ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገበር | ራእያት መንፈሳዊ ዓለም

ኣብ መንፈሳዊ ዓለም ብዛዕባ ዚነብሩ ዚልዓል ሕቶታት

ኣብ መንፈሳዊ ዓለም ብዛዕባ ዚነብሩ ዚልዓል ሕቶታት

ብዛዕባ መንፈሳዊ ዓለምን ብዛዕባ እቶም ኣብኡ ዚነብሩን ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧ ሓሲብካ ትፈልጥ እንተ ዄንካ፡ በይንኻ ኣይኰንካን። ንዘመናት ዚኣክል፡ ሰባት ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ እተፈላለየ ሓሳባት ሂቦም እዮም። ገሊኦም፡ መንፈሳዊ ዓለም፡ ክብሪ ዚግብኦም ኣባሓጎታት ዚነብሩሉ ስፍራ ኸም ዝዀነ እዮም ዚኣምኑ። ካልኦት ከኣ ሰማይ ተባሂሉ ዚጽዋዕ መላእኽትን ዝሞቱ ቕኑዓት ሰባትን ዚነብሩሉ፡ ሓጐስን ሰላምን ድማ ዝሰፈኖ ቦታ እዮም ኣብ ኣእምሮኦም ዚስእሉ። ገሊኦም ከኣ መንፈሳዊ ዓለም፡ መንበሪ ኣማእታት ሚልዮናት ኣማልኽቲ ኸም ዝዀነ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ።

ብዙሓት ሰባት፡ ካብ ሰማይ ዝመጸ፡ ብዛዕባኡ ድማ ኪነግረና ዚኽእል ናይ ዓይኒ ምስክር ስለ ዘየለ፡ ብዛዕባ መንፈሳዊ ዓለም ምንም ክንፈልጥ ከም ዘይንኽእል ይማጐቱ እዮም። እዚ ምኽንያት እዚ ግና ቅኑዕ ኣይኰነን። የሱስ ክርስቶስ ናብ ምድሪ ቕድሚ ምምጻኡ፡ ኣብ ሰማይ፡ ኣብ መንፈሳዊ ዓለም እዩ ዚነብር ነይሩ። ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት ብጋህዲ፡ “ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ እምበር፡ ፍቓደይ ክገብር ኣይኰንኩን ካብ ሰማይ ወሪደ ዘለኹ” ኢልዎም እዩ። እምበኣር፡ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ኣብ ቤት ኣቦይ ብዙሕ መንበሪ ኣሎ” ኺብሎም ከሎ ብቐጥታ ዚፈልጦ ሓበሬታ እዩ ዜካፍሎም ነይሩ።—ዮሃንስ 6:38፣ 14:2

ኣቦ የሱስ፡ እቲ የሆዋ ዝስሙ ኣምላኽ እዩ፣ “ቤት” የሆዋ ድማ ኣብ ሰማያት እዩ። (መዝሙር 83:18) ስለዚ፡ ካብ የሆዋ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን ንላዕሊ ነቲ ኺርአ ዘይከኣል ዓለም ብዝሓሸ መገዲ ኺገልጾ ዚኽእል ዋላ ሓደ የለን። ንእሙናት ሰባት መስተንክር ዝዀነ ራእያት ብምሃብ ብዛዕባ መንፈሳዊ ዓለም ብዙሕ ሓበሬታ ገሊጾም እዮም።

እዛ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ ብዛዕባ እቲ ሰባት ዝረኣይዎ እተፈላለየ ራእያት ዚሕብር ክፋላት መጽሓፍ ቅዱስ ትገልጽ። ነዚ ራእያት እዚ ኽትምርምር ከሎኻ፡ መንፈሳዊ ዓለም ስጋዊ ኸም ዘይኰነ፡ ማለት ክንጭብጦ ወይ ክንርእዮ እንኽእል ነገራት ዝሓዘ ኸም ዘይኰነ ኣይትረስዕ። ከምኡ ስለ ዝዀነ፡ ኣምላኽ፡ ብዛዕባ መንፈሳዊ ዓለም ምእንቲ ኺገልጸልና መንፈሳውያን ፍጡራት ጥራይ ዚርድእዎ ቓላት ኣብ ክንዲ ዚጥቀም፡ ኪርድኣና ብዚኽእል ራእያት ኪገልጸልና እዩ መሪጹ። እዚ ራእያት እዚ፡ ብዛዕባ እቶም ኣብ መንፈሳዊ ዓለም ኣብ ዚርከብ “ብዙሕ መንበሪ” ዚነብሩ ኽትፈልጥ ኪሕግዘካ እዩ።