ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገበር | መጸናንዒ ኻበይ ክትረክብ ትኽእል፧

ኣብ ግዜ ጸገም ምጽንናዕ ምርካብ

ኣብ ግዜ ጸገም ምጽንናዕ ምርካብ

ጸገማት ብእተፈላለየ መገዲ እዩ ዚመጽእ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ንዅሉ ዓይነት ጸገማት ክንዝርዝሮ ዘይንኽእል እኳ እንተ ዀንና፡ ነቲ ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮ ኣርባዕተ ኣብነት እስከ ንመርምሮ። እተፈላለየ ዓይነት ጸገማት ዘጋጠሞም ሰባት፡ ብኸመይ ካብ ኣምላኽ ናይ ሓቂ ምጽንናዕ ከም ዝረኸቡ ኣስተብህል።

ሽቕለት ኣልቦነት ምስ ዜጋጥም

“ዝዀነ ዓይነት ስራሕ ክሰርሕ ፍቓደኛ ክኸውን ከም ዘሎኒ ተማሂረ እየ፣ ንዅሉ ዘየድሊ ወጻኢታትና ድማ ነከናዮ።”—ጆናታን

ሴት * ከምዚ ብምባል ተዘክሮኡ ይገልጽ፦ “ኣነን ብዓልቲ ቤተይን ብሓንሳብ ካብ ስራሕ ወጺእና። ንኽልተ ዓመት ዚኣክል ስድራና እናሓገዙናን ሳሕቲ ግዝያዊ ናይ ጕልበት ስራሕ እናሰራሕናን ኢና ኣሕሊፍናዮ። ከም ውጽኢቱ፡ ብዓልቲ ቤተይ ጵርስኪላ ተጨነቐት፣ ኣነ ኸኣ ዘይረብሕ ኰይኑ ተሰምዓኒ።

“ነዚ ብኸመይ ኢና ተዋጺእናሉ፧ ጵርስኪላ፡ ነቲ ኣብ ማቴዎስ 6:34 ዚርከብ ቃላት የሱስ ብቐጻሊ ትዝክሮ ነይራ። የሱስ፡ ዝዀነት መዓልቲ ናታ ጭንቂ ስለ ዘለዋ፡ ብዛዕባ ጽባሕ ክንጭነቕ ከም ዘይብልና እዩ ነጊሩና። እቲ ጵርስኪላ እተቕርቦ ዝነበረት ካብ ልቢ ዝመንጨወ ጸሎት ድማ ጸኒዓ ኽትቅጽል ሓይሊ ሂብዋ እዩ። ንዓይ ከኣ መዝሙር 55:22 ኣጸናኒዓትኒ እያ። ልክዕ ከምቲ ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መዝሙር ዝገበሮ፡ ጾረይ ናብ የሆዋ ደርብየ እየ፣ ንሱ እውን ደጊፉኒ እዩ። ሕጂ፡ ስራሕ እኳ እንተ ኣሎኒ፡ ምስቲ ኣብ ማቴዎስ 6:20-22 ዚርከብ ምኽሪ የሱስ ብምስምማዕ ቀሊል ናብራ ኽንነብር ኢና እንጽዕር። ልዕሊ ዅሉ፡ ንየሆዋ ብዝያዳ ቐሪብናዮ፡ ንሓድሕድና እውን ብዝያዳ ተቐራሪብና ኢና።”

ጆናታን ከምዚ ብምባል ይእመን፦ “እታ ንእሽቶ ናይ ስድራ ቤትና ንግድ ምስ ጠፈሸት፡ ብዛዕባ መጻኢና ኽፈርህ ጀሚረ። ብሰንኪ ቝጠባዊ ቕልውላው፡ እቲ ናይ 20 ዓመት ጻዕርና ኸንቱ እዩ ዀይኑ። ሽዑ ኣነን ብዓልቲ ቤተይን ብገንዘብ ክንቋየቕ ጀሚርና። እታ ክረዲት ካርድ እትህበና ትካል ነቲ እንገዝኦ ነገራት ከይትስርዞ ስለ ዝፈራህና እውን ብክረዲት ካርድ ክንገዝእ ኣይከኣልናን።

