ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብስራት ጸጋ ኣበስር

ብስራት ጸጋ ኣበስር

‘ብዛዕባ ብስራት ጸጋ ኣምላኽ ኣጸቢቕካ መስክር።’ —ግብ. 20:24

መዝሙር፦ 10, 25

1, 2. ሃዋርያ ጳውሎስ ንጸጋ ኣምላኽ የማስወሉ ኸም ዝነበረ ብኸመይ እዩ ኣርእዩ፧

ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ብቕንዕና፡ “እቲ ንዓይ እተዋህበ ጸጋኡ [ጸጋ ኣምላኽ] . . . ከንቱ ኣይኰነን” በለ። (1 ቈረንቶስ 15:9, 10 ኣንብብ።) ቀደም ንክርስትያናት የሳጕጕ ብምንባሩ፡ ዓብዪ ምሕረት ኣምላኽ ዝረኸበ ሳላ ዋጋ ጻዕሩ ወይ ዚግብኦ ዀይኑ ኸም ዘይኰነ ኣጸቢቑ ተገንዚቡ ነበረ።

2 ኣብ ኣጋ ሞቱ ድማ፡ ነቲ መዓይይቱ ዝነበረ ጢሞቴዎስ፡ “ኣነ ነቲ ሓይሊ ዝሃበኒ ጐይታና ክርስቶስ የሱስ አመስግኖ እየ። ከመይሲ፡ ንኣገልግሎት ብምምዳብ፡ ከም እሙን ቈጺሩኒ እዩ” ኢሉ ጸሓፈሉ። (1 ጢሞ. 1:12-14) እቲ ኣገልግሎት እቲ እንታይ እዩ፧ ጳውሎስ ኣብ ጉባኤ ኤፌሶን ንዝነበሩ ክርስትያናት፡ “ጕያይን ካብ ጐይታና የሱስ እተቐበልክዋ ኣገልግሎተይን ክሳዕ ዝፈጸምኩ፡ ማለት ብዛዕባ ብስራት ጸጋ ኣምላኽ ኣጸቢቐ ኽሳዕ ዝመስከርኩ፡ ንህይወተይ ከም ክብርቲ ገይረ ኣይርእያን እየ” ኢሉ ኺጽሕፈሎም ከሎ፡ ኣገልግሎት እንታይ ከም ዜጠቓልል ገሊጹ ኣሎ።—ግብ. 20:24

3. ጳውሎስ እንታይ ፍሉይ ኣገልግሎት እዩ ተዋሂብዎ፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)

3 ጳውሎስ ንጸጋ የሆዋ ዜጕልሕ እንታይ “ብስራት” እዩ ሰቢኹ፧ ኣብ ኤፌሶን ንዝነበሩ ክርስትያናት፡ “ብዛዕባ እቲ ስሌኹም እተዋህበኒ ጸጋ ኣምላኽ ናይ ምምሕዳር ሓላፍነትሲ ሰሚዕኩም ኣለኹም” በሎም። (ኤፌ. 3:1, 2) ኣይሁዳውያን ዘይኰኑ ሰባት እውን ምስቶም ኣብ መሲሓዊት መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ክርስቶስ ኪሓብሩ እተጸውዑ ምእንቲ ኺጽንበሩ፡ ጳውሎስ ንዓታቶም እውን ብስራት ኬበስሮም ተመዚዙ ነይሩ እዩ። (ኤፌሶን 3:5-8 ኣንብብ።) በቲ ንኣገልግሎት ዝነበሮ ቕንኣት፡ ሎሚ ንዘለዉ ክርስትያናት ሰናይ ኣብነት ሰሪዑሎም፡ እቲ እተዋህቦ ጸጋ ኣምላኽ “ከንቱ” ኸም ዘይኰነ ኸኣ ኣርእዩ እዩ።

ጸጋ ኣምላኽ ይድርኸካ ድዩ፧

4, 5. “ብስራት መንግስቲ” ምስ “ብስራት ጸጋ ኣምላኽ” ሕደ እዩ ኽንብል እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

