ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንፍልልያት ብፍቕሪ ኣደቅሶ

ንፍልልያት ብፍቕሪ ኣደቅሶ

“ንሓድሕድኩም . . . ብሰላም ንበሩ።”—ማር. 9:50

መዝሙር፦ 39, 35

1, 2. ኣብ ዘፍጥረት፡ እንታይ ንሰባት ዘጋጠሞም ቃልስታት እዩ ተገሊጹ ዘሎ፧ እዚ ዜገድሰናኸ ስለምንታይ እዩ፧

ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዚርከብ ብሕታዊ ግጭታት ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧ ኣብ ዘፍጥረት ብዛዕባ ዚርከብ ሒደት ምዕራፋት እሞ ሕሰብ። ቃየል ንኣቤል ቀተሎ (ዘፍ. 4:3-8)፣ ላሜክ “ስለ ዝወቕዓኒ” ኢሉ ንሓደ ጐበዝ ቀተሎ (ዘፍ. 4:23)፣ ጓሶት ኣብርሃምን (ኣብራምን) ሎጥን ተባእሱ (ዘፍ. 13:5-7)፣ ኣጋር ንሳራ (ንሳራይ) ስለ ዝነዓቐታ፡ ሳራ ምስ ኣብርሃም ተሳሓሓበት (ዘፍ. 16:3-6)፣ እስማኤል ኣንጻር ኵሉ፡ ኢድ ኵሉ ድማ ኣንጻሩ ኪኸውን ምዃኑ ተገልጸ።—ዘፍ. 16:12

2 መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ዝበለ ግጭታት ዚጠቅስ ስለምንታይ እዩ፧ ሓደ ምኽንያት፡ ዘይፍጹማት ሰባት ስለምንታይ ብሰላም ኪነብሩ ኸም ዘለዎም ኪፈልጡ ይሕግዞም እዩ። ከመይ ጌርና ሰላም ከም እንገብር እውን ይሕብረና እዩ። ናይ ሓቂ ሰባት ምስ ናይ ሓቂ ጸገማት ኪቃለሱ ኸለዉ ዚሕብር ዛንታታት መጽሓፍ ቅዱስ ብምንባብ እውን ንጥቀም ኢና። ጻዕርታቶም ዘፍረዮ ፍረ ንፈልጥ፡ ነዚ ኸኣ ኣብ ህይወትና ኣብ ዜጋጥመና ገሊኡ ዅነታት ኣብ መዓላ ኸነውዕሎ ንኽእል ኢና። እዚ ዅሉ፡ ኣብ ተመሳሳሊ ነገር እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና ወይ እንታይ ክንገብር ከም ዘይብልና ኽንፈልጥ ይሕግዘና እዩ።—ሮሜ 15:4

3. እዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ነጥብታት እያ እትሽፍን፧

3 እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ኣገልገልቲ የሆዋ ስለምንታይ ፍልልያት ኬደቅሱ ኸም ዘለዎምን ከመይ ገይሮም ከም ዜደቅስዎን ትገልጽ። ብተወሳኺ፡ ግጭት ንምፍታሕ፡ ምስ ብጻዮምን ምስ የሆዋ ኣምላኽን እውን ጽቡቕ ርክብ ንምዕቃብ ዜኽእል ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ትጠቅስ።

