ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ኪዱ ኻብ ኵሎም ኣህዛብ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ”

“ኪዱ ኻብ ኵሎም ኣህዛብ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ”

“ኪዱ ኻብ ኵሎም ኣህዛብ . . . እናኣጥመቕኩም ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ፣ ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ ምሃርዎም።”—ማቴ. 28:19, 20

መዝሙር፦ 47, 17

1, 2. እተን ኣብ ማቴዎስ 24:14 ዚርከባ ቓላት የሱስ፡ እንታይ ሕቶታት የበግሳ፧

ሰባት ምሳና ይሰማምዑ ወይ ኣበርቲዖም ይጻረሩና ይዀኑ፣ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብንጥፈታት ስብከቶም ኣጸቢቖም ከም ዚፍለጡ ዚኽሕዱ ግና ብዙሓት ኣይኰኑን። ምስ እምነታትና ኸም ዘይሰማምዑ፡ ግናኸ ንዕዮና ኣኽቢሮም ከም ዚርእይዎ ዚገልጹ ሰባት ኣብ ኣገልግሎት ኣጓኒፎምኻ ይዀኑ። ከም እንፈልጦ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ኵላ ዓለም ኪስበኽ ምዃኑ የሱስ ተነብዩ ነይሩ እዩ። (ማቴ. 24:14) እቲ እንገብሮ ዕዮ፡ ፍጻመ ትንቢት የሱስ ምዃኑ ግና ከመይ ጌርና ንፈልጥ፧ ‘ነዚ ዕዮ እዚ እንገብር ዘለና ንሕና ኢና’ ኢልና ምሕሳብና ድፍረት ድዩ፧

2 ሓያሎ ጕጅለታት ሃይማኖት፡ ‘ወንጌል ወይ ብስራት ንሰብኽ ኢና’ ይብሉ እዮም። ጻዕርታቶም ግና ኣብ ቤተ ክርስትያን፡ ኣብ ተለቪዥን፡ ወይ ኣብ ኢንተርነት ኣብ ዚህብዎ ስብከት፡ ወይ ድማ ብዛዕባ የሱስ ከመይ ገይሮም ከም ዝፈለጡ ንኻልኦት ኣብ ምንጋር እተሓጽረ እዩ። ገሊኦም ከኣ ኣብ ግብረ ሰናያዊ ንጥፈታቶም ወይ ኣብ ዓውድታት ሕክምናን ትምህርትን ዚገብርዎ ጻዕርታት ከም ስብከት ገይሮም ይርእይዎ እዮም። እዚ ንጥፈታት እዚ ግና እቲ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኺገብርዎ ዝኣዘዞም ድዩ ነይሩ፧

3. ብመሰረት ማቴዎስ 28:19, 20፡ ሰዓብቲ የሱስ ኪገብርዎ ዚግባእ ኣርባዕተ ነገር እንታይ እዩ፧

3 ደቀ መዛሙርቱ የሱስ፡ ሰባት ናባታቶም ኪመጹ ኺጽበዩ ድዩ ነይርዎም፧ ኣይፋልን። ካብ ምዉታት ምስ ተንስአ፡ ብኣማእታት ንዚቝጸሩ ደቀ መዛሙርቱ፡ “ኪዱ ኻብ ኵሎም ኣህዛብ . . . እናኣጥመቕኩም ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ፣ ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ ምሃርዎም” እዩ ኢልዎም። (ማቴ. 28:19, 20) ስለዚ፡ ኣርባዕተ ኺግበር ዘለዎ ነገር ተጠቒሱ ኣሎ። እወ፡ ከነጥምቕን ደቀ መዛሙርቲ ኽንገብርን ክንምህርን ከም ዘሎና ተገሊጹ ኣሎ። ብቐዳምነት ክንገብሮ ዘሎና ነገር ግና እንታይ እዩ፧ የሱስ፡ “ኪዱ” እዩ ኢሉ። ሓደ ምሁር መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዛ ትእዛዝ እዚኣ፡ “እታ ‘ኺዱ’ እትብል ቃል ንነፍሲ ወከፍ ኣማኒ እተዋህበት ዕዮ ዀይና፡ እንተ ስግር መገዲ ወይ ስግር ውቅያኖስ ኪኸይድ ይግብኦ” ዚብል ሓሳብ ሃበ።—ማቴ. 10:7፣ ሉቃ. 10:3

