ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ መሰናድዎታት የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ተጠቐም

ካብ መሰናድዎታት የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ተጠቐም

“እቲ ዚጠቕመካ ዚምህረካ፡ . . . ኣነ የሆዋ ኣምላኽካ እየ።”—ኢሳ. 48:17

መዝሙር፦ 20, 37

1, 2. (ሀ) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ እዩ ዚስምዖም፧ (ለ) ነየናይ ክፋል መጽሓፍ ቅዱስ ኢኻ ብዝያዳ እትፈትዎ፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንመጽሓፍ ቅዱስ ይፈትውዎ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ዜተኣማምን መምርሒ ይዀነና፡ መጸናንዕን ተስፋን ከኣ ይህበና እዩ። (ሮሜ 15:4) ንመጽሓፍ ቅዱስ ከም ውህሉል ሓሳባት ሰብ ዘይኰነስ፡ “ከምቲ ብሓቂ ዝዀኖ፡ ከም ቃል ኣምላኽ” ጌርና ኢና እንርእዮ።—1 ተሰ. 2:13

2 ኵላትና ብዝያዳ እንፈትዎ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ ኣሎና። ገሊኦም ነቲ ኣብ ወዱ የሱስ እተንጸባረቐ ባህርያት የሆዋ ዚገልጽ ወንጌላት ብዝያዳ ይፈትውዎ እዮም። (ዮሃ. 14:9) ገሊኦም ድማ ነቲ ኸም መጽሓፍ ራእይ ዝኣመሰለ “ቐልጢፉ ኪኸውን ዘለዎ” ትንቢት ዝሓዘ ኽፋላት መጽሓፍ ቅዱስ ብዝያዳ ይፈትውዎ እዮም። (ራእ. 1:1) ኵላትና ድማ በቲ ኣብ መጽሓፍ መዝሙር ዘሎ ሓሳባት ንጸናናዕ ወይ በቲ ኣብ መጽሓፍ ምሳሌ ዚርከብ ግብራዊ ትምህርትታት ንማረኽ ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ንዅሉ ዚኸውን መጽሓፍ እዩ።

3, 4. (ሀ) ብዛዕባ ጽሑፋትና ኸመይ ይስምዓና፧ (ለ) ንእተወሰኑ ጕጅለ ተባሂሉ ዚዳሎ፡ እንታይ ጽሑፋት እዩ ዚወጽእ፧

3 ንመጽሓፍ ቅዱስ ስለ እንፈትዎ፡ ንመጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋትና እውን ንፈትዎ ኢና። ንኣብነት፡ ነቲ ብመልክዕ መጻሕፍትን ብሮሹራትን መጽሔታትን ካልእ ጽሑፋትን እንረኽቦ መንፈሳዊ ምግብና ኣኽቢርና ኢና እንርእዮ። እዚ የሆዋ ዝገበረልና መሰናድዎታት እዚ ብመንፈሳዊ መዳይ ንቑሓትን ብግቡእ እተመገብናን ‘ብእምነት ጥዑያትን’ ክንከውን ከም ዚሕግዘና ንፈልጥ ኢና።—ቲቶ. 2:2

4 ኣብ ርእሲ እቲ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ብሓፈሻ ዚወጽሕ ጽሑፋት፡ ንእተወሰኑ ጕጅለ ተባሂሉ ዚዳሎ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋት ንረክብ ኢና። ገሊኡ ጽሑፋት ብፍላይ ንመንእሰያት ተባሂሉ ኺዳሎ ኸሎ፡ ገሊኡ ኸኣ ንወለዲ ኺሕግዝ ተባሂሉ እዩ ዚዳሎ። ሓያሎ ኻብቲ ኣብ ወረቐት ዚሕተምን ኣብ ወብ ሳይት ዚወጽእን ጽሑፍትና፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንዘይኰኑ ህዝቢ ኣብ ግምት ኣእቲኻ እዩ ዚዳሎ። ኣኺሉ ዚተርፍ መንፈሳዊ ምግቢ ምህላዉ፡ ነቲ የሆዋ “ንዅሎም ህዝብታት . . . ድግስ መዓዛታት ዘለዎ መኣዲ” ኸም ዚገብረሎም ዝኣተዎ ቓል እዩ ዜዘኻኽረና።—ኢሳ. 25:6