4 ኣብዚ ግዜ መወዳእታ፡ ህዝቢ የሆዋ፡ “እዚ ብስራት መንግስቲ . . . ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ኵላ ዓለም” ኪሰብኩ ተመዚዞም እዮም። (ማቴ. 24:14) ኵሉ እቲ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ ክንረኽቦ ብተስፋ እንጽበዮ ዘሎና በረኸት፡ በቲ ብክርስቶስ ኣቢሉ እተገልጸ ጸጋ የሆዋ ስለ ዝዀነ፡ እቲ እንሰብኮ መልእኽቲ፡ “ብስራት ጸጋ ኣምላኽ” እውን ኪብሃል ይከኣል እዩ። (ኤፌ. 1:3) እሞኸ፡ ብደረጃ ውልቀ ሰብ ብቕንኣት ኣብ ኣገልግሎት ብምክፋል ከም ጳውሎስ ንጸጋ የሆዋ ነማስወሉ ዲና፧—ሮሜ 1:14-16 ኣንብብ።

5 ኣብታ ዝሓለፈት ዓንቀጽ፡ ሓጥኣን ከለና ኻብ ጸጋ የሆዋ ብእተፈላለየ መገድታት ብኸመይ ንጥቀም ከም ዘለና ርኢና ኔርና። ስለዚ፡ የሆዋ ፍቕሩ ብኸመይ ይገልጸልና ኸም ዘሎን ሰባት ብደረጃ ውልቀ ሰብ ብኸመይ ኪጥቀሙ ኸም ዚኽእሉን ከነፍልጥ ዕዳ ኣሎና። እሞኸ፡ ሰባት ንጸጋ ኣምላኽ ምእንቲ ኼማስዉሉ ብኸመይ ኢና ኽንሕግዞም እንኽእል፧

ብዛዕባ መስዋእታዊ በጃ ኣበስር

6, 7. ንሰባት ብዛዕባ በጃ ኽንገልጸሎም ከለና፡ ብዛዕባ ጸጋ ኣምላኽ ነበስሮም ከም ዘለና ዚቝጸር ብኸመይ እዩ፧

6 ሎሚ፡ ሓያሎ ሰባት ሓጢኣት ምስ ፈጸሙ ዝበደሉ ዀይኑ ስለ ዘይስምዖም፡ ስለምንታይ በጅነት ከም ዜድልየና ኣይርድኦምን እዩ። ምስናይዚ ግና፡ ብዙሓት ሰባት ኣነባብራኦም ናይ ሓቂ ሓጐስ ከም ዘየምጽኣሎም ይግንዘቡ እዮም። ሓጢኣት እንታይ ምዃኑ፡ ብኸመይ ከም ዚጸልወና፡ ካብ ባርነት ሓጢኣት ሓራ ኽንወጽእ ድማ እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና ዚፈልጡ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ተራኸቡ ጥራይ እዮም። ቅኑዓት ሰባት፡ የሆዋ በታ ዓባይ ፍቕሩን ብጸጋኡን ተደሪኹ፡ ካብ ሓጢኣትን ካብቲ ሳዕቤኑ ዝዀነ ሞትን ምእንቲ ኺብጀወና ኢሉ ንወዱ ኸም ዝለኣኾ ምስ ፈለጡ እፎይታ ረኺቦም እዮም።—1 ዮሃ. 4:9, 10

7 ጳውሎስ፡ ብዛዕባ እቲ ፍቑር ወዲ የሆዋ፡ “ብእኡ [ብየሱስ]፡ ብደሙ በጃ ተኸፊሉልና፡ ማለት ከም ሃብቲ ጸጋኡ [ጸጋ የሆዋ] ኣበሳና ተሓዲጉልና ኣሎ” ብምባል ጽሒፉ ኣሎ። (ኤፌ. 1:7) መስዋእታዊ በጃ ክርስቶስ፡ ኣምላኽ ንዓና ዘለዎ ፍቕሪ ዝገለጸሉ ዝዓበየ መረጋገጺ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ሃብቲ ጸጋኡ ዜርኢ እዩ። ኣብቲ ዝፈሰሰ ደም የሱስ እንተ ኣሚንና፡ ሓጢኣትና ኸም ዚሕደገልናን ሕልናና ኸም ዚነጽህን ምፍላጥናስ ኣየ ኸመይ ዝበለ እፎይታ ዀን እዩ ዜምጽኣልና! (እብ. 9:14) ነዚ ፍልጠት እዚ ንኻልኦት ምንጋር ብሓቂ ብስራት እዩ!

