ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓመጽ ዘይብላ ዓለም ክትህሉ ድያ፧

ዓመጽ ዘይብላ ዓለም ክትህሉ ድያ፧

ንስኻ ወይ ሓደ ኣባል ስድራ ቤትካ ግዳይ ዓመጻ ዄንኩም ትፈልጡዶ፧ ግዳይ ዓመጻ ኸይትኸውን ዜፍርሃካ ምኽንያትከ ኣሎዶ፧ ዓመጽ፡ “ኣብ መላእ ዓለም እናስፋሕፍሐ ዚኸይድ ዘሎ ጸገም” ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ። ገለ ኣብነታት እስከ ርአ።

ዘቤታውን ጾታውን ዓመጽ፦ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዝሓበሮ፡ “ካብ ኣርባዕተ ኣንስቲ እታ ሓንቲ ኣብ ህይወታ ብመጻምድታ ትዕመጽ እያ ወይ ኣካላዊ ማህሰይቲ የጋጥማ እዩ።” እቲ ዜሕዝን፡ “ኣብ መላእ ዓለም ካብ ሓሙሽተ ኣንስቲ እታ ሓንቲ ኸም እትዕመጽ ወይ ፈተነ ምዕማጽ ከም ዜጋጥማ እዩ ዚግመት።”

ኣብ ጐደናታት ዚፍጸም ገበን፦ ጸብጻባት ከም ዚሕብሮ፡ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ልዕሊ 30,000 ዚዀኑ ንጡፋት ጕጅለ ዓዋሉ ኣለዉ። ኣብ ላቲን ኣመሪካ ኻብ 3 ሰባት 1፡ ዓመጽ ዝመልኦ ገበን ከም ዘጋጠሞ ይሕብር እዩ።

ቅትለት፦ ኣብ ቀረባ ግዜ፡ ኣብ ሓንቲ ዓመት ጥራይ ዳርጋ ፍርቂ ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት ከም እተቐትሉ እዩ ዚግመት፣ እዚኣቶም ካብቶም ኣብ ውግእ ዝሞቱ ይበዝሑ። ደቡባዊ ኽፋል ኣፍሪቃን ማእከላይ ኣመሪካን ብገምጋም ዝለዓለ መጠን ቅትለት ዝነበሮ ቦታታት እዩ፣ እዚ ኸኣ ኣርባዕተ ዕጽፊ ገምጋም መጠን ቅትለት ዓለምና እዩ። ኣብ ላቲን ኣመሪካ፡ ኣብ ሓንቲ ዓመት ልዕሊ 100,000 ይቕተሉ፣ ኣብ ብራዚል ጥራይ ድማ ኣስታት 50,000 ይቕተሉ። እሞ፡ ዓመጽ ነባሪ መፍትሒ ኺርከቦ ይከኣል ድዩ፧

ዓመጽ ደው ከተብሎ ዚከኣል ድዩ፧

ዓመጽ ክሳዕ ክንድዚ ዘስፋሕፍሐ ስለምንታይ እዩ፧ ገለ ኻብቲ ብዙሕ ጠንቅታት፡ ብሰንኪ ማሕበራውን ቍጠባውን ፍልልያት ዚልዓል ውጥረት፡ ንህይወት ካልኦት ሰባት ብንዕቀት ምርኣይ፡ ኣልኮላዊ መስተ ምብዛሕን ሓሽሽ ምውሳድን፡ ቈልዑ ነቲ እኹላት ሰባት ዜርእይዎ ዓመጽ ዝመልኦ ባህርያት እተቓልዑ ምዃኖም፡ ገበነኛታት ከይተቐጽዑ ዚተርፉ መሲሎም ዚርኣዩ ምዃኖም ኪጥቀስ ይከኣል።

ሓቂ እዩ፡ ኣብ ገሊኡ ኽፋላት ዓለም ኣብ ምቍጽጻር ዓመጽ ኣወንታዊ ምዕባለታት ተራእዩ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት፡ ኣብታ ብዙሓት ተቐማጦ ዚነብሩላ ኸተማ ሳኦ ፓውሎ፡ ብራዚል መጠን ቅትለት ብ80 ሚእታዊት ከም ዝጐደለ ተሓቢሩ እዩ። ገና ግና፡ ኣብታ ኸተማ ዅሉ ዓይነት ጭካነ ዝመልኦ ዓመጽ ኣስፋሕፊሑ እዩ ዘሎ፣ ካብ 100,000 ተቐማጦ ድማ 10 ይቕተሉ እዮም። ንዓመጽ ሓንሳእን ንሓዋሩን ደው ኬብሎ ዚኽእል ደኣ እንታይ እዩ፧

