ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ መዛግብትና

“እቲ ዕዮ ብሕድሪ እተዋህቦም”

“እቲ ዕዮ ብሕድሪ እተዋህቦም”

ንፋስን ዝናምን ዝበዝሖ ቕነ ድሕሪ ምቕናዩ፡ ሰኑይ 1 መስከረም 1919 ምውቕትን ጻሕያን ኰነት። በታ መዓልቲ እቲኣ ድሕሪ ቐትሪ፡ ኣብ ሰዳር ፖይንት፡ ኦሃዮ፡ ሕ.መ.ኣ. ኣብ እተገብረ ዓብዪ ኣኼባ፡ ካብ 1,000 ዚውሕዱ ኣኼበኛታት፡ 2,500 ኣብ ዚሕዝ ኣዳራሽ ተኣከቡ። ምስ መሰየ፡ 2,000 ዚዀኑ ተወሰኽቲ ተኣከብቲ፡ ብጃልባን ብማኪናን ብፍሉያት ባቡርን መጹ። ሰሉስ ከኣ እቶም ኣኼበኛታት ኣዝዮም ስለ ዝበዝሑ፡ እቲ ዝተረፈ መደብ እቲ ኣኼባ ኣብ ወጻኢ ኣብ ትሕቲ ዓበይቲ ኣእዋም ኪግበር ነበሮ።

እቲ በቲ ኣቝጽልቲ ሓሊፉ ዚመጽእ ጩራታት ብርሃን ጸሓይ ኣብቲ ደቂ ተባዕትዮ እተኸድንዎ ጁባ ዓሪፉ ነበረ። እቲ ኻብ ቀላይ ኢሪ ዚነፍስ ፈሽፈሽታ ነቲ ደቂ ኣንስትዮ ዝገበራኦ ኽንቲት ዝመልኦ ባርኔጣ የወዛውዞ ነበረ። ሓደ ሓው ብዛዕባ ሽዑ ዘለዎ ተዘክሮ ኺገልጽ ከሎ፡ “እቲ ደስ ዜብል ከም መናፈሻ ዝበለ ኸባቢ፡ ካብ ጫውጫውታ ኣረጊት ዓለም ዝረሓቐ ብምንባሩ፡ ብሓቂ ኸም ገነት እዩ ነይሩ” በለ።

ኰይኑ ግና፡ ጸባቐ እቲ ኸባቢ ምስቲ ኣብ ገጽ እቶም ተኣከብቲ ዚንበብ ዝነበረ ሓጐስ ኪወዳደር ከሎ፡ ኣብ ግምት ዚኣቱ ኣይነበረን። ሓንቲ ኣብቲ ዓዲ እትሕተም ጋዜጣ ብዛዕባኡ፡ “ኵላቶም ኣዝዮም ሃይማኖተኛታት ዚመስሉ እኳ እንተ ዀኑ፡ ኣዝዮም ሕጉሳትን ድሱታትን እዮም” በለት። እቶም ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብቲ ቕድሚኡ ዝነበረ ሒደት ዓመታት ከቢድ ፈተናታት ኣሕሊፎም ብምንባሮም፡ ማለት ብግዜ ውግእ ብርቱዕ ተቓውሞ ኣጋጢምዎም፡ ኣብ ጉባኤታት ምክፍፋል ተፈጢሩ፡ ኣብ ብሩክሊን ዚርከብ ቤት-ኤል እውን ተዓጽዩ ብምንባሩ፡ በቲ ምስ ኣሕዋቶም ዝገበርዎ ኣኼባ ብዙሕ እዮም ተሓጒሶም ነይሮም። ብዙሓት ከኣ ምእንቲ መንግስቲ ኣምላኽ ተኣሲሮም ነይሮም እዮም፣ ካባታቶም ድማ እቶም ኣብቲ ዕዮ ዚመርሑ ዝነበሩ ሸሞንተ ኣሕዋት ክሳዕ 20 ዓመት ተፈሪድዎም ነይሩ እዩ። *

ገሊኦም ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ በቲ ኣጸጋሚ ዓመታት ጕህዮምን ተደናጊሮምን ብምንባሮም፡ ነቲ ዕዮ ምስክርነት ሓዲጎምዎ ነይሮም እዮም። መብዛሕትኦም ግና ካብ ሰበ ስልጣን ከቢድ ጸቕጥታት እናወረዶም ክነሱ፡ ጸኒዖም ኪቕጽሉ ዚከኣሎም ይገብሩ ነይሮም እዮም። ሓደ መርማሪ ኸም ዝገለጾ፡ ንገሊኦም ዝመርመሮም ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ብርቱዕ መጠንቀቕታ እኳ እንተ ተዋህቦም፡ “ቃል ኣምላኽ ክሳዕ መወዳእታ ኸም ዚሰብኩ” እዮም ምላሽ ሂቦም።