4. “ገፈፍቲ ሰብ” ምዃን እንታይ የጠቓልል፧

4 የሱስ ንሰዓብቱ በብውልቆም ኪሰብኩ ድዩ ዚጽበዮም ነይሩ፡ ወይስ ነቲ ብስራት ብእተወደበ መልክዕ ኪሰብኩ እዩ ዚእምት ነይሩ፧ ሓደ ውልቀ ሰብ ናብ “ኵሎም ኣህዛብ” ኪኸይድ ስለ ዘይክእል፡ እዚ ዕዮ እዚ ብዙሓት ተወዲቦም ዚዓይይዎ እዩ። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ገፈፍቲ ሰብ” ንምግባር ኪጽውዖም ከሎ እውን ነዚ እዩ ሓቢሩ። (ማቴዎስ 4:18-22 ኣንብብ።) ኣብ መቝለብ ዓሳ፡ መህረሪ ጌርካ ዓሳ መጺኡ ኽሳዕ ዚተሓዝ ኮፍ ኢልካ ብዛዕባ እትጽበየሉ ዓይነት ኣተሓሕዛ ዓሳ ኣይኰነን ዚዛረብ ነይሩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ብመርበብ ጌርካ ዚዕየ፡ ብዙሓት ዚተሓባበሩሉን ብዙሕ ጻዕሪ ዚሓትትን ምግፋፍ ዓሳ እዩ ዜመልክት ነይሩ።—ሉቃ. 5:1-11

5. እንታይ ኣርባዕተ ሕቶታት እየን መልሲ ዜድልየን፧ ስለምንታይከ፧

5 ሎሚ፡ ከም ፍጻመ እቲ የሱስ እተነበዮ ትንቢት፡ መን ነቲ ብስራት ይሰብኩ ኸም ዘለዉ ንምፍላጥ፡ ነዘን ዚስዕባ ኣርባዕተ ሕቶታት መልሲ ኽንህበለን የድልየና፦

  • መልእኽቲ እቲ ዕዮ ስብከት እንታይ ኪኸውን ኣለዎ፧

  • ነዚ ዕዮ እዚ እንዓይየሉ ድራኸ እንታይ ኪኸውን ኣለዎ፧

  • እንታይ ሜላታት ክንጥቀም ኣሎና፧

  • ስፍሓትን ንውሓትን እቲ ዕዮ ስብከት ክንደይ ኪኸውን ኣለዎ፧

መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ነቶም ነዚ ህይወት ዜድሕን ዕዮ ዚዓይዩ ዘለዎ ንምልላይ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብተኣማንነት ጸኒዕና ንምዕያዩ ዘሎና ቘራጽነት ንምድልዳል እውን ኪሕግዘና እዩ።—1 ጢሞ. 4:16

እቲ መልእኽቲ እንታይ ኪኸውን ኣለዎ፧

6. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ቅኑዕ መልእኽቲ ይሰብኩ ምህላዎም ከመይ ጌርካ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል፧

