ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር

ቅድሚ ምዕዋተይ ብዙሕ ግዜ ወደቕኩ

ቅድሚ ምዕዋተይ ብዙሕ ግዜ ወደቕኩ
  • ዓመተ ልደት፦ 1953

  • መበቈል ሃገር፦ ኣውስትራልያ

  • ታሪኽ፦ ውሉፍ ስእለ ጽዩፍ

ሕሉፍ ህይወተይ፦

ኣቦይ ብ1949 ካብ ጀርመን ናብ ኣውስትራልያ ተሰድደ። ኣብ ኢንዱስትሪ ዕደናን መመንጨዊ ጸዓትን ስራሕ ኪረክብ እዩ መጺኡ፣ ኣብ ቪክቶርያ ኣብ እትርከብ ገጠር ድማ ተቐመጠ። ኣብኡ ንኣደይ ተመርዓዋ፣ ብ1953 ድማ ኣነ ተወለድኩ።

ድሕሪ ሒደት ዓመታት፡ ኣደይ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ስለ ዝጀመረት፡ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ክፍሊ ተዘክሮታት ቍልዕነተይ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ኣቦይ ንዝዀነ ይኹን ሃይማኖት ተጻዋርነት ኣይነበሮን። ዓመጸኛ ኪኸውንን ኬፈራርህን ጀመረ፣ በዚ ድማ ኣደይ ኣዝያ ትፈርሆ ነበረት። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ነቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብሕቡእ ቀጸለቶ፣ ነቲ እትምሃሮ ዝነበረት ከኣ ክትፈትዎ ጀመረት። ኣቦይ ኣብ ገዛ ኣብ ዘይህልወሉ እዋን ነቲ እተማህረቶ ንዓይን ንሓብተይን ተካፍለና ነበረት። ኣብ መጻኢ ምድሪ ገነት ከም እትኸውንን ንስነ ምግባራዊ መለክዒታት መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ስዒብና ሕጉሳት ክንከውን ከም እንኽእልን እውን ትነግረና ነበረት።—መዝሙር 37:10, 29፣ ኢሳይያስ 48:17

ወዲ 18 ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ብሰንኪ እቲ ኣቦይ ዝገብሮ ዝነበረ ናይ ዓመጽ ተግባር፡ ቤትና ሓዲገ ኽወጽእ ተገደድኩ። ነቲ ኣደይ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝመሃረትኒ እኣምኖ እኳ እንተ ነበርኩ፡ ዋጋ ስለ ዘይሃብክዎ፡ ኣብ ህይወተይ ብእኡ ኣይተመላለስኩን። ኣብ መዐደኒ ኸሰል ኣብ ዕዮ ኤለክትሪክ ክሰርሕ ጀመርኩ። ወዲ 20 ዓመት ምስ ኰንኩ ድማ ተመርዓኹ። ድሕሪ ሰለስተ ዓመት፡ በዅሪ ጓልና ምስ ተወልደት፡ ነቲ ኣብ ህይወተይ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገር እንደገና ኽሓስበሉ ጀመርኩ። መጽሓፍ ቅዱስ ንስድራ ቤትና ኺሕግዛ ኸም ዚኽእል እፈልጥ ስለ ዝነበርኩ ኸኣ ምስ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀመርኩ። ኰይኑ ግና፡ ብዓልቲ ቤተይ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣዝያ ትጻረሮም ነበረት። ኣብ ሓደ ኻብ ኣኼባታቶም ምስ ተኻፈልኩ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከቋርጾ ወይ ስድራ ቤትና ሓዲገ ኽወጽእ ናይ መጠረሽታ መጠንቀቕታ ሃበትኒ። ሓይሊ ስለ ዝሰኣንኩ ድማ ከምቲ ዝደለየቶ ነቲ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝነበረኒ ርክብ ኣቋረጽክዎ። ድሕሪ ግዜ ግና ቅኑዕ ምዃኑ ንዝፈለጥክዎ ነገራት ዘይምግባረይ ኣጣዒሱኒ እዩ።

ሓደ መዓልቲ፡ መሳርሕተይ ስእለ ጽዩፍ ክርኢ ዓደሙኒ። ዚማርኽ ማዕረ ማዕሪኡ ኸኣ ዜስገድግድ እዩ ነይሩ፣ ስለዚ፡ ብናይ በደል ስምዒት ተወሓጥኩ። ነቲ ድሮ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመሃርክዎ ብምዝካር፡ ኣምላኽ ብርግጽ ከም ዚቐጽዓኒ እኣምን ነበርኩ። ይኹን እምበር፡ ብዕሉግ ስእልታት ምርኣይ ብዝቐጸልኩ መጠን፡ ኣብ ስእለ ጽዩፍ ዝነበረኒ ኣረኣእያ ተቐየረ፣ ጸኒሐ ኸኣ ውሉፍ ስእለ ጽዩፍ ኰንኩ።