ሰባት ምስ ኣምላኽ ርክብ ኪምስርቱ ሓግዞም

8. ሓጥኣን ሰባት ምስ ኣምላኽ ኪዕረቑ ዜድልዮም ስለምንታይ እዩ፧

8 ኵሎም ሰባት ምስ ፈጣሪኦም ዕርክነት ኪምስርቱ ይኽእሉ እዮም። ንሕና ድማ ነዚ ኸነፍልጦም ሓላፍነት ኣሎና። ሰባት ብመስዋእቲ የሱስ እንተ ዘይኣሚኖም፡ ኣምላኽ ከም ጸላእቱ እዩ ዚቘጽሮም። ሃዋርያ ዮሃንስ፡ “እቲ ብወዲ ዚኣምን፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ፣ እቲ ንወዲ ዘይእዘዞ ግና፡ ቍጥዓ ኣምላኽ ደኣ ኣብኡ ይነብር እምበር፡ ንህይወት ኣይኪርእያን እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (ዮሃ. 3:36) እቲ ዜሐጕስ ድማ፡ መስዋእቲ ክርስቶስ ምስ ኣምላኽ ኣተዓሪቑና እዩ። ጳውሎስ፡ “ኣቱም ሓሳብኩም ኣብ እኩይ ግብሪ ብምንባሩ፡ ሓደ እዋን ርሑቓትን ጸላእትን ዝነበርኩም፡ . . . ሕጂ ብስጋዊ ሰብነት እቲ ዝሞተ ገይሩ ተዓሪቕኩም እዩ” በለ።—ቈሎ. 1:21, 22

9, 10. (ሀ) ክርስቶስ ንቕቡኣት ኣሕዋቱ እንታይ ሓላፍነት እዩ ሂብዎም፧ (ለ) እቶም “ካልኦት ኣባጊዕ” ንቕቡኣት ኣሕዋቶም ብኸመይ እዮም ዚሕግዝዎም፧

9 ከምቲ ጳውሎስ ዝበሎ፡ ክርስቶስ ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ቕቡኣት ኣሕዋቱ፡ “ኣገልግሎት ዕርቂ” ሂብዎም እዩ። ጳውሎስ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ቕቡኣት ክርስትያናት ብዛዕባ እዚ ገሊጹሎም ኣሎ። ከምዚ ኸኣ በለ፦ “ኵሉ ግና ካብቲ ብክርስቶስ ኣቢሉ እተዓረቐናን ኣገልግሎት ዕርቂ ዝሃበናን ኣምላኽ እዩ፣ ማለት፡ ኣምላኽ ኣበሳኦም ከይቈጸረ፡ ብክርስቶስ ኣቢሉ ንዓለም ምስ ርእሱ ይዓርቃ ኣሎ፣ ነቲ ቓል ዕርቂ ድማ ንዓና ብሕድሪ ሂቡና ኣሎ። እምበኣር፡ ንሕና ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ኣምባሳደራት ኢና፣ ስለዚ፡ ኣምላኽ ብኣና ገይሩ ይምሕጸን ከም ዘሎ እዩ። ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ኴንና፡ ‘ምስ ኣምላኽ ተዓረቑ’ ኢልና ንልምን ኣለና።”—2 ቈረ. 5:18-20

10 እቶም “ካልኦት ኣባጊዕ” ንቕቡኣት ኣሕዋቶም ኣብዚ ኣገልግሎት እዚ ኺሕግዝዎም፡ ከም ክቡር መሰል ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። (ዮሃ. 10:16) ከም ልኡኻት ክርስቶስ ኰይኖም ብምግልጋል ንሰባት መንፈሳዊ ሓቂ ኣብ ምምሃርን ብደረጃ ውልቀ ሰብ ምስ የሆዋ ርክብ ኪምስርቱ ኣብ ምሕጋዝን ዝዓበየ እጃም ኣለዎም። እዚ ድማ ኣገዳሲ ኽፋል እቲ ብዛዕባ ብስራት ጸጋ ኣምላኽ ኣጸቢቕካ እትምስክረሉ ዕዮ ስብከት እዩ።

