ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናዊ ሓድነትና ንምድልዳል፡ እጃምካ ኸተበርክት ትኽእል ኢኻ—ብኸመይ፧

ክርስትያናዊ ሓድነትና ንምድልዳል፡ እጃምካ ኸተበርክት ትኽእል ኢኻ—ብኸመይ፧

“ካብኡ ድማ ኵሉ እቲ ሰብነት ብደገፍ መላግቦ ዘበለ ይገጣጠምን ይዋደድን እዩ።”—ኤፌ. 4:16

መዝሙር፦ 53, 16

1. ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ፡ ኣብ ግብርታት ኣምላኽ እንታይ እዩ ዚርአ ነይሩ፧

ካብ መጀመርታ ፍጥረት ኣትሒዙ፡ ሓደ ዕላማ ንምውቃዕ ሓድነት ኣድላዪ እዩ ነይሩ። እቲ ናይ መጀመርታ ፍጥረት ኣምላኽ ከም ጥበብ ኰይኑ ኺዛረብ ከሎ፡ “ሽዑ ሰራሕተኛ ዀይነ ምስኡ [ምስ የሆዋ] ነበርኩ፡ ብየዕለቱ ኤሐጕሶ . . . ነበርኩ” ኢሉ እዩ። (ምሳ. 8:30) ኣቦን ወድን ተሓባቢሮም ከኣ፡ ነዚ ሎሚ እንርእዮ ዘለና በብዓይነቱ ህይወት ገይሮምዎ እዮም። እዚ ምትሕብባር እዚ ኣብ ግብርታት ኣምላኽ ቀጺሉ እዩ። ብዘመን ኖህ ዝነበረት መርከብ ክትስራሕ ከላ፡ ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ በረኻ ነቲ ማሕደር ኪተኽልዎን ኪበታትንዎን ኬግዕዝዎን ከለዉ፡ ከምኡ ድማ ኣብታ ቤተ መቕደስ ንውዳሰ የሆዋ ተባሂሉ ብሓባር ሙዚቃን መዝሙርን ኪቐርብ ከሎ፡ ምትሕብባር ኣድልዩ እዩ። ኣብ ኵሉ እዚ ጻዕርታት እዚ ኣሳልጦ ንምርካብ፡ ምትሕብባር ኣገዳስነት ኣለዎ።—ዘፍ. 6:14-16, 22፣ ዘሁ. 4:4-32፣ 1 ዜና 25:1-8

2. (ሀ) ኣብታ ቐዳመይቲ ክርስትያናዊት ጉባኤ እንታይ ፍልይ ዝበለ ነገር እዩ ነይሩ፧ (ለ) እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧

2 እታ ቐዳመይቲ ክርስትያናዊት ጉባኤ እውን ኣብ ትሕቲ እቲ ርእሳ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ኰይና፡ ብሓባር እያ እትዓዪ ነይራ። ቅቡኣት ክርስትያናት ዝዀኑ ውልቀ ሰባት፡ “በበይኑ ውህበት” እኳ እንተ ነበሮም፡ ኣብ “በበይኑ ኣገልግሎት” ዚሳተፉን “በበይኑ ተግባራት” ዚገብሩን እውን እንተ ዀኑ፡ ኵላቶም ክፍሊ “ሓደ ሰብነት” ምዃኖም፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ገሊጹ ኣሎ። (1 ቈረንቶስ 12:4-6, 12 ኣንብብ።) ሎሚኸ ኸመይ ኢና፧ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምስባኽ ከመይ ጌርና ክንገጣጠም ወይ ክንተሓባበር ንኽእል፧ ኣብ ጉባኤ ዀነ ኣብ ስድራ ቤትከ ኸመይ ጌርና ኽንተሓባበር ንኽእል፧