ኣብቲ እዋን ፈተና እቲ፡ እሙናት ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ‘ጐይታ ኺመርሖም ርእዮም እዮም፣ ካብ ኣቦ መሪሕነት ንምርካብ ከኣ ወትሩ ይጽልዩ ነይሮም እዮም።’ ድሕርዚ፡ ኣብቲ ኣብ ሰዳር ፖይንት እተገብረ ዓብዪ ኣኼባ፡ ምስ ኣሕዋቶም ተሓጒሶም ብሓባር ተኣኪቦም እዮም። ኣብቲ ግዜ እቲ ሓንቲ ሓብቲ፡ ከመይ ገይሮም መሊሶም ብንጥፈት ኣገልግሎቶም ከም ዚቕጽሉ ኣተሓሳሲብዋ ምንባሩ ገሊጻ ነይራ፣ እዚ ኸኣ ንስምዒት ብዙሓት ዜንጸባርቕ እዩ ነይሩ። ልዕሊ ዅሉ፡ ነቲ ዕዮ እዮም ኪዓይይዎ ዚደልዩ ነይሮም።

ሓዳስ ንዋት

እተን ኣብ መደብ ኣኼባን ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ካርድታትን ኣብቲ ኣኼባ ዚግበረሉ ቦታ ዝነበረ ምልክታትን እተሓትማ “GA” ዚብላ ፊደላት፡ ምሉእ ሰሙን ነቶም ኣኼበኛታት ሕቶ ፈጢረናሎም ነይረን እየን። ዓርቢ ምስ መጸት ድማ፡ ጆሴፍ ራዘርፎርድ ነተን ምስጢር ኰይነን ዝጸንሓ ፊደላት፡ ነቶም 6,000 ኣኼበኛታት ገለጸሎም። እተን “GA” ዚብላ ፊደላት ነታ ዘ ጎልደን ኤጅ (The Golden Age) እትብሃል ንኣገልግሎት እትኸውን ሓዳስ መጽሔት ዜመልክታ እየን ነይረን። *

ሓውና ራዘርፎርድ ብዛዕባ እቶም ብጾቱ ቕቡኣት ክርስትያናት ኪዛረብ ከሎ ኸምዚ በለ፦ “ስግር እቲ እዋን ሽግር፡ ብዓይኒ እምነቶም ነቲ ኽብሪ ዝዓሰሎ መሲሕ ዚነግሰሉ ወርቃዊ መዋእል ርእዮምዎ እዮም። . . . ነቲ ዚመጽእ ዝነበረ ወርቃዊ መዋእል ንዓለም ምእዋጅ ከኣ ከም ቀንዲ ሓላፍነቶምን ከም ክብርን እዮም ቈጺሮምዎ። ክፍሊ እቲ ኣምላኽ ዝሃቦም መዝነት እዩ ነይሩ።”

እታ “መጽሔት ሓቅን ተስፋን እምነትን” ዝዀነት ዘ ጎልደን ኤጅ፡ ነቲ ሓቂ ዚዝርግሓሉ ሓድሽ ሜላ እያ ኣተኣታትያ፣ እወ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ንሰባት ኮንትራት ንምእታው ኣብ በቤት እናኸድካ ዚግበር ወፈራ ኺጅመር ምዃኑ ተገሊጹ እዩ። ኣብቲ ዕዮ እቲ ኽንደይ ኪካፈሉ ኸም ዚደልዩ ምስ ተሓትተ፡ ኵሎም እቶም ተኣከብቲ ኸካብቲ ኾፍ ዝበሉሉ ብድድ በሉ። “ኣስኣሰር የሱስ ዚስዕቡ ጥራይ ብዚፈልጥዎ ሓጐስን ቅንኣት” ድማ “ኦ ጐይታ፡ ብርሃንካን ሓቅኻን ልኣኽ” ኢሎም ዘመሩ። ብዛዕባ እቲ ሽዑ ዝዘምሩሉ ውዕዉዕ ስምዒት ሓውና ጃጅ ሚልተን ኖሪስ ኪገልጽ ከሎ፡ “ኣእዋም ከመይ ከም ዘንቀጥቀጠ ኸቶ ኣይርስዖን እየ” በለ።

ድሕሪ እቲ ኣኼባ፡ እቶም ኣኼበኛታት ነታ መጽሔት ኮንትራት ካብ ዝኣተዉ ቐዳሞት ሰባት ንምዃን ንሰዓታት ተሰርዑ። ሜበል ፊልብሪክ ብዛዕባ እቲ ሽዑ እተሰምዓ ኽትገልጽ ከላ፡ “ከም ብሓድሽ፡ ክንዓዮ ዘሎና ዕዮ ኸም ዘሎና ምፍላጥና ብዙሕ እዩ ኣሐጒሱና” በለት፣ ብዙሓት እውን ከምኡ እዩ ተሰሚዕዎም።