ኣብቲ ስዒቡ ዝነበረ ልዕሊ 20 ዓመት፡ ካብቲ ኣደይ ዝመሃረትኒ መለክዒታት ኣመና እናረሓቕኩ ኸድኩ። እቲ ንኣእምሮይ ዝመላእክዎ ነገራት ከኣ ኣብ ባህርያተይ ይንጸባረቕ ነበረ። ብዕሉግ ዘረባን ጽዩፍ ዋዛታትን እዛረብ ነበርኩ። ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ድማ ቄናን ኣመለኻኽታ ኣማዕበልኩ። ምስ ሰበይተይ እናነበርኩ ኸለኹ ምስ ካልኦት ኣንስቲ ፍቕራዊ ርክብ መስረትኩ። ንርእሰይ ጸላእክዋ፣ ንገዛእ ርእሰይ ዝነበረኒ ኣኽብሮት ድማ ጠፍአ።

ሓዳረይ ፈረሰ፣ ህይወተይ ድማ ኣመና ተበላሸወ። ድሕሪኡ ብምሉእ ልበይ ናብ የሆዋ ጸለኹ። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንልዕሊ ዕስራ ዓመት ኣቋሪጸዮ እኳ እንተ ነበርኩ፡ ከም ብሓድሽ ክቕጽሎ ወሰንኩ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ኣቦይ ድሮ ሞይቱ፣ ኣደይ ከኣ ናይ የሆዋ ምስክር ኰይና ተጠሚቓ ነበረት።

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ዝቐየረሉ መገዲ፦

ኣብ መንጎ ኣነባብራይን እቲ ልዑል መለክዒታት መጽሓፍ ቅዱስን ዓብዪ ፍልልይ እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግና ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዘተስፈዎ ናይ ኣእምሮ ሰላም ክረክብ ቈረጽኩ። ጽፉፍ ዘረባ ኽዛረብን ንቝጥዓይ ክቈጻጸርን ጻዕሪ ኽገብር ጀመርኩ። ዘይስነ ምግባራዊ ኣነባብራ ምንባርን ምጥላዕን ካብ መጠን ንላዕሊ ምስታይን ካብ ኣስራሕየይ ምስራቕን ዝኣመሰለ ሕማቕ ተግባራት እውን ከቋርጾ ወሰንኩ።

እቶም መሳርሕተይ፡ ስለምንታይ ከምዚ ዝኣመሰለ ዓብዪ ለውጢ ኽገብር ከም ዝደለኹ ምርዳኡ ኣጸጊምዎም ነበረ። ናብቲ ናይ ቀደም ኣነባብራይ ክምለስ ድማ ንሰለስተ ዓመት ብቐጻሊ ይደፋፍኡኒ ነበሩ። ዝዀነ ዕንቅፋት ኬጋጥመኒ ኸሎ፡ ማለት ቍጥዓይ ምቍጽጻር ኣብ ዜጸግመኒ ወይ ሕማቕ ቃላት ኣብ ዚዛረበሉ እዋን፡ “እዋይ! ጆ ናብ ቀደሙ ተመሊሱ” ብምባል ይምክሑለይ ነበሩ። እዚ ቓላት እዚ፡ ብዙሕ እዩ ዚሃስየኒ ነይሩ! ብዙሕ ግዜ ኸኣ ክዕወት ብዘይ ምኽኣለይ ሕማቕ ይስምዓኒ ነበረ።

ቦታ ስራሐይ ኤለክትሮናውን ኣብ ወረቐት እተሓትመን ስእለ ጽዩፍ እዩ ኣዕለቕሊቑ ነይሩ። ከምቲ ኣነ ቐደም ዝገብሮ ዝነበርኩ ኸኣ፡ መሳርሕተይ ወትሩ ብኮምፒተራቶም ኣቢሎም ጽዩፍ ስእልታት ይለኣኣኹ ነበሩ። ካብ ወልፈይ ንምህዳም ዝከኣለኒ እጽዕር እኳ እንተ ነበርኩ፡ ንሳቶም ግና ከይዕወት ኪዓናቕፉኒ ዝቘረጹ እዮም ዚመስሉ ነይሮም። ደገፍን ምትብባዕን ምእንቲ ኽረክብ ነቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚመርሓለይ ዝነበረ ኣዘራረብክዎ። ናይ ልበይ ከፍስሰሉ ኸለኹ ብትዕግስቲ ጽን ኢሉ ይሰምዓኒ ነበረ። ንወልፈይ ብኸመይ ክቃለሶ ኸም ዚኽእል ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ገይሩ ኣረዲኡንን ሓገዝ ንምርካብ ናብ የሆዋ ብቐጻሊ ኽጽሊ ኣተባቢዑንን እዩ።—መዝሙር 119:37

