ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ | ዳዊት

“እቲ ውግእ ናይ የሆዋ እዩ”

“እቲ ውግእ ናይ የሆዋ እዩ”

ዳዊት ኣብ ማእከል እቶም ጐኒጾምዎ ዚሃድሙ ዝነበሩ ወተሃደራት ጸኒዑ ቘመ። እቶም ወተሃደራት ካብቲ መስመር ውግእ ኪሃድሙ ኸለዉ ብፍርሂ ተዋሒጦም ነበሩ። እንታይ እዩ ኣፍሪህዎም፧ ዳዊት እቶም ሰባት ንስም ሓደ ሰብኣይ ተረቢሾም ኪደጋግምዋ ኸለዉ ሰሚዑ ኪኸውን ኣለዎ። እዚ ኣፍ ልቡ ነፊሑ ኣብቲ ስንጭሮ ደው ኢሉ ዝነበረ ሰብኣይ፡ ዳዊት ርእይዎ ኻብ ዚፈልጥ ዝዀነ ይኹን ሰብ ብግዝፍን ብቑመትን ኣዝዩ ጸብለል ዝበለ እዩ ነይሩ።

ጐልያድ ኣዝዩ ገዚፍን ክንዲ ጎቦ ዚኸውንን ሰብኣይ እዩ ነይሩ። ዳዊት፡ እቶም ወተሃደራት ዝፈርሁሉ ምኽንያት ተረድኦ። ብዘይ እቲ ሓፍ ዘይብል ኣጽዋሩ፡ ክንዲ ኽልተ ገዘፍቲ ሰብኡት ይምዘን ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ክሳዕ ኣፍንጫኡ እተዓጥቀ ኣዝዩ ሓያልን ምኩርን ተዋጋኢ እዩ ነይሩ። ጐልያድ ሓደ ብድሆ ኣቕረበ። ንሰራዊት እስራኤልን ንሳኦል ንጉሶምን ኪጸርፎም ከሎ፡ እቲ ዓው ዝበለን ረጒድን ድምጹ ኣብቲ ጐቦታት መቓልሕ ኪመልስ እሞ ብኣእምሮኻ ስኣሎ። ሓደ ምስኡ ዚጋጠም ሰብኣይ ኪሰድዱሉ እሞ፡ እቲ ውግእ ሓደ ንሓደ ብዚግበር ግጥም ኪዛዘም ብድሆ ኣቕረበ።—1 ሳሙኤል 17:4-10

እስራኤላውያንን ንጉስ ሳኦልን ፈርሁ። ዳዊት፡ እቲ ዅነታት ፍታሕ ከይረኸበ ልዕሊ ወርሒ ኸም ዝገበረ ፈለጠ። ሰራዊት ፍልስጥኤምን እስራኤልን እቲ ጕዳይ መዕለቢ ኽሳዕ ዚረክብ ኪጽበዩ ኸለዉ፡ ጐልያድ ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ ጸርፉ ይደጋግም ነበረ። ዳዊት በቲ ዅነታት ጐሃየ። ንጉስ እስራኤልን ወተሃደራቱን እቶም ሰለስተ ዓበይቲ ኣሕዋቱን ብፍርሂ ራዕራዕ ኪብሉ ምርኣይሲ ኸመይ ዝኣመሰለ ውርደት ኰን እዩ! ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ዳዊት፡ እዚ ኣረማዊ ዝዀነ ጐልያድ ንሰራዊት እስራኤል ኬዋርዶም ከሎ፡ ንየሆዋ ኣምላኽ እስራኤል እዩ ዚጸርፍ ነይሩ። እቲ መንእሰይ ዝነበረ ዳዊት ግና እንታይ እዩ ኺገብር ዚኽእል፧ ሎሚኸ ንሕና ኻብ እምነት ዳዊት እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧—1 ሳሙኤል 17:11-14

‘ንሱ እዩ እሞ፡ ቅብኣዮ’