5. የሆዋ ብምንታይ ባህ ከም ዚብሎ ኢና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል፧

5 መብዛሕትና ንመጽሓፍ ቅዱስን ነቲ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋትን ንምንባብ ዝያዳ ግዜ እንተ ዚህልወና ንምነ ንኸውን። የሆዋ በቲ ብስሩዕ መጽሓፍ ቅዱስ ብምንባብን ብሕታዊ መጽናዕቲ ብምግባርን ንግዜና ‘ብዝበለጸ ኽንጥቀመሉ’ እንገብሮ ጻዕሪ ባህ ከም ዚብሎ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። (ኤፌ. 5:15, 16) ግደ ሓቂ እንተ ዀይኑ፡ ንዅሉ እንረኽቦ መንፈሳዊ ምግቢ ማዕረ ቘላሕታ ኽንህብ ኣይንኽእልን ንኸውን። ኰይኑ ግና፡ ሓደ ሓደጋ ኸም ዘሎ ኽንርስዕ የብልናን። እዚ እንታይ እዩ፧

6. ካብ ገሊኡ መሰናድዎታት የሆዋ ኸይተጠቐምና ኸም ዜምልጠና ኺገብር ዚኽእል እንታይ እዩ፧

6 ገሊኡ መንፈሳዊ መሰናድዎታት ከም ዘይምልከትና ጌርና ምስ እንሓስብ፡ ካብኡ ኸይተጠቐምና ኼምልጠና ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ገሊኡ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ ንዅነታትና ግብራዊ ኪኸውን ዘይክእል ኰይኑ እንተ ተሰሚዑና፡ ወይ ምስቲ እቲ ጽሑፍ ብቐንዱ ዜተኵረሎም ጕጅለ ዘይንጸብጸብ እንተ ዄንና፡ እንታይ ኢና እንገብር፧ ነቲ ሓበሬታ ላዕለ ላዕሉ ጥራይ ንርእዮ ወይ ከየንበብና ንሰግሮ ዲና፧ ከምኡ ንገብር እንተ ዄንና፡ ብዙሕ ጥቕሚ ኽንረኽበሉ እንኽእል ሓበሬታ ኼምልጠና ይኽእል እዩ። ከመይ ጌርና ኢና ኣብዚ መጻወድያ እዚ ኸይንኣቱ ኽንጥንቀቕ እንኽእል፧ ልዕሊ ዅሉ፡ ኣምላኽ ምንጪ እዚ መንፈሳዊ መሰናድዎታት ምዃኑ ኽንዝክር ኣሎና። ንሱ ብነብዪ ኢሳይያስ ኣቢሉ፡ “እቲ ዚጠቕመካ ዚምህረካ፡ . . . ኣነ የሆዋ ኣምላኽካ እየ” ኢሉና ኣሎ። (ኢሳ. 48:17) ካብ ኵሉ ኽፋላት መጽሓፍ ቅዱስን እተፈላለየ ዓይነት ዚቐርበልና መንፈሳዊ ምግብን ምእንቲ ኽንጥቀም፡ ነዚ ዚስዕብ ሰለስተ ሓሳባት ምምርማርና ኺሕግዘና እዩ።

ንባብ መጽሓፍ ቅዱስካ ጠቓሚ ኪኸውን ዚሕግዝ ሓሳባት

7. ንመጽሓፍ ቅዱስ ብኽፉት ኣእምሮ ኸነንብቦ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

