ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናት ምስ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኣብ ዘለዎም ርክብ ነቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ ዝሰልጠነ ሕልናኦም ኪጥቀሙሉ ኣለዎም

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሓደ ክርስትያን ንሰራሕተኛ መንግስቲ ህያብ ወይ መቝሽሽ ኪህብ ዚግባእ እንተ ዀይኑ ንምፍላጥ እንታይ ኪሕግዞ ይኽእል፧

እተፈላለየ ረቛሒታት ኣብ ግምት ኪኣቱ ኣለዎ። ክርስትያናት ቅኑዓት ኪዀኑ ኣለዎም። ምስ ሕጊ የሆዋ ኸይተጋጨዉ፡ ንሕጊ እታ ዚነብሩላ ሃገር ኬኽብሩ ድማ ሓላፍነት ኣለዎም። (ማቴ. 22:21፣ ሮሜ 13:1, 2፣ እብ. 13:18) ኣብ ዓዶም ዘሎ ልምድታትን ስምዒታትን ኬኽብሩ እውን ይጽዕሩ እዮም፣ ‘ንብጻዮም ድማ ከም ነፍሶም የፍቅሩ እዮም።’ (ማቴ. 22:39፣ ሮሜ 12:17, 18፣ 1 ተሰ. 4:11, 12) ኣብ እተፈላለየ ኽፋላት ዓለም ዚነብሩ ክርስትያናት በዚ መሰረታዊ ስርዓታት እዚ ዚምርሑ ምዃኖም፡ ነቲ ብዛዕባ ህያብን መቝሽሽን ዘለዎም ኣረኣእያ ይጸልዎ እዩ።

ኣብ ሓያሎ ቦታታት፡ ሓደ ኣባል ማሕበረሰብ ነቲ ዚግብኦ ነገር ንምርካብ፡ ንሰራሕተኛታት መንግስቲ ዋላ ሓንቲ ነገር ኪህብ ኣየድልዮን እዩ። ከመይሲ፡ ንሳቶም ብመንግስቲ እናተኸፍሎም እዮም ኣገልግሎታት ዚህቡ፣ ካብቲ ንቡር ደሞዞም ንላዕሊ ድማ ኪሓትቱ ወይ ኪጽበዩ ኣይግብኦምን እዩ። ኣብ ብዙሓት ሃገራት፡ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ንሓደ ዕዮ ንምዕያይ፡ ዝዀነ ይኹን ነገር ኪሓትቱ ወይ ኪቕበሉ ብሕጊ ኣይፍቀደሎምን እዩ፣ ሓላፍነቶም ኪፍጽሙ ኸለዉ ምሉእ ብምሉእ ብሕጋዊ መገዲ እኳ እንተ ፈጸሙ፡ ተወሳኺ ነገር ከይቕበሉ ይኽልከሉ እዮም። ከምዚ ዝበለ ህያብ፡ ዋላ እውን እቲ ህያብ ኣብ ውጽኢት እቲ ዕዮ ጽልዋ ዘየሕድር እንተ ዀነ፡ ከም ጉቦ እዩ ዚቝጸር። ኣብ ትሕቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት፡ ሓደ ክርስትያን ንሰራሕተኛ መንግስቲ ህያብ ወይ መቝሽሽ ኪህብ ዚግብኦ እንተ ዀይኑ ኸም ሕቶ እውን ኪልዓል የብሉን። እዚ ህያብ እዚ ብሓጺሩ ግቡእ ኣይኰነን።