ኣምላኽ ጸሎት ዚሰምዕ ምዃኑ ኣበስር

11, 12. ሰባት ናብ ኣምላኽ ኪጽልዩ ኸም ዘለዎም ኪፈልጡ፡ ብስራት ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

11 ሓያሎ ሰባት፡ ጸሎት ጽቡቕ ከም ዚስምዖም ስለ ዚገብር ዚጽልዩ እኳ እንተ ዀኑ፡ ኣምላኽ ንጸሎቶም ብሓቂ ኸም ዚሰምዖ ግና ኣይኣምኑን እዮም። እዞም ሰባት እዚኦም፡ የሆዋ “ሰማዕ ጸሎት” ምዃኑ ኺፈልጡ የድልዮም እዩ። ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ መዝሙር ዝዀነ ዳዊት፡ “ኦ ሰማዕ ጸሎት፡ ኵሉ ዓይነት ሰብ ናባኻ ኺመጽእ እዩ። ኣበሳይ ዓብሊሉኒ፣ ንስኻ ግና ንጥሕሰትና ኸዲንካዮ” በለ።—መዝ. 65:2, 3

12 የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ብስመይ ገለ እንተ ለሚንኩም፡ ክገብሮ እየ” በሎም። (ዮሃ. 14:14) “ገለ” ኺብሃል ከሎ፡ ምስ ፍቓዱ ዚሰማማዕ ንዘበለ ነገር ከም ዜመልክት ፍሉጥ እዩ። ዮሃንስ፡ “እቲ ኣብኡ ዘሎና እምንቶ እዚ እዩ፦ ከም ፍቓዱ ጌርና እንልምኖ ዘበለ ይሰምዓና እዩ” በለ። (1 ዮሃ. 5:14) ስለዚ፡ ጸሎት ስነ ኣእምሮኣዊ ጥቕሚ ዘለዎ ጥራይ ዘይኰነስ፡ “ናብ ዝፋን ጸጋ” የሆዋ ኽንቀርበሉ እንኽእል ዜደንቕ መገዲ ምዃኑ ንሰባት ክንምህሮምሲ ኣየ ኽንደይ ኣገዳሲ ዀን እዩ! (እብ. 4:16) ሰባት በቲ ቕኑዕ መገዲ፡ ናብቲ ቕኑዕ ኣካል፡ ብዛዕባ ቕኑዕ ነገራት ኪጽልዩ ንምህሮም እንተ ዄንና፡ ብግዜ ጭንቂ ንየሆዋ ኪቐርብዎን ምጽንናዕ ኪረኽቡን ንሕግዞም ኣለና ማለት እዩ።—መዝ. 4:1፣ 145:18

ኣብ ሓድሽ ስርዓት ዚርከብ ጸጋ

13, 14. (ሀ) ቅቡኣት ኣብ መጻኢ እንታይ ዜደንቕ መሰል እዮም ኪረኽቡ፧ (ለ) ቅቡኣት ንደቂ ሰብ እንታይ ዜደንቕ ነገር እዮም ኪገብሩሎም፧

13 ጸጋ የሆዋ “ኣብቲ ዚመጽእ ስርዓታት” እውን ብዝያዳ ኺርአ እዩ። ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ነቶም ኣብታ ሰማያዊት መንግስቲ ምስ ክርስቶስ ዚገዝኡ 144,000 ዚህቦም ፍሉይ መሰል ብምጥቃስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “እቲ ብምሕረት ሃብታም ዝዀነ ኣምላኽ ግና ሳላ እታ ብእኣ ዘፍቀረና ዓባይ ፍቕሩ፡ ብኣበሳና ምዉታት እኳ እንተ ነበርና፡ ምስ ክርስቶስ ህያዋን ገይሩና እዩ፡—ብጸጋ ኢኹም ዝደሓንኩም። ምስ ክርስቶስ የሱስ ብዘሎና ሓድነት ድማ፡ ኣተንሲኡናን ኣብ ሰማያት ኣቐሚጡናን እዩ፣ ኣብቲ ዚመጽእ ስርዓታት፡ እቲ ሓለፍ ዝበለ ሃብቲ ጸጋኡ ነቶም ምስ ክርስቶስ የሱስ ሓድነት ዘሎና ብሕያውነቱ ምእንቲ ኼርኢ ኸኣ እዩ ኸምኡ ዝገበረ።”—ኤፌ. 2:4-7