ሓያሎ ኣዋርሕ ንድሕሪት ተመሊስና ብዛዕባ ዘጋጠመ ነገር እስከ ንርአ። ዳዊት ኣብ ከባቢ እቲ ኣብ ጥቓ ቤት-ልሄም ዚርከብ ጎቦታት፡ ኣባጊዕ ኣቦኡ እናጓሰየ ኸሎ ድሮ ኺመሲ ጀመረ። ገና ኣብ ዕድመ ዀተቴ ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል፡ ቀይሕን ጽቡቕ ዝኣዒንቱን ጽቡቕ ዝትርኢቱን ምልኩዕ መንእሰይ እዩ ነይሩ። ኣብቲ ጸጥ ዚብለሉ ሰዓታት፡ በገና እናወቕዐ እዩ ግዜኡ ዜሕልፎ። ብጽባቐ ፍጥረት ኣምላኽ ተለዓዒሉ ይዝምር፡ በቲ ነዊሕ ሰዓታት ዚወስድ ባህ ዜብል ልምምድ ድማ ናይ ሙዚቃ ኽእለቱ ይዓቢ ነበረ። ኣብታ ምሸት እቲኣ ግና ኣቦኡ ብቕልጡፍ ኪረኽቦ ደልዩ ስለ ዝነበረ፡ ናብ ቤት ተጸውዐ።—1 ሳሙኤል 16:12

ዳዊት፡ ኣቦኡ እሴይ ምስ ሓደ ኣረጊት ሰብኣይ ኪዘራረብ ጸንሖ። እዚ፡ እቲ እሙን ነብዪ ዝነበረ ሳሙኤል እዩ። የሆዋ ንዕኡ ኻብ ደቂ እሴይ ዚቕጽል ንጉስ እስራኤል ኪቐብእ እዩ ልኢኽዎ! ሳሙኤል ድሮ ንሸውዓቲኦም ዓበይቲ ኣሕዋት ዳዊት ርእይዎም እዩ፣ የሆዋ ግና ንዋላ ሓደ ኻባታቶም ከም ዘይመረጸ ንሳሙኤል ንጹር ገይሩሉ እዩ። ዳዊት ምስ መጸ ግና፡ የሆዋ ንሳሙኤል፡ “ንሱ እዩ እሞ፡ ተንሲእካ ቕብኣዮ” በሎ። ሳሙኤል ድማ ንዳዊት ኣብ ቅድሚ ዅሎም ኣሕዋቱ፡ ፍሉይ ዘይቲ ዝመልአ ቐርኒ ኸፊቱ፡ ገለ ኻብኡ ኣብ ርእሱ ኣፍሰሰሉ። ዳዊት፡ ካብ ዚቕባእ ጀሚሩ ህይወቱ ተቐየረ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ካብታ መዓልቲ እቲኣ ንደሓር ድማ፡ መንፈስ የሆዋ ንዳዊት ኣኽእሎ ሃቦ” ይብለና።—1 ሳሙኤል 16:1, 5-11, 13

ዳዊት ኣብ ልዕሊ ኣራዊት መሮር ዝረኸቦ ዓወት፡ ሳላ የሆዋ ምዃኑ ብትሕትና ኣፍልጦ ሃበ

ዳዊት ኣብ ልቡ ህርፋን ስልጣን ኬማዕብል ጀሚሩ ድዩ፧ ኣይፋልን፣ ዝዓበየ ሓላፍነታት ዚቕበለሉ ግዜ መዓስ ምዃኑ መንፈስ የሆዋ ኽሳዕ ዚሕብሮ ብትዕግስቲ ኺጽበ እዩ ቘሪጹ ነይሩ። ክሳዕ ሽዑ ነቲ ትሑት ዕዮ ጕስነት ቀጸሎ። ነዚ ዕዮ እዚ፡ ብዓብዪ ተወፋይነትን ትብዓትን እዩ ዚዓምሞ ነይሩ። ንመጓሰ ኣቦኡ ኣብ ክልተ ኣጋጣሚ፡ ሓንሳእ ኣንበሳ ሓንሳእ ድማ ድቢ ኼጥቅዑወን መጺኦም ነበሩ። ዳዊት፡ ነዞም ኣራዊት ኣብ ርሑቕ ኰይኑ ኼህድሞም ኣይፈተነን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣባጊዕ ኣቦኡ ንምዕቋብ ብኡብኡ ኺቃለሶም ጀመረ። ኣብ ክልቲኡ ኣጋጣሚ፡ ነቶም ጨካናት ኣራዊት ጥራይ ኢዱ ቐተሎም!—1 ሳሙኤል 17:34-36፣ ኢሳይያስ 31:4

