ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣሕዋትናን ኣሓትናን እንታይ ግብራውን ስምዒታውን መንፈሳውን ሓገዝ ከም ዜድልዮም ክንርዳእ ንጽዓር

ኣብ ጉባኤኻ ኽትሕግዝ ትኽእልዶ፧

ኣብ ጉባኤኻ ኽትሕግዝ ትኽእልዶ፧

የሱስ ናብ ሰማይ ቅድሚ ምዕራጉ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ክሳዕ ወሰን ምድሪ . . . መሰኻኽር ክትኰኑኒ ኢኹም” በሎም። (ግብ. 1:8) እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ነዚ ኺፍጽምዎ ዝኸኣሉ ብኸመይ እዮም፧

ኣብ ኦክስፎርድ ዩኒቨርስቲ ዚዓዪ ፕሮፌሰር ማርቲን ጉድማን፡ “እቲ ንክርስትያናት እተዋህቦም ተልእኾ ኻብ ካልኦት ሃይማኖታውያን ጕጅለታት፡ እንተላይ ካብቶም ኣብ ጥንታዊት ግዝኣት ሮሜ ዝነበሩ ኣይሁድ ይፈልዮም እዩ” በለ። የሱስ ኣገልግሎቱ ንምፍጻም ካብ ቦታ ናብ ቦታ ይጐዓዝ ነይሩ እዩ። ናይ ሓቂ ክርስትያናት እውን ኣስኣሰሩ ስለ ዚስዕቡ፡ “ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ” ኪዝርግሑ ኸለዉ፡ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪፈልጡ ንዚደልዩ ሰባት እውን ኬናድዩ ኸም ዘለዎም ተረዲኦም እዮም። (ሉቃ. 4:43) እታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ጉባኤ ሃዋርያት ዝነበርዋ ኸኣ፡ በዚ ምኽንያት እዚ እዩ። እታ “ሃዋርያት” እትብል ቃል ድማ፡ ቃል ብቓሉ ንልኡኻት እያ እተመልክት። (ማር. 3:14) የሱስ ንሰዓብቱ፡ “ኪዱ ኻብ ኵሎም ኣህዛብ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ” ኢሉ ኣዚዝዎም እዩ።—ማቴ. 28:18-20

እቶም 12 ሃዋርያት የሱስ ምሳና ኣብ ምድሪ እኳ እንተ ዘየለዉ፡ ሓያሎ ኣገልገልቲ የሆዋ መንፈስ ሚስዮናውነት የርእዩ ኣለዉ። ነቲ ዕዮ ስብከቶም ኬስፍሑ ንዚቐርበሎም ዕድመ፡ “እኔኹ ልአኸኒ” ኢሎም ምላሽ ይህቡሉ እዮም። (ኢሳ. 6:8) ገሊኦም ናብ ርሑቕ ሃገራት ግዒዞም እዮም፣ ገለ ኻብዚኣቶም ድማ እቶም ኣብ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ እተመረቑ ኣሽሓት ኣሕዋትን ኣሓትን እዮም። ካልኦት ከኣ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ናብ እተፈላለየ ኸባቢታት ግዒዞም እዮም። ብዙሓት ምስተን ካልእ ቋንቋ ንዚዛረቡ ሰባት ዚሕግዛ ጉባኤታትን ጕጅለታትን ሓቢሮም ምእንቲ ኺዓይዩ ሓድሽ ቋንቋ ተማሂሮም እዮም። እዞም ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ዝያዳ ኣገልገልቲ ናብ ዜድልዩሉ ቦታታት ዝገዓዙ ወይ ሓድሽ ቋንቋ እተማህሩ ምሹእ ኵነታት ስለ ዘለዎምን ስለ ዘይከበዶምን ኣይኰነን። ነታ ንየሆዋን ንብጾቶምን ዘላቶም ፍቕሪ ምእንቲ ኼርእዩ፡ ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ ኬማዕብሉ ኣድልይዎም እዩ። ክሳራታቶም ጸብጺቦም ኪሕግዙ ፍቓደኛታት ኰይኖም እዮም። (ሉቃ. 14:28-30) ከምዚ ዓይነት ስጕምቲ ዚወስዱ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣዝዩ ዚድለ ሓገዝ እዮም ዚውፍዩ ዘለዉ።

ይኹን እምበር፡ ኵነታትና እተፈላለየ እዩ። ኵሎም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝያዳ ኣገልገልቲ ናብ ዜድልዩሉ ኸባቢ ኺግዕዙ ወይ ሓድሽ ቋንቋ ኺምሃሩ ኣይክእሉን እዮም። እሞኸ ኣብ ጉባኤና ዄንና መንፈስ ሚስዮናውነት ከነርኢ ንኽእልዶ፧

