ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧

መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧

መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧

ገሊኦም ሰባት ነቲ ኣብ ልቢ ሰብ ዘሎ ግዝኣት ኣምላኽ ከም እተመልክት ይኣምኑ፣ ካልኦት ድማ ውጽኢት እቲ ደቂ ሰብ፡ ዓለምለኻዊ ሰላምን ሕውነትን ንምምጻእ ዚገብርዎ ጻዕሪ ኸም ዝዀነት ገይሮም ይሓስቡ። ንስኻኸ እንታይ ይመስለካ፧

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

“ኣምላኽ ሰማይ ንዘለኣለም ከቶ ዘይትጠፍእ መንግስቲ ኬቕውም እዩ።  . .  ንዅለን እዘን [ሰብኣውያን] መንግስትታት እዚአን ክትሕምሽሸንን ከተጥፍአንን እያ።” (ዳንኤል 2:44) መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ሓቂ ምምሕዳር እያ።

ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ተወሳኺ ነገር ንምሃር፧

  • መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ኰይና እያ እትገዝእ። —ማቴዎስ 10:7፣ ሉቃስ 10:9

  • ኣምላኽ፡ በዛ መንግስቲ እዚኣ ኣቢሉ ፍቓዱ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኪፍጽም እዩ።—ማቴዎስ 6:10

መንግስቲ ኣምላኽ መዓስ እያ እትመጽእ፧

እንታይ ምበልካ፧

  • ሓደ እኳ ዚፈልጥ የልቦን

  • ድሕሪ ቐረባ ግዜ

  • ፍጹም ኣይክትመጽእን እያ

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

“እዚ ብስራት መንግስቲ፡ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ኵላ ዓለም ኪስበኽ እዩ፣ ሽዑ፡ መወዳእታ ኺመጽእ እዩ።” (ማቴዎስ 24:14) እዚ ብስራት ምሉእ ብምሉእ ምስ ተሰብከ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ነዚ እኩይ ስርዓት ከተጥፍኦ እያ።

ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ተወሳኺ ነገር ንምሃር፧

  • መንግስቲ ኣምላኽ መዓስ ከም እትመጽእ ሓደ እኳ ዚፈልጥ የልቦን።—ማቴዎስ 24:36

  • ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ድሕሪ ቐረባ ግዜ ኸም እትመጽእ ይሕብር።—ማቴዎስ 24:3, 7, 12