ኣገልገልቲ ኣምላኽ ፍልልያት ኬደቅሱ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

4. እንታይ ኣተሓሳስባ እዩ ኣብ ብዘላ ዓለም ኣስፋሕፊሑ ዘሎ፧ እንታይ ፍረኸ ኣለዎ፧

4 በቲ ኣብ መንጎ ደቂ ሰብ ዘሎ ባእስን ፍልልያትን ብቐዳምነት ተሓታቲ ዝዀነ ሰይጣን እዩ። ኣብ ኤደን፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ካብ ኣምላኽ ተፈልዩ ጽቡቕን ክፉእን ባዕሉ ኺውስን ከም ዘለዎ እዩ ተማጒቱ። (ዘፍ. 3:1-5) ፍረ እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ድማ ብንጹር ይርአ ኣሎ። ዓለም ብርእሶም ኪምሓደሩ ብዚደልዩ ሰባትን ማሕበረሰባትን እያ መሊኣ ዘላ፣ እዚ ኸኣ ትዕቢትን ርእሰ ውዳሰን ቅንቅንን የስፍን ኣሎ። በዚ መንፈስ እዚ እተወስደ ሰብ፡ ነቲ ሰይጣን ንኻልኦት ፋዕራ ኸይገበርካ ጥቕሚ ርእስኻ ምድላይ ዝሓሸ ኸም ዝዀነ ገይሩ ዜቕርቦ መጐተ እዩ ዚቕበል ዘሎ። እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ናብ ባእሲ እዩ ዚመርሕ። ነቲ፡ “ቍጡዕ ሰብ፡ ባእሲ የለዓዕል፣ ነዳሪ ድማ ብዙሕ ይእብስ” ዚብል ምኽሪ እውን ክንዝክር ኣሎና።—ምሳ. 29:22

5. ዘይምስምማዓት ብዛዕባ ምፍታሕ፡ የሱስ እንታይ ምሂሩ፧

5 ብኣንጻሩ ግና፡ የሱስ ንሰባት ሰላም ኪደልዩ እዩ ምሂርዎም፣ ከምኡ ምግባሮም ንጥቕሞም ዚጐድእ ኣብ ዚመስለሉ እዋን እኳ ሰላም ኪደልዩ እዩ ተማሕጺንዎም። ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከቱ፡ ዘይምስምማዓት ወይ ግጭታት ኬላዕል ዚኽእል ነገር ከመይ ጌርካ ኺፍታሕ ከም ዘለዎ ብሉጽ ምዕዶ ሂቡ እዩ። ንኣብነት፡ ንደቀ መዛሙርቱ ልኡማት ኪዀኑ፡ ገበርቲ ሰላም ኪዀኑ፡ ጠንቂ ቝጥዓ ኼወግዱ፡ ነገር ቀልጢፎም ኬደቅሱ፡ ንጸላእቶም ኬፍቅሩ ተማሕጺንዎም እዩ።—ማቴ. 5:5, 9, 22, 25, 44

6, 7. (ሀ) ብሕታዊ ፍልልያት ቀልጢፍና ኸነደቅሶ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) ኵሎም ህዝቢ ኣምላኽ እንታይ ዚብል ሕቶታት እዮም ንርእሶም ኪሓትቱ ዘለዎም፧

6 ምስ መባእስትና እንተ ዘይተዓሪቕና፡ ብጸሎትን ኣብ ኣኼባታት ብምእካብን ብኣገልግሎት ወፍርን ብኻልእ መዳያት ኣምልኾን ጌርና ንኣምላኽ ንምግልጋል እንገብሮ ጻዕሪ ኸንቱ እዩ ዚኸውን። (ማር. 11:25) ጕድለት ካልኦት ይቕረ ኽንብል ፍቓደኛታት እንተ ዘይኴንና፡ ፈተውቲ ኣምላኽ ክንከውን ኣይንኽእልን ኢና።—ሉቃስ 11:4፣ ኤፌሶን 4:32 ኣንብብ።