ድሕሪ ግዜ፡ ዳዊት እንገደና ተጸውዐ። ወሪኡ ድሮ ኣብ ኣእዛን ንጉስ ሳኦል በጺሑ ነይሩ እዩ። ሳኦል ገና ሓያል ተዋጋኢ እኳ እንተ ነበረ፡ ካብ ስርዓታት ኣምላኽ ብምዕላዉ ስምረት የሆዋ ስኢኑ እዩ። የሆዋ፡ መንፈሱ ኻብ ሳኦል ስለ ዘልገሰ፡ እቲ ንጉስ ብዙሕ ግዜ ንኸም ቍጥዓን ጥርጣረን ዓመጽን ዝኣመሰለ ኽፉእ መንፈስ ይቃላዕ ነበረ። እዚ ኽፉእ መንፈስ እዚ ኺመጾ ኸሎ፡ እቲ እንኮ ኼህድኦ ዚኽእል ነገር ሙዚቃ እዩ ነይሩ። ገሊኦም ሰቡ፡ ዳዊት ሙዚቀኛን ተቓላስን ምዃኑ ይፈልጡ ነበሩ። ስለዚ፡ ዳዊት ተጸውዐ፣ ነዊሕ ከይጸንሐ ኸኣ ሓደ ኻብቶም ሙዚቀኛታትን ተሰከምቲ ኣጽዋርን ሳኦል ኰነ።—1 ሳሙኤል 15:26-29፣ 16:14-23

ብፍላይ መንእሰያት ካብ እምነት ዳዊት ብዙሕ ኪምሃሩ ይኽእሉ እዮም። ዳዊት ንትርፊ ግዜኡ ኣብቲ ናብ የሆዋ ኪቐርብ ዝሓገዞ ነገራት የሕልፎ ኸም ዝነበረ ኣስተብህል። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ጠቓሚ ዝዀነን ኪሰርሓሉ ዚኽእልን ክእለታት ብትዕግስቲ ኣማዕቢሉ እዩ። ልዕሊ ዅሉ ግና ብመንፈስ የሆዋ እዩ ዚምራሕ ነይሩ። እዝስ ኵላትና ኽንምሃረሉ እንኽእል ከመይ ዝበለ ዜደንቕ ትምህርቲ ዀን እዩ!—መክብብ 12:1

“ብሰንኪ እዝስ ልቢ ሓደ ሰብ እኳ ኣይጃጁ”

ዳዊት ንሳኦል እናኣገልገለ፡ ኣባጊዕ ኣቦኡ ንምጕሳይ ብዙሕ ግዜ ናብ ቤቱ ይምለስ ነይሩ እዩ፣ ሓድሓደ ግዜ ድማ ንንውሕ ዝበለ እዋን ይጸንሕ ነበረ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ግዜ እዩ እሴይ ንዳዊት ደሃይ እቶም ኣባላት ሰራዊት ሳኦል ዝነበሩ ሰለስተ ዓበይቲ ደቁ ኺገብር ዝለኣኾ። ዳዊት ብተኣዛዝነት ንኣሕዋቱ ዚኸውን ስንቂ ጽዒኑ ናብ ስንጭሮ ኤላህ ኣምርሐ። ኣብኡ ምስ በጽሐ፡ ከምቲ ኣብ መእተዊ እዛ ዓንቀጽ እተገልጸ፡ ክልቲኦም ሰራዊት በቲ መዕለቢ ዘይረኸበ ዅነታት ሰንፈላል ኰይኖም ምስ ረኣዮም ተረበሸ። እዞም ሰራዊት ብኽልቲኡ ኣንጻር ሸነኽ እቲ ሰፊሕን ጥውይ ዝበለን ስንጭሮ ዀይኖም ይጠማመቱ ነበሩ።—1 ሳሙኤል 17:1-3, 15-19