7 ብኽፉት ኣእምሮ ኣንብብ። መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር፡ “ኵሉ ቕዱስ ጽሑፍ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ፡ . . . ዚጠቅም እዩ” ይብል እዩ። (2 ጢሞ. 3:16) ልክዕ እዩ፡ ገሊኡ ኽፋላት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ፈለማ ንሓደ ሰብ ወይ ንሓደ ጕጅለ ሰባት እተጻሕፈ እዩ ነይሩ። ስለዚ ድማ ኢና ንቕዱሳት ጽሑፋት ብኽፉት ኣእምሮ ኸነንብቦ ዘሎና። ሓደ ሓው፡ “መጽሓፍ ቅዱስ ከንብብ ከለኹ፡ ካብቲ ዘንብቦ ገለ ትምህርትታት ክረክብ ከም ዝኽእል ክዝክር እጽዕር እየ” ይብል። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን፡ “ነዚ ምዝካረይ፡ ክንየው እቲ ፍሉጥ ክርኢ ይድርኸኒ እዩ” ይብል። ቃል ኣምላኽ ቅድሚ ምንባብና፡ ነቲ የሆዋ ኽንምሃሮ ዚደልየና ትምህርትታት ንምስትውዓል ክፉት ኣእምሮ ኺህልወናን ጥበብ ኪውሃበናን ክንጽሊ ይግባኣና።—እዝ. 7:10፣ ያእቆብ 1:5 ኣንብብ።

ካብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ምሉእ ብምሉእ ትጥቀምዶ ኣለኻ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 7 ርአ)

8, 9. (ሀ) መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብብ ከለና፡ እንታይ ሕቶታት ኢና ንርእስና ኽንሓትት እንኽእል፧ (ለ) ክርስትያን ሽማግለታት ኬማልእዎ ዘለዎም ብቕዓታት ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ይነግረና፧

8 ሕቶታት ሕተት። መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ከለኻ፡ ሓንሳእ ደው ኢልካ ኸምዚ ዚስዕብ ዝኣመሰለ ሕቶታት ሕተት፦ ‘እዚ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ይምህረኒ፧ ነዚ ኣብ ህይወተይ ክጥቀመሉ ዝኽእል ከመይ ገይረ እየ፧ ንኻልኦት ክሕግዘሉ ዝኽእል ከመይ ገይረ እየ፧’ ብዛዕባ ኸምዚ ዝኣመሰለ ሕቶታት ክንሓስብ ከለና፡ ካብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስና ብርግጽ ብዙሕ ትምህርቲ ኽንረክብ ኢና። ንኣብነት፡ ብዛዕባ እቲ ክርስትያን ሽማግለታት ኬማልእዎ ዘለዎም ቅዱስ ጽሑፋዊ ብቕዓታት እሞ ሕሰብ። (1 ጢሞቴዎስ 3:2-7 ኣንብብ።) መብዛሕትና ሽማግለታት ኴንና ስለ ዘይነገልግል፡ ነዚ ሓበሬታ እዚ ኣብ ህይወትና ብዙሕ ከም ዘይንጥቀመሉ ንሓስብ ንኸውን። እዚ ብቕዓታት እዚ ኸመይ ገይሩ ብብዙሕ መገዲ ኺጠቕመና ኸም ዚኽእል ንምርኣይ ግና፡ ብዛዕባ ምላሽ እዚ ዚስዕብ ሕቶታት እስከ ንርአ።

9 እዚ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ይምህረኒ፧ የሆዋ ነዚ ዝርዝር ብቕዓታት ብምሃቡ፡ ነቶም ተሸይሞም ዜገልግሉ ልዑል መለክዒ ኸም ዘለዎ እዩ ገሊጹ። ጽቡቕ ኣብነት ኪዀኑ ይጽበዮም እዩ፣ በቲ ነታ “ብደም ወዱ ዝዓደጋ” ጉባኤ ዚሕዙሉ መገዲ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ተሓተትቲ እዮም። (ግብ. 20:28) የሆዋ ኣብ ትሕቲ ሓልዮት እቶም እተሸሙ ንኡሳን ጓሶት ድሕንነት ኪስምዓና ይደሊ እዩ። (ኢሳ. 32:1, 2) በዚ ኣንፈት እዚ ኽንርእዮ ኸለና፡ እቲ ብዛዕባ ክርስትያን ሽማግለታት ዚገልጽ ቅዱስ ጽሑፋዊ ብቕዓታት፡ የሆዋ ብሓቂ ኸም ዚሓልየልና የዘኻኽረና።