ኣብ ጉባኤኻ ሚስዮናዊ ኹን

ነቲ ዘሎካ ዅነታት በዚ ዚስዕብ መገዲ ግብራዊ ሓገዝ ንምሃብ ተጠቐመሉ፦

ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ካብ ዓዶም እኳ እንተ ዘይወጹ፡ መንፈስ ሚስዮናውነት የርእዩ ነይሮም እዮም። ኰይኑ ግና፡ እቲ ንጢሞቴዎስ እተዋህቦ ምዕዶ ንዓታቶም ኰነ ንዅሎም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዚምልከት እዩ። እቲ ምዕዶ፡ “ግብሪ ወንጌላዊ ግበር፡ ኣገልግሎትካ ምሉእ ብምሉእ ፈጽም” ዚብል እዩ። (2 ጢሞ. 4:5) እቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ክንሰብኽን ደቀ መዛሙርቲ ኽንገብርን እተዋህበ ትእዛዝ፡ ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ንዘለዉ ክርስትያናት ዚምልከት እዩ። ብዘይካዚ፡ እቲ ሚስዮናውያን ዚዓይዎ መብዛሕትኡ ዕዮ ኣብ ጉባኤና ዄንና እውን ክንዓይዮ ንኽእል ኢና።

ንኣብነት፡ ኣብ ወጻኢ ሃገር ዜገልግል ሚስዮናዊ ምስ ሓድሽ ኵነታት ኪሰማማዕ ኢሉ ለውጥታት ኪገብር የድልዮ እዩ። ኣብቲ ሓድሽ ክሉ ኣዝዩ እተፈልየ ነገራት የጋጥሞ እዩ። ንሕና ናብቲ ዝያዳ ኣገልገልቲ ዜድልዩሉ ኸባቢ ኽንግዕዝ ዘይንኽእል እንተ ዄንናኸ፧ ብዛዕባ ኽሊ ጉባኤና ምሉእ ብምሉእ ከም እንፈልጥ ጌርና ኽንድምድም ይግብኣና ድዩ፧ ንሰባት ክንረኽበሉ እንኽእል ሓድሽ መገድታት ከነናዲ ኣይንኽእልንዶ፧ ንኣብነት፡ ብ1940 ኣሕዋት ኣብ ሰሙን ሓንቲ መዓልቲ ኣብ ናይ መገዲ ምስክርነት ኪካፈሉ መተባብዒ ተዋሂብዎም ነይሩ። ንስኻኸ ኸምኡ ኽትገብር ትኽእልዶ፧ ወይ ከኣ ጽሑፋት ዚዕደለሉ ዓረብያታት ክትጥቀም ትኽእልዶ፧ እምበኣር፡ ነቲ ብስራት ክትሰብኽ እትኽእለሉ ቕድሚ ሕጂ ብብሕትኻ ተጠቒምካሉ ዘይትፈልጥ ሜላታት ክትጥቀም ትኽእል እንተ ዄንካ ሕሰብ።

ንኻልኦት ‘ግብሪ ወንጌላዊ ኺገብሩ’ ኣተባብዓዮም

ኣወንታዊ ኣረኣእያ እንተ ኣልዩና፡ ኣገልግሎትና ብቕንኣትን ብውዕዉዕ መንፈስን ክንፍጽም ኢና። መብዛሕትኡ ግዜ፡ እቶም ዝያዳ ኣገልገልቲ ናብ ዜድልዩሉ ቦታ ዚግዕዙ ወይ እቶም ካልእ ቋንቋ ዚምሃሩ፡ ጽቡቕ ብቕዓት ዘለዎም ኣስፋሕቲ እዮም። ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ መሪሕነት ብምውሳድን ብኻልእ መገድን ከኣ ንብዙሓት በረኸት ይዀኑ እዮም። ብዘይካዚ፡ ሚስዮናውያን ዝበዝሕ ግዜ ኣብቲ ዜገልግልሉ ኸባቢ ብቑዕ ሓው ክሳዕ ዚርከብ ኣብ መሰናድዎታት ጉባኤ መሪሕነት ይወስዱ እዮም። እሞኸ እተጠመቕካ ሓው እንተ ዄንካ፡ ነቶም ኣብ ጉባኤኻ ዘለዉ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትካ ኸተገልግል ‘ትመጣጠር’ ዲኻ፧—1 ጢሞ. 3:1

“ዜበራትዕ ደገፍ”