ሓደ መዓልቲ ንዅሎም መሳርሕተይ ኣኪበ፡ ወልፊ ኣልኮላዊ መስተ ኸም ዘለዎም ንእተኣመኑ ኽልተ ሰባት ቢራ ኸም ዝህቦም ነገርክዎም። ሽዑ ዅላቶም፡ “ከምኡ ኽትገብር የብልካን! እዞም ሰባት ምስ ወልፊ እዮም ዚቃለሱ ዘለዉ!” በሉኒ። ኣነ ኸኣ ትቕብል ኣቢለ፡ “እወ። ኣነ እውን ከምኦም ምስ ወልፊ እየ ዝቃለስ ዘለኹ” ኢለ መለስኩሎም። ካብታ መዓልቲ ንነጀው፡ ነቲ ምስ ወልፊ ስእለ ጽዩፍ ዝገብሮ ዝነበርኩ ቓልሲ ስለ እተረድኡለይ፡ ናብ ናይ ቀደም ኣነባብራይ ክምለስ ጸቕጢ ምግባር ሓደግዎ።

ድሕሪ ግዜ፡ ሳላ እቲ ኻብ የሆዋ ዝረኸብክዎ ብዙሕ ሓገዝ ካብ ወልፊ ስእለ ጽዩፍ ተላቐቕኩ። ብ1999 ናይ የሆዋ ምስክር ኰይነ ተጠመቕኩ፣ እሩምን ሓጐስ ዝመልኦን ህይወት ምእንቲ ኽመርሕ ካልኣይ ኣጋጣሚ ስለ እተዋህበኒ ድማ ኣዝየ እየ ዘመስግን።

ሕጂ፡ የሆዋ ነቲ ኣነ ንነዊሕ እዋን ዝፈትዎ ዝነበርኩ ነገራት ስለምንታይ ከም ዚጸልኦ ተረዲኡኒ እዩ። ከም ፈቃር ኣቦ መጠን፡ ካብቲ ስእለ ጽዩፍ ኬስዕበለይ ዚኽእል ጕድኣት ኬዕቝበኒ እዩ ዚደሊ። እቲ ኣብ ምሳሌ 3:5, 6 ዚርከብ፡ “ብምሉእ ልብኻ ብየሆዋ ተኣመን፣ ኣብ ኣእምሮኻ ድማ ኣይትጸጋዕ። ኣብ ኵሉ መገድታትካ ንዕኡ ኣስተብህለሉ፣ ንሱ ኸኣ ንመገድታትካ ኬቕንዖ እዩ” ዚብል ቃላትሲ ኽሳዕ ክንደይ ሓቂ ዀን እዩ! መለክዒታት መጽሓፍ ቅዱስ ዑቕባ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣሳልጦ ኸም እትረክብ እውን ውሕስነት ዚህብ እዩ።—መዝሙር 1:1-3

ዝረኸብክዎ ጥቕሚ፦

ኣብ ዝሓለፈ ግዜያት፡ ነፍሰይ ጸሊአ እኳ እንተ ነበርኩ፡ ሕጂ ግና ንገዛእ ርእሰይ ግቡእ ኣኽብሮትን ውሽጣዊ ሰላምን ኣሎኒ። ሕጂ ንጹህ ህይወት እመርሕ ኣለኹ፣ የሆዋ ይቕረ ኸም ዝበለለይን ከም ዚድግፈንን ከኣ እዩ ዚስምዓኒ። ብ2000፡ ነታ ንየሆዋ ኸምቲ ኣነ ዘፍቅሮ ገይራ እተፍቅሮ ካሮሊን እትብሃል መልክዐኛ ክርስትያን ሓብቲ ተመርዓኽዋ። ሕጂ ቤትና ሰላም ዝሰፈና ቦታ እያ። ኣባላት እቲ ንጹህን ፍቕሪ ዝመልኦን ዓለምለኻዊ ክርስትያናዊ ሕውነት ብምዃንና ድማ ብሓቂ ዓብዪ መሰል ኢና ረኺብና።