እቲ ነባሪ ፍታሕ፡ ብመሰረቱ ምስ ኣመለኻኽታን ባህርያትን ደቂ ሰብ እተተሓሓዘ እዩ። ዓመጸኛታት ሰባት ኪቕየሩ እንተ ደኣ ዀይኖም፡ ከም ኵርዓትን ስስዐን ዝኣመሰለ ባህርያት ሓዲጎም ፍቕርን ኣኽብሮትን ኬማዕብሉ፡ ንኻልኦት ድማ ተገዳስነት ኬርእዩ ይግባእ።

ንሓደ ሰብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዓብዪ ለውጢ ኺገብር ዚድርኾ እንታይ እዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ እንታይ ከም ዚምህር እሞ ርአ፦

  • “ፍቕሪ ኣምላኽ ከኣ ትእዛዛቱ ኽንሕሉ እዩ።”—1 ዮሃንስ 5:3

  • “ፍርሃት የሆዋ ንኽፍኣት ምጽላእ እዩ።” *ምሳሌ 8:13

ፍቕሪ ንኣምላኽን ንዕኡ ኸይተጕህዮ ዚብል ፍርሃትን፡ ነቶም ኣዝዮም ዓመጸኛታት ዝነበሩ ሰባት እውን ከይተረፈ፡ ባህርያቶም ላዕለ ላዕሊ ጥራይ ዘይኰነስ ምሉእ ብምሉእ ብምልዋጥ፡ ህይወቶም ኪቕይሩ ሓያል ድራኸ ኼሕድረሎም ይኽእል እዩ። እዝስ ብሓቂ ኪኸውን ዚኽእል ድዩ፧

ንኣሌክስ * እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ፣ ኣብ ልዕሊ ኻልኦት እተፈላለየ መጥቃዕትታት ብምውራዱ ን19 ዓመት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብራዚል ተኣስረ። ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ድሕሪ ምግባሩ ግና ብ2000 ናይ የሆዋ ምስክር ኰነ። ብሓቂዶ ነቲ ዓመጽ ዝመልኦ ባህርዩ ቐዪሩ እዩ፧ እወ፡ ብዝገበሮ ዅሉ ኽፉእ ተግባራት ካብ ልቢ ተጣዒሱ እዩ። ከምዚ ድማ ይብል፦ “ኣምላኽ፡ ምሉእ ብምሉእ ይቕረ ኸም ዝበለለይ ኰይኑ ኸም ዚስምዓኒ ስለ ዝገበረ ንዕኡ ፍቕሪ ኸማዕብል ክኢለ እየ። ንየሆዋ ዘሎኒ ሞሳን ፍቕርን ድማ ኣነባብራይ ክልውጥ ሓጊዙኒ እዩ።”

ኣብ ብራዚል ዚነብር ሴዛር እውን ኣብ ስርቅን ዘረፋን ተዋፊሩ ነበረ፣ እዚ ኸኣ ን15 ዓመት ዚኣክል ክፍሊ ህይወቱ እዩ ነይሩ። ኪቕየር ዝሓገዞ ደኣ እንታይ እዩ፧ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸሎ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ረኸብዎ፡ ንሱ እውን መጽሓፍ ቅዱስ ኣጽንዐ። ሴዛር፡ “ንመጀመርታ ግዜ፡ ህይወተይ ዕላማ ኺህልዋ ኸኣለ። ንኣምላኽ ምፍቃር ተመሃርኩ። ፍርሃት ኣምላኽ፡ ማለት ናብ ክፉእ ተግባር ብምምላስ ንየሆዋ ኸየጕህዮ ዚብል ግቡእ ፍርሃት ንኺህልወኒ እውን ተማሂረ እየ። ንለውሃቱ ዘይመማሰዊ ክኸውን ኣይደልን እየ። ንዕኡ ዘሎኒ ፍቕርን ፍርሃትን ኣነባብራይ ክቕይር ደሪኹኒ እዩ” በለ።

