ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ህዝቢ ኣምላኽ ብዓባይ ባቢሎን ተማሪኾም ዝነበሩ መዓስ እዮም

እዚ መንፈሳዊ ምርኮ እዚ፡ ካብ ካልኣይ ዘመን ቅ.ክ. ክሳዕ 1919 እዩ ጸኒሑ። እዚ ናይ ኣረኣእያ ምትዕርራይ ኪግበር ዘድለየ ስለምንታይ እዩ፧

እቲ ምርኮ፡ ብ1919 ቅቡኣት ክርስትያናት ኣብታ እተሓደሰት ጉባኤ ምስ ተኣከቡ ኸም ዘብቅዐ መርትዖታት ይሕብር እዩ። ነዚ ዚስዕብ እሞ ሕሰበሉ፦ መንግስቲ ኣምላኽ ብ1914 ኣብ ሰማይ ተመስሪታ እያ፣ ስዒቡ ኣብ ዝነበረ ዓመታት ከኣ፡ ህዝቢ ኣምላኽ ተፈቲኖምን ጸርዮምን እዮም። * (ሚል. 3:1-4) ድሕሪኡ፡ ብ1919 የሱስ፡ ነቶም ዝጸረዩ ህዝቢ ኣምላኽ “ምግቦም በብግዜኡ” ዚህቦም “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ሸመ። (ማቴ. 24:45-47) ኣብታ ዓመት እቲኣ ኸኣ፡ ህዝቢ ኣምላኽ ናብቲ ኣምላኽ ዘዳለወሎም መንፈሳዊ ቦታኦም ኪምለሱ ጀመሩ። ካብ ምሳልያዊ ምርኮ ዓባይ ባቢሎን ሓራ ዝወጹ እውን ሽዑ እዩ ነይሩ። (ራእ. 18:4) ግናኸ፡ እቲ ምርኮ መዓስ እዩ ጀሚሩ፧

ንሓያሎ ዓመታት፡ እቲ ምርኮ ብ1918 ከም ዝጀመረን ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ዓባይ ባቢሎን ምስ ኰኑ ንሓጺር እዋን ከም ዝጸንሐን ኢና ንገልጽ ኔርና። ንኣብነት፡ ናይ 15 መጋቢት 1992 ግምቢ ዘብዐኛ፡ “ይኹን ደኣ እምበር፡ ከምቲ እቶም ጥንታውያን ህዝቢ ኣምላኽ ንእተወሰነ ግዜ ኣብ ትሕቲ ናይ ባቢሎናዊ ባርነት ዝነበሩ፡ ብ1918 ከኣ ኣገልገልቲ የሆዋ ብመጠኑ ኣብ ትሕቲ ባርነት ናይ ዓባይ ባቢሎን ኣተዉ” ትብል። ኰይኑ ግና፡ ተወሳኺ መጽናዕቲ ምስ ተገብረ እቲ ምርኮ ኻብ 1918 ነዊሕ እዋን ኣቐዲሙ ኸም ዝጀመረ ኺፍለጥ ተኻኢሉ እዩ።

ንኣብነት፡ ሓደ ኻብቲ ብዛዕባ ምርኮን ሓርነትን ህዝቢ ኣምላኽ ዚገልጽ ትንቢታት እስከ ንርአ። እቲ ትንቢት ኣብ ህዝቅኤል 37:1-14 ተመዝጊቡ ይርከብ። ህዝቅኤል ብራእይ፡ ኣዕጽምቲ ዝመልአ ጐልጐል ስንጭሮ ረኣየ። የሆዋ ንህዝቅኤል፡ እቲ ኣዕጽምቲ ን“ዅላ ቤት እስራኤል” ከም ዜመልክት ነገሮ። እዚ ብዛዕባ ምምላስ ዚገልጽ ትንቢት ዝዓበየ ፍጻመኡ ዝረኸበ ድማ፡ ኣብቶም “ናይ ኣምላኽ እስራኤል” እዩ። (ገላ. 6:16፣ ግብ. 3:21) ድሕሪኡ፡ ህዝቅኤል እቲ ኣዕጽምቲ ህያውን ዓብዪ ጭፍራን ኪኸውን ከሎ ርእዩ እዩ። እዝስ ነቲ ብ1919 ብዝነበረ ፍጻመታት እተዛዘመ መንፈሳዊ ትንሳኤ ህዝቢ ኣምላኽ ዚምልከት ከመይ ዝበለ መግለጺ ዀን እዩ! እዚ ራእይ እዚ ግና፡ ብዛዕባ ንውሓት እቲ ግዜ እንታይ እዩ ዚሕብረና፧