10, 11. (ሀ) ብዛዕባ እቲ ሽማግለታት ኬማልእዎ ዚግባእ ብቕዓታት ከነንብብ ከለና፡ ነቲ ሓበሬታ እቲ ኣብ ህይወትና ኸመይ ጌርና ኽንጥቀመሉ ንኽእል፧ (ለ) ነዚ ሓበሬታ እዚ ንኻልኦት ንምሕጋዝ ከመይ ጌርና ኽንጥቀመሉ ንኽእል፧

10 ነዚ ኣብ ህይወተይ ክጥቀመሉ ዝኽእል ከመይ ገይረ እየ፧ ሓደ እተሸመ ሰብኣይ በዚ መንፈሳዊ ብቕዓታት ገይሩ በብግዜኡ ገዛእ ርእሱ ኺምርምር፡ ኬመሓይሸሉ ዜድልዮ መዳያት እንተ ኣልይዎ ድማ ኪርኢ ይኽእል እዩ። ‘ሓላዊ ኪኸውን ዚመጣጠር’ ሓው ድማ፡ ነዚ ብቕዓታት እዚ ንምምላእ ዚከኣሎ ኺገብር ኣለዎ። (1 ጢሞ. 3:1) ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን እውን እንተ ዀነ፡ ካብተን ኣብዘን ፍቕድታት እተዘርዘረ ብቕዓታት ኪምሃር ይኽእል እዩ፣ ከመይሲ፡ መብዛሕትኡ ኣብኡ ተዘርዚሩ ዘሎ ነጥብታት፡ የሆዋ ኻብ ኵሎም ክርስትያናት ዚደልዮ ነገር እዩ። ንኣብነት፡ ኵላትና ልዙባትን ለባማትን ክንከውን ኣሎና። (ፊል. 4:5፣ 1 ጴጥ. 4:7) ሽማግለታት “ነቲ መጓሰ ኣርኣያ” ምስ ዚዀኑ፡ ንሕና ኻባታቶም ክንምሃርን ‘ኣስኣሰር እምነቶም ክንስዕብን’ ንኽእል ኢና።—1 ጴጥ. 5:3፣ እብ. 13:7

11 ነዚ ሓበሬታ እዚ፡ ንኻልኦት ክሕግዘሉ ዝኽእል ከመይ ገይረ እየ፧ ንተገደስቲ ወይ ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሽማግለታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ኣቕሽሽቲ ህዝበ ክርስትያን እተፈልዩ ምዃኖም ንምርዳእ፡ ነዚ ክርስትያን ሓለውቲ ኼማልእዎ ዘለዎም ዝርዝር ብቕዓታት ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና። ነቲ ዝርዝር እቲ ኸነንብቦ ኸለና ኸኣ፡ ኣብ ጉባኤና ዘለዉ ሽማግለታት ምእንታና ኢሎም ዚጽዕርዎ ጻዕሪ ኽንዝክር ንኽእል ኢና። ክሳዕ ክንደይ ከም ዚጽዕሩ ምስትንታንና ድማ፡ ‘ነቶም ኣብ መንጎና ዚጽዕሩ ኸነኽብሮም’ ይድርኸና እዩ። (1 ተሰ. 5:12) ነዞም ኣበርቲዖም ዚጽዕሩ ሓለውቲ ልባዊ ኣኽብሮት ብዘርኣና መጠን ከኣ፡ ንሓጐሶም ብዝያዳ ንውስኸሉ ኢና።—እብ. 13:17

12, 13. (ሀ) በቲ ኽንረኽቦ እንኽእል ናውቲ ጌርና፡ እንታይ ዓይነት ምርምር ኢና ኽንገብር እንኽእል፧ (ለ) ድሕረ ባይታዊ ሓበሬታ ነቲ ብቐሊሉ ግሁድ ዘይኰነ ትምህርትታት ከመይ ገይሩ ኸም ዚገልጸልና ዚሕብር ኣብነት ሃብ።

12 ምርምር ግበር። በቲ ኽንረኽቦ እንኽእል ናውቲ ጌርና፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ምርምር ክንገብረሉ ንኽእል ኢና፦