ግብራዊ ብዝዀነ መገዲ ሓግዞም

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ብቕንኣት ብምክፋልን ኣብ ጉባኤ ሓላፍነት ብምውሳድን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብኻልእ መገድታት እውን ንጉባኤና ኽንሕግዝ ንኽእል ኢና። ንኣሽቱ ዀንና ዓበይቲ፡ ሰብኡት ኰንና ኣንስቲ፡ ንእተሸገሩ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና “ዜበራትዕ ደገፍ” ክንኰኖም ንኽእል ኢና።—ቈሎ. 4:11፡ እግረ ጽሑፍ።

ኣመንቲ ንዝዀኑ ብጾትና ምእንቲ ኽንሕግዞም፡ ፈለማ ኣጸቢቕና ኽንፈልጦም ኣሎና። ከመይሲ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብሓንሳእ ክንእከብ ከለና፡ ‘ንሓድሕድና ኸነስተብህል’ ይምዕደና እዩ። (እብ. 10:24) እዚ ቓላት እዚ ድማ፡ ኣብ ጕዳይ ካልኦት ጣልቃ ኸይኣቶና፡ ንኣሕዋትና ንምፍላጥን እንታይ ከም ዜድልዮም ንምርዳእን ክንጽዕር ከም ዘሎና እዩ ዚሕብር። እዚ ድማ፡ ግብራዊ ዝዀነ ደገፍ ወይ ከኣ ስምዒታዊ ወይ መንፈሳዊ ሓገዝ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣመንቲ ንዝዀኑ ብጾትና ምሕጋዝ፡ ሽማግለታት ወይ ኣገልገልቲ ጉባኤ ጥራይ ዚዓይዎ ሓላፍነት ኣይኰነን። ሓቂ እዩ፡ ሓድሓደ እዋን እዞም ኣሕዋት እዚኦም ጥራይ ኪሕግዙ የድሊ ይኸውን። (ገላ. 6:1) ይኹን እምበር፡ ኵላትና ብዕድመ ንዝደፍኡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ወይ ጸገም ንዘጋጠመን ስድራ ቤታት ክንሕግዝ ንኽእል ኢና።

ብጭንቀት ናብራ ንዚሳቐዩ ብስምዒታዊ መገዲ ደግፎም

ንኣብነት፡ ሳልቫቶረ ብሰንኪ ቝጠባዊ ጸገም ንዝነበሮ ንግድን ቤትን ካልእ ንብረት ስድራ ቤቱን ምስ ሸጠ፡ ስድራ ቤቱ ብኸመይ ከም እትዋጽኣሉ ኣተሓሳሲብዎ ነበረ። ኣብ ጉባኤኡ ዚርከቡ ኣባላት ሓንቲ ስድራ ቤት ነቲ ሽግሮም ተዓዘቡ። ንሳልቫቶረን ንሰበይቱን ስራሕ ኪረኽቡ ድማ ሓገዝዎም፣ ንብዙሕ እዋን ከኣ፡ ምስ ምልእቲ እታ ስድራ ቤት እናኣምሰዩ ንዅሎም ኣባላት እታ ስድራ ቤት ጽን ኢሎም ይሰምዕዎምን የተባብዕዎምን ነበሩ። በዚ ኸምዚ፡ ንነዊሕ ዓመታት ዝቐጸለ ምሕዝነት ኪምስርቱ ኽኢሎም እዮም። ኣባላት ክልቲአን ስድራ ቤታት ኣብ ፈለማ ብዙሕ ዜጨንቕ ኵነታት እኳ እንተ ኣጋጠሞም፡ ብዛዕባ እቲ ብሓንሳእ ዘሕለፍዎ ግዜ ኺሓስቡ ኸለዉ፡ ብዙሕ ባህ ዜብል ተዘክሮታት ኣለዎም።

ናይ ሓቂ ክርስትያናት፡ ሃይማኖቶም ናይ ውልቆም ጥራይ ገይሮም ኣይርእይዎን እዮም። ከምቲ የሱስ ዝገበሮ፡ ብዛዕባ እቲ ዜደንቕ ተስፋታት መጽሓፍ ቅዱስ ንኻልኦት ክንነግር ኣሎና። ዋላ እውን ክንግዕዝ ዘይንኽእል እንተ ዄንና፡ ብዚከኣለና መጠን ንዅሉ ዚጠቅም ዘበለ ኽንገብር ንኽእል ኢና። ኣብቲ እነገልገለሉ ዘለና ጉባኤ ኸምኡ ኽንገብር ከም እንኽእል ኣይንጠራጠር። (ገላ. 6:10) በዚ ኸምዚ ድማ፡ ነቲ ብምሃብ ዚርከብ ሓጐስ ከነስተማቕርን ‘ብሰናይ ግብሪ ዘበለ ኽንፈርን’ ኢና።—ቈሎ. 1:10፣ ግብ. 20:35