ቀዳማይ፡ እቲ ኣዕጽምቲ “ኣዝዩ ንቑጽ” ከም ዝነበረ ተገሊጹ ኣሎ። (ህዝ. 37:2, 11) እዚ ኸኣ፡ እቶም ሰባት ካብ ዝሞቱ ኣዝዩ ነዊሕ ግዜ ኸም ዝገበሩ እዩ ዚሕብር። ካልኣይ፡ እቲ ትንሳኤ ብቕጽበት ዘይኰነስ፡ በብቝሩብ እዩ ተፈጺሙ። ፈለማ ደሃይ ኰነ፡ ደሃይ ፍኒሕኒሕ ወይ ሓሸሽታ እውን ኰነ፣ “እቲ ዓጻጽምቲውን ዓጽሚ ኣብ ዓጽሙ ተቓራረበ።” ቀጺሉ፡ “ጅማውትን ስጋን” ተወሰኸ። እቲ ኣዕጽምትን ጅማውትን ስጋን ድማ ብቘርበት ተኸድነ። ጸኒሑ፡ “ትንፋስ ድማ አተዎም። ህያዋን ኰኑ።” ኣብ መወዳእታ፡ የሆዋ ነቶም ዝሓወዩ ህዝቢ ኣብ ሃገሮም ወይ ምድሮም ኣስፈሮም። እዚ ዅሉ ፍጻመታት እምበኣር፡ ግዜ ዚወስድ እዩ ነይሩ።—ህዝ. 37:7-10, 14

ጥንታዊ ህዝቢ እስራኤል ኣብ ምርኮ ንነዊሕ እዋን እዩ ጸኒሑ። እቲ ምርኮ፡ ብ740 ቅ.ክ. እታ ብዓሰርተ ነገድ ዝቘመት ሰሜናዊት መንግስቲ ምስ ወደቐትን መብዛሕትኦም ህዝባ ናብ ምርኮ ምስ ተወስዱን እዩ ጀሚሩ። ድሕሪኡ፡ ብ607 ቅ.ክ. የሩሳሌም ዓነወት፣ እታ ደቡባዊት መንግስቲ ይሁዳ እውን ናብ ምርኮ ተወስደት። እዚ ናይ ምርኮ እዋን እዚ፡ ብ537 ቅ.ክ. ተረፍ ኣይሁድ ተመሊሶም ቤተ መቕደስ ምስ ሃነጹን ኣብ የሩሳሌም ናይ ሓቂ ኣምልኾ ከም ብሓድሽ ምስ መስረቱን እዩ ኣብቂዑ።

ነዚ ቕዱስ ጽሑፋዊ መግለጺ ኣብ ግምት ምስ እነእቱ፡ እቲ ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ ምርኮ ዓባይ ባቢሎን ዝነበሩሉ እዋን ካብቲ ኣብ 1918-1919 ዝነበረ እዋን ኣዝዩ ዝነውሐ ኪኸውን ከም ዘለዎ ንጹር ይዀነልና እዩ። ህዝቢ ኣምላኽ ተማሪኾም ዝጸንሑሉ እዋንን እቲ ምሳልያዊ ኽርዳድ ምስቶም ብስርናይ እተመሰሉ “ደቂ መንግስቲ” ብሓንሳእ ዚዓብየሉ እዋንን ተመሳሳሊ እዩ። (ማቴ. 13:36-43) እቲ እዋን ምዕባይ፡ እቶም ናይ ሓቂ ክርስትያናት በቶም ከሓድቲ ኣዝዮም ንእተዓብለሉሉ እዋን እዩ ዜመልክት። በዚ ኸምዚ እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ብዓባይ ባቢሎን ተማረኸት። እቲ ምርኮ ኻብ ከባቢ ኻልኣይ ዘመን ቅ.ክ እዩ ጀሚሩ፣ እታ መንፈሳዊት ቤት መቕደስ ኣብ ግዜ መወዳእታ ኽሳዕ ዝጸረየትሉ እዋን ከኣ እዩ ጸኒሑ።—ግብ. 20:29, 30፣ 2 ተሰ. 2:3, 6፣ 1 ዮሃ. 2:18, 19