ይኹን እምበር፡ ከምዚ ዝበለ ሕግታት ኣብ ዘይብሉ ወይ ነቲ ሕግታት ኪሕሎ ብጽኑዕ ክትትል ኣብ ዘይግበረሉ ኽፋላት ዓለም፡ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ብዛዕባ እቲ ዚህብዎ ኣገልግሎታት እተፈልየ ኣረኣእያ እዩ ዘለዎም። ኣብ ገሊኡ ሃገራት፡ ሰበ ስልጣን መንግስቲ በቲ ቦታኦም ተጠቒሞም ገንዘብ ይምንዝዑ ወይ በቶም ተገልገልቲ ሓለፋታት ኪግበረሎም ይጠልቡ እዮም። ህያብ ከይተዋህቦም ከኣ፡ ዋላ ሓንቲ ኺገብሩ ፍቓደኛ ኣይኰኑን እዮም። ስለዚ፡ ንመርዓ ሕጋዊ ዚገብሩ፡ ክፍሊት ሕጋዊ ግብሪ ዚቕበሉ፡ ፍቓድ ህንጸት ዚህቡ፡ ወይ ካልእ ከምኡ ዝበለ ዚገብሩ ሰበ ስልጣን መቝሽሽ ብግዲ ኺውሃቦም ይሓትቱ እዮም። መቝሽሽ ምስ ዘይውሃቦም፡ ዜጋታት ኪረኽብዎ ዚግብኦም ሕጋዊ መሰል ብቐሊሉ ምእንቲ ኸይረክቡ ደይ መደይ ኢሎም ዕንቅፋታት የብዝሑ ወይ ጠሪስካ ኸም ዘይከኣል ይገብርዎ እዮም። ኣብ ሓንቲ ሃገር እሞ ኸኣ፡ ንድንገታዊ ሓደጋ እተጸውዑ መጥፋእቲ ሓዊ፡ ብዙሕ መቝሽሽ ክሳዕ ዘይተዋህቦም ነቲ ሓዊ ኼጥፍእዎ ኸም ዘይጅምሩ ይዝረበሎም እዩ።

ሓድሓደ ግዜ፡ ዚግብኣካ ሕጋዊ ኣገልግሎት ንምርካብ፡ ሒደት መግለጺ ምስጋና ምሃብ ግቡእ ኪኸውን ይኽእል እዩ

እዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ተግባራት ኣብ ዘስፋሕፍሓሉ ዓድታት፡ መቝሽሽ ከይሃብካ ኽትነብር ከም ዘይከኣል ኰይኑ ዚስምዖም ሰባት ኣለዉ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ዅነታት፡ ሓደ ክርስትያን ንመቝሽሽ ከምቲ ሕጋዊ ኣገልግሎት ንምርካብ ዚኸፍሎ ተወሳኺ ኽፍሊት ገይሩ ኺርእዮ ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ ኣብቲ ብልሽውና ዘስፋሕፍሓሉ ሃዋህው፡ ሓደ ክርስትያን ነቲ ብዓይኒ ኣምላኽ ኣብ መንጎ ቕቡልን ዘይቅቡልን ዘሎ ደረት ከይጥሕሶ ኺጥንቀቕ ኣለዎ። ሓደ ሰብ ብሕጊ ዚግብኦ ነገር ንምርካብ መቝሽሽ ኪህብ ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ዘይሕጋዊ ሓለፋታት ኪግበረሉ ምድላይ ግና ካብዚ እተፈልየ እዩ። ብልሽውና ኣብ ዝሰፈነሉ ዅነታት፡ ገሊኦም ሰባት ዘይግብኦም ኣገልግሎት ንምርካብ ንብዓል ስልጣን “መቝሽሽ” ይህቡ እዮም፣ ወይ ከኣ ካብ ዚግብኦም መቕጻዕቲ ንምምላጥ ንፖሊስ ወይ ንተቘጻጻሪ መንግስቲ “መቝሽሽ” ይህቡ እዮም። ከምቲ “ህያብ” ብምቕባል ብልሹው ምዃን ጌጋ ዝዀነ፡ “ህያብ” ብምሃብ ንሰብ ምብልሻው እውን ጌጋ እዩ። ክልቲኡ ተግባር፡ ፍትሒ እዩ ዜቕንን።—ዘጸ. 23:8፣ ዘዳ. 16:19፣ ምሳ. 17:23

መብዛሕትኦም ብሱላት ክርስትያናት ብመሰረት እቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ ዝሰልጠነ ሕልናኦም፡ ነቶም መቝሽሽ ዚሓትቱ ሰበ ስልጣን ዝደለይዎ ምሃብ ባህ ኣይብሎምን እዩ። ከምኡ ምስ ዚገብሩ፡ ንብልሽውና ዕሽሽ ከም ዝበሉ ወይ ከም ዘተባብዑ ገይሮም እዮም ዚሓስቡ። ስለዚ፡ ዝዀነ ይኹን ህያብ ኪህቡ ንዚቐርበሎም ሕቶ ይነጽግዎ እዮም።

