትርድኦን ብኸመይ ክትዓየሉ ኸም እትኽእልን ተሓጒሶም ኪሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም። ወይ ድማ ናብቲ www.pr418.com/ti ዚብሃል ወብ ሳይትና ብምእታው ንሕቶታትካ መልሲ ኽትረኽበሉ ትኽእል ኢኻ።

^ ሕ.ጽ. 3 እቲ ብ2004 ዘጋጠመ ሱናሚ፡ ህይወት ልዕሊ 220,000 ዚዀኑ ሰባት እዩ ኣጥፊኡ። ሓደ ኻብቲ ኣብ ታሪኽ እተመዝገበ ኣዝዩ ኣዕናዊ ሱናሚ ድማ እዩ።