ኣብቲ መንፈሳዊ ምርኮ ዝነበረሉ ነዊሕ እዋን፡ ኣቕሽሽትን ፖለቲካውያን መሻርኽቶምን ስልጣኖም ንምንዋሕ ባህጊ ስለ ዝነበሮም፡ ነቶም ኣብ ትሕቲ ቝጽጽሮም ዘለዉ ሰባት ቃል ኣምላኽ ከም ዘይጥቀሙ ገይሮምዎም እዮም። ሓድሓደ እዋን ድማ ተራ ህዝቢ ብዚዛረቦ ቛንቋ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ ከም ገበን እዩ ዚቝጸር ነይሩ። ከምኡ ንዝገበሩ ገሊኦም ሰባት ከኣ ኣብ ጉንዲ ሰቒሎም ኣንዲዶምዎም እዮም። ዝዀነ ይኹን ሰብ ነቲ ኣቕሽሽቲ ዚምህርዎ ትምህርቲ ዚጻረር ሓሳብ እንተ ገሊጹ ግፍዒ ይወርዶ ነበረ፣ በዚ ኸምዚ፡ ብርሃን ሓቂ ኸየስፋሕፍሕ ተዓግተ።

እቲ ንምምላስ ዚምልከት ካልኣይ ፍጻመኸ፧ እዚ መዓስን ብኸመይን እዩ ተፈጺሙ፧ እቲ ዕዮ መንፈሳዊ ምምላስ በብቝሩብ እዩ ተኻይዱ። ክሳዕ ግዜ መወዳእታ ኣብ ዝነበረ ዘመናት፡ ደሃይ “ፍኒሕኒሕ” ወይ ደሃይ ሓሸሽታ እውን ነይሩ እዩ። ትምህርትታት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዓብሊሉ እኳ እንተ ነበረ፡ ገሊኦም እሙናት ውልቀ ሰባት ብዚከኣሎም መጠን ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ይሕለቑሉ ነይሮም እዮም። ገሊኦም፡ መጽሓፍ ቅዱስ ተራ ህዝቢ ብዚዛረቦ ቛንቋ ኼዳልዉ ይጽዕሩ ነይሮም እዮም። ካልኦት ከኣ፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝረኸብዎ ሓቅታት ይእውጁ ነበሩ።

ድሕሪኡ፡ ኣብ መወዳእታ 1800ታት፡ ቻርለስ ቴዝ ራስልን ብጾቱን፡ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ንምምላስ ብቕንኣት ዓየዩ። በዚ ኸምዚ ብምሳልያዊ መገዲ ነቲ መንፈሳዊ ኣዕጽምቲ ስጋን ቈርበትን ኪኸድኖ ጀመረ። ናይ ጽዮን ግምቢ ዘብዐኛን ካልእ ጽሑፋትን፡ ቅኑዕ ንዝልቦም ሰባት መንፈሳዊ ሓቅታት ኪረኽቡ ሓገዘ። ጸኒሑ ድማ፡ እታ ብ1914 ዝወጸት “ፎቶ-ድራማ ኦቭ ክሪኤሽን”ን እታ ብ1917 ዝወጸት ዘ ፊንሽድ ሚስትሪ ዘርእስታ መጽሓፍን ንህዝቢ ኣምላኽ ኣደልደላኦም። ኣብ መወዳእታኡ፡ ብ1919 ህዝቢ ኣምላኽ ብመንፈሳዊ ኣዘራርባ ህይወት ተዋህቦም፣ ኣብታ ሓዳስ መንፈሳዊት ሃገሮም ወይ ምድሮም ድማ ሰፈሩ። ድሕሪ ግዜ፡ ነዞም ተረፍ ቅቡኣት ክርስትያናት ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ሰባት ተጸምበርዎም፣ ሓቢሮም ከኣ፡ “ኣዝዩ ዓብዪ ጭፍራ” ወይ ሰራዊት ኰኑ።—ህዝ. 37:10፣ ዘካ. 8:20-23 *

