ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ነቲ እተቐበልካዮ ጸጋ ኣምላኽ ኣማስወሉ

ነቲ እተቐበልካዮ ጸጋ ኣምላኽ ኣማስወሉ

“ኵላትና ኻብ ምልኣቱ፡ ጸጋ ኣብ ልዕሊ ጸጋ ተቐበልና።” —ዮሃ. 1:16

መዝሙር፦ 1, 13

1, 2. (ሀ) ነቲ የሱስ ብዛዕባ ዋና ኣታኽልቲ ወይኒ ዝሃቦ ምሳሌ ኣብርሃዮ። (ለ) እቲ ዛንታ ብዛዕባ ልግስን ጸጋን ዜብርህ ብኸመይ እዩ፧

ሓደ ብዓል ኣታኽልቲ ወይኒ፡ ኣብ ኣታኽልቲ ወይኑ ዚዓይዩ ሰብ ውዕለት ኪቘጽር ኣንጊሁ ናብ ዕዳጋ ኸደ። እቶም ዝረኸቦም ሰባት በቲ እተወዓዓልዎ ውዕለት ተሰማሚዖም ኪሰርሑ ኸዱ። እቲ ዋና ኣታኽልቲ ወይኒ ዝያዳ ዓየይቲ ስለ ዘድለይዎ ግና፡ ተወሰኽቲ ሰባት ምእንቲ ኪቘጽር ብዙሕ ሳዕ ናብ ዕዳጋ ተመላለሰ፣ ነቶም ኣጋ ምሸት ዝቘጸሮም እውን ዚግባእ ዓስቢ ኺህቦም ተወዓዓለ። ምስ መሰየ፡ ነቶም ሰብ ውዕለት ውዕለቶም ኪህቦም ኣከቦም እሞ፡ ብዙሕ ሰዓታት ወይ ሓንቲ ሰዓት ጥራይ ይስርሑ ብዘየገድስ፡ ንነፍሲ ወከፎም ማዕረ ውዕለት ሃቦም። እቶም መጀመርታ እተቘጽሩ እዚ ምስ ፈለጡ፡ ኣጕረምረሙ። እቲ ዋና ኣታኽልቲ ወይኒ ኸኣ ንሓደ ኻባታቶም ጸዊዑ፡ ‘በቲ እተወዓዓልናዮ ውዕለትዶ ኣይተሰማማዕካንን፧ ንዅሎም ሰብ ውዕለተይ ዝደለኽዎ ኽህቦም መሰልዶ የብለይን እዩ፧ ወይስ ኣነ ለጋስ ስለ ዝዀንኩዶ ቐኒእካ ኢኻ፧’ ኢሉ መለሰሉ።—ማቴ. 20:1-15፡ እ.ጽ.።

2 እቲ የሱስ ዝሃቦ ምሳሌ ንሓደ ኻብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ሳዕ ዚጥቀስ ባህርያት የሆዋ፡ ማለት ‘ንጸጋኡ’ የዘኻኽረና። [1] (2 ቈረንቶስ 6:1 ኣንብብ።) እቶም ሓንቲ ሰዓት ጥራይ ዝሰርሑ ሰብ ውዕለት፡ ናይ ምሉእ መዓልቲ ውዕለት ኪቕበሉ ዚግባእ ኣይመስልን እዩ ነይሩ፣ ይኹን እምበር፡ እቲ ዋና ኣታኽልቲ ወይኒ ፍሉይ ለውሃት ኣርኣዮም። ሓደ ምሁር ብዛዕባ እታ “ጸጋ” እትብል ቃል፡ “መሰረታዊ ትርጉም እታ ቓል፡ ዚግባእ ኰይኑ ዘይኰነስ ብናጻ ዚውሃብ ውህበት፡ ንሓደ ሰብ ዋጋ ጻዕሩ ወይ ዚግብኦ ዀይኑ ዘይኰነስ፡ ብኸምኡ ዚውሃብ ነገር . . . ተመልክት” በለ።