“ይኹን እምበር፡ ቃል ኣምላኽን መንፈስ ቅዱሱን ጽቡቕ ውሳነታት ክንገብር ሓጊዙና እዩ። ዝዀነ ዓይነት ስራሕ ክሰርሕ ፍቓደኛ ክኸውን ከም ዘሎኒ ተማሂረ እየ፣ ንዅሉ ዘየድሊ ወጻኢታትና ድማ ነከናዮ። ከም ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጠን ካብ ኣመንቲ ብጾትና ደገፍ ረኺብና ኢና። ርእሰ ምትእምማን ከም ዚሓድረና ገይሮምን ኣብ ኣጸጋሚ ግዜያት ኢዶም ብምዝርጋሕ ደጊፎምናን እዮም።”

ሓዳር ምስ ዚፈርስ

ራኬል ከምዚ ብምባል ተዘክሮኣ ትገልጽ፦ “ብዓል ቤተይ ሃንደበት ሓዲጉኒ ምስ ከደ፡ ስምዒተይ ተጐዲአን ሓሪቐን እየ። ብጓሂ ኸኣ ተዋሒጠ። እንተዀነ ግና፡ ንኣምላኽ ቀሪበዮ፡ ንሱ ድማ ኣጸናኒዑኒ። በብመዓልቱ ናብኡ ብጸሎት ኪቐርብ ከለኹ፡ ሰላም ኣምላኽ ንልበይ ይሕልዎ ነይሩ። ሽዑ ነቲ እተሰብረ ልበይ ዝጸገኖ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ።

“ሳላ እቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነቲ ናይ ሕርቃንን ቅሬታን ስምዒት ክቈጻጸሮ ኽኢለ እየ። ነቲ ኣብ ሮሜ 12:21 ዚርከብ፡ ‘ነቲ እከይ ደኣ ብሰናይ ስዓሮ እምበር፡ በቲ እከይ ኣይትሰዓር’ ዚብል ቃላት ሃዋርያ ጳውሎስ ድማ ኣብ ልበይ ኣሕዲረዮ እየ።”

“‘ከም ዝጠፍአ ጌርና ተስፋ ኽንቈርጸሉ’ ዚግባእ ግዜ [ኣሎ]። . . . ሕጂ፡ ሓድሽ ሸቶታት እዩ ዘሎኒ።”—ራኬል

“ሓደ ፈታውየይ፡ ንሕሉፍ ረሲዐ ኣብ መጻእየይ ጥራይ ከተኵር ከም ዘሎኒ ኽግንዘብ ሓጊዙኒ። መክብብ 3:6 ኣርኣየኒ እሞ፡ ‘ከም ዝጠፍአ ጌርና ተስፋ ኽንቈርጸሉ’ ዚግባእ ግዜ ኸም ዘሎ ብለውሃት ነገረኒ። እዚ ምኽሪ እዚ ቐሊል እኳ እንተ ዘይነበረ፡ ብሓቂ ዜድልየኒ እዩ ነይሩ። ሕጂ፡ ሓድሽ ሸቶታት እዩ ዘሎኒ።”

ኤልሳቤጥ ከምዚ ትብል፦ “ሓዳርካ ኺፈርስ ከሎ፡ ደገፍ የድልየካ እዩ። ሓንቲ ዝፈትዋ መሓዛይ፡ መዓልቲ መዓልቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ደገፍ ገይራትለይ እያ። ምሳይ በኽያ፡ ኣጸናኒዓትኒ፡ ከም ዚፍቀር ኰይኑ ኸም ዚስምዓኒ ድማ ገይራ እያ። የሆዋ ንዕኣ ተጠቒሙ ነቲ እተጐድአ ስምዒተይ ከም ዘሕወዮ እየ ዝኣምን።”