  • ነዚ ኽፋል ቅዱሳት ጽሑፋት መን ጽሒፍዎ፧

  • ኣበይን መዓስን ተጻሒፉ፧

  • እዛ መጽሓፍ እዚኣ ኽትጽሓፍ ከላ እንታይ ኣገዳሲ ፍጻመታት ይፍጸም ነይሩ፧

ከምዚ ዝኣመሰለ ድሕረ ባይታዊ ሓበሬታ፡ ብቐሊሉ ግሁድ ዘይኰነ ትምህርትታት ክንረክብ ይሕግዘና እዩ።

13 ንኣብነት፡ ኣብ ህዝቅኤል 14:13, 14፡ “ሃገር ብጥልመት ኣብ ቅድመይ እንተ ሓጢኣ፡ ኢደይ ናብኣ ኽዝርግሕ፡ ቀረብ ምግባ እውን ከጥፍእ እየ፣ ኣብኣ ድማ ጥሜት ክሰድድ፡ ሰብን እንስሳን ከኣ ካብኣ ኽምንቍስ እየ። ‘እዞም ሰለስተ ሰብኡት እዚኦም፡—ኖህን ዳንኤልን እዮብን፡—ኣብኣ እኳ እንተ ዚነብሩ፡ ብጽድቆም ርእሶም ጥራይ መድሓኑ’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ” ዚብል ነንብብ ኢና። እተወሰነ ምርምር ምስ እንገብር፡ እዚ ኽፋል መጽሓፍ ህዝቅኤል እዚ ብ612 ቅ.ክ. ከም እተጻሕፈ ኽንፈልጥ ንኽእል ኢና። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኖህን እዮብን ካብ ዚሞቱ ዘመናት ሓሊፉ ነይሩ እዩ፣ ተኣማንነቶም እውን ኣብ ተዘክሮ ኣምላኽ ተመዝጊቡ ነይሩ እዩ። ዳንኤል ግና ገና ብህይወቱ እዩ ነይሩ። የሆዋ ንዕኡ ማዕረ ኖህን እዮብን ጻድቕ ገይሩ ኺዛረበሉ ኸሎ፡ ኣብ መወዳእታ 10ታት ወይ መጀመርታ 20ታት ዕድሚኡ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እሞኸ ኻብዚ እንታይ ትምህርቲ ኢና እንረክብ፧ የሆዋ ንንጽህና ዅሎም እሙናት ኣምለኽቱ፡ እንተላይ ንንጽህና ንኣሽቱ ዘበሉ ኸም ዜስተብህለሉን ኣኽቢሩ ኸም ዚርእዮን ክንምሃር ንኽእል ኢና።—መዝ. 148:12-14

ካብ በብዓይነቱ ሕታማት ተጠቐም

14. እቲ ንመንእሰያት እተዳለወ ጽሑፋት፡ ንዓታቶም ብኸመይ ኪሕግዞም ይኽእል፧ ንኻልኦትከ ብኸመይ ኪጠቅሞም ይኽእል፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)

14 ከምቲ ዅሉ ኽፋላት ቃል ኣምላኽ ምስ እነጽንዕ እንጥቀም፡ ካብ ኵሉ እቲ እንረኽቦ መንፈሳዊ ምግቢ እውን ክንጥቀም እንኽእል ኢና። ሒደት ኣብነታት እስከ ንርአ። ንመንእሰያት እተዳለወ ጽሑፋት። ኣብ ቀረባ ዓመታት፡ ንመንእሰያት እተዳለወ ብዙሕ ጽሑፋት ኣሕቲምና ኢና። [1] ገለ ኻብኡ ድማ ነቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዜጋጥሞም ጸቕጥታት ኪጻወሩ ወይ ኣብ እዋን ብጽሕና/ጕርዝውና ዜጋጥም ብድሆታት ኪሰግሩ ዚሕግዝ እዩ። ካብዚ ጽሑፋት እዚ ኸመይ ጌርና ዅላትና ኽንጥቀም ንኽእል፧ ነዚ ጽሑፋት ከነንብቦ ኸለና፡ ብዛዕባ እቲ ንእሙናት መንእሰያትና ዜጋጥምም ዘሎ ብድሆታት ንዘኻኸር ኢና። በዚ ኸምዚ ድማ ንዓታቶም ብዝሓሸ ኽንሕግዞምን ከነተባብዖምን ንኽእል።