ዳዊት ነቲ ዅነታት ኪጻወሮ ኣይከኣለን። ሰራዊት እቲ ህያው ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ፡ ንሓደ ኣረማዊ ሰብኣይ ፈሪሆም ዚሃድሙስ ንምንታይ እዮም፧ ዳዊት ንባጫ ጐልያድ፡ ከም ንየሆዋ ብቐጥታ ምጽራፍ ገይሩ እዩ ርእይዎ። ስለዚ ኸኣ ነቶም ወተሃደራት ንጐልያድ ብዛዕባ ምስዓር ተሃንጥዩ ኺዛረቦም ጀመረ። ነዊሕ ከይጸንሐ፡ እቲ ዓብዪ ሓዉ ኤልያብ፡ ነቲ ዳዊት ዚብሎ ዝነበረ ሰምዖ። ነቲ ሕሳስ ልደ ሓዉ ድማ ህልቂት እቲ ውግእ ንምርኣይ ጥራይ ከም ዝመጸ ብምውቃስ ኣትሪሩ ገሰጾ። ዳዊት ግና፡ “ሕጂኸ እንታይ ገይረ ድየ፧ ሕቶ ጥራይ እየ ሓቲተ” ብምባል መለሰሉ። ብድሕርዚ፡ ንጐልያድ ብዛዕባ ምስዓር ብምትእምማን ምዝራብ ቀጸለ፣ ሓደ ሰብ ድማ ነቲ ዳዊት ዝበሎ ንሳኦል ነገሮ። እቲ ንጉስ ከኣ ንዳዊት ኬምጽእዎ ኣዘዘ።—1 ሳሙኤል 17:23-31

ዳዊት ብዛዕባ ጐልያድ ነቲ ንጉስ፡ “ብሰንኪ እዝስ ልቢ ሓደ ሰብ እኳ ኣይጃጁ” ብምባል ዜተባብዕ ቃላት ተዛረቦ። ሳኦልን ሰቡን ብርግጽ ብጐልያድ ጃጅዮም እዮም ነይሮም። ምናልባት ብቝመት ኣብ ሽምጡ ወይ ደረት ኣፍ ልቡ ጥራይ ከም ዚበጽሑ ገይሮም ብኣእምሮኦም ብምስኣል፡ ንገዛእ ርእሶም ምስቲ ገዚፍ ሰብኣይ ኣወዳዲሮምዋ ይዀኑ። እቲ ኣጽዋር እተዓጥቀ ዓርሞሸሽ ብቐሊሉን ብቕልጡፍን ዚስዕሮም መሰሎም። ዳዊት ግና ከምኡ ኢሉ ኣይሓሰበን። ከምቲ ቐጺልና እንርእዮ፡ ነቲ ጕዳይ ብእተፈልየ መገዲ እዩ ርእይዎ። ስለዚ ኸኣ ምስ ጐልያድ ኪቃለስ ርእሱ ወፈየ።—1 ሳሙኤል 17:32

ሳኦል ግና ንዳዊት፡ “ንስኻ ቘልዓ ኢኻ፡ ንሱ ግና ካብ ንእስነቱ ኣትሒዙ ተዋጋኢ እዩ እሞ፡ ምስ እዚ ፍልስጥኤማዊ እዚ ኽትዋጋእ ኣይትኽእልን ኢኻ” ብምባል ተቓወሞ። ዳዊት ግና ብሓቂዶ ቘልዓ እዩ ነይሩ፧ ኣይፋሉን፣ ኣብ ሰራዊት ኪጽንበር ግና ዕድሚኡ ኣይኣኸለን ነይሩ፣ ምናልባት እውን ብትርኢቱ ንእሽቶ ይመስል ነይሩ ይኸውን። ኰይኑ ግና፡ ዳዊት ድሮ ኸም ተባዕ ተዋጋኢ እዩ ዚፍለጥ ነይሩ፣ ኣብቲ ግዜ እቲ ድማ ኣብ መወዳእታ ዕድመ ዀተቴ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—1 ሳሙኤል 16:18፣ 17:33