የሆዋ ብልግሲ ዝሃበና ውህበት

3, 4. የሆዋ ስለምንታይን ብኸመይን እዩ ንዅሎም ደቂ ሰብ ጸጋኡ ዘርኣዮም፧

3 ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ እቲ “ናጻ ውህበት ጸጋ ኣምላኽ” ይዛረብ እዩ። (ኤፌ. 3:7) የሆዋ ስለምንታይን ብኸመይን እዩ ነዚ “ናጻ ውህበት” ዚህበና፧ ንዅሉ እቲ የሆዋ ኻባና ዚደልዮ ብቕዓታት ምሉእ ብምሉእ ከነማልእ እንተ ንኽእል ኔርና፡ ጸጋኡ ዚግብኣና ምዀነ ነይሩ። ግናኸ፡ ነቲ ብቕዓታት ምሉእ ብምሉእ ከነማልኦ ኣይንኽእልን ኢና። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ፡ እቲ ጥበበኛ ዝነበረ ንጉስ ሰሎሞን፡ “ወትሩ ጽቡቕ ዚገብርን ከቶ ዘይሓጥእን ጻድቕሲ ኣብ ምድሪ የልቦን” ዝበለ። (መክ. 7:20) ሃዋርያ ጳውሎስ እውን፡ “ኵሎም ሓጢኦም፡ ክብሪ ኣምላኽ እውን ጐዲልዎም እዩ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። ኣስዒቡ ኸኣ፡ “ዓስቢ ሓጢኣትሲ ሞት እዩ” ኢሉ ገሊጹ እዩ። (ሮሜ 3:23፣ 6:23ሀ) ዚግብኣና እዚ እዩ ነይሩ።

4 ይኹን እምበር፡ የሆዋ ንሓጥኣን ሰባት መዘና ብዘይብሉ ግብሪ ጸጋ ገይሩ ፍቕሩ ገሊጹሎም እዩ። ነቲ ሓደ ወዱ ኣብ ክንዳና ኺመውት ብምልኣኽ፡ ካብ ኵሉ ዝዓበየ ውህበት ሂቡና እዩ። (ዮሃ. 3:16) ስለዚ ድማ ጳውሎስ ብዛዕባ የሱስ፡ “ብጸጋ ኣምላኽ ኣብ ክንዲ ዅሉ ሞት ኪጥዕምሲ፡ ብምኽንያት መከራ ሞቱ፡ ኣኽሊል ግርማን ክብርን ከም ዝደፍአ” ገሊጹ ኣሎ። (እብ. 2:9) እወ፡ “ኣምላኽ ብክርስቶስ የሱስ ጐይታና ኣቢሉ ዚህበና ውህበት ግና፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ።”—ሮሜ 6:23ለ

5, 6. (ሀ) ሓጢኣት፡ (ለ) ጸጋ፡ ኣባና ምስ ዚነግስ እንታይ ውጽኢት እዩ ዘለዎ፧

5 ደቂ ሰብ ነቲ ኣብ ኵላትና ወሪዱ ዘሎ መዓት፡ ማለት ሓጢኣትን ሞትን ብኸመይ እዮም ወሪሶምዎ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ብኣበሳ እቲ ሓደ ሰብ [ኣዳም]፡” ሞት ኣብ ልዕሊ ዅሎም ዘርኢ ኣዳም ‘ከም ዝነገሰ’ ይገልጽ እዩ። (ሮሜ 5:12, 14, 17) እቲ ዜሐጕስ ግና፡ ድሕሪ ደጊም ብሓጢኣት ከይንግዛእ ወይ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ሓጢኣት ከይንኸውን ክንመርጽ ንኽእል ኢና። ኣብ መስዋእታዊ በጃ ክርስቶስ ምስ እንኣምን፡ ጸጋ የሆዋ ኣባና ኺነግስ ንፈቅድ ኣለና ማለት እዩ። ብኸመይ፧ “ኣብቲ ሓጢኣት ዝዓዘዞ፡ ኣብኡ ጸጋ ኣዝዩ ዓዚዙ እዩ። ስለምንታይ፧ ከምቲ ሓጢኣት ብሞት ዝነገሰ፡ ከምኡ ድማ ጸጋ በቲ ብየሱስ ክርስቶስ ጐይታና ኣቢሉ ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዚመርሕ ጽድቂ ምእንቲ ኺነግስ እዩ።”—ሮሜ 5:20, 21