ብሱላት ክርስትያናት፡ ዘይሕጋዊ ሓለፋ ኺግበረልካ ኢልካ ህያብ ምሃብ ማዕረ ጉቦ ጌርካ ኺርአ ኸም ዚኽእል ዜለልይዎ እኳ እንተ ዀኑ፡ ኣብ ገሊኡ ዓድታት ዘሎ ዅነታት፡ ሓደ ሕጋዊ ኣገልግሎት ንምርካብ ወይ ካብ ዘይግቡእ ምድንጓይ ንምምላጥ እተወሰነ መግለጺ ምስጋና ምሃብ ከም ዚፈቅድ ይፈልጡ እዮም። ኣብ ገሊኡ ዅነታት ድማ፡ ገሊኦም ክርስትያናት ኣብ ናይ ህዝቢ ሆስፒታል ብናጻ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ድሕሪ ምርካቦም፡ ነቶም ሓካይምን ኣለይቲ ሕሙማትን ምስጋናኦም ንምግላጽ ህያባት ይህቡ እዮም። እቲ ህያብ ከም ጉቦ ምእንቲ ኸይቍጸር ወይ ሓለፋ ኺግበረሎም ከም ዘቕረብዎ ሕቶ ጌርካ ምእንቲ ኸይርአ፡ ሕክምና ምስ ረኸቡ እዮም ከይተሰከፉ ህያብ ዚህቡ።

ኣብ ኵለን ሃገራት ዘሎ በበይኑ ዅነታት ኣብ ግምት ምእታው ዘይከኣል እዩ። ስለዚ፡ ክርስትያናት ኣብ ዓዶም ዘሎ ዅነታት ብዘየገድስ፡ ጽቡቕ ሕልና ሒዞም ከም ዚቕጽሉ ዚገብሮም መገዲ ኺስዕቡ ኣለዎም። (ሮሜ 14:1-6) ሕጊ ኸም ዚጥሕሱ ዚገብሮም ተግባር ኪገብሩ የብሎምን። (ሮሜ 13:1-7) ኣብ ስም የሆዋ ጸርፊ ዜምጽእ ወይ ንኻልኦት ዚዕንቅፍ ዝዀነ ይኹን ነገር ኪገብሩ የብሎምን። (ማቴ. 6:9፣ 1 ቈረ. 10:32) ውሳነታቶም ድማ ንብጻዮም ዘለዎም ፍቕሪ ዜንጸባርቕ ኪኸውን ኣለዎ።—ማር. 12:31

ሓደ ሰብ ካብ ውገዳ ኸም እተመልሰ ምልክታ ምስ ተነግረ፡ እታ ጉባኤ ኸመይ ገይራ ሓጐሳ ኽትገልጽ ትኽእል፧

ኣብ ሉቃስ ምዕራፍ 15፡ የሱስ ብዛዕባ ሓደ 100 ኣባጊዕ ዝነበራኦ ሰብ ዝመሰሎ ሓያል ምሳሌ ንረክብ ኢና። ሓንቲ ኻብተን ኣባጊዑ ምስ ጠፍኣቶ፡ ነተን 99 ኣብ በረኻ ሓዲጉ፡ “ክሳዕ ዚረኽባ” ነታ ዝጠፍአት በጊዕ ኪደሊ ኸደ። የሱስ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “ምስ ረኸባ ኸኣ፡ ተሓጒሱ ኣብ መንኵቡ ይሕንግራ። ናብ ቤቱ ምስ ተመልሰ ድማ፡ ንኣዕሩኹን ንጐረባብቱን ብሓባር ጸዊዑ፡ ‘እታ ዝጠፍኣትኒ በጊዐይ ስለ ዘረኸብኩዋ፡ ምሳይ ተሓጐሱ’ ይብሎም” በለ። ኣብ መደምደምታ ድማ፡ “ከምኡ ኸኣ፡ ንስሓ ኻብ ዘየድልዮም 99 ጻድቃንሲ፡ ብሓደ ዚንሳሕ ሓጥእ ኣብ ሰማይ ዝያዳ ሓጐስ ኪኸውን እዩ፡ እብለኩም ኣለኹ” በለ።—ሉቃ. 15:4-7