6 ሉቃስ 4:43 ኣንብብ። የሱስ፡ “ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ” እዩ ሰቢኹ፣ ንደቀ መዛሙርቱ እውን ከምኡ ኺገብሩ እዩ ዚጽበዮም። እሞኸ ኣብ “ኵሎም ኣህዛብ” ነቲ መልእኽቲ እቲ ዚሰብኩ ዘለዉ ጕጅለ መን እዮም፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ፡ ፍሉጥ እዩ፣ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጥራይ እዮም። ገሊኦም ተጻረርቲ እኳ ነዚ ሓቂ እዚ ይኣምኑሉ እዮም። ንኣብነት፡ ሓደ ሚስዮናዊ ቐሺ ንሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ኬዘራርቦ ኸሎ፡ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ይነብር ከም ዝነበረ ድሕሪ ምጥቃሱ፡ ኣብ ኵለን እተን ሃገራት ንዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ መልእኽቲ ኸም ዚሰብኩ ኸም ዝሓተቶም ገለጸ። እንታይ ምላሽከ ሂብዎምዎ፧ እቲ ቐሺ፡ “ኵላቶም ኣመና ዓያሹ ብምዃኖም፡ ‘ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ’ ኢሎም ሕደ መልሲ ሂቦምኒ” ኢሉ ተዛረበ። እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግና “ዓያሹ” ዘይኰኑስ፡ ከምቲ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኪዀንዎ ዚግባእ ብሓድነት እዮም ዚዛረቡ ነይሮም። (1 ቈረ. 1:10) ነቲ ኣብታ መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ ዘርእስታ መጽሔት ዚርከብ መልእኽቲ እዮም ዜቃልሑ ነይሮም። እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ብ254 ቋንቋ ትርከብ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሕታም ድማ ብገምጋም ዳርጋ 59 ሚልዮን ቅዳሓት ይሕተም፣ ስለዚ፡ ኣብ ዓለም ካብ ኵሉ ዝሰፍሐ ዝርጋሐ ዝረኸበት መጽሔት እያ።

7. ኣቕሽሽቲ ህዝበ ክርስትያን ቅኑዕ መልእኽቲ ይሰብኩ ኸም ዘየለዉ ኸመይ ጌርና ንፈልጥ፧

7 ኣቕሽሽቲ ህዝበ ክርስትያን ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣይሰብኩን እዮም። ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኪዛረቡ ኸለዉ፡ ብዙሓት ምስቲ ኣብ ልቢ ሓደ ክርስትያን ዘሎ ስምዒት ወይ ኵነታት እዮም ዜተሓሕዝዎ። (ሉቃ. 17:21) መንግስቲ ኣምላኽ፡ የሱስ ክርስቶስ ዝገዛኢኣ ሰማያዊት መንግስቲ ምዃና፡ ንዅሉ ጸገማት ደቂ ሰብ ፍታሕ እተምጽእ ምዃና፡ ኣብ ቀረባ እዋን ከኣ ንዅሉ እከይ ካብዛ ምድሪ ኸም እተጥፍእ ኣይምህሩን እዮም። (ራእ. 19:11-21) የግዳስ፡ ንየሱስ ኣብ በዓል ልደትን በዓል ትንሳኤን ጥራይ እዮም ዚዝክርዎ። የሱስ ከም ሓድሽ ገዛኢ ምድሪ መጠን እንታይ ከም ዚገብር ኣይገልጹን እዮም። ነቲ ኺሰብክዎ ዚግብኦም መልእኽቲ ስለ ዝሰሓትዎ፡ ነዚ ዕዮ እዚ ኺዓይዩሉ ዚግባእ ድራኸ እንተ ሰሓትዎ ዜገርም ኣይኰነን።

ነቲ ዕዮ እንዓይየሉ ድራኸ እንታይ ኪኸውን ኣለዎ፧

8. ዕዮ ስብከት ብምንታይ ድራኸ እዩ ኺዕየ ዘይግባእ፧

8 ንዕዮ ስብከት እንዓይየሉ ድራኸ እንታይ ኪኸውን ኣለዎ፧ ገንዘብ ኣኪብና ብሉጽ ህንጻታት ንምህናጽ ኪኸውን ኣይግባእን። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ብናጻ ተቐቢልኩም ኢኹም እሞ፡ ብናጻ ሃቡ” እዩ ኢልዎም። (ማቴ. 10:8) ብቓል ኣምላኽ ኪንገድ ኣይግባእን እዩ። (2 ቈረ. 2:17፡ እ.ጽ.) እቶም ነቲ መልእኽቲ ዚሰብኩ ሰባት፡ ነቲ ዕዮ እቲ ብምዕያዮም ብሕታዊ ረብሓ ኺደልዩ ኣይግባእን እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:33-35 ኣንብብ።) እዚ ንጹር መምርሒ እኳ እንተሎ፡ ብዙሓት ኣብያተ ክርስትያን ንወጻኢታተን ንምሽፋን ዜድልየን ገንዘብ ኣብ ምእካብ እየን ኣስጊለን ዘለዋ። ደሞዝ ዚኽፈሎም ኣቕሽሽትን ብዙሓት ተቘጺሮም ዚሰርሑ ሰራሕተኛታትን ኣለውወን። ብዙሓት መራሕቲ ህዝበ ክርስትያን ብዙሕ ሃብቲ ደሊቦም ኣለዉ።—ራእ. 17:4, 5

9. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብቕኑዕ ድራኸ ነቲ ዕዮ ስብከት ከም ዚዓይይዎ ዜርኢ እንታይ እዩ፧

9 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ ገንዘብ እንታይ ታሪኽ እዩ ዘለዎም፧ ዕዮኦም ብፍታው ብዚግበር ወፈያታት እዩ ዚድገፍ። (2 ቈረ. 9:7) ኣብ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ኰነ ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታት፡ ገንዘብ እናዞርካ ኣይእከብን እዩ። ኰይኑ ግና፡ ዓሚ ጥራይ እኳ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ብስራት ንምስባኽ 1.93 ቢልዮን ሰዓት ወፍዮም፡ ኣብ ወወርሒ ልዕሊ ትሽዓተ ሚልዮን መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ብዘይ ክፍሊት መሪሖም እዮም። ዕዮኦም ከይተኸፍሎም ይዓይዩ ጥራይ ዘይኰኑስ፡ ወጻኢታቶም እውን ተሓጒሶም ባዕሎም ይሽፍንዎ እዮም። ሓደ ተመራማሪ ብዛዕባ ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪገልጽ ከሎ፡ “ቀንዲ ሸቶ ስብከትን ትምህርትን እዩ። . . . ብዙሕ ወጻኢታት ዜድልዮ ቐሺ የልቦን” በለ። ነዚ ዕዮ እዚ ንምግባር ዚድርኸና ደኣ እንታይ እዩ፧ ንየሆዋን ንብጻይናን ስለ እነፍቅር፡ ነዚ ዕዮ እዚ ብፍታውና ኢና እንገብሮ። እዚ ናይ ፍታው መንፈስ እዚ፡ ፍጻመ እቲ ኣብ መዝሙር 110:3 ዚርከብ ትንቢት እዩ። (ኣንብብ።)

እንታይ ሜላታት ክንጥቀም ኣሎና፧

ሰባት ኣብ ዚርከቡሉ ዘበለ ንሰብኽ ኢና (ሕጡብ ጽሑፍ 10 ርአ)

10. የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ኪሰብኩ ኸለዉ፡ እንታይ ሜላታት እዮም ተጠቒሞም፧

10 የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ነቲ ብስራት ንምስባኽ እንታይ ሜላታት እዮም ተጠቒሞም፧ ሰባት ናብ ዚርከቡሉ ዘበለ፡ ማለት ብግህዶ ናብ ዚርአ ቦታታን ናብ ኣባይትን እዮም ከይዶም። እቲ ዕዮ ስብከት፡ ንዚግብኦ ዘበለ ኣብ በቤት እናኸድካ ደሊኻ ምርካብ ዜጠቓልል ነበረ። (ማቴ. 10:11፣ ሉቃ. 8:1፣ ግብ. 5:42፣ 20:20) እዚ ሜላ እዚ ኣድልዎ ኸም ዘይብልካ የርኢ።