7 ክርስትያን ዘበለ ዅሉ ይቕረ በሃሊ ብዛዕባ ምዃንን ምስ ካልኦት ብሰላም ብዛዕባ ምንባርን ተጠንቂቑ ብቕንዕና ኺሓስበሉ ኣለዎ። ኣመንቲ ንዝዀኑ ብጾትካ ብናጻ ይቕረ ትብሎም ዲኻ፧ ምሳታቶምከ ተሓጒስካ ትቀራረብ ዲኻ፧ የሆዋ ንኣገልገልቱ ይቕረ በሃልቲ ኪዀኑ እዩ ዚጽበዮም። ኣብዚ መዳይ እዚ ኸተመሓይሽ ከም ዜድልየካ ሕልናኻ ይነግረካ እንተ ኣልዩ፡ ከምኡ ንምግባር ብጸሎት ሓገዝ የሆዋ ድለ። ሰማያዊ ኣቦና ንኸምዚ ዝበለ ብትሕትና ዚቐርብ ጸሎት ይሰምዖን ምላሽ ይህበሉን እዩ።—1 ዮሃ. 5:14, 15

ንበደል ዕሽሽ ኢልካ ኽትሓልፎዶ ትኽእል፧

8, 9. ክንብደል ከለና እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

8 ኵሎም ሰባት ዘይፍጹማት ስለ ዝዀኑ፡ ይውዓል ይሕደር ሓደ ሰብ ዜጕህየካ ነገር ኪዛረብ ወይ ኪገብር ይኽእል እዩ። እዚ ዘይተርፍ ነገር እዩ። (መክ. 7:20፣ ማቴ. 18:7) እሞኸ እንታይ ኢኻ ኽትገብር፧ ኣብዚ ዚስዕብ ኵነታት እንታይ ከም እተገብረ እሞ ሕሰበሉ፦ ገሊኦም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ እተኣኻኸቡሉ ማሕበራዊ ምትእኽኻብ፡ ሓንቲ ሓብቲ ንኽልተ ኣሕዋት ሰላም በለቶም። ሓደ ኻብቶም ኣሕዋት በቲ ሰላም ኣባሃህላኣ ኣይተሓጐሰን። እቶም ክልተ ኣሕዋት በይኖም ምስ ኰኑ፡ እቲ ዝጐሃየ ሓው ነታ ሓብቲ በቲ ዝበለቶ ነገር ኪነቕፋ ጀመረ። እቲ ኻልኣይ ሓው ግና ኣብ ኣጸጋሚ እዋን ን40 ዓመት ንየሆዋ ብተኣማንነት ከም ዘገልገለቶ ኣዘኻኸሮ፣ ክትጐድኦ ኢላ ኸምኡ ኸም ዘይበለት እውን ኣረጋገጸሉ። እቲ ቐዳማይ ሓው ነዚ ሓንሳእ ምስ ሓሰበሉ፡ “ሓቅኻ ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ እቲ ነገር ደቀሰ።

9 እዚ ተመክሮ እዚ እንታይ እዩ ዚሕብረና፧ ኬጕህየና ዚኽእል ነገር ኬጋጥመና ኸሎ፡ እቲ እንህቦ ምላሽ ኣብ ኢድና እዩ ዘሎ። ፈቃር ሰብ ንንኣሽቱ ኣበሳ ይኸድኖ እዩ። (ምሳሌ 10:12፣ 1 ጴጥሮስ 4:8 ኣንብብ።) ‘በደል ዕሽሽ ምስ እትብል፡’ የሆዋ ኸም ‘ዜጸብቐልካ’ ገይሩ እዩ ዚርእዮ። (ምሳ. 19:11፣ መክ. 7:9) ሓደ ሰብ ብሕማቕ ወይ ብንዕቀት ከም ዘዛረበካ ወይ ከም ዝሓዘካ ዀይኑ ምስ ዚስምዓካ፡ ‘ነዚ ዕሽሽ ክብሎ እኽእልዶ፧ ብዛዕባኡ ብቐጻሊ ኽሓስብ የድልየኒ ድዩ፧’ ኢልካ ሕሰብ።

10. (ሀ) ሓንቲ ሓብቲ ምስ ተነቕፈት፡ ኣብ መጀመርታ ኸመይ ተሰሚዕዋ ነይሩ፧ (ለ) ነታ ሓብቲ ሰላማ ኽትሕሉ ዝሓገዛ እንታይ ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓሳብ እዩ፧