እምበኣር፡ ነዚ ዅሉ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ህዝቢ ኣምላኽ ናብ ምርኮ ዓባይ ባቢሎን እተወስዱ፡ ኣብ ካልኣይ ዘመን ድ.ክ. ክሕደት ምስ ዓበየ ኸም ዝዀነ ንጹር እዩ። እቲ እዋን እቲ፡ ምስቲ ጥንቲ ዝነበሩ እስራኤላውያን ናብ ምርኮ ምስ ተወስዱ ዘጋጠሞም ኵነታት ዚመሳሰል መዋእል ጸልማት እዩ ነይሩ። ህዝቢ ኣምላኽ ንሓያሎ ዘመናት መንፈሳዊ ጭቆና እኳ እንተ ኣጋጠሞም፡ ኣብዚ ‘ጠቢባን ዚበርሁሉን’ ‘ብዙሓት ዚጸርዩሉን ዚዅልዑሉን’ እዋን ንነብር ምህላውናስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ባህ ዜብል እዩ!—ዳን. 12:3, 10

ሰይጣን ንየሱስ ኪፍትኖ ኸሎ፡ ብኣካል ናብ ቤተ መቕደስ ወሲድዎ ድዩ

ብሓጺሩ፡ የሱስ ኣብ ቤተ መቕደስ ደው ዝበለ ብኣካል ወይ ብራእይ እንተ ዀይኑ ኣፍና መሊእና ኽንዛረብ ኣይንኽእልን ኢና። ሓድሓደ ግዜ፡ ክልቲኡ ኣገላልጻ ኣብ ጽሑፋትና ይወጽእ ነይሩ እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዚብል እሞ ኣስተብህል። ሃዋርያ ማቴዎስ ኣብቲ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ ብዛዕባ እዚ ፍጻመ እዚ ዝጸሓፎ ጸብጻብ፡ “ድያብሎስ [ንየሱስ] ናብታ ቕድስቲ ኸተማ ወሲዱ፡ ኣብ ገምገም መንደቕ ቤተ መቕደስ ደው” ከም ዘበሎ ገሊጹ ኣሎ። (ማቴ. 4:5) ሉቃስ ዝጸሓፎ ተመሳሳሊ ጸብጻብ እውን፡ “ናብ የሩሳሌም ወሲዱ ኸኣ፡ ኣብ ገምገም መንደቕ ቤተ መቕደስ ደው” ከም ዘበሎ ይገልጽ እዩ።—ሉቃ. 4:9

ቅድሚ ሕጂ፡ እዚ ፍጻመ እዚ ቓል ብቓሉ እተፈጸመ ኸይከውን ከም ዚኽእል ኣብ ጽሑፋትና ይግለጽ ነይሩ እዩ። ንኣብነት፡ ናይ 1 ሚያዝያ 1961 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ኸምዚ በለት፦ “ነቲ የሱስ ኣብ በረኻ ዘሕለፎ ፈተና ዚገልጽ ጸብጻብ ቃል ብቓሉ ኽንርድኦ ርትዓዊ ኣይመስልን እዩ። ‘ኵለን መንግስትታት ዓለምን ክብረንን’ ክትርእየሉ እትኽእል ከረን ፈጺሙ የለን። ስለዚ፡ ሰይጣን ንየሱስ፡ ‘ናብታ ቕድስቲ ኸተማ ወሲዱ ኣብ ገምገም ቤተ መቕደስ ደው ዘበሎ’ ቓል ብቓሉ ወይ ብኣካል ከም ዘይኰነ ኽንድምድም ርትዓዊ እዩ። እቲ ፈተና በዚ ኸምዚ ኪቐርብ ኣድላዪ ኣይኰነን ነይሩ።” ኣብ ካልእ ሕታማት እዛ መጽሔት ግና፡ የሱስ ነቲ ብሰይጣን ዝቐረበሉ ሕቶ እንተ ዚፍጽሞ፡ ኣብ ርእሰ ቕትለት ኬብጽሖ ይኽእል ከም ዝነበረ ተገሊጹ ኣሎ።