11, 12. ምስ ስብከት እቲ ብስራት ብእተተሓሓዘ፡ ጻዕርታት ህዝበ ክርስትያንን ህዝቢ የሆዋን ብኸመይ ይነጻጸር፧

11 ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ኣብያተ ክርስትያን ብኸመይ ይልክዓ፧ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣባላት ኣብያተ ክርስትያን ንዝዀነ ይኹን ዕዮ ስብከት፡ ደሞዝ ንዚኽፈሎ ቐሺ እዮም ዚህብዎ። ኣቕሽሽቲ ኣብያተ ክርስትያን ከኣ “ገፈፍቲ ሰብ” ኣብ ክንዲ ዚዀኑ፡ ነቶም ዘለውዎም “ዓሳ” ኣብ ምሕላው ጥራይ እዮም ዜተኵሩ። ልክዕ እዩ፡ ገሊኦም ኣቕሽሽቲ ናይ ወንጌላውነት መንፈስ ኬለዓዕሉ ዝፈተኑሉ እዋናት ኣሎ። ንኣብነት፡ ኣብ መጀመርታ ዓመተ 2001፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዮሃንስ ጳውሎስ ካልኣይ ኣብ መልእኽቶም፡ “ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ብዛዕባ ሓድሽ ዕዮ ወንጌላውነት ተደጋጋሚ ጻውዒት ኣቕሪበ እየ። ሕጂ እውን ደጊመ ከቕርብ እየ . . . ከምቲ ‘ወንጌል እንተ ዘይሰበኽኩ፡ ወይለይ’ ዝበለ ጳውሎስ ዝነበሮ ብርቱዕ እምነት ኣብ ውሽጥና ኸነለዓዕል ኣሎና” በሉ። ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ፡ እዚ ተልእኾ እዚ “ንጕጅለ ‘ኽኢላታት’ ኪሕደግ ኣይግባእን፡ የግዳስ ሓላፍነት ኵሎም ኣባላት ህዝቢ ኣምላኽ ኪኸውን ኣለዎ” በሉ። ነዚ ምሕጽንታ እዚ ኣብ ግብሪ ዘውዓልዎ ግና ክንደይ እዮም፧

12 ናይ የሆዋ መሰኻኽርከ ኸመይ እዮም፧ ካብ 1914 ኣትሒዙ የሱስ ይገዝእ ከም ዘሎ ዚሰብኩ፡ ንሳቶም በይኖም ጥራይ እዮም። ከምቲ የሱስ ዝኣዘዞ፡ ንዕዮ ስብከት ቀዳምነት ይህብዎ እዮም። (ማር. 13:10) ፒላርስ ኦቭ ፈይዝ—ኣመሪካን ኮንግሪጌሽንስ ኤንድ ዘያር ፓተርንስ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ንሚስዮናውነት [ወይ ዕዮ ስብከት] ካብ ኵሉ ንላዕሊ የተኵሩሉ” በለት። እታ ደራሲት ኣስዕብ ኣቢላ፡ ካብ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ክትጠቅስ ከላ ኸምዚ በለት፦ “ጥሜትን ጽምዋን ሕማምን ኬጋጥሞም ከሎ፡ ኪሕግዙ ይፍትኑ እዮም፡ . . . ቀንዲ ዕዮኦም ግና ብዛዕባ እቲ ዚመጽእ ዘሎ መወዳእታ ዓለምን ኣገዳስነት ድሕነትን መንፈሳዊ መልእኽቲ ምብጻሕ ምዃኑ ኸቶ ኣይርስዑን እዮም።” ናይ የሆዋ መሰኻኽር በቲ የሱስን ደቀ መዛሙርቱን እተጠቕሙሉ ሜላታት ገይሮም ነቲ መልእኽቲ እቲ የብጽሕዎ ኣለዉ።

ስፍሓትን ንውሓትን እቲ ዕዮ ስብከት ክንደይ ኪኸውን ኣለዎ፧

13. ስፍሓት እቲ ዕዮ ስብከት ክንደይ ኪኸውን ኣለዎ፧

13 የሱስ፡ እቲ ብስራት “ኣብ ኵላ ዓለም ኪስበኽ እዩ” ብምባል፡ ስፍሓት እቲ ዕዮ ስብከት ገሊጹ እዩ። (ማቴ. 24:14) “ካብ ኵሎም ኣህዛብ” ደቀ መዛሙርቲ ኸም ዚግበር እውን ተገሊጹ እዩ። (ማቴ. 28:19, 20) ከምኡ ንምግባር፡ ዓለምለኻዊ ዕዮ የድሊ።