ዳዊት ንሳኦል፡ ንኣንበሳን ንድብን እንታይ ከም ዝገበሮም ነገሮ። ዳዊት ይጀሃር ድዩ ነይሩ፧ ኣይፋሉን። ዳዊት ነቲ ቕልስ ብኸመይ ከም እተዓወተሉ ይፈልጥ ነበረ። “እቲ ኻብ ኢድ ኣንበሳን ካብ ኢድ ድብን ዘናገፈኒ የሆዋ፡ ንሱ ኻብ ኢድ እዚ ፍልስጥኤማዊ እዚ ኼናግፈኒ እዩ” ድማ በሎ። ኣብ መወዳእታ ሳኦል “ኪድ፡ የሆዋ ምሳኻ ይኹን” ብምባል መለሰሉ።—1 ሳሙኤል 17:37

ከም ናይ ዳዊት ዝዓይነታ እምነት ክትህልወካ ትደሊዶ፧ እምነት ዳዊት ኣብ ትምኒት ዘይኰነስ፡ ኣብ ፍልጠትን ተመክሮን እተመስረተት እያ ነይራ። የሆዋ፡ ፈቃር መዕቈብን ንዝሃቦ ተስፋ ዚፍጽምን ምዃኑ ይፈልጥ ነበረ። ከምዚኣ ዝበለት እምነት ከነጥሪ እንተ ደሊና፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዚርከብ ኣምላኽ ብቐጻሊ ኽንምሃር የድልየና። ነቲ እተመሃርናዮ ኣብ ናብራና ምስ እንዓየሉ ኸኣ እቲ እንረኽቦ ጽቡቕ ውጽኢት ንእምነትና ኼደልድላ እዩ።—እብራውያን 11:1

“የሆዋ ንዓኻ ኣብ ኢደይ ኣሕሊፉ ኺህበኒ እዩ”

ኣብ ፈለማ፡ ሳኦል ንዳዊት ኣጽዋሩ ኼዕጥቖ ፈተነ። እቲ ዕጥቂ ኻብ ነሓሲ እተሰርሐ፡ ምናልባት እውን ከም ዚደራረብ ቅርፍቲ ዝበለ ድርዒ ዜጠቓልል ስለ ዝነበረ ምስ ዕጥቂ ጐልያድ ዚመሳሰል እዩ ነይሩ። ዳዊት ነዚ ዓብይን ከቢድን ዕጥቂ ተኸዲኑ ኺንቀሳቐስ እኳ እንተ ፈተነ፡ ከም ዜጸግሞ ቐልጢፉ ተገንዘበ። ወተሃደር ኪኸውን ስለ ዘይሰልጠነ፡ ኣጽዋር ምዕጣቕ ኣይለመደን፣ ብፍላይ ድማ እዚ ዕጥቂ እዚ ናይቲ ኣብ ህዝቢ እስራኤል ዝነውሐ ሰብኣይ ዝነበረ ሳኦል እዩ ነይሩ። (1 ሳሙኤል 9:2) ንዅሉ ኣራጊፉ ድማ ነቲ ንሱ ዝለመዶ ነገራት፡ ማለት ነቲ ሓደ ጓሳ ንመጓሰኡ ንምዕቋብ ዚጥቀመሉ ናውትን ዚኽደኖ ኽዳንን መረጸ።—1 ሳሙኤል 17:38-40

ዳዊት ነቲ ሓደ ጓሳ ዚስከሞ ቝርባብሻን ወንጭፍን ሓዘ። ኣብዚ ግዜና፡ ወንጭፍ ብዙሕ ኣገዳስነት ኣይህልዋን ይኸውን፣ ሽዑ ግና፡ ሓያል መሳርያ እያ ነይራ። እታ ኣብ ጫፍ እተን ብቘርበት እተሰርሓ ኽልተ ምራን፡ ሕሽኩል ዝነበራ ወንጭፍ ንሓደ ጓሳ ኣገዳሲት መሳርያ ነበረት። ኣብቲ ሕሽኩል እምኒ የቐምጥ እሞ፡ ብልዕሊ ርእሱ ብሓያል ፍጥነት ሕምብሊል የብላ፣ ብድሕርዚ፡ ንሓንቲ ኻብተን ምራን ፈንዩ ብምሕዳግ ነታ እምኒ ናብቲ ዝደለዮ ቦታ ይውንጭፋ። እዛ መሳርያ እዚኣ፡ ኣዝያ ውጽኢታዊት ካብ ምንባራ እተላዕለ፡ ሓድሓደ ግዜ ኣብ ሰራዊት፡ ጕጅለ ወንጨፍቲ ነይሮም እዮም።