10 ንነቐፌታ ኣቕሊልካ ምርኣይ ከቢድ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሉሲ ኢልና እንጽውዓ ፈላሚት ዘጋጠማ እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ። ገሊኦም ኣባላት ጉባኤኣ ብዛዕባ ኣገልግሎታን ኣጠቓቕማ ግዜኣን ኣሉታዊ ዘረባ ተዛረቡ። ሉሲ በዚ ተበሳጭያ፡ ንብሱላት ኣሕዋት ኪመኽርዋ ሓተተቶም። ድሕሪኡ፡ “ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽሮም፡ ብዛዕባ ርእይቶታት ካልኦት ቅኑዕ ኣረኣእያ ኽህልወንን ኣብቲ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ የሆዋ ኸተኵርን ሓጊዙኒ እዩ” በለት። ሉሲ ማቴዎስ 6:1-4 ብምንባባ ተተባቢዓ እያ። (ኣንብብ።) እቲ ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ ዘሎ ሓሳባት፡ ንየሆዋ ምሕጓስ ሸቶኣ ኪኸውን ከም ዚግባእ ኣዘኻኺርዋ እዩ። “ካልኦት ብዛዕባ ንጥፈታታተይ ኣሉታዊ ዘረባ እኳ እንተ ተዛረቡ፡ ስምረት የሆዋ ንምርካብ ዚክኣለኒ ይገብር ከም ዘለኹ ስለ ዝፈልጥ፡ ሓጐሰይ ኣየጥፋእኩን” ድማ በለት። ኣብዚ መደምደምታ እዚ ድሕሪ ምብጻሓ፡ ነቲ ኣሉታዊ ዘረባ ዕሽሽ ብምባል ጥበባዊ ውሳነ ወሲና እያ።

ንበደል ዕሽሽ ኢልካ ኽትሓልፎ ምስ ዘይትኽእል

11, 12. (ሀ) ሓደ ክርስትያን፡ ሓዉ ‘ጕህዩሉ’ ኸም ዘሎ እንተ ኣሚኑ፡ እንታይ ኪገብር ኣለዎ፧ (ለ) ካብቲ ኣብርሃም ነቲ ጸገም ዝፈትሓሉ መገዲ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)

11 “ኵላትናስ ብዙሕ ሳዕ ንስሕት ኢና።” (ያእ. 3:2) ሓደ ሓው ብዘረባኻ ወይ ብተግባርካ ኸም ዝጐሃየልካ ፈሊጥካ ንበል። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧ የሱስ፡ “መባእካ ናብ መሰውኢ እንተ ኣምጺእካ፡ ኣብኡ ኸኣ ሓውካ ጕህዩልካ ኸም ዘሎ እንተ ዘኪርካ፡ መባእካ ኣብኡ ኣብ ቅድሚ እቲ መሰውኢ ሓዲግካ ኺድ። ቅድም፡ ምስ ሓውካ ተዓረቕ፣ ድሕሪኡ፡ ተመሊስካ መባእካ ኣቕርብ” ኢሉ እዩ። (ማቴ. 5:23, 24) ምስ ምኽሪ የሱስ ብምስምማዕ፡ ንሓውካ ኸተዘራርቦ ይግባእ። ዕላማኻ እንታይ ምዃኑ ኣስተብህል። ንሱ ብእተወሰነ ተሓታቲ ምዃኑ ንምሕባር ዘይኰነስ፡ ጌጋኻ ኣሚንካ ንምትዕራቕ እዩ። ኣመንቲ ምስ ዝዀኑ ብጾትና ምትዕራቕ፡ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳስነት ኣለዎ።