14, 15. ንስፍሓት እቲ ዕዮ ብዚምልከት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ የሱስ እተነበዮ ትንቢት ይፍጽምዎ ኸም ዘለዉ ዜርኢ እንታይ እዩ፧ (ኣብ መእተዊ ዘሎ ስእልታት ርአ።)

14 ምስ ስፍሓት እቲ ዕዮ ስብከት ብእተተሓሓዘ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ የሱስ እተነብዮ ትንቢት ይፍጽሙ ኸም ዘለዉ ንምርዳእ፡ ገለ ሓቅታት እስከ ንርአ። ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዳርጋ 600,000 ኣቕሽሽቲ እተፈላለያ ሃይማኖታት ኪህልዉ ኸለዉ፡ ኣስታት 1,200,000 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣለዉ። ናይ ሮማ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኣብ ብዘላ ዓለም ካብ 400,000 ቍሩብ ዚዛይዱ ኻህናት ኣለውዋ። ሕጂ፡ ነቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ዚሳተፉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እስከ ንርአ። ኣብ ብዘላ ዓለም፡ ኣስታት ሸሞንተ ሚልዮን ብፍታዎም ዚዓይዩ ኣገልገልቲ፡ ኣብ 240 ሃገራት ይሰብኩ ኣለዉ። ንየሆዋ ውዳሰን ክብርን ዜምጽእ ከመይ ዝበለ ዜደንቕ ዕዮ ዀን እዩ ዚዕየ ዘሎ!—መዝ. 34:1፣ 51:15

15 ንሕና ናይ የሆዋ መሰኻኽር መወዳእታ ቕድሚ ምምጻኡ፡ ብእተኻእለ መጠን ነቲ ብስራት ናብ ኵሎም ሰባት ከነብጽሕ ኢና እንደሊ። እዚ ድማ ኣብ ዕዮ ትርጉምን ሕትመትን መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋት ፍሉያት ገይሩና ኣሎ። ሚልዮናት መጻሕፍትን መጽሔታትን ትራክትታትን መዐደሚ ኣኼባ ዞባን በዓል ዝኽርን ብናጻ ተዓዲሉ ኣሎ። ብልዕሊ 700 ቛንቋ፡ እተፈላለየ ጽሑፋት ኣዳሊና ኣለና። ልዕሊ 200 ሚልዮን ቅዳሓት መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም ብልዕሊ 130 ቋንቋ ተሓቲሙ ኣሎ። ዓሚ ጥራይ እኳ፡ 4.5 ቢልዮን መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋት ተሓቲሙ እዩ። ኣብ ወግዓዊ ወብ ሳይትና ድማ ብልዕሊ 750 ቋንቋ ሓበሬታ ይርከብ እዩ። ኣየኖት ጕጅለ ኣገልገልቲ እዮም ተመሳሳሊ ዕዮ ዚዓይዩ ዘለዉ፧