ዳዊት፡ ዕጥቁ ሒዙ ምስ ጸላኢኡ ኺገጥም ተቐላጢፉ ኸደ። ኣብቲ ስንጭሮ ኻብ ዚርከብ ንቑጽ ክፋል እቲ ርባ፡ ተጐምቢሑ ሓሙሽተ ልሙጻት ኣእማን እናኣረየ፡ ልባዊ ጸሎት ኬቕርብ ከሎ ብኣእምሮና ኽንስእሎ ንኽእል ኢና። ብድሕርዚ፡ እናሰጐመ ዘይኰነስ፡ እናጐየየ ናብቲ ዓውዲ ዂናት ከደ!

ጐልያድ ነቲ መቐናቕንቱ ምስ ረኣዮ፡ እንታይ ኰን ተሰሚዕዎ ይኸውን፧ ከምዚ ዚብል ነንብብ፦ “ንሱ ቐይሕን ጽቡቕ ዝትርኢቱን ወዲ ስለ ዝነበረ፡ ብንዕቀት ኣናሸዎ።” ጐልያድ በቲ ብርቱዕ ድምጹ፡ “ብበትሪ እትመጸንስ፡ ኣነዶ ኸልቢ እየ፧” በሎ። ንናውቲ ዳዊት እኳ እንተ ረኣዮ፡ ነታ ወንጭፍ ግና ኣየስተብሃለላን። ንዳዊት ብስም ኣማልኽቱ ረገሞ፣ ንሬሳኡ ኸኣ ንኣዕዋፍን ንኣራዊት መሮርን ከም ዚህቦም መሓለ።—1 ሳሙኤል 17:41-44

እቲ ዳዊት ዝሃቦ መልሲ፡ ክሳዕ ሎሚ ኸም ዓብዪ መግለጺ እምነት እዩ ዚርአ። እቲ መንእሰይ ንጐልያድ፡ “ንስኻ ብሰይፍን ብዂናትን ብመዝረቕን ትመጸኒ ኣለኻ፣ ኣነ ግና ብስም የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ እቲ ንስኻ ዘባጨኻሉ ኣምላኽ ሰልፈኛታት እስራኤል እመጸካ ኣለኹ” ኺብሎ ኸሎ እሞ ብኣእምሮኻ ስኣሎ። ዳዊት፡ ሓይልን ኣጽዋርን ሰባት ዋጋ ኸም ዘይብሉ ይፈልጥ ነበረ። ጐልያድ ንየሆዋ ኣምላኽ እዩ ንዒቕዎ፣ የሆዋ ድማ ምላሽ ኪህበሉ እዩ። ከምቲ ዳዊት ዝበሎ፡ “እቲ ውግእ ናይ የሆዋ እዩ” ነይሩ።—1 ሳሙኤል 17:45-47

ዳዊት ንግዝፊ ጐልያድን ንኣጽዋሩን ኣብ ግምት ኣየእተዎን ማለት ኣይኰነን። ኰይኑ ግና፡ እዚ ተስፋ ኬቝርጾ ኣይፈቐደን። ከምቲ ሳኦልን ኣባላት ሰራዊቱን ዝፈጸምዎ ጌጋ ኣይገበረን። ንገዛእ ርእሱ እውን ምስ ጐልያድ ኣየወዳደራን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ንጐልያድ ምስ የሆዋ ብምንጽጻር እዩ ርእይዎ። ጐልያድ 2.9 ሜተር ዝቝመቱ ብምንባሩ ኻብ ካልኦት ሰብኡት ብቝመት ጸብለል ኢሉ ይርአ ነበረ፣ ምስቲ ልዑላዊ ገዛኢ ዅሉ ፍጥረት ኪነጻጸር ከሎ ግና ዕቤቱ እንታይ ትርጉም እዩ እሞ ዘለዎ፧ ከም ዝዀነ ኻልእ ሰብ፡ ክንዲ ሓሰኻ እኳ ኣይከውንን እዩ፣ የሆዋ ድማ ኬጥፍኦ ተዳልዩ ነበረ።