ኣብ ግዜ ሕማም ወይ ምድፋእ ዕድመ

“ናብ ኣምላኽ ድሕሪ ምጽላየይ፡ መንፈሱ ሓይሊ ኺህበኒ ኸሎ ይስምዓኒ እዩ።”—ልዊስ

እቲ ኣብ መእተዊ ዓንቀጽ እተጠቕሰ ልዊስ፡ ከቢድ ሕማም ልቢ ኣለዎ፣ ኣብ ክልተ ኣጋጣሚ ድማ ካብ ኣፍ ሞት እዩ ወጺኡ። ኣብዚ ግዜ እዚ፡ ኣብ መዓልቲ ን16 ሰዓት ኦክስጅን ዝሓዘ መሳርሒ ኺጥቀም የድልዮ እዩ። ከምዚ ኸኣ ይብል፦ “ናብ የሆዋ ብቐጻሊ እጽሊ እየ። ናብ ኣምላኽ ድሕሪ ምጽላየይ፡ መንፈሱ ሓይሊ ኺህበኒ ኸሎ ይስምዓኒ እዩ። ኣብ ኣምላኽ እምነት ስለ ዘሎንን ንሱ ኸም ዝሓልየለይ ስለ ዝፈልጥን ድማ ጸሎት ጸኒዐ ምእንቲ ክቕጽል ዜድልየኒ ትብዓት ይህበኒ እዩ።”

ኣብ 80ታት ዓመት ዕድሚኣ እትርከብ ፔትራ ኸምዚ ትብል፡ “ክገብሮ ዝደሊ ብዙሕ ነገራት እኳ እንተሎ፡ ክገብሮ ኣይክእልን እየ። ሓይለይ እናተጸንቀቐ ኪኸይድን ብዘይ መድሃኒት ክንቀሳቐስ ከም ዘይክእልን ክርኢ ኸለኹ፡ ሕማቕ እዩ ዚስምዓኒ። ብዙሕ ግዜ፡ ብዛዕባ እቲ የሱስ፡ ዚከኣል እንተ ዚኸውን ነይሩ እቲ ዘጋጠሞ ጸገም ካብኡ ምእንቲ ኺሓልፍ ናብ ኣቦኡ ዘቕረቦ ለመና እሓስብ እየ። የሆዋ ንየሱስ ኣበርቲዕዎ እዩ፣ ንዓይ እውን ኣበርቲዑኒ እዩ። ጸሎት መድሃኒተይ እዩ። ንኣምላኽ ብጸሎት ኣቢለ ድሕሪ ምዝራበይ፡ ጽቡቕ እዩ ዚስምዓኒ።”—ማቴዎስ 26:39

ሁልያን ዳርጋ ን30 ዓመት ዚኣክል ምስ ማልቲፕል ሰክሎሮሲስ ዚብሃል ከፊላዊ መልመስቲ ዜምጽእ ሕማም ኪቃለስ ጸኒሑ እዩ። ከምዚ ድማ ይብል፦ “እቲ ሓላፊ ኸለኹ ዝነበረኒ መንበር ብዓረብያ ስንኩላን እኳ እንተ ተተክአ፡ ሕጂ ህይወተይ ንኻልኦት ንምግልጋል እተወፈየት ብምዃና ዝያዳ ትርጉም ኣለዋ። ምሃብ ንስቓይካ ኼፍኵሶ ይኽእል እዩ። የሆዋ እውን ኣብቲ ዜድልየና እዋን ከም ዜበርትዓና ንዝሃበና ተስፋ ይፍጽሞ እዩ። ልክዕ ከም ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ‘በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ’ ኽብል እኽእል እየ።”—ፊልጲ 4:13

እተፍቅሮ ሰብ ምስ ዚመውት

ኣንቶንዮ ኸምዚ ብምባል ተዘክሮኡ ይገልጽ፦ “ኣቦይ ብሓደጋ ማኪና ምስ ሞተ፡ ኣብ ፈለማ ኽኣምን ኣይከኣልኩን። ዘይፍትሓዊ ዀይኑ ተሰምዓኒ፣ ከመይሲ፡ ብእግሩ ዚኸይድ ዝነበረ ምስኪን ሰብ እዩ ነይሩ። ኣነ ኽገብሮ ዚኽእል ግና ኣይነበረን። ቅድሚ ሙማቱ ንሓሙሽተ መዓልቲ ሃለዋቱ ኣጥፊኡ ነበረ። ኣብ ቅድሚ ኣደይ ዘይበኪ እኳ እንተ ነበርኩ፡ በይነይ ክኸውን ከለኹ ዝርንዛሕ እየ ዝነብዕ ነይረ። ንገዛእ ርእሰይ ድማ ‘ስለምንታይ እዩ እዚ ኣጋጢሙ፧’ ኢለ እሓትታ ነበርኩ።