16. ናይ የሆዋ መሰኻኽር መንፈስ ኣምላኽ ከም ዘለዎም ከመይ ጌርና ንፈልጥ፧

16 እቲ ብትንቢት እተነግረ ዕዮ ስብከት ንኽንደይ ዚኣክል ግዜ እዩ ኪቕጽል፧ የሱስ እዚ ዓለምለኻዊ ዕዮ እዚ ኣብ ብምሉኡ እቲ ዳሕሮት መዓልትታት ድሕሪ ምቕጻሉ፡ “ሽዑ፡ መወዳእታ ኺመጽእ እዩ” በለ። ኣብዘን ኣገደስቲ ዳሕሮት መዓልትታት እዚአን ነቲ ብስራት ብቐጻሊ ኺሰብኩ ዝኸኣሉ ኻልኦት ኣባላት ጕጅለ ሃይማኖት ኣለዉዶ፧ ገሊኦም ኣብ ኣገልግሎት እንረኽቦም ሰባት፡ “ንሕና መንፈስ ቅዱስ ኣሎና፣ ንስኻትኩም ግና ነቲ ዕዮ ትዓይይዎ ኣለኹም” ይብሉ እዮም። ግናኸ፡ ነዚ ዕዮ እዚ ጸኒዕና ኽንዓዪ ምኽኣልና፡ መንፈስ ኣምላኽ ከም ዘሎና ዚሕብር መርትዖ ደይኰነን፧ (ግብ. 1:8፣ 1 ጴጥ. 4:14) ሓሓሊፎም፡ እተወሰኑ ጕጅለታት ሃይማኖት ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣዘውቲሮም ዚዓይዎ ዕዮ ኺዓይዩ ፈቲኖም እዮም፣ ጻዕርታቶም ግና መብዛሕትኡ ግዜ ፈሺሉ እዩ ዚተርፍ። ገሊኦም ድማ ንእተወሰነ እዋን ኣብቲ ሚስዮናዊ ንጥፈታት ዚብልዎ ይጽመዱ እሞ ድሕሪኡ ናብ ንቡር ናብራኦም ይምለሱ እዮም። ገሊኦም ኣብ በቤት ኪኸዱ እኳ እንተ ፈተኑ፡ ግናኸ እንታይ እዮም ዚሰብኩ፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ፡ ነቲ ክርስቶስ ዝጀመሮ ዕዮ ይፍጽሙ ኸም ዘየለዉ ንጹር ይግበሮ እዩ።

ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብሓቂ ዚሰብኩ ዘለዉ መን እዮም፧

17, 18. (ሀ) ሎሚ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ዚሰብኩ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምዃኖም ስለምንታይ ርግጸኛታት ንኸውን፧ (ለ) ከመይ ጌርና ኢና ኣብዚ ዕዮ እዚ ኽንቅጽል እንኽእል፧

17 እሞ ደኣ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብሓቂ ዚሰብኩ ዘለዉ መን እዮም፧ ብምትእምማን፡ “ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዮም!” ክንብል ንኽእል ኢና። ስለምንታይ ኢና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል፧ ምኽንያቱ፡ ቅኑዕ መልእኽቲ፡ ማለት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንሰብኽ ኣለና። ናብ ሰባት ብምኻድ፡ ትኽክል ሜላታት ንጥቀም ኣለና። ዕዮ ስብከትና ብቕኑዕ ድራኸ፡ ማለት ንረብሓ ገንዘብ ዘይኰነስ፡ ብፍቕሪ ይግበር ኣሎ። ዕዮና ንዅሎም ኣህዛብን ቋንቋታትን ስለ ዚበጽሖም፡ ካብ ኵሉ ዝዓበየ ስፍሓት ኣለዎ። መወዳእታ ኽሳዕ ዚመጽእ ከኣ፡ ነዚ ዕዮ እዚ ኸየቋረጽና ዓመት ንዓመት ክንዓይዮ ኢና።

18 በቲ ህዝቢ ኣምላኽ ኣብዚ እንነብረሉ ዘለና ዜገርም እዋን ዚገብርዎ ዘለዉ ነገር ብሓቂ ንድነቕ ኢና። እዚ ዅሉ ኪኸውን ዝኸኣለ ግና ብኸመይ እዩ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብታ ንሰብ ፊልጲ ዝጸሓፋ መልእኽቱ፡ “እቲ ምእንቲ ፍታዉ ኢሉ ንዓኻትኩም ድሌትን ንምግባር ዓቕምን ብምሃብ ዜበርትዓኩምሲ ኣምላኽ እዩ” ኢሉ ይምልሰልና። (ፊል. 2:13) ዚከኣለና ዘበለ ኽንገብርን ኣገልግሎትና ምሉእ ብምሉእ ክንፍጽምን ከለና፡ እቲ ፈቃር ኣቦና ብሕጂ እውን ብርታዐ ይሃበና።—2 ጢሞ. 4:5