12 እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ንኣብርሃምን ንሎጥ ወዲ ሓዉን ዚምልከት ጕዳይ፡ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ነቲ ኪኸፋፍል ዚኽእል ዝነበረ ጕዳይ ብሰላም ዝፈትሑሉ ቕዱስ ጽሑፋዊ ዛንታ እዩ። ክልቲኦም ማል ነይረንኦም እየን፣ ጓሶቶም ከኣ ብመገሃጫ እዮም ተባኢሶም። ኣብርሃም ነቲ እተፈጥረ ውጥረት ኪኣልዮ ስለ ዝደለየ፡ ንሎጥ ኣበይ ኪሰፍር ከም ዚደሊ ኺሓሪ ቐዳምነት ሃቦ። (ዘፍ. 13:1, 2, 5-9) ከመይ ዝበለ ጽቡቕ ኣብነት ኰን እዩ! ኣብርሃም ሰላም ኪገብር እምበር፡ ጥቕሙ ኬኽብር ኣይኰነን ደልዩ። ብምኽንያት እቲ ልግሱኸ ኸሲሩዶ፧ ኣይፋሉን። ደድሕሪ እዚ ምስ ሎጥ እተፈጥረ ጕዳይ፡ የሆዋ ንኣብርሃም ኣብዚሑ ኸም ዚባርኾ ኣተስፍይዎ እዩ። (ዘፍ. 13:14-17) ኣምላኽ ንኣገልገልቱ፡ ምስ ስርዓታቱ ተሰማሚዖም ብምምልላሶምን ብፍቕሪ ፍልልያት ብምውጋዶምን ነባሪ ኽሳራ ኼጋጥሞም ኣይደልን እዩ። [1]

13. ሓደ ሓላዊ ሕማቕ ቃላት ምስ ተዘርቦ እንታይ እዩ ዝገበረ፧ ካብዚ ኣብነት እዚኸ እንታይ ንምሃር፧

13 ኣብዚ ግዜና ዜጋጥም ኵነታት እስከ ንርአ። ሓደ ሓድሽ ሓላዊ ኽፍሊ ኣኼባ ዞባ ንሓደ ሓው ወለንተኛ ኪኸውን ዚኽእል እንተ ዀይኑ ኺሓትቶ ምስ ደወለሉ፡ እቲ ሓው ሕማቕ ዘረባ ተዛሪቡ ነታ ተሌፎን ዓጸዋ። በቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ሓላዊ ተቘጢዑ ብምንባሩ እዩ ኸምኡ ኢሉ እተዛረቦ። እቲ ሓድሽ ሓላዊ በዚ እኳ እንተ ዘይተቐየመ፡ ነቲ ነገር ዕሽሽ ኪብሎ ዚኽእል ኣይነበረን። ድሕሪ ሓደ ሰዓት፡ መሊሱ ደወለሉ እሞ ተራኺቦም ዘይፈልጡ ብምዃኖም፡ ነቲ ነገር ብሓባር ኰይኖም ኪፈትሕዎ ሓሳብ ሃቦ። ድሕሪ ሓደ ሰሙን፡ ክልቲኦም ኣብ ሓደ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ተራኸቡ። ድሕሪ ምጽላዮም ከኣ፡ ንሓደ ሰዓት ተዛራረቡ፣ እቲ ሓው እውን ዘጋጠሞ ዅሉ ነገሮ። እቲ ሓላዊ ብርሕራሕ ድሕሪ ምስማዑ፡ ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓሳባት ሃቦ፣ ክልቲኦም ድማ ብሰላም ተፋላለዩ። ድሕሪኡ፡ እቲ ሓው ኣብቲ ኣኼባ ኣገልገለ፣ እቲ ሓላዊ ብህድኣትን ብለውሃትን ስለ ዘዘራረቦ ኸኣ፡ ሕጂ የመስግኖ እዩ።

ንሽማግለታት ኣብቲ ነገር ከተእትዎም የድልየካዶ፧

14, 15. (ሀ) ነቲ ኣብ ማቴዎስ 18:15-17 ዚርከብ ምኽሪ፡ መዓስ ኢና ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ ዘሎና፧ (ለ) የሱስ እንታይ ሰለስተ ስጕምቲ እዩ ዝጠቐሰ፧ ነዚ ኣብ ግብሪ ኸተውዕሎ ኸለኻኸ እንታይ ሸቶ እዩ ኺህልወካ ዚግባእ፧