6 ሓጥኣን እኳ እንተ ዀንና፡ ሓጢኣት ኪቈጻጸረና ግና ክንፈቅድ የብልናን። ኣብ ሓጢኣት ክንወድቕ ከለና፡ ይቕረ ምእንቲ ኺብለልና ንየሆዋ ንሓትቶ ኢና። ጳውሎስ ንክርስትያናት፡ “ኣብ ትሕቲ ጸጋ እምበር፡ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ስለ ዘይኰንኩም፡ ሓጢኣት ኣይምለኽኩም” ብምባል ኣጠንቀቖም። (ሮሜ 6:14) በዚ ኸምዚ፡ ጸጋ ኣባና ይነግስ። ውጽኢቱኸ እንታይ እዩ፧ ጳውሎስ፡ “ጸጋ ኣምላኽ . . . ረሲእነትን ዓለማዊ ትምኒትን ሓዲግና፡ ኣብዚ ስርዓት እዚ ብልብምናን ብጽድቅን ንኣምላኽ ብዘሎና ተወፋይነትን ክንነብር የሰልጥነና” ኢሉ ጸሓፈ።—ቲቶ. 2:11, 12

“ብእተፈላለየ መገዲ ዚግለጽ ጸጋ ኣምላኽ”

7, 8. ጸጋ የሆዋ ‘ብእተፈላለየ መገዲ ይግለጽ’ ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ (ኣብ መእተዊ ዘሎ ስእልታት ርአ።)

7 ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ “ነፍሲ ወከፍ ከከም እቲ እተቐበሎ ውህበት፡ ከም ሕያዎት ኣመሓደርቲ እቲ ብእተፈላለየ መገዲ ዚግለጽ ጸጋ ኣምላኽ ንሓድሕድኩም ኣገልግሉ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ጴጥ. 4:10) እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ኣብ ህይወትና ዝዀነ ይኹን ዓይነት ጸገማት እኳ እንተ ኣጋጠመና፡ የሆዋ ንኽንጻወሮ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ። (1 ጴጥ. 1:6) ኣምላኽ ወትሩ ንነፍሲ ወከፍ ፈተና ኽንዋጽኣሉ ዚሕግዝ ጸጋ ይህበና እዩ።

8 እወ፡ ጸጋ የሆዋ ብእተፈላለየ መገዲ ይግለጽ እዩ። ሃዋርያ ዮሃንስ፡ “ኵላትና ኻብ ምልኣቱ፡ ጸጋ ኣብ ልዕሊ ጸጋ ተቐበልና” ኢሉ ጸሓፈ። (ዮሃ. 1:16) እቲ ብእተፈላለየ መገዲ ዚግለጽ ጸጋ የሆዋ፡ ብዙሕ በረኸት እዩ ዜምጽኣልና። ገለ ኻብኡ እንታይ እዩ፧

9. ጸጋ የሆዋ ብኸመይ እዩ ዚጠቕመና፧ ብኸመይከ ኸነማስወሉ ንኽእል፧

9 ሓጢኣትና ይሕደገልና። እንተ ተነሲሕናን ምስ ሓጥእ ዝንባለታትና ወትሩ ንቃለስ እንተ ዄንናን፡ ሳላ ጸጋ የሆዋ፡ ሓጢኣትና ይሕደገልና እዩ። (1 ዮሃንስ 1:8, 9 ኣንብብ።) ንምሕረት ኣምላኽ ኣጸቢቕና ኸነማስወሉ፡ ብእኡ ተደሪኽና ድማ ንኣምላኽ ከነኽብሮ ይግባእ። ጳውሎስ ነቶም ብጾቱ ዝዀኑ ቕቡኣት ክርስትያናት፡ “[የሆዋ] ኻብ ስልጣን ጸልማት ኣናጊፉና እዩ፣ ናብታ መንግስቲ ፍቑር ወዱ እውን ኣእትዩና እዩ። ብወዱ በጃ ተኸፊሉልና፡ ማለት ሓጢኣትና ተሓዲጉልና እዩ” ኢሉ ጸሓፈሎም። (ቈሎ. 1:13, 14) ሓጢኣትና ስለ እተሓድገልና፡ ብዙሕ ዜደንቕ በረኸት ተኸፊቱልና ኣሎ።