“እቲ ዕዮ ብሕድሪ እተዋህቦም”

ኣስታት 7,000 ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ንዕዮ ተዳለዉ። ኦርጋናይዝድ ሜተድ (እተወደበ ሜላ) ዘርእስታ ፓምፍለትንቱ ሁም ዘ ዎርክ ኢዝ ኢንትራስትድ (እቲ ዕዮ ብሕድሪ እተዋህቦም) ዘርእስታ ጽሕፍትን ነቲ ዕዮ ብዝርዝር ገለጻኦ። ነቲ ዕዮ ዚመርሖ ሓድሽ ክፍሊ ኣገልግሎት ኣብቲ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ከም ዚቐውም ተሓበረ። ኣብ ገጉባኤ ድማ ሓድሽ ኮሚተ ኣገልግሎት ኪቐውም፡ መምርሒታት ዜመሓላልፍ ዳይረክተር ድማ ኪሽየም ምዃኑ ተገልጸ። ክልታት ከኣ ካብ 150 ክሳዕ 200 ኣባይቲ ኸም ዚሕዝ ጌርካ ተኸፋፈለ። ኣሕዋት ንሓድሕዶም ተመክሮታትን ጸብጻብ ኣገልግሎትን ዚነጋገሩሉ ኣኼባ ኣገልግሎት ድማ ሓሙስ ምሸት ኪግበር ምዃኑ ተነግረ።

ሀርማን ፊልብሪክ ብዛዕባ እቲ ሽዑ ዝገበሮ ኺገልጽ ከሎ፡ “ናብ በቤትና ምስ ተመለስና፡ ኵላትና ኮንትራት ንምእታው ብእተገብረ ወፈራ ትሑዛት ኰንና” በለ። ኣብ ኵሉ ድማ ሰማዒት እዝኒ ይረኽቡ ነበሩ። ብዩላ ኮቪ፡ “ድሕሪ ውግእን ብዙሕ ሓዘንን፡ ነቲ ወርቃዊ መዋእል ዚብል ሓሳብ ኵሉ ሰብ ሓንጐፋይ ኢሉ እተቐበሎ እዩ ዚመስል ነይሩ” በለት። ኣርተር ክላውስ ድማ፡ “ብምሉኦም ኣባላት ጉባኤና ብብዝሒ እቶም ኮንትራት ኪኣትዉ ዝደለዩ ሰባት ኣመና ተገሪሞም እዮም” ኢሉ ጸሓፈ። እታ ቐዳመይቲ ሕታም ካብ እትወጽእ ኣብ ውሽጢ ኽልተ ወርሒ፡ ዳርጋ ፍርቂ ሚልዮን መርኣዪ ዝኸውን ቅዳሓት ዘ ጎልደን ኤጅ ተዓደለ፣ ኮንትራት ዝኣተዉ 50,000 ሰባት ድማ ነበሩ።

ኣለክሳንደር ህዩ ማክሚላንን ጸኒሑ ነታ ኣብ ናይ 1 ሓምለ 1920 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት “ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ” ዘርእስታ ዓንቀጽ፡ “ብዛዕባ እቲ ሕጂ ዚዕየ ዘሎ ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት ንፈለማ ግዜ ብወግዒ መግለጺ ዝወጸላ” ኢሉ ጸዊዕዋ ኣሎ። እታ ዓንቀጽ እቲኣ ንዅሎም ቅቡኣት ክርስትያናት፡ “መንግስተ ሰማያት ቀሪባ ኸም ዘላ ንዓለም ምስክርነት ሃቡ” ኢላ ጻውዒት ኣቕሪባ እያ። ሎሚ፡ እቶም “እቲ ዕዮ ብሕድሪ እተዋህቦም” ኣሕዋት ክርስቶስ ምስቶም ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ምሳታቶም ዚሓብሩ ብሓደ ዀይኖም፡ ነቲ መሲሕ ዚገዝኣሉ ወርቃዊ መዋእል እናተጸበዩ ነቲ ቓል ብቕንኣት ይሰብኩ ኣለዉ።

^ ሕ.ጽ. 5 ኣብ ጂሆቫስ ዊትነስስ—ፕሮክለይመርስ ኦቭ ጎድስ ኪንግደም፡ ኣብታ “ኤ ታይም ኦፍ ተስቲን (1914-1918)” ዘርእስታ ምዕ. 6 ርአ።

^ ሕ.ጽ. 9 ዘ ጎልደን ኤጅ ብ1937 ኮንሶሌሽን፡ ብ1946 ከኣ ንቕሑ! ተባሂላ ተጸዊዓ እያ።