14 መብዛሕትኡ ኣብ መንጎ ክርስትያናት ዜጋጥም ፍልልያት በቶም ዚምልከቶም ውልቀ ሰባት ብብሕቲ ኺፍታሕ ይከኣል እዩ፡ ኪፍታሕ እውን ኣለዎ። ኰይኑ ግና፡ ኣብ ገሊኡ ዅነታት፡ ጉባኤ ኽትኣቱ ኸም ዚግባእ የሱስ ጠቒሱ እዩ። (ማቴዎስ 18:15-17 ኣንብብ።) ሓደ በዳሊ ንሓዉን ንመሰኻኽርን ንጉባኤን ምስማዕ እንተ ኣብዩ፡ እንታይ እዩ ዚግበር ነይሩ፧ “ከም ካብ ኣህዛብን ከም ኣካብ ቀረጽን” እዩ ዚቝጸር ነይሩ። ብናይ ሎሚ ኣበሃህላ ይውገድ ማለት እዩ። ርዝነት እዚ ስጕምቲ እዚ ድማ፡ እቲ “በደል” ንእሽቶ ዘይምስምማዕ ከም ዘይነበረ እዩ ዚእምት። የግዳስ፡ (1) ኣብ መንጎ እቶም ውልቀ ሰባት ኪድቅስ ዚኽእል ዝነበረ በደል ኰይኑ፡ (2) እቲ ነገር እንተ ዘይደቂሱ ኽሳዕ ውገዳ ዜብጽሕ ከቢድ በደል እዩ። ከምዚ ዝበለ በደል ምጥፍፋእ ወይ ብሕሜት ጌርካ ስም ሰብ ምጽላም ኬጠቓልል ይኽእል እዩ። እቲ ኣቐዲምና ዝረኣናዮ የሱስ ዝጠቐሶ ሰለስተ ስጕምቲ፡ እዚ ዅነታት ኪፍጠር ከሎ ጥራይ እዩ ዚዕየየሉ። እዚ ሓጢኣት እዚ ኸኣ ቈላሕታ ሽማግለታት ጉባኤ ንዜድልዮ ኸም ዝሙት፡ ግብረ ሶዶማውነት፡ ክሕደት፡ ኣምልኾ ጣኦት፡ ወይ ካልእ ከቢድ ሓጢኣት ኣየጠቓልልን እዩ።

ንዝበደለካ ሓውካ ንምርባሕ፡ ካብ ሓንሳእ ንላዕሊ ኸተዛራርቦ የድሊ ይኸውን (ሕጡብ ጽሑፍ 15 ርአ)

15 ዕላማ ምኽሪ የሱስ ንሓደ ሓው ብፍቕሪ ምሕጋዙ እዩ ነይሩ። (ማቴ. 18:12-14) ቀዳማይ፡ ንኻልኦት ኣብቲ ነገር ከየእተኻ ነቲ ጕዳይ ክትፈትሖ ኽትጽዕር ይግባእ። ከምኡ ንምግባር ነቲ በዳሊ ኻብ ሓንሳእ ንላዕሊ ኸተዛራርቦ የድሊ ይኸውን። እዚ ነቲ ነገር እንተ ዘየደቂስዎ፡ ነቲ በደል ዚፈልጡ መሰኻኽር ወይ ጌጋ ተገይሩ እንተ ዀይኑ ኺግምግሙ ምስ ዚኽእሉ ሰባት ኴንካ ነቲ በዳሊ ኣዘራርቦ። ነቲ ነገር እንተ ኣደቂስካዮ፡ “ንሓውካ ረቢሕካዮ።” ነቲ በዳሊ ንምሕጋዙ እተገብረ ተደጋጋሚ ጻዕርታት ፍረ እንተ ዘየፍርዩ ጥራይ እዩ እቲ ነገር ናብ ሽማግለታት ኪቐርብ ዘለዎ።