10. ሳላ ጸጋ የሆዋ እንታይ በረኸት ኢና ረኺብና፧

10 ምስ ኣምላኽ ሰላማዊ ርክብ ይህልወና። ሓጥኣን ስለ ዝዀንና፡ ካብ እንውለድ ኣትሒዝና ጸላእቲ ኣምላኽ ኢና ኔርና። ጳውሎስ፡ “ጸላእቱ ኸለና፡ ምስ ኣምላኽ ብሞት ወዱ . . . ተዓረቕና” በለ። (ሮሜ 5:10) እዚ ዕርቂ እዚ ምስ ኣምላኽ ሰላም ከም ዚህልወና እዩ ዚገብር። ጳውሎስ ነዚ ፍሉይ መሰል እዚ ምስ ጸጋ የሆዋ ኣመሳሲልዎ ኣሎ። ከምዚ ድማ በለ፦ “[ቅቡኣት ኣሕዋት ክርስቶስ] ሳላ እምነት ካብ ጸደቕና፡ ምስ ኣምላኽ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ሰላም ይሃልወና፣ ብእኡ ኸኣ ብእምነት ናብዚ ዘለናዮ ጸጋ፡ መእተዊ ረኺብና ኣለና።” (ሮሜ 5:1, 2) እዝስ ኣየ ኸመይ ዝበለ በረኸት ኰን እዩ!

ብስራት ንምስማዕ እተኸፍተ ፍሉይ መሰል (ሕጡብ ጽሑፍ 11 ርአ)

11. ቅቡኣት ነቶም “ካልኦት ኣባጊዕ” ናብ ጽድቂ ዜምጽእዎም ብኸመይ እዮም፧

11 ናብ ጽድቂ ንመጽእ። ኣብ ግዜ መወዳእታ፡ “እቶም ልቦና ዘለዎም፡” ማለት ተረፍ ቅቡኣት፡ “ንብዙሓት ናብ ጽድቂ ዜምጽኡ” ምዃኖም ነብዪ ዳንኤል ተነብዩ ነይሩ እዩ። (ዳንኤል 12:3 ኣንብብ።) ተረፍ ቅቡኣት፡ በቲ ናይ ምምሃርን ምስባኽን ዕዮኦም ኣቢሎም፡ ንሚልዮናት “ካልኦት ኣባጊዕ” ናብ ጽድቂ ኣምጺኦምዎም፡ ማለት ኣብ ቅድሚ የሆዋ ብጽድቂ ኺመላለሱ ሓጊዞምዎም እዮም። (ዮሃ. 10:16) ይኹን እምበር፡ እዚ ብጸጋ የሆዋ ጥራይ እዩ ዚከኣል። ጳውሎስ፡ “በቲ ብክርስቶስ የሱስ እተኸፍለ በጃ ድማ፡ ብናጻ ውህበት ብጸጋኡ [ብጸጋ ኣምላኽ] እዮም ዚጸድቁ” በለ።—ሮሜ 3:23, 24

ፍሉይ መሰል ጸሎት (ሕጡብ ጽሑፍ 12 ርአ)

12. ጸሎት ምስ ጸጋ ኣምላኽ ዚተሓሓዝ ብኸመይ እዩ፧

12 ብጸሎት ኣቢልና ናብ ዝፋን ኣምላኽ ንቐርብ። የሆዋ ብጸሎት ኣቢልና ናብቲ ሰማያዊ ዝፋኑ ኽንቀርብ ብጸጋኡ ባሪኹና እዩ። ጳውሎስ ንዝፋን የሆዋ፡ “ዝፋን ጸጋ” ኢሉ ብምጽዋዕ፡ “በቲ ንምዝራብ ዘሎና ትብዓት” ናብኡ ኽንቀርብ ዓዲሙና ኣሎ። (እብ. 4:16ለ) የሆዋ ብወዱ ኣቢሉ ነዚ ፍሉይ መሰል እዚ ሂቡና እዩ። እወ፡ “ብእኡን [ብየሱስን] በቲ ኣብኡ ዘሎና እምነትን፡ እዚ ንምዝራብ ዜኽእል ትብዓትን ዜተኣማምን ናጻ መእተውን ኣሎና።” (ኤፌ. 3:12) ብጸሎት ኣቢልና ናብ የሆዋ ኽንቀርበሉ እንኽእል ናጻ መእተዊ ምርካብና፡ ብሓቂ ዜደንቕ መግለጺ ጸጋ የሆዋ እዩ።

ብግዜኡ ዚርከብ ረድኤት (ሕጡብ ጽሑፍ 13 ርአ)