ኣብ ስብከት ንተሓባበር

3. ሃዋርያ ዮሃንስ እንታይ ራእይ እዩ ዝረኣየ፧

3 ኣብ ኣጋ መወዳእታ ቐዳማይ ዘመን ድ.ክ.፡ ሃዋርያ ዮሃንስ፡ ነፍሲ ወከፎም መለኸት ብዛዕባ ዚነፍሑ ሸውዓተ መላእኽቲ ራእይ ረኣየ። እቲ ሓምሻይ መልኣኽ መለኸቱ ምስ ነፍሐ ኸኣ፡ “ኰዀብ” ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ኺወድቕ ረኣየ። እቲ “ኰዀብ” ድማ ኣብ ኢዱ መፍትሕ ነበሮ፣ ብእኡ ኣቢሉ እውን ጕድጓድ መዓሙቝ ከፈተ። ብርቱዕ ትኪ ኸኣ ወጸ፣ ካብቲ ትኪ እውን ዕስለ ኣንበጣ ወጸ። እዚ ምሳልያዊ ዕስለ ኣንበጣ እዚ ኣትክልቲ ኣብ ክንዲ ዚበልዕ፡ “ነቶም ኣብ ግምባሮም ማሕተም ኣምላኽ ዘይብሎም ሰባት” ጥራይ ጐድአ። (ራእ. 9:1-4) ኣንበጣ ኽሳዕ ክንደይ መዕነዊ ኪኸውን ከም ዚኽእል፡ ዮሃንስ ይፈልጥ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ብዘመን ሙሴ ንጥንታዊት ግብጺ ዘዕነዋ እውን ኣንበጣ እዩ ነይሩ። (ዘጸ. 10:12-15) እቲ ዮሃንስ ዝረኣዮ ምሳልያዊ ዕስለ ኣንበጣ፡ ነቶም ሓያል መልእኽቲ ፍርዲ የሆዋ ዚእውጁ ቕቡኣት ክርስትያናት ዚበቅዕ ምሳሌ እዩ። ሕጂ ድማ፡ ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ሚልዮናት ብጾቶም ሓቢሮምዎም ኣለዉ። እምበኣር፡ እቲ ብሓድነት እንገብሮ ዕዮ ስብከትና፡ ነቲ ሰይጣን ኣብ ልዕሊ ሰባት ዘለዎ ቝጽጽር ኣዳኺሙ፡ ካብ ናይ ሓሶት ሃይማኖታት ሓራ ኺወጹ የኽእሎም ኣሎ።

4. ህዝቢ ኣምላኽ እንታይ ዕዮ እዮም ኪዓይዩ ዘለዎም፧ ከምኡ ኺገብሩሉ ዚኽእሉ ሓደ በይኑ መገዲኸ እንታይ እዩ፧

4 ህዝቢ የሆዋ ቕድሚ መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ፡ ነቲ “ብስራት” ኣብ ብዘላ ዓለም ናይ ምስባኽ ዓብዪ ዕዮ ኣለዎም። (ማቴ. 24:14፣ 28:19, 20) እዚ ድማ ን“ዝጸምአ” ዘበለ “ማይ ህይወት ብናጻ” ኺሰቲ ጻውዒት ምቕራብ የጠቓልል። (ራእ. 22:17) ኣባላት ክርስትያናዊት ጉባኤ ኸም ምዃንና መጠን፡ ከምኡ ኣብ ምግባር ብኸመይ ኣሳልጦ ኽንረክብ ንኽእል፧ ‘ከም ሓደ ሰብነት ንገጣጠምን ንዋደድን፡’ ማለት ንተሓባበር እንተ ዄንና ጥራይ ኢና ኣስልጦ ኽንረክብ እንኽእል።—ኤፌ. 4:16