እቲ ኣብ ከባቢ እተን ጥቕስታት ዘሎ ሓሳባት ከም ዚሕብሮ፡ የሱስ ንኣተሓሳስባ እቶም ምስ ኣከብቲ ቐረጽን ሓጥኣንን ብምቕራቡ ዝነቐፍዎ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ኪእርም ኢሉ እዩ ነተን ቃላት እቲአን እተዛረበን። (ሉቃ. 15:1-3) ሓደ ሓጥእ ኪንሳሕ ከሎ፡ ኣብ ሰማይ ሓጐስ ከም ዚኸውን ድማ ሓበሮም። ስለዚ፡ ‘ሓደ ሓጥእ ኪንሳሕን ኪምለስን ንኣእጋሩ ትኽ ዝበለ መገዲ ኺገብርን ከሎ፡ ኣብ ሰማይ ሓጐስ ዚኸውን ካብ ኰነ፡ ኣብ ምድሪ ደኣኸ ሓጐስ ኪኸውንዶ ኣይግባእን፧’ ዚብል ሕቶ ኺልዓል ይከኣል እዩ።—እብ. 12:13

ሓደ ሰብ ካብ ውገዳ ናብ ጉባኤ ምስ ዚምለስ፡ እንሕጐሰሉ ጽቡቕ ምኽንያት ኣሎና። እቲ ሰብ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘለዎ ንጽህና ድሕሪኡ እውን ኪሕሉ ኣለዎ፣ ካብ ውገዳ ምእንቲ ኺምለስ ግና ኪንሳሕን ነይርዎ እዩ፣ ብምንሳሑ ድማ ሕጉሳት ኢና። እምበኣር፡ ሽማግለታት ብዛዕባ ምምላሱ ምልክታ ኣብ ዚነግሩሉ ግዜ፡ ብኣገባብ ኪጣቓዕ ይከኣል እዩ።

ነቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ሓጽቢ ቤት-ዛታ ‘ዜንቀሳቕሶ’ ዝነበረ እንታይ እዩ ነይሩ፧

ብግዜ የሱስ ዝነበሩ ገሊኦም ነበርቲ የሩሳሌም፡ እቲ ኣብ ሓጽቢ ቤት-ዛታ ዚርከብ ማይ ምስ “ተንቀሳቐሰ” ኼሕዊ ኸም ዚኽእል ይኣምኑ ነበሩ። (ዮሃ. 5:1-7) ስለዚ፡ ኪሓውዩ ዚደልዩ ሰባት ኣብቲ ቦታ እቲ ይእከቡ ነበሩ።

እቲ ሓጽቢ እቲ፡ ኣይሁድ ንስርዓት ምንጻሆም ዚጥቀሙሉ ዝነበሩ መሕጸቢ ጋብላ እዩ ነይሩ። ማዩ ኸኣ ካብቲ ኣብ ጐድኑ ዝነበረ ኻልእ መዕቈሪ ማይ እዩ ዚረክብ ነይሩ። ኣብቲ ቦታ እቲ እተገብረ ምርምር ከም ዚሕብሮ፡ እቲ ኽልተ ሓጽብታት ብሓደ ኸትሪ እዩ ተፋላልዩ ነይሩ። ማይ ካብቲ ሓደ መዕቈሪ ብመትረብ ኣቢሉ ናብቲ ዝተሓተ መሕጸቢ ጋብላ ምእንቲ ኺኣቱ፡ ኣብ መንጎ እቲ ኸትሪ መፈንቶ ነይሩ እዩ። እቲ መፈንቶ ኣብ ዚኽፈተሉ እዋን፡ እቲ ዚውሕዝ ማይ ነቲ ኣብቲ ሓጽቢ ዝነበረ ማይ የንቀሳቕሶ ነይሩ እዩ።

መልኣኽ ነቲ ማይ የንቀሳቕሶ ኸም ዝነበረ እትገልጽ ዮሃንስ 5:4፡ ኣብ ከም ራብዓይ ዘመን ዝዕለቱ ኮዴክስ ሲና ዝኣመሰለ ኣኽቢርካ ዚርአ ጥንታዊ ኢደ ጽሑፋት ግሪኽኛ ኣይትርከብን እያ። ኰይኑ ግና፡ የሱስ ኣብ ቤት-ዛታ ነቲ ን38 ዓመት ዝሓመመ ሰብኣይ ኣሕውይዎ እዩ። እቲ ሰብኣይ እቲ ድማ፡ ናብቲ ሓጽቢ ኸይኣተወ ብቕጽበት ሓውዩ እዩ።