13. ጸጋ “ብግዜኡ ዚረድኣና” ብኸመይ እዩ፧

13 ብግዜኡ ረድኤት ምርካብ። ጳውሎስ፡ “ምሕረት ምእንቲ ኽንቅበልን ብግዜኡ ዚረድኣና ጸጋ ምእንቲ ኽንረክብን” ንየሆዋ ኸይተሰከፍና ብጸሎት ክንቀርቦ ኣተባቢዑና ኣሎ። (እብ. 4:16ሀ) ኣብ ህይወትና ፈተናታት ወይ ከቢድ ጸገማት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ብምሕረት ምእንቲ ኺረድኣና ናብ የሆዋ ኽንጽሊ ንኽእል ኢና። ዚግብኣና እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ንጸሎትና ይምልሶ እዩ፣ ነዚ ኸኣ፡ “ተቢዕና፡ ‘የሆዋ ረዳእየይ እዩ፣ ኣይፈርህን እየ። ሰብከ እንታይ ከይገብረኒ፧’” ምእንቲ ኽንብል መብዛሕትኡ ግዜ ብክርስትያን ብጾትና ገይሩ እዩ ዚምልሰልና።—እብ. 13:6

14. ጸጋ የሆዋ ንልብና ዚጠቕሞ ብኸመይ እዩ፧

14 ልብና ይጸናናዕ። የሆዋ ብጸጋኡ ንዝጐሃየ ልቢ ዜጸናንዕ ምዃኑ ዓብዪ በረኸት እዩ። (መዝ. 51:17) ጳውሎስ ነቶም መስጐጕቲ ዜሕልፉ ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ክርስትያናት፡ “ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ባዕሉን እቲ ዘፍቀረና፡ ብጸጋ እውን ናይ ዘለኣለም ምጽንናዕን ጽቡቕ ተስፋን ዝሃበና ኣቦና ኣምላኽን . . . ንልብኹም የጸናንዕዎን የበርትዕዎን” ኢሉ ጸሓፈሎም። (2 ተሰ. 2:16, 17፡ እ.ጽ.) የሆዋ ብጸጋኡ ፍቕራዊ ሓልዮት ዜርእየና ምዃኑ ምፍላጥናስ ኣየ ኽንደይ ዜጸናንዕ ኰን እዩ!

15. ሳላ ጸጋ ኣምላኽ እንታይ ተስፋ እዩ ዘሎና፧

15 ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ይህልወና። ሓጥኣን ስለ ዝዀንና፡ የሆዋ እንተ ዘይሕግዘና ነይሩ ተስፋ ኣይምሃለወናን። (መዝሙር 49:7, 8 ኣንብብ።) ይኹን እምበር፡ የሆዋ ዜደንቕ ተስፋ ሂቡና ኣሎ። የሱስ ንሰዓብቱ፡ “ንወዲ ኣለልዩ ብእኡ ዚኣምን ዘበለስ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪህልዎ . . . እዚ ፍቓድ ኣቦይ እዩ” ኢሉ ኣተስፈዎም። (ዮሃ. 6:40) እወ፡ ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ውህበት ኣምላኽን ዜደንቕ መግለጺ ጸጋኡን እዩ። ጳውሎስ ነዚ ሓቂ እዚ ተገንዚብዎን የማስወሉን ስለ ዝነበረ፡ “እቲ ንዅሉ ዓይነት ሰብ ድሕነት ዜምጽእ ጸጋ ኣምላኽ ተገሊጹ ኣሎ” በለ።—ቲቶ. 2:11