5, 6. ኣብ ስብከት እቲ ብስራት ብኸመይ እዩ ሓድነት ዘሎና፧

5 ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብእተኻእለ መጠን ንብዙሓት ሰባት ንምንጋር፡ ዕዮ ስብከትና ብእተወደበ መገዲ ኽንፍጽሞ ኣሎና። ስለዚ ድማ መምርሒታት ይውሃበና እዩ። እቲ ኣብ ብዘላ ዓለም ብዚርከባ ጉባኤታት ኣቢሉ ዚውሃበና መምርሒታት፡ ንጻዕርታትና ሓድነት ምእንቲ ኺህልዎ የዳልወና እዩ። ንኣገልግሎት ወፍሪ ድሕሪ ምእካብና፡ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንሰባት ንምንጋር ንኸይድ ኢና። ነቲ መልእኽቲ ኸኣ ብቓልን በቲ ብሚልዮናት ዚቝጸር ቅዳሓት መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋትን ኣቢልና ንዝርግሖ ኢና። እሞኸ ኣብ ፍሉይ ወፈራታት ስብከት ንምስታፍ ንዚውሃብ መምርሒ ኣብ ግብሪ ተውዕሎ ዲኻ፧ ከምኡ ምስ እትገብር፡ ምስ ሚልዮናት ካልኦት ብሓደ ዄንካ መልእኽቲ እቲ ኣብ ራእይ 14:6 ተጠቒሱ ዘሎ ‘ኣብ ማእከል ሰማይ ዚዝምቢ መልኣኽ’ ኢኻ እተቃልሕ ዘለኻ።

6 ኣብ መጽሓፍ ዓመት ብዛዕባ እቲ ድምር ንጥፈታትና ዜፍርዮ ፍረ ኸነንብብ ከለናስ፡ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና እንሕጐስ! ኣብ ኣኼባ ዞባን ኣብ ፍሉይ ኣኼባን ኣብ ኣህጉራዊ ኣኼባን መዐደሚ ኽንዕድል ከለና፡ ክሳዕ ክንደይ ሓድነት ከም ዘሎና እሞ ንሕሰብ። ኣብቲ ኣኼባታት እቲ ድማ፡ ዜነቓቕሕ ቅዱስ ጽሑፋዊ መደረታትን ድራማታትን መርኣያታትን ይቐርበልና እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ኣብዚ ኽፍልታት እዚ ንኣምላኽና ብምሉእ ነፍስና ኸነገልግሎ ፍቕራዊ ምሕጽንታ ንሰምዕ ኢና። በዓል ዝኽሪ ሞት የሱስ እውን ሓድነት ከም ዚህልወና ይገብር እዩ። ንጸጋ ኣምላኽ ሞሳ ስለ ዘሎናን ነቲ የሱስ ዝሃበና መምርሒ ኽንእዘዝ ስለ እንደልን፡ ዓመት ዓመት ብ14 ኒሳን ጸሓይ ምስ ዓረበት ንእከብ ኢና። (1 ቈረ. 11:23-26) እቶም ኣብኡ ዚእከቡ ድማ እተጠምቁ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጥራይ ኣይኰኑን። ቅድሚ በዓል ዝኽሪ ኣብ ዚህሉ ሰሙናት፡ ንሰባት ኣብቲ ኣገዳሲ ኣጋጣሚ ኺሓብሩና ንምዕዳም ብእተኻለና መጠን ኣብ ጉባኤና ዘሎ ኽሊ ንሽፍን ኢና።

7. ብሓባር ክንዓዪ ኸለና፡ እንታይ ኢና ኽንገብር እንኽእል፧

7 ሓደ በይኑ ኣንበጣ ብዙሕ ጽልዋ የብሉን። ምስዚ ብዚተሓሓዝ፡ በብውልቅና እንገብሮ ጻዕሪ ዋጋ ዘይብሉ ይመስለና ይኸውን። እንተዀነ ግና፡ ብሓባር ስለ እንዓዪ፡ ኣቓልቦ ሚልዮናት ሰባት ናብቲ ዅሉ ውዳሰን ክብርን ዚግብኦ የሆዋ ኸም ዚኸውን ንገብር ኢና። ንሓድነትና ኣበርክቶ ዚግበር ግና፡ እዚ ኣብ ስብከት እንገብሮ ምትሕብባር ጥራይ ኣይኰነን።