“ኣብቲ ዜጨንቕ እዋን፡ የሆዋ፡ ስምዒተይ ንምቍጽጻር ኪሕግዘንን ሰላም ኪህበንን ብቐጻሊ እልምኖ ነበርኩ። ድሕሪ ግዜ ኸኣ ህድኣት ተሰምዓኒ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንዅልና ዘይተጸበናዮ ዅነታት ኬጋጥመና ኸም ዚኽእል ዚገልጽ ምዃኑ ድማ ዘኪረ። ኣምላኽ ስለ ዘይሕሱ፡ ንኣቦይ ኣብ ትንሳኤ ኸም ዝረኽቦ ምሉእ እምነት ኣሎኒ።”—መክብብ 9:11፣ ዮሃንስ 11:25፣ ቲቶስ 1:2

“ህይወት ወድና ብሰንኪ ሓደጋ ነፋሪት እኳ እንተ ጠፍአት፡ ናይቲ ብሓንሳብ ዘሕለፍናዮ ግዜ፡ ባህ ዜብል ተዘክሮታት ኣሎና።”—ሮበርት

እቲ ኣብ መእተዊት ዓንቀጽ እተጠቕሰ ሮበርት፡ ተመሳሳሊ ሓሳባት እዩ ዘለዎ። ከምዚ ይብል፦ “ኣነን ብዓልቲ ቤተይን፡ ነቲ ኣብ ፊልጲ 4:6, 7 ተገሊጹ ዚርከብ ናይ ኣእምሮ ሰላም ተመኪርናዮ ኢና። ነዚ ድማ በቲ ናብ የሆዋ እነቕርቦ ዝነበርና ጸሎት ኣቢልና ኢና ረኺብናዮ። እዚ ውሽጣዊ ሰላም እዚ፡ ንጋዜጠኛታት ብዛዕባ ኣብ ትንሳኤ ዘሎና ተስፋ ኽንዛረብ ኣኽኢሉና እዩ። ህይወት ወድና ብሰንኪ ሓደጋ ነፋሪት እኳ እንተ ጠፍአት፡ ናይቲ ብሓንሳብ ዘሕለፍናዮ ግዜ፡ ባህ ዜብል ተዘክሮታት ኣሎና። ኣብኡ ድማ ኢና ኸነተኵር እንጽዕር።

“ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብጾትና፡ ኣብ ተለቪዥን ሃዲእና ብዛዕባ እምነትና ኽንገልጽ ከም ዝረኣዩና ኺነግሩና ኸለዉ፡ ክንሃድእ ዝኸኣልና ሳላ እቲ ኣብ ክንዳና ዘቕረብዎ ብዙሕ ጸሎት ምዃኑ ንነግሮም ነበርና። የሆዋ፡ በቲ ማእለያ ዘይብሉ ዜጸናንዕ መልእኽትታቶም ኣቢሉ ይድግፈና ኸም ዝነበረ እየ ዝኣምን።”

እዚ ኣብነታት እዚ፡ ኣምላኽ ነቶም በብዓይነቱ ጸገማትን ብድሆታትን ዜጋጥሞም ሰባት ኬጸናንዖም ከም ዚኽእል እዩ ዜርእየና። ንስኻኸ፧ ኣብ ህይወትካ ዝዀነ ይኹን ጸገም የጋጥምካ ብዘየገድስ፡ ነቲ ጽንኵር እዋን ክትዋጽኣሉ ኺሕግዘካ ዚኽእል ምጽንናዕ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። * ስለዚ፡ ሓገዝ ንምርካብ ንምንታይ ናብ የሆዋ ዘይትቐርብ፧ ንሱ፡ “ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕ” እዩ።—2 ቈረንቶስ 1:3

^ ሕ.ጽ. 5 ኣብዛ ዓንቀጽ ዚርከብ ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 23 ናብ ኣምላኽ ንምቕራብን ምጽንናዑ ንምርካብን ሓገዝ እንተ ደሊኻ፡ ምስቶም ኣብ ከባቢኻ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተራኸብ፡ ወይ ድማ ናብ ዚቐርበካ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ጽሓፍ።