ገሊኦም ከኣ፡ የሱስ ሌዋዊ ስለ ዘይኰነ፡ ኣብ ልዕሊ ቤተ መቕደስ ደው ኪብል ከም ዘይክእል ይገልጹ እዮም። ስለዚ፡ የሱስ ናብ ቤተ መቕደስ ‘እተወስደ’ ብራእይ ኪኸውን ከም ዚኽእል እዩ ዚሕሰብ ነይሩ። ቅድሚ ነዊሕ ዘመናት እውን ነብዪ ህዝቅኤል ከምኡ ኣጋጢምዎ እዩ።—ህዝ. 8:3, 7-10፣ 11:1, 24፣ 37:1, 2

እዚ ፈተና እዚ ብራእይ ጥራይ እተፈጸመ እንተ ዀይኑ ግና፡ እዚ ዚስዕብ ሕቶታት ይልዓል እዩ፦

  • እቲ ፈተና ናይ ሓቂ ድዩ ነይሩ ወይስ ሓሳባዊ፧

  • ሰይጣን ንየሱስ ኪፍትኖ ኸሎ፡ እምኒ ናብ እንጌራ ኺልውጥ ወይ ኣብ ቅድሚኡ ፍግም ኢሉ ኺሰግደሉ ቓል ብቓሉ ሓቲትዎ እንተ ዀይኑ፡ ካብ ቤተ መቕደስ ኪጸድፍ እውን ቃል ብቓሉ ሓቲትዎ ኪኸውን ኣይክእልንዶ፧

በቲ ኻልእ ሸነኽ ግና፡ የሱስ ብኣካል ኣብ ቤተ መቕደስ ደው ኢሉ እንተ ነይሩ፡ እዚ ዚስዕብ ካልእ ሕቶታት ይልዓል እዩ፦

  • የሱስ ኣብ ልዕሊ ቤተ መቕደስ ደው ብምባሉ ሕጊ ጥሒሱ ድዩ፧

  • የሱስ ከመይ ገይሩ እዩ ኻብቲ በረኻ ናብ የሩሳሌም መጺኡ፧

ተወሳኺ ምርምር ምስ እንገብር፡ መልሲ እዘን ዳሕረዎት ክልተ ሕቶታት ኪኸውን ዚኽእል ሓሳባት ክንረክብ ንኽእል ኢና።

ቀዳማይ፡ ፕሮፌሰር ዲ. አይ. ካርሰን ከም ዝገለጾ፡ እታ “ቤተ መቕደስ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽኛ ቓል (ሄሮን)፡ “ነታ መቕደስ ጥራይ ዘይኰነትስ፡ ንብምሉኡ እቲ ህንጻታት እያ እተመልክት።” ስለዚ፡ የሱስ ኣብ ልዕሊ እታ መቕደስ ደው ኪብል ኣየድለዮን ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ መኣዝን እቲ ቤተ መቕደስ ደው ኢሉ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ካብቲ ቦታ ኽሳብ እቲ ኣብ ትሕቲኡ ዚርከብ ስንጭሮ ቄድሮን፡ ኣስታት 137 ሜተር ዚኸውን ጸድፊ ኣሎ። ኣብዚ ሸነኽ ደቡባዊ ምብራቕ፡ መጋረዲ ዘለዎ ለጥ ዝበለ ናሕሲ ነይሩ እዩ፣ ካብ ኵሉ እቲ ህንጻታት ቤተ መቕደስ እውን ዝነውሐ እዩ ነይሩ። ጥንታዊ ጸሓፍ ታሪኽ ጆሰፈስ፡ እቲ ቦታ ኣዝዩ በሪኽ ስለ ዝዀነ፡ ሓደ ሰብ ኣብ ላዕሊ ደው ኢሉ ንታሕቲ ገጹ ምስ ዚርኢ፡ “ጽርውርው ከም ዚብሎ” ገሊጹ ኣሎ። ሌዋዊ ዘይኰነ ሰብ ኣብዚ ቦታ እዚ ደው ኪብል ይፍቀደሉ ነይሩ እዩ፣ የሱስ ኣብዚ ቦታ እዚ ደው ኢሉ እንተ ዀይኑ ኸኣ፡ ዜተሓታትት ኣይከውንን እዩ።

