ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክትገብሮ እትኽእል ዝበለጸ ምንጽጻር

ክትገብሮ እትኽእል ዝበለጸ ምንጽጻር

ንርእስኻ ኸም ክርስትያን ዲኻ እትቘጽራ፧ ከምኡ ጌርካ ትቘጽራ እንተ ዄንካ፡ ሓደ ኻብቶም ‘ሰዓብቲ የሱስ ኢና’ ዚብሉ ኽልተ ቢልዮን ሰባት ኢኻ፣ እዚ ኸኣ ብገምጋም 1 ኻብ 3 ሰባት ማለት እዩ። ሎሚ፡ ንሓድሕዱ ብዚጋጮ ሰረተ እምነታትን ብእተፈላለየ ኣመለኻኽታን እተኸፋፈላ፡ ክርስትያናት ተባሂለን ዚጽውዓ ብኣሽሓት ዚቝጸራ ጕጅለታት ኣለዋ። ስለዚ፡ እምነትካ ኻብ እምነት እቶም ንርእሶም ከም ክርስትያን ዚቘጽርዋ ሰባት ኣዝዩ እተፈልየ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ እንታይ ከም እትኣምን ብሓቂዶ የገድስ እዩ፧ እወ፣ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህሮ መገዲ ክርስትና ኸተተግብሮ ትደሊ እንተ ዄንካ የገድስ እዩ።

እቶም ቀዳሞት ሰዓብቲ የሱስ ክርስቶስ፡ “ክርስትያናት” ተባሂሎም ይፍለጡ ነበሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 11:26) እምነት ክርስትና ሓንቲ ጥራይ ስለ ዝነበረት፡ ብኻልእ ኣስማት ኪልለዩ ኣየድልዮምን እዩ ነይሩ። ክርስትያናት ንትምህርትታትን መምርሒታትን እቲ መስራቲ ክርስትና ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ብሓድነት ስዒቦምዎ እዮም። ቤተ ክርስትያንካኸ፧ ነቲ ክርስቶስ ዝመሃሮ ትምህርትታትን ነቲ እቶም ቀዳሞት ሰዓብቲ ክርስቶስ ዚኣምንዎ ዝነበሩ ነገራትን ድያ እትምህር፧ ነዚ ብኸመይ ከተረጋግጽ ትኽእል፧ ሓደ መገዲ ጥራይ እዩ ዘሎ፣ ንሱ ድማ ንመጽሓፍ ቅዱስ ከም መዐቀኒ ምጥቃም እዩ።

ነዚ ዚስዕብ እሞ ሕሰበሉ፦ የሱስ ክርስቶስ ንቕዱሳት ጽሑፋት ከም ቃል ኣምላኽ ገይሩ ይርእዮ ስለ ዝነበረ ዓሚቝ ኣኽብሮት እዩ ነይርዎ። ነቶም ንስርዓታት ሰብ ቀዳምነት ብምሃብ ንትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘቃለሉ ሰባት ኣይደገፎምን። (ማርቆስ 7:9-13) ስለዚ፡ ናይ ሓቂ ሰዓብቲ ክርስቶስ ንዚኣምንዎ ነገራት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኪምስርትዎ ኸም ዚግባእ ክንድምድም ንኽእል ኢና። ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን፡ ‘ትምህርትታት ቤተ ክርስትያነይ ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ዚሰማማዕ ድዩ፧’ ኢሉ ንርእሱ ኺሓትታ እምበኣር ግቡእ እዩ። ነዛ ሕቶ እዚኣ ንምምላስ፡ ነቲ ቤተ ክርስትያንካ እትምህሮ ትምህርቲ ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ዚብሎ ንምንታይ ዘይተነጻጽሮ፧

የሱስ፡ እቲ ንኣምላኽ እነቕርቦ ኣምልኾ፡ ኣብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ እተመስረተ ኪኸውን ከም ዘለዎ ተዛሪቡ እዩ። (ዮሃንስ 4:24፣ 17:17) ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ድሕነትና፡ “ናብ ልክዕ ፍልጠት ሓቂ” ኣብ ምምጻእና ኸም ዚምርኰስ ሓበረ። (1 ጢሞቴዎስ 2:4) ስለዚ እምበኣር፡ እቲ እንኣምኖ ነገራት ኣብ ልክዕ ሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ኪኸውን ኣገዳሲ እዩ። ከመይሲ፡ ድሕነትና ኣብኡ እተመርኰሰ እዩ።

ነቲ እንኣምኖ ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም እነነጻጽሮ

ነዘን ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ዘለዋ ሽዱሽተ ሕቶን ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚህቦ መልስታትን ከተንብቦ ንዕድመካ። ነቲ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣንብቦ፣ ነቲ መልስታት ድማ ኣስተንትነሉ። ድሕሪኡ፡ ‘ትምህርትታት ቤተ ክርስትያነይ ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ ኺነጻጸር ከሎ ኸመይ እዩ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተታ።

እዚ ሓጺር መርመራ እዚ፡ ዝበለጸ ምንጽጻር ክትገብር ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። ንኻልእ ትምህርትታት ቤተ ክርስትያንካ እውን ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ ኸተነጻጽሮ ትደሊዶ፧ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ንጹር ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ክትምርምር ተሓጒሶም ኪሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም። ንሓደ ኻብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብናጻ ኺመርሓልካ ንምንታይ ዘይትሓትቶ፧ ወይ ከኣ ናብቲ jw.org ዚብሃል ወብ ሳይትና ኽትኣቱ ትኽእል ኢኻ።