15. ብዕድመ ዓበይቲ ዝዀኑ ክርስትያናት በቲ ንመንእሰያት እተዳለወ ሓበሬታ ኺግደሱ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

15 ሓያሎ ኻብቲ ንመንእሰያት ኣብ ዚወጽእ ጽሑፋት ተጠቒሱ ዚርከብ ጸገማት፡ ንዓታቶም ጥራይ ዚምልከት ኣይኰነን። ኵላትና ንእምነትና ኽንጣበቕ፡ ስምዒታትና ኽንቈጻጸር፡ ምስ ጐዳኢ ጸቕጢ መዛኑ ኽንቃለስ፡ ካብ ሕማቕ ዕርክነትን መዘናግዕን ከኣ ክንርሕቕ የድልየና እዩ። እዚ ነጥብታት እዝን ሓያሎ ኻልእን ኣብቲ ንመንእሰያት እተዳለወ ጽሑፋት ተገሊጹ ኣሎ። ብዕድመ ዓበይቲ ዝዀኑ ክርስትያናት ነቲ ንመንእሰያት እተዳለወ ጽሑፋት ምንባብ ዜትሕቶም ኰይኑ ኺስምዖምዶ ይግባእ፧ ኣይፋልን! እቲ ጽሑፍ ንመንእሰያት ብዚማርኽ መገዲ እኳ እንተ ቐረበ፡ እቲ ኣብኡ ዚርከብ ሓበሬታ ግና ኣብቲ ግዜ ዘይሓልፎ ቕዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት እተመስረተ ብምዃኑ፡ ኵላትና ኻብቲ መንፈሳዊ መሰናድዎታት እቲ ኽንጥቀም ንኽእል ኢና።

16. ጽሑፋትና ንመንእሰያት ኣብ ምንታይ ተወሳኺ መዳያት እዩ ዚሕግዞም፧

16 ጽሑፋትና ንመንእሰያት፡ ጸገማት ኪሰግሩ ኣብ ርእሲ ምሕጋዙ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ኪዓብዩን ንየሆዋ ኪቐርብዎን ይሕግዞም እዩ። (መክብብ 12:1, 13 ኣንብብ።) ካብዚ እውን ብዕድመ ዓበይቲ ዝዀኑ ክርስትያናት ኪጥቀሙ ይኽእሉ እዮም። ንኣብነት፡ ናይ ሚያዝያ 2009 ሕታም ንቕሑ! (እንግሊዝኛ)፡ “መንእሰያት ዚሓትትዎ—ንንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ባህ ዜብል ክገብሮ ዚኽእል ብኸመይ እየ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ሒዛ ወጺኣ ነይራ። እታ ዓንቀጽ እተፈላለየ ሓጋዚ ሓሳባትን ቈሪጽካ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኪቕመጥ ዚከኣል መወከስን ሒዛ ነይራ እያ። እሞኸ ዓበይቲ ኻብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ተጠቒሞምዶ፧ ሓንቲ ጓል 24 ዓመት ሰበይትን ኣደን ከምዚ በለት፦ “ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ወትሩ ቓልሲ እዩ ዚዀነኒ ነይሩ። ነቲ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ዚርከብ ሓሳባት ኣብ ልበይ ኣሕዲረዮ እየ፡ ነቲ ቘሪጽካ ዚቕመጥ ክፋል ከኣ ጽቡቕ እጥቀመሉ ኣለኹ። ሕጂ፡ ተሃንጥየ እየ መጽሓፍ ቅዱስ ዘንብብ። መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከመይ ኢሉ ንሓድሕዱ ኸም ዚሳነን ከም ውቁብ እተኣልመ ምንጻፍ ከመይ ከም ዚቃዶን ክግንዘብ ክኢለ እየ። ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ክሳዕ ክንድዚ ኣሐጒሱኒ ኣይፈልጥን እዩ።”