14 ነቲ ቕቡኣት ክርስትያናት ኣብ ሰማይ ምስ ክርስቶስ ኪገዝኡ ኣብ ዝፋናት ምስ ተቐመጡ ዚቕበልዎ የሆዋ ዘዳለወሎም ዜደንቕ ነገራት፡ ሕጂ ኽንግምቶ ኣይንኽእልን ኢና። (ሉቃ. 22:28-30፣ ፊል. 3:20, 21፣ 1 ዮሃ. 3:2) የሆዋ፡ “እቲ ሓለፍ ዝበለ ሃብቲ ጸጋኡ” ንዓታቶም ጥራይ ኬርእዮም እዩ። ንሳቶም ከኣ፡ “ሓዳስ የሩሳሌም፡” ማለት መርዓት ክርስቶስ ኪዀኑ እዮም። (ራእ. 3:12፣ 17:14፣ 21:2, 9, 10) ምስ የሱስ ሓቢሮም ድማ ንእዙዛት ደቂ ሰብ ናብቲ ኻብ ባርነት ሓጢኣትን ሞትን ናጻ ዚዀኑሉ ዅነታት ብምምራሕን ናብ ፍጽምና ኸም ዚበጽሑ ብምግባርን “ፈውሲ ኣህዛብ” ኬምጽኡ እዮም።ራእይ 22:1, 2, 17 ኣንብብ።

15, 16. የሆዋ ነቶም “ካልኦት ኣባጊዕ” ኣብ መጻኢ ጸጋኡ ዜርእዮም ብኸመይ እዩ፧

15 ኣብ ኤፌሶን 2:7፡ መግለጺ ጸጋ ኣምላኽ “ኣብቲ ዚመጽእ ስርዓታት” ከም ዚርአ ነንብብ ኢና። ኣብቲ ኣብ ምድሪ ዚህሉ ሓድሽ ስርዓት የሆዋ፡ “እቲ ሓለፍ ዝበለ ሃብቲ ጸጋኡ” ኸም ዚርአ ፍሉጥ እዩ። (ሉቃ. 18:29, 30) ሓደ ኻብቲ ኣብ ምድሪ ዚርአ ዝዓበየ መግለጺታት እቲ ዜደንቕ ጸጋ የሆዋ፡ ሰባት ካብ “መቓብር” ኪትንስኡ ኸለዉ ምዃኑ ርዱእ እዩ። (እዮ. 14:13-15፣ ዮሃ. 5:28, 29) ኵሎም እቶም ቅድሚ መስዋእታዊ ሞት ክርስቶስ ዝሞቱ ጥንቲ ዝነበሩ እሙናት ሰብኡትን ኣንስትን ኰኑ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ብተኣማንነት ዚሞቱ “ኻልኦት ኣባጊዕ” ብቐጻሊ ንየሆዋ ምእንቲ ኼገልግልዎ ኺትንስኡ እዮም።

16 ንኣምላኽ ከይፈለጡ ዚሞቱ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት እውን ኪትንስኡ እዮም። ንልዑላውነት የሆዋ ኺግዝኡ ኸኣ ኣጋጣሚ ኪኽፈተሎም እዩ። ዮሃንስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “ምዉታት ድማ፡ ዓበይትን ንኣሽቱን፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ደው ኢሎም ረኣኹ፣ ጥቕላላት መጻሕፍቲ እውን ተቐልዐ። ካልእ ጥቕልልቲ መጽሓፍ እውን ተቐልዐት፣ እዚኣ፡ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ህይወት እያ። እቶም ምዉታት ድማ፡ ከምቲ ኣብቲ ጥቕላላት መጻሕፍቲ እተጻሕፈ፡ ከከም ግብሮም ተፈርዱ። ባሕሪ ኸኣ ነቶም ኣብኣ ዘለዉ ምዉታት ሃበት፣ ሞትን መቓብርን እውን ኣባታቶም ዘለዉ ምዉታት ሃቡ፣ ነፍሲ ወከፎም ከኣ ከከም ግብሮም ተፈርዱ።” (ራእ. 20:12, 13) እቶም ዚትንስኡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስርዓታት ኣምላኽ ብኸመይ ከም ዚትግብርዎ ኺምሃሩ ኼድልዮም እዩ። ብዘይካዚ፡ ነቲ ኣብቲ “ጥቕላላት” ዚግለጽ ጠቓሚ ዝዀነ ሓድሽ መምርሒታት ኪስዕብዎ ኼድልዮም እዩ። እቲ ጥቕላላት ኣብቲ ሓድሽ ስርዓት ንምንባር የሆዋ ዚሓትቶ ብቕዓታት ዝሓዘ ብምዃኑ፡ የሆዋ ነዚ ኸም ዚግለጽ ምግባሩ፡ ጸጋኡ ዚገልጸሉ ኻልእ መገዲ እዩ።