ኣብ ጉባኤ ንተሓባበር

8, 9. (ሀ) ጳውሎስ ንክርስትያናት ብሓድነት ኪነብሩ ኸም ዘለዎም ንምምሃር፡ እንታይ ምሳሌ እዩ ተጠቒሙ፧ (ለ) ኣብ ጉባኤ ብኸመይ ክንተሓባበር ንኽእል፧

8 ጳውሎስ ኣብታ ናብ ሰብ ኤፌሶን ዝጸሓፋ መልእኽቱ፡ እታ ጉባኤ ብኸመይ ክትውደብ ከም ዘለዋን ‘ብዅሉ ኽንዓቢ’ ኸም ዜድልየናን ገሊጹ ኣሎ። (ኤፌሶን 4:15, 16 ኣንብብ።) ናብቲ ሸቶ እቲ ምእንቲ ኽንበጽሕ፡ በብውልቂ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ ጳውሎስ ንሰብነት ከም ኣብነት ብምጥቃም፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ርእሲ እታ ጉባኤ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ብሓድነት ክንሓብር ከም ዜድሊ ኣጕሊሑ ኣሎ። እቲ ሰብነት “ብደገፍ መላግቦ” ኸም ዚዋደድ እውን ገሊጹ ኣሎ። ንኣሽቱ ንኹን ዓበይቲ፡ ብርቱዓት ንኹን ድኹማት፡ ኰታስ ነፍሲ ወከፍና ኸመይ ጌርና ንሓድነትን መንፈሳውነትን ጉባኤና ኣበርክቶ ኽንገብር ንኽእል፧

9 ነቶም የሱስ ኣብ ጉባኤ መምርሒ ንምሃብ ዚጥቀመሎም ሽማግለታት ክንግዝኦምን ከነኽብሮምን ኣሎና። (እብ. 13:7, 17) እዚ ወትሩ ቐሊል ከይኸውን ይኽእል እዩ። ግናኸ፡ ካብ ኣምላኽ ሓገዝ ክንሓትት ንኽእል ኢና። እቲ ንጡፍ ሓይሉ ኸኣ ነቲ ኣብ ጉባኤ ዘሎ ስርዓት ብምሉእ ልብና ምእንቲ ኽንድግፎ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ሓድሓደ ግዜ ንዚውሃበና መምርሒ ምስዓቡ እንተ ኸቢዱና፡ ብትሕትና ምትሕብባርና ንሓድነት እታ ጉባኤ ብኸመይ ኣበርክቶ ኸም ዚገብር ከነስተንትን ኣሎና። ብዘይካዚ፡ ኣብ ከምዚ ምትሕብባርና፡ ንዅላትና ብፍቕሪ ኽንዓቢ ይሕግዘና እዩ።

10. ኣገልገልቲ ጉባኤ ንሓድነት ጉባኤ ኣበርክቶ ዚገብሩ ብኸመይ እዮም፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)

10 ኣገልገልቲ ጉባኤ ንሓድነት ጉባኤ ብዙሕ ኣበርክቶ ይገብሩ እዮም። እዞም ኣሕዋት እዚኦም ዕድሚኦም ብዘየገድስ፡ ጥቕሚ ርእሶም ሰዊኦም ንዅሉ ዚጠቅም ኣገልግሎት ይህቡ እዮም። ንኣብነት፡ ንኣገልግሎት ዜድልየና ጽሑፋት ብግዜኡ ኸም እንረክብ ብምግባር፡ ንሽማግለታት ይሕግዝዎም እዮም። ብተወሳኺ፡ ንኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ብስሩዕ የጽርዩን ይከናኸኑን፡ ኣብ ኣኼባታትና ንዚመጹ ኣጋይሽ እውን ይቕበሉ እዮም። ምስዞም ኣሕዋት እዚኦም ምስ እንተሓባበር፡ እታ ጉባኤ ብስሉጥ ንጥፈታታ ምእንቲ ኽትገብር እጃምና ነበርክት ኢና።—ምስ ግብሪ ሃዋርያት 6:3-6 ኣረኣኢ።