ንጸጋ ኣምላኽ ኣይተቃልሎ

16. ገሊኦም ቀዳሞት ክርስትያናት ንጸጋ ኣምላኽ ዘቃለልዎ ብኸመይ እዮም፧

16 ካብ የሆዋ ዝረኸብናዮ ጸጋ ብዙሕ በረኸት ዜምጽኣልና እኳ እንተ ዀነ፡ የሆዋ ንዅሉ ዓይነት ኣካይዳ ዕሽሽ ከም ዚብሎ ጌርና ኽንሓስብ የብልናን። ካብቶም ቀዳሞት ክርስትያናት፡ “ብጸጋ ኣምላኽና ኣመኽንዮም ንውርምና” ኺገብሩ ዚፍትኑ ሰባት ነይሮም እዮም። (ይሁ. 4) እዞም ዘይእሙናት ክርስትያናት እዚኦም፡ ከም ድላዮም ሓጢኣት ኪገብሩ ኸም ዚኽእሉ፡ የሆዋ ድማ ወትሩ ሓጢኣቶም ከም ዚሓድገሎም ሓሲቦም ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። እቲ ዝኸፍአ ድማ ኣብቲ ንዕቀት ዚንጸባረቐሉ መገድታቶም ምእንቲ ኺሓብርዎም፡ ንኻልኦት ኣሕዋት ኪሓብልዎም ጽዒሮም እዮም። ሎሚ እውን እንተ ዀነ፡ ከምዚ ንምግባር ዚፍትን ዝዀነ ይኹን ሰብ፡ ‘ንመንፈስ ጸጋ ብንዕቀት የቘጥዕ’ እዩ።—እብ. 10:29

17. ጴጥሮስ እንታይ ሓያል ምኽሪ እዩ ዝሃበ፧

17 ሎሚ፡ ገሊኦም ክርስትያናት ብሰይጣን ስለ እተታለሉ፡ ሓጢኣት እንተ ገይሮም የሆዋ ብኡብኡ ዚሓድገሎም ኰይኑ እዩ ዚስምዖም። የሆዋ ንእተነስሑ ሓጥኣን ሓጢኣቶም ኪሓድገሎም ፍቓደኛ እኳ እንተ ዀነ፡ ነቲ ሓጥእ ዝንባለታትና ኽንቃለሶ ይጽበየና እዩ። ንጴጥሮስ ከኣ፡ “ፍቑራተየ፡ ነዚ ኣቐዲምኩም ካብ ፈለጥኩምዎ፡ ብስሕተት እቶም ጠሓስቲ ሕጊ ምሳታቶም ስሒትኩም ካብ ጽንዓትኩም ከይትወድቁ ተሓለዉ። ብጸጋን ብፍልጠትን ጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ዕበዩ” ኢሉ ንኺጽሕፍ ብመንፈሱ ደሪኽዎ እዩ።—2 ጴጥ. 3:17, 18

ጸጋ ሓላፍነት የሰክም

18. ጸጋ የሆዋ ስለ እተቐበልና እንታይ ሓላፍነት እዩ ዘሎና፧

18 ነቲ እተቐበልናዮ ጸጋ የሆዋ ኣዚና ነማስወሉ ኢና። ስለዚ፡ ዕዳ ስለ ዘሎና ነቲ እተቐበልናዮ ውህበት ንየሆዋ ንምኽባርን ንኻልኦት ንምሕጋዝን ክንጥቀመሉ ይግባእ። ብኸመይከ ኢና ኽንጥቀመሉ እንኽእል፧ ጳውሎስ ከምዚ ብምባል ይምልሰልና፦ “ከከም እተዋህበና ጸጋ በበይኑ ዝዀነ ውህበት ካብ ሃለወና . . . ኣገልግሎት እንተ ዀይኑ፡ ነገልግል፣ ወይስ እቲ ዚምህር፡ ይምሃር፣ ወይስ እቲ ዜተባብዕ፡ የተባብዕ፣ . . . እቲ ዚምሕር፡ ብሓጐስ ይምሓር።” (ሮሜ 12:6-8) ጸጋ የሆዋ ስለ እተቐበልና ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ክንጽመድን ንሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ክንምህሮምን ንክርስትያን ብጾትና ኸነተባብዖምን ንዝበደሉና ኽንሓድገሎምን ግዴታ ኣሎና።

19. እንታይ ንሓላፍነትና ዚምልከት ጕዳይ ኢና ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ እንመያየጠሉ፧

19 ንእተቐበልናዮ ጸጋ ኣምላኽ ነማስወሉ ኻብ ኰንና፡ ‘ብዛዕባ ብስራት ጸጋ ኣምላኽ ኣጸቢቕና ኽንምስክር’ ዚከኣልና ኽንገብር ኣሎና። (ግብ. 20:24) ነዚ ሓላፍነት እዚ፡ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ብዝርዝር ክንመያየጠሉ ኢና።

^ [1] (ሕጡብ ጽሑፍ 2) ኣብ ትርጉም ሓዳስ ዓለም፡ ኣብ ማህደረ ቓላት መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ጸጋ” ርአ።