ዳዊት ካብ ቍርባብሻኡ እምኒ እናኣውጸአ ናብቲ ጸላኢኡ ጐየየ። ነታ እምኒ ኣብታ ወንጭፉ ኣእትዩ፡ ክሳዕ እትፋጺ ብልዕሊ ርእሱ ሕምብሊል ኣበላ። ጐልያድ፡ ምናልባት ብድሕሪ እቲ ጸዋር ዋልታኡ ዀይኑ፡ ናብ ዳዊት ቀረበ። ቊመቱ ግና ንሓደጋ ዜቃልዕ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ ከመይሲ፡ ሓደ ማእከላይ ቍመት ዘለዎ ጸዋር ዋልታ፡ ንዋልታኡ ኽሳዕ ርእሲ እቲ ዓርሞሸሽ ሓፍ ኬብላ ኣይክእልን እዩ ነይሩ። ዳዊት እውን ናብ ርእሲ እቲ ዓርሞሸሽ እዩ ዚጭምት ነይሩ።—1 ሳሙኤል 17:41

ዳዊት፡ ሓደ ዓርሞሸሽ ምስ የሆዋ ኣምላኽ ኪነጻጸር ከሎ ኣዝዩ ንእሽቶን ድኹምን ከም ዝዀነ ይፈልጥ ነበረ

ዳዊት ነታ እምኒ ወንጨፋ። ናብ ዕላማኣ ተወንጪፋ ኽትከይድ ከላ ዝነበረ ጸጥታ እሞ ብኣእምሮኻ ስኣሎ። የሆዋ፡ ዳዊት ካልኣይ ግዜ ኺውንጭፍ ከም ዘየድልዮ ኸም ዝገበረ ኣየጠራጥርን እዩ። እታ እምኒ ዕላማኣ ወቕዐት፣ ናብ ግምባር ጐልያድ ድማ ኣተወት። እቲ ዓርሞሸሽ ብገጹ ናብ ምድሪ ራዕ ኢሉ ወደቐ! እቲ ጸዋር ዋልታ ብፍርሂ ሃዲሙ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ዳዊት ናብ ጐልያድ ብምቕራብ ሴፍ ጐልያድ ወሰደ፣ ብእኡ ገይሩ ድማ ርእሲ እቲ ዓርሞሸሽ ቈረጸ።—1 ሳሙኤል 17:48-51

ኣብ መወዳእታ፡ ሳኦልን ወተሃደራቱን ትብዓት ረኸቡ። ዓው ኢሎም እናጨደሩ ድማ ደድሕሪ ፍልስጥኤማውያን ጐየዩ። እቲ ውግእ ከምቲ ዳዊት ንጐልያድ ‘የሆዋ ንዅላትኩም ኣብ ኢድና ኺህበና እዩ’ ዝበሎ ዀነ።—1 ሳሙኤል 17:47, 52, 53

ሎሚ፡ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኣብ ስጋዊ ውግእ ኣይሳተፉን እዮም። ከምኡ ዚግበረሉ ዝነበረ ግዜ ሓሊፉ እዩ። (ማቴዎስ 26:52) ኰይኑ ግና፡ ኣስኣሰር እምነት ዳዊት ክንስዕብ የድልየና እዩ። ልክዕ ከም ዳዊት፡ ንየሆዋ ጋህዲ ጌርና ኽንርእዮ፡ ንዕኡ በይኑ ድማ ከነምልኾን ክንፈርሆን ኣሎና። ሓድሓደ ግዜ ጸገማትና ኣዝዩ ኸቢድ ኰይኑ ይስምዓና ይኸውን፣ እንተዀነ ግና ምስቲ ደረት ዘይብሉ ሓይሊ የሆዋ ኺነጻጸር ከሎ ኣዝዩ ቐሊል እዩ። ከም ዳዊት፡ ንየሆዋ ኸነምልኽ እንተ መሪጽናን ኣብኡ እምነት እንተ ኣሕዲርናን ዝዀነ ይኹን ጸገምን ብድሆን ተስፋ ኣይኬቝርጸናን እዩ። ከመይሲ፡ ሓይሊ የሆዋ ኼሰንፎ ዘይክእል ጸገም የለን!