የሱስ ኣብ በረኻ ኸሎ ኸመይ ኢሉ እዩ ናብ ቤተ መቕደስ ተወሲዱ፧ ብዛዕባ እዚ ርግጸኛታት ኴንና ኽንዛረብ ኣይንኽእልን ኢና። እቲ ሓጺር ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቲ ፈተና ኽንደይ ከም ዝጸንሐ ወይ የሱስ ኣበየናይ ሸነኽ እቲ በረኻ ኸም ዝነበረ ኣይገልጽን እዩ። ናብ የሩሳሌም እውን ብእግሩ ተመሊሱ ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ ከምኡ እንተ ገይሩ ድማ፡ እቲ ጕዕዞ ግዜ ወሲዱሉ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ጸብጻብ፡ የሱስ ኣብቲ እተፈተነሉ እዋን ብምሉኡ፡ ኣብ በረኻ ኸም ዝነበረ ኣይገልጽን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ናብ የሩሳሌም ከም እተወስደ ጥራይ እዩ ዚገልጽ።

ብዛዕባ እቲ ሰይጣን ንየሱስ፡ “ኵለን መንግስትታት ዓለም” ኣርእዩ ዝፈተኖ ፈተናኸ እንታይ ኪብሃል ይከኣል፧ የሱስ ቃል ብቓሉ ንዅለን መንግስትታት ከም ዘይረኣየን ርዱእ እዩ፣ ኵለን መንግስትታት ክትርእየሉ እትኽእል ከረን የለን። ስለዚ፡ ሰይጣን ንየሱስ ብራእይ ኣቢሉ መንግስትታት ዓለም ኣርእይዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ እዚ ኸኣ፡ ብፕሮጀክተር ፊልም ወይ ብስክሪን ጌርካ ስእሊ እተፈላለየ ኸባቢታት ዓለም ምስ ምርኣይ ኪመሳሰል ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ የሱስ ነተን መንግስትታት ብራእይ ርእይወን ኪኸውን ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ እቲ ‘ፍግም ኢሉ ኺሰግድ’ ዝቐረበሉ ሕቶ ግና ናይ ሓቂ ደኣ እምበር፡ ሓሳባዊ ኣይኰነን ነይሩ። (ማቴ. 4:8, 9) እምበኣር፡ እቲ ኻብ ገምገም መንደቕ ቤተ መቕደስ ኪጸድፍ ዝቐረበሉ ፈተና ናይ ሓቂ ሳዕቤን ኬምጽኣሉ ዚኽእል ናይ ሓቂ ስጕምቲ ኺወስድ ዚደፋፍእ ፈተና እዩ ነይሩ፣ ብራእይ ዝረኣዮ እንተ ዚኸውን ነይሩ ግና፡ ክሳዕ ክንድቲ ኸቢድ ፈተና ኣይምዀነን።

ዝዀነ ዀይኑ፡ ከምቲ ኣብ መእተዊ እተገልጸ፡ ብዛዕባ እዚ ኣፍና መሊእና ኽንዛረብ ኣይንኽእልን ኢና። ስለዚ፡ የሱስ ብኣካል ናብ የሩሳሌም ከይዱ ኣብ ገምገም ቤተ መቕደስ ደው ከም ዘይበለ ጌርና ኽንድምድም ኣይንኽእልን ኢና። ይኹን እምበር፡ እቲ ፈተናታት ናይ ሓቂ ኸም ዝነበረ፡ ኣብ ኵሉ ፈተናታት ድማ፡ የሱስ ንድያብሎስ ዘየማትእ ምላሽ ከም ዝሃቦ ርግጸኛታት ኢና።

^ ሕ.ጽ. 1 ህዝቅኤል 37:1-14ን ራእይ 11:7-12ን ነቲ ብ1919 እተፈጸመ መንፈሳዊ ምምላስ እየን ዚገልጻ። ይኹን እምበር፡ እቲ ኣብ ህዝቅኤል ዚርከብ ትንቢት፡ ኵሎም ህዝቢ ኣምላኽ ንኣዝዩ ነዊሕ እዋን ኣብ ምርኮ ምስ ጸንሑ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ በብቝሩብ ከም ዚምለሱ እዩ ዚንበ። እቲ ኣብ ራእይ ዘሎ ትንቢት ግና፡ መሪሕነት ዚወስዱ ሒደት ጕጅለ ቕቡኣት ኣሕዋት ንሓጺር እዋን ዘይንጡፋት ኪዀኑ ምስ ተገደዱ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ከም ብሓድሽ ከም ዚውለዱ እዩ ዚገልጽ።