17, 18. ንህዝቢ እተዳለወ ጽሑፋት ብምንባብ ከመይ ጌርና ኽንጥቀም ንኽእል፧ ኣብነት ሃብ።

17 ንህዝቢ ዚኸውን ጽሑፋት። ካብ 2008 ኣትሒዙ፡ ብቐዳምነት ንናይ የሆዋ መሰኻኽር እተዳለወ ሕታም መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ምርካብና ተሓጒስና ኢና። ግናኸ፡ ነቲ ብቐንዱ ንህዝቢ ዚዳሎ መጽሔታትና ብምንባብ ክንጥቀም ንኽእል ዲና፧ ሓደ ምሳሌ እስከ ንርአ። ህዝባዊ መደረ ቕድሚ ምቕራቡ፡ ዝዓደምካዮ ሰብ ናብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ መጺኡ ንበል። መሸም በዚ ኣዚኻ ኢኻ እትሕጐስ። እቲ ተዛራባይ መደረኡ ኬቕርብ ከሎ፡ ብዛዕባ እቲ ዕዱም ከም እትሓስብ ኣየጠራጥርን እዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ነቲ መደረ ብኣእዛን እቲ ዕዱም ኢኻ እትሰምዖ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ብዛዕባ እቲ ርእሰ ነገር ዝሓሽ ግንዛበ እዩ ዚህልወካ።

18 ንህዝቢ እተዳለወ ጽሑፋት ከነንብብ ከለና እውን ተመሳሳሊ ነገር እዩ ዜጋጥመና። ንኣብነት፡ ሕታም ህዝቢ ግምቢ ዘብዐኛናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑ ኣንበብቲ ብዚርድእዎ መገዲ ገይሩ እዩ ቕዱስ ጽሑፋዊ ርእሰ ነገራት ዚገልጽ። ሓያሎ ኻብቲ ኣብ jw.org፡ “መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ፡” “ብተደጋጋሚ ዚሕተት ሕቶታት” ኣብ ዘርእስቱ ኽፋላት ዚወጽእ ዓንቀጻት እውን ተመሳሳሊ ኣቀራርባ እዩ ዘለዎ። ነዚ ሓበሬታ እዚ ኸነንብብ ከለና፡ ብዛዕባ እቲ እንፈልጦ ሓቅታት ዘሎና ግንዛበ ይዓምቝ እዩ። ናብ ኣገልግሎት ክንወፍር ከለና ኸኣ፡ እምነትና እንገልጸሉ ሓድሽ መገድታት ንረክብ። ብተመሳሳሊ፡ መጽሔት ንቕሑ! እውን፡ ብዛዕባ ህልውና ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዘሎና እምነት በብግዜኡ ተደልድለልና፡ ንእምነትና ብኸመይ ከም እንጣባቐሉ ድማ ትምህረና እያ።—1 ጴጥሮስ 3:15 ኣንብብ።

19. ንመሰናድዎታት የሆዋ ኸመይ ጌርና ምስጋናና ኸነርኢ ንኽእል፧

19 የሆዋ ‘ንመንፈሳዊ ህርፋንና’ ንምርዋይ፡ ኣኺሉ ዚተርፍ መሰናድዎታት ገይሩልና ኣሎ። (ማቴ. 5:3) እምበኣር፡ ንዅሉ እቲ ኽንረኽቦ እንኽእል መንፈሳዊ መሰናድዎታት ንጠቐመሉ። በዚ ኸምዚ፡ ነቲ ዚጠቕመና ዚምህረና ኣምላኽ ዘሎና ምስጋና ኸነርኢ ንኽእል ኢና።—ኢሳ. 48:17

^ [1] (ሕጡብ ጽሑፍ 14) ገለ ኻብቲ ጽሑፋት መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን፡ 1ይ ጥራዝን 2ይ ጥራዝን፡ ከምኡ ድማ ኣብ ወብ ሳይት ጥራይ ዚወጽእ “መንእሰያት ዚሓትትዎ” ዘርእስቱ ዓምዲ ኺጥቀስ ይከኣል።