ወትሩ ብስራት ኣበስር

17. ኣብ ዕዮ ምስክርነት ክንካፈል ከለና፡ እንታይ ኢና ኽንዝክር ዚግባእ፧

17 መወዳእታ ቐሪቡ ስለ ዘሎ፡ እቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክንሰብኽ እተዋህበና መዝነት ካብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ሎሚ ዝያዳ ኣገዳሲ እዩ። (ማር. 13:10) ብስራት ንጸጋ የሆዋ ኸም ዜጕልሕ ዚከሓድ ኣይኰነን። ኣብ ዕዮ ምስክርነት ክንካፈል ከለና፡ ነዚ ኽንዝክር ይግባእ። ክንሰብኽ ከለና፡ ዕላማና ንየሆዋ ንምኽባር እዩ። ስለዚ፡ ንሰባት ክንሰብከሎም ከለና፡ ኵሉ እቲ ኣብ ሓዳስ ዓለም ዚርከብ በረኸታት መግለጺ እቲ ዜደንቕ ጸጋ የሆዋ ምዃኑ ኽንገልጸሎም ይግባእ።

“ጸጋ ኣምላኽ ናይ ምምሕዳር ሓላፍነት” ስለ እተዋህበና፡ ብቕንኣት ነገልግል። —1 ጴጥ. 4:10 (ሕጡብ ጽሑፍ 17-19 ርአ)

18, 19. ንጸጋ የሆዋ ኸነኽብሮ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

18 ንኻልኦት ክንምስክረሎም ከለና፡ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ ክርስቶስ፡ ደቂ ሰብ ካብ መስዋእታዊ በጃ የሱስ ክርስቶስ ምሉእ ብምሉእ ከም ዚጥቀሙን በብቝሩብ ናብ ፍጽምና ኸም ዚበጽሑን ክንገልጸሎም ንኽእል ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ፍጥረት ንባዕሉ እውን፡ ካብ ባርነት ጥፍኣት ሓራ ኺወጽእን ክቡር ሓርነት ደቂ ኣምላኽ ኪህልዎን” ምዃኑ ይገልጽ እዩ። (ሮሜ 8:21) እዚ ኸኣ በቲ ሓለፍ ዝበለ ጸጋ የሆዋ ጥራይ እዩ ዚከኣል።

19 ነቲ ኣብ ራእይ 21:4, 5 ተመዝጊቡ ዘሎ፡ “[ኣምላኽ] ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ፣ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ደጊም እውን ሓዘን ወይ ኣውያት ወይ ስቓይ ኣይኪኸውንን እዩ። እቲ ቐዳማይ ሓሊፉ እዩ” ዚብል ዜደንቕ ተስፋ ንዅሎም ዚሰምዑ ሰባት ክንነግሮም ፍሉይ መሰል ተዋሂቡና ኣሎ። እቲ ኣብ ዝፋን እተቐመጠ የሆዋ፡ “እንሆ፡ ንዅሉ እሕድሶ ኣለኹ . . . እዚ ቓል እዚ እሙንን ሓቅን እዩ እሞ፡ ጽሓፍ” ኢሉ እዩ። ነዚ ብስራት እዚ ንሰባት ብቕንኣት ክንነግሮም ከለና፡ ብሓቂ ንጸጋ የሆዋ ኢና እነኽብሮ።