11. ብዕድመ ዝነኣሱ ኣሕዋት ንሓድነት ጉባኤ እጃሞም ንምብርካት እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧

11 ሓያሎ ብሱላት ኣሕዋት፡ ንብዙሕ ዓመታት ሓላፍነታት ተሰኪሞም እዮም። ግናኸ፡ ብሰንኪ ዕድሚኦም ንጥፈታቶም ይድረት ብምህላዉ፡ ምትዕርራያት ኬድሊ ይኽእል እዩ። መንእሰያት ኣሕዋት ብዙሕ ኪሕግዙ ይኽእሉ እዮም። ገና ተመክሮ ኺድልቡ ዜድልዮም እኳ እንተ ዀነ፡ ዝያዳ ሓላፍነት ምእንቲ ኺስከሙ ግና ስልጠና ኺውሃቦም ይኽእል እዩ። ኣገልገልቲ ጉባኤ፡ ሽማግለታት ኪዀኑ ምስ ዚመጣጠሩስ ክንደይ ሰናይ ኰን እዩ! (1 ጢሞ. 3:1, 10) ገሊኦም ብዕድመ ዝነኣሱ ሽማግለታት ኣብ ዕዮ ወረዳ ንምግልጋል ብቕዓታት ኬማልኡ ኽኢሎም ኣለዉ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ኣብ ሓያሎ ጉባኤታት ንዚርከቡ ኣሕዋትን ኣሓትን ኬገልግሉ ኺኢሎም እዮም። ነቲ እቶም ብዕድመ ዝነኣሱ ኣሕዋት ብፍታው ዚገብርዎ ደገፍሲ ኣይነመስግነሉንዶ፧—መዝሙር 110:3፣ መክብብ 12:1 ኣንብብ።

ኣብ ስድራ ቤት ንተሓባበር

12, 13. ኵሎም ኣባላት ስድራ ቤት ንሓድሕዶም ምእንቲ ኺተሓባበሩ፡ እንታይ ኪሕግዞም ይኽእል፧

12 ቀጺልና ኸኣ፡ ኣብ ስድራ ቤት ከመይ ጌርና ኸም እንተሓባበር እስከ ንርአ። ኣብ ሰሰሙን ውጽኢታዊ ኣምልኾ ስድራ ቤት ምግባር፡ ነቲ ኣብ መንጎ ንኣሽቱን ዓበይትን ዘሎ ፍቕሪ የደልድሎ እዩ። ኣብዚ ባህ ዜብል እዋናት እዚ፡ ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ነተኵር ኢና፣ እዚ ኸኣ ንሓድነት ስድራ ቤትና ኣበርክቶ ይገብር እዩ። ኣባላት ስድራ ቤት ንኣገልግሎት ወፍሪ ምስ ዚለማመዱ፡ ብውጽኢታዊ መገዲ ንምስባኽ ብዝሓሸ ኺዕጠቑ ይኽእሉ እዮም። ብዛዕባ ቓል ኣምላኽ ሓሳባት ምስ ዚዋሃሃቡ ኸኣ፡ እዚ ንሓድሕዶም የቀራርቦም እዩ፣ እወ፡ ኵላቶም ንሓደ ኣምላኽ የፍቅሩ፡ ኵላቶም እውን ፍቓዱ ንምግባር ባህጊ ይሓድሮም እዩ።

ኣምልኾ ስድራ ቤት ነቲ ኣብ መንጎ ብዕድመ ዝነኣሱን ዝዓበዩን ሰባት ዘሎ ፍቕሪ የደልድል (ሕጡብ ጽሑፍ 12ን 15ን ርአ)