16. ምኽሪ የሱስ ምስዓብ ግብራውን ፍቕራውን ከም ዝዀነ ዜርኢ እንታይ እዩ፧

16 ኣሕዋት ነቲ ኣብ ማቴዎስ 18:15-17 ተጠቒሱ ዘሎ ሰለስተ ስጕምቲ ኺጥቀሙሉ ዜድልየሉ ዅነታት ሳሕቲ እዩ ዜጋጥም። ዘይንሳሕ ሓጥእ ካብ ጉባኤ ኺውገደሉ ኣብ ዚኽእል ኵነታት ቅድሚ ምብጻሑ፡ ፍታሕ ዚርከብ ምዃኑ፡ ዜተባብዕ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ እቲ በዳሊ ጌጋኡ ተገንዚቡ ይዕረ እዩ። እቲ እተበደለ ኸኣ በደል ስለ ዘይኣሪ፡ ይቕረ ይብል እዩ። ዝዀነ ዀይኑ፡ እታ ጉባኤ ኣብቲ ዚፍጠር ዘይምስምማዓት ቅድሚ ግዜኡ ኽትኣቱ ኸም ዘይግብኣ፡ ቃላት የሱስ ይሕብር እዩ። እቲ ኣቐዲሙ ኺግበር ዚግባእ ክልተ ስጕምቲ እንተ ተሓሊፉን ነቲ ዝዀነ ነገር ብንጹር ዜርኢ ርጡብ መርትዖ እንተ ኣልዩን ጥራይ እዮም ሽማግለታት ኣብቲ ጕዳይ ዚኣትዉ።

17. ኣብ ንሓድሕድና ኣብ ዘሎና ርክብ ‘ንሰላም ክንደልያ’ ኸለና፡ እንታይ በረኸት ኢና እንረክብ፧

17 እዚ ስርዓት እዚ ኽሳዕ ዘሎ፡ ሰባት ዘይፍጹማት ብምዃኖም ንኻልኦት ይብድሉ እዮም። ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር፡ “ብቓል ዘይስሕት እንተሎ፡ ንሱ ንብዘሎ ሰብነቱ ኺለጕም ዚኽእል ፍጹም ሰብ እዩ” ኺብል ሓቁ እዩ። (ያእ. 3:2) ፍልልያት ንምድቃስ፡ ‘ንሰላም ክንደልያን ክንስዕባን’ ኣሎና። (መዝ. 34:14) ገበርቲ ሰላም ምስ እንኸውን ከኣ፡ ምስ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ጽቡቕ ርክብ ይህልወና፡ ኣብ ጉባኤ እውን ሓድነት ይሰፍን። (መዝ. 133:1-3) ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ምስቲ “ሰላም ዚህብ ኣምላኽ” እተባህለ የሆዋ ጽቡቕ ርክብ ይህልወና። (ሮሜ 15:33) እቶም ንፍልልያት ብፍቕሪ ዜደቅሱ፡ እዚ በረኸት እዚ እዮም ዚረኽቡ።

^ [1] (ሕጡብ ጽሑፍ 12) ጸገማቶም ብሰላም ካብ ዝፈትሑ ኻልኦት ሰባት እዞም ዚስዕቡ ኺጥቀሱ ይከኣሉ፦ ያእቆብ ምስ ኤሳው (ዘፍ. 27:41-45፣ 33:1-11)፣ ዮሴፍ ምስ ኣሕዋቱ (ዘፍ. 45:1-15)፣ ጊዴዎን ምስ ኤፍሬማውያን። (መሳ. 8:1-3) ምናልባት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመዝገቡ ኻልኦት ተመሳሳሊ ኣብነታት ትዝክር ትኸውን።