ኣብታ ዓመጽ ዘይብላ ዓለም ንምንባር እንታይ ክትገብር ከም ዜድልየካ ተምሃር

እዚ ተመክሮታት እዚ፡ እንታይ እዩ ዜርእየና፧ መጽሓፍ ቅዱስ ንኣተሓሳስባ ሰባት ብምልዋጥ ህይወት ሰባት ናይ ምቕያር ሓይሊ ኸም ዘለዎ የርእየና። (ኤፌሶን 4:23) እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ኣሌክስ፡ “እቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመሃርክዎ ነገራት ልክዕ ከም ጽሩይ ማይ ነቲ ዝነበረኒ ኽፉእ ሓሳባት ብምሕጻብ በብቝሩብ ኣጽርዩኒ እዩ። ቅድሚ ሕጂ ንሕማቕ ተግባራተይ ከወግዶ ኸም ዝኽእል ሓሲበዮ እውን ኣይፈልጥን እየ” በለ። እወ፡ ንኣእምሮና ብጽሩይ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንተ መሊእናዮ፡ ንኽፉእ ሓሳባት ሓጺቡ ኼውጽኣልና ይኽእል እዩ። ቃል ኣምላኽ፡ ናይ ምጽራይ ሓይሊ ኣለዎ። (ኤፌሶን 5:26) ከም ውጽኢቱ ድማ እቶም ጨካናትን ስሱዓትን ዝነበሩ ሰባት መገዶም ኬዐርዩ ይኽእሉ፡ ለዋሃትን ሰላማውያንን ከኣ ይዀኑ። (ሮሜ 12:18) ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ድማ ሰላም ይረኽቡ።—ኢሳይያስ 48:18

ኣብ 240 ሃገራት ዚነብሩ ልዕሊ ሸሞንተ ሚልዮን ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ዓመጽ ካብ ሱሩ ንምምሓው ዜኽእሎም መሰረታዊ ነገር እንታይ ምዃኑ ኣስተውዒሎም እዮም። እተፈላለየ ዓሌትን ማሕበራዊ ደረጃን ድሕረ ባይታን ዘለዎም ሰባት ንኣምላኽ ኬፍቅርዎን ኪፈርህዎን፡ ኣብ ርእሲኡ ድማ ከም ዓለምለኻዊት ስድራ ቤት ኰይኖም ንሓድሕዶም ኪፋቐሩን ብሰላም ኪነብሩን ክኢሎም እዮም። (1 ጴጥሮስ 4:8) እዚኣቶም ዓመጽ ዘይብላ ዓለም ክትህሉ ኸም እትኽእል ዜርኢ ህያው መርትዖ እዮም።

ዓመጽ ዘይብላ ዓለም ቀሪባ

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ድሕሪ ሓጺር እዋን ነዛ ብዓመጽ መሊኣ ዘላ ዓለም ከም ዜጽርያ ይመባጻዕ እዩ። እዛ ሎሚ ብዓመጽ መሊኣ ዘላ ዓለም ነታ “መዓልቲ ፍርድን ጥፍኣት እቶም ንኣምላኽ ዘይፈርሁ ሰባትን” ትጽበ ኣላ። (2 ጴጥሮስ 3:5-7) ድሕሪ ደጊም፡ ኣብ ልዕሊ ኻልኦት መከራ ዜውርዱ ዓመጽቲ ሰባት ኣይኪህልዉን እዮም። ኣምላኽ ኢዱ ብምእታው ንዓመጽ ኬጥፍኦ ኸም ዚደሊ ብኸመይ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ “ዓመጻ ንዚፈቱ ዘበለ ይጸልኦ” ይብል። (መዝሙር 11:5) ፈጣሪ፡ ሰላምን ፍትሕን እዩ ዚፈቱ። (መዝሙር 33:5፣ 37:28) ስለዚ እምበኣር፡ ንዓመጽቲ ንሓዋሩ ኣይኪዕገሶምን እዩ።

እወ፡ ሰላም ዝሰፈና ሓዳስ ዓለም ቀሪባ እያ። (መዝሙር 37:11፣ 72:14) ኣብታ ዓመጽ ዘይህልወላ ዓለም ንምንባር ብኸመይ ክትበቅዕ ከም እትኽእል ንምንታይ ብዝያዳ ዘይትምሃር፧

^ ሕ.ጽ. 12 የሆዋ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስም ኣምላኽ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 14 ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።