13 ሰብ ሓዳር ንየሆዋ ንምውዳስ ብኸመይ ኪተሓባባሩ ይኽእሉ፧ ክልቲኦም መጻምድቲ እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ምስ ዝዀኑ፡ ኣብ ሓዳሮም ሓጐስን ሓድነትን ይህልዎም እዩ። ኣብርሃምን ሳራን፡ ይስሃቅን ርብቃን፡ ኤልቃናን ሃናን ነንመጻምድቶም ፍቕሮም ገሊጾም እዮም። ንሕና እውን ከምኡ ኽንገብር ኣሎና። (ዘፍ. 26:8፣ 1 ሳሙ. 1:5, 8፣ 1 ጴጥ. 3:5, 6) እዚ ኸኣ ምስ መጻምድትና ሓድነት ከም ዚህልወና ኺገብር፡ ናብ ሰማያዊ ኣቦና እውን ብዝያዳ ኬቕርበና እዩ።—መክብብ 4:12 ኣንብብ።

14. መጻምድትኻ ንየሆዋ ዘየገልግል እንተ ዀይኑ፡ ሓዳርኩም ንምድልዳል እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

14 ክርስትያናት ምስ ዘይኣመንቲ ኣብ ሓደ ኣርዑት ኪጽመዱ የብሎምን። (2 ቈረ. 6:14) ይኹን እምበር፡ ናይ የሆዋ ምስክር ንዘይኰነ መጻምድቲ እተመርዓዉ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣለዉ። ገሊኦም ድሕሪ ምምርዓዎም እዮም ሓቂ ፈሊጦም፣ መጻምድቶም ከኣ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣይኰኑን። ኰይኑ ግና፡ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ምውዓሎም፡ ንስኒቶም ኣበርክቶ ኺገብር ይኽእል እዩ። ኣብ መሰረታዊ ስርዓት ከይተለማለሙ፡ ብእተኻእሎም መጠን ተሓባበርቲ ኪዀኑ ኣለዎም። ከምዚ ምግባር፡ በዳሂ ኪኸውን ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ እንታይ ዓስቢ ኸም ዘለዎ እሞ ሕሰብ። መጻምድትኻ ኻብ ጉባኤ ምስ ዚርሕቕ ከኣ፡ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ምውዓል በዳሂ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሜሪ ዝስማ ክርስትያን ሓብቲ ኸምኡ እዩ ኣጋጢምዋ። ንሳን ሰብኣያ ዴቪድን ንየሆዋ ብሓባር የገልግልዎ ነይሮም እዮም፣ 25 ዓመት ይገብር ግና፡ ዴቪድ ናብ ኣኼባታት ጉባኤ ምኻድ ሓደጎ። ሜሪ ግና ብተኣማንነት ናብ ኣኼባታት ጉባኤን ኣኼባታት ዞባን ትኸይድ ነበረት። ኣብ ቤታ ኸኣ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ትጽዕር ነበረት፣ ንሽዱሽተ ደቃ እውን ክትምህሮም ጻዕሪ ገበረት። እቶም ደቃ ዓብዮም ካብ ገዛ ምስ ወጹ፡ ሜሪ በይና እተሓድገት ኰይኑ ተሰምዓ። ሽዑ ግና ዴቪድ ነቲ ኣብ ገዛ ዝሓደገቶ መጽሔታት ኬንብብ፡ ጸኒሑ ድማ፡ ናብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኸይድ ጀመረ። ኣብኡ ኸኣ ወዲ ሽዱሽተ ዓመት ወዲ ወዱ ኾፍ መበሊ ይሓዝኣሉ ነበረ። ዴቪድ ናብ ኣኼባ እንተ ዘይከይዱ፡ እቲ ወዲ ወዱ፡ “ኣባሓጎይ፡ ሎሚ ናብ ኣኼባ ብዘይምምጻእካ ኣይተሓጐስኩን” ይብሎ ነበረ። ሕጂ፡ ዴቪድ ንየሆዋ ተሓጒሱ የገልግሎ ኣሎ፣ ሜሪ ኸኣ ብሓባር የገልግሉ ብምህላዎም ሕጉስቲ እያ።

