ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ሃይማኖት፡ ሰብ ዘምጸኦ ድዩ፧

ገሊኦም ሰባት እንታይ ይኣምኑ፧ ገሊኦም ሰባት ሃይማኖት ብደቂ ሰብ ከም ዝመጸ ኺኣምኑ ኸለዉ፡ ካልኦት ግና ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ናብኡ ኸም ዚቐርቡ ንምግባር ሃይማኖት ከም ዚጥቀም እዮም ዚሓስቡ። እንታይ ይመስለካ፧

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

‘ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣቦን ንጽህትን ዘይረኸሰትን ሃይማኖት’ ኣላ። (ያእቆብ 1:27፣ እግረ ጽሑፍ) ንጽህቲ ወይ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ካብ ኣምላኽ እያ እትመጽእ።

ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ተወሳኺ ነገር ንምሃር፧

  • ሓንቲ ሃይማኖት ንኣምላኽ ምእንቲ ኸተሐጕስ፡ ኣብ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ክትምስረት ኣለዋ።—ዮሃንስ 4:23, 24

  • ኣብ ሓሳባት ሰባት እተመስረታ ሃይማኖታት ከንቱ እየን። —ማርቆስ 7:7, 8

ኣባል ሓንቲ ሃይማኖት ክትከውን ግድን ኣድላዪ ድዩ፧

እንታይ ምበልካ፧

  • እወ

  • ኣይኰነን

  • ከከም ኵነታቱ

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

“ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕ ኣብ ንሓድሕድና ነስተብህል። ንሓድሕድና ንተባባዕ እምበር፡  . . . ኣኼባና ኣይንሕደግ።” (እብራውያን 10:24, 25) ኣምላኽ፡ ኣምለኽቱ ብጕጅለ ተወዲቦም ኪእከቡ እዩ ዚደልዮም።

ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ተወሳኺ ነገር ንምሃር፧

  • እቶም ንኣምላኽ ብሓደ ዀይኖም ዜምልኹ፡ ኣብ ዚኣምንዎ ነገራት ሓድነት ኪህልዎም ይግባእ።—1 ቈረንቶስ 1:10, 11

  • ኣባላት እታ ኣምላኽ ዚሰምራ ሃይማኖት ዓለምለኻዊ ሕውነት የቝሙ።—1 ጴጥሮስ 2:17