ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትፈልጥዶ፧

ትፈልጥዶ፧

እቲ የሱስ ንድዉያት ዝሓዘሉ መገዲ ዘይልሙድ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

እቲ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ልሙድ ዝነበረ ሕማም ደዌ ንጥንታውያን ኣይሁድ የፍርሆም ነበረ። እዚ ዜሳቒ ሕማም እዚ፡ ጫፍ መትንታት እቲ ሕሙም ብምጥቃዕ ዘይሓዊ ቝስልን ኣካላዊ ስንክልናን ኬስዕብ ይኽእል እዩ። ኣብቲ እዋን እቲ ንደዌ ዚኸውን ፍሉጥ ፈውሲ ኣይነበረን። ኣብ ክንዳኡስ፡ እቶም ድዉያት ንበይኖም ይፍለዩን ብዛዕባ ዅነታቶም ንኻልኦት ኬጠንቅቑ ይግደዱን ነበሩ።—ዘሌዋውያን 13:45, 46

መራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ፡ ንደዌ ብዚምልከት ክንዮ እቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተጠቕሰ ብምኻድ፡ ተወሳኺ ሕግታት ኣቘሙ፣ እዚ ድማ ነቶም ግዳያት መሪር ህይወት ከም ዜሕልፉ ገበሮም። ንኣብነት፡ ብመሰረት ስርዓት ረቢታት ዝዀነ ይኹን ሰብ ናብ ድዉይ ትሕቲ 4 እመት (2 ሜተር) ከይቐርብ ይኽልከል ነበረ። ንፋስ ኣብ ዚነፍሰሉ ግዜ እሞ ኸኣ ዝዀነ ይኹን ሰብ 100 እመት (45 ሜተር ኣቢሉ) ኺርሕቕ ነበሮ። ገሊኦም ታልሙዳውያን፡ ነቲ ሓደ ድዉይ “ኣብ ወጻኢ ሰፈር” ኪነብር ከም ዘለዎ ዚገልጽ ቅዱስ ጽሑፋዊ መለክዒ፡ ኣብተን እተሓጽራ ኸተማታት ከይኣቱ ዚኽልክል ከም ዝዀነ ገይሮም ተረድእዎ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ሓደ ረቢ ንሓደ ድዉይ ኣብ ማእከል ከተማ ምስ ዚረኽቦ፡ “ናብ ቦታኻ ኺድ! ንኻልኦት ሰባት ኣይተርክስ” እናበለ እምኒ ይድርብየሉ ነበረ።

የሱስ፡ ከመይ ዝበለ ፍሉይ ኣተሓሕዛ ዀን እዩ ነይርዎ! ንድዉያት ኣብ ክንዲ ዚሰጕጎም፡ ኪትንክዮምን ኬሕውዮምን ፍቓደኛ እዩ ነይሩ።—ማቴዎስ 8:3

መራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ በየናይ ምኽንያታት እዮም ፍትሕ ዜፍቅዱ ነይሮም፧

ኣብ 71/72 ድ.ክ. እተጻሕፈ ጽሑፍ መፍትሒ

ፍትሕ ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ. ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት ኣከራኻሪ ጕዳይ እዩ ነይሩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ገሊኦም ፈሪሳውያን ንየሱስ ኪፍትንዎ ኢሎም፡ “ሰብኣይ ንሰበይቱ ብዝዀነ ምኽንያት ኪፈትሓዶ ተፈቒዱሉ እዩ፧” ኢሎም ሓተትዎ።—ማቴዎስ 19:3

ሕጊ ሙሴ፡ ሓደ ሰብኣይ ንሰበይቱ፡ “ዜሕፍር ነገር” እንተ ረኺቡላ ኺፈትሓ ይፈቅድ ነበረ። (ዘዳግም 24:1) ብግዜ የሱስ፡ ክልተ ኣብያተ ትምህርቲ ረቢታት፡ ነዚ ሕጊ እዚ ነናቶም ትርጉም ሂቦምዎ ነበሩ። እቲ ኣኽራሪ ዝነበረ ቤት ትምህርቲ ሻማይ፡ እቲ እንኮ ንፍትሕ ዚኸውን ብቑዕ ምኽንያት “ርኽሰት፡” ማለት ዝሙት ከም ዝዀነ ገይሩ ተርጐሞ። ብኻልእ ሸነኽ፡ ቤት ትምህርቲ ሂለል፡ ይንኣስ ይዕበ ዝዀነ ይኹን ኣብ ሓዳር ዜጋጥም ዘይምስምማዕ፡ ሰብኣይ ንሰበይቱ ኺፈትሓ ሕጋዊ መሰረት ኪዀኖ ከም ዚኽእል ገይሩ ተርጐሞ። ብመሰረት እዚ ኻልኣይ ቤት ትምህርቲ እምበኣር፡ ሓደ ሰብኣይ ንሰበይቱ ጸብሒ ስለ ዘሕረረት ወይ ካብኣ እትጽብቕ ሰበይቲ ስለ ዝረኸበ ጥራይ ኪፈትሓ ይኽእል ነበረ።

እሞኸ የሱስ ንሕቶ ፈሪሳውያን ብኸመይ እዩ መሊስዎ፧ ንሱ ብንጹር፡ “ንሰበይቱ ብዘይካ ብምኽንያት ምንዝርና ዚፈትሓ እሞ ኻልእ ዚምርዖ ዘበለ ይዝሙ” በሎም።—ማቴዎስ 19:6, 9