15. ብዕድመ ዝደፍኡ ሰብ ሓዳር፡ ብዕድመ ንዝነኣሱ ሰብ ሓዳር ብኸመይ ኪሕግዝዎም ይኽእሉ፧

15 ሰይጣን ኣብ ስድራ ቤት መጥቃዕቲ ይፍኑ ብምህላዉ፡ ኵሎም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኣብ ሓዳሮም ኣጸቢቖም ኪተሓባበሩ ኣለዎም። ኣብ ሓዳር ዝጸናሕኩምሉ ንውሓት ብዘየገድስ፡ ብዘረባን ብግብርን ንሓዳርኩም ንምድልዳል በብውልቅኹም እንታይ ክትገብሩ ኸም እትኽእሉ ሕሰቡ። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ እቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ሰብ ሓዳር፡ ብዕድመ ንዝነኣሱ ኣባላት እታ ጉባኤ ኺሕግዝዎም ይኽእሉ እዮም። ሓድሓደ ግዜ፡ ብዕድመ ንዝነኣሱ ሰብ ሓዳር ናብ ኣምልኾ ስድራ ቤትኩም ክትዕድምዎም ትኽእሉ ኢኹም። እቶም ብዕድመ ዝነኣሱ ሰብ ሓዳር ምሳኻትኩም ኣብ ዜሕልፍዎ ግዜ፡ ሰብ ሓዳር ካብ ዚምርዓዉ ዝገበርዎ ንውሓት ብዘየገድስ ፍቕርን ስኒትን ኣገዳሲ ምዃኑ ኺዕዘቡ እዮም።—ቲቶ. 2:3-7

‘ንዑናይ ናብ ከረን የሆዋ’

16, 17. ብሓድነት ንዝሓበሩ ኣገልገልቲ ኣምላኽ እንታይ እዩ ዚጽበዮም ዘሎ፧

16 ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ እስራኤላውያን ንየሆዋ ኣብታ ኣብ የሩሳሌም ዘላ ቤተ መቕደሱ ኺውድስዎ ኸለዉ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። ነቲ ጕዕዞ ይዳለዉ፡ ኣብ መገዲ ይደጋገፉ፡ ኣብታ ቤተ መቕደስ ከኣ ብሓድነት የምልኹ ነይሮም እዮም። ነዚ ዅሉ ንምግባር ኪተሓባበሩ ነይርዎም። (ሉቃ. 2:41-44) ንሕና እውን ናብ ሓዳስ ዓለም ኣብ እንገብሮ ጕዕዞ፡ ንሓድሕድና ኸም ሓደ ሰብነት ክንገጣጠምን ክንዋደድን፡ ማለት ሓድነት ኪህልወናን ክንተሓባበርን የድልየና እዩ። ከምኡ ንምዃን፡ ብስሩዕን ብዕቱብን ጻዕሪ ኽንገብር ኣሎና። እሞኸ ነዚ ነገር እዚ ብዝያዳ ቘላሕታ ኽትገብረሉ የድልየካ ድዩ፧

17 እንታይ በረኸት ይጽበየና ኸም ዘሎ እሞ ሕስብ ኣብሎ! ነቲ ኣብዚ ስርዓት ዘሎ ሓድነት ዚበታትን ሕንፍሽፍሽ ድሮ ሓዲግናዮ ኣሎና። እቲ ኢሳይያስን ሚክያስን እተነበይዎ ኺፍጸም ንርእዮ ኣሎና፣ ህዝቢ ኣምላኽ ብሓድነት ናብ ‘ከረን የሆዋ’ ይኸዱ ኣለዉ። (ኢሳ. 2:2-4፣ ሚክያስ 4:2-4 ኣንብብ።) እወ፡ ኣብዘን “ዳሕሮት መዓልትታት” ዘሎ ዓይነት ኣምልኾ፡ ብሓቂ ልዕል ዝበለ እዩ። ግናኸ፡ ኣብቲ ዅሎም ደቂ ሰብ ከም ሓደ ሰብነት ተገጣጢሞምን ተዋዲዶምን ብሓድነት ዚነብሩሉ እዋን ክንነብር ከለናስ፡ ከመይ ዝበለ ዓብዪ ሓጐስ ኰን ኢና ኽንረክብ!